Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተልእኾ ኣባላት ሕብእቲ ሰልፍታት።

ተልእኾ ኣባላት ሕብእቲ ሰልፍታት።           11.12.15፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርእስተይ ንሎሚ “ጥራጥ ዝቐርቀረ ነይዘልል” ክብል ምዃነይ ተቛጺረኩም ምንባረይ ትዝክሩ ኢኹም። ግናስ በዛ መገዲ’ዚኣ ክሓልፍ መሪጸ ኣለኹ’ሞ ተጸመሙኒ። እወ፡ ወዮ ግዜ ግዲ ረቒቑስ ወዲሰብ ንርእሱ ታሪኽ ኮይኑ ንዝተርፍ ብታሪኽ ዝግደስ

ተልእኾ ኣባላት ሕብእቲ ሰልፍታት           11.12.15፡

ኣብ ዝሓለፈ ኣርእስተይ ንሎሚ “ጥራጥ ዝቐርቀረ ነይዘልል” ክብል ምዃነይ ተቛጺረኩም ምንባረይ ትዝክሩ ኢኹም። ግናስ በዛ መገዲ’ዚኣ ክሓልፍ መሪጸ ኣለኹ’ሞ ተጸመሙኒ።

እወ፡ ወዮ ግዜ ግዲ ረቒቑስ ወዲሰብ ንርእሱ ታሪኽ ኮይኑ ንዝተርፍ ብታሪኽ ዝግደስ ሰብ እናሰሓወ ምኻዱን ኣውራ ን ዝኾነ ትረኻ ሰብ ውዕሎ ጸለመን ሃጠው-ቀጠውን ኮይኑ ዝስምዖም’ኳ እንተዘይወሓዱ ሎሚ ግና ናብቲ ህሉዊ ኩነታትና ገጽና እናቀረብና ኢና’ሞ ብግብሪ ከምትርእይዎ ስለዝኣምን ትረኻይ ክቕጽሎ ኣንቂደ ስለዘለኹ ሃየ’ስከ።

ዝኾነ ህግደፋዊ ፖለቲካዊ ስራሓት ዘዝቐሰመ ጥበበኛ ብዛዕባ ሕቡእ ሰልፊ ምዝራበይ ድንቁርናይ ኪኖኡ’ውን ዕሽነተይ ከስሕቖ ይኽእል። በቲ ዝተሓተ “ከምኡ እንተዘይንገብርሲ ኣይምተዓወትናን” ብማለት። እቲ ካልእ’ውን ፖለቲካዊ ዕዮድኣ ይቕላዕ ድዩ” ክብል ይኽእል። ኩሉ ሰብ ሓቁ። እንኮላይ ፖለቲካዊ ዓላማ ከምዘይቅላዕ፡ እቲ ነቲ ዓላማ ንምዕዋት ትጥቀመ ሉ ጥበብ ኢዩ ዝምስጠር ኢለ ምሕሳበይ ኣነ’ውን ሓቀይ። ዓላማ ነጋዳይ ክህብትም ምዃኑ ንመን ይስወሮ? ክህብትም ዝጥ ቀመሉ ጥበባት ግና ይምስጠር። ምኽንያቱ ነቲ ጥበብ ፈሊጡ ሰብ ኣብ እንጀራኡ ከይቆራቖሶ። ምናዳ ቀልጢፉ ዘሀብትም መገዲ ከም፡ ኮንትሮባንዳ፣ ጉቦ፣ ግብሪ ዘይምኽፋል፣ ቅትለት ወዘተ ክኽውሎ ኣለዎ። እሞ’ዛ ጸላም ስራሕ ‘ፖለቲካ’ እንተ ኾይና ንዓና ንምእንቲ ናጽነትን ሓርነትን ድሮ ኣብ ዱር ዝሓደርናን ኣብ ዘተኣማምን ወዳበን ብቕዓትን ዝበጻሕናን ንሳ ተድ ልየናዶ ነይራ? ከምኣ እንተኾይና እንታይ ነበረ መለሳኡ’ቲ ብንጉሆኡ ክንቃለሶ በረኻ ዝወፈርናሉ ዓላማ? ኩሉ ነገር ክንገብር እናከኣልናኸ ንምንታ ከምኡ ተመሪጹ?” ዘዝበለ ከምዚ ከማይ ብኦኦም ብሓቂ ‘ክሳሓቕ’ ዝግቦኦ ሰብ ክኸውን ይኽእል።

ፖለቲካ ናብ ዓላማ ዘብጽሕ ኣገባብ ቃልሲ’ምበር ንርእሱ ዓላማ ኣይኮነን። ኣገባብ ቃልሲ ድማ ጥበብ መስርሕ ፖለቲካ ዊ ዓላማ ምዃኑ ንሰማማዓሉ ንኸውን። ምቛም ሰልፊ ከም ናብ ዓላማ ዘብጽሕ መስርሕ ፖለቲካ ምስ እንወስዶ ምስዋሩ ድማ ፍቱን ኣገባብ ቃልሲ ምዃኑ ገሊጾሙልና። ንሕና ድማ ምእንቲ’ቲ ናይ ርሑቕ ዓላማ ኩሉ ግርም ኢልናዮም። ግዳስ ክሳድ ምሓዝ እንድዩ ዝሓይሽ፡ ቅድሚ ምርጫ ኣገባብ ቃልሲስኒ ዓላማ ምንጻር ነበረ ወሳኒ። ስውርቲ ሰልፍናኸ ነየናይ ሸቶ ዝዓለመት ነበረት? ኣባላታኸ እንታይ ነበረን ኣሎን ተልእኾኦም? ምባለይ’ዩ ደንቆሮ ዘቑጽረኒ ዘሎ።

ኣቐዲመ ከብሮሆ ከምዝፈተንኩ እቲ ዝለዓለ ዓላማ ቃልስና ኪኖ ናጽነት ዝጠመተ ንፍትሕን ደሞክራስን ዝዓለመ ነበረ። ማንም ኣባል ግንባር ንሳ ኣሚኑ ኢዩ ተቓሊሱ። ምስጢር ምስጡራት ሰልፊ ዘዝለኸፎ ሰብ’ውን ብዝነበሮ ናይ ቃልሲ ወ ኒ ንዝያዳ ሃገራዊ ኣስተዋጽኦ ክውፈ ክብል’ዩ ክጓየ ዝተራእየ። ሽዑስ መሲልዎ ይነብር። ካብቲ ዝተራእየ ጭብጢ ብጭ ቡጥ ንምዝራብ ግዳ ዕማም ሰልፍታት ኣይከምቲ ዝተሓበረን። ብከመይ?

ኣብዚ ንምጥቃሱ ዝኣክል ኣባል ብሓድሹ ንኣባልነቱ ካብ ዓይነት መልመልቱ ብዝሰነቖ ብቕዓት’ዩ ንስራሕ ዝብገስ ዝነበረ። ኣባልነት ከከም ደረጃኡ ኮይኑ ናይቶም ላዕለዎት ብኣቦ ወንበር ሰልፊ ይካየድ ከምዝነበረ’ውን ክዝከር ኣለዎ። ኣብኡ እንታ ይን ብኸመይን ተገይሩ ንዝምልከት’ውን ብፍሉይነት ክቐርብ ይከኣል። ንሎሚ ግና ኣብቲ ዝበዝሐ ዝተራእየ ኢና ክንዛረብ።

ሓደ ሓድሽ ኣባል ንስራሕ ክብገስ እንከሎ ኣቐዲማ ትዋሃቦ ሓበሬታ መሳርሕቱ በዓል መን ምዃኖም ጠንቂቑ ክፈልጥ፡  ምስ መን ክሕወስ፡ እንታይ ክብልን ክመስልን ከምዘለዎ ብጥብቂ ኢዩ ዝሕበር። ማለት ብገርሁ ከሎ ብዝሓደሮ ናይ ስራ ሕ ትውፊት ከበርክት እናተሃንጠየ እንከሎ ዕማሙ ንምጅማር ኣቐዲማ ዝተዳለወት መዝገብ ኣስማት ኢያ ትዋሃቦ።

“እዞም ሰባት ዝንቡላት ስለዝኾኑ ኣዚኻ ተጠንቀቐሎም። ኣበይ የብሉ፡ ምስ መን ይራኸቡ፡ እንታይ ይዛረቡ፡ ኮታ ጥፊእ ካዶ? ብፍላይ እኒከለ ስለዝኣምኑኻ ቀሪብካ እናተዋዘኻ ምስጢሮም መዝምዞን ምጸዮን” ኢያ’ታ መባእታ ተልእኾ።

ብመንጽር’ቶም ከም ብጾቱ ዝተነግርዎ ኣባላት ሰልፊ እዞም ተዘርዚሮም ዝወሃብዎ ኣስማት ድማ ከም ‘ጸላእቱ’ መጠን ከ ጽንዖምን ክከታተሎምን ኢዩ ዝሕበር። በቲ ሃንደበት ሸዑ ዝተነግሮ መሰረት ሰለስተ ዓይነት ደረጃታት ተጋደልቲ ከምዘለ ዉ ኢዩ ዝኽሰተሉ። ማለት ኣባላት ሰልፊ፡ ዘይተጻባእትን (ሰራሕተኛታት ጥራይ) ሓደገኛታትን።

ከምሳዕቤኑ እቶም ቅድም ብጾቱ ዝመስሉዎ ዝነበሩ ኣባላት ግንባር ካብታ ኣባል ሰልፊ ዝተቖጽረላ ንደሓር ብጾቱ ኣይኮኑን ። ብጾቱ’ሞ ኣባላት ሰልፊ ጥራይ ኢዮም ባቃ! ግናስ ካብቶም ዝንገርዎ ዓሰርተታት ወይ ልዕሊኡ ኣሸሓት ኣባላት ሰልፊ ን ሱ ዝፈልጦም ቁንጣሮ ብምዃኖም እሞድማ ኣባል ሰልፍን ግንባርን ዝፈሊ ምልክት ብዘይ ምንባሩ ንሳቶም ምስ ናቶም ክሕቆፉ ዝጫነዉላ ፍልይቲ መራኸቢት ኮድ ከምዝነበረቶም ይጠቕሱ። ኣብ ገሊኡ ጥራይ ከይትነብር’ምበር ኣብ ገሊኡ’ ሞ “ሸዓብ” ትብል መፍለይት ከምዝነበረቶም ዝትርኹ ኣለዉ። እታ ቃል “ህዝቢ” ማለት ጥራይ ትመስል። ግን ብጠመተ ኦም ህዝቢ ዝብሉዎ ንሶምን ከምኦምን’ምበር እቲ ካልእ’ኮ ኢደቤዛ ጥራይ ኢዩ ነይሩ።

ሓደ ኣባል ሰልፊ ብጾቱ ኣባላት ጥራይ ምዃኖም ክሰርጾ ዘይተገብረ የለን። ከም ሓለፋ ተቖጺሩ ብዘይካ ዝምድናታት ሰል ፎም ንምግናንን ተስፋ ልዕልና ከተሕድረሎምን ቅድሚ ኣባላት ግንባር ትንበበሎም ናይ ዜና ቡለቲን ካልእ ዝመሃርዎ ወ ግዓዊ ፉሉይ ፖለቲካ ኣይነበሮምን። እንተነይሩ እቲ ንክፍኣት ዝዓለመ ኣፋዊ ጥራይ። ትእዛዝ ዝወሃብን ዝፍጽምን’ውን እንተላይ ካብ ደቂ ዋህዮ ከይተረፈ ክምስጠር ስለዝነበሮ (ጽባሕ ንፈጸምቲ ብገበን ምውጋን ክጥዕም ምእንቲ) ትእዛዝ ብ ሕሹኽታን ቃጻን ይፍጸም ነበረ። ብተወሳኺ ሓደ ኣባል ሰልፊ ንካልእ ኣባል ኣብ ናይ ሰልፊ ኣኼባ ጥራይ’ዩ ዝነቕፎ። ንሱ ‘ውን እንተድልዩ። ከምገለ ኣባላት ግንባር ንኣባሎም ክነቕፍዎ እንተተራእዮም ከም ኣብ ልዕሊ ሰልፎም ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ን’ብጻዮም’ ክከላኸሉሉ መምርሒኦም ነበረ። ቡኡ ኣቢሉ ድማ ኩሉ ዓይነት ሓለፋታት ተኣታተዎም። ክሳብ እቲ ክቡር መስዋእቲ ንርእሱ ሌላን ጉሌላን ከውጽኡሉ ተራእዮም። ማለተይ ክሳብ ብሓደ ንዝስዉኡ ብጾት ቀይሕን ጻዕዳን ደም ከም ዘፍሰሱ ተቖጽረ። ጸኒሑ እቶም ነገር ኣዝዩ ዝተዓዛዘሮም ስኽራማት ምልሙላት ነቲ ካልእ ኣባል ግንባር ፍጹም ከምዘይብ ጻዩም ስለዝሓስብዎ ብገለ ሕሹኽታዊ ትእዛዝ ብጥይት ክምልዕስዎ ዘይስከፉሉ ኩነት ተበጽሐ።

መቸም ቃልሲ እንድዩ፡ ገለ ካብዞም ናብ ‘ሓቀኛ ተቓላሳይነት’ ዝተጸንበሩ ኣባላት ብሓድሹ ንቡር እምነቱ ቀልጢፉ ወይ ፈጺሙ ስለዘይምስራሕ ብገለ ካብዞም ብዝርዝር ዝተዋህቡዎ ኣስማት ክደናገጽ ይኽእሉ። ምኽንያቱስ ንሳቶም ትማሊ መ ዋዕልቱ፡ መተሓድርቱ፣ መባልዕቱ፡ መሳትይቱ፣ መሳሕቕቱ፡ መላቕስቱ፣ መላዝብቱ፡ ምፋጽምቱ፣ መቃልስቱ፡ መቃብርቱ፣ ቆመና ወዲ እኖኡ፡ ወዲ-ሩባኡ፣ ቆመና መተዓብይቱ፡ በዓልቲ ቤቱ፣ ወዘተ ክኾኑ ስለዝኽእሉ። ግና እንታይ ይኹን? እንታ ይከ ይግበር? ድሮ እንደሞ ምሒሉ! እንተነፊዑ ነቲ ርኡይ ጥልመት ብልቡ ክኹንን እንተዘይኮይኑ፡ ብግህዶ’ሞ ከይኣመነሉ ብማንታ ልቢ ክቕበሎን ትእዛዛት ክፍጽምን’ዩ ዝግደድ።

እቲ ዕዳጋ ዝዓመረሉ ኣይእኽሊ ኣይዝኽሪ ዝዓይነቱ’ውን ክልተ-ሰለስተ ዓይነት ክኸውን ይኽእል። ዝኾነ ኮይኑ ሓንሳብ ኣ ብታ ሕብእቲ ዝተሸመመ ዘበለ ከም ክስዕስዕ ኣብ ዳስ ዝወረደ ክምሰል ይኽእል። ግናኸ ወናምን ገርዛምን መኹደዲ ድማ ኣሎ እንድዩ፡ እቲ ወናም ኣብታ ዳስ ጥራይ ይእቶ’ምበር ክቆጻጸ ግድን ጣቕዒትን ከበሮን ዘድልዮ ኣይኮነን። ባቃ በዓል ሓ ድሽ መተርእስ ፉንፉን እናበለ ብረስኒ ጥራይ ክነሳነስ’ዩ ዝርአ። ማለት ሓንሳብ ቀጠልያ መብራህቲ ዝበርሀትሉ ኣባል ሓሶት ክነዝሕን ክእክብን እንተኾይና ቀንዲ መኽተቢቱ፡ ዝተዋህቦ ሓሶት ጥራይ ዘይኮነ ብኣውራኡ ድሮ ‘መንነት’ ክጥቕዑ ዝተደ ልዩ ስለዝተነግሮ፡ ባዕሉ ብዝኣልሞ ሓሶታት መሬት ክዕብልኻ እንታይ የጸግሞ? ከምኡ’ውን እቲ ዘራፊ ኮነ ብዓል ኣመል መልዓል ቅሙጥ። ከምኡከኣ እቲ ደመኛ ኣሳርን ቀታልን። ግናስ እቲ ከምኡ ዓይነት ሰብ ብቤት-ጽሕፈት ህግደፍ ክምጎስ ይስማዕ። “ከባቢኡ ዝቕየር ውፉይ፡ ህርኩት ተጋዳላይ” እና ተባህለ። እናሳዕ ከም ጸላኢ ክውንጅሉዎ’ውን ይረኣዩ። ጸኒሖ ም’ሞ ‘ተወፋይነቱ’ ንህልውናኦም ስለዘሰክፎም ካብ ስግኣት ዝተላዕለ ንወዮ ክንድኡ ዘገልገሎም ‘ውፉይ በዓል ምስጢር’ ብጻዮም ብምድስካል ጀሚሮም ክኣስርዎን ክውግንዎ ይረኣዩ። ነገር ሕቡኣን ድኣ’ሞ እንታይ ከተኣማምን?

“እዛ ሰልፍስ ናብ ስለያ ተቐይራ”ዶ ትብሉዋ ኣለኹም ሓቀይ። እወ ተቐይራ። ግዳስ ስለያ’ኮ ከም ነብሰ-ምክልኻል መጠን ሰለስተ ዓይነት ከምዘሎ ምጥቃሱ ይከኣል’ዩ። ብሕታዊ፡ መንግስታውን ህዝባውን ስለያታት። ስውርቲ ሰልፍና ንርእሳ ናብ ትካል ስለያን ቀንጸላን ምቕያራ ብቀንዳ መሳርሒ ባዕዲ ተቐይራ እንተዘይኮይኑ ብፍጹም መንግስታዊ ኮነ ህዝባዊ ባህሪ ኣ ይነበራን የብላን’ውን። ምኽንያቱ ርግጽ እተን ውልቃውን መንግስታውን ትካላት ስለያ ተነቕፋ ተሓቖፋ ባጀት ወጺእወን ዝሰርሓ ኢየን። ህዝባዊ ስለያ” ዝበሃል ድማ ህዝቢ ብድልየቱ ነቲ ናተይ ዝብሎ ውድብ ኮነ መንግስቲ ባዕሉ ኣንጻር ጸላእቲ ሓለዋ ክወጸሉ እንከሎ ኢዩ። ኣብ ወሽጢ ‘ንሓደ ዓላማ’ ዝተሰለፈት ውድብ ግን ክንድኡ ናይፖለቲካ ጸገም ነይሩ ዲዩ? ማለት ሓደ ኣባል ሰልፊ ንካልእ ኣባል ግንባር ክሕሉን ክከታተልን እንተተኣዚዙ ብዘይካ ነቲ ሕመረት ሃገራውነትና ንምዕ ናዉ ኣብ ውሽጢ ስድራ-ቤትና ዝተተኽለ ኲናት ዕሱብ ውልቀ-ሰብን ፖለቲካ ሓንቲ ዓለምን እንተዘይኮይኑ ነየናይ ዓላማ ምንባሩ እንታይ ዘጋጊ ነይርዎን ኣለዎን? ካብ ተገብረ ግና ልኡኽ ግድን ብውልቃዊ ተበግሶኡ ስለዘይኮነ’የ ክፈላልዮ ፈቲነ።

ተዘንጊዕናን ተገዲድናን እንተዘይኴንና እዚ ተግባር’ዚ ሕዱር ፖለቲካዊ ተልእኾ ኣለዎ። ብሓጺሩ ኤርትራ ከምሃገር ክትነብ ር ኣብ ዘይተደልየትሉ እዋን ህዝባን ነብሳን ምብታና ተፈቲኑ ከምዘይተኻእለ፡ ቀንዲ ዝፈሸለሉ ምኽንያት ድማ ህዝቢ ምስ መሬቱን ህዝቡን ብዘለዎ ጥቡቕ መፈጠራዊ መተኣሳሰሪ ገመድ ብቀሊሉ ስለዘይተበታኽን፡ ከምቲ ኣብ ገለ ህዝብታት ዝረአ ሓንሳብ ዝተሰደደ ካብ ሱሩ ተመዚዙ ዝጸንትን ንዓዱ ዘይጥምትን ብዘይምዃኑ፡ ነብሱ ሰብሐ ረቐቐ ንሃገሩ ምቑማቱን ም ትሕግጋዙን ኢዩ’ውን ሎሚ ህግደፍ’ውን ከምዝተዓሰበሉ ከጥፋኣና እናደለየ ዘይተኻእሎ።

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ኤርትራውን ብተፈጥሮኡ ብዝተዋህቦ ብልሕን ትምህርትን ንህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ከምዝፈልጦን ህዝቢ ንሱ ዝበሎ ከምዝገብርን ክምድር ሰሚዕኩሞ ትኾኑ። ምስጢር ኤርትራውነት ኣብታ ስድራ ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ሓድነት ከምዝኾነ ዘረጋገጹ ናይ ማዕዶ ፈላስፋታት ብርሰት ድማ ኣናድዮም ንዕዑ ብምርካቦም ንሽዑስ ተተስፍዮም ነይሮም። ንሱ ኣብ ሰውራ ካብ ዝጽንበር ክሳብ ሎሚ ቡሉጻት ሃገራውያን ከጽንት ተጋዲሉ። እንተኾነ ህዝቢ ካብቲ ዝወደቖ ተንሲኡ ዳግ ማይ ከምዝዕወት ዘቕለበ ደላይ ክፉእና ብንጉሁኡ ዝቐየሶ ጥበብ ቃልሲ ነይሩ። ብመገዲ ናይቲ ከም ጥበብ ቃልሲ ዝተመር ጸ ሕቡእ ሰልፊ ነታ ስድራ ከም ነቐዝ ከቑንቛና ተወጠነ።  ብከመይ?

ንበል ሓንቲ ኣባል ጓለንስተይቲ ናብ ሓደ ተጠቃዒ ምስ ትለኣኸ፡ ብፍጥረቱ ንዓዓ ዝጭክን ልቢ ተባዕታይ ስለዘየለ ንሳድ ማ ብፍጥረታ መጻወድያ ተባዕታይ ምዃና ታሪኽ ይምህረና። እሞ ምቅራብ ቀቀሊሉ፡ ክሳብ ከምዝደለዮ ክትኮነሉ ዝተ ማዕደት ሄዋነይቲ ኣባል ሰልፊ እንተርኢና ንሳ ልክዕ ከምዘፍቀረቶ ክትቖጻጸየሉ ቅዱስ ምዃኑ ድሮ ብውዕሎ ናይተን ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ዝሰርሓ ቅቡል ብምንባሩ ዝኾነ ከይተጠራጠረት ኢያ ትድርገም። ምናዳ ንሱ ኣብ ነብሳ እንተቐሪቡ ድማ ዋላ ከይሓሰበትሉ በቲ ዝተጠበበ መጻወድያ ከምዝዓመጻ ተመሲሉ ከተኽስሶ ጥጡሕቲ ባይታ ኢያ። ብምዃኑ ምንም’ኳ ንሳ እንተዘይመሃዘቶ ባዕላ ከምዘቕረበቶ ተጠቢቡ ዝቐርብ ክሲ፡ ቃል እምነት ከየገደሰ ምንም ዝድርበ ኣይህልዎን።

ኣሸበሸብ ጥንሲ እንተኣጋጠመኸ?

ኣይኣዝዝ’ምበር ንሱስ ብግብሪ ዝተራእየ ክንደይ ክበሃል! ዓላማ ካድረታት ሰልፊ ግን ተጠቃዒ ንምምርሳሕ’ምበር ብዛዕ ባ ቆልዓ ይኹን ክልቲኦም ግዳያት እንታይ ይግድሶም! እንተኾነ ብመደብ፡ ብዝተረፈ ዋላ ብኮነ ኢልካ ኣይገበር ምትሕንፋጽ ከምዘሎ እናተፈለጠ ብስም ‘ኣደ ዝበለቶ’ ዘይውላዶም ክሓቕፉ ዝተገደዱ ግዳያት መሊኦም። እቲ ዝገደደ ንርእሳ ግዳይ ብምዃና ነገራቱ እናተረድኣ ተመሊሳ ሓቂ ከተእምን ዘይከኣላ ብምንባሩ ኣብ ሞንጎ ወላድን ውሉድን ፍቕሪ ከይመስረተት ከምትተርፍ ክጥቀስ ጽቡቕ ኢዩ። ምእንቲ ርእሱ ጓልንስተይቲ ትገብሮ ጌጋ ክእረም ከምዘይክእል ስለዝፈልጡ ኢዮም ወለድና ዝኾነ ከይኮነ ዝኣኸለት ጓሎም ‘ዋላ ንዝብኢ’ ዝብሉ ዝነበሩ። ኣወራ ዝገደደ ኣብ ወሽጢ ሓዳር ንሳ’ታ ሰበይቲ ኣባ ል ሰልፊ ምስትኸውን ኢዩ። ብስም ‘ናጻ ኴይና ከተገልግል’ እናተባህለ ክሳብ ከይትድለዮ ፈቐደኡ ክትዛውን ወይ ኣብ ገዝ ኣ ንጽፍቲ ዓራት ኮይና ክትጸንሕ ከምትእዘዝ ጽባሕ መሬት ምስ ወግሐ ባዕላተን ሃማደኤ ህግደፍ ከውግዓና ምዃነንን ከ ምዘይርሕቕን እመስለኒ።

ናብ ቀንዲ ፖለቲካ ከምራሓኩም። መቸም ወዲ ተባዕታይ ብባህሩ ጽጋዕተኛ ጓልንስተይቲ ኢዩ። ብምዃኑ ማንም ሰብኣ ይ “ሰበይቲ ትረኽቦ” እናበለ ክበኽየላ እንከሎ እተን ውራዙት ኣንስቲ ድማ እቲ ዘይብከዮ ስቅያት ተባዕትዮ የብክየን ኢዩ ። ሓንቲ ንኣባልነት ሰልፊ ትምልመል ሄዋነይቲ ግና ንሱ ዓይነት ኣደነት ዘፍረሰት ክትከውን ተመራጺ ኢዩ። እሞ ማሕላ ሰልፊ ከኣ ሰራምን ተለማድን እንድዩ፡ ከምገለ ንዝኾነ ኣፍቂራቶ መሲልዎ ኣፍቂሩ ንዝተጸጋዓ ወዲ-ትባዕታይ “ከምብልዮ  “ ዝብል ትእዛዝ እንተመጺእዋ ዓጽመ-ስጋኣ እናተፈላለየ ንፈታዊኣን ዝፈተወቶን፡ ክሳብ ንገዛእ በዓል-ቤታን ኣቦ ደቃን፡ ብዘይካ ምንስዑ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብላ ፖለቲካ ዓለም ኣዕሊሉና ኢዩ። ግናስ ንኣብነቱ ድኣ’ምበር ብዛዕባ ኣብ ሃገር ና ከምኡ ከምተገብረ’ሞ ኣይፈለጥኩን።

ሰልፎምን እኩይ ተግባራታን ሕቡእ ብምዃኑ ንርእሶም ብሓቂ ሕቡኣን ክመስሎም እቲ ዝገደደ መስሓቕ ነገር ነይሩን ኣሎን ። ኣብ ዝኾነ ቦታ (ክሳብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝተኣስረ እናመሰለ) ከም ፈታዊኻን በዓል መትከልካን ክሕለቐልካን ምሳኻ ከሕገብግብን ንዝረኣኻዮ ሰብ ገለ መንቅብ ክምዘለዎ ብከመይ ይሰሓት? ከዛርበካ ምሕላኑ ብዓል ተልእኾ ምዃኑ ተረዲእካ ክትርሕቆ እንተፈተንካ’ውን ንርእሱ “ኣይሰራሕካን” ከይበሃል ምእንቲ ጥራይ ምሳኻ ደው ኢሉ ክርአ ኢያ ተድልዮ’ምበር ግድን ዘረባ ክትምጥዎ ኣይጽበየካን። ድሮ’ኮ ‘እንታይነትካ’ ስለዝተነግረ ማለተይ ኢየ።

ሽዑስ ከምኡ ነይሩ። ሎሚኸ? ሎሚ’ሞ ገዲዱ’ዃድኣ!    

“ክሰርቀኒ ዝረኣኽዎስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ” ከምዝበሃል ሎሚ’ውን  ወዮም ኣብ ብዓለሙ ተፈንዮም ዘለዉ ንሱ ክገብሩ’የ  ዝዕዘብ ብወገነይሲ። ንሳቶም ሰብ፡ ንሳቶም ሃገራውያን! ንሳቶም ነሱ፡ ነሱ ንሳቶም! ቀንዲ ዕምሪ ገዛኢና ዘናውሑ፡ ሰብና ዝሸጡን ሃገር ዘዕነዉን ንሳቶም ምዃኖም ይከወሉሉ ይከሽሑሉ ሓቁ ንሱ ምዃኑ ግን ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም።

ኣብ ገሊአን ሃገራት ከምዝርአ ‘ሓደ ንሓሙሽተ’ ዝብል ስዉር ኣወዳድባ ልሙድ ነገር’ዩ። ንሳ እታ “ዋህዮ” ትባሃል ምዃና ተገንዘቡ። እቲ ዘይልሙድን ሕሉፍነት ህግደፍን ሓሙሽቲኦም ኣባላት ዋህዮ ንሓደ ተጠቃዒ ክሕልዉ ኣዒንቶም ቆሊዑ ክርአ ኣብ ምንትምንታይ ምዃኑ ኣዚዩ ይዓጅብ። ሕጂ’ውን ምውዳቦም ዘይኮነ ዓላማኦም ኢዩ ዘዛርብ። ኩሎም ናብታ ክትዳሃኽ ዘለዋ ሃገራዊት ስድራ ኢዩ ጠመተኦም። ሙቐት ገዛ ብሓድነት ሰብ ሓዳር ከምዝውሰን መጠን ስድራ ክትብጽበጽ ግድን ክትሕቆን ኣለዋ። ስኒትን ምእዙዝነትን ከመይ ይዝረግ? እንታይ’ዩ ትሕዝቶኣ፣ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ኣለዋ እንተኾይኑ ብኸመይ ይዝቖቐ፣ ቆልዑ ከመይ ይነፍጹን ኣበይ ኣብ ድብያ ይድርገሙን ወዘተን። ክሳብ ዝናገፉ መሲልዎም 2% ከፊሎም ንዓዶም ኣሚቶም ክጣየሱ ዝፈተኑ ምስ ተልእኾ ብርሰት ስለዝጋጮ ክዓንዉ ኣለዎም። እቲ ከም ፈታዊ ብተለፎናት ክሳብ ናብ ሃገር-ሰገር ጻውዒት እናተናጠረ ዝግበር መስቀላዊ ስለያ ንምንታይ ከምዘድለየሞ ቀስ ኢለ ክገልጾ ክፍትን ኢየ።

ከምሓቂ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ወሽጥና ከቢድ ውግእ ሓድሕድ ነይሩን ኣሎን። ግናኸ ንሳቶምን ሕቡኣን ሰልፍታቶ ምን ኢዮም ነዚ ወሪድና ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ተሰከምቱ። ብርግጽ ድማ 95% ኣባላት ሰልፊ ዓላማ ሰልፎም ይፈልጡዎ ኣይነበሩን። እቶም ዝፈልጥዎ’ውን ድሮ ስለዝተመራስሑ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሎም ተረዲኦም ክፋሓሱ ጥራይ ኮይና ዕድሎም። ዝኾነ ኮይኑ እዚ ወሪድና ዘሎ ዓልማዊ ሽርሒ ብህዉኽ ዝቕላዕን ዝፍታሕን ብዘይምዃኑ ከምቲ ቢተው ዝበሎ ነዊሕ ኣሰናኺልናን ገና’ውን ከሰናኽለናን ኢዩ። ግናስ እንሆ ድማ ድሮ’ቲ ጸሊም መጋረጃ ተተርቢዑስ ጩራ ለውጢ በሪቑ።

ክውስኾ ዝደሊ ኣለኒ። መብዛሕትና እዞም ኣባላት ሰልፊ ዝነበሩ ከም ቀንዲ ጸላእትናን ድሕሪ-ሕጂ ሰልፊ ትበሃል ከም ዘይተድልየናን ኮይኑ ይስማዓና ከይህሉ እስከፍ ኣነስ። ክሳብ ድማ ኣባላት ሰልፊ ሰብ ኣኪቦም ይቕረታ ስለዘይሓተቱ፡ ድሕሪ ሕጂ ከምዘይእመኑን ፍጹም ከም ሓይልታት ለውጢ ኣስተዋጽኦ ከምዘይብሎምን ጌርና ክንርድኦ ኣይጉቡእን። ም ኽንያቱ ንኹሉ ገግዚኡ ኣለዎ። ማለት ኣባል ናይታ ገበነኛ ንብላ ሰልፊ ምንባር ንበይኑ ሓጢያት ኣይኮነን። ሓጥያት ዝኸ ውን መወዳእታኦም ምስኣ ምስገበርዎ ጥራይ ስለዝመስለኒ። ከምኡ እንተኾይኖም’ሞ ሰብ ኣኪቦም ክናስሑ ኣይጽበን። ከመይሲ ሰብ ኣኪቡ ዝናዘዝ ዘይኮነስ ሰብ ኣኪቡ ዝፍረድ ኢና ክንጽበ ዘለና። ንሱ ድማ ንሕግን ሕጋውነትን እንተገደፍናዮ መስርሕ ለውጢ ከምዝቀላጠፍ ኮይኑ ይስማዓኒ።

ዝቕጽል ኣርእስተይ ንስነ-አምሮኣዊ ኩነታት ኣባላት ሰልፊ ዘተኩር “ጥራጥ ዝቐርቀረ ነይነጥር” ክትከውን እትስፎ።

ሰናይ ናይ ምስግጋር ቅንያት።

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • ተወልደመድኅን December 12, 2015

    ሰናይ ናይ ምስግጋር ቅንያት።………………….des tbl qal,

  • abraham berhane December 12, 2015

    Please who is godefa(the narrator) to follow him and know if he is real person that takes responsibility for what he is saying

    Pls if he can write about his identity as footnote

  • delayi fthi December 12, 2015

    nay bhKi zesdemem neger eyu

  • Tewelde gebremariam December 14, 2015

    Godefa,

    I think you are wasting your time denigrating our past because you are concentrating on the wrong aspect of the problem at hand. Secret party in itself ought not to be projected as negative; Abai Jebha had one and so did so many other revolutionary movements.

    I advise you to focus all of your expertise on the impostor isaias afewerk and his cabals highlighting his specific evil deeds, especially with respect to his systematic campaign of exterminating EPLF elites, his secret alliance with woyane, his handing over Badme to woyane in 1985,on whose account he subsequently launched the illegal and unnecessary war of 1998, his seizure of complete control of the Military Command just before the woyane Third Offensive, that led to the woyane troops deep penetration into Eritrea territory, probably given greenlight and free pass by him, and devastated our Gash-hBarka defensive forces from their rearguard etc.

    Remember, our immediate task is to expose his identity, evil scheme,evil motive, evil goal before the Eritrean people in particular and the world in general as a means of galvanizing our people to overthrow him.

    • Simon G. December 17, 2015

      Tewelde,
      If we don’t know our past history (be it the ugly or the beautiful), we will make the same stupid mistake. I am sure you know better than that. Make me wondering why you object to that.
      I know Godefa’s writing skill is beyond the average person can analyze but I failed to understand your objection.

  • ጎዶፋ፡ December 15, 2015

    ቅድሚ ብዛዕባ ነዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ክጽሕፍ ግዜይ ምብኻነይ ምሕሳብካ ንዘይትጥቀመሉ ከተንብቦን፡ ብቀንዱ’ውን በቲ ዝቐርበካ ቋንቋ ገዲፍካ ብካልእ ርኢቶ ክትህብ ተጸጊምካ ግዜኻ ምጥፉኡን ክትሓስበሉ ምተገብአ። እንተ’ቲ ከተኩረሉ ዘለኒ ዝሓሰብካዮ ምዕዶ’ውን ንምንታይ ብምስልኻ ክትምስራሓኒ ከምዝፈተንካ ዝመስለኒ ኣሎ። በሃላይ ንሰማዕቱ ብማዕረ’ዩ ዝብል። ብወገን ሰማዕቲ ድማ ክሳብ ተወዲብካ ርኢቶ ምሃብን ምኽላእን’ውን ኣሎ’ኮ። እዚ’ውን መሰል ብምኳኑ ንዓይ ኣየጓናድበንን ኣየረሳስነንን’ውን ኢዩ’ሞ ብኩላህና ኣቕረብቲ ዝቐርቡ ጽሑፋት ንደለይቶም ስለዝኾኑ ምስ ዘይመስሉኻ ጽሑፋት ክትጓንጸ ከይትልሕጸጽ ምእንቲ ኣረኣእያኻ ክመሓየሽ ክትሓስበሉ እላወበካ።

    • ተወልደመድኅን December 15, 2015

      ዝኸበርካ ጎደፋ፡
      ስለምንታይ ትርጉም ንዘይብሉ ካብ መገድኻ ከዘናብል ንዝፍትን ሰብ ምላሽ ክትህብ ግዜካ ተጥፍእ፡ርእስኻ ትሓምም።ዝኾነ ሰብ፡ንሰባት ከዕግብ ይኽእል ዝበሎ ክጽሕፍ መሰሉ’ዩ።እዚ ኢልካ ጸሃፍ እዚ ኣይትበል ወይ ጽሑፍካ ከምዚ ክከውን ኣለዎ፡ኣብቲ እወንታዊ ጥራይ’ምበር ነቲ ሕማቕ ክትንክፍ የብሉን ዝብል ገና ምዕባለ ፍልጠት ምምሕያሽ ካበይ ዝመጽእ ምኳኑ ዘይፈልጥ ናይ ድኹም ሰብ ኣተሓሳስባ’ዩ።ስለዚ ርእይቶ እንተዘይሃብሉ ኣፍልጦኦም ዘሀብትሙ ብዙሓት ሰባት’ዮም ዘንብብዎ ጽሑፍካ።ትፈልጦ ክይትዛረብ ኣፍ ክዕብሱ፡ኢድ ከትሕዙ ምስዝጽዕሩ ጉዱዓት ኣይትተሃላለኽ።

  • ጎዶፋ፡ December 15, 2015

    ሓቅኻ ተወልደመድህን፡ መቸም ሓቁ ንምዝራብ ቃልስና ብዛዕባ ነብስና ኣይኮነን። ግናስ እዚ ሓድሽ ወለዶ ኣበይ ንገድፎ ከምዘለና የተሓሳስብ’ዩ እሞ “ገለዶ ናየባ እንተሓዙ” ኢልካ ኢይ’ዚ ኩሉ ህልኪ። ኣብኡ ንዘጋጥም ጌጋ ትርጉም እናረኣና ንነንሕድሕዶም ምግዳፉ ተመራጺ ብምዃኑ ብወገነይ እናተጋገዩ ኣይምልሰሎምን ጸኒሕ። እዋእ ሳሕቲ ግና ከምንመለበሚ ወስ ምባል ኣይከፍእን ኢለ’ምበር ትም ይሓይሸ። ጽባሕ ቅዋማዊ ስርዓት ክንተክልን ኩሉ ነገር ብድምጺ ክበሃልን ኢዩ። እቲ ተወዲብካ ዝግበር ምጽቃጥን ምጽቕቓጥን ድማ ነቲ ዝጽበዮም ዘሎ ናይ ጽባሕ ኣወሃህባ ድምጺ ክጎርሑሉ፡ ብስም ደሞክራሲያዊ መሰል ዕረ ብመዓር ተሸፊኑ ክጸንሕ ከመይ ከምዝገልህዎ ከልብምሉ ምእንቲ ኢለ ኢየ ዘይኣመለይ መሊሰ። ንበል ኣብ ገለ ፓልቶክ ብክብሪ ዓሲለሞ ዝሰማዕኩዎ መዳሪ “ነብሱ ዘይኮነ፡ ሓዳሩ ዘይኣለየ ዝገብረልካ የብሉን” ክብል ሰሚዐዮ። እዚ ማለት ከምቲ ኢሳይያስ ወሎዶና ከጽንት ብቅድሚት ሸየጥቲ፡ ዓደግትን ቀተልትን ሰብ ኣዳልዩ ከብቅዕ ከምስል “ሶንኮፍ ሰብ ዝገብረልካ ስለዘይብሉ እንተኸደልካ ይሓይሽ” ዝበሎ ኢዩ። ሓቁ ግን መንእሰይ ኤርትራ ንነብሱ ከይበለን ንቡር ከይረኣየን ኢዩ ሰውራኡ ዓሲሉ ብመስዋእቱ ዓወት ዝዓተረ። ንምንታይ ድኣ ሞራል ናይዚ ግዱዕ ወለዶ ዝሰብር ጥቕሲ ኢሳይያስ ምድጋም ኣድልይዎ እቲ ክቡር መዳሪ? ቀጺሉ “በቲ ሓደ ጫፍ ናይቲ ባሕሪ እንተሸንካሰ ባሕሪ በኪልካዮ ማለት ኣይኮነን” በለ። እዚ’ውን “ዝገበርኩም እንተገበርኩም ንህግደፍ ትገብርዎ የብልኩምን” ማለት ኢዩ ዘስምዕ። ኣማስያኡ መፍትሒ ናይዚ ወሪድና ዘሎ ጸገምናስ ክገልጽ እንከሎ፡”ክንገብሮ ንኽእል ነገር ስለዘየለ ዋላ ወያነ ንህግደፍ ትእለየልና’ሞ ምስኣ ክንሰማማዕ ንኽእል ኢና” ክብል ሰሚዐዮ እቲ ኣብ ፓልቶክ ብመንእሰያት ዝተኸበ መዳሪ። ካብዚ እንታይ ትርዳእ ብወገንካ? እንተ ብወገነይ መግዛእቲ ህግደፍ ምስ ዓለማዊ ሽርሒ ተሻርዩ መንእሰይና ኢዱን እግሩን ኣሲርካ ንምድዋዩ ዝዓለመ ጥበብ እናመሰለኒ ደም እነብዕ። ግናስ ተስፋ ድማ እይቆርጽን። የቐንየለይ ተወልደመድህን ስለ’ቲ ክቡር ሓሳብካ ዘካፈልካኒ።

POST A COMMENT