Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተስፋ ኣፍሪቃ፣ ንዓና ንኤርትራውያን ‘ውን ይብጽሓና እዩ!

እታ ትውልዲ ዓደቦ፣ ቀዳማይ ጸሊም ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኾነት ሃገረ ኬንያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፣ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ብዝገበሮ ወግዓዊ ምብጻሕ፣ ብሃፈጽታ ተስፋ ፉሕፉሕ ክትብል ቀንያ። ወሓለታት ስነጥበበኛታት ዝወቀጡዎ ምስሊ ኦባማ ዝተለጠፎ ማልያታትን ፖስተራትን ኣብ

እታ ትውልዲ ዓደቦ፣ ቀዳማይ ጸሊም ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኾነት ሃገረ ኬንያ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፣ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ብዝገበሮ ወግዓዊ ምብጻሕ፣ ብሃፈጽታ ተስፋ ፉሕፉሕ ክትብል ቀንያ።

ወሓለታት ስነጥበበኛታት ዝወቀጡዎ ምስሊ ኦባማ ዝተለጠፎ ማልያታትን ፖስተራትን ኣብ ጎደናታት ክሸጡ ዝቐነዩ ርሂጸ በላዕ፣ ትርኢትን መልእኽትን ኦባማ ከይሓልፎም ቴለቭዥናት ክውንኑን ከሐድሱን ንዝደለዩ ኬንያውያን ኣሽሓት ቴለቭዥናት ክሸጡሎም ዝቐነዩ ነጋዶ፣ ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፉ ንዝተዓደሙ ኣጋይሽ ዘእንገዱ ኣብያተ መግብን ሆቴላትን፣ ከምቲ ልሙድ ንኽንበብ ጥራይ ዘይኮነ ከም ሰነድ ምብጻሕ ኦባማ ንኽተሓዝ ካብ ህዝቢ ዝተዓጻጸፈ ጠለብ ዝረኸበ ጋዜጣታት ኬንያ ክልተ ሰለስተ ግዜ ዘሕተሙ ጋዜጣታት ‘ታ ሃገር፣ ንኦባማ ናብ ኬንያ ንዝመርሖ ኣምላኽን ኦባማ ንገዛእርእሱን ከምስግኑ ድሕሪ ምቕናይ፣ ሰዓቱ ቀጺሉ ናብ ኢትዮጵያ ብግስ ምስ በለ፣ “ቁሩብ እንተዝቕንየልና” እናበሉ ምድፍናቖም ኣየገርምን።   

ካብዚ ኹሉ ኦባማ ካብታ ሃገር ምስ ምፍናዉ ብኡንብኡ ዝቋረጽ ግዝያዊ ነገራዊ መኽሰብ፣ ፕረዚደንት ኦባማ ኣብ ኬንያ ዝገድፎ ነባሪ ጸጋ ግን፣ እቲ ኣብ ህዝቢ ኬንያ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ልብን ኣእምሮን መንእሰያት ኬንያ ዝሓደጎ ተስፋ እዩ።

እቲ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ኬንያ ዝተፈጸመ ምብጻሕ፣ ኣብ ወግዓዊ ክልታት ከም ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ክልተኣዊ ዝምድናን ዋዕላ ምህዞን ወፍርን ‘ኳ እንተተገልጸ፣ ብፍላይ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ኣብ ናይሮቢ ምስ መንእሰያት ኬንያ ኣብ ሓደ ዓቢ ኣዳራሽ ማእከል ስፖርት ዝገበሮ ርከብ፣ ካብ ወግዓዊ ርክብ ናብ ህዝባዊ ጉዳይ፣ ብፍላይ ከኣ ናብ ናይ መንእሰያት ውራይ እዩ ተቐይሩ።

መቸም ተስፋ ኤርትራ፣ በቲ ብዓልቲ ቤቱ ንፕርዚደንት ኣመሪካ ነበር ሂላሪ ክሊንተን ኤርትራ በጺሓ ዙርያ ዝተኸደነትሉ 1990ታት ቀጺሉ እንተዝጭብጭብ ነይሩ፣ ስጉሚ ኦባማ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ምቐጸለ ‘ሞ፣ መእሰያት ኤርትራ፣ ብኣካል፣ ተኻፈልቲ ናይቲ ጥሉል ተስፋ ምኾኑ ነይሮም። ነገር ሃገርና፣ ክምቲ ጻዕርናን መስዋእትናን ዝግብኦን፣ ልብና ዝተጸበዮን ዘይኮነ፣ እኩያት ጣልማያት ከምዝኣለሙዎ ኣጕሉ ስለዝተረፈ ግን፣ እንሆ ነቲ ኣብ ስግር ኢትዮጵያ ዝቐንየ ተስፋ፣ ብካናለ ሰማየ-ስማይ ናብ ኤርትራ ከነቕንዖ ንፍትን ኣለና። ምኽንያቱ፣ ካብ ዝኾነ መንእሰይ ኣፍሪቃ ንላዕሊ፣ ተስፋ ዝግብኦ፣ እቲ ኣብ ሃገሩ ተስፋ ቆሪጹ፣ ኣብ ዓዲ ስደት ውልቃዊ ተስፋ ከናዲ፣ ብዘይንቡር ቁጽርን መንገድን፣ መስገደላት ሰጊሩ፣ ናብ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ እዩ።

ናብ መልእኽቲ ኦባማ ክንምለስ፣ እታ ብኣቦ ሓብቱ ዝኾነት ኬንያዊት ኡማ ኦባማ፣ ኣብ ማእከል ‘ቶም ኣስታት 5 ሽሕ መንእሰያት ኬንያን ሰበስልጣንን፣ ወከልቲ ሲቪካውያን ማሕበራትን ተረኺባ ናብ መድረኽ ምስ ዓደመቶ፣ እቶም ብሰንኪ ጸጥታዊ ሻቕሎትን ክግበር ዝነበሮ ጥንቃቐን ኣብ ጎደናታት ናይሮቢ ተሰሊፎም “እንቋዕ ደሓን መጻእካ” ክብሉዎ ዕድል ዘይረኸቡ ኬንያውያን ባንዴራታት ኬንያን ኣመሪካ እናውለብለቡ ነቲ ኣዳራሽ ብጣቕዒትን ናይ ሓጎስ ጫውጫውታን ኣጨነቑዎ።   

“ምልላይ ዘየድልዮ ፕረዚደንት እዩ ‘ሞ፣ ሓወይን ወድኹምን ኦባማ እንሆልኩም” ኢላ መድረኽ ዘረከበቶ ፕረዚደንት ኦባማ፣ ስዋሂለን እንግሊዝኛን እናሓዋወሰ ምስ ኬንያ ዘለዎ ናይ ደምን መንፈስን ምትእስሳር ደጊሙ ምስ ኣዘኻኸሮም ከኣ፣ መሊሶም ናብ ጥርዚ ሓጎስ ደይቦም፣ ንሳቶም ‘ውን ከምዝፈትዉዎ ንምግላጽ ኣብ ዘረብኡ ዝርከብ ጋግ ከይሓልፎም ብሃንቀውታ እናተጻናተዉ ደው ኢሎም ናብ ልቦም ኣእተዉዎ። ንሱ ‘ውን ብምቕሉልነት ኣጣጢሖም ኮፍ ክብሉ ብምዕዳም፣ ነቲ ናይ መራሒ ምኽሪ ብናይ ውሉድ ፍቕሪ እናበራረየ ልባዊ መልእኽቱ ቀጸለ።    

ኦባማ፣ ብ 1998፣ ናይ ሕጊ ተማሃራይ ከሎ መሰረቱ ንምድህሳስ ናብ ኬንያ ብዝገበሮ ዑደት እዩ መደረኡ ጀሚሩ። ብዛዕባ ‘ቲ ዘይርጉእ መግዛእታዊ ታሪኽ ኬንያ ብምልዓል ከኣ፣ ኣብሓጎኡ ዘቤታዊ ኣገልጋሊ ናይ መግዛእቲ እንግሊዝ ስድራቤት ከምዝነበረ ብምጥቃስ፣ እቶም ጎይቶቱ፣ ምሉእ ሰብኣይ ክንሱ፣ ብንዕቀት “ኣንታ ወዲ” ኢሎም ይጽውዑዎ ምንባሮም ዘኪሩ። ኣቦኡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማህደረ ትምህርቱ ፈጺሙ ምስ ተመልሰ፣ እቲ ፍልጠቱን ብህጉን ኣብታ ቅድሚ ክልተ ወለዶታት ነጻ ዝወጽአት ሓዳሽ ሃገር ምስ ዝነበረ ክውንነት ክጠዓዓም ብዘይምኽኣሉ ዝሓደሮ ጓሂ ውን ጠቒሱ።

“ኣብዚ እዋን ‘ዚ ሓደ ዕላማን ባህግን ዘለዎ ህንጡይ ኬንያዊ መንእሰይ፣ ከምቲ ናይ ኣብሓጎይ፣ ጊላ ናይ ወጻእተኛ ጎይታ ክኸውን፣ ከምቲ ኣቦይ ዝገበሮ፣ ምእንቲ ጽቡቕ ናይ ትምህርቲ ዕድል ገዝኡ ገዲፉ ናብ ወጻኢ ክስደድ የብሉን” ክብል፣ ኬንያ ኣብዚ እዋን’ዚ ተቐይራ ከምዘላ ገሊጹ። “ዕቑር ዓቕሚ ስለዘለኩም፣ መጻኢኹም ኣብ ሃገርኩም ከተዐንብቡዎ ትኽእሉ ኢኹም” ብምባል ድማ፣ ነጎዳ ጣቕዒቶም ክሳብ ዝሃድእ ተጸበየ።

ይኹን’ምበር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኬንያ፣ ኣብ መንጎ ስግኣትን ተስፋን፣ ኣብ ቃራና መንገዲ ትርከብ ከምዘላ ድሕሪ ምምልካት፣ እዚ ሓድሽ ወለዶ ኬንያውያን ከም ኣቡኡ ከይጕሂ፣ ቀጻልነት ናይቲ ገና ዝጅምር ዘሎ ገስጋስን ምዕባለን ቅኑዕ መኣዝን ሒዙ ክጓዓዝ ኣብ ኢድ መንእሰያት ኬንያ ምህላዉ ብምግንዛብ፣ ከቢድ ሓላፍነት ከምዘለዎም ኣዘኻኺሩዎም።

ነዚ መብጽዓ ‘ዚ ክዉን ንምግባር ስለስተ ኣዕኑድ ከምዘድልኦም ምስናይ ኣብነታቱ ኣብ ዘመሓላለፎ ሕመረት መልእኽቱ ከኣ፣ እቲ ጸቕጢ ደቂ ኣንስትዮን ቅድሚ ብስለት ዝካየድ ናይ ቆልዑ መርዓን ዓሌታዊ ምትፋናንን ፍልልይን ዝኣመሰለ ዓንቃጺ ምዕባለ ዝኾነ ግዚኡ ዘሕለፈ ድሑር ልምድታት ደው ክብል ተማሕጺኑ። ብሕልፊ እቲ ናይ ብልሽውና ካንሰር ብህጹጽ ከብቅዕ ‘ውን ኣተሓሳሲቡ። ቃልሲ ብልሽውና፣ ተሪር ሕግታት ብምንዳፍ ዝውዳእ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ ከኣ፣ ባህሊ ብልሽውና ንምቕያር፣ ናይ መራሕትን ዜጋታትን፣ ናይ መላእ ሃገር ተፈፋይነት ከምዝሓትት ኣገንዚቡ።

ኣብ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮን መሰል ትምህርትን ኣተኵሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ኦባማ፣ “ንደቂ ኣንስትዮ ከም ካልኣይ ዜጋ ምርኣይ ሕማቕ ባህሊ እዩ፣ ንሱ ኸኣ ‘ዩ ንድሕሪት ዝውጥጠኩም ዘሎ፣ ንደቂ ኣንስትዮ ዕድላት ምንፋግ ማለት፣ ፍርቂ ጋንታ ሒዝካ ናብ ሜዳ ኩዕሶ ከምእታው እዩ ዝቑጸር፣ እዚ ድሑር ባህሊ ‘ዚ ኣብ መበል 21 ክፍለዘበን ቦታ ክህልዎ የብሉን” ክብል፣ ደው ከብሉዎ ብትሪ ጸዊዑ።  

ቀንዲ መልእኽቲ ናይቲ ናብ ሓዱሽ ወለዶ ኬንያ ዝቐንዐ መደረ ፕረዚደንት ኦባማ፣ መንእሰያት ኬንያ ድሑር ያታን ባህልን፣ ብልሽው ምሕደራን ብምጻግ፣ ጸገሞን ንምምኽናይ ይኹን ሓገዝ ኣብ ምድላይ ናብ ካልእ ምምዕዳው ገዲፎም ኣብ ኬንያ ንዘሎ ዕድላት፣ መሃዝነቶም ክብ ኣቢሎም ኣብ ሞያ ብምውዓል፣ ሃገሮም ካብ ዓዘቕቲ ድሕረት ከናግፉ ዝመክር እዩ ነይሩ። ኬንያውያን መንእሰያት ‘ውን ኣይሰሓቱዎን። ነቲ ፕረዚደንት ኦባማ ንመጻኢ ወለዶታት ኬንያን ኣፍሪቃን ዘለዎ ጽቡቕ ድሌት ብዘንጸባርቕ ልባዊ ጦብላሕታ ዝሃቦ ናይ 40 ደቒቕ መግለጺ፣ ከም ናይ ኣመሪካ ፕረዚደንት መደረ ዘይኮነ፣ ከም ናይ ቦኽሪ ሓዎም ማዕዳ ልቦም ከፊቶም ‘ዮም ተቐቢሎሞ።

ኤርትራውያን መንእሰያት ከኣ፣ ከም ኩሎም ኣፍሪቃውያን መንእሰያት፣ ነዚ ተበግሶን መንፈስን ዘበራብር ትስፉው መልእኽቲ ናቶም ክገብሩዎ ኣለዎም። እቲ ኣብ ኬንያ ዘሎ ዕድል ኣብ ኤርትራ ዘይህልወሉ ምኽንያት የልቦን። ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ኬንያውያን መንእሰያት፣ ኣፍሪቃውያን መንእሰያት፣ ልክዕ ከምቲ ባራክ ኦባማ ኣብ ኣመሪካ ዝተዓወተሉ ኣብ ሃገሮም ዘይዕወቱሉ ምኽንያት የለን። ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ነዚ ተስፋ ‘ዚ ንውሽጢ ብምስትንፋስ ድርኺት ዘለዎ ጸዓት ፈጢሮም፣ ልክዕ ከምቲ መንእሰይ ክኾኖ ዝግብኦ መንኮርኮር ለውጢ ክኾኑ ብቖራጽነት እንተተላዒሎም፣ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ሃረር ዝበሎ ዝተጠልመ ሓባራዊ ዕላማ ልምዓትን ምዕባለን ክዉን ካብ ምግባር ዝዓግቶም ሓይሊ ከቶ የልቦን።  

ፕረዚደንት ኦባማ ነቲ 40 ደቓይቕ ዝወሰደ መደረኡ ምስ ፈጸመ ‘ውን ኬንያውያን መንእሰያት ኣይጸገቡዎን። ኣእዳዉ ብምጭባጥ ተስፋኦም ክድህስስ ተመጣጢሮም፣ ኣማኢት ኣዴታት ‘ውን ኣብታ ዕለት ንዝተወልዱ ደቀን ኦባማ ብምባል ሰምየናኦም። ንኬንያውያን እቲ ኣብ ባንክ ልቦም ዘቐመጡዎ ተስፋ፣ ንዓና ንኤርትራውያን ከእ ተስፋና ይምለሰልና።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

ክቡራት ትኸታተልቲ ኣሰና፣ እዚ ጸብጻብን መልእኽትን ነቲ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ፣ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቱ ንምቕጻል ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምምርሑ ትማሊ ሰንበት ኣብ ናይሮቢ ናይ ዘስመዖ መደረ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ውሽጢ አርትራ ዝርከብ ህዝብና ብራድዮ ንኽከታተሎ ዘቕረብናዮ መእተዊ እዩ። ነቲ ናይ ፕረዚደንት ኦባማ ክትሰምዑዎ ምስ እትደልዩ ኣብ ታሕቲ ዝርከብ ናይ ዩትዩብ ቪድዮ ብምጥዋቕ ክትከታተሉዎ ትኽእሉ።  

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Dawit kflezghi July 27, 2015

    ዘይቐንእ ኣይወለድ!
    ዘይቀንእ ኣይወለድ ሰናይ ቅናኢ፡
    ቡሩህ ተስፋ ንመጻኣኢ፡ ዓቡይ እንባ መጸግዒ፡

    ጉዑዞ ሂወት ኣብ ቅሳነት መሰል ፍትሒ ኣብ ናጻነ

  • Wedi Keshi July 27, 2015

    A friend in need is a friend indeed. President Obama should be called Tesfu Obama wedi beautiful Africa.
    And poor mother Eritrea needs help from a friend like Tesfu Obama to get rid of the foreign devil Esayas Afechenawi. Please our dear friend Tesfu Obama, do us this favour and we shall never forget you Mr president.

  • Nathinet Hadgu July 27, 2015

    Thank you for posting, there is a lot to learn.

    NH

POST A COMMENT