Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተበግሶ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ኢትዮጲያ – ቀዳማይ–ክፋል

ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ፈላሚ ጉባኤ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኣዋሳ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ካብ ውሽጢ ኣደራሽ ጉባኤ መልሓስ እቲ ውሕጅ ዝብል ጽሑፍ ኣቕሪበ ነይረ፡፡ብርግጽ ከምቲ ሽዑ ዝበልኩዎ  ጉባኤ ኣዋሳ  መልሓስ ናይዚ ድሒሩ ዝመጽእ ከቢድ ማዕበላዊ ውሕጅ

ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ፈላሚ ጉባኤ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኣዋሳ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ካብ ውሽጢ ኣደራሽ ጉባኤ መልሓስ እቲ ውሕጅ ዝብል ጽሑፍ ኣቕሪበ ነይረ፡፡ብርግጽ ከምቲ ሽዑ ዝበልኩዎ  ጉባኤ ኣዋሳ  መልሓስ ናይዚ ድሒሩ ዝመጽእ ከቢድ ማዕበላዊ ውሕጅ እምበር እቲ ውሕጅ  ብቐንዱ ኣይነበረን ፡፡ ሎሚ ሰርቢ ከቢድ ደበና ንፍጹም ዲሞክራስያዊ ለውጢ ብኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ኣብ ማእከል ኢትዮጲያ ይተኣኻኸብ ኣሎ፡፡ “ይሃምም ኣሎ ይነጉድ ኣሎ ሓረስታይ ዛላ ኣደልድሎ!”ዝብልናይ  ተስፋ ዜማ ብመናአሰያት ስደተኛታት ብዓውታ የቃልሕ ኣሎ፡፡ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ነቲ ዓትዒቱ ሒዝዎም ዝጸነሐ ኣጉል ፍርሕን ፈላላይ ስምዒታትን ስዒሮም፡ ናይ ኣእምሮ ትብዓት ወኒኖም ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ መሪሕ ተረኦም ክጻወቱ እቲ መድረኽ ናትና’ዩ! ከቢድ ሃገራዊ ሓላፍነት ንስከም! ስደት መፍትሒ ኩሉ ሽግራትና ኣይኮነን! ኣብ ጸቢብነት ዝተሰረቱ ሓለኽቲ ፍልልያት ንኹንን! ኩሉ ዓቕምታትና ንድሕነት  ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኢዩ! ክብሉ ዝሓበረ ድምጺ ኣስሚዖም ኣለዉ፡፡ኣብ ክልቲኡ መድረኻት ዘተ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ፡፡እዚ ሰርቢ’ዚ ዝፈጥሮ ከቢድ ማዕበላዊ ውሕጅ ድማ ኢዩ ንምልክን ከቢድ ጭፍጨፋን 20 ዓመታት ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ጸራሪጉ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ዘረጋግጽ፡፡እዚ ክብል እንከለኹ ነቲ ኣብዚ ናይ መጠረሽታ ሰዓታት ብዝሓበረ ድምጺ ብዓውታ ይኣክል ዘቃልሕ ዘሎ ኣብ ዲያስፖራ  ዝነብር ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ንጸጋም ጎስየ ኣይኮንኩን፡፡ ዝገብሮ ዘሎ ኣዝዩ ሓያል ኣበርክቶን ዝድነቕ ናይ ቃልሲ ወንን ኣብ ታሪኽ ጉዕዞ ቃልሰና ዘንተ እለት ዝዝከር ኩቡር ምዕራፍ ኢዩ፡፡ይኹን እምበር እቲ ዝተጠርነፈ ኣዝዩ ገዚፍ ሓይሊ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጲያ ስለ ዘሎን ማእከል ስሕበት ናይ ኩልና  ድማ እዚ ሓይሊ’ዚ ክኸውን ስለ ዝግበኦን እየ፡፡

ክልቲኡ መድረኻት ዘተ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሽረ እንዳ ስላሰ ኣዝዩ ዕዉት፡ ንዝጸንሑ ጸበብቲ ፍልልያት ፈቲሑ ናብ ሓደ ዕላማን ኣረኣእያን ዘስመረን ዘሰጎመን ድልድል ናይ ቃልሲ መሰረት ዘንጸፈን ምንባሩ ብዜና ክግለጽ ጸኒሑ ኢዩ፡፡ ብርግጽ ሎሚ እዚ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ናይ ገዛእ ርእሱ መቃለሲ ባይታ ክፈጥር ዘይ ከኣለ መንእሰይ እጅግኡ ሰብሲቡ ገጽ መሊሱ ኣሎ፡፡መፍትሒ ኩሉ ሽግራትና ስደት ዘይኮነ መብጽዓ ስውኣትና ረጊጹ ውዕለት ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ጠሊሙ ድሌትናን ሃረርታናን ዝኾለፈ ኢሳይያስ ዝመርሖ ጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ምእላይ ኢዩ፡፡ዝበል ጽኑዕ ሓሳብ ብደሚቕ ኣስሚሮምሉ ኣለዉ፡፡ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻኢ ስደትን ዝነብር ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ሰፊሕ መረዳእታን ኣፍልጦን ምእንቲ ከህልዎ ግን፡ ኣብ ክልቲኡ መድረኻት ዘተ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ተሳታፊ ስለ ዝነበርኩ፡ሕጽር ብዝበለ ከፋፊለ ከቕርቦ ክፍትን እየ፡፡

ዘተ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ኣበጋግስኡ ኣቐዲመ ብሰፊሑ ኣቕሪበዮ ነይረ እየ፡፡እዚ ብውፉያት ኤርትራውያን መናእሰያት ተቓለስቲ ዝነቐለ ኣዝዩ ሃናጺ ሓሳብ ኢዩ፡፡ መንግስቲ  ኢትዮጲያ ነዚ ንቑዱስ ዕላማ ዝተበገሰ ሓሳብ ተቐቢሉ ዝፈጠሮ ምቹእ ባይታን ዝገብሮ ዘሎ ቀጻሊ ምድግጋፍን ድማ ብልቢ ክምስገን ይግበኦ፡፡እዚ ንገባቲ ስርዓት ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣዝዩ ዘሻቐለ ንብዙሓት ተወላወልትን ተደናገጽትን ሰብ ፍሉይ ረብሓ እቲ ስርዓት፡ ናብ ወልደፍደፍ ዝመረሐ ተበግሶ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጲያ ኣብ ከመይ ደረጃ በጺሑ ኣሎ? ኣንጺፍዎ ዘሎ ናይ ቃልሲ መሰረት ከመይ ይመስል? ንጹር ራእይ ተበግሶ እዞም መናእሰያት እንታይ ኢዩ?ስለምንታይ ገዚፍ ደገፍን ምትብባዕን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ኤርትራውያን መናእሰያት? ተራ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ በዞም መናእሰያት እዚአቶም በኸመይ ይረአ? ኣብ ፖለቲካውያን ውድባት ዘሎ ኣመለኻኽታ ከመይ ኢዩ? ቅድሚ ምርኣይና ዘተ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ካልኣይ መድረኽ ከመይ ነበረ ብሕጽር ዝበለ እቲ ዝነበረ ርሱን ሃዋህው ከቐድሞ፡፡

እቲ ብኣስታት 160 ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛትት፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዝጀመረ ናይ ዘተን ምርድዳእን መንፈስ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብዝተዓጻጸፈ መገዲ ሰፊሑ፡ ኣብ ኩለን መዓስከራት ስደተኛታትን ኣዲስ ኣበባን ኣወንታዊ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኢዩ፡፡ድሕሪቲ ብጉሉጽነት ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ ዘተ ብወለንታዊ ተበግሶ ውፉያት መናእሰያት ኣብ ኩለን መዓስከራትን ኣዲስ ኣበባን ድልድል መሰረት ዘለወን ግዝያውያን ማሕበራት ተመስሪተን እየን፡፡እዘን ማሕበራት እዚኣተን ድማ ኢየን ካልኣይ ዙርያ ዘተ ኤርትራውያን መናእሰያት ብዝቐልጠፈ ንኽካየድ ሓያል ድፊኢት ዝገበራ፡፡ካልኣይ መድረኽ ዘተ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት፡ምሉእ ብምሉእ ኣብ መዓስከራት ዝነበሩ መንእሰያት ዝተሳተፍዎ ኢዩ ነይሩ፡፡ኣስታት 210 ተሳተፍቲ 29 ካብዚ ቁጽሪ’ዚ ደቂ ኣንስትዮ እየን ነይረን፡፡ካልኣይ መድረኽ ዘተ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት”ኩሉ ዓቕምታትና ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኢዩ!!”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጭረሖ ኢዩ ብርሱን ሃዋህው ተኻይዱ፡፡ ኣብዚ ናይ ዘተን ምርድዳእን መኣዲ ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣቶ ዮውሃንስ ኣስመላሽን ኣምባሳደር ኣድሓኖም ገብረማርያምን ተሳቲፎም ነይሮም ኢዮም፡፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጲያ ሓለፍቲ ክፍሊ ኢምግረሽንን ጉዳይ ስደተኛታትን ውን ኣብዚ ናይ ዘተ መኣዲ ተኻፊሎም ኢዮም፡፡ ተራ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን መንግሰቲ ኢትዮጲያን እንታይ ነይሩ ኣብ ዝቕጽል ብዝርዝር ከቕርቦ እየ፡፡

ካልኣይ መድረኽ ዘተ መናእሰያት ካብቲ ቀዳማይ ዝፈልዮ እተሃለወ ኣብ ተሳተፍቲ ስክፍታ ይኹን ፍርሂ ምሉእ ብምሉእ ዝተቀንጠተሉ ነጻ መድረኽ ብምንባሩ ኢዩ፡፡ቀዳማይ መድረኽ ዘተ መንእሰያት ፈላሚ ብምንባሩ ነጻ ኬንካ ሓሳብካ ምሃብ ብተዛማዲ  ቁጥብነት ነይርዎ ኢዩ፡፡ኣብ ክልቲኡ መድረኻት ዘተ ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተጠረየ ገዚፍ ተመክሮ ግን ኣሎ፡፡ወጽዓታት ሕድሕድካ ብዘይ ስከፍታ  ምውራዱን መፍትሒ ብሓባር ምፍታሽን ኢዩ፡፡ነዊሕ ዓመታት ኤርትራዊ መንእሰይ ብዝወረዶ ከቢድ ኣደራዕን ጥልመትን ነጻጊ ባህሪ እምበር ሰማዒ ወይ ጸዋር ባህርያት ኣየማዕበለን፡፡ኣብዚ ታሪኻዊ ናይ መጠረሽታ ሰዓታት ግን መፍትሒ ኩሉ ሽግራት ኮፍ ኢልካ ምርድዳእን ምልዛብን ምዃኑ ብዝግባእ ፈሊጡን ተገንዚቡን ኣሎ፡፡እቲ ንኽልቲኡ መድረኻት ዘተ ዘዐወተ ቀንዲ ሮቛሒ ውን እዚ ብጉጅለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኮነ ኢልካ ዝተሓከ ኩቡር ናይ ምርድዳእን ምጽውዋርን ባህልና ክምለስ ብምኽኣሉ ኢዩ፡፡ ንነገራት ካብ ስምዒታት ወጺእካ በቲ ሓቀኛ መገዲ ክትሪኦም ምኽኣልን ነባሪ ፍታሕ ክግበረሎም ናይ ሓባር ቃልሲ ክካየድ ምእማንን ኢዩ፡፡ካልኣይ መድረኽ ዘተ መንእሰያት ነዚ ቀዲመ ዘልዓልኩዎ ዛዕባ ብዝግባእ ዘንጸባረቐ ኢዩ ነይሩ፡፡እቲ ምንታይ ከበድቲ ኣብ ጸቢብነት ዝተሰረቱ ንቓልሲ ዘየሰጉሙ ዛዕባታት ምስ ሓያል ሃፈጽትኦም ተላዒሎም ኢዮም፡፡ምንህሃር ስሚዒትካ ዘይ ምቁጽጻር ክስተታት ውን አጋጢሞም ኢዮም፡፡ዜርካ ዜርካ እቲ ፍታሕ ተነሃሂርካ ምኻድ ኣብ ሕድሕደካ ምትፍናን ዘይኮነ ግን ምልዛብን ምርድዳእን ኢዩ፡፡ነዚ መስርሕ’ዚ ተሳጊሩ ኢዩ፡ ክልቲኡ መድረኻት ዘተ ኤርትራውያን መናእሰያት ስደተኛታት ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ምሉእ ዓወት ጨቢጡ ክወጽእ ዝኸኣለ፡፡

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Semhar March 9, 2012

    Eritrea needs a man like IDRIS AWATE to get read the mad dog and his followers!!!!!!!!!!!!!!!

    Shame on us to let the mad dog destroy our land and our people!

    We should implement the advise of the founders of our revolution.

    1) Woldeab W/ Mariam: “God blessed this crown (Eritrea) for us,
    Woe to him who dares touch it.”

    2) Ibrahim Sultan. “ Stand united my dear folks.
    Unite and work together for Eritrea.”

    Death to the mad dog, the tyrant dictator and his followers!

  • M I March 9, 2012

    ካብ ጸባ ዘይተርኽበስ ካብ ማይ ጸባ።

    ሰማይ ዝሃገርካ፡ ኣብ በዓል ኣሚሪካን ኣውሮጳን ኣውስትራልያን ካልኦት ምዕቡላት ሃገራት ምስናይ ኩሉ ዓቕምታቶምን ዕድላቶምን ኢዶምን እግሮምን ኣጣሚሮም ከለዉስ ኣብ ኢትዮጵያ እሞ ድማ ኣብ ትሕቲ ወያነን ብዘይ ገለ ዕድላትን ዓቕምታትን ንዓርሞሽሽ መሪሕ ሰውራ ኤርትራ ምድኻም ሕልሚ’ዩ። ምናልባት ናይቶም ኣብ ብዓል ኣሜሪካ ዝርከቡ ተረፍ መረፍ ተስፋ ቆሪጽካ እንተኾንካ ግን ካብ ስቕ ምባል ምፍታን ስለ ዝሓይሽ . . . .

    ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሕጂ ድማ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ መናእስያት መብዛሕትኦም ኩሉ ግቡኣት ናይ 2% ኣማሊኦም፡ ናብራ ስድርኦም ኣማሓይሾም ገለ’ውን ዓዲ በጺሖም ዝተመልሱ ከም ዘለዉ ድሮ ሰሚዕካ ኣሎኻ።

    • ahmed saleh March 10, 2012

      You look like an old miserable person. Why do not leave the youth alone to
      take care their own business. They have a future at stake, let them preserve
      and guarantee their God given right. Eritrea have gave-up from your alikes,
      but the people always count on them. And I guarantee you, you will be
      surprised just wait tight for now.

      • M I March 10, 2012

        I am already surprised with BISHA GOLD and with the thousand machinery imported to Eritrea which they already started to work. I don’t think you nonsense surprise worth

        • ahmed saleh March 10, 2012

          Following your posting, seems to sum up the sentiment that
          it is HGDF official not ordinary citizen. A naked propoganda
          tool for turning our youth to modern slavery. Gold, Bisha….
          turning the men like rabots that can be placed willfully any
          where disregarding the benefit of their well being. You guys
          have far less dramatic origins with less decency and sadly to say the ones who depend on the directions from higher officials. Your way is no need for democracy, human right
          or freedom. This crucial thinking does not represent or reflect
          the right values of life.
          N.B. : Learn from N.Kuflu life as an example, live and die with integrity.

          • M I March 11, 2012

            Well well well

            I wish I am HGDEF official.

            Don’t you know that all the officials who came to ‘power’ through unimaginable life since 60th and 70th.

            Unlike the westerner leaders (who graduated in a big cities), don’t you know that more than two third of their life spent in serving the land of promise.

            Weak up Ahmed! don’t give anyone such a big name to people who are not sufficient to be called HGDEF.

  • Grum March 9, 2012

    HGDEF AND WEYANE ARE BOTH NONSENSE

  • mussie March 10, 2012

    The puppets of hgdf’s please leave the brave youth of change. Whether you like it or not the core of the coming change are the youth residing in comps of Ethiopia.

    • M I March 11, 2012

      “truf dhri degim”

      anta seb do yelenyu?

  • samrawit March 10, 2012

    m I leave alone the youth, give your advice{propaganda} to your friends{metakaeti} ,, lomi hizbi eritrea teberabiru iyu beal bishaaaaaaaaaaa,,haaahaaaaaaaaaaaaaahahaaaaaaaa,pfdj is up dated mr. m I

    • M I March 11, 2012

      Samrawitey,

      nsKhi dea lomi teberabirki keytkhoni ember hizbi Eritrea dea bQehdemu nQuH endyu.
      mnalbat tgraweyti entekhoynki gn HaqKhi keytfelTi tkh’eli iKhi

  • HAKI YTAKEB March 11, 2012

    YOUTH? AYENOT YOUTH EKOM HALOW TIBLU ZELEKUM?ATOM KENDI YOUTH ANTE KOYNOM NHAGEROM YSERHULAN YDEKMULAN AB WISHTI HAGEROM KOINOM.ANTE ATOM AGELGELI MIARABAWI KIKONU ZITMNEYU NETI ZITETEKBELOM DEMOCRACIOM NAB HAGERNA KEATUWLA NI FAH CHINGRAH ZITEBEGSU ANTEKOYNOM BAJAKUM AYTDKEMU HILNAKUM AYTEARBU ABZEYKOWN NEGER.BAGIRGR MGBAR ZIJIMRU ZELEWU EYOM. BIAWANU ZINEQOWE ZIBEIS AYEHDEREN ZIBAHAL MSLA ALO.SLEZI FETAWI SELAM,DEMOCRACY, RAHWA,FTHI,AFKERTAN HALEYTAN AB HAGEROM KOYNOM YSERHUN YDEKMUN ALEWU.MEN EYOM ATOM KALIA ZIYADA TEHALEQTN TEMAGOTN KIKONLA ZIFTNU.ABEY ALEKA ZEYBLUWOS ABZI ALEKU BELE YBAHAL.GDEFWOM ATI YOUTH ANTOKONE AB HAGERU TEHABINU NHIZBU ZEHEBN ZELO EU,QURUB HUMUMAT GEDIGKA.

  • ali bibi March 12, 2012

    ኣንቱም ሰባት ንጽለል ድኣ ከይንህሉ፡፡ መናእሰያት በሰነምኪ ግዕዙይ ምሕደራ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዓቕሎም ጸቢብዎም ከምልጡ ኣብ ሲናይ ኮላሊቶም እነዳተሸጠ ቢሻ ዶ ቃንጥሻ እንታዩ ቁንቁኝኡ፡፡ ንብስኻ ካብ ጥቓ ሞት ኣርሒቕካ ብሂወት ካልኦት መጥላዕ ዘይንገድፎ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለና ፍትሒ ንጽበ ኣለና፡፡ ክሳድና ተረጊጹ በኣፈሙዝ እናተሓለና ብኣና ምውርዛይ እንታዩ እቲ ሓጥያትና፡፡ ኢሳያስ ሕሉፍ ሓሊፍዎ ፍጹም ምእማና ስለ ዝሳኣነ ዶ ኣይኮነን ብተቓወምቲ ኢትዮጲያ ደምሒት ዘሓልወና ዘሎ ፡፡ 14 ዓመታት ዘተዓጽወ ወደባትና ኣታዊታቱ ረሲዕና ቢሻ ምባል ኣጀንዳ እቲ መበቆሉ ዘይ ኤርትራዊ ኢሳያስ ኢዩ፡፡
    መሰለይዩ ካብ ኣስመራ

POST A COMMENT