Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን – ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን መድረኻት ፖሊቲካዊ ተቓውሞን ታደሰ ኪዳነ                        9ይ ክፋል             16/02/2013   ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ብዛዕባ ተኽእሎታት ብረታዊ ተቓውሞ፣ ብፍላይ ከኣ ነቲ ‘ኣበይን’ ‘ብኸመይን’ ዝብል ሕቶታት ብኸፊል መሊሰ ነይረ። ብዙሓት ሰባት ከም ዝብልዎ “ብጎነጽ ዝመጽእ ስርዓት ብጎነጽ ኢዩ ዝኸይድ፣

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን

መድረኻት ፖሊቲካዊ ተቓውሞን

ታደሰ ኪዳነ

                       9ይ ክፋል             16/02/2013

 

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ብዛዕባ ተኽእሎታት ብረታዊ ተቓውሞ፣ ብፍላይ ከኣ ነቲ ‘ኣበይን’ ‘ብኸመይን’ ዝብል ሕቶታት ብኸፊል መሊሰ ነይረ። ብዙሓት ሰባት ከም ዝብልዎ “ብጎነጽ ዝመጽእ ስርዓት ብጎነጽ ኢዩ ዝኸይድ፣ ስለዚ እቲ ብረታዊ ተቓውሞ ንባዕሉ ካልእ ወታደራዊ ስርዓት ስለ ዝፈጥር ዘይምሕሳቡ’ውን ይሓይሽ” ክብሉ ይስምዑ ኢዮም። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ከፊላዊ ሓቅነት ኣለዎ። እንተኾነ ንሕና ኤርትራውያን፣ ዝሓለፈ ተመክሮና ዘይንግምግምን ካብ ተመኩሮና ዘይንመሃርን ህዝቢ ኣይኮናን።

ሓደ ዘይክሓድ ሓቂ ኣሎ። ህዝባዊ ግንባር ከም ውድብ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ዝፈጥረሉ ዝነበረ፣ እቲ በብግዜኡ ዝጎናጸፎ ዝነበረ ኣንጸባራቒ ወታደራዊ ዓወታቱን ልዑል ሚስጢራውነቱን እምበር፣ ኣብ ህዝቢ ብዘርኣዮ ጽፉፍ ህዝባዊ ፖለቲካዊ ምሕደራ ኣይነበረን። ንኹሉ’ቲ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝግበር ኤርትራዊ ምጥርናፍ ምሉእ ብምሉእ ይቆጻጸሮ ስለ ዝነበረ ድማ፣ ብዘይካ‘ቲ ባዕሉ ዝዝርግሖ ኣብ ህዝቢ ክዝረበሉ ዝደልዮ ሓሳባት፣ ዝኾነ ካብቲ ህዝቢ ዝመጽእ ሃናጺ ይኹን ነቓፊ ሓሳባት ቦታ ከም ዘይህልዎ ክገብር ጸኒሑ። ዝኾነት ንእሽቶ’ውን ትኹን ናይ ህዝቢ ምትእኽኻብ (ዋላ’ውን ማሕበረ-ኮም) እንተ-ተቐልቂላ፣ ብመንገዲ ውድባቱን ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኣብያተ-ጽሕፈቱን ኣቢሉ ክቆጻጸራ ጸኒሑ። እቶም ነቲ ማሕበር ዘቖሙ ውልቀ-ሰባት ነዚ ክቃወሙ እንተፈቲኖም፣ ዋላ’ውን ብናይ ገዛእ-ርእሶም ተበግሶ ንዘቖሙዎ ማሕበር፣ ናይ ቅያዳ ኣል ዓማ ሰዓብትን ተሓባበርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝብል ስም ተለጢፉዎም፣ ከሲሮምን ተዋሪዶምን ካብቲ ዘቖሙዎ ማሕበር ይስጎጉ ነይሮም።

ኣብቲ ቁጠባዊ መዳይ’ውን እንተኾነ፣ ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት፣ ኩለን ኣብ ኤርትራ ዝተተኽላ ኩባንያታት፣ በተን ህግደፍ ዘቖመን ከም በዓል ሰገን፣ ቀይሕ-ባሕሪ (09) ወዘተ ዝኣመሰላ ናይ ንግዲ ማሕበራት፣ ቀስ ብቐስ ከም ዝበሓታ ኮይነን ኢየን። በዚ መንገዲ’ዚ ድማ እቲ ናይ ህዝባዊ ግንባር ወታደራዊ ክንፊ ንብምሉኡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ተበግሶ ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቑጽጻሩ ከም ዝኣቱ ገይሩ። ብኻልእ ኣዘራርባ ብምሉኡ ሃብቲ ሃገር ናቱ፣ ኩሉ’ቲ ህዝቢ ድማ ኣገልጋሊኡ ከም ዝኸውን ብምግባር፣ ኣልፋን ኦመጋን ናይ ኤርትራን ህዝባን ኮይኑ ይኸይድ ኣሎ።

እቲ ቀጺሉ ዝመጽእ ሕቶ እምበኣር፣ ካብዚ እንታይ ንመሃር? ዝብል ኢዩ። እቲ ቀንድን ብቐዳምነት ክግብር ዘለዎን ድማ፣ ዝኾነ ወታደራዊ ተበግሶ፣ ወታደራዊ ሞያን ልምድን ብዘለዎም ሰባት ዝምራሕ፣ ግን ከኣ ናይ ገዛእ-ርእሱ ውሽጣዊ ናጽነት ዘለዎ ኮይኑ፣ ብመሰረቱ ግን ብሓደ ሲቪላዊ ፖለቲካዊ ውድብ ዝምእከል ክኸውን ኣለዎ። ኩሉ’ቲ በቲ ወታደራዊ ክንፊ ዝግበር ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ተግባራት ድማ፣ እቲ ፖለቲካዊ ውድብ ሓላፍነት ይወስደሉ።

እቲ ብኻልኣይ ደረጃ ዝረአ ድማ ንግዜን ተክኖሎጅን ዝምልክት ኢዩ። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውድባትን ውልቀ-ሰባትን ብኸምቲ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሮ ‘ዕዉር እምነት ከሕድር ኢዩ’ ኢልካ ምጽባይ ዝከኣል ኣይኮነን። ሳላ ተክኖሎጂ ድማ ብኸምቲ በዓል ኢሰያስ ኣብ በዓትታትን ሰናጭሮን ሳሕል ዝገብርዎ ዝነበሩ ጸይቅታት፣ ንዓመታት ከይተፈልጠ ዝኸይድ ኣይኮነን። በዚ ኮነ በቲ ግን እቲ ወታደራዊ ተበግሶ፣ ሓደ ክፋል ናይቲ ዓቢ ፖለቲካዊ ስራሕ እምበር፣ ንበይኑ ተነጺሉ ክኸይድ የብሉን። ንበይኑ’ውን ዝዕወት ኣይኮነን። ስለዚ ምስቲ ፖለቲካዊ ስራሕ ተወሃሂዱ ጥራይ ኢዩ ክኸይድ ዘለዎ። ቀጺልና ብዛዕባ’ቲ ብሰላማዊ መንገዲ ዝብል ካልኣይ ኣማራጺ ንርአ።

 

 

ሰላማዊ ፖለቲካዊ መንገዲ

ኣብ ተመክሮና ንኣከያይዳ ህዝባዊ ግንባር ከም ውድብ ይኹን ንህግደፍ ከም መንግስቲ ብሰላማዊ መንገዲ ንምዕራይ ዝተገብረ ቃልሲ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ። እቲ ድሒሩ መንግስቲ ዘቖመ ህ.ግንባር ብቑል ካብ ዝብል ኣትሒዙ “ብሕጊ ዝቕየድ ሓባራዊ ኣመራርሓ ዝማእከሉ ኣሰራርሓ ይሃሉ” ኢሎም ንዝሓተቱ ሰባት ዕጭኦም ሞት ምንባሩ ኩልና ንፈልጦ ኢና። እቲ ዝለዓለ ጥርዚ ናቱ ድማ፣ እቲ ኣብ 2001 ኣብ ልዕሊ ጉጅለ 15 ዝተፈጸመ ማእሰርትን፣ ኣብ ህይወቶምን ደቆምን ዝወረደ ኣደራዕን ህያው ኣብነት ኢዩ። ስለዚ ሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ንበይኑ ክሰርሕ ከም ዘይክእል ካብ ዝሓለፈ ተመክሮና ንላዕሊ ካልእ ጭብጢ ዘድልየና ኣይኮነን። እቲ ስራሕ ንባዕሉ ፖለቲካዊ ምዃኑ ግን ክዝንጋዕ የብሉን። ብዛዕባ መንግስትን ምሕደራን ምዝራብ ንባዕሉ ‘ፖለቲካ’፣ እቲ ዕማም ድማ ‘ሰላም ንምምጻእ’ ስለዝኾነ ድማ፣ እቲ ዝዓበየ ስራሕ እቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝካየድ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ኢዩ። ኩሉ’ቲ ካልእ፣ እንተላይ እቲ ወታደራዊ ስራሕ፣ ኣካል ናይቲ ዓቢ ፖለቲካዊ ዕማም ጥራይ ኢዩ።

ኣብቲ ናጽነት ንምምጻእ ዘካየድናዮ ቃልሲ እቲ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ በቲ ወታደራዊ ዓወታት ዝጉተት ምንባሩ ክሰሓት የብሉን። እቲ “በይኖም ኣንጻር ኩሎም ሓያላት” ዝብል ጭርሖ ምዝካር ጥራይ ብቑዕ ኣብነት ናቱ ኢዩ። ውጽኢቱ ድማ ነዊሕ ግዜን ብዙሕ ህይወትን ጠፊኡ ጥራይ ዘይኮነ፣ እቲ ዘቖምናዮ ስርዓት እውን፣ ሓይሊ ዘቐድም፣ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ዘይፈልጥ፣ ንዓለማዊ ሕጊ ዘየኽብር፣ ንበይኑ ዝዕንድር ስርዓት ኮይኑ። እቲ ድሕሪ ናጽነት ምስ ኩለን ጎረባብትና ሃገራት ዘካየድናዮ ውግኣት ድማ፣ መቐጸልታ ናይቲ ‘ብረት ቅድሚ ፖለቲካ‘ ዝብል ሰረተ-እምነት ሓለፍቲ ናይቲ ውድብ ምንባሩ ክዝንጋዕ የብሉን። ነዚ ዝተዓዘበት ዓለም ነቲ ዓንዳሪ መንግስትና ሕቖኣ ሂባቶ ኣላ። እቲ ግዳይ ዝኾነ ህዝብና ድማ ብናይ ዓለም ማሕበረ-ሰብ ተረሲዑ ኣብ ፈቐዶ በረኻታት ከም ኣቕሓ እናተሸጠ ቁሊሕ ዝብሎ ዋና ስኢኑ ኣሎ። ብኸምኡ ከኣ ኢየ ‘ካብ ተመክሮና ክንመሃር ኣለና’ ዝበልኩ። ስለዚ እቲ ዝዓበየ እቲ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ኮይኑ፣ እቲ ወታደራዊ ስራሕ ናቱ መቐጸልታ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ።

 

ተኽእሎታት ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ኤርትራ

ኣብዚ ከብርሆ ዝደሊ ነገር ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ብዛዕባ’ቲ ብገለ ወገናት ዝዝረብ “ህዝባዊ ናዕቢ” ዝብል ኣምር ኢዩ። ተጣበቕቲ ህዝባዊ ናዕቢ ንብረታዊ ጎነጽ ይነጽጉ። ከም መርትዖ ዘቕርብዎ ድማ “ብጎነጽ ዝመጽእ ስርዓት ነባሪ ሰላም ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ፣ ንዕኡ ንምእላይ እውን ካልእ ቃልሲ ከድሊ ኢዩ” ክብሉ ይስምዑ። ኣዞም ሰባት ክዛረቡሉ ዘይደልዩ፣ ወይ ዝረስዕዎ ነገር ግን ኣሎ። ንሱ ድማ “ኣብ ኤርትራ ንህዝባዊ ናዕቢ ዘድሊ፣ ቅድመ-ኩነት እውን ክበሃል ዝኽእል ባይታ ኣሎ ድዩ?” ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ኢዩ ክካየድ ዝኽእል? ዝብሉ ሕቶታት መልሲ ዘድልዮም ኢዩ።

እቲ ቀዳማይ ከም ቅድመ-ኩነት እውን ክምለስ ዘለዎ እምበኣር፣ እቲ ዘሎ ሰራዊት ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ዝሰርሕ ድዩ – ወይስ መጋበርያ ናይቲ ውልቀ-መላኺ ኢዩ? ዝብል ኢዩ። እዚ ሕቶ’ዚ ናብቶም ነቲ ሰራዊት ዝመርሑ ዘለዉ ሓለፍቲ እምበር ንኣተሓሳስባ ናይ ነብሲ-ወከፍ ወታደር ዝምልከት ኣይኮነን። መራሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ብውልቂ ደረጃ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዝተጋደሉ’ኳ እንተ-ኾኑ፣ ድሕሪ ናጽነት ግን ንኹሉ’ቲ ዝተጋደልሉ መትከላት ጠሊሞም፣ ንረብሓ’ቲ ውልቀ-መላኺ ኣንጻር ህዝቦም ኲናት ዝኣወጁ ኢዩም። ናይዚ ንጹር ኣብነት ንምጥቃስ፣ ሎሚ ከተማታት ኤርትራ ብሓይሊ ፖሊስ ዘይኮናስ፣ ብሓይልታት ኮማንዶን ኣጋር ሰራዊትን ይሕለዋ ኣለዋ። ነቶም ዝኾነ ተተኳሲ ዘይነበሮም፣ ኣካላቶም ንናጽነት ዝኸፈሉ ስንኩላን ተጋደልቲ ዝቐዘፉ፣ ፖሊስ ዘይኮኑስ ሓይልታት ኮማንዶ ኢዮም። ኣብ ድግሳ፣ ኮርባርያ፣ ቅነ-ሓያላ ወዘተ ኣብ ማእከል ዓድታት ኣትዮም ህዝቢ ዘበሳበሱ ፖሊስ ዘይኮኑስ ኣጋር ሰራዊት ኢዮም። ሎሚ’ውን እንተኾነ ኣብ ኩለን ከተማታትን ገጠራትን፣ ኣብ ሲቪላዊ ጉዳያት ዝኣትዉን፣ ከም ‘ኣኽበርቲ ጸጥታ’ ኮይኖም ዝሰርሑ ዘለዉ፣ ሓይሊ ፖሊስ ዘይኮነስ፣ ኣጋር ሰራዊትን ኮማንዶን ኢዮም። እዚ ድማ እቲ ሰራዊት፣ ኣውያትን ብኽያትን ናይቲ ህዝቢ ዘይስምዖ፣ ምሉእ ብምሉእ ጸግዒ ናይቲ ስርዓት ዝሓዘ ምዃኑ የርኢ።

ኩልና ከም እንፈልጦ፣ ሓይልታት ፖሊስን ሰራዊትን ፍጹም ዘይራኸብ ነናቶም ስራሕ ኣለዎም። ዝወስድዎ ትምህርትን ታዕሊምን እውን በበይኑ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዘጋጥም ዝኾነ ጸገም ድማ ናይ ፖሊስ ስራሕ እምበር ናይ ሰራዊት ኣይኮነን። እኳ’ድኣ እቲ ሰራዊት ጸግዒ ህዝቡ ክሕዝን፣ ብሓይልታት ፖሊስን ናይ ጸጥታ ትካላትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝፍጸም ሕማቕ ተግባራት ክቃወም ኢዩ ዝግባእ። ስርዓት ህግደፍ ግን ኣብ ፖሊስን ሲቪላዊ ምምሕዳርን እምነት የብሉን። እቲ ምኽንያት ቀሊል ኢዩ። ናይ ፖሊስ ስራሕ ምስ ቤት-ፍርዲ፣ ኣኽባር ሕጊን፣ ጠበቓን ዝተኣሳሰረ ኢዩ። እዚ ድማ ብውሑዱ ክሱስ ጭብጥታት ክቐርበሉ ክሓትትን መከላኸሊ ከቕርብን ስለ ዝፍቀደሉን ኢዩ። ካብዚ ንምህዳም ከኣ ኢዩ እቲ ስርዓት ንኩሉ’ቲ ህዝቢ ብኮማንዶን ኣጋር ሰራዊትን ከም ዝሕሎ ገይርዎ ዘሎ። ሓለፍቲ ሰራዊት’ውን ‘ንህዝቢ ዝምልከት ጉዳይ ስራሕና ኣይኮነን’ ኣይበሉን። ወታደር ድማ ንዝተዋህቦ ትእዛዝ ዝፍጽም እምበር፣ ነቲ ትእዛዝ ‘ሕማቕን ጽቡቕን’ ኢሉ ክመሚ መሰል የብሉን። እቶም ትእዛዝ ዝህቡዎ ድማ ንሶም እቶም ብዋጋ ህዝቦም ጸግዒ ናይቲ ስርዓት ዝወሰዱ ሓለፍቲ ሰራዊት  ኢዮም። ስለዚ ንተጣበቕቲ ህዝባዊ ናዕቢ እዚ ዝስዕብ ክብሎም እደሊ። እቶም ኣብ ጎድኖም እናተዋግኡ ንዝሰንከሉ፣ ብሓገዝ ምርኩስ ዝንቀሳቐሱ ስንኩላን ብጾቶም ብጥይት ተኲሶም ክቐትሉ ድሕር ዘይበሉ መራሕቲ ሰራዊት፣ ነቲ “ናጽነት ኣምጺእናልካ” እናበሉ ከከሻምሽዎ ዝውዕሉ ተራ ህዝቢ ብጥይት ንምቕዛፍ ድሕር ዝብሉ ኣይኮኑን።

እቲ ካልኣይ ከም ቅድመ-ኩነት’ውን ክቐርብ ዝኽእል ድማ፦ ንናዕቢ ዘበግስ ስራሕ ዘይብሉ፣ ብብዝሒ ኣብ ከተማታት ቀንፈዘው ክብል ዝውዕል፣ ኣብታ ወለዱን ስድርኡን ዝነብሩላ ከተማ ናይ ምንባር መሰል ዘለዎ፣ ግን ከኣ በቲ ስርዓት ተስፋ ዝቖረጸ ብርክት ዝበለ ቊጽሪ ዘለዎ መንእሰይ ክህሉ ኣለዎ። ብዛዕባ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ እንዛረበሉ እዋን ተራ ናይቶም ትምህርቶም ወዲኦም ስራሕ ክረኽቡ ዘይከኣሉ ተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃን፣ ኣብ ሓጺር እዋን ናይ ምጥርናፍ ዓቕሚ ዘለዎም ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃን ዕዙዝ ምዃኑ ክንዝክር ይግባእ። መንእሰይ ኤርትራ ግን ይትረፍ ስራሕ ስኢኑ ኣብ ከተማታት ቀንፈዘው ክብል፣ ኣብተን ዝዓበየለን ከተማታት ክነብርን ብነጻ ክንቀሳቐስን’ውን ዝፍቀዶ ኣይኮነን። ተማሃሮ 2ይ ደረጃ እታ ናይ መወዳእታ 12 ክፍሊ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ወታደራዊ ሓለዋ ኣብ ሳዋ  ይመሃርዋ ኣለዉ። ላዕለዋይ ደረጃ ከም ትካል የለን። ኣብተን ከም መተካእታ ዝተኸፍታ ኮለጃት ዝመሃሩ ተማሃሮ ድማ ይትረፍ ንኣድማ ክወጹ ንኽሸኑ’ውን ኣፍቂዶም ከም ዝኸዱ ኢዩ ዝንገረና ዘሎ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ክረአ ዘለዎ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ካብ 18 ክሳብ 40 ዓመት ዘሎ ወዲ ይኹን ጓል፣ ብሕጊ ወታደር ኢዩ። ኩሉ ምንቅስቓሳቱ ድማ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ወታደራዊ ሕጊ ዝተማእከለ ኢዩ። “ወታደራዊ ታዕሊም ኣይወሰድኩን ወይ ወታደር ኣይኮንኩን” ዝብል፣ ከም ገለ እንተ-ተረኺቡ ድማ “ካብ ኣገልግሎት ተሓቢእካ!” ተባሂሉ ዝኽሰስን ዝእሰርን ኢዩ። ስለዚ ካብ ‘ህዝባዊ ናዕቢ’ ምባል ‘ወታደራዊ ናዕቢ’ ምክያድ ምባል ዝቐለለ ኢዩ። ላዕለዎት መኮነናት ዘይተሓወስዎ ናይ ወታደራት ናዕቢ ድማ መንግስቲ ክዓሉን ክልውጥን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ውሱን ኢዩ። ስለዚ ሕቶ ህዝባዊ ናዕቢ- ብፍላይ ኣብዚ ህልው ፖሊቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ከም ሕቶ’ውን ክቐርብ ዝኽእል ኣይመስለንን።

ሓደ ቀሊል ኣብነት ንምውሳድ፣ ተመክሮታት ሊብያ፣ ግብጺ፣ ቱኒዝያን ሶርያን ምርኣይ እኹል ኢዩ። ከተማታት ናይዘን ሃገራት እዚኣተን ስራሕ ብዘይብሎም መንእሰያት ዝዘቕበባ ኢየን ነይረን። ኣብተን ሃገራት ብዙሕ ወጻኢታት ዝግበረሉ ውሽጣዊ ስለያን ጸጥታን እኳ እንተነበረ፣ እቶም መንእሰያት ተገዲዶም ናብ በረኻታትን ወታደራዊ መዓስከራትን ይውሰዱ ኣይነበሩን። ስለዚ ኣብ ኩለን እዘን ሃገራት እዚኣተን እቲ ንህዝባዊ ናዕቢ ዝብገስ፣ ስራሕ ዘይብሉ፣ ትምህርቱ ወዲኡ ቀንፈዘው ክብል ዝውዕል ብዝሒ ሰብ ነይሩ ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ንሰብኣዊ ዓቕሚ ዘድሊ ቅድመ-ኩነት ተማሊኡ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ሓለፍቲ ሰራዊት ግን ፍልልይ ነይሩ። ኣብ ግብጽን ቱኒዝያን እቲ ሰራዊት ጸግዒ ህዝቡ ስለ ዝወሰደ እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ተዓዊቱ ኢዩ። መራሕቲ ናይ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ኣብ ቅርዓት ዝወጸ ህዝቢ “በልዎ” ዝብል ትእዛዝ’ኳ እንተ-ሃቡ፣ መራሕቲ ሰራዊት ግን “ናብ ህዝብና ኣይንትኩስን” ብምባል ዕጭ ሓምፊፎም። እኳ’ድኣ ነቲ ኣብ ሰልፊ ዝነበረ ህዝቢ ካብቲ ብሓይልታት ፖሊስን ትካላት ጸጥታን ዝወርዶ ዝነበረ ግፍዕታት ክከላኸልሉ ተራእዮም ኢዮም። ኣብ ሊብያን ሶርያን ግን መራሕቲ ሰራዊት ጸግዒ ናይቲ ስርዓት ስለዝወሰዱ፣ እቲ ብሃንደበትን ብዘይ ገለ ምድላዋትን ዝጀመረ ህዝባዊ ምልዕዓል፣ ናብ ዘይተወደበ ጎነጽን ህንፍሽፍሽን ኣምሪሑ ጥራይ ዘይኮነ፣ ማእለያ ዘይብሉ ሰብኣዊ መቕዘፍትን ዕንወት ከተማታትን ትካላት ህዝብን ኣስዒቡን የስዕብን ኣሎ።

ስርዓት ህግደፍ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝመሳሰል ኣከያይዳ ኢዩ ዘለዎ። ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ዘጋታተን ዶብ ክሰግሩ ከለዉ፣ ብጥይት ይቕተሉ። ኣብታ ዝተሃርሙላ ቦታ ድማ ይድርበዩ ወይ ኣብኣ ይቕበሩ። እዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ክልቲኡ ንህዝባዊ ናዕቢ ዝምልከት ቅድመ-ኩነታት ድማ ኣብ ኤርትራ የለን። ስለዚ ሕቶ ‘ህዝባዊ ናዕቢ’ ምድንጋር ንምፍጣርን ኣቓልቦ ህዝቢ ንምክፍፋልን እንተ ዘይኮይኑ ከም ምርጫ ዝውሰድ ኣይኮነን። እቲ ውዒሉ ሓዲሩ ህግደፍ ንምእላይ ዘይተርፍ ጎነጽ እምበኣር፣ ኣብ ክንዲ ሃንደበት ጀሚሩ፣ ህልቂት ሰላማዊ ህዝብን ዕንወት ከተማታትናን ዘስዕብ፣ ኣቐዲሙ ብደቂቕ መጽናዕቲ ጀሚሩ፣ እቲ ኲናት ኣብ ዶባትን በረኻታትን ሃገርና ክውዳእ ዝበለጸ ኢዩ።

 

ካብዚ ቀጺሉ ዝመጽእ ሕቶ እቲ ክካየድ ዝግበኦ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቃልሲ ድኣ ከመይ ዝበለ ኢዩ? ዝብል ኢዩ። እዚ’ውን ብመንጽር’ቲ ኣብዚ ሜዳ’ዚ ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ተጻብኦ ተዛሚዱ ክረአ ዘለዎ ኢዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፣ ብማሕብረ-ሰብ ዓለም’ውን ኣዝዩ ጽሉእ ኢዩ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም እውን ህግደፍ ንምእላይ ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን። ስግኣት ግን ኣለዎ። ንሱ ድማ ንህግደፍ ዝትክእ ህዝባዊ ሰረት ዘለዎ ድልዱል ተቓዋሚ ሓይሊ ዘይምህላዉ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ’ውን ነዚኣ ኣጸቢቑ ይፈልጣ ኢዩ። ደምበ ተቓውሞ ከይሰምርን ከይጥመርን’ሞ መተካእታ ዝኸውን ሓይሊ ንኸይቅልቀል ኣዝዩ ብዙሕ ፋይናንሳዊ ባጀት ኢዩ ዘጥፍእ። እቲ ብውሽጡ ኣዝዩ ዝደኸመ ስርዓት፣ ከም ስርዓት ንኽቕጽል ካብ ዘኽኣልዎ ረቛሒ ድማ፣ እቲ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ሸንኮለል ከም ዝኣቱ ንምግባር ዘውጽኦ ባጀትን ስርሓት ስለያን ኢዩ።

 

ኣብዚ ሜዳ’ዚ እቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ባዕላቶም ዝፈጥርዎ ሽግር’ውን ኣሎ። በብውልቆምን ብመንገዲ ገለ ናብቲ ክፍሊ ቅርበት ዘለዎም ምሁራትን፣ ናብ ናይ ኣመሪካ ጉዳያት ወጻኢ (state department) ክጎዩን “ኣብ ህዝቢ ዝለዓለ ተቐባልነት ዘሎናን፣ ዝሓሸ ኣማራጺ ክንከውን እንኽእልን ንሕና ጥራይ ኢና” ክብሉ ይረኣዩ ኢዮም። እንተኾነ፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ይኹን መንግስቲ ኣመሪካ፣ ናይ ገዛእ-ርእሶም ትዕዝብትን መጽናዕትን የካይዱ ኢዮም። ብመንገዲ እተን ‘መሓዙት’ ዝብሉወን ናይ ከባቢና ሃገራት ዝረኽብዎ ሐበሬታ’ውን ይሰምዕዎ ኢዮም። ስለዚ ነቶም በብውልቂ ዝመጽእዎም መራሕቲ ተቓውሞ፣ ምእንቲ ዲፕሎማስያዊ ሃልኪ፣ ታሕተዎት ሓለፍቲ ናይቲ ትካል ብምስዳድ ይሰምዕዎም ኢዮም። እቲ ዝህብዎም ክብሪ ግን ዓቢ ኣይመስልን። ናይዚ ጭቡጥ ኣብነት ዝኾነና ሓላፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር ሂላሪ ክሊንተን ንሲስተር ዓዘዘትን ኣባ ሙሴን ብኣካል ክትረኽቦም ከላ፣ ንዝኾነ መራሒ ተቓዎሞ ኣዘራሪባ ኣይትፈልጥን።  እቲ በብናትካ ምጉያይ ድማ ካብ ኣዎንትኡ ኣሉታኡ ከም ዝዓቢ ዘካትዕ ኣይኮነን። ንፖለቲካዊ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘየንጸባርቕ፣ ዝያዳ ምጥርጣር ዝፈጥር ሕማቕ ኣከያይዳ ድማ ኢዩ።

ኣብዚ ነጥቢ’ዚ ቁሩብ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም እቲ ኣብ ሶማልያ ዘጋጠመ ፖሊቲካዊ ሃጓፍ ኣብ ኤርትራ ክድገም ድሌት የብሉን። ናይ ሶማላያውያን ኣሕዋት ተመክሮን ኣብ ገዛእ- ሰራዊቶም ዝወረደ ክሳራን ገና ካብ ተዘክሮ ኣመሪካውያን ዝሃሰሰ ኣይመስለንን። እቲ በብውልቅኻ ናብ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ (state department) ምጉያይ ድማ ካብቲ ኣብኡ ከይዶም ዝዛረብዎ ንላዕሊ፣ እቲ ተኸፋፊልካ ምምጻእ ዝያዳ ስኽፍታ ዝፈጥረሎም ኢዩ። ሶማልን ኤርትራን ክልቲአን፣ ኣብ ሓደ ዞባ ዝርከባ፣ ኣብ ተዛማዲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ዘለዋ ሃገራት ስለዝኾና ድማ ነቲ ምጥርጣር የዕብዮ ኢዩ።

 

እንተኮነ፣ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ሶማልያን ዘሎ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ናይ ዓሌትን ቀቢላን ዝምድና የለን። ኣብ ውሱን ከባቢታት ህዝቢ መታሕት ዝህልው እንተኾይኑ’ውን፣ ብሃገር ደረጃ፣ ነቲ ፖለቲካዊ ባህሊ ዝጸልዉ ኣይኮነን። እቲ ብገለ ሰባት ክዝረብ ዝስማዕ ናይ ሃይማኖት ፍልልይ’ውን ህዝብና ቀደም ሓሊፉዎን ተማሂሩሉን ስለዝኾነ፣ ካብ ስምዒታት ናይ ውሑዳት ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ሓሊፉ፣ ንውሽጣዊ ፖሊቲካዊ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣይኮነን። ህግደፍ ንኹሉ ኣሎ ዝበሃል ፍልልያት ህዝቢ ኤርትራ ክጥቀመሉ ፈቲኑ ኢዩ። እቲ ሃይማኖታዊ ምክፍፋል ፍረ ዘምጽእ ኮይኑ ስለ ዘይረኸቦ ከኣ’ኢዩ፣ ኣብ መንጎ ኣውራጃታት ሓዊ ክውልዕ ዝሃቀነ። ንሱ’ውን ካብ ግዝያዊ ዘይምትእምማን (discontent ምፍጣር) ሓሊፉ፣ ፍረ ኣይረኸበሉን። ኣብ ኤርትራ ንናይ ዒራቕ ቲክሪትን (Tikrit) ናይ ሊብያ ሰርትን (surt) ዝመሳሰል ከባቢ ክፍጠር ኣይከኣለን። ብሓጺር ኣዘራርባ ካብ ኣርዑት ህግደፍ ዝተገላገለት ኤርትራ፣ ክሳብ ሓደ ንኹሉ ዝውክል ባይቶ ዝምረጽ፣ ህዝባ ካብ ኩሉ ብዝተወከሉ ዓበይቲ ዓዲ ክመሓደር ዝኽእል ምዃኑ ክበርህ ኣለዎ። እቲ ክካየድ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ድማ ነዚ ከንጸባርቕ ምተገብአ ነይሩ።

ስለዚ ምስቲ ብውሽጢ ዝካየድ ብረታዊ ተቓውሞ፣ ሓደ ዝተወሃሃደ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ስራሕ ከድሊ ኢዩ። ኣብዚ ሜዳ’ዚ ካብተን ውድባት ዘካይድኦ ፖለቲካዊ ስራሕ ንላዕሊ፣ ውልቀ-ሰባት ከካይደዎ ዝጸንሑ ስራሕ ‘ዝያዳ ኣድማዒ’ ምንባሩ ምዝካር የድሊ። ስለዚ እተን ዘለዋና ውድባት ክሰምራን ብሓባር ክሰርሓን ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፣ ግድነት ግን ኣይኮነን። እቲ ኣብ መንጎአን ዝረአ ፍልልያት፣ ንውልቃዊ ፖለቲካዊ ኣጠማምታ መራሕተን ዝምልከት እምበር፣ ንፖለቲካዊ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘየንጸባርቕ ክፍለጥ ኣለዎ። ስለዚ ዝኾነ ውድብ፣ ካብ ውሽጢ ኣድላዪ ምትዕርራይ (reform) ገይሩ፣ ንመብዛሕትኡ ህዝቢ ብዘዕግብ መንገዲ ክንቀሳቐስ እንተ-ጀሚሩ ህዝቢ ክዓስሎ ኢዩ። እቶም ኣብ ደገ በብውልቖም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ግዱሳት ኤርትራውያን እውን በቲ ዝተሓተ ደረጃ፣ ነቲ ድሮ’ውን ዝገብርዎ ዘለዉ ስራሕ ከወሃህድዎን ናይ ስራሕ ምክፍፋል ክገብሩን ዝበለጸ ምኾነ። ነቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ፣ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ዝፈልጡን ዓቕሚ ዘለዎምን ኤርትራውያን ኣሕዋት’ውን እዚ ዝስዕብ ክብሎም እፈቱ። ህዝብኹም ከም ኣቕሓ መሸጣ ኣብ ምድረ-በዳታት እናተሸጠ ከሎ፣ ነንሕድሕድኩም ተጠማሚትኩም ኣብ ክንዲ ምጽቃጥ፣ ክትበራበሩን እጃምኩም ከተበርክቱን ይግባእ። ኣብዚ ከበርህ ዘለዎ እቲ ቃልሲ፣ ኣብ ውሽጢ ደቂ ሓንቲ ሃገር ሓድሕድ ዝካየድ ስለዝኾነ፣ ብኻልእ ኣዘረርባ እቶም ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ዘውድቕዎ ዘለዉ፣ ኣሕዋትናን ኤርትራውያንን ስለ ዝኾኑ፣ ምስቲ ስርዓት ዝደናገጹ ወይ’ውን ለውጢ ዝደልዩ ግን ከኣ እቲ ዝመጽእ ለውጢ ዘፍርሆም ምሁራት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ምዝካር የድሊ። እቲ ምጥርናፍ እምበኣር ንኹሎም ምሁራት ዘይኮነስ፣ ንመብዛሕትኦም ምሁራት፣ ዋላ’ውን ብዝተሓተ ደረጃ ክጥርንፍ እንተኽኢሉ ኣድማዒ ኢዩ።

 

ኣብ ደገ ሓድሽ ኣወዳድባ የድሊ ኣሎ

እቲ ኣብ ወጻኢ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣድማዒ’ኳ እንተኾነ፣ ምስ ግዜ ዝኸይድ ሓድሽ ኣወዳድባ የድልዮ ኣሎ። እቲ ብደረጃ ውድባት፣ ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን ኣንጻር’ቲ ስርዓትን ልኡኻቱን ዝካየድ ተቓውሞታት፣ ንውሽጣዊ ኣሰራርሓ ናይተን ውድባትን ማሕበራትን ብዘይጻረር መንገዲ፣ ዋላ’ውን በቲ ዝተሓተ ደረጃ ተረዳዲኦም፣ ዘስርሖም ሕግታት ሓንጺጾም፣ ሓደ ናይ ሓባር ሽማግለታት እናኣቖሙ፣ ተቓውሞኦም ከወሃህዱ ይግባእ። እተን ዝቖማ ናይ ሓባር ሽማግለታት፣ ነቲ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ምውዳብ ከይተሓጽራ፣ ኣብ ከባቢአን ምስ ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን ናይተን ሃገራት እናተረዳድኣ፣ ንምንቅስቓስ ልኡኻት ህግደፍ ክዓግታን፣ ምስቶም ብቐረባ ክርከቡ ዝኽእሉ ኣባላት ፓርላማ ናይተን ሃገራት እናተራኸባ፣ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ባይቶታት ናይተን ሃገራት ንኸልዕሉዎን ንኽዛረብሉን ጎስጓስ ከካይዳ ይግባእ።

ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝርአ ሓደ ሓደገኛ ኣከያይዳ ስለ ዘሎ፣ ንዕኡ ከይጠቐስኩ ክሓልፍ ኣይደልን። ኣብ ሓደ ከተማ ዝቖማ ማሕበራት፣ ምስቶም ብቐረባ ኣብታ ከተማ ንተመሳሳሊ ዕላማ ብውልቅን ብማሕበራትን ዝንቀሳቐሱ ኣካላት፣ ሽማግለታት ብምቛም፣ ስርሐን ከወሃህዳ ዘይከኣላ፣ ኣብ ካልእ ከተማታት፣ ኣብ ካልእ ሃገራት ወይ ኣብ ካልእ ክፍሊ-ዓለማት ምስ ዘለዋ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን ‘ተወሃሂድና ንሰርሕ ኣለና’ ምባል፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ምፍልላይ፣ ዝያዳ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ዘሕድር፣ ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ካብ ኣዎንትኡ ኣሉታኡ ዝዓቢ ኣሰራርሓ ኢዩ። ስለዚ ከኣ ኢየ ምስ ግዜ ዝኸይድ ሓድሽ ኣወዳድባ የድሊ ኣሎ ዝበልኩ። እዚ ማለት ግን እቲ ኣብ ሓንቲ ከተማ ዝህሉ ምውህሃድ፣ ምስተን ኣብ ክባቢአን ዝርከባ ከተማታት፣ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ብዞባ ደረጃ- ናይ ኤውሮጳ፣ ናይ ኣመሪካ፣ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ወዘተ እናበለ ክዓቢ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ኣብተን ከታማታት ኣድማዒ ስራሕ ክስራሕ እንተጀሚሩ ድማ እተን ሽማግለታት ነንሕድሕደን እናተረዳድኣን እናተመኻኸራን፣ ስርሐን ከወሃህዳን ክዓብያን ይኽእላ ኢየን።

ንሎሚ ኣብዚ ክውድእ ኢየ። እቲ ዝቅጽል 10ይን ናይ መወዳእታን ክፋል፣ መጠቓለሊ ናይዚ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ክፋላት ዘቕረብኩዎ ሓሳባት ከይኑ፣ ምስቲ ዝካየድ ፖሊቲካውን ጎነጻውን ቃልሲ፣ ተወሃሂዱ ክኸይድ ዘለዎ ናይ ሲቪክ ማሕበራትን ትካላት ፕረስን ክገልጽ ኢየ። ምኽንያቱ ንፍጻሜታት ተኸታቲሉ ናብ ህዝዚ ዘቕርብ ነጻ ፕረስን፣ ነቲ ዝቐውም መንግስቲ ብሓሳብ ዝሕግዛን፣ ንጉድለታቱ ተኸታቲለን ኣብ ሕጊ ዘቕርባን ናይ ህዝቢ ናይ ሲቪክ ትካላት ዘይብሉ ስርዓት፣ ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ውልቀ-ምልኪ ዝኣቱ ምዃኑ ክበርህ ኣለዎ። ስለዚ ኣብ ዓሽራይን ናይ መወዳእታን ክፋል የራኽበና።

 

 

………….ይቕጽል

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • kemal February 17, 2013

    Great work brother, I like the flow of the articles and hope to see this item open for further discussions to include additional constructive ideas and if necessary amendments to make it a national document for a universal Eritrean forums and discussions.

  • Malkom February 18, 2013

    I love your ideas and I support your military action strategies but I could not find your email account so please post your email or write .I am living in Eritrea.

  • tadesse kidane February 18, 2013

    Dear Melkom. Thank you for encouraging me. where ever you live, here is my email.

    tadesse_kidane@ymail.com
    I am happy to see your comments

Post a Reply to tadesse kidane Cancel Reply