Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተልዓል ህዝቢ – ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

-1- ተልዓል ህዝቢ ነሐሰ 23/2016 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)   ተልዓል ሓረስታይ!   ተዓጠቕ ሓረስታይ ስላዕ ምልክቱ ’ታይ ገበረ ብዕራይ ከለዉ ሸፋቱ ዕስለ ነፋሒቶ ወሪሮማ ሃገር ክንደይ ሳዕ ክድቀስ ሕጅስ ተበራበር   ሓሪስካ ክትበልዕ ጓሲኻ ክትጥቀም ብተኮ ማእለማ ናይ ከድዓት መልቀም ኣብ ክንዲ ትኸውን ናይ ባይቶኻ ዋና ኰለል ከብላኻ ደቂ ሕድርትና!   መንጢሎም

-1-
ተልዓል ህዝቢ

ነሐሰ 23/2016

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

 

ተልዓል ሓረስታይ!

 

ተዓጠቕ ሓረስታይ ስላዕ ምልክቱ

’ታይ ገበረ ብዕራይ ከለዉ ሸፋቱ

ዕስለ ነፋሒቶ ወሪሮማ ሃገር

ክንደይ ሳዕ ክድቀስ ሕጅስ ተበራበር

 

ሓሪስካ ክትበልዕ ጓሲኻ ክትጥቀም

ብተኮ ማእለማ ናይ ከድዓት መልቀም

ኣብ ክንዲ ትኸውን ናይ ባይቶኻ ዋና

ኰለል ከብላኻ ደቂ ሕድርትና!

 

መንጢሎም ዝወስዱ ቦዂሪ ሕሳስ-ልደ

ንብረት ህግደፍ ኰይኑ ኩሉ ዝተወልደ

ኣየጒህየካን ድዩ በይንኻ ክትበሊ

ካበይ ወሪስካዮ ‘ዚ ክንድዚ ዓቕሊ?

 

ካብ ደምበ ’ዳራሽካ ክወስድዎ ተስታይ

ኣነ ወድ-ኣይተ ዘይትብል ንምንታይ

መሰታ ስኢንካ ርሒቑካ ዓላ

ጥራዩ ተሪፉ ናይ ’ጒባዝ ገበላ

 

ምምንጣል ኣመሎም ገይሮሙኻ ድኻ

ገንእኻ ወሲዶም ሳርማ ሂቦሙኻ

ኣይትቖጽሮን ዲኻ ህግደፍ ዝወሰዶ

ብጽጋብ ዓቢኻስ ንጥምየት ትለምዶ!

 

እዚ ኹሉ ወሊድካ ገዛኻ መኺኑ

ኣቦይ ዝብል ህጻን ሓደ ተሳኢኑ

ደቀይ ጨኒቑዋ ዝወለደት ከብዲ

ኣንታ እንስሳ’ኳ ሕኒኡ ዝፈዲ

 

ዘብ-ዘብ ከብሉኻ ኣብ ዘይከውን ጒያ

ኣብ ዝወሰዱኻ ትበሊ ከም ማልያ

ህዝብኻ ክሽየጥ ተሰሪዑ ሪጋ

ሃየንታ ’ኮ ’ለዎ ትንፋስ ዓጽመ-ስጋ

-2-

 

ዓዃይ ኣይትከተል ኣሰር መታለሊ

ኣድጊ ሂቦሙኻስ ትዕድሎም በቕሊ

ኮፈ-ኾፍ ግደፎ ኒዮው በሎ ሓንከስከስ

ኣብ መንገዲ ’ይትብለ ኣፋኒኻ ፈረስ

 

ብቕኒት ክራርካ ብድምጺ ሻምብቆ

እስከ ፈክረለይ ግጠመለይ ሕንቆ

ኲዳ ከይጀመሩ ስብራ ዝረኣዮም

እናቆ በለለይ ናዕ ክብሉ ደርብዮም

 

<< ክንዳኻ ዘይኣኽላ ብኣኻ ’ውዓላ>>

ማዕጺድካ ዕተሮ መጒንእ ናይ መሸላ

እንካ ’ስግነኒ ድዩ ሕንቅል-ሕነቅሊተይ

ኣርሓ ከለኻ’መበር መሲሉዎም ብተይ

 

ዕሸል ገይሮሙኻ ኲርኩር ዘይዓበየ

ገና መሲሉዎም ብራሕ ዘይጽዓየ

ኰለል ከብሉኻ ብዓል ዕሶ-ምሶ

ሰራውር ዘይብሎም ከም ቃንጥሻ ዓሶ

 

ዓዃይ ነገርኩኻ ደጊም ይኣኽለኒ

ምስ ለባም መኺረ ስኽፍ ነይብለኒ

ይፍታሓላ በሎም ህግደፋዊ ምዕዶ

እንታይ ክዓብሰልካ ንበርሓት ሚዶ።

 

ተልዓል ሸቃላይ!

 

ተልዓል ሸቀላይ ተጽቅጥ ’ታይ ኰንካ

ጥዑይ ተሳኢኑስ ጽሉል ክመርሓካ

ጻማ ዘይርከቦ ጒልበትካ ዝጠፍአ

እንተረሳዕካዮስ ስመብራትካ ርአ

 

ፈትሻ ዝባንካ እስከ ሃሰስ በላ

ክትረኽበላ ኢኻ ዘይድምሰስ በሰላ

ብየማን ሞዶሻ ብጸጋም ማርቴሎ

ብቝሪ ተንቀብቅብ ብጽሓይ ትልሎ

 

ስለምንታይ ዲኻ ወትሩ እተንጸርጽር

ጽፍርኻ ተማሕዩ ዓው ’ልካ ትጭድር

ኣጻብዕካ ቆርዩ ጥብ-ጥብ ክብል ደምካ

ሓኪም ተሳኢኑስ ትመጽዮ ብኣፍካ

-3-

 

ክንዲ ዝረሃጽካ ከይትረክብ ጥቕሚ

ህግደፍ ፈሪዱካ ስኢንካ ክትጠሚ

እዚ ኹሉ ስቓይ እዚ ኹሉ ጋዶ

ሕልሚ ምዓስ ኰይኑ ርኡይ ’ንድዩ ግህዶ

 

ብጥራዩ ዕዮ ዘይብሉ ምሃያ

ህዝብኻ ፋሕ ኢሉ ንስኻ ’ብ ጽርግያ

ደርጊ’ኮ ነይሩ ’ዩ ወደል ብወደሉ

ኣድጊ እንተጸላእናስ ተኸታሊ ዒሉ

 

ወዮ ኹሉ ስቓይ ከመይ ’ሉ ይርሳዕ

ውሑድ ምዓስ ኰይኑ ዝበልካዮ ለፋዕ

ለይቲ ዝወፈርካ ጽሓይ ዕራርቦ

ደም ዝረሃጽካሉስ ህገደፍ ይእክቦ

 

መሶብካ ወሲዶም ሽሻይ ብምልኡ

ጭራምዶ ይሓይሽ ክትዂቡልካ ካብኡ

ደጊም ምርጫ የለን ምቅላስ ’ያ ሓንቲ

ዘቝቝካ ምድርባይ ናይ ናብራ ዓለቕቲ

 

ዓሻ እንተዘይኰይኑ ወይ ዝተጸለለ

<<መዓንጣዶ ’ብላዕ ገዲፍካ ሓኸለ>>

ዓዋን እንተዘይኰይኑ ኩሉ ዘይፈለጠ

ዓጽሚ ዶታ ’ድርበ ኣንጒዕ ዘቐመጠ

 

እዚ ኹሉ ቅልጽም እዚ ኹሉ ዳንጋ

ኣብ ህግደፍ ክትበጽሕ ከብዲ ተዘሪጋ

ሸቃላይ ታሪኽና ኣርቂቕካ ፍለጦ

ብዋህዮ ዝስምብድ የብልናን ወጠጦ።

 

መርሽ ተመሃራይ!

 

ጅግና ተመሃራይ ዝቃለስ ኣግሂዱ

ዋላ ተኣሲሩ ኪር-ኪር ዝልማዱ

ሕጂ ብዘይ ምሕረት እንተገፈፉኻ

ቀረባ ’ዩ ጽባሕ ክትስልበጦም ኢኻ

 

ኣቦኻ ዘይደፍሮ ወጽዕኡ ተለሊ

ዘይነጸፍ ወዑይ ደም ኣለኹ ብሃሊ

ዕንባባ ናይ ሃገር ተለዓሉ ሎሚ

መን ድኣ ክዘርኦ ናይ ’ቦታት ትልሚ

4

 

እዝንኻ ሃበኒ ጅግና ተመሃራይ

ነዴኻ ዝኣስሩ ኣይትበሎም ሕራይ

ታሪኽካ ደምሲሱ ኣውሪዱልካ ምዓት

ብግርጻን ዝሕይኽ ዝኣረገ ስርዓት

 

ክንዲ ቤት ትምህርቲ ወረቐተ-ብርዒ

ጒድ ’ምበር ርኺብካ ኣብ በረኻ ግፍዒ

ክንዲ ተማሂርካ ንጽባሕ ትሓልም

ኣብ ህጻንነትካ ጠበንጃ ትለጒም

 

ርገጽ ብእግርኻ ከተማ ድፈሮ

መዝገብ ኣቦታትካ ኣንብብ ተመሃሮ

መወዳእታ ’ይበሉን ናይ ቃልሲ ፋብሪካ

ኣባና ከይኣክል ንዓኻ ’ርኪቡልካ

 

ተመሃራይ ወደይ ብዓል ጽኑዕ ብርኪ

ኣቦኻ ተዀርሚዩ ኣዴኻ ትበኪ

ኣያታት ፋሕ ኢሎም ኩሉ ተበቲኑ

ታኒካ ዘቐብል ሓደ ተሳኢኑ

 

ኣንታ ስየ ሃገር ኣብ ቅድሚኡ ፊደል

ክንዲ መጻሕፍትስ ካላሽን ትዕደል

እንድዕልኩም በሎም ናይ ህግደፍ ሸፋቱ

ኣምሰያ ትምህርቲ ካረቸሊ ዝኸፍቱ።

 

ኣዴታት እንዳባ እጅገ ሰብስባ፦

 

ኩልኽን ኣዴታት ጅግና ዝወለድክን

ወረ ብሓቂ ድዩ ደቀይ ጠፊኡክን

ገለ ተጣቕዓ ገለ ትስዕስዓ

ኰበሮ ነጊሳ ማህጸን ተረሲዓ

 

ሰይጣን ልኢኹክን ሪጋ ትስለፋ

ደቅኽን ክጠፍኡ ምስ ህግደፍ ትደርፋ

ጓይላ ተራእዩክን ትቝነና ’ልባሶ

ኣብ ዳስ ጸላእትኽን ደምና ዝፈሰሶ

 

ኣብ ክንዲ ዋይ ኣነ ዋይ ደቀይ ብብኽያት

ኲሕሊ ተደፍዲፍክን ትኸዳ ናብ መስትያት

ኣጒባዝ ክእሰሩ ዘይብለክን ቅጭጭ

ደድሕሪ ስኣላይ ተቖኒንክን ግልብጭ

5

 

ደጊም ኣስተውዕላ ደቅኽን ርኣያ

ማሀጸንካ ዘረስዕ ኒዮው በልኦ ዙርያ

ፈታዊኽን መን’ዩ ጸላኢኽንከ መን

ሕጂስ ኣለልያ ነኻሲኽን ተመን

 

ሓረግ ወለዶኽን ጠፊኡ በሪሱ

ከመይሉ ’ጠፍኣክን ዝሰርቕ ዝሕሱ

ንሕና ንሱ ትብላ ወሪሩክን ሽበት

ጸሎት ተረሲዑስ ምስ ሰይጣን ቀለቤት

 

ገለ ’ምበር ወሊዱ መሬቱ ሰማዩ

ኣደዶ ትስሕቕ ደቃ ’ንዳበኸዩ

ደጊም ይኣኽለክን ምስ ህግደፍ ምሽፋት

ከምተን ናይ ቀዳሞት ተዓጠቓ ቅናት

 

ዘይከውን ገዲፍክን ዝኸውን ምኸራ

ሕጂስ ፍለጥኦ ናይ ህግደፍ ሽጣራ

ዝስንከት ዘይብልክን ብጓይላ ትሰኽራ

ጥራዩ ተሪፉ ናይ ገዛኽን ቦዂራ

 

ኣዴታት ዕጠቓ እጅገ ሰብስባ

ደጊም ይኣኽለክን ምስ ህግደፍ ዘረባ

መትሓዚ ዘይብሉ ቆንጠጠፈ ጋባ

ካብ ሰይጣን ርሓቓ ናብ መልኣኽ ቅረባ

 

ካብቲ ቀይሕ ደምክን ጸባ ትፍልፍላ

ካብ ዘየሎ ’ምጺእክን ውሉድ ትዕንግላ

እንታይ ወሪዱክን ድኣ ትጽላላ

ወያ ለዋህ ከብዲ ኣበይ ተኸዊላ?

 

እስከ ተልዓላ ኣንትን ደቂ ኣውራ

ትነብዕ ’ያ ዘላ ሃገርክን ኤርትራ

ኣደ ’ያ ’ተዐውት እንድሕሪ ጀሚራ

ኣደ ’ያ ምልክት ኣደ ’ያ ባንዴራ።

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • TZ August 24, 2016

    Great poetic work. Thank You!!!

  • Berhe Tensea August 30, 2016

    Thank you for the excellent message,

POST A COMMENT