Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተበግሶ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኢትዮጲያ – ካልኣይ ክፋል

ሕሱም ሰጓጊ ናብ ግልጽ የብጽሕ!! ብርግጽ!! ኣብታ ብኹቡር መስዋእቲ ኣማኢት ኣሽሓት ሰማእታት ዝተገዘምናያ እንፈትዋ ሃገርና ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን እንተ ዝነግስ፡፡ቅዋምን ቅዋማዊ መንግስትን እንተዝትከል፡፡መናእሰያት ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘመናዊ ናይ ግልያነት ስራሕ እንተዘይ ንቑረን፡፡ንውለቀ ዝናን ትምክሕትን

ሕሱም ሰጓጊ ናብ ግልጽ የብጽሕ!! ብርግጽ!! ኣብታ ብኹቡር መስዋእቲ ኣማኢት ኣሽሓት ሰማእታት ዝተገዘምናያ እንፈትዋ ሃገርና ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን እንተ ዝነግስ፡፡ቅዋምን ቅዋማዊ መንግስትን እንተዝትከል፡፡መናእሰያት ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘመናዊ ናይ ግልያነት ስራሕ እንተዘይ ንቑረን፡፡ንውለቀ ዝናን ትምክሕትን ሓደ መላኺ ሕሉፍ በሰላና እንከይሓየ ዕሸላት መናእሰያት ኣብ ዘይኩዉን ኲናት ኣትዮም እንተዘይሃልቁ፡፡ መዓልታዊ ግፋን ጭፍጨፋን እንተዘይ ገጥመና፡፡ብዘይ ክስን ፍርድን ሃለዋትና ንዓመታት ክሳብ ዝጠፍእ ኣብ ማሕዩር ዒራዒሮ ኣደርሳር ኮንተይነራት ማይ ሰርዋ እንተዘይ ንምቋሕ፡፡ከም ኣቕሐ መሸጣ ብኣጽንሓለይ ኣብ ካርሸሊ እንተዘይንበሊ፡፡ ክብሪ ኤርትራውነትና ተመንዚዑ ብሕሱም ምረት ኣስካሕኪሕና ብጅምላ እንተዘይንስደድ፡፡ሂወትና ከነድሕን ምድረበዳ ሰሃራ ሊብያ ተሳጊርና ኣብ ማእከላይ ባሕሪ እንተዘይንጥሕል፡፡ካብ ሞት ክንሃድም ኣብ በረኻታት ግብጺ ሲናይ ብዘስካሕክሕ ትራጀዲ ከብድና ተቐዲዱ ኮላሊትና ብበደዊን ተመንዚዑ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ እንተዘይሽየጥ፡፡ከም ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት ጠዋሪ ዝሰኣኑ ኣረጋውያን ቤተሰብና ሓምሳ ሽሕ ናቐፋ ብግዴታ ክኸፍሉን ክእሰሩን እንተዘይ ፍረዱ ግልጽ ኣይምበልናን፡፡ግልጽ ንኽንብል ንድሕሬና ክንጥምት ዝገበረና ከቢድ ጥልመትን ኣረሜናዊ ጭካነን  ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኢዩ፡፡

ኢሳይያስ ዝመርሖ ብኣጻብዕ ዝቑጸር ምልኪ ውሐዳን ዝኣወጀ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከምቲ ቀዲሙ ዝተባህለ ባዕሉ’ዩ ጸላእቲ ፈጢሩ፡፡ንኣስታት 20 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኤርትራዊ መንእሰይ ነቲ ዘይ ጽወር ግፍዕታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ደም ኩርምቲ ኮይንዎ ስግድግድ እናበሎ ተገዲዱ’ዩ ንውሽጢ  ክውሕጦ ጸኒሑ፡፡ከምቲ ንርጉም ስጋኻስ ድሓን ውዓል እምበር ድሓን ሕደር ኣይትብሎን ኢኻ፡፡ ዝብል ለባም ቢሂል ኣቦታትና፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ዳሕረዋይ ልዕሊ ዓሰርተው ዓመታት ሓንቲ መዓልቲ ውን ትኹን ካብታ ዝወዓሉላ ሩፍ ኢሎም ክሓድሩ ዝተመነየ ኤርትራዊ  ኣይነበረን፡፡ ልኡኻት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዝዝርግሕዎ ዕድመ ስልጣኖም ዘናውሕ ኣጀንዳ ግን ተደናጊርና፡፡ ማንታ ሓሳባት ሒዝና፡፡ ከምቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝብለዎ ዘየደቅሱ ጸላእቲ ኣለዉና፡፡ ኣብ ከበባ ኲናት ኢና ዘለና፡፡ወያነ ምሉእ ወራር ገይሮም ኣብ ዳግማይ ኣርዑት መግዛእቲ ከእትዉና ኢዮም፡፡ወደብ ዓሰብ ክሕዙ እደልዩ ኣለዉ፡፡መንግስቲ ኣመሪካ ይዘርየና ኣሎ፡፡ብዓቢኡ ድማ ኣብ ኢትዮጲያ ኣቲኻ ምቅላስ ከቢድ ሃገራዊ ክድዓት’ዩ እናበልና ነዊሕ ዓመታት በዚ መደናገሪ ኣጀንዳ ህ.ግደ.ፍ. ተታሊልና፡፡ህዝቢ እናበረሰ መሰረትና ተሓግሒጉ እናጠፈአ እቲ ናይ ቀዳምነት ቀዳሚ ውራይና ዘንጊዕና፡፡ ህ.ግ.ደ.ፍ. ነቶም ንናጽነት ኤርትራ ብፍጹም ዘይኣምኑ “ኣሰብ የማን ናት?” ኢሎም ኣፎም መሊኦም ዝዛረቡን ዝጽሕፉን ቅንጅት ግንቦት ሰባት ሓቒፍዎም እናተጓዕዘ  ሓደገኛነቱ ክንዕዘብ ኣይከኣልናን፡፡ብዘይ ፍታውና ኣብ ጫፍ መልሓስና ዝተሰቖርናያ ወያነ ትብል ቃል ንኸይንድምስስ ኣዒንትና እናረኣየ መገዲ ጥፍኣት ረጊጽና፡፡እዚ ነገር ስጋ ኮይኑና ንሓብኦ ይኹን እምበር እቲ ሓቀኛ ስምዒት ውሽጥና ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ክወጻሉ ኣብ ዘይክእል ሸውዓተ መዓሙቕ ጉድጓድ ብዘይ ውዓል ሕደር ክድበ ኢዩ ድሌት ኩልና፡፡ እዚ ክብል እንከለኹ ከምቲ ኣብ ምሩጽ ዘርኢ ክርዳድ ዘይሳኣኖ ብኹርምቲ ውጹዓት ሑጻ ክቑርጥሙ ዝምነዩ መጋበርያ የለዉን ማለተይ ግን ኣይኮነን፡፡

ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ማንታ ሓሳባት ሒዙ ንኸይጓዓዝ ኣየናይ ኢዩ ጸሊም ኣየናይ ኢዩ ጻዕዳ ኣረጋጊጹ ፈሊጥዎ ኣሎ፡፡ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. እምበር ናይ ግዳም ሓይልታት ኣይኮኑን፡፡ ኣብ መላእ ዓለም ተበጋጊሱ ዝጓሃሃር ዘሎ ምንቅስቓሳት መናእሰያት ድማ መርኣያ ጭቡጥ ተግባራቱ ኢዩ፡፡ሓደ ካብዚ ተበግሶታት እዚ፡ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጲያ ኢዩ፡፡ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ተበግሶ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጲያ እንታይ ይመስል ብስፍሕ ዝበለ ኣቕሪበዮ ነይረ እየ፡፡ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስለሰ ብዝተኻየዱ ክልተ ዕዉታት ናይ ዘተን ምርድዳእን መኣዲ ስደተኛታት መናእሰያት ናይ ኣእምሮ ትብዓት ወኒኖም ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ መሪሕ ተረኦም ንኽጻወቱ ዓቢ ድፍኢት ኮይንዎም ኣሎ፡፡ኣብዚ ከምቲ ቀዲመ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ዝገለጽኩዎ ኣብ ኤርትራዊ መንእሰይ ከቢድ ሕማም ኮይኑ ዝጸነሐ፡ምፍልላይን ኣብ ሓደ ናይ ሓባር ሓሳብ ክትርዕም ዘይምኽኣልን ኢዩ፡፡ነዚ ምፍልላይ ስለምንታይ ኣጋጢሙ ኣለሊኻ ኣብ ክንዲ ፈውሲ ምንዳይ ኣንጻሩ ኣባትር ምልዓል ውን እቲ መሊሱ ክሓላልኾ ዝጸነሐ ተወሳኺ ጌጋታትና ኢዩ፡፡ክልቲኡ ኣኼባት ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ግን ነዚ ጉዳይ’ዚ ብንቑሕ ኣእሙሮን ልቦናን’ዩ ሰጊርዎም፡፡ኣብ መጠረሽታ ውን ካብ ምፍልላይ ዘይ ምፍልላይ እቲ እንኮ ከዓውተና ዝኽእል ረቛሒ ምዃኑ ተሳተፍቲ ዝተሰማማዕናሉ ኢዩ፡፡እዚ ክብል ከለኹ ግን ናብዚ ንምብጻሕ ከቢድ መስገደል ተሰጊሩ ኢዩ፡፡ገና ውን ብምርድዳእን ዘተን ክስገሩ ዘለዎም ሓያለይ ዛዕባታት ምህላዎም ክዝንጋዕ ኣይግባእን፡፡

ኣብዚ ኣዝዩ ርሱን ናይ ክትዕን ምርዳእን መድረኽ ክስገሩ ዘይክእሉ ኣዝዮም በዳህቲ ወጽዓታት ብወገን ገለ ብሄራት ኤርትራ ወሪዶም ኢዮም፡፡ብመጀመርያ ዝወረደ ወጽዓ ብሄረ ኩናማ ኮይኑ ሕቶኦም ናብ ጃምላዊ ህልቂት ዝኸደ ጉዳይ ምጽናት ኢዩ፡፡ጉዳይና ግዜ ዘይህብ ናይ ህላወ ሕቶ ኢዩ፡፡ወጽዓና ልዕሊ ዝኾነ ኢዩ፡፡ብምባል ሓያል ክርክር ተላዒሉ ኢዩ፡፡ብተወሳኺ ውን ንሕና ከም ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ማዕረ ክብሪ ኣይረኸብናን፡፡ብእንሰምዖ ቋንቋ ኣይንዳነይን፡፡ኣኼባታት ብዘይ ንሰምዖ ቋንቋ ብትግረኛ ጥራይ ይኸውን ዘማሓድሩና ውን ብተመሳሳሊ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ቋንቋ ኩናማ ብዘይክእሉ ኣካላት ዝተባሕተ ኢዩ…….ወዘተ ዝብሉ ሓሳባት ወሪዶም ኢዮም፡፡ብወገን ብሄረ ዓፋር ውን ተመሳሰልቲ ብሄራዊ ወጽዓታት ተላዒሎም ኢዮም፡፡ህዝቢ ብሄረ ዓፋር ነዚ ከቢድ ናይ ቋሕ ሰም እዋን ብኸመይ ይሰግሮ ኣሎ እዚ ኣኼበኛ ክፈልጦ ይግባእ፡፡ህዝቢ ብሄረ ዓፋር መነባብርኡ ኣብ ባሕርን ምስ ባሕርን ኢዩ፡፡ሕርሻታት ጨው ባዲሙ ዓሳ ገፊፉ ከይሸይጥ ከይነግድ ተኸልኪሉ ኢዩ፡፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ ዓድታቱ ገዲፉ ኣደዳ ስደትን ብርሰትን ኮይኑ ኣሎ፡፡ወጽዓታቱ ድማ ልእሊ ዝኾነ ኢዩ……ወዘተ ዝብሉ ሓሳባት ፈሲሶም ኢዮም፡፡ብወገን ብሄረ ሳሆ ውን ወጽዓና መዳርግቲ የብሉን፡፡እዚ ስርዓት’ዚ ብፉሉይ ከቢድ ጭፍጨፋ ዘውረደ ኣባና ኢዩ፡፡ብነፈርትን ከቢድ ብረትን ኣሃዱ ኮማንዶን ኣዋፊሩ ብርእዮ ደብዲቡናን ብዘስካሕክሕ ቀቲሉናን ኢዩ፡፡እዚ ጉዳይ’ዚ ልዕሊ ዝኾነ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘውረዶ ወጽዓታት ኣብ ኤርትራ ኢዩ፡፡ስለ ዝኾነ ድማ ጉዳይና ምስዚ ስርዓት’ዚ ብሓይሊ ብረት እምበር ብምርድዳእ ዝውዳእ ኣይኮነን ዝብል ዛዕባ ተላዒሉ ኢዩ፡፡እዚ ጉዳይዚ ድቦላ ዝኾኖም፡ገለ ውን ፍሉይ ወጽዓ ኣብ ኤርትራ የለን፡፡ኩልና ውጹዓት ኢና፡፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብሄር ሃይማኖት ኣውራጃ…..ወዘተ ፈላልዩ ዝጭፍጭፍ ዘሎ ኣይኮነን፡፡ኣብ ልዕሊ ተኸተልቲ ሃይማኖት ጅሆባ፡ኣንሳር ሱና፡ ጴንጠ ዝተወስደ ስጉምትታት ድማ ጭቡጥ መግለጺ ባህርያት እቲ ስርዓት ኢዩ፡፡ስለዚ እዚ ስዓት እዚ ኩሉ መሰላት ህዝቢ መንዚዑ ቁጠባውን ፖለቲካውን ስልጣን ገቢቱ ንመላእ ህዝቢ ብማዕረ ዝዕምጽን ዝብትንን ዘሎ ጸላኢ ኩልና ኢዩ፡፡ ዝብሉ ተወለድቲ ብሄረ ትግርኛ ቀጥታ ክሳድ ብምሓዝ ኣብ ከቢድ ክርክርን ምጉትን ተኣትዩ ኢዩ፡፡ካብ ክርክር ሓሊፉ ውን ናብ ዘየድሊ ስምዒታት ዘምራሓሉ ኣጋጣሚታት ውን ነይሩ ኢዩ፡፡

ኮይኑ ግን ዝተላዕሉ ዛዕባታት ተወንዚፎም ካልእ መዓልቲ ንረዳድኣሎም ተባሂሎም ኣይተሓለፉን፡፡ ብዝግባእ ተተንቲኖም ዓሚቕ ምርድዳእ ተገይርሎም ኩሉ ተሳታፊ ብዝተሰማምዓሎም ብምሉእ ዕጋበት  ኢዮም ተደዲሞም፡፡ብቐዳምነት ወጽዓና ከቢድ ኢዩ፡፡ኣብ ዝባና ክንድቅስ ክንትስእ ዝጉዳእ ቁስሊ ኣለና፡፡ነዚ ቁስሊ’ዚ ከነሕዊ ርድኣና ሓግዘና ንዝብለካ፡ ኣካልካ ሓውካ ወጽዕኡ ክትሰምዖን ክትቅበሎን ኢዩ ዘለካ፡፡ቀጺሉ መበገሲ እዚ ከቢድ ወጽዓታት እንታይ’ዩ ክትምርምር ውን ኣለካ፡፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ምልኪ በትረ ስልጣን ዝጨበጠ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ከፋፋሊ ሜላታትን ሽርሕታትን ከም ዝተጠቕመ ውን ምእማን ዘድልዮ ኢዩ፡፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ ኣብ መንጎ ክፍልታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ሓደ ካብቲ ካልእ ጎሊሖም ዝረኣዩ ወጽዓታትን በደላትን ክህልዉ ባህርያዊ ኢዩ፡፡ኮይኑ ግን ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ንሓደ ብሄር፡ሃይማኖት፡ኣውራጃ ጥራይ ዘይኮነ ኤርትራን ኤርትራውነትን ጨሪሱ ክሓክኽን ከብርስን ዝተዓጥቀ ስርዓት ኢዩ፡፡ነዚ ኣዝዩ ከቢድ ዛዕባ ተዛተይቲ መናእሰያት ኣብ ሽረ ብዕምቀት ዘትዮምሉ ኢዮም፡፡ካብ ናይ ከሳስን ተኸሳስን ዝመስል ዓንቃፊ ጸቢብ ኣመለኻኽታ ወጺኦም ንነባሪ ፍታሕ ኣማዕድዮም ኢዮም፡፡ እዚ ወጽዓታት እዚ ክእለይ፡ፍትሕን ዲሞክራስን ዝነገሳ ሃገር ክንውንን፡ማዕርነት ብሄራት ክረጋገጽ፡ሃይማኖታት ካብ ፖለቲካዊ ምትእትታው ነጻ ኮይነን እምነታተን ከኽብራ ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ተሳተፍቲ ክልቲኡ መድረኻት ብምሉእ ድምጺ ኣስሚርናሉ ኢና፡፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ዝሃለወ ይሃልው ብሓባር ኣንጻር ገባቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ሻምልኡ ከልዕል፡፡ እንኮ መፍተሒ ጉዳያትና ንሱ ስለ ዝኾነ፡፡

ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ኣብ ብዙሕ ዓበይትን ንኣሽቱን ኣኼባታት ኮንፈረንሳት ክሳብ ጉባኤ ኣዋሳ ብኣካል ተሳቲፈ እየ፡፡ልዕሊ ዝኾነ ፍሉይ ጦብላሕታን ድሙቕ ጩራታት ዲሞክራስያዊ ለውጥን ዝረኣኹሉ ግን መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሽረ ኢዩ፡፡እቲ ምንታይ ልዕሊ ዝኾነ ትኹረት ሂቡ ብዕምቀት ዝተዛተየሉ ባህርያት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. እንታይ ይመስል፡፡እዚ ገባቲ ስርዓት ካብ መላእ ህዝቢ ተነጺሉ እናሃለወ ኣበየናይ በዓቲ’ዩ ተሓቢኡ ዘሎ፡፡ ኣብ ህዝብን ሃገርን ኣውሪድዎ ዘሎ ከቢድ ሃስያን ዕንወትን ክሳብ ክንደይ’ዩ ኣብ ዝብል መትኒ ሐሳብ ኢዩ ነኺሱ ተዛትዩ፡፡ መናእሰያት ተዛተይቲ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ኣትዮም ጀብሃዶ ሻዕብያ ኣይበሉን፡፡ኣብ ዘይፈልጥዎን ግዚኡ ውን ዘይኮነን ሰልምታት ዝበዝሖ ቀላይ ኣትዮም ክሕንብሱ ኣይተመጣጠሩን፡፡ኣብዚ ናይ ሓሸውየ ቋንቋ ዘይኣተዉን ዘይተጸምዱን ብምንባሮም ውን፡ ብተወሳኪ ምሉእ ብምሉእ ከዐውቶምን ከረዳድኦምን ዝኻኣለ ብልጮኦም ኢዩ ነይሩ፡፡ኣብ መጠረሽታ ድማ እንታይ ይገበር ኣብ ዝብል እዋናዊ ዛዕባ ብነፍሲ ወከፍ ጉጅለ ዝተነጸረ የማን ጸጋም ዘይብል ነጥብታት ቀሪቡ ኢዩ፡፡ኩሉ ዓቕምታትና ተወሃሂዱ ገባቲ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብዝቐልጠፈ ክእለይ ምቅላስ፡፡

ሎሚ እቲ ብሒደት ቁጽሪ ዝተጀመረ ዘተ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ኣማኢት ኣሽሓት መናእሰያት ዓሲሎሞ ኣለዉ፡፡ ካብ ሓደ ነገር ጽቡቕ ክወጽእ እንተሪኢኻ፡ እንተሰሚዕካ ተስፋታትካ ጥርዚ ኢዩ ዝዓርግ፡፡ተስፋ ጉዕዞ ሓድሽ ሓርነት ኤርትራ ድማ ኣብዚ ውልዶ ተበግሶ መናእሰያት ብጭቡጥ ተራእዩ ኣሎ፡፡ኣብ ዝመጽእ ቀረባ መዓልታት ኣማኢት መንእሰያት ስደተኛታት ዝሳተፍዎ ሳልሳይ መድረኽ መኣዲ ዘተ ክቕጽል ኢዩ፡፡እዝን ካልእን እዋናዊ ጉዳያትን ኣብ ዝቕጽል ሳልሳይ ክፋል፡፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ሚኪኤል እምባየ(ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • esak April 5, 2012

    good job michael as always.

POST A COMMENT