Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተቐማጦ ዓዲ ጋዕቤን ኣውያተናን ጥርዓናን ሰማዒ ስኢኑ፡ንግፋዕ ኣለና። – መንግስትን መራሕትን ኣብ ዘይብላ ሃገር ኣመሓዳሪ ን/ዞ/ዓዲ ዃላ ኣቶ ተኽለብርሃን ምሕረትኣብ ብዘይ ኣገባብ ካብ ዕለት 10/04/2017 ክሳብ ሕጂ ንልዕሊ ደቂ 80 ዓመት ዝርከብዎም 12 ሰባት ኣሲሩ ይርከብ።

ናብ ራድዮ ኣሰና እዚ ንሰዶ ዘለና ናብ ሓፋሽ ህዝቢ ብዝጥዕመኩም ከተቃልሕዎ ንሰደልኩም ኣለና ፣ሽመይ ንዓኩም ጉዱስ ሓውኩም ካብ ኤርትራ። ተቐማጦ ዓዲ ጋዕቤን ኣውያተናን ጥርዓናን ሰማዒ ስኢኑ፡ንግፋዕ ኣለና። ፍትሒ ተቐቢራ፡ መንግስትን መራሕትን ኣብ ዘይብላ ሃገር ኣመሓዳሪ ን/ዞ/ዓዲ

ናብ ራድዮ ኣሰና እዚ ንሰዶ ዘለና ናብ ሓፋሽ ህዝቢ ብዝጥዕመኩም ከተቃልሕዎ ንሰደልኩም ኣለና ፣ሽመይ ንዓኩም ጉዱስ ሓውኩም ካብ ኤርትራ።

ተቐማጦ ዓዲ ጋዕቤን ኣውያተናን ጥርዓናን ሰማዒ ስኢኑ፡ንግፋዕ ኣለና። ፍትሒ ተቐቢራ፡ መንግስትን መራሕትን ኣብ ዘይብላ ሃገር ኣመሓዳሪ ን/ዞ/ዓዲ ዃላ ኣቶ ተኽለብርሃን ምሕረትኣብ ብዘይ ኣገባብ ካብ ዕለት 10/04/2017 ክሳብ ሕጂ ንልዕሊ ደቂ 80 ዓመት ዝርከብዎም 12 ሰባት ኣሲሩ ይርከብ። ካልኦት ንኸይጠርዑን ንኸይሓቱን ድማ የፈራርሖም። ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ኤፍረም ገብረታትዮስ ወዲ ዓዱን ዘመዱን ናይ ረብሓ መሳርሕቱን ንኣቶ ተኽለብርሃን ስለ ዝኾነ ነቲ ጥርዓን ፈጺሙ ክሰምዖ’ውን ኣይከኣለን። በዚ ዝተገረሙ ነበርቲ ዓዲ ጋዕቤን ናብ ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንክኤል ኣብርሃን ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍ ዑስማን በሊሑን ጥርዓኖም እኳ እንተኣቕረቡ: ገለ ካብቶም ኣባላት ዞባዊ ምምሕዳር ካብዚ ቤት ጽሕፈት ፍታሕ ክትረኽቡ ኣይትጸበዩ ተኺኢልኩም ገለ ወቲፍኩም ተገላገሉ ክብሉ ምኽሮም ለጊሶም። ነቲ ብሓይልን ብጸቕጥን ተጋጊና ኢና ኢሎም ንክፍርሙ ዕዮ ተዋሂብዎ ዘሎ ወዲ ፍርዙን ዝብሃል መራሒ ክ/ሰ 22 እዩ፣ እንተ`ኾነ ነዚ ፈጺምና ኣይንቅበሎን ከይተጋገና  ተጋጊና ኢልና ኣይንፍርምን ኢሎም ጸኒዖም ኣለው ብፍላይ ንመም/ዓንደሚካኤልን ተጋዳላይ ተፈሪ ነጋሽን ንምውዳቕ ዝግበር ዘሎ ጸቕጢ ደረት የብሉን።

ካብዞም ተኣሲሮም ዘለዉ ሱፐቫይዘር ሚ/ት/ን/ዞባ ዓዲ-ዃላን ኣባል ባይቶ ዞባ ደቡብን ዝኾነ መምህር ዓንደሚካኤል ክፍለኣብን ተጋዳላይ ነበር ተፈሪ ነጋሽን ነቲ ኣማሕዳሪ ን/ዞ/ዓዲ ዃላ ነቲ ብጉቦን ብብልሽውናን ተቖማጢዑ ነቶም  ክእለት ናይ ስርቅን ምሕሳውን ዘለዎም ኣባላት ኢሰፓ ዝነበሩ ሓሰውቲ ሓቒፉ ከምዘሎ ኣጸቢቖም ስለ ዝፈልጡ ንምድሃልን ነቲ ዝፈልጥዎ ንኸየውጽኡ ኣፈራሪሑን ድሂሉን ከዳኽሞም ስለ ዝመደበ ዝመሃዞ መሸፈኒ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ እዚ ተጠቃሲ ኣማሓዳሪ ን/ዞ/ዓዲ ዃላ ኣቶ ተኽለብርሃን ምሕረትኣብ፡ ነቲ ኣብቲ ንኡስ ዞባ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነት ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ መሳርቕቱ መብራህቶም በላይ ፣ ሰባት ብምጥፋእን ምሕሳውን ሓደገኛ  ብሰብ ዝተፈንፈነ  ኣብ ዓዲ ጋዕቤን መሬት ከውህቦን ከእትዎን ስለ ዝመደበ ነቲ ብሓባር ኮይኖም ብብላዕን ጉቦን ዝምንጭትዎ ዘለዉ ከደንፍዕ ዝመደቦ ምዃኑ ናይ ክልቲኦም እሙናት ምንጪ ይሕብሩ።

ኣቶ ተኽለብርሃን ነዞም ብዘይ ኣገባብ  ብስልጣኑ ቀይድዎም ዝርከብ መጀመርያ ኣብ መደበር ፖሊስ ዓዲ ዃላ ምስ ኣእተዎም፡ መደበር ፖሊስ ዓዲ ዃላ ድማ ንልዕሊ 24(ዕስራን ኣርባዕተን) ሰዓት ክንሕዞም ኣይንኽእልን ኢሎም፡ ብድሕሪ’ዚ ናብ ካርሸሊ ዓዲ ዃላ ወሲደሞም፡ ንሶም’ውን ዝኾነ ክሲ ክሳብ ዘይብሎም ኣብዚ ክኣትዉ ኣይነፍቅድን ስለ ዝበልዎ ኣብ ዓደልገስ፡ ሓልሓለ ሕጂ ኸኣ ኣብ መትከል ኣቤት ከባቢ ጋሕቴላይ ተኣሲሮም ይርከቡ። ካብዞም እሱራት ዝበዝሑ ምእንቲ ናጽነት ኣብ ማርያም ግብን ካርሸሊ ዓዲ ዃላን ዝተኣሰሩ ሕጂ ድማ ነታ ባዕሎም ዘምጽዋ ናጽነት ከየብዕሉ ተኸልኪሎም ኣብ መዓልቲ ናጽነት ፈቀዶ ቤት ማእሰርቲ ይካላበቱ ኣለዉ።

1.መምህር ዓንደሚካኤል ክፍለኣብ ሱፐቫይዘር ሚንስትሪ ትምህርቲ ን/ዞ/ዓዲ ዃላን ኣባል ባይቶ ዘባ ደቡብን እዩ። ከመኡ ውን  ናጽነት ሃገር ንምውጻእ ኣብ ዝነበረ ቃልሲ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ምንባሩን  ድሕሪ ምብታን ተጋድሎ ሓርነት ድማ ምስ ህ/ግ ካብ 1981 ኣትሒዙ ውፉይ ሓፋሽ ውዱባት ኮይኑ ኣብ ፈቀዶ ቤት ማእሰርቲ ከም ካርሸሊ ዓዲ ኻላን ካልኦትን ብዙሕ ሽግርን መግረፍትን ከም ዘሕለፈ ይንገር። ከምቲ ንናጽነት ንምምጻእ እንዳ ተቃለሰ ከሎ  ብሓሰውቲ ተጠቒሙ ዝእሰርን ዝግረፍን ዝነበረ ሕጂ ድማ ኣመሓዳሪ ን/ዞባ ኣቶ ተኽለብርሃን ዘይገበርክዎ ጌጋታት ናብ ባይቶ ዞባ የሕሊፍካለይ ብዝብል ኣብ ምስሕሓብ ከምዝነበሩ`ሞ  ናቱ ኣምሳያ ሕኒኡ ክፈዲ ብዘይገበሮ  ኣብ ግዜ በዓል ናጽነት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘእሰሮ  እሙናት ምንጭታት ይሕብሩ ። እቲ ብ ኣቦመንበርነት  መምህር ወልደኣብ  ንፎርማ ጥራይ ዝቆመ  ባይቶ ዞባ ደቡብ ጉዳይ ኣባሎም መም/ዓንደሚካኤል ተቢዖም ክሓቱ ዘይክእሉ ንሽም ጥራይ ምኻኑ ተጋሂዱ ። እቲ ዘሕዝን ክኣ ሙሴ ወዱ  ንመም/ዓንደሚካኤል ኮይኑ ተደናጋጺ ህግደፍ  ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ኤርትራ ከስርሖ ዝሸባሸብ ዘሎ ቪላ ንከይጋናደቦ ከምዘጽቀጠ ፈለጥቱ ይሕብሩ።

2.ተፈሪ ነጋሽ ኣብ 1978 ብድሌቱ ናጽነት ሃገር ንምምጻእ ተሰሊፉ ዝተቃለሰን ዘቃለሰን ብደረጃ ሓላፍነት ከም ዘገልገለን፡ድሕሪ ወራራት ወያነ ኣካይዳ መንግስቲ ደስ ስለ ዘይበሎ ብድሌቱ ስቪላዊ ጉዳዩ ይገብር ከም ዝነበረ ይንገር። ከምዚሉ እንዳሃለወ ፣ኣቶ ተኽለብርሃን  ኣመሓዳሪ ን/ዞባ ንዝገብሮ ዓመጻ ኣብቲ ን/ዞባ ዐገብ ስለዝብሎ ይሰሓሓቡ ከምዝነበሩ ይዝረብ።

3.ፈረንሳዊ ክፍለኣብ 78 ዝዕድሚኡ ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት (ጀብሃ) ዝነበረ፡ድሕሪ ጀብሃ’ውን ካብቶም ንናጽነት ሃገር ዓቢ ህርፋን ዝነበሮም ምስ ምሉእ ስድራኡ ኣባል ሓፋሽ ውድባት ህ/ግ ኮይኖም ከም ዝተቓለሱ እዩ ዝንገር።

4.ፍሻለ ነጋሽ ናጽነት ሃገር ንምምጻእ ፣ብሰንኪ ሓፋሽ ውድባት ምንባሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማርያም ግቢ ኣስመራ ናይ ቅድሚት ኣስናኑ ክምርመር  ከሎ ብሰደፍ ብረት ተሃሪሙ ዝተሰብረ  ድሕሪ ናጽነት መንግስቲ ኤርትራ ኣስናኑ እኳ ክትክእሉ ዘይከኣሉ ፣ሕጂ’ውን በዚ ሕሱር ስርዓት ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርቲ በታ ዝሰበረቶ ብረት ይሕሎ ኣሎ።

5.ሃብቶም ፍሰሃጽዮን ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ ኣብ ምድሓን ሃገር ሓደ እግሩ ከም ዝሰንከለን  መንግስቲ ሓንቲ ከይ ገበረ ዝደርበዮ ኮይኑ ድሕሪ ምጥያሱ ከም ኣመሓዳሪ ከባቢ ዓዲ ጋዕቤን  ኮይኑ ዘገልገለ ብትሩን ሓቅነቱን ዝፍለጥ ምስ ኣማሕዳሪ ን/ዞባ ከምዘይሰማምዑ ውን ይንገር።

6.ሓዱሽ ኣበራ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝነበረን ከምዝተጣየሰን እዩ ዝሕበር ።

እዞም ዝስዕቡ ውን ብዝዓቅሞም ነዛ ሃገር ግብኦም ዘበርከቱ እዮም ።

7.ይከኣሎ በየነ

8.ገብረመስቀል እምባየ

9.ቴድሮስ በርሀ

10.ተስፋዝጊ በየነ

11.ተኽሎም ተስፋስላሴ

12.ጋይም ኣብርሃ

ዓወት ንውጽዕ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን !!

ብሕጂ ንዝስዕብ ኣገዳሲ ሓበሬታ ንዝተባህለ ውን ክንሕብረኩም ኢና ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • k.tewolde June 12, 2017

    The plight of our brothers and sisters is getting louder and louder from inside each passing day,the butchers cannot put the lid on it any longer,the picture above depicts the somber mood of the nation impeccably.It is time for us to answer to the deafening plight together and collectively and put an end to it once and for all.We cannot cover our ears and put blanket over our heads anymore.History will judge us.

  • Nahon June 12, 2017

    “ነቲ ብሓይልን ብጸቕጥን ተጋጊና ኢና ኢሎም ንክፍርሙ ዕዮ ተዋሂብዎ ዘሎ ወዲ ፍርዙን ዝብሃል መራሒ ክ/ሰ 22 እዩ፣ ”

    Wedi Furzun (ወዲ ፍርዙን) is a notorious criminal in Higdef underworld.
    Although the writer did not clearly mention what are the accusations leveled against them, if the case is in the hands of a top criminal like Wedi Furzun, the accused are facing a danger that threatens their life.

  • Nahon June 12, 2017

    “ኢሰያስ ንመራሕቲ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዓዲሙ ፍሉይ ናይ ድራር ግብጃ ኣብ ዝገበረሎም እዋን፣ ምስ ጀነራል ፊሊጶስ ካብ ኣዘዝቲ ክፍለ ሰራዊት ኮሎኔል ሓረጎት (ወዲ ፍርዙን) በይኑ ጥራይ ተሳቲፉ ነይሩ። ኮለኔል ሓረጎት ኣውራጃዊ ምክፍፋል ኣትሓሳስብኡ ኣብ ጎደናን ፈቐዶ ውራይን ይዛረብ ምህላዉ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋትና ጠቒስናዮ ነይርና። ስለዚ ክዓቢ ይድለ ከምዘሎ ዝእምቱ ሓበሬታት እናወሰኹ ይኸዱ ኣለዉ። ”

    ጋዜጣዊ መግለጺ ቊ. 23

    ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ።

  • Nahon June 12, 2017

    “ኣብርሃም ዓንዶም፣ ወዲ ሊቀ ዝርከቡዎም ብሪጋደር ጀነራላት ነበር፣ መዓርጎም ናብ ሜጀር ጀነራል ክብ ክብል ከሎ፣ ኮለኔል ወዲ ፍርዙን፣ ኮለኔል ወልደማርያም ኣዛዚ ክፍለሰራዊት 84 ነበር ዝርከቡዎም ካልኦት ድማ ናይ ብሪጋደር ጀነራል ማዕርግ ተዋሂቡዎም። ”

    Assenna news, AUGUST 29, 2014

  • Henock .hagos June 14, 2017

    atum sebat kulakum gura tsray konkum 25 amet halifu kebdi agfihkum ab america Europe klae

  • Amanuel June 15, 2017

    This news tells you all you need to know. The problem is perpetuated because as you can read in the news people like Mussie is PFDJ sympathiser for his own benefits while his dad is fighting for his survival and guess what the people arresting and torturing these victims are their nephews and nieces. GEREB BEHAKLA. If we do not stand against all the injustice it will keep on going. Besides if the regime is surviving by his regional affiliates what is wrong with the other regions and adi’s. Adi quala stand for your brothers. Adi Mongonti stand for Betweded Abraha, remember when he was calling you Adena, where are you now, cowards? Isyas does not even have cousins in Xelot.

POST A COMMENT