Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተስፋና ካብ ሰራዊትና

ጠመተናን ቆላሕታናን ኣባኻ'ዩ ህዝብናን ስራዊትናን::ሓዊ ክእገድ:መኖም ክስሕን: መኖም ብቑልዒ ክስንብድ:መኒና ክፋውዝ:መኒና መጥፋእቲ ሓዊ ክእዝዝ::መኖም'ዩ ሓቀኛ ንመኖም  ከነቀድም:ኩሎም ሓደ:መኖም ዝያዳ ክንመሚ ግዜኡ ኣይኮነን::(ብኣካልን መንፍስ ሓደ እዮም)::ተስፋና ካብ ጅግና ስራዊትናን ህዝብናን ንብል: ጻውዒትና ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ነቅንዕ 

ጠመተናን ቆላሕታናን ኣባኻ’ዩ ህዝብናን ስራዊትናን::ሓዊ ክእገድ:መኖም ክስሕን: መኖም ብቑልዒ ክስንብድ:መኒና ክፋውዝ:መኒና መጥፋእቲ ሓዊ ክእዝዝ::መኖም’ዩ ሓቀኛ
ንመኖም  ከነቀድም:ኩሎም ሓደ:መኖም ዝያዳ ክንመሚ ግዜኡ ኣይኮነን::(ብኣካልን መንፍስ ሓደ እዮም)::ተስፋና ካብ ጅግና ስራዊትናን ህዝብናን ንብል: ጻውዒትና ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ነቅንዕ  ኣለና:: ምሕጽንታና ድማ: ኤርትራውያን ካብ ሸየጥቲ ፉሩታ ሙኻን ንጠንቀቅ!!

ኢቲ ዝወረሐ መግዛእቲ ዓረብ ኣብ ወደባትና ስንና እንዳ ኣሓርቀምና ከይ ኣክል:እዚ ናይ ሎሚ ቅነ ነጋሪት:መዓስከር ንሰራዊት:ግብጺ ክትስምዕ ንመልቀስ : ነጸላኻ ትቅነታ እሞ ትፈሓስ::ግብጺ ኩሊት መንእሰያትና ወሲዶም ከይ ኣኽሎም ብኩሊቱ ገሮም ክንድብሰካ ኢና ተበሉ:ፈተውቲ ተመሲሎም ክመጹ ኣይፋል ንበሎም::
እስከ ኑቡር ንዛረብ!
ምስ መን ተዘቲዪ ተበልካ ምስ መን ክበሃል ኢዩ::
ፍታው መን?
ንረብሓ መን?ተበልካ!
ምላሹ ዘተ ምስ ዕድመ እምበር ምስ ልቦና ዘይብሉ ምላሽ::ዓሻስ ያኢ ንዒድሚኡ እምበር ንልቦናኡ ዘይመዝን ሙኻኑ ኢዩ::ኣብ ሃገሮም ምንባር ምስ ሰኣኑ መሬት ግብጺ ምስ ኣተው ኩሊቶም ዝሸጡሎም ዜጋታት:ሬሰኦም ንከልቢ መሬቶም ንመዳኸሪ ክሕተት ከሎ መንግስቲ ዝኣክል እነሀልኩም ሃየ ምባል: ድኽመት ኤርትራውይን ብሓፈሻ ኢዩ ዘርኢ::

እምበኣር እዚ ጹሑፍ ብሓፈሻ ነዚን ካልእን ዘተኮረ ክኸውን ኢዩ::ዝምድና ጎሮባብቲ ኣህዛብ:ጸጥታ ዞባና:ፖሎቲካዊ ሕርያና ብመንጽር ረብሓን ክሳራን:ሕዳስን ግንዛበን ስእሊ መርሓናን:ካልእን ብዓቅመይ ክድህስሶ ክፍትን ኢየ::

ሰራዊትና ኣብዚ ኣርእስቲ እንታይ’ዩ  ርእቶኻ ኢልና ክንሓትት ግደታ ኣለና ይመስለኒ::ንምላሽ ክሕግዞ!…
ስራዊት ኤርትራ ምስ ህዝብኻ ወጊን ኢልና ክን ምሕጸን:ሰማእታትናን ሱንኩላናን:ተበጃውነቶም ስለ ባዕዲ ዘይ ኮነ : እቲ ዕላማ ቃልሲ ንናጽነት ኣንጻር ባዕዳውያን ኢዩ ነይሩ::ግራትና ቃዲራ ከይ ኣኽላ: ተመሊሶም ሽንፋእ ክዘርኡዋ ኣይተፍቅደሎም::መሬትና መኽዘን ዓረር ኢማራትን ግብጽን ክትከውን ሰማያትና ብ ባሩድ ወጻእተኛታት ክድወን ኣኸለ በሎም::ሎሚያ እታ መዓልቲ ምድሓን::ኣድሕኖ ነዚ መንእሰይ ስለ መን ክቃለስ :ኣብ መሬት መን! ኣድሑኑዎ ነዚ ህዝቢ ስለምንታይ ብሰንኪ ዓረር ጸላኢ ኣብ ገዝኡ ክህደን: ኣድሑኑዎ ነቲ መሬት : መቃብር ስውኣትና ከይይፈሓር:ኣድሑኑዎ ነዚ ወለዶ ተረጋጊኡ መጻኢኡ ክመርሕ:እንደገና ብዝኸፈአ መልክዑ ኩሊቱ ከይሽየጥ::ስደት 60ታት ክይድገም:: ኢቲ ቀደምስ : ሱዳን ኢትዮጵያን:ሕጂኸ ናብ መን ክስደድ!!

ውግእ ምስ መን? በብሓደ ክንሪኦ ንፈትን::ጎሮበት ሃገረ ሱዳን ብዝያዳ ክጸቅጠላ ደሊየ ኣለኹ::እቲ ኻልእ ናይ ኢትዮጵያ ቡዙሕ ተባሂሉ ስለ ዝኾነ ክደግሞ ኣይደሊን::ብኻሊእ ወገን እዚ ጹሑፈይ ኣብ ከባቢ ዶባት ናይ ስዳን ኮይነ ዘዳለኹዎ ስለዝኾነ::

ሱር ዘለዎ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን:ሎሚ ኣይግድን እንዳ ኮነ ይመጽእ ኣሎ::ሱዳናውያን ኣብ ብሬታዊ ቃልሲና ዓዶም መናሃርያ ሰውራ ዝነበረትን:ንዜጋታትና ክሳብ ሕጂ ኣዕቂባ እትርከብ ሃገር ኢያ::ሽሕ ኡካ ፖሎቲካ ንኩነታት ይጸልዎ ተኾነ ክም መንግስቲ ንዘጋታትካ ዘዕቆበትልካ:ኣብ ግዜ ናጽነት ዝሓገዝትካ:ታሪኻዊ ዝኾነ ዝምድና ኣህዛብ ዘለዋወን ሃገራት :ከምዚ ዓይነት ናይ ዝበላዕካሉ ጻሕሊ ሚስባር ኣካይዳ: ንብልክዕ ጥቅሚ ህዝቡ ዘገድሶ መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ክምህዝ የሕፍር ኢዩ::ኣሙሉ ስለዝኾነ እንታይ ይበሃል::ከም ሃገር ንዲፕሎማሲ:ከም ጎሮበት ንድሕነት :ህዝቢታት ክትሓስብ ዘይምኽኣል ናይ ዘይበሰለ የእምሮ ኣተሓሳስባ ኢዩ::”ዓሻ ኣብ ክንዲ ብየእሙሮኡ ብዕድሚኡ ይጀሃር ከም ዝበሃል” ውልቀመላኺ ዝኣዘዞ ሕጊ ተፈጥሮ ውን ነይ የፍርሶ ዝኾነ መራሒ ዱቦላ ወዲቁና::

ምስዚ ዝተኣሰሰር ዛዕባ: ሓደ ካብ ህግደፍ ዝጥቀመሉ መላ ግንዛበ ዘድሊዮ::ንውሽጣዊ ሽግር መሊሱ ክኸርር እሞ እቲ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ንጽባሕ ዝሓስብ ብዛዕባ ድራር ለይቱ ክጭነቅ መታን ሽግራት  ክወሳስኸሉ ጸኒሑን ኣሎን::ንካብ ደገ ዝመጾ ምዕዝምዛማት ንምግታእ  ን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታት ኣፎም ክዕጹዎም ከም ኦም ዝኣመሰሉ ኣብ ስደት ዝተወደቡን ኣብ ስደት ዝተወልዱ:ብሲሚዒት ዝጋዓዙ ኤርትራዊያን ኣኻኺቡ YPFDJ ብዝብል ሽም መጋጥምቲ ጋንታ ፈጢሩልና::ሑሉፍ ሓሊፊ እዞም ተቃወምቲ ናብ ዶባት ጥራሕ ኣይ ይምጹኡና:ተደሊዮም ዶሞዝ ውን ክንህቦም ኢና ክብል ተዛሪቡ::እዚ ማለት ንኣባላት ደንበ ተቃውሞ YPFDJ ኢዩ ዓቅሙኹም ዘስምዕ ባጫ: ዒራ እንታይ ከይገብሩ ናይ ንዕቀት ዘረባ::ንሕና ተቃወምቲ ከኣ ምስኦም ክን ቖራቖስ ንዑኦም ከነእምን:ንፈሊጡ ዝደቀሰ ነው ኒውካ ነይሰሚዕ ከምዝበሃል:ምስ ዘይ መቃልስቲና ንቃለስ ኣለና::
ቃልስና ንሓድሕድና ኣይኮነን!
ቃልስና ምስ YPFDJ ኣይኮነን!
መቃልስትና ነለሊ የሕዋት::

ውግእሲ ተጀሚሩ እስከ ንበል YPFDJ ዲዮም ዓዲ ኣቲዮም ክከላኸሉ:ወላስ ድራር ለይቲ ዘይብሎም:ዝጠመዩላ:ፍረ ዘርኦም ከይረኣዩ ዕድመ ንእስነቶም ዘብሉዩላ ዘለው እንደገና ክሞቱላ ተፈሪዱዎም ዘሎ መን ዩ ክሞተላ::ምስትውዓል ዝሰኣና ንመስል::ንሕና ተቃወምቲ እዚ ጉዳይ ብጾሎተ ፍትሓት ጥራሕዩ ዝፍታሕ ዝመስለና ውን ካብኦም ብዘይፍለ ምስትውዓል የድልየና ኢዩ:: ንሕና ኣባላት ደንበ ተቃውሞ ቃልስና ኣንፈቱ ዘትሓዝናዮ ኣይንመስልን:: እዚ ከኣ ኢዩ መንዴዓት ኮይኒ ቀኒዕና ከይንኸይድ ገሩና ዘሎ::ንቂድሚት ምኻድ ግዜኡ ሕጂ ኢዩ::ኢዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት :ኣብ ህዝብና ክቱኮስ ተጻዊዱ ዘሎ ነታጊ  ኣባላት ሃንደሳ የድሊዩና ኢዮም::እዚ ከኣ ኩሉ ፈተውቲ ሃገር:ኣባል ደንበተቃዋሚን: ብ ሓፈሻ ውራይና ሙኻኑ ግንዛበ ክሓድረና ኣለዎ::ንምከር::ኢቲ ቀላይ ብግሊ ሓንቢስና ክንወጾ ኮቶ ኣይንኽእልን ኢና::እዚ ዕድል ንህዝብና ንምድሓን ነቲ ዘሎ ፍርሒ ናይ ተዘክር ስእሊ ኣብ ምቅባእ ክንጽዕር ክሕግዘና ኢዩ::ቃልስና ምስ ህግደፍ እምበር ምስ YPFDJ ኣይኮነን::ጠመተና ቁዋማዊት ሃገር ንምንዳፍ ኢዩ::መን የምጸኣያ ብዘይ የግድስ::ከም ኤርትራውያን ንብዓት ሓድሕድ ክንደራረዝ እምበር:ቁስሊ ሓድሕድ ክንሰቃስቅ ኣይ ግባእን::ንጽባሕ እምበር ብትማሊ ኣይንጨነቅ::

እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ወደባትና ንኢማራንመሬትና ንግብጽን:ምፍሕፋሕ ምስ ሱዳን ጫፍ ተረኺቡዎ ተኾነ ገና ዘይተቦቆጸ:ግን ክኣ ብምጅማሩ ጥራሕ ስክፍታታን ስግኣታትን ወጥሪን ኮታ ኩሉ ዓይነት ፍርሒ ኣብ ነፍስወክፍ ዘጋ ኣሎ::እቲ ዝምድና ሱዳንን ታሪኻዊ ምስሉን ንርኣዮ::
ኣብ 60ታት ዝነበረ ዋሕዚ ስደት ናብ ሱዳን ህያው ሰነድ ኢዩ ክመሃረሉ ንዝደሊ ::ብጌጋ ከይ ትርድኡኒ:እዚ ክብለና ዘኽእሎ ከም ኤርትራውያን ክንሓስብ ጸግዒ ሃገርና ክንከውን ደኣ እምበር ንዝኾነት ሃገር ኣብ ልዕሊ ንፈትዋ ሃገርና ኣብሊጽና ክንርኢ ኣይግባእን::ግን ከኣ ጌጋታት ምስ ዝረአ ኣይፋል ክንብል ሞራላዊ ግደታ ኣላና::ከም ጎሮበት መጠን ኣቀዲመ ዝተንከፍኩዎ ውሁብ ኮይኑ: ሱዳን ኣብ ጹንኩር ኡዋን ዜጋታትና ኣዕቂባ:ንቃልስና ድጋፋ ሂባ:ጥራሕ ዘይኮነ: ምስህዝቢ ሱዳን ዝተዋሓሓጥናያ ጸጸር : ህያብ “ዓንጋረብ”ከሰላን ተሰነይን ኢያ::እዚ ድማ ፕረዲዘንት ኒሜሪ ዝበሎ:
ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ወላ ውን ሓንቲ ከኒና ጥራሕ ተሊያትና ንሳ ውን ክንማቀላ  ኢና::ኢዚ ኡኹል መርትዖ ጽቡቅ ጉርብትና ህዝብታ ክልቲአን ሃገራት ኢዩ::

ኣባላት ደንበተቃወምቲ ብሓፈሻ:ሃገራውያን ደለይቲ ፍትሒ :ኣብ ውድባት ዘለኹም ኮነ ብውልቂ ትቃለሱ ዘለኹም ::ናይ ሕልና ጉዙኣት ከም ሙኻንኩም መጠን  እዚ ኩነታት ኮነ እዚ መድረኽ ድርብ ሓላፍነትዩ ዘሰክመኩም ዘሎ::እቲ ቆላሕታኣብ 3 ክድህብ ኣለዎ::እቲ ውራይ ናትና ሙኻኑ ፈሊጥና ክንገብሮ ዝግበኣና ነገር ኩሉና ውድባት ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ መዓልታዊ ምክትታል ከድልየና ኢዩ::ምስ ዘን ጎሮባብቲ መንግስታት ብኣገባብ ክዝተ ኣለዎ::ስክፍታታትናን ዱሉውነትናን ከነረጋግጸሎም ኣለና::ሽሕ ኡካ ውሽጣዊ ኣካይዳኦም :ንዕኦም ዘዐውቶም  ምሳና ክካፈሉ ቡዙሕ ትጽቢት ተዘይ ገበርና:እቲ ዝመጽእ ለውጢ ቀየስቱ ባዕልና ኤርትራውያን ሙኻና ከነብርሀሎም ኣለና::ንጽጥታ ዞባና ክሕግዝ ውን ናትና መስርሕ ክንክተል ኣለና::ኩነታት በሲሉ ኢዩ::
መቅሎብ በለስ ዘድሊዮ ስራሕ ኢዩ ተሪፉ ዘሎ::እዚ ናይ ደገ ጻዕሪ ኮይኑ ብውሽጢ ድማ ብዑቱብ ክተሓዝን ብሓያል ናህሪ ክስጉም መታን ሓያል ጎስጋስን ጻዕርን ክህሉ ይግባእ::ለውጢ ብዝኾነ ይምጻእ ንሕና ስብ ውራይ ሙኻናን እዚ ቃልሲ ዋንነትና ሙኻኑ ክንኣምን ኣለና::ብባዕዳውያን ዝመጽእ ኣይንደልን እንዳበልካ ደብተራ ፈታሒ ሕልሚ ካብ ሙኻን ንበራበር::ሕማቅ ንከይትሓልም ድቃስ ለይቲ ምስኣን ወጊድ ንበሎ::እዚ መበሊየይ ኣብ ባይታ ዝራእኩዎ ተዛዊረ ዝተዓዘብኩዎን ኢዩ::እዚ ተፈሺሊ ሓቀኛ ተቃለስቲ ስለ ዘይረኸበ እምበር ብልክዕ ኩነታት ስለዜይበሰለ ኣይኮነን::
ኢታ ምርጫ ኣብ ኢድና :እታ ከዑሾ ውን ኣብ መዳና ኢያ ዘላ::እታ በሲላ ዘላ በለስ ድራር ጨራሩ ከይትኸውን ሽንካር የድልየና ኣሎ::እዚ ምስ ኣብ ውሽጢ ንዘሎ ውህደት ተተገሩ በዚ ወሊዑዋ ዘሎ ባርዕ ኣብ ገጽና ደኪኑዎ ዘሎ ዕንብረ ጸርጊ ክኾኖ ኢዩ::
ሰራዊትናን ኣባላት ደለይቲ ፍትሒን:ብሓፈሻ ህዝብን ክንገብሮ ዝግበኣና:ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት::ምሕጽንታ ናብ ሰራዊትና ድሕሪ ምልኣኽ:ስክፍታታት ስራዊት ምምላስ::
ኢዚ ስርዓት ተኸይዱ መን’ዩ ክነግስ?
ብኸመይ ከነመሓድራ ሃገርና?
ክይንመቃቀል?
ህዝቢ ከይቃተል?
ጸላኢ ከይጻወተልና? ዝብላ ክንምልስ!
እዚ ስክፍታ ናይ ቡዙሕ ዜጋ ኡኳ ተኾነ:ንጽል ዜማ ሒዝካ ናብ መድረኽ ክትሰጋገር ኣይ ትኽእልን ኢኻ:ምላሽ ስክፍታታትና ክንርኦ ክንፍትን::
መን ክነግስ ንዝብል ሕቶ? ሕጊ ኢዩ መልሱ::
ህግሓኤ ድሕሪ ናጽነት ብ ሓቀኛ ሃገራውያን ኢዩ እቲ ምሕደራ ኪኢሉዎ ::ክስብ 1997 ዝነበረ ጉዕዞ ህያው ምስክሩ ኢዩ::ፕርፎሰራትን ሙሁራትን ኣይነበሮን::ሕጂ ግዳ እንታይ ጸገም ኣለዎ::
ከይንመቃቀል ንዝብል? እቲ ካብ ወለዶታት ዝተወራረስናዮ መሬትና (ሽሉ)ንሓላለይ ኢሉ ዘሕደገና ንሱ ኢዩ እምበር ካልእ ኣይኮነን::መሬት ንደቂ መሬት ኢዩ ዝግባእ::ንጠሳና ዝመቃቀሎ ንሱ ኢዩ: ንሕና ከኣ ኣይ ንመቃቀልን ኢና::
ህዝቢ ከይንቃተል ንዝብል ስክፍታ:ካብዚ ዝኸፍአ ኩነታት ውንዩ ሓሊፉ::እምበሺ ኤርትራውያን ኣብ ሽግር እና ንፋቶ::
እዚ ኢዩ እቲ ሓቂ::ስራዊትና ተውዲብካ:እዚ ካብ ሓንቲ መስርዕ ዘይ ሓልፍ ዕማም ዛዝሞ::ስለጏኖት ካብ ምማት ስለ ህዝቢኻ ተሰራዕ::ኣብነታት ድማ ክትውስድ ትኽእል ኢኻ::
ኳሕን ቦምባን ዘይ ተስምዓ ዕልዋ መንግስቲ ዚንባቤ::ውይ ድማ ናትካ ፍሉይ ዝኾነ ስርሒት ሙህዞ ኣርእያ ነዛ ዓለም:: ክምቲ ብቅያታት ናጽነት ዘምጻእካያን ዘውሓስካያን ብተኣምራት ነቲ ብ ዕንብረ ጣቃ ገሩ ዘሎ ንክንርኢ ከቢዱና ዘሎ ጸርጊ ጋለሃዮ::ሰራዊትና ምስህዝብኻ ውግን
ዝብል ምሕጽንታ ካባና ዘድልየካ ኣይመስለኒን::
ሕጂያ እታ መዓልቲ ምድሓን::ንባዕዳውያን ብሓፈሻ:ሰራዊታት ደምሒትን:ዓረባውያን:ኢማራትን ግብጽን ክብ መሬትና ውጹ ::ንሕና ናይ ወጻኢ ሽግር ክንገዝእን:ኣብ ዕዳጋና ናይ ሽርፊ ባንክታት ውግእ ክንተክል ኣይየድልየናን ኢዩ በሎም::

ኣብ መወዳእታ ውህደትን ኩፉት ዘተን ብዛዕባ እዚ ኩነታት የድልየና ኣሎ::ስንሰለት መተኣሳሰሪ ብ ኩፉት ልቢ ተኾይኑ:ኣርዑት ነቲ ዕርፊ ዘጽንዕ:ነታ ገስጋሲት ማሕረሻ ብጉቡእ ከተድምዕ ግልጽና ንጽፈት ስራሕ ይጥለብ ኣሎ::

ስለዚ እምበኣር ተስፋና ካብ ሰራዊትና ካብ ኮነ:ካብ ደንበ ተቃወምቲ ዝድለ ክፍተን:ሰራዊትና ምስ ህዝብኻ ወግን:ሃገርካ ኣድሕን::

ሓውኹም /  መሓመድ እስማዒል

17 ጥሪ 2018

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • k.tewolde January 19, 2018

    It is a grave situation and it is a timely call,however,with all due respect to the writer, it is the other way around,the EDF is desperately calling for somebody to rescue them from the indefinite quarantine,because they are armed doesn’t mean they gonna use it to free themselves. When they say it is a nation ruled by fear,that includes the armed segment as well,it is a crippling fear that leaves the finger frozen on the trigger.Remember the soldier translator in the movie Private Ryan in the heated firefight on the bridge,even though he can hear his fellow soldier taking the final gasp from a bayonet buried in his chest upstairs,while he was fully armed with a machine gun and a bullet chain wrapped around him,he was overcome by fear to the point he let the German soldier who just killed his buddy stroll by him. Guns alone don’t fire,it takes people to accomplish that goal- AT THE RIGHT TARGET.

    • Tsehaye January 19, 2018

      Don’t you fucking have anything better in your useless and miserable life apart from boring people 24/7 with garbage writings?? Hitler of German would have done you a great favour by sending you to the gas chamber and roasting you there properly. You run away as a chicken (bojbaj hadami) from the real guns and real fires to save your diKala ass and now unashamedly you are supposedly an expert of guns, fires and targets!!! You are just a twisted old jerk who have nothing better to do in the real world. Get lost idiot loser/loner garbage.

      • k.tewolde January 19, 2018

        Calm down cowboy,at least we are complimenting each other instead of firing profanities.like you.Can you imagine from the get go if we had nurtured the culture of praising,encouraging,empowering and looking at the goodness in all of us what today’s Eritrea would have looked like? Your contrite and bitter post cannot lift the depression of the youth nor the demise of our people. Mohammed Ismail thank you for your contribution.Good day.

        • AHMED SALEH !!! January 19, 2018

          k.tewelde
          Your response to avoid negative insulated comment sends a lesson
          for forum participants about good manner and civil approach among each other . As a grown up men we have responsibility to set positive
          example for our young generation .
          Keep it up the good work my brother , CHEERS .

      • Simon G January 19, 2018

        Negative energy is killing you but you have failed to notice. Think positive and you will dissipate much lower power. Besides, it is good for your health. Give it a month and you will see the difference. Ok, Sunny boy?

    • Beyan Negash January 19, 2018

      Dear K.tewolde,

      You raise a compelling counter argument to that of the author’s thesis in that he believes EDF is one element in the equation that would have the chance to stop the path to extinction Eritrea and its people have been marching towards. Now, of course, while your counter argument is in its place, I believe Mohammed Ismail is pinning his hope on EDF, not necessarily for organized and well discipline coup a la Mugabe’s Zimbabwean professional military or the velvet revolution a la Czechoslovakia where students and dissidents rose in mass that eliminated the 41 year rule of iron fist the communist style.

      So, in Eritrea’s case, the hope that the author is pinning on EDF might not necessarily look like the aforementioned examples; rather something uniquely Eritrean that speaks to the wretched situation in which it might just take one brave soul to write the ending of this badly scripted movie we are watching to see its ending. We’re all hoping the ending won’t a messier one and the beginning of the new to be one that shift of the paradigm for a fresh beginning as you aptly asked this:

      “Can you imagine from the get go if we had nurtured the culture of praising,encouraging,empowering and looking at the goodness in all of us what today’s Eritrea would have looked like?”

      Indeed, a boat load of error was made by the clique that is wreaking havoc. Just yesterday I had a phone conversation about this very subject with a young student who arrived in the US recently, and the horrors of incompetency – in educational institution – alone that she conveyed to me vis-a-vis bringing incompetent Indians to teach in Eritrea, ones who bribed their to Eritrea to teach at the university level, was enough to chill my bones. Of course, I can get any PhD diploma in any field from India via mail – heck – there is a factory that produces these diplomas without having the to open any book, one can own credentials for, that’s the nightmare scenario this young woman was conveying to me. And this was a way the regime has systematically tried to see the demise of intellectual culture that Eritrea had maintained through successive occupiers, but its homegrown sons and daughters are doing this eternal damage, which will takes several generations to regain our composure vis-a-vis this particular issue of educational institution. I don’t wanna even start on other components that the damage has ensued unabated for the last 26 years.

      • k.tewolde January 20, 2018

        Beyan you don’t need to go any further,the whole nation is running from being buried from the avalanche of blunders it made in the past,the question is can it outrun it.

  • መ/ድ እስማዒል January 19, 2018

    ኩቡራትን ኩቡራንን የሕዋት.
    ስለቲ ርእቶኹም ብጣዕሚ የመስግን::
    ኤማ ከኣ ሰለቲ ቃልስኻን ተወፋይነትካን ብዘሕ የመስግን::
    የቀንየለይ ክብረት ይሃበለይ::

    • Beyan Negash January 21, 2018

      Selam መ/ድ እስማዒል,

      እቲ ትሕትናኻ ምስቲ በሊሕ ቀለምካ ዝሳነ ኾይኑ ስለ ርኸብኩዎስ ክንደይ ደስ ኢሉኒ:: Keep up the good work. In some time-zones, it is already the 21st of January, and the fourth anniversary of Forto. We ow it to those who wanted the best for Eritrea to remember them and your call to action to Eritrea’s EDF was on target. I will share below the tribute that was on the first anniversary of martyrdom of Weddi Ali.

      By the way, it so happened I used you as one of the unique younger generation Eritrean voices coming to the scene after the October 31st uprising. I attempted to make some connection to such a phenomenon with the area of inquiry I am familiar with: Social Science. Here is what I said at awate forum and wouldn’t hurt to repeat here. PFDJ has perfected the art of discord, of injecting doubts in the air whenever it senses a threat from any pockets of resistance. You know in the world of social sciences in general and their methodological approaches – as in qualitative research – in particular goes through evolutionary epochs, because new way of looking at scholarly world comes to challenge the prevailing methodological inquiry. Particularly, anthropology goes through this, what they term as “the crisis of revolution of representation”. Whenever such opening comes to occupy the scholarly space, the sensory overload is very apparent in the scholars of the field who go on churning epistemologies, theoretical frameworks that jives with the emerging concepts, thoughts, and ideas. want in on …no doubt, it is intellectually engaging.

      In the aftermath of the Akhriya uprising, aka, “crisis of revolution of representation” brought forth “the text to new voices”…one of whose textual voice I am finding mesmerizing is Mohammed Ismail. It so happened, he has written a new article that I implore you and forumers to give him a listen and/or a read to.

      Of course, the flip-side to these emerging voices the social scientist contend creates “erosion of authority”; in our case, it would be no other than the regime at the helm of power … it is being weakened by these episodic crises and the subsequent voices that are emerging. Much as the old-school would have to make room for the new scholarly lens, not so much that it has become irrelevant as a lens but on the account that it served its useful purpose for its time, thus it must make the space for the new lens to have its chance to reign in until another comes along to do away with the new voice. So, goes the cycle. So, the regime’s authority has been eroding, albeit too small and too slow for our taste.

      Any who, these are the kind of new voices we must begin to listen to, because they are one generation at a remove … there is some hope that we may eventually find that intersectionality where generations across the board are coming together to find a way forward from the relentless saga and crises after crises we are being made spectators to. There must come a time where a space could conceivably be opened to the arbiters of peace, prosperity, just that sheer right to exist in this life without having to become casualties of this cruel world that we see our young are being subjected to, day-in-day-out.

      Here is this tribute to Wedi Ali:

      https://www.youtube.com/watch?v=9C9-xUeoyrE

  • Beyan Negash January 19, 2018

    The audio version of the article gives it a complementary purpose. I encourage others to give it a listen:

    https://www.youtube.com/watch?v=UIOpFnpZxsQ

  • Simon G January 20, 2018

    ዝገርም ነገር: ባባ ኢሳያስ ሕጂ ደዊሉለይ ጸኒሑ!
    ============================================================
    Simon G: ደሓን ዲኻ ደኣ ባባ ኢሱ? ትማሊ ደዊልካስ ሎሚ ድማ?
    ባባ ኢሱ: ደሓን ‘የ። ደሓን ከኣ ‘ይኮንኩን
    ኢሂ: ታይ ተረኺቡ? ሱዳን ዲዮም?
    ባባ ኢሱ: ኣታ ሱዳን ‘ዶ ኣይተብዝሕ?
    ባባ ኢሱ: ትፈልጦ ዲኻ ቲ ሓድሽ ጨሓም ምጽሓፍ ጀሚሮ ዘሎ፧ ወዲቲ ከባቢኹም ዩ።
    Simon G: ከባቢ እምባ ሶይራ?
    ባባ ኢሱ: ኣታ ወዲ ረሰዓያንዶ ‘ዛ እምባ ሶይራ። ቅበጻ። ድሕሪ ሕጂ ከምዘይናትካ ቁጸራ። ከባቢ ኦክላንድ ይብለካ ኣለኹ
    Simon G: መን ጨሓም ደኣ ኮይኑ ኣብ ኦክላንድ?
    ባባ ኢሱ: መሓመድ እስማዒል ዶ ዋላ… ኢሉ ክጽሕፍ ጀሚሩ ዘሎ ። ምሽ ኮመንት ትገብር ር ኤካ ሕጂ?
    ባባ ኢሱ: ኣንቢብካዮ ዶ ዝበሎ?

    =========================================================
    ከላ ነዊሑኒ ገዲፈዮ። የግዳስ ካብቶም ካመንት ዝገበሩ፥ ትሕዝቶ ኡ እንታይ ከምዝኾነ ፈሊጠ።
    ባባ ኢሱ: ኣብ ዓዲ ዘለዉ: ካባኹም ‘ዩ ተስፋና ‘ሞ ሃየ ገምጥልዎ ይብሎም ኣሎ 🙂

    ====================================================================
    ባባ ኢሱ: ኪር …………….ኪር…..ሰሓቕ ሞይቱ
    ባባ ኢሱ ክንድዚ ሰሓቕ፧ ዶ ዋላስ ብሉ ለበል ሰሪሓትልካ

    ====================================================================
    ባባ ኢሱ: ሳይሞን: ሳይሞን: ይሓልፈካ ‘ሎ ዘረባ። ኣዋዕ
    ባባ ኢሱ: ካብ ዓዲ ዘለዉ ተስፋ ይገብር ምስ ረኣኹዎ: ቀቢጸዮ። ኣበይ ዘላ ሰብ? ቀቲለየን ‘ኳ ‘የ። ካብ መን ዩ ተስፍ ኡ? ወዲ ኤፍሬም: ዋላ ቻይና? ኣደስኪለይን ‘ኳ ‘የ።
    ባባ ኢሱ: ‘ቶም ቀንዲ ዝረኣዩ ከይትብል ድማ ብደም ንጹሃት የእዳዎም ብደም ጠልቂዩ ‘ዩ።
    ባባ ኢሱ: እሞ ንመን ደኣዩ ዝጽውዕ ዘሎ?
    ባባ ኢሱ: ንዓይ ሓንቲ ዝረበሸትኒ ግን: እዚ ጨሓም ዚ ኣብ ሊስታይ የሎን። ወዲ ካሳ ስርሓ ኣይትገብርን ዘላ መስለኒ
    Simon G.: ኣንታ ኢሱ! ጨሓም ትብል ሲ ኣስላማይ ማለትካ ድዩ?
    ኣንታ ሳይሞን ሓደ ሓደ ግዜስ ትፍዝዝ ኢኻ መስለኒ። ‘ዛ Uber ምዝዋር ካላስ ኣይጠቐመትካን ነቲ Obvious እንታይ ምሕታት ኣድሊዩካ።
    Simon G.: ሕራይ ባባ ኢሱ። ሳልሳይ ዓመት በጺሐ ‘ኳ ኢለካ ኔረ። ረሲዕካዮ ዲኻ? Uber ጥራይ ትብለኒ?
    ባባ ኢሱ: ተማሂርክን ኣበይ ከይትበጽሓ?
    =======================================================================

    Simon G.: BTW, ንወዲ ካሳ ጥራይ ዘይኮነስ: ስምኦን ገብረድንግል: ተስፋልደት: ወዲ ጋይም: ኩለን ስረሐን ጽቡቕ ጌረን ዝሰርሓ ዘለዋ ኣይመስለንን። ዘይትኣስረን?
    ባባ ኢሱ: Don’t worry, መዓልተን ኣለወን። ሕጂ’ንዶ ግዳ ቁምነገር ግበር። መን ምኻኑ ዘይትነግረኒ?
    Simon G.: ዋእ ባባ ኢሱ፥ ኣይጠዓኻን ዲኻ? ንሱ ደኣ ንበዓል ኣልኣዛር: ምክኤል ገረዝጊሀር: ምክኤል ዓምባስ: ወዘተ… ኣለውኻ እምበር ኣነ ደኣ ከመይ ጌረ? ምሳኻ ዘይኮንኩ?
    Simon G.: ባባ ኢሱ ክትኣርጊ ጀሚርኪ ዲኺ?
    ባባ ኢሱ: ዓፋፍ ኢሉስ ግብ ኣየብላን?

    • Bini January 20, 2018

      Wey Gud! nezi kit’TiHinas kindizi tirHitsa, indeed!
      Alternatively, shall we just say “Derho enteHalemetis Tiremire”
      Similarly, “Wedi Embassoyra beggar enteHalemes Tiremire/terefmeref nay poor Akele”.
      I am sure stand-up comedy as a carrier/job would have been a plan B for you if/once you fail to make it in your other comical Uber drivers carrier/job.
      It seems sadly some people’s lives are so empty, they can only find meaning based on their proximity to FAME, regardless of what the fame is used for! It is like the same old blood, being recycled in the same tired veins and arteries.
      Next time why don’t you bloody become like what Asmarinos used to call Isaias “Tesfom” (hope giver) before they adopted the new one “eta Tsililti sebay” (the crazy man).
      Tsilul Simon, next time just write/amuse us about full electricity, full water supply is coming, Airlines are coming to Asmara and also to the rest of Eritrea! We are also changing our gear from reverse to 5th and so on. I do agree with baba Esu about you being a big AFAF though!!

      • Simon G January 20, 2018

        Bini is on Parole, for the 7th time! Welcome back, bini!

        • Bini January 20, 2018

          Poor AFAF, AFARI Simon, your ego so ahead of you, you are a con man, that is for sure! All your garbage in garbage out is as a result of your stinking Akele background affiliation. The mind of your stinking Akele dog is better than yours (mosquitoes) and that’s way you bark always like a typical Akele dog.in order to look better and prettier than your stinking Akele bulldog. Next time make sure you don’t try to punch above your Akele mosquito weight and just stick to your recycled Akle’s AFAF & AFARI bedtime stories.

          • k.tewolde January 20, 2018

            You just took a cheap shot at an entire proud and descent people who make up Eritrea whole(Akeleguzay).How that make you feel?are you roaring like a lion?did you stamp that mosquito under your feet?did it make you feel like you just scored a goal with a scissor kick at Haika’s net? did it fill your regional ego with toxic euphoria?…..Like I said before we are spending too much time tearing down each other and the tyrant keeps weaving our demise uninterrupted. This HGDEF school of thought got to go, it is musty,moldy,it stinks and don’t pass it on to the young like a coat that’s been kept in the chest for years.

          • Simon G January 21, 2018

            Brother k. tewolde,
            People like Binis do not have any Awraja to claim and they NEVER like it when it mentioned. They think they will wage war among us. It never worked before and it will never work for the future. They just never learn. Ignore these Riffraffs!

  • AHMED SALEH !!! January 20, 2018

    Brother Simon
    Do we have to deal again with worthless persons ?
    For a while Assenna forum had a break from some corrupted commentators . I hope they do not last long .

    • Simon G January 20, 2018

      Brother Ahmed,
      I was just thinking that. Is Assenna releasing them, just for fun or these guys were attending the TPLF meeting and took vacation, while they are there?
      Bunch of riffraffs they are.

  • Danilo January 21, 2018

    No wonder who is sneezing on the weekend. those bunch of rifraf’s are like Kangaroo መዓል ፊጭን ጺጽን ከምኡ እዮም።they never address the above topic unless ሑንኩሊቢቶ።

Post a Reply to Beyan Negash Cancel Reply