Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተራ ግሉጽነትን ነጻ ፕረስን ኣብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምእንትኡ ዝኽፈል ዋጋን

ተራ ግሉጽነትን ነጻ ፕረስን ኣብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምእንትኡ ዝኽፈል ዋጋን                 ታደሰ ኪዳነ    በርሚንግሃም   ወርሒ መስከረም ኣብ ታሪኽና፡ ክልተ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ለውጥታት ዝተራኣየላ ወርሒ ኢያ። ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ. ም ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ጎነጽ ተሰጋጊሩ።

ተራ ግሉጽነትን ነጻ ፕረስን ኣብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራን

ምእንትኡ ዝኽፈል ዋጋን

                ታደሰ ኪዳነ    በርሚንግሃም

 

ወርሒ መስከረም ኣብ ታሪኽና፡ ክልተ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ለውጥታት ዝተራኣየላ ወርሒ ኢያ። ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ. ም ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ጎነጽ ተሰጋጊሩ። 18 መስከረም 2001 ዓ.ም ድማ፡ እግሪ ክተክል ጀሚሩ ዝነበረ ትካላት ፕረስ ሃገርና – እንተላይ ኣባላቱ፡ ብዘይ ንሕስያ ተጨፍሊቖም። ሎሚ ኣብ ወርሒ መስከረም ኮይነ፡ ብዛዕባ ግሉጽነትን ነጻ ፕረስን፡ ከምኡ`ውን ምእንትኡ ዝኽፈል ክቡር ዋጋን ክጽሕፍ ከለኹ እምበኣር፡ ንኽብሪ`ቶም ምእንትኡ ክቡር ህይወቶም ዝኸፈሉ ሓለፍትን ጋዜጠኛታትን ንምዝካር ኢዩ። ንሳቶም ዝነበሮም ሓሳባትን ፖለቲካዊ ኣጠማምታን ብጽሑፍ ገሊጾም እምበር፡ ተኲሶም ዝቐተልዎ ሰብ ወይ ዘነዓዓብዎ ጎነጽ ኣይነበረ። ሓቅን ግሉጽነትን ክሳብ ክንድኡ ህይወት ዘጥፍእ ዝኾነሉ ምኽንያት ግን እንታይ ኮን ይኸውን?

ግሉጽነት ከም ኣምር፡ – ግሉጽነት ንዝረኣኻዮን ዝሰማዕካዮን ከይሓባእካ፡ ከይወሰኽካን ከይነከኻን፡ ከም ዘለዎ ምግላጽ / ምዝራብ ማለት ኢዩ። ግሉጽነትን ሓቅን ዋግኡ ኣዝዩ ክቡር ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝኮነ ከኣ፡ ዝኾነ ውድብ፡ ማሕበር፡ ምንቅስቓስ ዋላ`ውን ውልቀ-ሰብ ከይተረፈ፡ ጌጋታቱ ኣብ ህዝቢ ክስማዕ ኣይደልን`ዩ። መንግስቲ`ውን ጌጋታቱ ክሓብእ ኢዩ ዝፍትን። ከም ገለ እንተወጺኡ ድማ ይኽሕዶ ወይ ኣሉታ ይህበሉ። ከም ድላዩ ዝእዝዞ ሰራዊትን ትካላት ጸጥታን እንተሃልዩዎ ድማ፡ ብዘይ ንሕስያ ይጭፍልቖ።

 

ግሉጽነት ኣብ ማሕበራዊ ህይወት፥ –

ኣብ ሓዳር፡-  ክልተ መጻምድቲ ኣብ ኩሉ ናብርኦም ግሉጽነት እንተ ዘይሃልዩዎም ይፋትሑ ወይ ሕማቕ ሓዳር ይህዎም።

ኣብ ኮምዩኒቲ /ሓንቲ ዓዲ፡ – ቅንዕናን ግሉጽነትን ዘይብሉ ዓዲ፡ ወይ ጥርናፈ – ህይወት የብሉን።  ኩነታት ናይዞም ኣብ ደገ እንነብር ኤርትራውያን  ድማ ንጹር ኣብነት ናቱ ኢዩ። ቊጽርና ውሑድ፡ ረብሓና ሓደ ክንሱ – ኣተሓሳስባና ግን ዘይራኸብ ኮይኑ ኣሎ።

 

ግሉጽነት ምስ ሚድያ (ፕረስ) ዘለዎ ምትእስሳር፡

ትርጉም ግሉጽነት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኮይኑ፡ ፕረስ ከም ትካል ድማ ልሳን ህዝቢ ኢዩ። ንጽቡቕን ሕማቕን ተግባራት ናይቲ መንግስቲ፡ ንተበግሶን ንጥፈታትን ውልቀ-ሰባት፡ ማሕበራት፡ መንግስታውን ውልቃውን ትካላት እንተላይ ቅርዑይን ብልሹውን ኣሰራርሓ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ስርዓት እናመዝገበ ናብ ሰማዒ የቕርብ። ሚድያ /ፕረስ እምበኣር፡ መንግስቲ ምስ ህዝቢ ዝራኸበሉ፡ ወይ እቲ ህዝቢ፡  ኣብቲ ሃገር ወይ ከባቢኡ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ፡ ዝፈልጠሉን ዝከታተለሉን  ኣገባብ ኢዩ።

 

ፕረስ ክልተ ጠባያት ኣለዎ፡ –

ሀ. ብመንግስቲ / ፖለቲካዊ ውድብ ዝውነን ፕረስ፡-  መንግስቲ ይኹን ፖለቲካዊ ውድብ፡  ንሓቅታት ብምጥምዛዝ ወይ ናይ ሓሶትን ኣጋንኖን ወረታት ብምዝርጋሕ፡ ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ተቐባልነትን ተሰማዕነትን ከዕብን ከረጋግጽን ይጽዕር። እዚ ድማ  መብዛሕትኡ ዝተጠምዘዘ፡ ዝተጋነነ ወይ ብሓሶት ዝተጀለሐፕረስ ክንብሎ ንኽእል።

 

ለ. ነጻ ፕረስ፡ –  ብርግጽ ትካላት ፕረስ ብውልቀ-ሰባትን ትካላትን ስለ ዝተወነነ፡ `ካብ ረብሓታት፡ ስምዒታትን ድሌታትን ወነንቱ ነጻ ኢዩ` ኢልካ ምዝራብ ዝከኣል ኣይኮነን። ዕዳግኡ ህዝቢ ክሳብ ዝኾነ ግን፡ ንድሌታትን ስምዒታትን ህዝቢ ከንጸባርቕ ክግደድ ኢዩ። ብፍላይ ብዝሕ ዝበላ ተወዳደርቲ ናይ ብሕቲ ትካላት ፕረስ እንተልየን፡ ዘይተጋነነን ናብ ሓቂ ዝቐረበን ሓበሬታ ከቕርባ ይግደዳ ኢየን። ነጻ ጋዜጣታትን ናይ ሲቪክ ማሕበራትን ኣብ ዘለዋ ሃገር ድማ፡ ጸገማት ህዝብን ሕጽረታት መንግስትን ይጽብጽባ። ሓያል ፕረስን ናይ ህዝቢ ትካላትን እንተልዩ ድማ፡ መንግስቲ – ኣከያይድኡ ግልጺ ክገብር ይግደድ። ኣብዚ ድማ ኢዩ ግሉጽነት ምስ ፕረስ ምትእስሳርን  ናይ ትርጉም ውህደት ዝህልዎን።

 

ግሉጽነትን ነጻ ፕረስን እምበኣር፡ ኣብ ፖለቲካ ካብ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር`ውን ካብ ግሉጽነትን ነጻ ፕረስን ዝፍለ ኣይኮነን። ክልቲኡ እንተዘይሃልዩ፡ ዲሞክራስያዊ ምሕደራ የለን። ሰበ-ስልጣን ድማ ኩሉ ግዜ ንግሉጽነትን ነጻ ፕረስን ይፈርሕዎን ክጉዕጽጹዎ ይፍትኑን። ኣብ ገለ ድማ ኣጸቢቖም ይደቁስዎ።

 

ነጻ ፕረስን ግሉጽነትን ኣብ ተመክሮ ካልኦት ሃገራት፡ –

ሀ. ሕብረት ሶቬት፡ – ግላስኖስትን ፕረስትሮይካን ዝበሃል ናይ ጎርቫቾቭ ፖሊሲ ንሕብረት ሶቬት በታቲኑዋ። ሰልፊ ቮልቸቪክ ግሉጽነት (ግላስኖስት) ምስ ኣተኣታተወን፡ ዝነበሮ ቁጠባውን ፕለቲካውን ጸገማት ብግልጺ ክዛረበሉ ምስ ጀምረን፡ –  ዩክሬን፡ በላሩስ፡ ላቲቭያ; ኢስቶንያ፡ ሉቲወንያ፡ ኣዘርባጃን፡ ጆርጅያ፡ ኣርመንያ፡ ሞልዶቭያ፡ ካዛኪስታን፡ ኪርጊዝስታን፡ ታጂኪስታን፡ ኡዝበኪስታን ዝበሃላ  13 ሃገራት ካብ ግዝኣት ሩስያ ነጻ ኮይነን።

 

ለ. ቻይና፡ – ኣብ ከባቢ 1990 ዓ.ም ኣቢሉ፡ ግሉጽነትን ነጻ ፕረስን ዝጠለቡ ኣሽሓት ቻይናውያን ኣብ ቀይሕ ኣደባባይ ብታንክታት ተረጊጾም።

ሐ. ኣብ ሃገራት ምዕራብ፡ – ሰበ-ስልጣን ንሚድያን ፕረስን ኣዝዮም ይጥንቀቑለን። ንዝተጻሕፈ ወይ ድማ ንዝተዘርበ ነገር፡ ቀልጢፎም ከዐርይዎን ምኽንያታት ክፈጥርሉን ይፍትኑ። በዚ ድማ መንግስቶም ቁጠባውን ፖለቲካውን ርግኣት ዘለዎ ኮይኑ ይኸይድ።

 

ግሉጽነትን ሚድያን ኣብ ተመክሮ ሃገርና

እዚ ከም ውድብን ከም መንግስትን ኢልካ፡ ኣብ ክልተ ከፊልካ ክረአ ይከኣል።

ሀ. ከም ውድብ፡ – ኣብ ህ. ግምባር ኣርባዕተ (4) መስመራት ዝሓዘ መራኸቢ ነይሩና። ንሱ ድማ፡ – 1. ኣኼባታትን ሰሚናራትን   2.ድምጺ ሓፋሽ (ሬድዮ) 3. መጽሔታት (መሪሕ፡ ማሕታ፡ ተዓጠቕ፡ ፍጻሜታት፡ ቡለቲን)  4. ባዶ ሰለስተ

. . . ኣርባዕቲኡ ድማ ካብ ሓንቲ ርእሲ ዝወጽእን ኣዝዩ ዝተወሃሃደን ኢዩ።   ብጥንቃቐን  ተጸሚቑን ድማ ኢዩ ዝቐርብ።

ኣብ ጉዕዞ ሰውራ ድማ ኣሉታውን ኣዎንታውን መዳያት ነይሩዎ ኢዩ።

 

ኣዎንታዊ መዳዩ፡ –

ኣብ ብምሉኡ ኣባል ናይቲ ውድብ፡ ከከም ዝነበሮ ናይ ሓላፍነት ጽፍሒ፡ ብማዕረ ስለ ዝበጽሕ፡ ብምሉኡ ኣባል ናይቲ ውድብ፡ ከከምቲ ዝነበሮ ደረጃ ሓላፍነት፡  ሓደ ዓይነት ርእይቶን ዝተቐራረበ መረዳእታን ነይሩዎ። ኩሉ ኣባል ልክዕ ከም ሓደ ሰብ ሓደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክህልዎን ሓደ ቋንቋ ንኽዛረብን ኣኽኢሉዎ ኢዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ዝኾነ በቲ ውድብ ዝወሃብ ናይ ስራሕ ዕማም (ውሑዳት ዝፈሸሉ ገዲፍካ) ብፍላይ ኣብ ወታደራዊ መዳይ ምሉእ ብምሉእ ይዕወት ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

 

ስለምንታይ ይዕወት ነይሩ? ንዝብል ሕቶ ድማ መልሱ ፦ እቲ ዝካየድ መጽናዕቲ ጽፉፍን ግሉጽን ኮይኑ፡ ነቶም ነቲ ዕማም ክፍጽሙ ዝተዳለዉ ኣካላት ድማ ብግልጺ ይንገሮም ስለዝነበረ፡ ኣብ መንጎ ተጋደልትን ኣዘዝትን ድማ ምትእምማን ፈጢሩ።

እቲ ዝሕፈስ ዝነበረ ኣንጸባራቒ ወታደራዊ ዓወታት ብግዲኡ፡ ኣብ መራሕቲ እምነት ከነሕድርን፡ ንዓና ንተጋደልቲ ድማ ዝያዳ ክጠምረናን ኪኢሉ።

 

ኣሉታዊ መዳዩ፡ –

ኩሉ ተጋዳላይ በቲ ውድብ (ብላዕሊ) ንዝመጽእ ሓበሬታ ጥራይ ይሰምዕ ስለ ዝነበረ፡ (ንሱ`ውን ነቲ ጸጽቡቑን ተጋኒኑን ተጸባቢቑን ዝመጽእ) ኣብ መራሕቱ ሕሉፍ እምነት ኣሕዲሩ። ብዘይካ`ተን ክብ ኢለን ዝጠቐስኩወን 4 መራኸቢ መስመራት፡ ብኻልእ ዝመጽእ ጎድናዊ ሓበሬታ፡ ብጥንቃቐ ይተሓዝን፡ ኣብ ገለ ድማ ብዘይንሕስያ ይህረምን ነይሩ።

ተጋደልቲ ከም BBC. VOA .ራድዮ ጀርመን (ቮችቨለ) ካልኦት ናይ ዓረብ ቻነላትን ይሰምዑ ኣይነብሩን ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። እዚ ግን ብካልኦት ዝፍኖ (ግዳማዊ) ስለ ዝኾነ፡ ነቲ በቲ ውድብ ዝወሃብ ሓበሬታታት ብፍጹም ዝዳረግ ኣይነበረን። “ብጸላእትን ሃጸያውያንን” ዝዝረብ ስለ ዝኾነ ድማ ኣብቲ ሕማቕ (ተጻራሪ) መዳዩ ፍጹም ዝእመን ኣይነበረ።

ብሰንኪ`ቲ ዝነበሮ ጸቢብ ሓበሬታ ድማ ዳርጋ ኩሉ ተጋዳላይ ጻምኡን መሰሉን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ቃልሲ ዘይኮነስ፡ ካብ ሰናይ ድሌት ናይ ሓለፍቱ ጥራይ ከም ዝጽበ ገይሩዎ ክበሃል ይከኣል።

 

ለ.ተመክሮና  ከም መንግስቲ፡ – እዚ ኣብ ሰለስተ መድረኻት ከፋፊልካ ክረአ ዝከኣል ይመስለኒ።

  1. 1. ካብ 1991 – ከባቢ 1995/6 ዝነበረ እዋን ፡ –ድምጺ ሓፋሽ፡ ሓዳስ ኤርትራ፡ ባዶ ሰለስተ፡ እንግሊዝ ንዘንብቡ ድማ Eritrean profile ጥራይ ዝነበረሉ እዋን። ሰለስቲአን ካብ ሓደ ርእሲ (ካብቲ ስርዓት ጥራይ) ይምንጭዋ ነይረን።

 

  1. 2. ካብ ከባቢ 1995/6 ክሳብ መስከረም 2001፡ – ብርክት ዝበላ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክሕተማ ስለ ዝጀመራ፡ ህዝቢ ተዛማዲ ሓበሬታ ይረክብ ነይሩ። ንድምጺ ሓፋሽን ሓዳስ ኤርትራን ገዲፉ፡ ኣድህቦኡ ናብተን ናይ ውልቂ ጋዜጣታት ቀይሩ። ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ከይተረፉ፡ ዝነበሮም ዕቃበታትን ናይ ውልቆም ፖለቲካዊ ኣጠማምታን ብመንገዲ እተን ጋዜጣታት ንህዝቢ ይገልጹ ነይሮም። ኣብ ዕድመና፡ ነጻ ፕረስ ዝረኣናለን ዓመታት እንተ ነይረን፡ ኣብዘን ዓመታት እዚኣተን ጥራይ ኢዩ።

 

  1. 3. ካብ 18 መስከረም 2001 ዓ.ንደሓር፡ – ዋጋ ግሉጽነትን ነጻ ፕረስን ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ፡ ብግብሪ ዘረጋገጽናሉ እዋን ኢዩ። ኩሎም እቶም ኣብተን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝሰርሑ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ከካብ ገዝኦም እናተኣርዩ ተቀይዶም። ኩሎም ኣብተን ጋዜጣታት ንመንግስቲ ዝነቅፍ ጽሑፋት ዘውጽኡ ውልቀ-ሰባት፡ እንተላይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድማ፡ ስለ`ቲ ግሉጽነቶምን ነጻ ርእይቶኦምን ህይወቶም ከፊሎም ጥራይ ዘይኮኑ፡ ሓዳሮምን ደቆምን ፋሕ- ፋሕ ኢሉ። በዚ ድማ ዋጋ ግሉጽነትን ነጻ ፕረስን ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ ብግብሪ ርኢናዮ።

 

  1. ዋጋ ግሉጽነትን ነጻ ፕረስን

ኣህጉራዊ፡

ሀ. ኣብ ሕብረት ሶቬት ምብትታን ግዝኣት ሩስያን፡ ናጽነት 13 ግዙኣታ ዝነበራ ሃገራትን ኣስዒቡ። ምድኻም ሕብረት ሶቬት ብግልጺ ንዓለም ነጺሩ። ናይ ዋርሶው ወታደራዊ ውዕል ፈሪሱ። መራሕቲ ሕብረት ሶቬት በቲ ምእኩል ቁጠባን ዓፋኒ ፖሊሲኦምን ንምዕራባዊ ዓለም ይኹን ንመቐናቕንቶም  ዝነበረ ወታደራዊ ኪዳን ኔቶ ከም ዘይተወድደርዎ ተኣሚኖም።

 

ለ. ኣብ ቻይና፡ ኣብ ቀይሕ ኣደባባይ ዝተፈጸመ ጭፍጨፋ ንዓለም ኣገሪሙ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ታሪኽ ደሳዊ ሰልፊ ቻይና ሓደ ጸሊም ነጥቢ ኣቐሚጡ ሓሊፉ። ሎሚ ዝወጹ ዘለዉ ጽሑፋት፡ ነቲ ደሳዊ ሰልፊ ቻይና ኣብ እዋን ቃልሲ ብማኦ ዝተፈጸሙ ገበናት ይወጹ ኣለዉ። ገለ ካብኡ ኣብ ኲናት ንተቐናቐንቲ ብሑቖ ምህራም፡ ንዓበይቲ ወታደራውያን መራሕቲ፡ ኣብ ዘይዕወትሉ ውግእ ኣእቲኻ ከም ዝሞቱ፡ ከም ገለ ብህይወት እንተወጺኦም  ከኣ ብጠንቂ ፍሽለት ተኸሲሶም ከም ዝርሸኑ ብምግባር፡ ብዙሓት ኣብ ቀጻሊ ንስልጣን ማኦ ዘስግኡ ሰባት ይሓቁ ምንባሮም ይዝረብ ኣሎ። (ምንጪ THE UNKNOWN STORY, MAO ZEDONG ዝብል መጽሓፍ ምውካስ ይከኣል)

 

 

 

ኣብ ተመኩሮ ሃገርና፡ –

ቅድሚ ናጽነት ኣብ ውድባት ኤርትራ፡ –  ኣብ ህ. ግምባር ኣብ 1973ን ከምኡ`ውን ኣብ 1976 ድሕሪኡን ከም በዓል ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ዮውሃንስ ስብሃቱ፡ ታረቀ ይሕደጎ፡ ተወልደ ኢዮብ ዘለዉዎም ፍሉጣትን፡ ከም በዓል ኣማረ ትኩእን ብርሃነ ገብረመስቀልን ዝበሉ ብዙሕ ዘይተዘርበሎም መንእሰያትን ምሁራትን፡ ግሉጽነት ይሃልወና` ስለ ዝበሉ ጥራይ ህይወቶም ስኢኖም።

 

ኣብ ተ. ሓ. ኤ. ኣብ 1965 ክሳብ 1968 (ዘመነ ክፍልታት)፡  ኣብ ከባቢ 1977 ዓ.ም (ናይ ፋሉልን የሚንን ምንቅስቓስ) ከምኡ`ውን ኣብ 1981/82 ጀብሃ ሱዳን ምስ ኣተወት፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብዙሓት ሃገራውያን ተቐንጺሎም ኢዮም።

 

እዞም ዝጠቐስናዮም ፍሉጣት ስለ ዝኾኑ እምበር፡ ዝኾነ “ገለ ነገር ይፈልጥ ኢዩ” ወይ “ርእዩን ሰሚዑን ክኸውን ይኽእል ኢዩ” ዝበሃል ተጋዳላይን ሲቪልን ክሳብ ዕለተ ናጽነት ይህደንን ብቓጻ ይጠፍእን ነይሩ። ዋላ ካበተን ውድባት ዝሃደሙ ከይተረፉ፡ ዝረኣዩዎን ዝሰምዑዎን መታን ከይዛረቡ፡ ኣብ ዘዝኣተውወን ሃገራት ይህደኑን ይቕተሉን ነይሮም ኢዮም። (ብዛዕባ`ዚ ቃለ-መጠይቕ የማነ ተክለገርግስ ኣብ ራድዮ ወጋሕታን ራድዮ ኣሰናን ምውካስ ይከኣል)

 

ድሕሪ ናጽነት፡ –

ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኩሎም “ገለ ሚስጥር ይፈልጡ ኢዮም” ዝበሃሉ፡ ኣብ ኤርትራን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ፋሕ ኢሎም ኣብ ሰላማዊ ናብራኦም ዝነብሩ ሰባት፡ ተተሃዲኖም ንሱ ዝኣንፎም ከም ዝጠፍኡ ኮይኖም። ተስፋሚካኤል ጆርጆ ሓደ ኣብነት ናቶም ኢዩ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ድማ፡ ዝኾነ ብጩቕ ኢሉ ሚስጢር ዘውጽአ ሓላፊ ወይ ገዲም ተጋዳላይ፡ “ሕማም ልቢ ሓሚሙ” ወይ ድማ “ሓደጋ ኣጋጢሙዎ” እናተባህለ ክጠፍእ ጸኒሑ።

ኣብ መስከረም 2001 ዓ.ም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግምባርን፡ ከምኡ`ውን ኩሎም ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ብግልጺ ስለ ዝጸሓፉን  ስለ ዝተዛረቡን ጥራይ፡ ኣብ ህይወቶም፡ ደቆምን ስድራ-ቤቶምን ብዙሕ ግፍዕታት ወሪዱ።

ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ እምበኣር፡ ዝረኣኻዮን ዝሰማዕካዮን ምዝራብ ማለት ባዕልኻ ንህይወትካ ምፍራድ ወይ ድማ ነብሰ ቅትለት ምፍጻም ማለት ኢዩ። ዋጋ ግሉጽነትን ነጻ ፕረስን ድማ እዚ ኢዩ።

 

  1. ገዛእቲ ንግሉጽነትን ነጻ ፕረስን ንምጭፍላቕ ዝጥቀምሉ ሜላ

. ቅንጸላ፡ ንዝኾነ ንሳቶም ዘይደልዩዎ ወረ ዘምጽእ ሰብ፡ ዋላ ቅኑዕ`ውን ይኹን፡ ትዕድልቱ ጭውያን ቅንጸላን ኢዩ

ለ. ነቲ ሓቅታት ዝብውዝን ንተጣበቕቲ ግሉጽነት ዘካፍእን ዘነኣእስን ቀንጻሊ ናይ ባዶ ሰለስት ወረታትን ሓሶታትን ብብዝሒ ይዝርግሑ።

ሐ. `ፕረስ ነጻን ሓላፍነታውን ኢዩ` ይብሉ፡ – ብዛዕባ`ዚ፡ ኣብቲ ኣብ ዕለት 23/02/2013፡ “ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን፡ መድረኻት ፖለቲካዊ ተቓውሞን” ኢለ ካብ ዝጸሓፍኩዎ (10ይ ክፋል) ቆንጭለ ከቕርብ ኢየ።

 “እዚኣ ኩሎም መለኽቲ ስርዓታት ዝጥቀሙላ ኮይና፡ ህግደፍ ሰባት ንምጭፍላቕ ክጥቀመላ ጸኒሑ፡ ኣብ ገለ ውድባት ናይ ደምበ ተቓውሞ ድማ ክዝረብ ንሰምዖ ኣለና።

“ቀጺሉ ዝመጽእ ሕቶ `ስለምንታይ ኢዮም መለኽቲ ነታ “ሓላፍነታዊትብል ሓረግ፡ ምስ ፕረስ ኣጸጊዕም ዘምጽእዋ? ዝብል ኢዩ። እዛ ሓረግ እዚኣ ብመደብ ነቲ ሰበ-ስልጣን ዝገብርዎ ጸይቅታት፡ ኣብ ህዝቢ ከይቀርብን ከይቅላዕን ተባሂላ ዝኣተወት ኢያ። ንሳ ኣብ ሕጊ ፕረስ እንተልያ ድማ፡ መራሕ ሃገር ወይ ዝኾነ በዓል ስልጣን ኣብ ብልሽውና ምስ ዝኣቱ፡ ወይ`ውን ብዋጋ ናይ ገለ ከባቢታት ንኻልኦት ዘርብሕ ስጉምቲ ምስ ዝወስድ፡ ዋላ`ውን ብዓቢኡ ንሓድነት ሃገር  ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ይኹን፡ ብዛዕባኡ ኣብ ጋዜጣታት ክትጽሕፍ ኣይፍቀድን ኢዩ። ከም ገለ እንተ- ተጻሕፈ ድማ “ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ጋግ ናይ ምፍጣር ፈተነ” ዝብል ስም ይወሃቦ። `ዘይሓላፍነታዊ` ድማ ይበሃል። ኣባል ናይ ሓንቲ ንእሽቶ ብሀር ኮንካ “መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ብሀር ናተይ እዝን እዝን ፈጺሙ” ወይ ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዝበለ ከባቢ ከምዚ በደል በጺሑ” ኢልካ እንተ ጽሒፍካ፡ ኣብ  ክንዲ ሓቅነቱ ምርግጋጽን ምጽራይን፡ ብድብድቡ `ብትሕተ ሃገራውነት` ተኸሲስካ ትእሰር። “ሓላፍነት ዝጎደሎ ስራሕ ሰሪሕካ” ድማ ትበሃል። ስለዚ ንኹሉ`መንግስትን ሰበ-ስልጣኑን ዝፍጽምዎ ብልሽዉናን ጸይቅታትን ብቓልዕ ክትዛረበልሉ ዝፍቀደካ ኣይኮነን። ዝኾነ ብቓልዕ ዝዝረብ ሓቅነቱ ብዘየገድስ፡ `ዘይሓልፍነትዊ` ኢዩ። ውልቀ-መለኽቲ ነዚ ዝምልከት ከም መፍትሒ ዘቕርብዎ`ውን ኣለዎም ኢዩ። ንሱ ድማ ዘለካ ጭብጥታትን መርትዖታትን ስምዒታትን፡ ብጽሑፍ ብዝተማእከለ ኣገባብ፡ ብሰንሰለታዊ መንገዲ ከተመሓላልፎ” ጥራይ ኢዩ ዝፍቀደካ።  ኣብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ዝረኣኻዮ ጸይቂ፡ ብዘይ ኣፍልጦ ናይቲ ህዝቢ፡ ብጽሑፍ ጥራይ ናብቶም እቲ መንግስቲ ባዕሉ ዘቐመጦም ታሕተዎት ሓለፍቲ ዘቕረብካዮ ክሲ ድማ መልሱ `ቅኑዕ ፍታሕ` ዘይኮነስ፡ መጭወይትን ስዉር ቅትለትን ጥራይ ኢዩ። እታ `ሓላፍነታዊ’ ትብል ሓረግ እምበኣር፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ምእንቲ ጸይቅታቶም ከይቅላዕ፡ ንረብሕኦምን ንረብሓ ናይ ገለ ወገናትን ተባሂላ፡ ነቲ እናፈለጡ ዝፍጽምዎ ብልሹ ምሕደራ፡ ኣብ ቅርዓት ወኢእካ ንኽይትዛረበሉ ተባሂላ ዝኣተወት ምዃና ንስማዒ ክብርህ እፈቱ።

 

“ፕረስ እምበኣር ነጻን ብቕዋም ዝምእዘዝን ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። እቲ ብሃገር ደረጃ ዝጸድቕ ቅዋም፡ ኣብቲ ንፕረስ ዝምልከት ዓንቀጻቱ ገለ ሃጓፍ እንተ – ጸኒሑዎ ድማ እቲ ባይቶ ወይ ሓጋጊ ኣካል፡ ብናይ ሕጊ ክኢላታት ተሓጊዙ፡ ሓፈሻዊ መምርሂ (guide lines) ይገብረሉ። እዚ ግን ሳሕቲ ዘጋጥም ተርእዮ ኢዩ። ምኽንያቱ እተን ናይ ፕረስ ትካላት ንባዕለን፡ ነቲ ሃገራዊ ቅዋም ተመርኲሰን፡ ናይ ገዛእ ርእሰን ውሽጣዊ ሕግታት የውጽኣን፡ ነቲ ዘውጽአኦ ውሽጣዊ ሕጊ ድማ ናብቲ ንኣሰራርሓ ፕረስ ዝከታተል ኣካል ናይቲ ባይቶ ይልእከኦ ኢየን። ነቶም ኣብ ትሕቲአን ዝቑጸሩ ጋዜጠኛታት ድማ ንጹር ናይ ኣሰራርሕ ቅጥዒ (code of conduct) ሂበን ኢየን ናብ ስራሕ ዘዋፍረኦም። ልዕሊ ኩሉ ድማ ናይ ፕረስ ትካላት ይኹና ተራ ጋዜጠኛታት፡ ፒሮን ወረቐትን እምበር ክላሽን ዝዓጠቑን ካብ ሕጊ ንምኽዋል ዝዳፍዕሉ ሓይልን የብሎምን።

 

“ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝነብሩ ኩሎም ዜጋታት፡ እንተላይ ጋዜጠኛታትን ናይ ፕረስ ትካላትን፡ ንጸጥታን ርግኣትን ሃገሮም ክሰርሑ ሓላፍነትን ኣለዎም። ጉድለታት ኣብ ዝፍጽምሉ እዋን ድማ፡ ከም ኩሉ ዜጋ ብሕጊ ይሕተቱ። ቅዋም ናይ ሃገር ድማ፡ ንኩሎም ዜጋታትን ትካላትን እምበር፡ ንጋዜጠኛታትን ትካላት ፕረስን ፈልዩ ዘሰክሞ ሓላፍነት የብሉን።”

 

ኣብ ደምበ ተቓውሞ`ኸ?

ደምበ ተቓውሞ`ውን ኣብ ግሉጽነት ዘለዎ ኣተሓሕዛ፡ ካብ ህግደፍ ዝፍለ ኣይኮነን። ሓንቲ ውድብ /ማሕበር ወይ ምንቅስቓስ፡ ክትገማማዕ ክትጅመር ከላ፡ ኩሉ`ቲ ተዓቂቡ ዝነበረ ሚስጥራታ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ኣብ ፓል- ቶክ ክዝረብ ትሰሞዖ።  እቲ ቀንዲ ጸገም ደምበ ተቓውሞ ድማ ግሉጽነት ዘይምህላዉ ኢዩ።

ህዝባዊ ግምባር ቅድሚ ናጽነት (መንግስቲ ከይተኸለ ከሎ) ግሉጽነት ስለ ዘይነበሮ፡ ድሕሪ ናጽነት ግሉጽነት ኣየተኣታተወን። እዞም ዘለዉና ሓለፍቲ ደምበ ተቓውሞ ድማ፡ ሎሚ ብግልጺ ክንቆጻጸሮምን ግሉጽ ኣሰራርሓ ከም ዝህልዎም እንተ ዘይገርናን ዘየገዲድናዮምን፡ ጽባሕ ንግሆ ስለያን ጸጥታን ምስ ተቖጻጸሩ ዝከኣል ኣይኮነን።

ሎሚ ንህግደፍ ንቃወመሉ ዘሎና ምኽንያት፡ ጉዳይ ሃገር ስለ ዝዓዘዘና ኢዩ። ምእንትኡ ከኣ ኢና ግዜናን ገንዘብናን ነጥፍእ ዘለና። ምስ`ዚ ኩሉ ግን፡ ነቲ ብወረ-ወረ እንሰምዖ ሒመታታት፡ ኣብ ኣኼባታት ኣምጺእና ብግልጺ ኣብ ክንዲ ንዘራረበሉ፡ ሓቅነቱ ብዘየገድስ፡ ከም ዘልዎ ንቕበሎን፡ ናብ ካልኦት ገርሀኛታት ንሸጦን። ሕሉፍ ሓሊፍና ብዓይና ዝረኣናዮ ገዲፍና፡ ዝሰማዕናዮ ንምድጋም ዝቐለና ብዙሓት ኢና። ከይተፈለጠና ድማ ኣገልገልትን ቀንዲ መሳርሕን ናይታ ህግደፍ ዘቖማ፡ ናይ ባዶ ሰለስት ናይ ቅንጸላን ፕሮፖጋንዳን ግዳያት ንኸውን።

 

መደምደምታ፡ – ከምቲ ኣብ መእተዊ ኣርእስተይ፡ `ግሉጽነት ካብ ሰብ ሓዳር፡ ኣሕዋትን ደቂ ሓደ ዓድን ኢዩ ዝጅምር` ዝበልኩዎ፡ ሕጂ`ውን ነዚ ኣብ ውሽጥና ኣትዩ ዝሕምሰና ዘሎ ምትሕምማይን ጸለመን ኣብ ቅሉዕ ኣኼባታት ኮፍ ኢልና ክንዝትየሉን፡ ጌጋታትና ንኻልኣይ ግዜ ከይድገሙ ክንመሃረሎምን ይግባእ።

 

ግሉጽነት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ስራሕ፡ ውዒሉ ሓዲሩ፡ ናብ ምልክን ቅንጸላን ኢዩ ዘምርሕ። ተቓላሳይ ኣብ ግሉጽ ሓሳባት እምበር፡ ንዓድን ሃይማኖትን ዋጋ ኣይህብን ኢዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ስራሕ ጌጋ ዝፍጽም ብጻይካ፡ ሓውኻ ወይ መቕርብካ ክትእርምን ከተቃልዕን እንተ ዘይኪኢልካ፡ እቲ ትገብሮ ዘለኻ ፖለቲካዊ ስራሕ ውዒሉ ሓዲሩ ተመሊሱ ንዓኻ ኢዩ ዝሃሲ። እቶም ኣብ 2001 ዓ.ም ዝተኣስሩ ሓለፍቲ ድማ ግዳያት ናይቲ ትማሊ ዘታተዩዎን ጌጋታቱ ዝሸፈኑሉን ስርዓት ኢዮም። ሎሚ ንኻልኦት ክጭፍልቕ ዘመኽነኻሉ ሓላፊ፡ ጽባሕ ተመሊሱ ንዓኻ ክጭፍልቐካ ኣይጽግሞን ኢዩ። `ዘልመድካ ኣይትኽላእ` ኢዩ ነገሩ። ሰብ ኣብ ታሪኽ ኣይነብርን ኢዩ። እዞም ትማሊ ስለቲ ግሉጽን ነጻን ርእይቶኦም ክቡር ህይወቶምን ናብራኦምን ዝሃቡ ሓለፍትን ጋዜጠኛታትን ድማ፡ ብኣካል ተረኺቦም፡ እቲ ንስለ ነጻ ርእይቶኦም ዘሕለፍዎ ስቓይ ክነግሩና`ኳ እንተ ዘይከኣሉ፡ ካብ ታሪኾም ክንመሃር ግን ግዴታ ኣሎንና።

 

ግሉጽነት ዘይብሉ ውድብ፡ ማሕበር ወይ ምንቅስቓስ፡ ውዒል ሓዲሩ ናብ ምልኪ ኢዩ ዘምርሕ። ቀስ ኢሉ ድማ ኢዩ ዝደክም ወይ ዝበታተን። ናይ ቅኑዕ ፕረስ መሰረት ድማ ግሉጽነት ኢዩ። ኣብ ፖለቲካ፡ ግሉጽነትን ነጻ ፕረስን መዐቀኒ ዲሞክራስያውነት ናይ ሓደ መንግስቲ ወይ ውድብ ኢዮም።

 

 

ታደሰ ኪዳነ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Mebrak01@gmail.com September 17, 2015

    Bmejemerta selam n kulahina ketsile zgermeni natika TADESE nsika balika gedim tegadala y ab hizbawi ginbar zneberka kinsika neti ab kalsi zneberkayo nhansab b aluta nhansa bawenta ktgmigmo uka ab tshufika enterakuwo anewin bwegeney kumu eye ziamin mikniyatu ab sirah sle znebere hizbawi ginbar gidin eyu komu THE most important gn natika grimmmmmm zbileni tshufatika abzi zhalefe ewan kulu ymetatelo nezi mensey wolodo ab simitu atika kisab eta ab hagerina zelaa BWEREDA WIN tkun atika ktkeffafil eka tsnihika emo hiji kea eza nay presss elika amtsikaya zeloka tsuhufika WAHA zebele tshuf eyu neru negergin ms nisika tebilatsss press tkeydd entekoyina dima neriya bel kkkk

  • ድሓን ኪዲ ኤርትራ September 17, 2015

    ሓው ታደሰ፣

    ብሓቂ ጽቡቕን ሳይንሳውን ምኽሪ።ግን ሳእኒ ዘይብልካስ ጥር ኢልካ ኡክያለ(sun glasses) እንድዩ ኾይኑ።ነቲ ባዶ ጻሕሊ ጨው ናይ ባሕሪዶ የመቅሮ ወይሲ ጥረ ጨው ኢልካ ከም ምዝታይ እዩ።እቲ ዓረባውን ኣቢሲንያዊ ዲክታተርነት ኢሳያስን ዝዓብለሎ ጉዳይ ኤርትራ ባዶ ጻሕሊ እንድዩ ኮይኑ።እታ በጊዕ ኣበይ ክትእሰር ምሓሸ.. ምኽርካ ብሓቂ ተቐባልነት ዘለዎ እዩ።ግን እታ በጊዕ ስእላ እምበር ንሳ ሃልያ ኣይትፈልጥን እያ።ሕጂ እውን የላን።ንሱ እዩ እቲ ጸገም።ጨጕሪ ዘይብልና ፋሽን ኣማሽጣ እንተነገርካና ምንም ኣየርብሓናን።

  • samuel September 18, 2015

    You keep it up. I always admire your writtings and your stamina in search of truth. One day the sun will shine fully and all you write will be unanimously accepted eve by the dictator himself. Every one from Adgna Teklba till Qarora is proud of you. xnxya AaynKa zenfro yelen

  • adal September 18, 2015

    ህዝባዊ ግምባር ቅድሚ ናጽነት (መንግስቲ ከይተኸለ ከሎ) ግሉጽነት ስለ ዘይነበሮ፡ ድሕሪ ናጽነት ግሉጽነት ኣየተኣታተወን። እዞም ዘለዉና ሓለፍቲ ደምበ ተቓውሞ ድማ፡ ሎሚ ብግልጺ ክንቆጻጸሮምን ግሉጽ ኣሰራርሓ ከም ዝህልዎም እንተ ዘይገርናን ዘየገዲድናዮምን፡ ጽባሕ ንግሆ ስለያን ጸጥታን ምስ ተቖጻጸሩ ዝከኣል ኣይኮነን። ከምዚስ ትብል ኣሎኻ፡ ውድባት ከመይ ገይረን ከምዝቆማን መዐቀኒ መቆሚአን ዓይነት ፍትሓውነተን ግሉጻት ንክኾና ክትግድደን ብናይ መን ቁዋም ኢኻ ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ፡ ኣበየናይ ዓለም ኢዩኸ ሓንቲ ውድብ ናይ ግድን ግሉጽነት ክህልዋ ኣሎዎ ኢሉ ዝውስን፡ ጸጋማዊ የማናዊ ወገናዊ ሃይማኖታዊ ኮይኑ ክውደብ መን ክኽልክሎ፡ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ናይ ግሉጽነት ዝኣምኑ ውድባት ስምረት ምናልባት ይሰርሕ ይኸውን ሰብ ምግዳድ ግን ደላይ ፍትሒ ኣየአብለካን ኢዩ።

  • Amdemariam Berhane September 18, 2015

    ኣቶ ታደሰ እቲ ተባሂሉ ዘሎ ኩሉ ጽቡቕ ኢዩ።ኣብ ዕለት18 መስከረም ብርሃን ሃገርና ጠፊኣ እንድያ።እተን ብሃይማኖት ካቶሊክ ዝቐርባ ዝነበራ ብዙሕ ኣበርክቶ ዝነበረን ኣይትረስዕወን።

  • Suleiman Salim September 18, 2015

    “ህዝባዊ ግምባር ቅድሚ ናጽነት (መንግስቲ ከይተኸለ ከሎ) ግሉጽነት ስለ ዘይነበሮ፡ ድሕሪ ናጽነት ግሉጽነት ኣየተኣታተወን።”

    ኣነ ንስኻ ንኤርትራ ሃገርና ኣብ ሜዳ ዝተራጋርካላን ዝደመኻላን ዝተወጋእካላን ስለ ዝኾንካ ኣዝየ እየ ዘኽብረካ ግን እዚ ትዛረቦ ዘሎኻ መእሰሪ ዘይብሉ ኮይኑ ይረኣየኒ። ግሉጽንት ክትብል እንከሎኻ እንታይ ማለትካ እዩ? ንምእንቲ ግሉጽነት ኢሎም ተጋደልቲ ኣብ ሜዳ ብሃይማኖትን ኣውራጃን ዘይተናቖቱ ዲኻ ትብል ዘሎኻ? ዓገብ!!

    ኣማኑኤል በጃኻ ዝጻሓፍናዮ ኣይትደምስስ።

  • Cabral September 19, 2015

    ጸሓፊ እዛ ጽሕፍቶ ንተራ ናጻ ፕረስ ኣብ ዴሞክራስያዊ ኣካይዳ ዘብርሀ ኮይኑ ይስምዓኒ። ብንጹር ንሕሉፍን ህልው ኩነታት ግሉጽነትን ናጻ ፕረስ ኣብ ኤርትራ ስለዝተንተኖ ክንኣድ ዚግብኦ’ውን ኮይኑ ይስምዓኒ። ናጻ ፕረስ ኣብ’ዚ ምዕራባዊ ዓለም እቲ ራብዓይ ዓንዲ ሰረት ናይ ዴሞክራሲ (The Fourth Estate)እውን ተባሂሉ ብዉሕዱ ንሰለስት ዘመናት ክፍለጥ ጸኒሑ እዩ። ስለ ዚኾነ ድማ ንኣብነት ኣብ ታሪኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብሰንኪ ሓንቲ ጋዜጣ ብዘውጽኣቶ ጸብጻብ ዚኣክል ፕረዚደንት ኒክሰን ካብ ስልጣኑ ኪወርድ ከምእተገደደ ዚዝከር እዩ። ኣብ ክንዲ ምልካዊ ምሕደራ መሰል ደቂ ሰባት ዚኽበረሉ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ መጻኢት ኤርትራ ንምትካል ኣብ ዚግበር ጻዕሪ’ውን ግሉጽነትን ምትግባር መሰረታዊ ኣምራት ናጻ ፕረስ ዚህልዎ ተራ ከም’ቲ እተባህለ ወሳኒ እዩ። ግሉጽነት ዘለዎ ኣካይዳን ምትግባር መረሰታዊ መትከላት ናጻ ፕረስ ሓባራዊ መረዳእታ (consensus) ኣብ ምህናጽን ከም ባይታ መማዕበሊ ዘተን ምይይጥን (dialogue) ኣገደስቲ ረቛሒታት እዮም። ስለዚ እዘን ማዕከናትመራኸቢ ደምበ-ተቓውሞን ሲቪካዊ ምሕበራት ንሞያዊ መትከላት ጋዜጠኛነትን መሰረታዊ ኣምራት ናጻ ፕረስን ኣኽቢርኩም ዴሞክራሲያዊ ባህሊ ኣብ ምምዕባል ዕቢ ሓላፍነት ከም እተሰከምኩም ከዘክረኩም እፈቱ።

POST A COMMENT