Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተክልዝጊ ዑቁባልደት – ከይትስተር መሊስካ ትግተር

         ክንደይ ግዜ ተገሪምና ስቅ ክንብል እሞ ንፈልጦን ንከታተሎን ዝነበርና ጉዳይ ካብ ሚላኖ ፖርታ ቨነዝያ ትዕዝብትና ከነካፍለኩም፣፣ መጀመርታ ወድዑቅባልደት ሉና ፎን ዝሰንተር ክትከፍት ከለኻ ዝነበረ ኩነታት ከዘኻኽረካ ፣ እቲ ዝገረመኒ ነቶም ዝአኽለካ

         ክንደይ ግዜ ተገሪምና ስቅ ክንብል እሞ ንፈልጦን ንከታተሎን ዝነበርና ጉዳይ ካብ ሚላኖ ፖርታ ቨነዝያ ትዕዝብትና ከነካፍለኩም፣፣ መጀመርታ ወድዑቅባልደት ሉና ፎን ዝሰንተር ክትከፍት ከለኻ ዝነበረ ኩነታት ከዘኻኽረካ ፣ እቲ ዝገረመኒ ነቶም ዝአኽለካ ገንዘብ ሂቦም ክትብገስ ዝገበሩኻ ፓድረ ማሪናዮ ሎሚ ብሂወት እኳ እንተዘይሃለዉ ከተመስግኖም ምተገባአካ፣፣ ግን ህግደፍ ከተመስግን ስለ ዘይፍቀዶ ገንዘብ ዝሓገዘካ ዮሴፍ ወልዱ ምዃኑ ምግላጽካ እቲ እተገልግሎ ዘለኻ ጠላም ስርዓት ን ፓድረ ማሪናዮ ክተመስግን ዝፈቅደልካ አይኮነን፣፣ እምበር ዮስየፍ ተወልደስ ብዕዳ ተዋሒጡ ዝነብር ምዃኑ ኩሉ ነባሪ ሚላኖ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፣፣
           እስከ ናብቲ ቀንዲ ተክለዝጊ ዑቅባልደት መን እዩ ንመለስ ፣፣ መንነቱ ዓሌቱ ዘይኮነ ክጻረ ዘለዎ ህግደፋውነቱ እዩ፣፣ እሞ ወድዑቅባልደት መን እዩ ዘይኮነ እቶም ከም ተቃዋሚ ክርእይዎ ዝጸንሑ መሳኪን ተቃወምቲ እዮም ዘሕዝኑኒ፣፣ ወዲ ዑቅባልደት አመጻጽእኡ ከምቲ አሰና ዝገለጾ ኮይኑ አብ ሚላኖ ነቲ ብልብያ ዝመጽእ ዝነበረ መንእሰይ ክኸስቦ እንተኾይኑ ተቃዋማይ ክብል ከፊትዎ ዝነበረ ትካል ተለፎን ሰንተር የገድዶ እዩ ፣፣ ግን ንብግቡእ ዝከታተል ወይ ዝቃወም ንተቃዋማይ ዘብቅዖ ምንቅስቃስ ይኹን ተሳትፎ አይነበሮን፣፣ የግዳስ ካብቲ ቀንዲ ተቀዳዲሙ ዝገብሮ ንጥፈታት ዝኾነ ሰብ እንተሞይቱ ናይ ሓገዝ ደብተር ከፊቱ ንዝመጸ ዓሚል 10-20 ኤውሮ ከዋጽእ ይገብር ስለ ዝነበረ ከም ገባሪ ሰናይ የምስሎ ኔሩ፣፣ ድሕሪ ግዜ ግን  ነቲ ገንዘብ ብግቡእ አየረክቦን እዩ ዝብል ሕሽኹሹኽ ምስተላዕለ ንወዲ ዑቅባልደት ዝኸፍል ሰብ እንዳጠፍኤ ከይዱ፣፣
           ዳሓር ዝጀመሮ ስራሕ እንተኔሩ ምስቲ ተለፎን ሰንተር ገንዘብ ንዓዲ ምሕዋል እዩ ኔሩ ፣፣ እቲ ዝገርም አስመራ ዝነበረ መሳርሕቱ አባል ሃገራዊ ድሕነት ክፍሊ ስለያ ወጻኢ አኽሊሉ ዝተባህለ ነጋዳይ ክኸውን ከሎ እዚ ነጋዳይን አባል ስለያ ሃገራዊ ድሕነትን ዝኾነ ዜጋ ሃገራዊ አገልግሎት ኮይኑ አብ አስመራ አንፊት ማለት ብጥዕና አስመራ ከም ዝተመደበ ብዝብል ጉልባብ ዝንቀሳቀስ ኮይኑ እንተዋሓደ 1ግዜ አብ ወርሒ ንኤውሮጳ ዝመላለስ ዜጋ እዩ፣፣ አኽሊሉ ነቲ ገንዘብ ሓዋላ ተቀቢሉ ንጀርመንን ሽወደንን ዓሚሙ ብዱባይ ናብ አስመራ ይምለስ፣፣ አኽሊሉ ሚላኖ መጽዩ እንዳ ተኽልዝጊ ዑቅባልደት እንዳ ተለፎን ኮይኑ ሕማቅ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ምዝራብ እቲ ቀንዲ መለለይኡ ኮይኑ እቲ አብ መረረ ዘሎ መንእሰይ ከአ ከማርር ምረቱ ዝሰምዖ እንተረኺቡ ምስመን ብዘየገድስ ምረቱ ይገልጽ ፣፣
             ወዲ ዑቅባልደት ሕጂ እዩ ካብ አስመራ መጽዩ እንዳበለ ነቲ መረረ ከም መረጋገጺ ይጥቀመሉ ፣፣ አብቲ ገዛ ምሉእ ማዓልቲ ራድዮ አሰና ራድዮ ወጋሕታ እንዳወለዐ ተቃዋማይ ንምምሳል ዝጥቀመሉ ቀንዲ መእመኒ እዩ ኔሩ፣፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ ግን እቶም አክቲቭ ተቃወምቲ ወዲ ዑቅባልደት ተቃዋማይ ከምዘይኮነ ነቲ ዝቃወም ይሕብሩ እኳ እንተነበሩ ነቲ ብቤላ ቤለው ዝነብር ህዝቢ ግን ከታልሎ ጸገም አይነበሮን ፣፣ ተቃዋማይ ንምምሳል ብዙሕ ምምስሳል ይገብር እዃ እንተነበረ ምስ አባላት ቆንስል ሚላኖ አብ አፍሪቃ ሪስቶራንተ ንግሆ ቅድሚ ዱኳን ምኽፋቱ ባሓንሳብ ይቆርሱ ገለ ዝፈልጦ ሰብ እንተመጽዩ ብቀጥታ ዘልዕላ ዕላል ህግደፍ ዓዲ ሕማቅ አላ ትማሊ ሓደ ዓርከይ ነጋዳይ መጽዩ የዕሊሉኑ እንዳበለ መመሳሰሉ ጉልባቡ ይሰርሕ፣፣ 1ግዚ አብ ሶሙን ምስ ቆንስል ሚላኖ ርእሶም አብ ከባቢ ፕያሳ ለውረቶ ዘለዋ ባራት ሓበሻ ዘይአትወን ን2-3 ሳዓት የዕልሉ፣፣
እቲ ዝገርም ንገለ መንእሰያት ጸገም ፓስፖርት የዕልልዎ እሞ ምስ ርእሶም ከራኽበካ ምስኪን እዩ ገለ ናይ ሻሂ ትብሎ እንዳበለ ንብዙሓት መንእሰያት ፓስፖርት ኤርትራ ክሕዙ ጌርዎም እዩ፣፣ ግን እቶም ዝጸበቦም መንእሰያት መጀመርታ ብዘይ 2% ፓስፖርት ይሕዙ ድሕሪ ግዜ አብ ኢመግረሽን ሚላኖ ነቲ መንበሪ ፋቃዶም ብናይ ኤርትራ ፓስፖርት ምስተመዝገበ ከሕድሱ ምስተመልሱ ካብ ድራር ተጋዳላይ ክሳብ ናይ ደርቂን ፣ካብ ዝስደዱ ዝገበርዎ ዓመት ተቆጺሩ ሰሚዖሞ ዘይፈልጡ ገንዘብ ይሕተቱ፣፣ እታ ናይ ወዲ ዑቅባልደት ምትሕብባር ከአ ድርብ ዕዳ ኮይና ሓዲገመዲግ ዝኾኑ መንእሰያት ባዕላቶም ክምስክሩ ምዃኖም ርግጸኛ እየ፣፣
            ተኽልዝጊ ዑቅባልደት እቶም መንእሰያት ክጥርጥርዎ ዝገበረት ናይ መወዳእታ ስርሒቱ ኸአ፣፣አብ 2011 ሓንቲ ፋብሪካ 500 ሰብ ደልያ ብምባል ናይብዙሓት ፎቶኮፒ መንበሪ ፍቃድ ክእክብ ድሕሪ ምቅናይ እቶም መንእሰያት ቻይናውያን ቀዲሞምና ዝብል መልሲ ምስሃቦም ንምዃኑ በል አርእየና ኮፒ ዶኩመንትና ወሲድካ ከምዚ ክትብለና ብምባል ክሳብ ክሃርምዎ ተደናዲኖም ኔሮም ግን ዘለዎም ሂወትን ለመጭ መልሓስ ወዲ ዑቅባልደት ናብ ግርጭት አየብጽሖምን፣፣ እቲ ዝእክቦ ዝነበረ ኮፒ ምስ  ይሴፍ (ጁሰፒና) ንሱ ውን ብወገኑ አብ ቪያ ሞሊዘ ዝባሃል እንዳተለፎን ስለ ዝነበሮ  ንሱ ውን ብወገኑ ብዙሕ ኮፒ አኪቡ ነቲ መንእሰይ ኮፒ ከረክቡ አስታት 3 መዓልቲ አብ ሪጋ ክውዕል ጌሮሞ፣፣
               አብ መወዳእታ ነቲ ዶኩመንት ንቆንስል አረኪቦም እቲ ቆንስል ከአ ናብ ኢመግረሽን ብምውሳድ ምስ መንግስቶም ጸገም ከምዘይብሎምን ፓስፖርት ክንህቦም ዝሓተቱ እዮም ብምባል መንበሪ ፍቃድ እኳ እንተለዎም መገሺ ፓስፖርት ግን ካብ መንግስትኹም አምጽኡ ክባሃሉ አብ ምግባር ዝተጻወቶ ተራ አብ ዝመጽእ ግዜ ባዕላቶም ክዛረብሉ ምዃኖም 100% እየ፣፣
              እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ እስከ ንወዲ ዑቁባልደት ተቃዋማይ እንተኾይኑ እዞምዝስዕቡ ግንዖታት ህግደፍ ንመልከት፣፣
 1ይ   ወዲ ዑቅባልደት ተቃዋማይ እንተኾይኑ ከመይ ጌሩ ብፓስፖርት ኤርትራ ይነብር ኔሩ ንሱ መጀመርታ ብሕክምና 2ይ ብ ቱሪስት ተመሊሱ አብ ሚላኖ ፖለቲካዊ ዑቅባ ከይሓተተ ብፓስፖርት ኤርትራ እዩ ዝነበር ኔሩ እሞ ተቃዋማይ        የምስሎዶ
2ይ ሰበይቱ እታ ድሕሪ ንጽነት ዝተመርዓ አብ 40ታት ዕድመ ኮይና ምስ 2 ደቃ ወዲ 9ን12 ካብ አስመራ ብነፋሪት ሚላኖ
  ክትአቱ አየነይቲ ሰይቲ ተቃዋማይ ክትበርር ርኢና ተቃዋማይስ ይትረፍ ንዝኾነ 2% ዝኸፈለ ውን ከምኡ ዓይነት ግንዖ የሎን እሞ ተቃዋማይ የምስሎ ዶ
3ይ  መንግስተሰማይ የዋርሳ አብ ስዊዝ ምስ ዓረፈት ብዘይ ገለ ጸገም አስመራ ክትቅበር ከላ አየናይ ተቃዋማይ ዓዱ ክቅበር ርኢና እሞ እዚ
                                          ተቃዋማይ የምስሎዶ ፣
      እዚኦምሰብን እዝግን ዝርእዮም ኮይኖም ተወሳኺ ትዕዝተይ አነን ካልኦት ከምዝኸማይን ነዚ መልሲ ምስጸሓፍካ የራኽበና፣፣ ግን ተሰቲርካ ስቅ ምባል ይሕሸካ እምበር እንተቀጺልካስ ገና ብዙሕ ጉድካ ብድሕሪት አሎ፣፣
                                                                                             ደፋእ ድንኩል ካብ ሚላኖ ኢታ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • ኣርዓዶም April 29, 2016

    ኣናብስ፡ ተወሳኺ መርትዖ ዘቕረብኩምልና፡ ኣብዚ ሳልስቲ ይገብር፡ ዑቕባልደት ተቓዋማይ ኢየ ብዘስምዕ መልሲ ኣብ ጀበርቲ ጽሒፉ፡ ምስ ኡ ድማ ናይ ኣማኒኤል ኢያሱ ብሓንሳብ ዝተሳእልዎ ገይሩ፡ ውሓለ፡ ዘረባ ጽሒፉ።
    ጠላሊፉን መሊሱን ክኽእለሉ ዝመስል ምዓት ኢዩ፡ እቶም መቕርቦም ድዩ ዋላ ውዲ ጎረቤቶም ድማ ንጽሕፈቱ፡ ከም ሓቒ ወሲዶም ሸር እንዳበሉ፡ ኣብ ኩሉ ከም ዝባጻሕ ገይሮም፡ ጌሌናስ ወረ ደምበር ዶ ካልእ ሰብ ብስም ዑቕባልደት ኣብ መንጎ ኣማኒ ኤልን ዑቕባልደትን ኣትዩ ከብኣሳሞ ኣይደለየን፡ ዘይበልና ኣይኮናን።

    የግዳስ እቲ ጉዳይ ካብ ባዕሉ ዑቕባልደት ዝብገስ ኮይኑ፡ ብተፈጥርኡ ተዛራብን ጠላፍን መኣመንን ከም ምዅኑ፡ ንጽሕፉ ክሳብ ክንኣምኖ ተደናዲና ነርና። እዚ ሰብ ኣብዚ ኣብላዕሊ ዘሎ ስእሉ ገዲፍካ፡ ምስ ኣማኒኤል ዝተሳእሎ ተሪእካዮ፡ ሓደ ጃሱስ ተበላጺ ኢዩ ዝመስል። ከምዚኦም ድማ ኣብ ኩሉ ከተማታት ኢሮፕ ኣለው።
    ናይ`ዚ ትብልዎ ዘለኹም ዑቕባልደት ግን ሕልፍ ዝበለ ብዕልግና ዝተሓወሶ ሸቓጢ ኮይኑ ረኺበዮ። ነቶም 500 ሰብ ኣታሊሉ፡ ግብሪ ብሓይሊ ከም ዝኸፍሉ ዝገበረ፡ ብገበን ትሓታቲ ኢዩ እዚ ሰብ እዚ፡ ሓደራ ኩልኹም ከይትዝንግዕሉ፡ ብዝተኻእለ ዝክኣል ዝበል ስጉምትታት ክውሰዶ ይግባእ። ብፍላይ እቶም 500 ዝኾኑ ዝተጠልፉ፡ ሓደ ነገር ክገብሩ ኣለዎም።

  • LC April 29, 2016

    This is not wise. stop personal attacks please.

  • Blata April 29, 2016

    Hi dear Readers
    This is the life of all Eritrean that buy and sells the mind. So we Eritrean we have to think trice than twice because we couldn’t learn from our typical challenges which was, is will created by our self’s. Normal person could learn once but we are changed our minds with fake propagandist of our fake leaders.

    Thanks

  • FETAWII April 29, 2016

    That is the history of Eritrean Christian since KING Haley Selas of Ethiiopian and beyond . you are not trust worthy to be opposition party leaders . HGDF will have along life as long as you are missing up with the opposition parties. you are the spy and you are the opposition parties leaders. I personally , HGDF IS better than you because HGDF is oppressing all Eritrean people equal but you are dreaming to divide Eritrean people in religion, regions and trips. special Amanil Eyasu is not a genuine person we have to be careful of him .

    • Hamid Sorobeti April 29, 2016

      Fithawi
      The fascistic regime’s party name is PFDJ while you also choose yourself fithawi whic is opposite to your nature. Your attempt to discredit Aman is a typical job of DIA’S wo. rshipers

      • AHMED SALEH !!! April 29, 2016

        FETHAWI
        You choose wrong pen name that doesn’t fit your tiny brain .
        By the way what is the purpose to bring religious tension irrelevant
        from the topic in discussion .

        And for those who tried to criticize Amanuel for speaking up his mind
        about that corrupted person , I hope additional revelations help to
        open your eyes and take consideration for his complaints .
        Zereba kal alem sigab kindey ina meshefeni haknet kinishketela

    • Berhe Tensea April 29, 2016

      FETAWII,
      You seem a very confused individual , and or an incapable hopeless a volunteer agent of the regime.
      Your opinion is worthless, and Hebey May Dema even can reason better than you.
      Amanuel Iyasu is a person of great integrity, and humane, , and wise.
      He is a tireless freedom fighter, well known over the world.
      Your opinion is just meaningless, and stupid.
      I hope and wish that you are caught by investigating your IP, although monkeys don’t know what IP is.
      I am sure that you are the opposite of what you wont be seen as.

  • Ruth Kidane April 29, 2016

    Is this Teklezghi from Harien, Mereta Keyhi? I need to know
    Ruth

    • Berhe Tensea April 29, 2016

      I think so,

    • Berhe Tensea April 29, 2016

      Ruth,
      His origin from that area he has close relatives in Ade abuur, and Degra too.
      His true identity known and will be revealed soon.

  • Berhe Tensea April 29, 2016

    Tesfaldet is a paid agent of the regime. Many spies act as opponents of the regime as a cover for their anti people activities.
    This spy is on file for future reference, and he is registered ass such on the file of kedeat and jasusat.
    Zombies and puppets will be revealed, when the time comes.
    This guy called Tesfaldet is has made grave and costly mistake in his life and it is up to him to repent his past sins.
    Death and agony to jasusat and puppets of the regime.

  • sara April 30, 2016

    I think Assenna has given this issue more weight than it deserves. You better to stop posting article around individuals, it is better to focus on our objective. we need to focus on hgdf, this issue is just distracting us from reality. It causes more damage by counter and counter defence…..the right time will come as it did in the past.

  • Dhab April 30, 2016

    sara,
    You don’t think a spy trying to destroy Assenna is an issue that deserves to raised? An individual spying on Eritreans is not an issue? So what is the issue for you? You say this issue is destructing us from the reality. Let me ask you: What is the reality? Is it not pfdj infiltrating Justice Seekers with spies and paid agents to make sure he clings to power? And then you say the right time will come as it did in the past. What do you even mean? I don’t want to believe that you are trying to defend a pfdj spy, are you, sara? Are you defending a pfdj spy? Why?

    • AHMED SALEH !!! April 30, 2016

      Dear Sara
      Let me share a saying that inspired me in my life .
      ” your enemy come from under your arm ” .
      Only a person you trust can take advantage to do you harm . I agree we
      must respect and love to each other but with honest people that seem
      harmless to others . Nowadays we observe opposition pretenders with
      sinister agendas maneuver around political movements .

  • Yemane April 30, 2016

    ከሳሲን ተከሳሲን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ይቅረቡ ኣሞ እቲ በደለኛ ምስ ተረጋገጸ ሰላይ መንዩ፡ ንፈልጥ። ኩሉ ዝተጻሓፈ ኣንቢብናዮ። ነፍሲ ወከፍና ገምጋም ኣለና፡ ናይ ጉዱሳት መስከርቲ ሰሚዕና።ኣብ ክንዲ ነዚ ንማጎት ነቲ ዝዓበየን ቀንዲን ሽግርና ረሲዕና ኣብዚ ሃዉቲትና ኣለና። ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ ካብ ኤርትራ ሰብ ከተምጽእ ሰድራ ቤት ከተምጽእ ገንዘብ ኣንተሎ ሳላ መኮንነት ህግደፍ ኮራባሺንዝለመዱ ተቃወምቲ ዝባሃሉ ስድራ ቤቶም ዘምጹ ንፈልጥ ኢና። መዛረቢ ሰለ ዝደለና ጥራዩ፡ ሰበይቱ ሞይታ ጽንዓት ይሃቦ ኣብ ዓዳ ክትቅበት ኣንታይ ኣበሳ ኣለዋ። ሰብአያ ከፋንዋ ነይርዎ ዋላ ደጋፊ ወይ ሰላይ ኣንተኮይኑ። ምስ ህግደፍ ሽግር ሰለ ዘለዎ ወይ ይቃወም ሰለ ዝኾነ ኣደ ደቁ ከይቀብራ ዝተረፈ,። ቁሩብ በጃኩም ዉልቃዊ ስሚዕትና ተደሪኽና ወይ ከነሑጉስ ኢልና ሰባት ኣይንዉቐስ። ኣብዚ ተካል ኣዋን ገለ ኣብ ልዕሊ ስዉአት ዝድብሉ ክትሰምዕ ገለ መበገሲ ዘይንጹር ሰላይ ህግደፍ ወያነ ነንሕድ ሕድና ክንናቁኦት ክሳብ ምዓስ፡ በጃኩም ይእክል። ይአክል!! እብ ቁዋም ምስ ተረከበ ሕጊ ምስ ተረጋገጸ፡ ጸላኢን ፈተዊን ነለሊ,

  • Kaleab Kifle April 30, 2016

    Dear Defoe Dnquel, I have been hearing this kind of stories from follow Eritreans either in writing or through rumors for a long while now. So, please if you have more on this guy and is true. Don’t wait for his response. Let him have it for once and for all. Why do you want wait for his response. Or why are you coverings for him. Mistar endiu abzi abstihuna zolo.
    So,please dergehayo.

POST A COMMENT