Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተርእዮ ሕሉፍ ምንቅስቓስ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራን ኣስጋእነቱን (ቀዳማይ ክፋል)

ተርእዮ ሕሉፍ ምንቅስቓስ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራን ኣስጋእነቱን (ቀዳማይ ክፋል) መብራህቱ ኣተወብርሃን ሕሉፍ ኣረኣእያ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ሓዲሽ`ዩ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ብደረጃ ምንቅስቓስ ዝፍለጥ ግን ውሑድ`ዩ። ቍጽርን ዓይነትን ናይ ብሃይማኖት፡ ብሄርን ኣውራጃን ካብኡ ብዝንእስ ማሕበራውን ከባብያውን ካልእ ኣገባብን ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ፡

ተርእዮ ሕሉፍ ምንቅስቓስ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራን ኣስጋእነቱን

(ቀዳማይ ክፋል)

መብራህቱ ኣተወብርሃን

ሕሉፍ ኣረኣእያ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ሓዲሽ`ዩ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ብደረጃ ምንቅስቓስ ዝፍለጥ ግን ውሑድ`ዩ። ቍጽርን ዓይነትን ናይ ብሃይማኖት፡ ብሄርን ኣውራጃን ካብኡ ብዝንእስ ማሕበራውን ከባብያውን ካልእ ኣገባብን ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ፡ ብልምዲ ናይ የማን ደንበ ተባሂሎም ዝፍለጡ ማሕበራት ግን፡ እናዛየደ ዚመጽእ ዘሎ ይመስል። ንዓና ብፍላይ ዘገድስና፡ ጕዳይ ሃገርና እኳ እንተኾነ፡ ሎሚ ዋላ ኣብቲ ምዕቡልን ብተዛማዲ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ኣለዎ ዝብሃል ምዕራባዊ ዓለም`ውን እቲ ተርእዮ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ምምጻእ ትራምፕ ኣብ ኣመሪካ፡ ምውጻእ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኤሮጳዊ ሕብረት፡ ዕብለላ ናይ የማናይ ክንፊ ብሄራውያን ፓርትታት ኣብ ጀርመንን ፈረንሳን ካልኦት ሃገራትን ምስዚ ተታሓሒዙ ዝረአ`ዩ።

 

ኣብ ኤርትራ ክሳብ`ዚ ቀረባ እዋን ካብ ምንቅስቓስ እስላማዊ ጂሃድ ወጻኢ ርኡይ ዝኾነ ሕሉፍ ምንቅስቓስ ዳርጋ ኣይነበረን። ሕጂ ግን እተፈላለየ ናይ መንነት ድርብራባት ዝሓዙ ጕጅለታት ኣብቲ ሕሉፍ የማናይ ደንበ ክዓስሉ ይረኣዩ ኣለዉ። ገለ ካብዚኣቶም ብዕሊ ተወዲቦም ዚንቀሳቐሱ ክኾኑ ከለዉ፡ እቶም ዝበዝሑ ብዘይተወደበ መንገዲ ንጥፈታቶም የካይዱ።

 

ካብዚኣቶም እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ እስላማዊ ጂሃዳዊ ሓይልን እቲ ዛጊት ሓደ ውጹእ ስም ዘይብሉ ናይ ትግርኛ ብሄራዊ ምንቅስቓስን እቶም ክልተ ቀንድን ግን ከኣ ተጻረርቲ ግንባራት ናይዚ የማናይ ክንፊ እዮም። ብኣንጻሩ እቲ ናይ ስሳታትን ሰብዓታትን ብመንእሰያትን ተማሃሮን ዝምራሕ ዝነበረ ኮሚኒስታውን ኣድማሳውን ኣረኣእያ ዝውንን ናይ ጸጋም ሓይሊ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣሎ ክትብሎ ኣይከኣልን። ስለዚ፡ እቲ ቀንዲ ግጥም እዞም ክልተ ኣጥበቕቲ የማናውያን ግንባራት ኣብ መንጎኦም ዘካይድዎ ኮይኑ፡ እቲ ሓደ ወገን ዚፍንዎ ናይ ጽልኢ ወፍሪ ነቲ ካልእ ወገን ናይ ምንጻል ስምዒት ይፈጥረሉ: ግብረ-መልሲ ክህብ`ውን ይደፋፍኦ። እቲ ሳልሳይ ግንባር፡ እቲ ኣብ ማእከላይ መስመር ዚርከብ ንዝበዝሐ ህዝቢ ዝውክል ሃገራዊ ሓይሊ እዩ። ነዚ ሓይልዚ ከዳኽሙ ዚደልዩ እተፈላለዩ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ሓይልታት ድማ ኣብ ምሕያል ናይቶም ክልተ ተጻረርቲ ሕሉፋት የማናውያን ወገናት ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ይሰርሑ’ውን ኣለዉ።

 

ንጠንቂ ምስዕራር የማናይ ጥሩፍነት ኣብ ኤርትራ ዝድህስስ መጽናዕቲ`ኳ እንተዘይሃለወ፡ እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣብ ስደት ዝርከቡ ዜጋታት ብፍላይ ድማ መንእሰያት ምዃኖም ግን ፍሉይ መልእኽቲ ኣለዎ። መንእሰይ ብተፈጥሮ፡ ሓዲሽን ካብ ናቱ ፍልይ ዝበለን ንደገ ዝጠመተ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን`ዩ ዚፍትሽ። እቲ ሒዝዎ ዝዓበየን እቲ ካብ ደገ ዝመጽእን ኣተሓሳስባ ምስዝራኸብ ድማ: ኣተሓሳስባኡ ክሰፍሕን ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ክፈጥርን ንሕብረተሰብ ብኣወንታዊ መንገዲ ክቕይርን ዘሎዎ ተኽእሎ ብኡ መጠን ይዓቢ። መንእሰያት ኣብ ሕሉፍ ሃይማኖታውን ብሄራውን ወገናውን ኣተሓሳስባ ጥሒሎም ምርኣይ እምበኣር ብዝኾነ መለክዒ ንቡር ኣይኮነን።

 

ጠንቁን መበገሲኡን ብዘየገድስ፡ ኣሰካፊ ኵነታት የርኢ ስለዘሎ ድማ፡ ኣተኵሮ ክወሃቦ ዝግባእ ይመስለኒ። ገለ ካብቶም ኣስጋእቲ ምልክታት ንምጥቃስ፡ ምስ ናትካ ዘይሰማማዕ ኣረኣእያን እተሓሳስባን ንዘለዎ ወገን ምዝላፍን ስሙ ምጽላምን፡ ካብ ናትካ ዚፍለ መልክዕን ባህልን ንዘለዎም ወገናት ምንእኣስ፡ ናይ ሓሶት ታሪኽ ምድራስን ንታሪኽ ንዓኻ ብዝጥዕም መገዲ ጥራይ ምትርጓምን ይርከቡዎም። ካብኡ ሓሊፉውን ሃገራዊ መሰል ርእሰ-ውሳነ ንሓደ ብሄር ወይ ወገን ጥራይ ከምዝምልከትን እቶም ካልኦት ወገናት ተመሳሲሎም ክነብሩ ወይ ድማ ሃገር ገዲፎም ክስደዱ ከምዘለዎም ይንገሮም ኣሎ። እዚ ድማ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ መግለጺ ዓብላልነትካ ንምርግጋጽ ዝግበር ፋሽሽትነት ድኣምበር ምስ መሰልካ ክትሕሉን ክብርታትካ ክትዕቅብን ዝግበር ቃልሲ ብፍጹም ዘራኽብ የብሉን።

 

ኣብ ላዕሊ ከም ዝጠቐስክዎ፡ እዚ ተርእዮ ካብ ኤርትራ ወጻኢውን እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ብዙሓት ሃገራት ድማ ከም ዓቢ ስግኣት ክርእይኦ ጀሚረን ኣለዋ። ንኣብነት ንዝኽሪ ምዝዛም ቀዳማይ ኲናት ዓለም (1914-1918) ኣመልኪቱ መራሒ ፈረንሳ ኢማኑአል ማከሮን ኣብ እተዛረቦ፡ ነቲ ቅድሚ`ቲ ኲናት ዝነበረ ኵነታት ምስዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ዳግማይ ትንሳኤ የማናዊ ጥሩፍነት የመሳስሎ፡ ንኤሮጳ ናብ ክልቲኡ ኲናት ዓለም ዘእተዋ ድማ ብሕሉፍ ብሄራዊ ኣተሓሳስባ ዝድረኽ ናይ ምዕብላል ፖሊሲ ምንባሩ የዘኻኽር። ነዚ ዝረአ ዘሎ ናይ ዘመንና ጥሩፍ ኣተሓሳስባን ብሄራዊ ውደባ’ውን ሽለል ክበሃል ከምዘይብሉን: ብናጻ ክትዕን ኣሳታፊ ሃገራዊ ዘተን ክሰዓር ከምዝግብኦ ይመክር።

 

ናብ ርእሰ ነገርና ክንምለስ፡ ኣብ ከም ኤርትራ ዝበለ ብዙሓት ብሄራት፡ ሃይማኖታትን መንነታትን ዝበዝሖ ሃገር ዕብላለ ናይ ሓደ ብሄር፡ ሃይማኖትን ወገንን ብዘይ ጐነጽን ደም ምፍሳስን ክረጋገጽ ይከኣልዶ? መልሱ ንኵሉ ሃገራዊ ዜጋ፡ ብፍላይ ድማ ነቶም ነቲ ኣረኣእያ ዝውንኑን ኣብ ህዝቢ ክሰርጽ ዝጽዕሩ ዘለዉን ወገናት ይምልከት። ሓደገኛን ኣዕናውን ሳዕቤን ናይ ብሄርን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ ፖሊቲካ ምርኣይ ኣድላዪ መሲሉ ዝረአ እንተኾይኑ ግን፡ ሓዲሽ መፈተኒ ላቦራቶሪ ምፍጣር ኣየድልን። ብዙሕ ከየርሓቕና ንተመክሮ ጐረቤትና ኢትዮጵያ ምዕዛብ ጥራይ ይኣክል።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • Natu December 18, 2018

    ክቡር መብራህቱ !

    እዚ ኣብ ክለሳ-ሓሳባዊ ኣረኣእያ ዝተመርኮሰ ጽሑፍካ ብመርትዖታት እንተዝስነ ነይሩ ተቐባልነት ክረክብ ምኸኣለ። ካባኡ ተሪፉ ግን ብተግባራዊ ኣረኣእያ መሰማምዒ ነጥቢ ኣይረክብን። ኣብዚ ጊዜ እዚ 5000 መንእሰያት ንመዓልቲ ኣብ ዝሃድሙላ ዘለዉ ንእሽቶ ሰሜን-ኮርያዊት ኣፍሪቃዊት ሃገር ድኣ’ምበር ከምዚ ንስኻ ክትትንትኖ ዝፈተንካ ፣ ትፈላሰፈላን ትመራመረላን ፣ የሚናዊዶ ጸጋማዊ ስነሓሳባዊ ፍልስፍና ዘለዋ ሀገር ፍጹም ኣይኮነትን። እዛ ዓደቦታተይ ብሰንኪ እዚ መዘና ዘይብሉ ዲክታቶራዊን ምልካውን ስነስርዓት’ዶ ኣይኮንኩን ንዓመታት ዝኣክል ኣማዕድየ ክርእያ ተገዲደ ዘለኹ? ብሓጺር ኣበሃህላ ኤርትራ ሓንቲ ንናይ ምዕራባውያን ዕዳጋታት (globalized Horn of Africa) ኣብ ምውዳድ ሸበድበድ እትብል ዘላ ግሃነብእሳት ጥራይ እያ ክትበሃል ትከኣል። ምናልባት ድሓር ጊዜ ከምዝን ከምትን ጽሒፈ ነይረ ንምባል ዝተመደበውን ክኸውን ይክእል።

    እዚ ውልቃዊ ነጻ ዝኾነ ኣረኣእያይ (ኣብ ኤርትራ ስለ ዘይነብር) ድኣምበር ክቡር መብራህቱ ምስ እንታውነትካ ፍጹም ዘራኽብ የብሉን !

    ርሑስ በዓላት ልደት !

    • Wedi Hagher December 19, 2018

      ኣቶ “ናቱ”

      አሪትራውያን ፋሕ ብትን ይበሉ፥ ድኻ ትብል ደለኻ ?
      ተረዲእናካ ኣለና ኣንታ ወኻሪያ !!

  • Keshi Mars December 20, 2018

    Hello Assenna,

    Great article and timely. Indeed the present situation of Eritrea is the outcome of an extreme nationalistic attitude that doesn’t give a leeway or a room for discussion to any seemingly opposite ideas that reflect the peoples interests. Likewise these Jahad and Agazian movements are no different from the Isaias’ idealogy of Nationalism. What is expected is the peoples of Eritrea have to reorganize into smaller interest groups that recognize each other’s existence depends on realizing each other’s needs. Collection of different communities with varying interests are the necessary prerequisites of a nation building. As you put it correctly, we have to scrutinize any vague groupings in the name of Islamic, Christianity, or nationalistic attitudes.
    A community is most of the time a spontaneous collection of different religion, people originated from different parts of the country, with different skills, etc so any political group has to reflect that kind of grouping.

  • Hagherawi December 21, 2018

    “As you put it correctly, we have to scrutinize any vague groupings in the name of Islamic, Christianity, or nationalistic attitudes.”

    Keshi Mars

    I don’t know why you think “nationalistic attitudes” to be scrutinized like sectarian groupings.
    Sir, our country is in this despicable situation because the regime is weakening Eritrean nationalism.
    Only an enemy or a potential enemy is against nationalism of a country.
    We need our kids to be first and foremost Eritreans. What is your problem with that ?

Post a Reply to Hagherawi Cancel Reply