Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተቐማጦ ደርባን ደቡብ-ኣፍሪቃ ተበጊሶም!!

ኤርትራውያን ተቓማጦ ደርባን ደቡብ-ኣፍሪቃ ኣብ’ቲ ብ 12ን 20ን 25ን ጥቕምቲ 2013 ዘካየድዎ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ  ምድሓን እጃምና ነበርክት ብዝብል ልዑል ሃገራዊ ስምዒትን ፍናንን ኣኼብኦም ዛዚሞም። ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝብኣሰ ደረጃ በጺሑሉ

ኤርትራውያን ተቓማጦ ደርባን ደቡብ-ኣፍሪቃ ኣብ’ቲ ብ 12ን 20ን 25ን ጥቕምቲ 2013 ዘካየድዎ ህዝባዊ ኣኼባ፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ  ምድሓን እጃምና ነበርክት ብዝብል ልዑል ሃገራዊ ስምዒትን ፍናንን ኣኼብኦም ዛዚሞም።

ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝብኣሰ ደረጃ በጺሑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ህዝቢ ደርባን፡ ንኩነታት ህዝብን ሃገርን ዝኣክል ድሕሪ ምግንዛብ እንሆ ሎሚ ተጠርኒፉ ዝስርሓሉን፡ ርእሲ ንርእሲ ተወሃሂቡ ንምፍትሑ ዝቃለሰሉን መድረኽ በጺሑ።

ጽሟቕ ትሕዝቶ ኣኼባ፡

ዜጋታት ኤርትራ ኣበየ ቦትኡ ጠፊኦም፡ ባሕሪ ጢሒሎም፡ ተኣሲሮም፡ ህዋሶም ተሸይጡ፡ ብሓዊ ነዲዶም፡ ካብ ንስምዕ ዳርጋ ልሙድ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። እዚ እኩብ ስምዒት መሰረት ብምግባር ድማ፡ ንኣኼባ መጀመሪ ሓሳብ ንዝኸውን፡ ንኣኼባኛታት ክፉት ብዝኾነ መገዲ፡ ብኸመይ ክንቃለስን፡ ንዝቃለሱ ውድባት ኣለሊና ድማ ከመይ ጌርና ድርዒ ንኾኖምን ብሓባር ዘትይሉ፥

ርሱን ስምዒት ተሳተፍቲ፡ ዋላ’ኳ ኣባላት ናይ ዝተፈላለየ ፓርትታት እንተኾኑ፡ ንበርጌሳዊ ምንቅስቓስ ዘሎዎም ደገፍን፡ ክቱር ድልየትን ብምግላጽ፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ ህዝቢ መጠን፡ ንበርጌሳዊ ምንቅስቓስ ክሕይለሉ ዝኽእልን፡ ዝለዓለ ኣካል ቃልሲ ኮይኑ ክቕጽለሉ ዝኽእል ባይታን፡ ቅዋምን ብዕምቆት ዘትዮም።

ስርዓት ህግደፍ ንድርዕታት ሓድነትና ከፍርስ ካብ ዝጅምር ሓጺር’ኳ እንተዘይኣቑጸረ ሕጂ ግን ኣብ ተኣፋፊ ደረጃ በጺሕሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ህላወ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣትዩ፡ ዜጋታት ሃገር ብሰንኪ ዘይቅርዑይ ኣካይዳን፡ ምሕደራን ህግደፍ መሰረታዊ መሰል ተነፊግዎም፡ ነቲ ከም ደቂ-ዛግራ ፋሕ ኢሉ ወጽዩ፡ ብወፍረ ነጥሪ ኣብ ስደት ዝተኣከበ’ውን፡ ብኣጉል ስምዒታት ከምዝሕመስ እናገበርካ መኣዝኑ ምስሓትን፡ ካብ ኣበርክቶ ቃልሲ ምእላይን፡ ንድኽመታት ህዝቢ ብምዝማዝ መሰልን ግቡእን ድንገርግር ከምዝብሎ እናገብርካ፡ ብዓጥራስ ውዲት ዕድመ ስልጣንካ ምንዋሕ ዝኣጀንድኡ ብላይ ሽጣራ፡ ሎሚ ግዚኡ ኣኺሉ’ዩ ብምባል ኣኼበኛ ብሓባር እወ ንለውጢ ኣድሚጹ።

ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ንሱ ዝደልዮ፡ ኤርትራዊ ከይእከብን፡ ከይውደብን፡ ብዛዕባ ህዝቡን ሃገሩን ከይ ሓሳብን ከይዛራብን፡  ሓድነትና እናተፍራኸሸ፡ ኣፍረይቲ መንእሰያት ዜጋታት ኣብ ወርቃዊ ዕድሜኦም ኣብ መዓስከራትን ከልበትበትን እንዳሓለፈ፡ ጥርኑፍ ስጉምትን፡ ጥርኑፍ ድምጽን ዘይምግባርና፡ ንሕና እቶም ኣብ ተዛማዲ ሰላምን፡ ናጽነትን ዘለና ኢና፡ኣብ ኣጀንዳ እቲ ስርዓት ኣቲና ጸኒሕና ብዘድመጽ ስምዒት፡ ካብ ሕጂ ንድሓር ንዝተበደለ ህዝብናን፡ ሃገርናን ኣብ ጎድኑ ብምዃን እቲ ዘድሊ ምትሕብባርን፡ ክግበር ዘለዎ ምንቅስቓስን መደባት ድሕሪ ምስራዕ ኣብዘን ዝስዕባ ዕላማን ተልእኾን ማሕበር ኣብ ናይ ሓባር ምርድዳእ በጺሖም።

Durban_4

  1. ንኤርትራውያን ምጥርናፍን፡ ሐድሕድ ተራኾቦም ሓሳባቶም ክለዋወጥሉ ዝኽእሉ መድረኽ ምፍጣርን።
  2. ንዝተፈላለየ ሽግራት ዝተቓልዑ ኤርትራውያን ምሕጋዝ።
  3. ምስ ካልኦት ተመሳሳሊ ዕላማ ዘለዎም ኤርትራውያንን ካልኦት ዞባውያንን ዓለምለኻውያንን ማሕበራት ርክብ

ምምስራት።

  1. ንናይ ኤርትራ ሃገርና ባህልን ልምድን ንምፍላጥን ንምዕቃብን ምስራሕ።
  2. ማሕበር ናይ ህዝብን፡ ብህዝብን፡ ንህዝብን ምኻኑ ብምእማን ንመሰል ዜጋታት ቀዳምነት ሂብካ፡ ዜጋታት ኣብ

ሃገሮምን ኣብ ደገን መሰሎም ዝኽበረሉ ባይታ ንምፍጣር ብዘየወላውልን ዘይማትእን መገዲ ምጽዓር።

  1. ነፍሲ ወከፍ ኣባል ማሕበር ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ዝወርዶ ዘሎ ኣድራዕን፡ ምግፋፍ መሰረታዊ መሰል ደቂ ሰባትን፡ ዘርኢ ናይ ምጽናት ሓደጋን፡ ብሓላፍነት ክሰርሓሉን፡ ብዘይ ቶግላባነት ኣብ ጎኒ ህዝቡ ደው ኢሉ ንምግትኡ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ሓላፍነትካ ምትግባር።

 

ኣብ መወዳእታ

ቀንዲ ራኢናን፡ ዕላማናን፡ ምዕብልትን፡ ብልጽግትን፡ ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ምህናጽ’ዩ።

ስለ’ዚ ፡ብሓደ ክንሰርሕ ምዃናን ቃል ንእቶ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ተግብራዊ ኣበርክቶ ክንገብር ብሓቂ እንተደሊና ምውሳን’ዩ። ውሳነ ወይ፡ምስ’ቲ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝመረጸ ምስላፍ፡ ወይ ምስ’ቲ ናይ ጥፍኣትን ዕንወትን ስርዓት ህግደፍ ምውጋን’ዩ።

ዘለናዮ መድረኽ ንኹሉ ኤርትራዊ’የ ዝብልን፡ ነቲ ኣብ ፖሎቲካ የለኹን ብምባል ካብ ግቡእ ዘንዘልሕጥን፡ ግብእ ምዃኑ ኣሚኑ ዝውስነሉ ስዓት’ዩ።

ማሕበረኮም ኤርትራውያን

ደርባን  ደቡብ-ኣፍሪቃ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT