Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተክልዝጊ ዑቁባልደት – ከይትስተር መሊስካ ትግተር

         ክንደይ ግዜ ተገሪምና ስቅ ክንብል እሞ ንፈልጦን ንከታተሎን ዝነበርና ጉዳይ ካብ ሚላኖ ፖርታ ቨነዝያ ትዕዝብትና ከነካፍለኩም፣፣ መጀመርታ ወድዑቅባልደት ሉና ፎን ዝሰንተር ክትከፍት ከለኻ ዝነበረ ኩነታት ከዘኻኽረካ ፣ እቲ ዝገረመኒ ነቶም ዝአኽለካ

         ክንደይ ግዜ ተገሪምና ስቅ ክንብል እሞ ንፈልጦን ንከታተሎን ዝነበርና ጉዳይ ካብ ሚላኖ ፖርታ ቨነዝያ ትዕዝብትና ከነካፍለኩም፣፣ መጀመርታ ወድዑቅባልደት ሉና ፎን ዝሰንተር ክትከፍት ከለኻ ዝነበረ ኩነታት ከዘኻኽረካ ፣ እቲ ዝገረመኒ ነቶም ዝአኽለካ ገንዘብ ሂቦም ክትብገስ ዝገበሩኻ ፓድረ ማሪናዮ ሎሚ ብሂወት እኳ እንተዘይሃለዉ ከተመስግኖም ምተገባአካ፣፣ ግን ህግደፍ ከተመስግን ስለ ዘይፍቀዶ ገንዘብ ዝሓገዘካ ዮሴፍ ወልዱ ምዃኑ ምግላጽካ እቲ እተገልግሎ ዘለኻ ጠላም ስርዓት ን ፓድረ ማሪናዮ ክተመስግን ዝፈቅደልካ አይኮነን፣፣ እምበር ዮስየፍ ተወልደስ ብዕዳ ተዋሒጡ ዝነብር ምዃኑ ኩሉ ነባሪ ሚላኖ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፣፣
           እስከ ናብቲ ቀንዲ ተክለዝጊ ዑቅባልደት መን እዩ ንመለስ ፣፣ መንነቱ ዓሌቱ ዘይኮነ ክጻረ ዘለዎ ህግደፋውነቱ እዩ፣፣ እሞ ወድዑቅባልደት መን እዩ ዘይኮነ እቶም ከም ተቃዋሚ ክርእይዎ ዝጸንሑ መሳኪን ተቃወምቲ እዮም ዘሕዝኑኒ፣፣ ወዲ ዑቅባልደት አመጻጽእኡ ከምቲ አሰና ዝገለጾ ኮይኑ አብ ሚላኖ ነቲ ብልብያ ዝመጽእ ዝነበረ መንእሰይ ክኸስቦ እንተኾይኑ ተቃዋማይ ክብል ከፊትዎ ዝነበረ ትካል ተለፎን ሰንተር የገድዶ እዩ ፣፣ ግን ንብግቡእ ዝከታተል ወይ ዝቃወም ንተቃዋማይ ዘብቅዖ ምንቅስቃስ ይኹን ተሳትፎ አይነበሮን፣፣ የግዳስ ካብቲ ቀንዲ ተቀዳዲሙ ዝገብሮ ንጥፈታት ዝኾነ ሰብ እንተሞይቱ ናይ ሓገዝ ደብተር ከፊቱ ንዝመጸ ዓሚል 10-20 ኤውሮ ከዋጽእ ይገብር ስለ ዝነበረ ከም ገባሪ ሰናይ የምስሎ ኔሩ፣፣ ድሕሪ ግዜ ግን  ነቲ ገንዘብ ብግቡእ አየረክቦን እዩ ዝብል ሕሽኹሹኽ ምስተላዕለ ንወዲ ዑቅባልደት ዝኸፍል ሰብ እንዳጠፍኤ ከይዱ፣፣
           ዳሓር ዝጀመሮ ስራሕ እንተኔሩ ምስቲ ተለፎን ሰንተር ገንዘብ ንዓዲ ምሕዋል እዩ ኔሩ ፣፣ እቲ ዝገርም አስመራ ዝነበረ መሳርሕቱ አባል ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ስለያ ወጻኢ አኽሊሉ ዝተባህለ ነጋዳይ ክኸውን ከሎ እዚ ነጋዳይን አባል ስለያ ሃገራዊ ድሕነትን ዝኾነ ዜጋ ሃገራዊ አገልግሎት ኮይኑ አብ አስመራ አንፊት ማለት ብጥዕና አስመራ ከም ዝተመደበ ብዝብል ጉልባብ ዝንቀሳቀስ ኮይኑ እንተዋሓደ 1ግዜ አብ ወርሒ ንኤውሮጳ ዝመላለስ ዜጋ እዩ፣፣ አኽሊሉ ነቲ ገንዘብ ሓዋላ ተቀቢሉ ንጀርመንን ሽወደንን ዓሚሙ ብዱባይ ናብ አስመራ ይምለስ፣፣ አኽሊሉ ሚላኖ መጽዩ እንዳ ተኽልዝጊ ዑቅባልደት እንዳ ተለፎን ኮይኑ ሕማቅ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ምዝራብ እቲ ቀንዲ መለለይኡ ኮይኑ እቲ አብ መረረ ዘሎ መንእሰይ ከአ ከማርር ምረቱ ዝሰምዖ እንተረኺቡ ምስመን ብዘየገድስ ምረቱ ይገልጽ ፣፣
             ወዲ ዑቅባልደት ሕጂ እዩ ካብ አስመራ መጽዩ እንዳበለ ነቲ መረረ ከም መረጋገጺ ይጥቀመሉ ፣፣ አብቲ ገዛ ምሉእ ማዓልቲ ራድዮ አሰና ራድዮ ወጋሕታ እንዳወለዐ ተቃዋማይ ንምምሳል ዝጥቀመሉ ቀንዲ መእመኒ እዩ ኔሩ፣፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ ግን እቶም አክቲቭ ተቃወምቲ ወዲ ዑቅባልደት ተቃዋማይ ከምዘይኮነ ነቲ ዝቃወም ይሕብሩ እኳ እንተነበሩ ነቲ ብቤላ ቤለው ዝነብር ህዝቢ ግን ከታልሎ ጸገም አይነበሮን ፣፣ ተቃዋማይ ንምምሳል ብዙሕ ምምስሳል ይገብር እዃ እንተነበረ ምስ አባላት ቆንስል ሚላኖ አብ አፍሪቃ ሪስቶራንተ ንግሆ ቅድሚ ዱኳን ምኽፋቱ ባሓንሳብ ይቆርሱ ገለ ዝፈልጦ ሰብ እንተመጽዩ ብቀጥታ ዘልዕላ ዕላል ህግደፍ ዓዲ ሕማቅ አላ ትማሊ ሓደ ዓርከይ ነጋዳይ መጽዩ የዕሊሉኑ እንዳበለ መመሳሰሉ ጉልባቡ ይሰርሕ፣፣ 1ግዚ አብ ሶሙን ምስ ቆንስል ሚላኖ ርእሶም አብ ከባቢ ፕያሳ ለውረቶ ዘለዋ ባራት ሓበሻ ዘይአትወን ን2-3 ሳዓት የዕልሉ፣፣
እቲ ዝገርም ንገለ መንእሰያት ጸገም ፓስፖርት የዕልልዎ እሞ ምስ ርእሶም ከራኽበካ ምስኪን እዩ ገለ ናይ ሻሂ ትብሎ እንዳበለ ንብዙሓት መንእሰያት ፓስፖርት ኤርትራ ክሕዙ ጌርዎም እዩ፣፣ ግን እቶም ዝጸበቦም መንእሰያት መጀመርታ ብዘይ 2% ፓስፖርት ይሕዙ ድሕሪ ግዜ አብ ኢመግረሽን ሚላኖ ነቲ መንበሪ ፋቃዶም ብናይ ኤርትራ ፓስፖርት ምስተመዝገበ ከሕድሱ ምስተመልሱ ካብ ድራር ተጋዳላይ ክሳብ ናይ ደርቂን ፣ካብ ዝስደዱ ዝገበርዎ ዓመት ተቆጺሩ ሰሚዖሞ ዘይፈልጡ ገንዘብ ይሕተቱ፣፣ እታ ናይ ወዲ ዑቅባልደት ምትሕብባር ከአ ድርብ ዕዳ ኮይና ሓዲገመዲግ ዝኾኑ መንእሰያት ባዕላቶም ክምስክሩ ምዃኖም ርግጸኛ እየ፣፣
            ተኽልዝጊ ዑቅባልደት እቶም መንእሰያት ክጥርጥርዎ ዝገበረት ናይ መወዳእታ ስርሒቱ ኸአ፣፣አብ 2011 ሓንቲ ፋብሪካ 500 ሰብ ደልያ ብምባል ናይብዙሓት ፎቶኮፒ መንበሪ ፍቃድ ክእክብ ድሕሪ ምቅናይ እቶም መንእሰያት ቻይናውያን ቀዲሞምና ዝብል መልሲ ምስሃቦም ንምዃኑ በል አርእየና ኮፒ ዶኩመንትና ወሲድካ ከምዚ ክትብለና ብምባል ክሳብ ክሃርምዎ ተደናዲኖም ኔሮም ግን ዘለዎም ሂወትን ለመጭ መልሓስ ወዲ ዑቅባልደት ናብ ግርጭት አየብጽሖምን፣፣ እቲ ዝእክቦ ዝነበረ ኮፒ ምስ  ይሴፍ (ጁሰፒና) ንሱ ውን ብወገኑ አብ ቪያ ሞሊዘ ዝባሃል እንዳተለፎን ስለ ዝነበሮ  ንሱ ውን ብወገኑ ብዙሕ ኮፒ አኪቡ ነቲ መንእሰይ ኮፒ ከረክቡ አስታት 3 መዓልቲ አብ ሪጋ ክውዕል ጌሮሞ፣፣
               አብ መወዳእታ ነቲ ዶኩመንት ንቆንስል አረኪቦም እቲ ቆንስል ከአ ናብ ኢመግረሽን ብምውሳድ ምስ መንግስቶም ጸገም ከምዘይብሎምን ፓስፖርት ክንህቦም ዝሓተቱ እዮም ብምባል መንበሪ ፍቃድ እኳ እንተለዎም መገሺ ፓስፖርት ግን ካብ መንግስትኹም አምጽኡ ክባሃሉ አብ ምግባር ዝተጻወቶ ተራ አብ ዝመጽእ ግዜ ባዕላቶም ክዛረብሉ ምዃኖም 100% እየ፣፣
              እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ እስከ ንወዲ ዑቁባልደት ተቃዋማይ እንተኾይኑ እዞምዝስዕቡ ግንዖታት ህግደፍ ንመልከት፣፣
 1ይ   ወዲ ዑቅባልደት ተቃዋማይ እንተኾይኑ ከመይ ጌሩ ብፓስፖርት ኤርትራ ይነብር ኔሩ ንሱ መጀመርታ ብሕክምና 2ይ ብ ቱሪስት ተመሊሱ አብ ሚላኖ ፖለቲካዊ ዑቅባ ከይሓተተ ብፓስፖርት ኤርትራ እዩ ዝነበር ኔሩ እሞ ተቃዋማይ        የምስሎዶ
2ይ ሰበይቱ እታ ድሕሪ ንጽነት ዝተመርዓ አብ 40ታት ዕድመ ኮይና ምስ 2 ደቃ ወዲ 9ን12 ካብ አስመራ ብነፋሪት ሚላኖ
  ክትአቱ አየነይቲ ሰይቲ ተቃዋማይ ክትበርር ርኢና ተቃዋማይስ ይትረፍ ንዝኾነ 2% ዝኸፈለ ውን ከምኡ ዓይነት ግንዖ የሎን እሞ ተቃዋማይ የምስሎ ዶ
3ይ  መንግስተሰማይ የዋርሳ አብ ስዊዝ ምስ ዓረፈት ብዘይ ገለ ጸገም አስመራ ክትቅበር ከላ አየናይ ተቃዋማይ ዓዱ ክቅበር ርኢና እሞ እዚ
                                          ተቃዋማይ የምስሎዶ ፣
      እዚኦምሰብን እዝግን ዝርእዮም ኮይኖም ተወሳኺ ትዕዝተይ አነን ካልኦት ከምዝኸማይን ነዚ መልሲ ምስጸሓፍካ የራኽበና፣፣ ግን ተሰቲርካ ስቅ ምባል ይሕሸካ እምበር እንተቀጺልካስ ገና ብዙሕ ጉድካ ብድሕሪት አሎ፣፣
                                                                                             ደፋእ ድንኩል ካብ ሚላኖ ኢታ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • yacob April 30, 2016

    ዋሃቢ ርእይቶ ኩላትና ነበርቲ ሚላኖ እንድና ርይቶካ ተመልስካ ንበቦ።ብዛዕባ ውዲ ዑቕባልደት ሰላይ ድዩ ኣይኮነን ንግዘ ንግደፎ ኣብ መልስካ ግን ኣስማት ሰባት ተጋግካ ኣለካ።

  • nati April 30, 2016

    Justice seekers, be vigilant. pfdj knows how to infiltrate us. It is well known for doing that. By the way we have every right of defending ourselves and protecting our institutions. Well done brother for exposing this fox of a spy. Justice seekers need to have an intelligence agency for counter intelligence purposes. We better put the necessary structures in place.

Post a Reply to nati Cancel Reply