Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን መድረኻት ፖለቲካዊ ተቓውሞን ታደሰ ኪዳነ

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን መድረኻት ፖለቲካዊ ተቓውሞን ታደሰ ኪዳነ                       6ይ ክፋል             26/01/2013   ኣብ ዝሓለፈ ተኸታታሊ ጽሑፋት ከም ዝገለጽኩዎ፣ እቲ ክፉእ መግዛእትን ግፍዕን ህግደፍ ዝመረሮ ኤርትራዊ፣ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ተሰዲዱ ኢዩ። ህግደፍ ኣጸቢቑ ዝፈልጦን፣ ኩሉ ግዜ

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን

መድረኻት ፖለቲካዊ ተቓውሞን

ታደሰ ኪዳነ

                      6ይ ክፋል             26/01/2013

ኣብ ዝሓለፈ ተኸታታሊ ጽሑፋት ከም ዝገለጽኩዎ፣ እቲ ክፉእ መግዛእትን ግፍዕን ህግደፍ ዝመረሮ ኤርትራዊ፣ ሃገሩ ገዲፉ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ሱዳንን ኢትዮጵያን ተሰዲዱ ኢዩ። ህግደፍ ኣጸቢቑ ዝፈልጦን፣ ኩሉ ግዜ ደጋጊሙ ዝዛረበሉን ‘ኤርትራዊ ኣብ ዝኸደ ኸይዱ፣ ስቓይ ህዝቡን ሃገሩን ሸለል ኢሉ ዝርኢ ኣይኮነን’። ስለዚ ደድሕሪኡ ዝስዕብ፣ ሓደስቲ ፖሊሲታት ክሕንጽጽ ነይሩዎ። ድሕሪ’ቲ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተኣኻኸብ ዝነበረን ዘሎን ኤርትራዊ፣ ብኻልኣይ ደረጃ ዝፈርሖን ዝተጠንቀቐሉን ድማ ነቲ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ምስ ኣተወ፣ ዜግነት ናይተን ሃገራት ስለ ዝሕዝን፣ ደሓን ዝኾነ መነባብሮ ስለዝምስርትን፣ ካብ ጽልዋ ኣብያተ-ጽሕፈት ህግደፍ ወጻኢ፣ ናብ ውሽጢ ኤርትራ ገጹ ክጥምትን ሰዓብቲ ከጥሪ ዝኽእልን ኢዩ። እዚ ሓይሊ’ዚ ምሉእ ሓይሉ ናብ ኤርትራ ገጹ ከይጠመተ፣ ነንሕድሕዱ እናተወናጀለ ክነብር ስለ ዝተደልየ ድማ፣ ብዙሕ በታኒ ፖሊሲታት ኣዳልዩ ተጸቢዩዎ። ንሎሚ ድማ ገለ ካብቲ ህግደፍ ዝተጠቕመሉ ሕሱር ሽርሕታት ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ ክፍትን ኢየ።

1. ተነጽሎ፦ ህ.ግንባር ኣብ ልዕሊ’ቶም ብዝተፈላለ ምኽንያት ካብ ሜዳ ሃዲሞም ናብ ወጻኢ ዝኸዱ ኣባላቱ ነበር ክኽተሎ ዝጸንሐ ፖሊሲ፣ ክልተ ምርጫታት ጥራይ ከም ዝህልዎም ኢዩ ክገብር ጸኒሑ። ኣብተን ዝኸድወን ሃገራት ዝርከብ ኣብያተ-ጽሕፈት ናይቲ ውድብ ብምኻድ ዝፈልጥዎን ዝረኣይዎን ከይተዛረቡ ፍጹም ኣገልገልቲ ናይቲ ራሕሪሖሞ ዝኸዱ ውድብ ክኾኑ፣ ወይ ድማ ካብ ኩሉ ሰብ ተነጺሎም፣ በቶም ሓፋሽ ውድባት ዝበሃሉ ዝህደኑን፣ ተዋሪዶምን ተነጺሎምን ክነብሩ ኢዩ ተፈሪዱዎም። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሜዳ ዝረኣይዎን ዝፈልጡዎን ክዛረቡ እንተፈቲኖም እሞ ከኣ፣ ካብቲ ናይ ኤርትራውያን ኮሚዩኒቲ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብኣሕዋቶምን ብናይ ቀረባ ቤተ-ሰቦምን ዝናሸዉ፣ ካብ ምዉቕ ሓዳሮም ተፋቲሖም ካብ ደቆም ርሒቖም፣ ህይወቶም ብብስጭትን ጭንቀትን ክነብሩ ዝተፈርዱ ኢዮም ነይሮም። ብኽምዚ ድማ ጸይቅታት ናይቲ ውድብ ሰብ ከይፈለጦ፣ እንተ ፈለጦ ድማ ከምዘይኣምኖ ኮይኑ፣ ክሳብ ሎሚ ተዓቢጡ ጸኒሑ። እዞም ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ንዝወዓልዎን ዝፈልጡዎን ዝዛረቡ ዘለዉ ከም በዓል መምህር ተስፉ ዘውደ፣ ተስፋይ ተምነዎ፣ መኮነን ዓንደሚካኤል ወዘተ ዝኣመሰሉ ተጋደልቲ፣ እዚ ሕጂ ዝዛረብዎ ዘለዉ ሓቅታት፣ ሽዑ እዋን ማለት ኣብቲ ዝወጽሉ ግዜ እንተ-ዝዛረብዎን ሰማዒ እንተዝረኽቡን፣ ህዝቢ ብኣግኡ ጥንቃቐ ክገብር ምኸኣለ።

እዞም ካብ ሱዳን ብመንገዲ ሰሃራን ባሕሪ ሜዲተራንያንን ኣብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ መንእሰያት፣ መጀመርያ ዓዲ-ጥልያን ምስ ረገጹ፣ ህግደፍ ብኹሉ ዓቕሙ፣ በቲ ኣብኡ ዝጸንሖም ኤርትራዊ ከም ዝነዓቑን ‘ክሱፋት’ እናተባህሉ ከም ዝጽረፉን ብምግባር፣ ካብቶም ኣቐዲሞም ኣብቲ ቦታ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ኣሕዋቶም ከም ዝንጸሉን፣ ዝኾነ ሓገዝ ንኸይግበረሎምን ጽዒሩ ኢዩ። ካብ ዓዲ ጥልያን ናብ ካልኦት ከተማታት ኤውሮጳ ምስ ሰገሩ’ውን በቶም ኣብኡ ዝጸንሑ ቤተ-ሰቦም ይኹኑ ኤርትራውያን ኣሕዋቶም ከም ‘ጠለምቲ ሃገር’ ተወሲዶም ተዘሊፎምን ተጸሪፎምን ኢዮም። ብቑጽሪ ብዙሓት ስለዝነበሩ ግን፣ ከምቶም ኣቐዲሞም ብውልቂ ይኹን ብውሑድ ቊጽሪ ዝኣተዉ ተጋደልቲ፣ ተነጺሎም ዝተርፉ ኣይነበሩን። ሳላ ብዝሖም ድማ፣ ናይ ህግደፍ ናይ ተነጽሎ ፖሊሲ ከይተዓወተ ተሪፉ። ሽርሒ ህግደፍ ግን ኣብኡ ደው ዝብል ኣይኮነን።

2. ፖሊቲካ ገዲፍና ዘምጽኣና ንግበር ዝብል፦ እቲ ናይ ተነጽሎ ፖሊሲ ከይተዓወተ ምስ ተረፈን፣ ኣብቶም ብብዝሒ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝኣተዉ መንእሰያት ክሰርሕ ከም ዘይክእል ምስ ኣረጋገጸን፣ እቶም መንእሰያት፣ ንፖሊቲካን ፖለቲካዊ ስራሕን ገዲፎም ኣብ ውልቃዊ ጉዳዮም ጥራይ ከምዝጽመዱን፣ በብዓመቱ ንዝስልዓሎም ገንዘብ እናኸፈሉ ኣገልገልቱ ከምዝኾኑን ክገብሮም ኢዩ ጽዒሩ። ሽዑ እዋን፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት፣ ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈቱን ኤምባሲታቱን በጺሖም ዝመጹ ሰባት፣ ብብዝሒ ዝደጋግምዎ ዝነበሩ ዘረባ “ሕጂ ኣብ እንደልዮ ቦታ በጺሕና ኣሎና፣ ኣብ ናብራና ጥራይ ከነተኩር ኣለና፣ ፖለቲካ ነቶም ኣብ ዓዲ ገዲፍናዮም ዝመጻእና ንግደፈሎም” እናበሉ ክሰብኩ ተሰሚዖም። ኣብቲ ዝቐጸለ ዓመታት ድማ ጸግዒ ህግደፍ ክሕዙን፣ ንተቓወምቲ ህግደፍ ከናሽዉን ክዘልፉን ተራእዮም። እዚ ድማ ብንጹር ሰባት ካብ ፖለቲካ ሃገሮም ከም ዝርሕቁ ንምግባር ዝዓለመ፣ ናይ ህግደፍ ፕሮፖጋንዳ ምንባሩ የረድእ። እቲ ሓቂ ግን፣ ኣብ ኤርትራ፣ ቀሲኑ መነባብርኡ ክገብር ስለ ዘይተፈቕዶን ስለ ዘይከኣለን’ምበር፣ ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ፣ ርጉእ ኩነታት ተፈጢሩሉ፣ ደቁን ስድርኡን ምንባይ ስኢኑ ዝተሰደደ ሰብ የለን። እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ክቱር ድኽነት’ውን፣ ካብ ክፉእ ፖለቲካዊ ምሕደራን፣ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ህግደፍን ዝብገስ’ምበር፣ ተፈጥሮ ዘምጽኦ ኣይኮነን።

3. ብኸባብን ብኣውራጃን ከም ዝፈላለዩ መግባር፦ ህግደፍ ካብ ንጉሁኡ ዘተኣታተዎ ናይ ምፍልላይ ፖሊሲ፣ ንገለ ከባቢ ‘ናትካ ኢየ’ ክብሎ ከሎ፣ ንገለ ከባቢ ድማ ብውሽጢ ውሽጢ ኣንጻር መንግስቲ ምዃኑ ክጉስጉስ ጸኒሑ። ከምቲ ኣብ ቀዳምይ ክፋል ጽሑፈይ ዝገለጽክዎ’ውን፣ ንዕኡ ዘሰንዩ ግብራዊ ስጉምትታት ይወስድ ነይሩ። ገለ ካብቶም መንእሰያት ባዕላቶም ከም ዘዕልሉዎ “ገና ሱዳን ስገር ምስ በልና” ይብሉ ንሳቶም “ሃገርኩምን መንግስትኹምን ጠሊምኩም ካብ መጻእኩም፣ ሕጂ መኻይድኹም ፍለጡ!” ከም ዝተባህሎም ኢዮም ዝዛረቡ። ኣብ ተቓውሞታትን ሰላማዊ ሰልፍታትን ክካፈሉ ምስ ጀመሩ ድማ “ምቅዋምስ ተቓወም፣ እቶም ምሳኻ ዝነበሩ በዓል መን ምንባሮም ግን ትፈልጥ ድኻ!” ተባሂሎም። በዚ ከኣ እቲ ናይ ተቓውሞ መስርሕ፣ ንገለ ፍሉይ ከባቢ እምበር፣ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይምልከት ተጎስጒሱሉ።

ኣብቲ ሽዑ እዋን፣ እዚ ዘረባታት’ዚ፣ በቶም ተቓውሞ ዘለዓዕሉ ዝነበሩ ሰባት፣ ብዕቱብ ኣይተራእየን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስዒቡ ከም ዝረአናዮ ግን፣ እቲ ትማሊ ኣብ ኲናት እግሪ መኸል ሓቢሩ ቅያ ዝሰርሐ፣ ኣብ ደንካልያን ጎላጉል ባድመን ብሓባር ዝመረሸን ዝተዓወተን ኤርትራዊ፣ እቲ ትማሊ “ተኲስካ ቅተል” (shoot to kill) ብዝብል ፖሊሲ ህግደፍ ዝተሃድነ፣ ብሓደ ስርዓተ ምምሕዳር ዝተዋረደ ኤርትራዊ፣ ኣብ ነንሕድሕዱ ክጠራጠርን፣ ዘይምትእምማን ክፈጥርን ተራእዩ። ህግደፍ ዓቢ መኽሰብ ረኺቡ።

እቶም ትማሊ ብኽትኣምኖ ዘጸግም ኩነታት ዶብ ኤርትራ ዝሰገሩ፣ “ብጥይት ተሳሒትና፣ ንስክላ ወጺእና” ዝብሉ ዝነበሩ፣ ጸግዒ ናይቲ ንሞት ዝፈረዶም ስርዓት ክወስዱ ተራእዮም። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣብ ክንዲ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያ ጥራይ ዝፈላለ፣ ብድብድቡ፣ በቲ ዝተወልደሉ ከባቢ ጥራይ “ናይ ደገፍትን ናይ ተቓወምትን ከባቢ” ተባሂሉ። ናይ ትውልዲ ከባቢ ድማ ከም መዐቀኒ ፖሊቲካዊ ጸግዒ ተወሲዱ። እዚ ተርእዮ’ዚ ክልተ ዝምባሌታት ሒዙ ተቐልቂሉ። ንሱ ድማ፦

ሀ. እቲ በቲ ስርዓት ዝተዳህለ፣ ግን ከኣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ንምእታው ዝተጠራጠረ ወገን “እቲ ስርዓት ሕማቕ ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና፣ እቶም ተቓወምቲ ግን ካብኡ ዝሕሹ መኣስ ኮይኖም” ዝብል ምስምስ ከስምዕ ተራእዩ። እቲ ሓቂ ግን፣ ብኣካያይዳ ናይቶም ‘ተቓወምቲ’ እንተዘይዓጊቡ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ውዳቤ ፈጢሩ ድምጹ ከስምዕ ዝኽልክሎ ወገን የለን። ናይ ገዛእ-ርእስኻ ውዳቤ ንምፍጣር ይኹን ‘ዓገብ’ ንምባል ድማ ሊቸንሳ ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ በለጽ ድማ ኢዩ። ብኸዚ ድማ ምስቲ ‘ቀታሊየይ’ ዝብሎ ዝነበረ ስርዓት ንዝህልዎ ምድንጋጽ ምኽኑይ ክገብሮ ይረአ ኣሎ። ተቓውሞ ግን ካብ ውሽጣዊ ሕልና ዝብገስ ፖለቲካዊ ዕላማ እምበር፣ ኣስማትን መበቆል ዓድን ናይ ሰባት እናፈለኻ ዝግበር ኣይኮነን።

ለ. እዚ ንገለ ‘ብሳላኻ‘ ንገለ ድማ ‘ብሰንክኻ’ ዝብል ሓደገኛ ጐስጓስ ህግደፍ፣ ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ተበላጺ መርገጺ ተደሚሩ፣ ኣብ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣሕዋት፣ ናብቲ ዝበደሎም ስርዓት ከይተጸግዑ፣ ምስ ደምበ ተቓውሞ ድማ ድምጾም ከይጸምበሩ፣ ተዓዘብቲ ጥራይ ከም ዝኾኑ ገይሩዎም ኣሎ።

እዚ ክልቲኡ ዝምባሌታት’ዚ ንህግደፍ ዓቢ ፖሊቲካዊ መኽሰብ ኢዩ። እቶም ትማሊ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ግንባሮም ዝህቡ ዝነበሩ ኤርትራውያን፣ ፖሊቲካዊ መርገጽን ወታደራዊ ትብዓትን ናይ መቓልስቶም እምበር፣ ኣስማትን መበቆል ዓድን ናይቶም ኣብ ጎድኖም ዝነበሩ ብጾት ዘገድሶም ኣይነበረን። እንተነይሩ’ውን ነቲ ኣብ ከርሲ ህዝባዊ ግንባር ዝሰወደ፣ ተበላጺ ጉጅለ ዝምልከት ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ንመሰረታዊ መትከላት ናይቲ ገና ደሙ ዘይነቐጸ፣ ንሓንቲ ሃገር፣ ብሓደ ዕላማ፣ ኣንጻር ሓደ ጸላኢ ተዋጊኡ ሃገር ዘውሓሰ ሰውራታት ኤርትራ ስለ ዝጻረር ድማ፣ ኣብ ዘመንና ካብ ዝተራእዩ ዓበይቲ ፖሊቲካዊ ክድዓታት ሓደ ኢዩ።

4. ምክፍፋል ብሃይማኖት፦ ካልእ ህግደፍ ዝፈርፈሮ ኣሰካፊ ምክፍፋል፣ ሃይማኖትን ፖሊቲካን ሓዋዊሱ፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፣ ሓንሳብ ነቲ ሓደ፣ ሓንሳብ ድማ ነቲ ካልእ ከኽፍእን ክኸፋፍልን ጸኒሑ። እታ ንነዊሕ እዋን ክሰርሓላ ዝጸንሐ፣ ዝኣረገት ደርፊ ድማ ንዝኾነ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርከብ ኣማኒ ምስልምና ‘ጅሃድ’ ዝብል ስም ምልጣፉ ኢዩ። እዚ ድማ ብመደብ ንኣመንቲ ክልቲኡ ሃይማኖታት ነንሕድሕዶም ከም ዘይተኣማመኑን ብሓባር ናብ ሓደ ዕላማ ንኸይምርሹን ንምግባር ዝዓለመ እምበር፣ ዝኾነ ሓቅነት ከም ዘይብሉ፣ ብግብሪ ኣረጋጊጽና ኣለና። እቲ ህግደፍ ንነዊሕ እዋን ዝጎስጎሰሉን ዝሰርሓሉን ምጥርጣር ግን፣ ገና ኣይሃሰሰን። ከም ደቂ ሃገር ግን ሓደ ክንፈልጦ ዝግበኣና ሓቂ ኣሎ። እታ ንክልተ ዓበይቲ ሃይማኖታት፣ ትሽዓተ ዓበይትን ናእሽቱን ብሄራት፣ ሸሞንተ ኣውራጃታት እትሓቁፍ ሃገርና ኤርትራ፣ ኩሎም ዜጋታት ተኸባቢሮም ብማዕረ ዝነብሩላ፣ ብዘይ ዝኾነ ጸቕጢ ብዝተመርጸ ሓጋጊ ኣካል (ባይቶ) ብዘጽደቆ ሕጊ ዝመሓደሩላ ሃገር ምስእትኸውን ጥራይ ኢያ ዲሞክራስያዊት እትኸውን።ብሓጺሩ ኣብታ ንመዋእል ዝተቓለስናላን፣ ብሕጂ’ውን እንጽበያን ኤርትራ፣ ኤርትራዊ ብዜግነቱ’ምበር፣ ካልእ ተለጣፊ መምዘኒ ክህልዎ ኣይኮነን። ዝኾነ ኣብ ተቓውሞ ዝሳተፍ ዜጋ ድማ፣ ነዚ መትከል’ዚ ማእከል ገይሩ እንተ-ተመሪሑ ዕዉት ክኸውን ኢዩ።

5. ህዝባዊ ግንባር ናጽነት ዘምጸአ ውድብ ስለ ዝኾነ ክህረም የብሉን፦ እቲ እንሰምዖ ዘለና ኣዝዩ ዘስደምም ዘረባ ድማ፣ ብገለ ኣባላትን መራሕትን ህዝባዊ ግንባር ዝነበሩ ሰባት ዝዝረብ ኢዩ። ንሱ ድማ “ህዝባዊ ግንባር ናጽነት ዘምጽአ ውድብ ኢዩ። እዞም ሕጂ ስልጣን ሒዞም ዘለዉ ድማ ናጽነት ዘምጽኡን፣ ሕጂ’ውን ዶባት ሃገርና ዝከላኸሉ ዘለዉን ስለዝኾኑ፣ ክንድግፎም እምበር ክንሃርሞም የብልናን” ዝብል ኢዩ። ነዚ ዘረባ’ዚ ክትሰምዕ ከለካ፣ ክልተ ሕቶታት ተኸታቲለን ይመጻኻ። “ህ.ግንባር መን ኢዩ? ናጽነት ኤርትራ’ኸ ፍረ-ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ’ዶ ህያብ ውድብ ህ.ግንባር?” እዚኣተን ክልተ ዝመስላ፣ ግን ከኣ ብሓደ ዝምለሳ ሕቶታት ኢየን። ህ.ግንባር ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣሞ ከኣ ካብ ብምሉኡ’ቲ ህዝቢ ዝወጸ እምበር፣ ካብ ካልእ ፕላነት፣ ወይ ካብ ካልኦት ህዝብታት ዝመጸ ባዕዲ፣ ወይ’ውን ካብ ሓንቲ ንእሽቶ ከባቢ ናይ ኤርትራ ዝቦቐለ’ሞ፣ ናጽነት ከም ህያብ ብወርቂ ብያቲ ንህዝቢ ዝዓደለ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ብዕጥቂ ብረት ተቓሊሱ ክበሃል ከሎ’ውን፣ ኣብ ሰለስተ መድረኻት መቒልካ ክረአ ኣለዎ። ንሱ ድማ ካብ 1961–1970 ተ. ሓ. ኤ. ጥራይ፣ ካብ 1971–1981 ክልቲኡ ውድባት ኤርትራ፣ ካብ 1981–1991 ድማ ህ.ግንባር ንበይኑ፣ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሖሞ። ስለዚ ህ.ግንባር ኣብ ብምሉኡ’ቲ 30 ዓመት ዘይኮነ፣ ኣብተን ዳሕረዎት 10 ዓመታት ጥራይ ኢዩ፣ ንበይኑ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሑዎ። ደቁን ንብረቱን ዝኸፈለ ግን እቲ ህዝቢ ኢዩ። እቲ ቃልሲ ድማ ናይቲ ህዝቢ ኢዩ። ጻማ ጻዕሩን ኣምሳያ’ቲ ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእትን ክድበስ ዝነበሮ’ውን እቲ ህዝቢ ኢዩ። እቲ ካብ 1940ታት ኣትሒዙ ንመሰሉን ንናጽነቱን ንወለዶታት ዝተቓለሰ ህዝቢ፣ “ንሕና ኢና ናጽነት ኣምጺእናልካ” ክትብሎ ዓቢ ፖሊቲካዊ ክድዓት ኢዩ። ብሓቂ‘ውን እቶም ንመሰረታዊ መትከላት ህ.ግንባር ዝተቓለሱ መራሕትን ተጋደልትን ኣባላት ህ.ግንባር በብሓደ ሓቒቖም፣ ብዙሓት ድማ ሃገር ገዲፎም ተሰዲዶም ኣለዉ። እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ‘ነቲ ዝተቓለሱሉ መሰረታዊ መትከል ገና ኣይረስዑዎን’ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ድማ፣ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምክትታል ስለያ ህግደፍ ኢዮም ዝርከቡ። ንሳቶም ክእከቡን ውዳቤ ክፈጥሩን ይትረፍ፣ ኩሉ ምንቅስቓሶም’ውን ቀጻሊ ምክትታል ኢዩ ዝግበረሉ። እዞም ሕጂ ኣብ ስልጣን እንርእዮም ዘለና ጉጅለ ተበለጽቲ ድማ፣ ኣባላት ህ.ግንባር ዝነበሩ’ኳ እንተኾኑ ነቲ ኩልና ኣባላት ናይቲ ግንባር እንፈልጦን ምሉእ ህይወትና ዝተቓለስናሉን ዝደመናሉን፣ ሓፈሻዊ መትከላትን ዕላማን ህ.ግንባር ዝኸሓዱን ዝጠለሙን እምበር፣ ንመትከላት ህ.ግንባር ዝውክሉ ኣይኮኑን።

እቲ ብቖልዑና፣ ገና ኣምዑት ከይቆጸርና መጀመርያ ብደረጃ ዋህዮ፣ ቀጺልና ብደረጃ ጉጅለን ጨንፈርን ተወዲብና፣ ድሒርና’ውን ብብረት ዝተቓለስናሉ ዕላማታት ህ.ግንባር፣ ንጹር ኢዩ። ኣባላት ህ.ግንባር “መግዛእቲ ኣባሪርካ፣ ኣብ ቦትኡ ህዝባውን ዲሞክራስያውን መንግስቲ ምትካል” ዝብል ንጹር ዕላማ ሒዝና ኢና ተቓሊስና። ኣብ ቦታ’ቲ ብደምና ዝተባረረ መግዛእቲ ግን “ውልቀ-ምልካዊ” እምበር “ህዝባውን ደሞክራስያውን ስርዓት ኣይተተኽለን። እቲ ናይ ጠላማትን ከድዓትን ጉጅለ ድማ፣ ክጠፍእ ዘለዎ’ምበር፣ ዝኾነ ምድንጋጽ ዘድልዮ ኣይኮነን። ናጽነት ኤርትራ’ውን ፍረ-ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፣ ናይ ውድባት ወይ ናይ ውልቀ-ሰባት ህያብ ኣይኮነትን። እንተ’ቲ ‘ዶባት ኤርትራ ዝከላኸሉ ዘለዉ’ ዝብል ግን፣ እዚ ንህግደፍ ዘቖመ ጉጅለ፣ ንህዝቢ ኣብ ዘይተጸንዐን ዘየድልን ኲናት ዝጠበሰን፣ ክብሪ ህዝብናን ዶባት ሃገርናን ዘድፈረ፣ እኳ ድኣ ዝሰፍሐ መሬትና ኣብ ናይ ጸጥታ ዞባ ከም ዝኣቱ ዝገበረ ኢዩ።ኣብ ዘበነ ህግደፍ ዶብና ተደፊሩ፣ ክብሪ ህዝብና ባይታ ዘቢጡን፣ ሰብና ከም ኣቕሓ መሸጣ ኣብ ምድረ-በዳታት ክሽየጥ እምበር፣ ቅንጣብ ዝረኣናዮ ክብሪ የለን። ብሰንኪ ህግደፍ፣ እቲ ዝሓሰረ ሰብ ካብ ዞብና፣ ኤርትራዊ ኮይኑ ኣሎ። ጥርዓኑ ዝሰምዕ መንግስቲ፣ ዋሕስ ዝኾኖ ስርዓት ስኢኑ፣ ብሰበኽ-ሳግምን ሸፋቱ በረኻን ይሽየጥ ኣሎ። ሕጂ’ውን ክብሪ ህዝብናን ሃገርናን ክምለስ፣ እዚ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ክጠፍእ ጥራይ ኢዩ ዘለዎ። ነዚ ድማ ተኸፋፊልና ዘይኮነስ፣ ሓቢርና እንተ-ሰሪሕና ጥራይ ኢዩ ክዉን ዝኸውን።

6. ዶብና ከይተሓንጸጸ፦ እቲ ካልእ ህግደፍ ክጉስጉሰሉ ዝፍትን ዘሎ “መሬትና ተታሒዙ ከሎ፣ ዶብና ከይተሓንጸጸ” ዝብል ኢዩ። ኣብ 1991 ሰራዊት ህ.ግንባር፣ ንምልእቲ ኤርትራ ብሓይሉ ክቕጻጸራ ከሎ፣ ኣዚ ቦታታት’ዚ ንምንታይ ተገዲፉ፣ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣይተሓበረን። ድሕሪ 1993 ስርዓት ኢትዮጵያ ብዕግዒ ናጽነት ኤርትራ ምስ ተቐበለን፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ምስ ኣጽደቆን’ውን፣ ብዙሓት ሓልፍቲ ከም ዘልዓልዎ ይዝረብ ኢዩ። መራሒ ህግደፍ ግን ኣይተገደሰሉን። እዚ ሕጂ ብኢትዮጵያ ተታሒዙ ዝበሃል ዘሎ መሬት፣ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኤትዮጵያ ከሎ ኢዩ እቲ ስርዓት “ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ትርጉም የብሉን” ዝበለ። እቲ ሽዑ ‘ትርጉም የብሉን’ ዝበለ ጉጅለ፣ ተመሊሱ ኲናት ክውልዕ ይኹን፣ ብዛዕባ ዶብ ክዛረብ ብቕዓት የብሉን። ሕቶ ዶብ፣ ሕቶ ህዝብን ሃገርን እምበር፣ ዲክታተራት ከም ድላዮም ዝዋገይሉ ኣይኮነን።

ናይ ዶብ ምስሕሓብ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይጀመረን። ኣብ መንጎ ኣመሪካን ካናዳን፣ ኣብ መንጎ እንግሊዝን እስጳኛና፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ቻይናን ጃፓንን፣ ሩስያን ጃፓንን ወዘተ ንዓመታት ዝጸንሐ ኢዩ። እዘን ሃገራት እዚኣተን ንብዙሕ ዓመታት ቅድሚ ንሕና ሃገር ምዃንና ዝነበራ’ኳ እንተኮና፣ ብኸምዚ መንግስትና ዝኸፈቶ ናይ 1998-2000 ዓ.ም. ተዋጊአን ኣይፈልጣን።

ነቶም ነዚ ሕቶ’ዚ ዝደጋግሙ ዘለዉ ኣሕዋት፣ እዚ ዝስዕብ ክብሎም እደሊ። ናይ ዶብ ምስሕሓብ ካብ ኩሉ’ቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝግበር ንግዳውን ዲፕሎማስያውን ዉዕላት ተፈልዩ ዝርአ ኣይኮነን። ንሕና ኤርትራውያን ምስ ጎረቤትና ኢትዮጵያውያን ዘራኽበናን፣ ክልተና እንረብሓሉን ብዙሕ ነገራት ኣሎ። ሕቶ ዶብ ድማ ሓደ ካብኡ ኢዩ።  ክብሪ ህዝብና ምስተመልሰ፣ ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ መንግስትን፣ ንህዝቢ ዝውክል ባይቶ ምስ-ተተኽለን፣ ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ሓዉን ጎረቤቱን ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘትዩ፣ ሕጋዊ መዕለቢ ክገብረሉ ጸገም የብሉን።

7. ናይ ጸለመ ጎስጓስ (character assassination)፦ ነዚ ክብ ኢለ ክዝርዝሮ ዝጸናሕኩ ነጥብታት፣ ጉጅለ ህግደፍ ኣጸቢቑ ዝፈልጦን፣ ኩሎም ተቓወምቱ ዝተዓጥቁሉ ዕላማ ምዃኑን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። ግዜ ወሲዱ ከም ሰፍኢ ተገምጢሉ ክደፍኖ ምዃኑ’ውን ዘይፈልጥ ኣይኮነን። ንግዜኡ ከም ቀንዲ መቃለሲ ዕላማ ዝወሰዶ ኣገባብ ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ንዝኾነ ‘ቃልሲ ከወሃህድን ክጥርንፍን ይኽእል ኢዩ’ ዝበሎ ኣካል፣ ኣንጻሩ ጽዑቕ ናይ ጸለመ ጎስጓስ (character assassination) ኣቐዲምካ ምክያድ ኢዩ። ትእዚ ጎስጓስ’ዚ፣ ብዙሕ እዋን፣ ሃይማኖት፣ ኣውራጃ፣ መበቆል ዓዲ ወዘተ እና-ኣልዓልካን፣ ንውልቃዊ ባህርያት ናይቶም ሰባት እናመዝመዝካን “ክላ በዓል እገለ ከኣ!” እናተባህለ ኣብቲ ዝተደናገረ ህዝቢ ዝዝርጋሕ ናይ ጸለመ ጎስጓስ ኢዩ። እዚ ኣገባብ’ዚ በታ 03 ተባሂላ እትጽዋዕ፣ ንሓሶት ሓቂ ኣምሲላ እትዝርግሕ፣ ናይ ምድንጋር መርበብ ተጠቒሙ፣ ንነዊሕ እዋን ክሰርሓሉ ጸኒሑ ኢዩ። በዚ ድማ ዝመርሖን ዝጥርንፎን ዝሰኣነ ህዝቢ ‘መኘኽ‘ እናበለ ቁም ነገር ከይገበረ ይነብር ማለት ኢዩ። እቶም ብሓቂ ንዕላማ ዝቃለሱ ወገናት እምበኣር፣ ኣብቲ መሰረታዊ መትከላት ናይ ቃልሲ ረጊጾም ክኸዱ’ምበር፣ ነዚ ናይ ህግደፍ ናይ ጸለመ ጎስጓስ ክሰምዑ ኣይግባእን።

8. ሃብቲ ሃገር ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ከም ዝውዕል ምግባር፦ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብዞም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ ከፋፈልቲ ጎስጓሳት ጥራይ ኣይኮነን ዝሰርሕ። ከም ኩሎም ውልቀ-ምልካውያን ስርዓታት፣ ኩሉ ሃብቲ ሃገር፣ ኣብ ጸጥታን ነብሱ ኣብ ምክልኻልን፣ ውልቀ-ሰባት ኣብ ምስላይን ዘውዕል ስርዓት ኢዩ። ከምቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብርጋደር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ) ዝበሎ (Asnena foundation, 9ጥሪ, 2013)፣ ንኹሉ ንጥፈታት ደምበ ተቓውሞ ንምብርዓንን፣ ተሰማዕነት ከም ዘይህልዎ ንምግባርን፣ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ዘጥፍእ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኩሉቲ ሎሚ ተሰሪሑ ጽባሕ ዝፍንጣሕ፣ ወይ ዕላምኡ ከይሃረመ ዝተርፍ ውዑላትን ኣኼባታት ደምበ ተቓውሞ፣ ካብ ስዉር ኣእዳው ህግደፍን፣ ህግደፍ ዝምውሎም ኣካላትን ነጻ ኢዩ’ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ኢዩ።

እዘን ክብ ኢለ ዝገለጽኩወን 8 ነጥብታት፣ ገለ ካብቲ ብፍላይ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ ዝቐንዐ ፖሊሲ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘፍስሰሉ ድማ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ምኽንያት፣ እቶም ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን፣ ከይተኸፋፈልና ሓደ ዓቢ ውዳቤ እንተፈጢርናን፣ ነቲ ኣብ ደገ ዘሎ መሓዉራቱ ከም ዘይንቀሳቐስ እንተ-ገይርናን፣ ነቲ ስርዓት፣ ዓቢ ፖሊቲካውን ፋይናንሳውን ክሳራ ስለ ዝኾነ ኢዩ። ኣብ ደገ ዝፍጠር ብርቱዕ ማዕበል፣ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝግበር ምውድዳብ ክጸልዎን ክደፍኦን ከም ዝኽእል’ውን ክሰሓት የብሉን። ነዚ ደፋኢ ማዕበል ኣቐዲምካ ንምዕጋትን፣ ከይተበገሰ ከሎ ንምብርዓንን ድማ ኢዩ ህግደፍ ብዙሕ ሰብኣውን ፋይናንሳውን ዓቕሙ ዘዋፍረሉ ዘሎ።

…….ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Freeprisoners January 27, 2013

    Tahadese anjera azgi bla’a, aeti kulu z’ankfenan aeb lbna koynu meglixi zse’aenalun bnxur aebrihka mxhafka, azgi aer’aeyeka ajera azgi bla’a. teba’a jgna hawey selamtay ybxahka. kab kulu ati zmst kani akemamta kanka tgrigna nay bhaki ybel. amlak msaka ykun. ajoka kweg’h ayu agzibihier aelo,

  • Semhar January 27, 2013

    Hold your Ground Saleh Osman and our courageous Eritrean armed forces; you will soon be overwhelmed with the support of all Eritrean armed forces and Eritrean people!! You are Eritrean heroes!
    You choose freedom instead of slavery. You stood for what you believe in.
    You represented Eritrean people. You stood against the mad dog, tyrant, dictator Isayas wedi Berad, his blind followers HIGDEF and his burned flag.

    We will liberate our land and our people.

    Let freedom ring in Akeleguzay, Adi keyih!
    Let freedom ring in Senhit, Keren!
    Let freedom ring in Denkel, Asseb!
    Let freedom ring in Barka, akurdet!
    Let freedom ring in Sahil Nakfa!
    Let freedom ring in Seraye, Adi Ugri!
    Let freedom ring in Hamassien, Asmera!
    Let freedom ring in Semhar, Massawa!

    Eritrea will be free soon.
    Our original Eritrean Liberation Flag, Semayawit Banderana will be allover Eritrea!

    Shighey abbey ala?
    Adikeyih besihala!

    Shighey abbey ala?
    Dekemhare besihala!

    Shighey abbey ala?
    Akeleguzay besihala!

    Shighey abby ala?
    UK besihala!

  • hassen omer January 28, 2013

    ህዝባዊ ግንባር ማለት ካብ ካልእ ብላኔት ዝመጸ ወይ ናጽነት ዘምጸኤ ውድብ ስለዝኾነ ክህርም የብሉን መን ኤረትራዊ እዩ ነዚ ካአም ህዝባዊ ግንባር ማለት ታሪኽ መላእ ህዝቢ ኤረትራ ማለት እዩ ሉሚ አየናይ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ዝታዓሞ አሉ ህዝባዊ ግንባር ከ ክም ውድብ አበይ አላ
    ብስም ህዝባዊ ግንባር ዝንግድ ዘሉ ህግደፍ ገቢትው ዘሉ ሃብቲ እዚታት ክተረሳስዖና ዲኮም ደሊኹም ወይስ 28 ውድባት አብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክመርሓ ሃገር ጥምዕታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይኩነ ሕጂ ዘድሊ ከም ኤረትራዊ ኮይንካ ንኤረትራዊ ስላምን ቅሳነትን ንምስፋን ምቅላስ ኢዩ
    ሉሚ ጀብሃ ኪዳን 100 ተቃወምቲ ዝሓቆፈ እንበልካ ተደናግሩ ኤረትራዊ የለን መንእስ ኤረትራ ንለውጢ ተላዓ ሃጠውቀጠው አረግቶት ነይው በሉ
    ህግደፍ ድሕሪ ምውዳቁ ካልእ ተንኮላት ታሃስቡ ዘለኮም ቦታ የብልኩምን

  • BIRHANE January 28, 2013

    Bruk Tadesse tsihufka anbibeyo naybihaki kea gelatsin mestewalin aemiro aloka.bihaki kea higidef abzi resuu kifano keribulu zelo seat kulom megelagilitu zineberu lomi nihizbom zikihisula seat hiji eya kemti ab kulu gelitskayo zeloka neti tsihufka kulom kenibibiwo yilaboo.Tadesse hawey gina kemakasi ashihat yikunu.

  • YONANNNNNNN January 28, 2013

    HI SEMHAR B NEBSE MTHAT ZRESEHET YEAMUREA MESARIHIT HGDEF ZERKI ZERKI AKELUGUZAY KETESMIES SHEGEY ABEY ALA AB DEQEMHARE ADI KEYH AKELEGUZAY ENTAY NMBTSAAH EYU ATI HMAQH MEDHERHARIT .SHGEY ABEY ALA AB ERITREA ASMERA EYU NKULU ZTEQALL.

POST A COMMENT