Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን መድረኻት ፖሊቲካዊ ተቓውሞን – ታደሰ ኪዳነ – 7ይ ክፋል

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን መድረኻት ፖሊቲካዊ ተቓውሞን ታደሰ ኪዳነ 7ይ ክፋል 02/02/2013 ኣብ 6ይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፣ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዶባት ኤርትራ ሰጊሮም፣ ብሰሃራን ባሕሪ መዲተራንያንን ሓሊፎም፣ ገለ’ውን

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን
መድረኻት ፖሊቲካዊ ተቓውሞን
ታደሰ ኪዳነ
7ይ ክፋል 02/02/2013

ኣብ 6ይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፣ ነቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዶባት ኤርትራ ሰጊሮም፣ ብሰሃራን ባሕሪ መዲተራንያንን ሓሊፎም፣ ገለ’ውን ዝተሰንዐ ወረቓቕቲ ተጠቒሞም፣ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝኣተዉ ኤርትራውያን፣ ዝተኸተሎ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ዘርዚረ ነይረ። ንሎሚ ድማ ኣብ ውሽጢ እቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርከቡ ‘መንእሰያትን’ ካልኦትን ዝረአ ጉድለታት ብኸፊል ከብርህ ኢየ።
እቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝረአ ድኽመታት ብቐንዱ፣ ካብቲ ህግድፍ ዝገብሮ ተጻብኦታትን ኣንጻሮም ዘፍስሶ ሰብኣውን ፋይናንሳውን ሓይሊ ምኻኑ ዘተሓትት ኣይኮነን። እቲ ካልኣይ ጠንቂ ድኽመቶም ድማ፣ ናይ ገዛእ-ርእሶም ሕግታትን ፖሊሲታትን ዘተግብርሉ ቦታ (ደጀን) ዘይምህላዎም ኢዩ። እዚ ማለት ኣብ መሬት ናይ ካልኦት ሃገራት ኮይኖም ንጥፈታቶም ስለ ዘካይዱን፣ ብሕጊ ናይተን ሃገራት ክቕየዱ ስለ ዘለዎምን፣ ነቲ ኣብ ኣኼባታቶምን ጉባኤታቶምን ዘጽደቕዎ ሕጊ ከተግብርዎን፣ ብእኡ ክመሓደሩን ስለ ዘጸግሞም ኢዩ። ዝኾነ ኣባል ካብ ውሽጦም፣ ብኽድዓት (ተዓሲቡ)፣ ወይ ብናይ ገዛእ-ርእሱ ውልቃዊ ጸገማት፣ ኣብ ውስጢ’ተን ውድባት ከፋፋሊ ጎስጓሳት ኣብ ዘካይደሉ እዋን፣ ብሕጊ ተቐይዱ ክምርመርን ክቕጻዕን ዘይክእል ምዃኑ ኢዩ። ስለዚ ዝኾነ ሰብ እንተስ ደስ ስለዘይበሎ፣ ወይ ብህግደፍ ተዓሲቡ፣ ኣብ ዝኾነ እዋን ውድብ ኣብ ክልተ ክመቅል፣ ኣብ ውሽጢ ኣባላት ስንፍናን ምጥርጣርን ክፈጥር፣ ሓድነት ውድባት ክብትን ዘጽግሞ ኣይኮነን። ንዕኡ ከም ስደተኛ ወይ ከም ዜጋ ናይተን ዘዕቆብኦ ሃገራት፣ ዝከላኸለሉ ሕጊ ስለ ዘሎዎ። ዝኾነ ውድብ’የ ዝብልን ብብረት ዝምክትን፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር መበገሲ ደጀን ክሳብ ዘይሓዘ ድማ እዚ ዕንቅፋት’ዚ ብቐጻሊ ከጋጥሞ ኢዩ። ነቶም ብውልቂ፣ ብማሕበራትን ብደረጃ ውድባትን ኣብ ወጻኢ ኮይንና ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ድምጽና እነስምዕ ዘለና ግን እዚ ኩነታት’ዚ ዝኽልክለና ኣይኮነን። ንሎሚ ድማ ነቶም ኣብ ውሽጥና ዝረኣዩ፣ ብዓቕምና ክንኣልዮም እንኽእል፣ ገለ ገለ ናእሽቱ ጸገማት ከብርህ ክፍትን ኢየ። ኣርእስተይ ብዛዕባ ‘መንእሰያት’ ስለ ዝኾነ ድማ መብዛሕትኡ ጽሑፈይ ናብኡ ከተኩር ኢዩ።

1. ኣብ ክንዲ ጀለብቲ፣ ቀዳሕቲ ናይ ምዃን ዝምባሌ፦ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋት ዝገለጽኩዎ፣ ህግደፍ ንገለ ከባቢ ‘ኣጆኻ’ ንኻልእ ከባቢ ድማ ‘ወይለኻ’ እናበለ ዝኸይድ ግናይ ስርዓት ምዃኑ ገሊጸ ነይረ። ብኹሉ ዓቕሙ ድማ ክሰርሓሉ ጸኒሑ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈታኒ እዋን፣ ዝኾነ ኣብ ተቓውሞ ዝነጥፍ ወገን፣ ብኣንጻር’ቲ ህግደፍ ዝኽተሎ ኣዕናውን ወገናውን ፖሊሲ፣ ጀለብቲ’ምበር ቀዳሕቲ ክንከውን ኣይግባእን። ሓደ ሳን-ዉ-ጹ ዝተባህለ ቻይናዊ ናይ ኲናት ፈላስፋ፣ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ከምዚ ክብል ገሊጹ ነይሩ። “ጸላኢኻ ክብተን ከሎ ተኣከብ፣ ሓይሉ ኣኻኺቡ ክመጸካ ከሎ ተኣለየሉ – ፋሕ ኢልካ ኣብ ዘሕምሞን ፍኹስ ዝበለ ቦታን መሪጽካ ህረሞ”ይብል። ካብዚ ክንመሃሮ እንኽእል ነገር እንተሎ፣ ህግደፍ ፈላልዩ በብሓደ ክሃርመናን ከዳኽመናን ክፍትን ከሎ፣ ብኣንጻሩ ሓደ ኮይንና ከይተፈላለና ክንጸንሖ ኢዩ ዘለና። ኢሰያስን ጉጅልኡን፣ ሓንሳብ መንካዕ፣ ቀጺሉ የሚን፣ ድሒሩ ጀሃድ፣ ናይ ቅያዳ-ኣል-ዓማ ትርፍራፍ፣ ብወያነ ዝተዓስቡ፣ ናይ ኣውራጃ ሕማም ዘለዎም ወዘተ እናበለ፣ በብሓደ ክለቕመና ከነፍቅደሉ የብልናን። ደድሕሪ’ቲ ንሱ ዘውጽኦ ኣስማት ክንከይድ እንተዀንና፣ ኣብቲ ንሱ ዝቐረበልና ብያቲ ንዋሳእ ምህላውና ክንርስዕ የብልናን።
ኣብ 1960ታት ነቶም ሃገራዊ ቃልሲ ዝጀመሩ ውሑዳት ኤርትራውያን፣ ብናይ ‘ኣስላም ሸፋቱ’ ከጸልሞምን፣ ናይ ኮማንድስ ሓይሊ ኣዋፊሩ ክድምስሶም ክፍትን ከሎን፣ እቶም ኣብ ውሽጦም ዝነበሩ ሃገራውያን፣ ዕላምኦም ኣነጺሮም ስለ ዝተቓለሱ፣ እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ጉጅለ፣ ናብ ዓርሞሸሽ ተቐይሩ፣ ኣብ ምሉእ ሃገር ንመግዛእቲ ቀጥቀጥ ኣቢሉዎን ጸራሪጉ ኣባሪሩዎን። ተመክሮናን ተመክሮ ህዝብናን ስለዝኾነ ድማ ክንመሃረሉን ክንሰርሓሉን ይግባእ።
ኣብ ተቓውሞ ምስታፍ፣ ብውልቂ ደረጃ ክሳራ’ምበር፣ ብግሊ ዝርከብ መኽሰብ የብሉን። ኣምሳያ’ቲ እነጥፍኦ ግዜን ጉልበትን፣ ጻማና መሰል ህዝብናን፣ ኣብታ ናትና እንብላ ሃገር ዝምስረት ሕጋውን ቅዋማውን ስርዓት ጥራይ ኢዩ። እቲ ብሃገር ደረጃ ክሰርሕ እንደልዮ ቅዋምን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ድማ፣ ንኹሉ ብማዕረ ዝርኢ’ምበር፣ ዝተቓለሰን ዘይተቓለሰን ወገን እናበለ ዝፈላሊ ኣይኮነን። ኣብዚ ነቶም ሃገርን ህዝብን ዘድምዩ ዘለዉ ገበነኛታት ኣይኮንኩን ዝማጐተሎም ዘለኹ። ስለዚ ኣብ መንጎ’ቶም እንተስ ብዕላማ፣ እንተስ ብግዝያዊ በለጽ ኣንጻርና ዝሰርሑ ዘለዉ ናይ በይኖም፣ ነቶም ኣብ ጐድንና ከነሰልፎምን ሓገዝትና ክንገብሮምን እንኽእል ወገናት ድማ ዝተፈልየ ኣተሓሕዛ ክህልወና ይግባእ። ነቲ ፈላላይን ወገናውን ፖሊሲ ህግደፍ፣ ህዝባውን ሃገራውን ዕላማ ተዓጢቕና ክንምክቶ ሓላፍነትና ኢዩ። ፖለቲካ ናይ ሃገርን ንምሉእ ህዝቢ ዝምልከትን’ምብር፣ ብዞባን ከባብን፣ ብብሄርን ሃይማኖትን ዝውደብ ኣይኮነን።ስለዚ ዝኾነ ኣብ ጐድንና ኮይኑ ንህግደፍ ክምክት ድሉው ዝኾነ ኣካል፣ ማዕጾና ርሑው፣ ኣእዳውና ዝርጉሕ ክንገብሮ ይግባእ።

2. ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ፦ ውሑድ ቊጽሪ ዘለዎም’ኳ እንተኾኑ፣ ካብ’ዞም ብስም መንእሰያት ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ፣ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ዜጋታትን ካልኦትን፣ ወስ ዘብልዎ ዘረባ ኢዩ። ሓደ ግዜ’ውን ነዚ እትመሳሰል፣ ብዕለት 25/12/2012 ኣብ መርበብ እንተርነት እተዘርገሐት፣ ብእስቲፋኖስ ተመልሶ ዝተጻሕፈት ፣ “ምንቅስቓስ መንእሰያት ኣብ ቃራና መንገዲ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፣ ነዛ እትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ኣንቢበ ነይረ፦
“ነቶም ንተቓለስቲ ብወገን ይኹን ብኣውራጃ እናፈላለዩ፣ ብተወፋይነት ንዝተሰዉኡን ይቃለሱ ዘለዉን ደቂ ኣውራጅኦም ተጋደልትን መንእሰያትን ኢደ-ሰባራ ዝገብሩ ሰንኮፋትን ካብ ጓሶት ዘይሕሹን ሰባት ብዘይንሕስያ ክንቃሰሶም ግቡእና ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ነቶም ብህግደፍ ተላኢኾም ይኹኑ ብሰንኪ ዕውንኦም ንቓልሲ ጭቁናት ክዕንቅፉ ዝፍትኑ መንእሰያት ክንጥንቀቐሎምን ቀልጢፍና ኣብ ምእላዮም ክንነጥፍን ይግባእ”

ትዕዝብተይ’ውን ካብ ናይ ሓው እስቲፋኖስ ተመልሶ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ’ውን ስርዓት ህግደፍ፣ ኣንጻር ሰለስተ ማሕበራውያን ቀሰላታት ማለት ተጋደልቲ፣ ምሁራትን መንእሰያትን ኲናት ከም ዝኣወጀን፣ ብኹሉ ዓቕሙ ድማ ነቶም መንእሰያት ምስቶም ናይ ቃልሲ መራሕቶም ክኾኑ ዝነበሮም ምሁራንን ገዳይም ተጋደልትን ከም ዝቃራሓኑ ከም ዝገበረ ገሊጸ ነይረ። ብፖለትካዊ ዓይኒ እዚ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዘሎ ጽልኢ ኣብ ሰለስተ መቒልካ ክረአ ኣለዎ። ንሱ ድማ –
ሀ. እቶም ካብ ዝተቓለሱሉ ዕላማ ወጻኢ፣ ሓላፍነት ብዝጎደሎ መንገዲ፣ ንትእዛዝን ዕላማታትን ህግደፍ ንኸተግብሩ፣ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሕዋቶም፣ እዚ ዘይበሃል በደል ካብ ዝፈጸሙ ገለ መራሕቲ – ተጋደልቲ ስለዝነበሩ “ኩሉ ተጋዳላይ ከምኣቶም ኢዩ” ዝብል ኣተሓሳስባ ዝሓዙ መንእሰያት ዘበገስዎ፣ ግርህና’ምበር ክፍኣት ዘይብሉ፣ ካብ ዓሚቊ ፖሊቲካዊ ፍልጠት ዘይብገስ ኣዘራርባ ክኸውን ይኽእል።
ለ. እቲ ካልኣይን ክብዳህ ዘለውን ድማ ብስዉር፣ ህግደፍ ካብ ዘዋፈሮም ሰባት ዝብገስ፣ ብመደብ ናይ ምብትታን ዕላማ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል።
ሐ. ‘ካብ ናይ ጀብሃን ሻዕብያን ቅርሕንቲ ዘይተገላገሉ፣ ንመንእሰያት ካብ ተጋደልቲ ንምንጻል ናይ ዝተገብረ ጎስጓስ ውጽኢት ኢዩ’ ዝብል ዘረባ’ውን ኣሎ።
እንተኾነ ጀብሃ ትኹን ሻዕብያ፣ ኣካል ናይቲ ዘኹርዕ ሕሉፍ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ’ምበር፣ ውድዓዊ ህላዌ የብለንን። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ሓቂ እንተድኣ ኮይኑ ድማ፣ ምስሊ ጀብሃን ሻዕብያን ኣብ ሓንጎል ናይቶም ኣባላተን ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ተቐሪጹ ዝተረፈ’ምበር፣ ምስዚ ዘለናዮ መድረኽ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን። ውድባትን ኣወዳድባን ተቐይሩ፣ ዕላማ ናይቲ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ’ውን ተቐይሩ ኢዩ። ናይቶም ሰባት ኣተሓሳስባ ድማ ምስኡ ክቕየር ጥራይ ኢዩ ዘለዎ።

እዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ኣተሓሳስባታት ሰለስቲኡ፣ ኣዕናውን ክእረም ዘለዎን ኢዩ። ኣብ ስርዓት ህግደፍ እቶም ቀዳሞት ዝተጠልሙን ዝተገፍዑን – ተጋደልቲ ኢዮም። ኣብ ወርሒ ግንቦት 1993፣ ድሮ ረፈረንደም፣ “ጸጊቦም” ዝተባህሉ – ተጋደልቲ ኢዮም። እቶም ኣብ መንገዲ ማይ-ሓባር ዝተቐዝፉ ስንኩላን – ተጋደልቲ ኢዮም። እቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ፣ ንኹሉ’ቲ ዝነበሮም ስልጣን ገዲፎም፣ “ኣከያይዳ ህግደፍ ንጥቕሚ ሃገርን ህዝብን ኣይኮነን” ኢሎም፣ ንተንኮላት ናይቲ ስርዓት ዘቃልዑ – ተጋደልቲ ኢዮም። ሕጂ’ውን ኣብ ዝተፈላለይ መርበባት (ወብ ሳይት) እናጸሓፉን፣ ብቓለ-መጠይቕን ነቲ ሕቡእ ታሪኽ ናይቲ ኣዕናዊ ጉጅለ ዘቃልዑ ዘለዉ ተጋደልቲ ኢዮም። ንሰማዒ ግን እዚ ዝስዕብ ክብሎ እደሊ። ኣብዚ እዋን’ዚ ተጋደልቲ፣ ብፍላይ ክኣ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፣ ብፖለቲካዊ መርግጺኦም ኣብ ሰለስተ ዝተመቕሉ ኢዮም። ንሱ ድማ፦

1. ኣዝዮም ውሑዳት ምሉእ ህላዌኦምን ረብሕኦምን ምስቲ ዝርዓት ዝወገኑ፣ ብገበንን ደምን ዝተቖማጥዑ፣ ምስ መራሒ ህግደፍ ብማዕረ፣ ብገበን ዝሕተቱ ተጋደልቲ
2. ንሕና “መግዛእቲ ኣባሪርና፣ ኣብ ቦትኡ ህዝባውን ደሞክራስያውን ስርዓት’ምበር፣ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምትካል ኣይተቓለስናን” ዝብሉ፣ ኣብ ፈቐድኡ ዝህደኑን ዝእሰሩን ዘለዉ፣ ወይ’ውን ናይ ልቦም ንውሽጢ ገይሮም ምቹእ ኩነታት ዝጽበዩ ዘለዉ ተጋደልቲ
3. ነዛ ሃገር “ኩሉ ዝከኣለና ገይርናላ ኢና፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ካብ ፖሊቲካን ፖሊቲካዊ ስራሕን ወጺእና፣ ዝተባህለና ጥራይ እናገበርና፣ ደቅና ከነዕብን ከነምህርን ጥራይ ኢዩ ዘለና” ዝብል ውሳኔ ዝወሰዱ፣ ንለውጢ ግን ሃንቀው ዝብሉ ተጋደልቲ

ስለዚ ነቶም ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ዘይነበሩ፣ እዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣሕዋት፣ እዚ ዝስዕብ ከዘኻኽሮም እደሊ። እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ፣ ኣብ ቊጽሪ 1 ዝምደቡ ተጋደልቲ፣ ከም ጸላእቲ ህዝብን ሃገርን ዝቑጸሩ፣ ዝኾነ ምሕረት ዘድልዮም ኣይኮኑን። ንሕና እቶም መቓልስቶም ዝነበርና’ውን ንምክቶም ኣለና። እቶም ኣብ ቊጽሪ 2ን 3ን ዘለዉ ግን ናይ መትከልን ናይ ቃልስን መሓዙት ምዃኖም፣ እኳ’ድኣ ነቲ ስርዓት ኣጸቢቖም ዝጸየንዎን ዝፈልጥዎን፣ ኣብቲ ቃልሲ ድማ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ዝኽእሉ ምዃኖም ምዝካር የድሊ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዝረአ ድፉን ጽልኢ፣ ዋላ’ውን ውሑድ እንተኾነ፣ ካብ መስመሩ ዝወጸን ክእረም ዘለዎን ኢዩ።

3. ዓበይቲ ከይሓወስና በይንና ንስራሕ ዝብል፦ ኣብቲ ‘መን’ዩ መንእሰይ?’ ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝገለጽክዎ፣ እቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንእሰይ፣ እቲ ካብ
ናይ ወለዲ ‘ግበር ኣይትግበር’ ዝምድና ዝወጸ፣ ናይ ገዛእ-ርእሱ ሓዳርን ንብረትን ግን ዘይመስረተ፣ ሓባራዊ’ምበር ውልቃዊ ረብሓ ዘየቐድም’ ዕድመ ምዃኑ ገሊጸ ነይረ። እዞም ሕጂ ብስም ናይ ‘መንእሰያት ማሕበር’ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ፣ ኩሎም’ኳ እንተዘይበልኩ፣ መብዛሕትኦም ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከቡ ኢዮም። ኣብ ንቡር እዋን፣ ሓደ 30 ዓመት ወይ ልዕሊኡ ዕድመ ዘለዎ ሰብ፣ ብኻልኣይ ወይ ሳልሳይ ዲግሪ ተመሪቑ፣ ኣመሓዳሪ ዓበይቲ ትካላት (ማናጀር) ክኸውን፣ ኣብ መንግስታውን ምምሕዳራውን ጽላታት ድማ፣ ንልዕሊኡን ትሕቲኡን ዘለው ዕድመ ኣወሃሂዱ፣ ናብቲ ዝለዓለ ስልጣን (መራሒ ሃገር ንምዃን) ዘቛምተሉ እዋን ኢዩ። እቶም ናብ ሃገራዊ ናጽነት፣ ውድባት ዝመርሑ ኤርትራውያን’ውን፣ ኣብዚ ዕድመ’ዚ ከለዉ ኢዮም ዕድመ ከይፈለዩ፣ ንምሉእ ህዝቢ ኣወሃሂዶም ናብ ሓደ ዕላማ ዝመረሹ።
ኣብዘን ብዝለዓለ ደረጃ ብህዝባዊ ምልዕዓል ዝናወጻ ዘለዋ ሃገራት ኣዕራብ’ውን እንተኾነ፣ ኣብቲ ዝግበር ምልዕዓል ቅድሚት ተሰሪዖም ክውፈዩ እንርእዮም ዘለና መንእሰያት ኢዮም። ነቲ ቃልሲ ዝመርሑ ዘለዉ ግን ዓበይትን ምሁራትን ኢዮም። እቶም መንእሰያት ናይተን ሃገራት፣ ነቶም ዓበይቲ ኣቦታቶምን ኣያታቶምን ‘ንስኹም ተኣለዩልና፣ ንበይንና ኢና ንቃለስ’ ክብልዎም ኣይተራእዩን።
ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፣ እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ሃገርና፣ ከይነኣስካ ትኣርገላ ሃገር ኮይና ኣላ። መንእሰያት ሃገርና ድማ ብሰንኪ ጉዕዙይ ምሕደራ ህግደፍ፣ ኣብ ግዜ ንእስነቶም፣ ንእስነት ኣየሕለፉን። መብዛሕትኡ’ቲ ውዑይ ዕድመ ኣብ ግዱድ ዕስክርናን፣ ኣብ ጉዕዞ ንስደትን ሓሊፉ ኢዩ። ስለዚ እዚ ኣበሃህላ’ዚ፣ ብህግደፍ – ንምክፍፋል ተባሂሉ ዝጉስጎስ ከይከውን ጥርጣሬታት’ኳ እንተሎ፣ መብዛሕትኡ ግን ካብ ግርህና ዝብገስ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። በዚ ኮነ በቲ ግን፣ ክእረም ዘለዎ ሓደገኛ ዝምባለ ኢዩ።

4. ተቓወምቲ ውድባት ኣየድልያናን ኢየን ዝብል፦ እዚ ኣበሃህላ’ዚ በቶም ‘መንእሰያት’ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዋላ ገለ ዓበይቲ ሰባት’ውን ክደጋግምዎ ዝስማዕ ኢዩ። ኣብዘን ናይ ሓበሬታ መርበባት (ወብ ሳይት) ከይተረፈ፣ “መንእሰያት ናይ ገዛእ-ርእስኹም ውድብ ፍጠሩ፣ እተን ዝጸንሓ ውድባት ዘድምዓ ኣይኮናን” ኢሎም ዝጸሓፍዎ ጽሑፍ ኣንቢበ ኣለኹ። እዞም ዓው ኢሎም ዝጸሓፉን ዝተዛረቡን ሰባት፣ ካብቲ ዘሎ ኩነታት ተበጊሶም እምበር፣ ዝኾነ ሕማቕ መበገሲ ዘለዎም ከም ዘይኮኑ፣ ካብ ኣዘራርብኦምን ኣጸሓሕፋኦምን ፍሉጥ ኢዩ። እቲ ስርዓት ብውሽጢ ውሽጢ ነቶም ‘መንእሰያት’ ካብተን ተቓወምቲ ውድባት ንምንጻል ኣይሰርሕ’ዩ ኢልካ ምዝራብ ግን የዋህነት ኢዩ። በዚ ኮነ በቲ ግን፣ ኣብ ውድባት ኣቲኻ ምስራሕ ዝህልዎ ኣዎንታውን ኣሉታውን ኩነታት ፈላሊኻ ምርኣዩ ከድልየና ኢዩ።

ብዙሓት ሰባት ከም ዘዕልልዎ፣ እተን ተቓወምቲ ውድባት፣ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክምስረታ ከለዋ፣ ነቶም ‘ንሓዋሩ ተቓውሞ ከወሃህዱ ይኽእሉ ኢዮም’ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ዝነበሩ ኣባላተን፣ ህግደፍ በብሓደ ከም ዝጨወዮምን ከም ዝቐተሎምን (assassinate ከም ዝገበሮም) ይዝረብ ኢዩ። ኣብ መእተዊ ናይዚ ጽሑፍ’ዚ ከም ዝገለጽኩዎ’ውን፣ እተን ተቓወምቲ ውድባት ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሓሉ ዘይከኣላ ቀንዲ ምኽንያት፣ ኣብ መሬት ናይ ካልኦት ሃገራት ኮይነን ይሰርሓ ብምህላወን፣ ነቲ ባዕላተን ኣብ ጉባኤታተን ዘጽደቐኦ ሕግታት ከተግብራ ዘይምኽኣለን ኢዩ ዝብል ገምጋም ኣሎኒ። እዘን ብጎነጽ ዝኣምና ውድባት፣ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ገዛእ-ርእሰን ሓራ መሬት (ደጀን) ክምስርታ ዘይከኣላሉ ምኽንያት ንዕአን ዝምልከት ስለዝኾነ፣ ኣብዚ ምዝራብ ኣየድልየንን ኢዩ። እዞም ሕጂ ተቓውሞ ዘበጋግሱ ዘለዉ ‘መንእሰያት’ እውን፣ ኣብ መሬት ናይ ካልኦት ሃገራት ኮይኖም ክሳብ ዝተንቀሳቐሱ፣ ብፍላይ እቶም ብጎነጽ ዝኣምኑ፣ ካብተን ዘለዋ ውድባት ዝተፈልየ ዕጫ ክህልዎም ኣይኮነን። ነተን ውድባት ህግደፍ ዝኣትወን እንተኾይኑ፣ ንዕኦም’ውን ክንሕፎም ኣይኮነን። ኣብተን ውድባት ዘለዉ መራሕቲ፣ ብብሀር፣ ሃይማኖትን ካልእን ዝተፈላለዩ ኢዮም፣ ወይ’ውን ብውልቃዊ ረብሓ ዝተቖማጥዑ ኢዮም’ ዝበሃል እንተ-ኾይኑ፣ እዞም ሕጂ ዝወዳደቡ ዘለዉ’ውን ካብዚ ዝምባሌታት’ዚ ነጻ ምዃኖም ዝኾነ ጭብጢ የብልናን። ልዕሊ ኩሉ ግን፣ ኣብ መሬት ናይ ካልኦት ሃገራት ኮንካ፣ ተኣኪብካ ንዘውጻእካዮ ህግታት ከተተግብርን፣ ብእኡ ክትመሓደርን ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ኣብተን ውድባት ተጸንበርካ፣ ነዚ ዘሎ ኣካይዳአን ምድጋም ኣሉታውን ጥንቓቐ ዘድልዮን ኢዩ።

ብወገነይ እዚ ዝስዕብ ርእይቶ ኣለኒ። ውድብ ምምስራትን፣ ነቲ ዝመስረትካዮ ውድብ ኣብ ኩሉ ሕ/ሰብ ኤርትራ ተፈላጥነት ከምዝህልዎ ምግባርን ቀሊል ስራሕ ኣይኮነን። ሓንሳብ ኣስማተን ኣብ ኢንተርነት ምስ ኣንበብናዮ፣ ንጽባሒቱ እንርስዖ፣ ወይ’ውን ኣብ ሓንጎልና ዝኾነ ጽልዋ ከይገደፈ ዝጠፍእ ኣስማት ውድባት ብዙሕ ኢዩ። ብሓጺሩ እተን ኣለዋ ዝበሃላ ውድባት – ብዙሓት፣ እተን ብዙሕ ተፈላጥነት ዘለወን ውድባት ግን ውሑዳት ኢየን። ነዚ ተፈላጥነት’ዚ ከጥርያ ዘጥፍአኦ ግዜን፣ ሰብኣዊ ይኹን ንዋታዊ ወጻኢታት ድማ ውሑድ ኣይኮነን። ስለዚ እዞም ሕጂ ብስም ‘መንእሰያት’ ዝወዳደቡ ዘለዉ ዜጋታት፣ ነቲ እዘን ውድባት ኣንጺፈንኦ ዘለዋ ትሕተ-ቅርጺ ክጥቀሙሉ’ምበር፣ ካልእ ትሕተ-ቅርጽን ተፈላጥነትን ከጥርዩ፣ ካልእ ግዜን ጉልበትን ከጥፍኡ የብሎምን ባሃላይ ኢየ።

እዘን ሎሚ ኣብ ሃገራት ምዕራብ እንርእየን ዘለና – ሰልፊ ዕዮ፣ ዓቃባዊ ሰልፊ፣ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ስልፊ፣ ደሳዊ ሰልፊ፣ ክርስትያናዊ ሰልፊ ወዘተ እናተባህላ ዝጽውዓ ዘለዋ ዓበይትን ናእሽቱን ሰልፍታት፣ እናተ-ተኻኽኡ ብዝመጹ መራሕትን ኣባላትን፣ ንወለዶታት ዝጸንሓ ኢየን። እቲ ምትኽኻእ ናይ መራሕተን ድማ፣ ኣብ ጉባኤታተን ብዝገብረኦ ምርጫታት እምበር፣ እቶም ዓበይቲ ነቶም ናእሽቱ መሪቖም ይህብዎም ኣይነበሩን። ምስ ናይ ወለዶታት ምትኽኻእ ድማ፣ ዝኣረገ ሕግታት እናኣለያ፣ ምስ ግዜ ዝኸዱ ፖሊሲታት ድማ እና-ኣእተዋ ኢየን ዝኸዳ ዘለዋ። እቲ ሓድሽ ወለዶ ድማ፣ ነቶም ዓበይቲ ኣቦታቱን ኣያታቱን ተኪኡዎም እምበር ‘ኣይተድልዩን ኢኹም’ ኣይበሎምን። እዞም ከም በዓል ባራክ ኦባማ፣ ደቪድ ካመሮንን ካልኦትን ዝኣመስሉ፣ ዓበይቲ ናይ ዘመንና መራሕቲ፣ ነቲ ዝጸንሐ ናይተን ሰልፍታት ትሕተ-ቅርጺ ተጠቒሞም ኢዮም ንስልጣን በቒዖም እምበር፣ ናይ ገዛእ-ርእሶም ሓደስቲ ሰልፍታት ክምስርቱ ፈቲኖም እንተዝኾኑ፣ ካብታ ዝተወልዱላ ከብቢ ፍሕት ክብሉ ኣይምኽኣሉን።
እቲ ዝሓሸ እምበኣር፣ ኣቶም ንቓልሲ ዝብገሱ ዘለዉ ዜጋታት፣ ኣብ ክንዲ ሓድሽ ውዳቤ ንምፍጣር ግዜ ዘጥርኡ፣ ናብተን ‘ቁሩብ ይሕሻ ኢየን’ ዝብሉወን ውድባት ብብዝሒ ብምእታው፣ ነተን ውድባት ከሐይሉወንን፣ ኣብ ፖሊሲታተን ድማ ምስ ግዜ ዝኸይድ ምትዕርራይ ክገብሩን እንተ-ጽዒሮም፣ ቃልሶም ኣድማዒ ምኾነ። እቶም ኣብቲ ጽባሕ ዝትከል ስርዓት፣ ጽልዋን ቦታን ክህልዎም ዝደልዩ ሰባት’ውን፣ እቲ ዝሓጸረን ዝሓሸን መንገዲ ምዃኑ ክበርህ ኣለዎ። መራሕቲ ናይተን ዘለዋ ውድባት’ውን ዝጸልእዎ ኣይመስለንን። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ግን፣ ዝሓሸ ኣማራጺታት ንምድህሳስ እምበር፣ ነቶም ናይ ገዛእ-ርእሶም ውዳቤ ንምፍጣር፣ ኣብ ምውዳብን ኣብ መጽናዕትን ዘለዉ ጉጅለታት ንምጉንዳብ ከም ዘይኮነ ከብርህ እፈቱ።

5. ‘እዚ ኩሉ ጸገም ዝፈጥር ዘሎን፣ እቲ ሓደ ጸላኢናን ኢሰያስ ጥራይ ኢዩ’ ዝብል፦ እዚ ኣበሃህላ’ዚ ብመንእሰያት ዘይኮነ፣ ብገለ ተጋደልቲ ዝነበሩ ምሁራን ክደጋገም ዝጸንሐ ዘረባ ኢዩ። ቅድሚ ሕጂ ጨፈና ሃይለማርያም ነዚ ኣመልኪቱ፣ ኣብ መርበብ ሓበረታ ዓዋተ ኣስፊሑ ብእንግሊዘኛ ጽሒፉ ከም ዝነበረ ክገልጽ እፈቱ። ኣነ’ውን ንዕኡ ንምድጋም ዘይኮነ፣ ከም ሓደ ዝምቡዕ ኣጠማምታ ከይተዛረብኩሉ ክሓልፍ ኣይደለኹን።

ንሕና ኤርትራውያን ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልስና፣ ኣንጻር መስፋሕፍሒ ስርዓታት ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፣ ኣንጻር’ቲ መስፍናዊ ስርዓት ሃይለ-ስላሴን፣ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርግን እምበር፣ ኣንጻር ንጉስ ሃይለ-ስላሴ ወይ ሊቀ-ወንበር መንግስቱ ሃይለ-ማርያም ብውልቂ ኣይተቓልስናን። ሎሚ’ውን ኣንጻር ህግድፍ ከም ስርዓት’ምበር፣ ኣንጻር ውልቀ-ሰባት እነካይዶ ቃልሲ የለን። ኢሰያስ ከም መራሒ ናይ ስርዓት ህግደፍ፣ ንኹሉ’ቲ ናይቲ ስርዓት ጸይቅታት ይመርሕ ብምህላዉ ተሓታቲ’ኳ እንተ-ኾነ፣ ቃልስና ግን ‘እንዳ-ቦይ ኢሰያስ’ ዝበሃሉ፣ ቤተ- ሰብና ዝቐተሉ ‘ሰብ ደምና’ ንምቕታል ኣይኮነን። እቲ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፣ ንኹሊ’ቲ ኣዕናውን ከፋፋልን ስርዓተ-ምምሕዳር ናይ ህግደፍ ኣሊኻ፣ ኣብ ቦትኡ ሕጋውን ቅዋማውን ኣሰራርሓ ማእከል ገይሩ ዝኸይድ፣ ህዝባውን ደሞክራስያውን ስርዓት ንምትካል ኢዩ። ህግደፍ ከም ስርዓት ካብ ስልጣን ምስ ተኣልየ “መን ይእሰር’ ‘መን ይመሓር” ድማ ንዓና፣ ነቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለና ዝምልከት ኣይኮነን። እዚ ነቲ ሽዑ ዝምስረት ሕጋዊ ባይቶ ዝምልከት ኢዩ። ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ድማ ‘ተበላጽን መደናገርን’ ኢለ ክሓልፎ መሪጸ ኣለኹ። ምኽንያቱ ብድሕሪት ዝተሓብአ፣ ክዝረበሉ ዘይተደልየ ጥሙሕ ክህልዎ ይኽእል ኢዩ’ ዝብል ርእይቶ ስለ ዘለኒ።

6. ንጹር ፖሊቲካዊ ዕላማን፣ ብቑዕን ወካልን መሪሕነት የድሊ ኣሎ፦ ኣብ መጨረሻ ክብሎ ዝደሊ እዚ ዘለናዮ እዋን፣ ናይ ሕንፍሽፍሽን ምድንጋርን እዋን ኮይኑ ኣሎ። ከይተወደብካ ንውድባት ምጽራፍ፣ ከይተጋደልካ ንዝተጋደሉ ምቁንጻብ፣ ጥብ ትብል ረሃጽ ከየንጠብካ ምእንቲ ሃገር ንዝደሙን ዝሰንከሉን ምዝላፍ፣ ከይትጋደልን ከይትስዋእን ፈሪሕካ – ኣንጊህካ ሃዲምካ ከተብቅዕ – ነቶም ተጋዲሎም ናጽነት ሃገር ዘምጽኡ ምንእኣስ ገኒኑ ይረአ ኣሎ። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ድማ፣ ንብምሉኡ’ቲ ምእንቲ ናጽነት ዝተኻየደ ገድሊ፣ ብድብድቡ ክኹነን ንሰምዕ ኣለና። ‘ንምንታይ ናጽነት ኣድለየ’ ንዝብሉ ሰባት፣ ኣብ ፓል-ቶክ ኮነ ኣብ መርበብ ሓበረታታት ሰማዒ ምርካቦም ኣዝዩ ዘደንጹ ኢዩ። ንሱዳናውያንን ኬንያውያንን “ናጽነት እንታይ ክዓብሰልኩም ኢዩ፣ ምስ እንግሊዝ ምዃን ምሓሸኩም” እንተ-ንብሎም፣ ንጎረቤትና ኢትዮጵያውያን “ምስ ጥልያን ምጽናሕ ምሓሸኩም” እንተ-ዝበሃሉ፣ እንታይ ኮን ምመለሱ። ሓሲብናሉ’ዶ ንፈልጥ? ጸገም ኤርትራውያን ድማ’ ብኢትዮጵያውያን ስለ-ዘይተመሓደርና ዝመጸ ኣይኮነን። ንዕኡ’ኮ ‘ፎእ’ ኢልናዮን ጸራሪግና ኣባሪርናዮን ኢና። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፣ ጸገምና ኣብ ቦታ’ቲ ብደምና ዝተባረረ መግዛእታዊ ስርዓት፣ ህዝባውን ደሞክራስያውን ስርዓት ክንተክል ስለ-ዘይከኣልና ኢዩ። እዚ ድማ እቶም ናጽነት ዘምጽኡ ተጋደልቲ ንበይኖም ዝሕተትሉ ኣይኮነን። እቲ ሕቶ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ፣ ዝተጋደለ ይኹን ኣብ ገድሊ ዘይነበረ ብማዕረ ዝምልከቶ ኢዩ።

ሎሚ ሓደ እዋናዊ ሕቶ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ኣሎ።ንሱ ድማ ንኹሉ’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርኩዎ ጸገማትን ካልእ ኣብዚ ዘይተ-ጠቕሱ ተጻብኦታትን ዝፈትሕ ንጹር ፖለቲካዊ ዕላማ ክህልወና ኣለዎ። ሓድሕድ ምውንጅጃል ግዜኡ ኣይኮነን። ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ንለውጢ ‘ሃንቀው’ ይብል ኣሎ። እቲ ውድዓዊ ኩነታት ካብ ዝበስል ዓመታት ሓሊፉ ኢዩ። ኣኼባታት ስለ-ዝተደጋገመ፣ ቤት-ጽሕፈታት ከፊትካ ሰባት ኮፍ ስለ-ዘበልካሉ፣ ነቲ ቀንዲ ጸገም ኣሊኻ ፍታሕ ክሳብ ዘይገበርካሉ፣ ውጽኢት ዘምጽእ ኣይኮነን። እቲ ቃልሲ ብመንጽር’ቲ ዝሓለፈ ዓመታት ስድሪ ኣይከደን። እቲ ዘሎ ጸገም፣ ንድሌት ህዝብና ብግቡእ ተረዲኡ፣ ንጹርን ዝሰርሕን ሃገራዊ ስትራተጂ ሓንጺጹ ዝመርሕ፣ ንኹሉ ህዝቢ ዝውክል፣ ውፉይን ተባዕን መሪሕ ኣካል ዘይምህላዉ ኢዩ። ፖለቲካዊ መሪሕነት ድማ፣ ኣብ ቃልሲ ተሳሒሉ ዝምዕብል እምበር፣ ሰባት ምስኦም ሒዞምዎ ዝውለዱ ኣይኮነን። ነዚ ዝበቕዑ ድማ፣ ዘይተወላወልቲ፣ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ብትብዓት ዝሰግሩ፣ ደፋራትን መስተውዓልትን ጥራይ ኢዮም። እቲ ግዜ ከኣ ብሱል ኢዩ ዘሎ።

ንሎሚ ኣብዚ ክውድእ ኢየ። ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ድማ ነቲ ብዙሕ እዋን ከካትዕ እንሰምዖ “ጎነጻዊ’ዶ ሰላማዊ መንገዲ” ዝብል ኣምር፣ ምስዚ ህሉው ኩነታት ሃገርና ኣዛሚደ፣ በብናቱ ኣርእስቲ ከቕርቦ ክፍትን ኢየ። ነዞም ሕጂ ብሓድሽ መንፈስ ንቓልሲ ዝብገሱ ዘለዉ ዜጋታትና ድማ ‘ሓጋዚ ኢዩ’ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

….ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Harnetna2013 February 4, 2013

    Tades,amlak yhalwelna naaka.
    however, all the cause that you described are due to the leaders.
    – They have a duty to question people if there is collaboration with hgdef
    – They have a duty to discloses information.
    – They have a duty to set a strategy that enables united front
    – They have a duty to create a campaigner method,
    – they have a duty to whatever they intend to do as long as they have acceptance from the members.
    so do not blame people or youth but its the leaders of all these groups

  • rahwa2013 February 4, 2013

    “kurimti ziHalefo metHan neyideli!” zibahal n’k emzi natka zible zereba eyu.

    kemey engera ezgi bilaE… ketsilo berteaa… ajokka…

  • Tesfa February 6, 2013

    what is point of telling a story which evrybody knows????safe your time and ours!

    • Hawarya February 6, 2013

      Tesfa hopeless

      you have no hope,
      this is not story,and also writing story important for us, but not for you hopeless.

  • Tesfa February 7, 2013

    Hawarya,
    Ofcource I don`t have a hope from people like you! we need action now not ajewjew….if your hope dependes on the articles which was written, go read each one of them and make yourself happy!!!

POST A COMMENT