Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቪቫ ጀኔቫ!

ኣንቱም ሰንፈላላት ልኡኻት ሓሊቦ መጕሃዪ ዘመዶም መነወርቲ ‘ንዳ ‘ቦ እቲ ኣርሓ ደርሁ ዕንቅዓ ፈኸራ ንርእሱ ተሓቢኡ ጸቢባቶ ኣስመራ 'ሹት!' እንተበለኩም ክትገብሩ ዳንኬራ ‘ናበይ?’ ከ ዘይትብሉዎ ካብ ምሓዝ ቆጸራ።   እሞ ኸኣ ንጀኔቫ፣ ናብቲ ቀጽሪ መትከል ደብሪ ሰብ ሕልና ተጣበቕቲ መሰል እንታይ ‘ዩ ዘብለኩም ሄልሄል ድቃስ

ኣንቱም ሰንፈላላት ልኡኻት ሓሊቦ

መጕሃዪ ዘመዶም መነወርቲ ‘ንዳ ‘ቦ

እቲ ኣርሓ ደርሁ ዕንቅዓ ፈኸራ

ንርእሱ ተሓቢኡ ጸቢባቶ ኣስመራ

‘ሹት!’ እንተበለኩም ክትገብሩ ዳንኬራ

‘ናበይ?’ ከ ዘይትብሉዎ ካብ ምሓዝ ቆጸራ።

 

እሞ ኸኣ ንጀኔቫ፣ ናብቲ ቀጽሪ መትከል

ደብሪ ሰብ ሕልና ተጣበቕቲ መሰል

እንታይ ‘ዩ ዘብለኩም ሄልሄል

ድቃስ ዘይሕሸኩም ምዃን ዓዲ ውዒል?

 

ንሳ ደኣ ሕዛእቲ ‘ንድያ ንደለይቲ ፍትሒ

ናዅራ ዘይትኸዱ መዓስከር መቛሒ

ካብ ሰብ ተኸዊልኩም ከተጕርዑ ወርሒ፣

እወ፣

እንተደሊኹም፣ ‘ንሕና ንሱ’ ትብሉ

ዓርቀርኩም ክሳብ ዝቕደድ ከም ኣመሉ፣

እንተደሊኹም፣ ግንባርኩም ትውቀጡ ስእሉ

ሽቓቕ እንተረሓቖ ኣፍኩም ሃህ ተብሉ

ሰብኩም ከኣ ይውዕል ካብ ሕፍረት ተኸዊሉ።

 

እምበር ‘ቲ ናብ ጀኔቫ ዝወስድ መንገዲ

ኣይናትኩምን ‘ዩ ቀይሩሉ ዓዲ

ብዓቲ ድለዩ ናይ ኣራዊት ጎዳጉዲ።

 

እምበር ዶ ይስቆረኩም ‘ዩ ‘ቲ ሓጥያት

ደገፍኩም ንኣረሜን ዝፍጽሞ ጥፍኣት፣

ኣሕዋትኩም በቲኑ ኣናጢሩ ዶባት

መስሓል ካራ ኣይሰስ ዝገብሮም ኣወዳት፣

ካብ ሰኪዐት በደዊን ዝመለቛ ኣሓት

ንባሕሪ ዝናሃበን ሓዚለን ህጻናት

መፍቶ ጭው ውቅያኖስ ናይ ዓሳታት ሸዊት

ኮይነን ጸምበለል ዘይበላ ሓደው ንረዲኤት ሓደው ንቕባጸት፣

ኣዴታትኩም ኣብክዩ ንሓደ ዓመት

ኣብ ዒስራ ሰነ ዝእዝዘን ከቋርጻ ብኽያት

ኣቦታትኩም ኣደንዚዙ ቀይሩ ድኑሳት

ደብሉለይ ዝብሎም ኣብ ጽምብል ናጽነት፣

ንበላዒ ሰብ ‘ኮ ኢኹም ኣፍቂርኩም ካብ ሰባት

ነቲ መጻዪ ደም ሰብ መሰል ኣሰለት

እንታይ ‘ዩ ዝፈልየኩም ካብ ኣራዊት!?

 

ወረ ምኻድስ ኺዱ

እንተ ብትኬት ርኹሳን

እንተ ብህቦብላ ሸይጣን

እንተ ብውሕጅ ከም ርኳን፣

ኣብኡ ኸ እንታይ ኢኹም ክትብሉ ንምዃኑ

ኣብ ኣዳራሽ ዓለም ኣብ ቅድሚ ዳያኑ?

 

ይኽደነና፣

‘ዲክታተር ይንበር!

መሰል ይቀበር!

ስደት ይዓምር!

ማእከላይ ባሕሪ ደም ይምሰል!

ህዝቢ ህልም ይበል!

ዓነው ትበል ሃገር!?

ኢልኩም ዲኹም ክትጭርሑ

ከመይ ተቖርሑ!

ሞት ኣሕዋት እናረኣኹም

ከም ዝብኢ ክትነብሑ?

 

ኣንቱም ሰባት፣

ዋላ ፍጊዕ እንተበለና ሓንጎልኩም ተኵኑ

‘ኣየ ኤርትራ’ እንክብሃል በቶም ዝጸየኑ

ንኹልና ስለዘሕመና ዓሚሙ

በጃኩም ተለመኑ!!

ኣብ መቓብር ስጋኹም ኣብ ክንዲ ትሸኑ

ናይ ሰንኮፍ ኣሕዋትኩም ባላ ግዳ ኹኑ።

 

ኣፍኩም እናጨርሐ ልብኹም ካብ ዝቖስል

ይሕሸኩም ምዃን ዓዲ ውዒል፣

ዝብሃል ኣለና ኣብ ክንዲ ግዳያት

ንብብ ትውዕሉዎ ከም ጥቕሲ ሃዋርያት፣

ሰይጣናዊ ሰልፊ ምስ ሰላማዊ ድቃስ

መን ኣወዳዲሩዎ ንመርዓ ምስ መልቀስ፣

 

ኣብ ጽባሕ ዕለተ ሰማእታት

ረጊጽኩም ምኽሪ ኣሕዋት

ናይ ትማልን ሎምን

ናይ ምድርን ባሕርን

ሰጊርኩም ሬሳታት

ካልኣይ ቀብሪ ህልዉ ሞት

እንተዓዚዙኩም ካብ ህልቂት ኣሽሓት

ኣብኣ ትዴኹም፣

እንተነዓቕኩሞ ንቝጥዐ መሬት

ይዕዘበኩም ‘ሎ ኣምላኽ ካብ ሰማያት፣

ንርእስኹም ኣይትበሉ ‘ምበር

ክትርእዩዎ ኢኹም

ደም ንጹሃት ኣብ ኢድኩም ተሳኢሉ

ኣብ ነሓሲ ሰይጣን ትንፋስኩም ተሰቒሉ።

 

ርኣዩለይ ስምዑለይ

ኣንቱም ደለይቲ ፍትሒ

እቲ ጽሑፍ ንጹር ‘ዩ ዝንበብ ብወርሒ

ጀኔቫ ዕሰሉ ዝነቡ ከም ኣይሂ፣

መንገዳ ፍሉጥ ‘ዩ ኣይትድለዩ መራሒ

ልቢ ክወስደኩም’ዩ ቅንዕና ሰራሒ፣

 

ከይተጣማመትኩም መኔኹም ነቐለ

ዓዳምን ተዓዳምን ከይተኸፋፈለ

ሕሰቡዎ ጥራይ ‘ምበር ኣብ ክንዲ ግዳያት

ክንፊ ክኾነኩም ‘ዩ ዘብጽሕ ብሰዓት፣

 

ኣንታ ደላይ ፍትሒ ናይ ውጹዓት ዑቕባ

ትኸል ንቐል ዕሰላ ጀኔቫ

ከይረገጽካያ ‘ንድያ ኣድሚጻ መርሓባ

ሰብኣዊት ምዃና ክዉን ተዛሪባ፣

 

ክፉእ ዝረኣየ ሕልና ሰብኣዊ

መትከሉ ከሐብኖ መስካሪ ክረዊ፣

መቓልሕ ክትመልስ ደጊምካ ንሓቂ

ፍርዲ ክቐለሉ ንዳኛ ዓራቒ

እንድኣሉ ‘ምበር

ጥራዩ ‘ንዲዩ ወጺኡ ‘ቲ ሓሶት ለቕላቒ

ዓለም ፈሊጡዎ ምዃኑ ጨፍላቒ።

 

ምድረበዳ ጥሒስካ ተሳጊርካ ባሕሪ

እንዶ ግዳ ኣይመጻእካን ኣድኪምካ ቆጻሪ፣

እምኒ ደርቢኻ ተርክበሉ ጕዕዞ

ከመይ የወላውለካ ሃየ ደኣ ሓዞ፣

 

ሎሚ ዘይመረሸ

ጀኔቫ ዘይገሸ

ኣለኹ ‘ናበለ ነብሱ ዝቐሸሸ፣

 

ድሕሪ ውራይ ክቕበር ኣብ ምልሶ መገሻ

መርዓ ከይጽይቕ ዝተሓብአ ሬሳ

ምዃኑ ፈሊጥካ ምንጪ ረዚን ጣዕሳ፣

ወይ ቀባሪኡ ወይ ንሱ ከይትኸውን

ሰለስተ ሻዕ ኣፍልጠን ነብስን ጎረቤትን

ተዓዊትካ ውዓል ሕልናኻ ኣይትህሰ

ንገዛእ ጉዳይካ ኣይትድለ መጓሰ።

 

ነዛ ሓንቲ ዕለት ንዑናይ ንመረሽ

ንሓሶት መላኺ ነብሎ ሃዶሽዶሽ

መንገዳ ሓጺር ‘ዩ ዝዕቀን ብሜትሮ

ፍሪኣ ግን ካዕበት ዓለማት ጽን ዝብሎ፣

 

ኣሰር መቃጠርቲ ምስ ደሮና ክብቆጽ

ንኺድ ሰብ ሕልና ኣብ ጀኔቫ ንርገጽ

ብረሃጽ እግርና ብንብዓት ዓይንና

ነጥልላ ‘ታ መሬት ኣብ ክንዲ ህዝብና፣

ፍሽኽ ክብል ‘ዩ ‘ቲ ሰብኣዊ

ብሰናይ ተግባሩ ኣዕሚቑ ክረዊ፣

መትሓዚ ስኢኑሉ ሓቦ ኤርትራዊ

ርእሱ ክኣስር ‘ዩ መላኺ ከእዊ፣

ምንባር ከይጀመረ ኣብ ማይ ዝጠሓለ

ክበራበር ‘ዩ ‘ቲ ህጻን ምስ ዓሳ ክላለ

ትንፋስ ኣጨጪቡ ኣብ ባሕሪ ክሳለ፣

 

ስለዚ፣.. ጉዕዞ ሓንቲ ዕለት

ክንድዚ ካብ ሓየለት፣

እንታይ ኣሎ ምኽንያት

ዘትርፈካ ንድሕሪት፣

ንኺድ ዝበለካ በሎ ይመጽእ ኣለኹ

ቀድሚካዮ ጽናሕ ብዝሕኻ ወሲኹ !

ክተት ደላይ ፍትሒ ጉብኣያ ጀኔቫ

ኣብ ልዳታ ኴንካ በላ ‘ቪቫ ቪቫ’

ካብ ቁጽሪ ስደትካ ሰልፍኻ ይዕጀባ!

“ለካ ኤርትራውስ ተበዲሉ እምበር ኣይሓመቐን

ዕጥቁ ዘሊቑ እምበር ኣይተፈትሐን

ተሓኒቑ እምበር ኣይተሓንቀን”

ኢላ፣ ኣብ ርእሲ ሓይልኻ ክትኮነካ ሓይሊ

እምነትካ ክትምለሶ ኣኻውሕ ፈንቃሊ፣

ኣስመራ ክትዕደም ጀኔቫ ንርእሳ

ኣብ ጽምብል ሓርነት ክትበጽሓካ ገይሻ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!!

ኣማኑኤል ኢያሱ

20 ሰነ 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • ARON KIDANE June 20, 2015

    teawet teawet ama hawena delaye fetehen selamen tsebuk serh ajoka ajona wed wetsu hezbiedemen teanan neaka

  • yihdego zelalem June 20, 2015

    ንብዓተይ ተወዲኡ እዩ ብኸ ኣይትበሉኒ
    ስንኩላት ክርሸኑ ሱቕ ምባለይ እናጕሃየኒ
    ኩናማ ዓፋር ሃይኖታውያንን ክግፍዑ እናተዘከረኒ
    ገዛይ ተዓጽየ ነቢዔ እየ ክሳዕ ዝኣኽለኒ
    ስብእነተይ ሃሲሱ እዩ ሕነ ምፍዳይ ኣፍሪሑኒ
    ስረይ ህግደፍ ቁምጣይ በደዊን ኣሕዲጎምኒ
    ሞት ሕጹይ ዓው ኢልካ ዘይቁዘሞ ኣጋጢሙኒ
    ኣንበሳ ኣቦይ ወኻርያ ወሊዱ ጎረባብተይ ንዒቖምኒ
    ሱቕ ኢለ ይርኢ ኣለኹ እኒ ማንኪ ዓደይ እንዳሕደጉኒ
    ምስ ዝመውት ሓደራ ከም ክቡር መሬት ከይትቐብሩኒ
    መሮር ይደርበ ኣዛብእ በረኻ ይብሉዕኒ

  • Truly Truly i say to you June 20, 2015

    ክቡር ሓውና ኣቶ ኣማንኤል ሳህለ ብዕለት 6 june “ምልካዊ ስርዓትን ደሞክራስን” ብዝብል ኣብዘቕረቦ ጽሑፍ ከምዚ ክብል ሓደ ሓቂ ገሊጹ ነሩ።

    “ኣብተን ንህዝቢ ዘይሓሊ እምባገነናዊ ስርዓት ዝሰፈነን ሃገራትን ኣብተን ንህዝቢ ዝሓሊ ስርዓት ዘለወን ሃገራትን ኩሉ ግዜ ነቲ ስርዓት ወይ ነቲ ፓርቲ ዝድግፉ ሰዓብቲ ኣለዉ። ይኹንምበር ናይቲ ቀዳማይ ስርዓት ሰዓብቲ፡ ኣብቲ ዝፈሽ ደም ኢድ ስለ ዚህልዎምን ነቲ ጭቆና ንኺቕጽል ደገፍ ብምዃኖምን ካብቶም ዘምልኹዎም ኣምባገነናት ፈሊኻ ዝረኣዩ ኣይኮኑን።

    ክቡር ኣያና ኣቶ ኣድሓኖም ፍትዊም “ትርጉም ዘይብሉ ጉዕዞ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ንጀነቭ – ኣብ ዓዲ፡ዲሞክራሲ ኰይንካ ንዲሞክራሲ ምቀዋም፧” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብዘቕረቦ ጽሑፉ “ነዚ ስርዓት ዝድግፉ ሰባት ንምኳኑ መን እዮም”” ኢሉ ዝብል ኣገዳሲ ሕቶ ድሕሪ ምሕታት መን ከምድኾኑ ክገልጽ እንከሎ “ኣነ ከም ዝመስለኒ ገለ ብጥቕሚ ዝተታለሉ ገለ ድማ ብስሚዒት በሽም ሃገራውነት ዝድግፉ ኢዮም እብል” ኢሉ ድሕሪ ምግላጽ ኣስኢቡ ካልእ ኣገዳሲ ነጥብታት ክገልጽ እንከሎ ከምዚ ኢሉ
    “ካሊእ ነዞም ደናቑር ደገፍቲ ስርዓት ክሓቶም ዝደሊ፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ መን’ዩ፧ ዝብል ኢዩ። ርግጸኛ ኢየ “ወያኔ ወይ ድማ ኣሜሪካ” ከምዝብሉ። እቲ ሓቂ ግን ክነግረኩም፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ህዝቢ ዝቐትልን ዝኣስርን ንስደት ዘሳጥሕን ስርዓት ወዲ ሃገር ይኹን ባዕዲ ጸላኢ ኢዩ። ናይ ፖለቲካ ሀሁ ክንምህረኩም። ኢሳያስ ካብ ሳሕል ጀሚሩ ስጋብ ግዜ ናጽነት ሰብ እናበልዐ፡ ካብ መሪሕነት ከይተላቐቐ ይጐዓዝ ኣሎ። እዚ ግን ሃገራዊ ከብሎ ኣይኽእልን። ሓቂ ክንዛረብ እንተኮይኑ ሃገራውነቱ ብተግባሩ ይኹን ብትውልዱ ደምሲስዎ ኢዩ።ኣነ’ኳ ስጋብ ሎሚ ብትውልዱ ከሲሰዮ ኣይፈልጥን። ንሕና ምስ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ከኣ ምስ ተጋሩ ተዋሊድና ኢና።ናይ ሓደ መራሒ ተግባር ግን ንሃገራውነት ወሳኒ ኢዩ።” ኢሉ
    ኣማን ብኣማን ኣብ መብዛሕትኡ ኣቶ ኣድሓኖም ቅኑእ ኣሎ። ይቅጽል።

  • Truly Truly i say to you June 20, 2015

    ብፍላይ ቀንዲ ጸላኢ ኤርትራ ሕግደፍ እዩ ኣብቲ ኣቶ ኣድሓኖም ዝበሎ ሙሉእ ብሙሉእ ዝስማማእ ዋላዃ እንተኾንኩ፣ ግደ ሓቂ ግን ወያኔ ኮነ ኣሜሪካ ነቲ ሕዝቢ ኤርትራ ዝምነዮ ባሕጊ ሙሉእ ብሙሉእ ይቅበልዎ እዮም ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ምዝራብ ካብ ኵንነት ወጻኢ ከምድኾነ እዬ ብወገነይ ዝኣምን። ብካልእ ኣዘራርባ ነዞም ሓገራት ከምጸላእትና ምቕራብ ግቡእ እንኳ እንተደይኮነ ብፍላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሓገራዊ ረብሕዖም ፓሊሲ እንተተከኣለ ንሙሉእ ኤርትራ ከም ቀደማ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባር፣ እንተደይተከኣለ ግን እንተወሃደ ንወደብ ኣሰብ ንምርካብ፣ ኤርትራ ብዝኾነ መንገዲ ንክትዳከም ኣይሰርሑን ኣለዉ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ንምዝራብ ምፍታን ሙሉእ ሕዝቢ ኤርትራ ዘየስተውእል ጻማም ገርካ ካብሙቅጻር ዝነቀለ ናይ ንእቀት ዘረባ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ። ነዚ ድሕሪ ምባል ኣብ መወዳእታ ሃደ ተወሳኺ መን እዩም ነዚ ስርዓት ብምድጋፍ ናብ ጄኔቭ ብምካድ ደገፎም ከረጋግጹሉ ዝፍትኑ ንዝብል ሕቶ ብወገነይ እዞም ሰባት ከም ኢሳያስ ናይ መንነት ጸገም ዘለዎም፣ ኣዝማድ ሰበ ስልጣናት ናይቲ ገበነኛ ስርዓትን ኣባላት ደማሒትን፣ ብናይ ኤርትራ ልዑላዊነት ዘይኣምኑን፣ ፍትሓዊ ዲሞክራሲያዊን ናይ ሕዝባ ሰላም ዝተረጋገጸላ ልምዕቲ ኤርትራ ተመስሪታ ክርእዩ ዘይትምነዩ፣ ዋላኳ ከምቲ ኣቶ ኣድሓኖም ዝበሎ ካብ ትግራይ ኮነ ካብ ካልዕ ምዉሳብ ነውሪ ተቆጺሩ ንዝነኾነ ሰብ ብትውልዱ ምክሳስ ፈጺሙ ግቡእ እንተዘይኮነ፣ ግናስ ሓደ ኣግሒዱ ክንገር ዘለዎ ሓቂ፡ እዞም ሰባት ከም ኢሳያስ ንሕዝቢ ኤርትራ ንምጽናት ንቁጠባና ንምእናው፣ ሓገርና ካብ ዓለም ክትንጸልን ነጻነትና ክቅልበስን ዝሰርሁ ናይ መነነት ጸገም ዘለዎም ሰባትን ደገፍቶምን እዮም ምበልኩ። በዚ ምኽንያት ኣየኦም ካብ ዓለም ሕብረተሰብ መጠነቀቅታ ስለዝበጸሖ፡ ተሰናቢዶም ናብ ጄኔቭ ከእውዩ ተተጓየዩ ብዙሕ ዘደንቕ ኣይኮነን።

    • Tsegai June 22, 2015

      Aqedime izi zisib tzihuf memela’ita imber neqefieta kem zeikone yihibir.
      Kibur Haw Truly, Tzelaiti’nan Fetewti’nan zibehal agelali’tza n “lomi” tirah zimilket iyu. N abinet izom ilet 26.06.2015 ab Geneva “Fithi n hizbi Eritrea” kinibl medibna zelonona, qidmi qurub ametatin qidmi 10, 20, 30 ametatin “fiqri aineberenan”.Slezi gorebabitin yikunu hayalat- alem a’iruktina kingebrom kinqales alona. B meseretu hizbi Ethiopian Eritrean aziyu zeqeraribo requahitat yibezih. Ab poleika ” akoliseni, kekoliseka ” iyu zesarh. Gzie kea wesani iyu. N abnet ab iraq tetzarerti regional hailitat habirom kiserhu tiri’i. Ab kali kebabi kea yiba’asu. N abnet EPLFnn TPLFn ” akoliseni, kekoliseka ” tebahahilo n ELF n Dergin si’iromom.B dihri’u kea tetzaliom.Slezi n fiqrin selamn teqeribna kintznih agedasi iyu.

  • Yerhiwo June 20, 2015

    Nice poem Amanuel Eyasu! You are our hero and nightmare for the dictatoral regime in Eritrea. I wish we had 10 people like you!!!

    Dictator Isaias Afwerki was in power to cause harm, rape, arrest, death, humility, degradation and misery to Dekebat Eritreans for more than 40 years. After independence, he brought Hagos Kisha who is a notorious thief in DC to control Eritrean Wealth. Just before independence, he brought his cousin Yemane Monkey from US and put him in central committee of EPLF to the dismay of veteran fighters.
    What do DIA, Monkey and Kisha have in common? First, they are from Tigray. DIA is from Tembien, Monkey (Wedi Adey Gebriel, balti suwa) from ADWA, and Kisha brought from Awraja Agame as a child to Senafe.
    Second, they all grew up enda suwa. Dictator Isaias Afwerki is the grandson of Medhin Berad, a notrious suwa seller in Asmara. Monkey’s mom, Adey Gebriela also suwa seller in Gejeret. Kisha’s sister “Tiebe” also sells suwa or beer in Senafe and she brought Kisha to Eritrea to have a good life. DIA, KISHA and MONKEY grew up hearing “agame” from the customers. They all have inferiority complex and now they are in power as strong men to revenge against Dekebat Eritreans!
    Thanks God, the ICC is closer and closer in getting these criminals to court or label them as “criminals” in the court of law.

  • ertra n ertrawyan June 21, 2015

    kulu gzye jigna Amanuel Eyasu.

  • asmeret June 22, 2015

    Amanuel my hero I’can’t thank you enough for what you doing as usually. Thank you brother!

  • hamasanay June 25, 2015

    Aklabat ketema entay da kindzi minbah Amanial eko esub eyu eske fetshu kab tshfatu hanti malti bizaba agame himak yezaribu yfelt dyu

POST A COMMENT