Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተኽለዝጊ ዑቕባልደት (ወዲ ዑቕባልደት) መን እዩ?

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ውሽጢ ካብ ህዝብን ሰራዊትን ክመጽኦ ንዝኽእል ተቓውሞ ብኣጋ ብምቕጻይ፣ ኣብ ወጻኢ ‘ውን ህዝቢ ሰሚሩ ንኸይቃወሞ ብምክፍፋል ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ቀንዲ መሓውር ስለያ እዩ። ኣብ ወጻኢ ነዚ ዕላማ’ዚ ከገልግሉዎ ባዕሉ ዘዋፈሮም ብስም

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ውሽጢ ካብ ህዝብን ሰራዊትን ክመጽኦ ንዝኽእል ተቓውሞ ብኣጋ ብምቕጻይ፣ ኣብ ወጻኢ ‘ውን ህዝቢ ሰሚሩ ንኸይቃወሞ ብምክፍፋል ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ ቀንዲ መሓውር ስለያ እዩ።

ኣብ ወጻኢ ነዚ ዕላማ’ዚ ከገልግሉዎ ባዕሉ ዘዋፈሮም ብስም ስደተኛታት ዑቕባ ሓቲቶም ብስቱር ንማሕበረሰብ ኤርትራውያን ዝስልሉ ሃሱሳት ከምዘለዉ ድማ ናይ ደባባይ ምስጢር እዩ። ይኹን ‘ምበር ብደለይቲ ለውጢ ንምቅልዖም ከምቲ ዝድለ ዕቱብ ምንቅስቓስ ስለዘይተገብረ፣ እቶም ሃሱሳት ኣብ ነቓዓት ደምበ ተቓውሞ ተቐርቂሮም መሳርሒ ናይቲ ስርዓት ኮይኖም እኩይ ውዲታዊ ስርሖም የሳልጡ ኣለዉ።

ሓደ ካብዚኣቶም፣ ካብ ኤርትራ ብምኽንያት ሕክምና በቲ ስርዓት ናብ ዓዲ ጥልያን ድሕሪ ምምጻእ ኣብ ከተማ ሚላኖ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝተቐመጠ ኣብዚ ክልተ ዓመት ናብ ስዊዘርላንድ ግዒዙ ዑቕባ ብምሕታት ከም ሰላዪ ናይቲ ስርዓት ሃሱሳዊ ንጥፈታት ዘካይድ ዘሎ፣ ተጋዳላይ ነበር ስንኩል ተኽለዝጊ ዑቕባልደት (ወዲ ዑቕባልደት) እዩ።

እቲ ኣብ ዓዲ ጥልያን ድሕሪ ምምጽኡ፣ ስለያዊ ንጥፍታት ንምክያድ መታን ክጥዕሞ ብሓገዝ ናይቲ ስርዓት ናይ ቴለፎን ማእከል (Phone Centre) ዝኸፈተሉ ተኽለዝጊ ዑቕባልደት፣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ሰሊኹ ስለያዊ ስርሓት ንኸካይድ ክእመን ምእንቲ ወከልቲ ህግደፍ ንይምሰል ኣብ ዓዲ ጥልያን ካብ ኣኼባኦም ከምዝስጎግ ገይሮሞ ነይሮም።

ስድርኡ ካብ ኤርትራ ናብ ስዊዘርላንድ ብምሕላፍ ድማ፣ ነቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝካየድ ምንቅስቓሳት መንእሰያት ንኽስልን ንኽዘርግን ብቑዕ ዓቕሚ ከምዘለዎስለዝተኣምነሉ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ካብ ሚላኖ ናብ ስዊዘርላንድ ሰጊሩ፣ ኣብ ከባቢ ከተማ ሉዛን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ፣ ኣብ ዘድልዮ ግዜ ከም ሓዋላይ ኮይኑ እናሰርሐ ይቕመጥ ኣሎ።

ተኽልዝጊ ዑቕባልደት ዋላ ምስ ሰይጣን ከተዓራረኽ ዝኽእል ባህርያት ስለዘለዎ እዮም ሓለፍቲ ስለያ ህግደፍ መሪጾሞ። በዚ ድማ፣ ፈለማ ኣብ ዓዲ ጥልያን ደሓር ድማ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ምስ ብዙሓት ሓለፍቲ ደምበ ተቓውሞ ዝምድና መስሪቱ ስለያዊ ስርሓቱ ከካይድ ጸኒሑ።

ተቓዋማይ መሲሉ ንኽርአ ዝጥቀመሉ ሜላታት፣ ገንዘባዊ ወፍያ ምግባር፣ ሓበሬታ ምቕባል ክኸውን ከሎ፣ ኣብቲ ኣብ ጀኔቫ ዓሚ ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ‘ውን ተሳቲፉ። እዚ ንነብሱ ማዕረ ኣማኻሪ ሰሪዑ ኣብ ብዙሓት ውድባት ዝነጥፍ ሰብ፣ ኣብ ኩሉ ምንቅስቓሳቱ ቅድሚ ኹሉ ዘቕርቦ ቅድመ ኩነት ስሙ ክሕብኣሉ ምድላዩ እዩ። ስለምንታይ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ደምበ ተቓውሞ ብጋህዲ ከምዘይሳተፍ ክሕተት ከሎ ድማ፣ ወረቐት ስለዘይብለይ ህግደፍ ከይሕሱዉለይ ኢለ እየ ዝብል ዕባራ መልሲ እዩ ዘቕርብ።

ንሱ ብኣተኵሮ ዝምእርሮ ጉዳያት እዋናዊ ሓበሬታ ደምበ ተቓውሞ ፣ መደባት ተቓወምቲ ውድባትን ባእታታትን ካብ ቀንዲ ምንጪ ምርካብ፣ ርክባትን ኩነታትን ደምበ ተቓወምቲ ብምጽናዕ ዝበታትተኑሉ መንቅታት ምፍታሽን እዩ።

ንተኽለዝጊ ዑቕባ ልደት ሰላዪ ስርዓት ኢሳይያስ ምዃኑ ንዝነበረ ጥርጣር ኣራጕዱ መጽናዕቲ ክካየደሉ ዘበገሰ ቀንዲ ምኽንያት ግን፣ ምስታ ናጽነት ተኽለ ዝተባህለት፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጋዳሊት ህዝባዊ ግንባር ከላ ኣባል ምስጢራዊ ሰልፊ ዝነበረት፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣስመራ ኣብ ቤትፍርዲ ተመዲባ ዝሰርሐት ሕጂ ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ከባቢ በርን እትነበር ሓንቲ ካብ ቀንዲ ዕሉላት ሰለይቲ ህግደፍ ኣብ ኤውሮጳ ዝነበሮ ጥቡቕ ርከብ እዩ።

እታ ከምኡ ኣካለ ጎዶሎ ዝኾነት ሰላዪት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ናጽነት፣ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ከም ሰላዪ ክውደብ ዝተፈተነ ነጋሲ ሰረቐ (ደምበ ፖሊስ) ብዛዕባ ኣወዳድባኡ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ምቅላዕ ቀንዲ ማእከል ሓበሬታ ስለያዊ ንጥፈታት ናይቲ ስርዓት ኣብ ኤውሮጳ ምዃና ኣጋሊጹዋ ዝነበረት ሃሱስ እያ።

እቲ ካብ ዓዲ ጥልያን ኣትሒዙ ደጋፊ ራድዮ ኣሰና ተመሲሉ ገንዘባዊ ሓገዛት ብምግባር ምስ ኣሰና ርከብ ዝመስረተ ተኽለዝጊ ዑቕባልደት፣ ንኣባላት ኣሰና ዝሃበና ዜናዊ ሓበሬታታት ከነረጋግጾ ኣብ ዝፈተናሉ እዋን ተደጋጋሚ ግዜ ሓሶት ኮይኑ ምስ ተረኽበ ‘ሞ ምንጩ ምስ ሓተሓተትናዮ ብመንገዲ ናጽነት ከምዝረኸቦ፣ ንሳ ድማ ተቓዋሚት ከምዝኾነት ይገልጽ ነይሩ። ሓቀኛ ኩነታት ናጽነት ንህዝቢ ምስ ተቐልዐ ብቐጥታ ንዕኡ ኣብ ምጽናዕ ኣቲና ምስኡ ዝነበረና ርክብ ምስ በተኽና ግን ክሻቐል ጀሚሩ።

ኣቐዲሙ፣ ንሱ በቲ ዝንቡዕ ሓበሬታታት ከምዝጠርጠርናዮ ኣብ ዝሰግኣሉ እዋን፣ ኣንጻር እቲ ስርዓት ምዃኑ ዳግም ምትእምማን ንኸሕድር ስሙ ሓቢኡ ነቲ ስርዓት ዝወቅስ ግጥምታትን ካልእ ጽሑፋትን ብሚድያ ክዝርግሓሉ ጻዕርታት ክገብር ጀሚሩ።

ተኽለዝጊ ዑቕባልደት ብሓቂ በቲ ስርዓት ንስለያዊ ስራሕ ዝተዋፈረ መጋበርያ ምዃኑ ዘረጋገጹልና ምንጭታት፣ ሓደ ካብቶም ኣብ ኤውሮጳ ዘለዉ ዝኸፍኡ ቫይረስ ናይቲ ስርዓት እዩ ክብሉ ገሊጾሞ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ፣ ምስ ሰባት ናይ ምቕራብ ዲፕሎምስያዊ ክእለት ዘለዎ ከምቲ ቅድም ዝተጠቕሰ ምስ ሸይጣን ከይተረፈ ክተዓራረኽ ዝኽእል ሰብ ምዃኑ እዩ።

በዚ ምኽንያት፣ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝርከቡ ከም ደላዪ ለውጢ ዝኣመኑዎ ደለይቲ ፍትሒ መንግስተ ሰማይ የዋርሳ ብዓልቲ ቤቱ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ዝዓረፈትሉ ግዜ፣ መኪና መሊኦም ካብ ዓዲ ጥልያን ናብ ስዊዘርላድ በጺሖም ደቢሶሞ።

ንኸምስል ቀደም ኣብ ዓዲ ጥልያን ህግደፍ ተቓዋማይ ኢሎም ሓዘን ካብ ምብጻሕ ከልኪሎምኒ ይብል ኳ እንተነበረ፣ ብዓልቲ ቤቱ ኣብ ዝዓረፈትሉ እዋን ቀንዲ በጻሕቱን ኣጆኻ ብሃልቱን ናይ ህግደፍ ሓለፍትን ደገፍትን እዮም ነይሮም።

ብዘይካ ‘ዚ ተኽልዝጊ፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ዝርከብ፣ ሓዉ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነበር፣ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎ ቀንዲ ሰላዪ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ሃሱስ ቀጻሊ ርከብ ከምዘለዎ ‘ውን ተረጋጊጹ ኣሎ።

ቀንዲ ነዚ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ክንዝርግሖ ዘገደሰና ምኽንያት፣ ብቐንዱ እቶም ኣሚኖሞ ካብኡ ሓበሬታ ዝቕበሉን ንሱ ካብኣቶም ሓበሬታ ዝወስደሎምን ሓለፍትን ኣገደስቲ ሰባትን ደምበ ተቓውሞ ነቲ ኩነታት ፈሊጦም ክጥንቀቑ፣ ከምኡ ‘ውን ከምኡ ዝኣመሰሉ ሃሱሳት ኣብ ፈቐዳ ሃገራት በቲ ስርዓት ተዋፊሮም ከምዘለዉ ብኣብነት ንምርኣይን እዩ።

demo.archive.assenna.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
55 COMMENTS
  • Alem April 13, 2016

    Dear Amanuel and Assenna foundation,

    We have seen your side of the story. I guess you should also give him an opportunity to defend himself and to tell us his side of the story. The allegations are very serious and the public need to hear both sides.

    • Semharr April 13, 2016

      To Amanuel and Assenna foundation,

      Please give more concrete evidence of your allegation. Your evidence is biased, you need the other side of the story. We should focus on concrete evidence and points rather than vague, unsupported information.
      You told us that he supports Assenna financially
      You told us that he wrote many poems exposing the tyrant
      You told us that he participated in a demonstration against the tyrant regime
      You told us that he went to Switzerland to get political amnesty
      You told us so many good things that he did, but now you’re turning against without concrete evidence. That doesn’t add up.
      Assenna in the future focus on concrete evidence.

      • TRUTH April 14, 2016

        Dear Semahr,i have asked Mr, Amanuel and Assena foundation to come up with concrete evidence 2days ago, but he doesnot realy seems to care and responed. from what we have seen here and before is that Amanuel has started to dictate people who disagrees with his opinion by labeling them spies of hgdef,and this is not his first time!! it realy suddened me to see him acting like a dictator while he is opposing one,and make me doubt what the future of our beloved country will be if someone like Amanuel came to power after hgdef.

      • Nur April 21, 2016

        Shame on you semhar! Shame on you! Now we know why you tried to defend senbet. zemedki do koynu iyu?

    • Berhe Tensea April 13, 2016

      There is evidence in Asmara with a senior security official/ European desk who is very familiar with operatives of that region.
      This spy will have the chance to defend him self in the court of law in the coming new Eritrea.
      The dictator is on the verge of its doom, time is running out very fast.
      According to reliable sources he is having sleepless nights and is busy in changing hiding places.
      He is also drinking heavily every day.
      Justice seekers in many parts of the world also have lists of ardent supporters and spies of the regime.
      For every action there is equal and opposite reaction later as the physics principle states.
      Death to the dictator and his puppets everywhere.

      • slehaki April 14, 2016

        dear all,

        Please do not personilze things, personal relations can sometimes goes good and sometimes to the contrary. So when things did not go well, we run to blame and specially when we talk about esponage, it is really sensitive and needs to have reliable and conquert evidences.

  • Tzighe April 13, 2016

    ትኽለዝጊ
    ኢዚ ኩሉ ምስኒካልት ዚተጎነፍና ህዝባዊ ማሕበር ሚላኖ ክይ ትክል ተጋሂዱ ኣነ ውን ኣይ ሳሕትኩዎን ኢዚ ኩሉስ ኣብ ምንታይ ኒ ምብጻሕ ኢዩ ገለ ዳኣ ኣሎ ኢለ ሃሳብይ ፍኒየ ዚወጻኩሉ ኣከባ ኣሎ ኣብዛ ኣከባ ዚነበርኩም ትዝ ይበልኩም

  • ተስፉ ወድ ሰገን ጻዕዳ April 13, 2016

    You dont have sustance to expose him as a spy of HGDEF: Amanuel , you made a grave mistake. Do you know ,,DEMBE POLICE,, yourself? I dont think so.
    I think you must either ask an excuse or face a high priced court case.

  • sheka April 14, 2016

    zikeberka Emanuel zihalefe gizie zixehafkayo asembidunin agerimumin.nimintay si ab bahlina ni zihazene xinat yihabka mibal newri aykonen.abti hazen mebzahteom higdef eyom noerom elka tegagika minalbat eti haberieta zihabeka ni hizbi lausanne zeyfelto kikewin alewo.kab itali zimetxu ente kone zihabkayo haberieta giega eyu nieru nimintay baeley sile zitekebelkuwom .silezi ab mengokum shigir entelo teredadeaulu ember zixehafkayo xuhuf fitah zemixia aymeslenin.yekenyeley!.

  • nefasit April 14, 2016

    Dear Respected Deki Hager,
    Please being a human-being, we have to have positive attitude to wards any issue be it religious or other beliefs. I know very well all most all of Eritreans attitude have had genuine and rational personality as a culture, in this respect, we could bring wittiness from all neighboring countries such as Sudan, Ethiopia, Djibouti and so on and we can also assure people from Europe and America and Asia specially the Arab nations that the respect-ion given to Eritrean was paramount big .At that time being an Eritrean was model of reality and genuine.for that We proud on that identity. But after certain period this typical Eritrean attitude was distorted and fabricated with so many imported and fake identity. This is not simple as written in this web site. It has so many implications and the accountability needs to revise. For whatever the condition, this output is due to the massive migration of Eritrean from here and there to come-up and install in the minds of Eritrean with artificial culture.This missing of indigenous culture also the most problematic nature who works deliberately by the existing state Eritrea for nothing. And the issue of our process for the real situation also emanates as follow:
    The former 30 years struggle for independence and the last 25 years on fake independence needs to revise genuinely.
    1. Who was the first founder for independence? it is clear the founders was the secret interest of colonies Britain,Egypt and Italy they establish and fabricated the mind of that era youth for their own interest.But in actual in that time almost all Eritrean was preferred to live with their own identity.
    2. The doctrine of Jebha and Alwahda clear indicates with menka for nothing with the interest of salh sappe. Even the doctrine of Ibrahim Sultan was initially from one of the founders of fkri hager but in the mean time colonies changed his mind for the funds contributed by Arab league. The same is true with tessema ablelom, weldeab weldmariam and so on.naming pro Italian liberal progress, al isalamia and soon.
    3. So, from the above statements, struggle for independence of Eritrea was not originated by native and interest of honest Eritrean. If any interest emanates from foreign concept, it couldn’t see the actual output or the real independence. By-default it has been shown us garbage in garbage out.
    Therefore, first of all we have to analyses the past interest of our people, what had been the consequence of the struggle and the situation after independence. Then we will come-up to the right solution, unless that by hiding our actual history, it is very difficult to come-up on the right solution. No more solution and reality by singing a song with the fake identity. Be pioneer for the reality of our identity.
    With Regards,

  • ኣርዓዶም April 15, 2016

    ኣብዚ ዝሕኣለፈ ማዓልታት፡ መልሲ በዚ ዝጥቐስ ዘሎ ሰብ ተኽልዝጊ ዝብሃል መልሲ ተዋሂቡ ኣብ ፌስቡክን ገለ መርበባትን ተዘርጊሑ ኣሎ። ብሓፈሽኡ እቲ ብኽልቴኹም ወገናት ዝቕጽል ዘሎ ነገር ጉዳይ ንስለ ሃገር ምዅኑ ነመስግን።

    ቐጺለ ክብሎ ዝደሊ፡ ኣብዚ ኣብ መወዳእታ ቕድሚ ምብጻሕ፡ ዝቐርብ ነገራት ክህሉ ባህርያዊ ኢዩ፡ ኣማኒኤል ኢያሱ ወይ ካልእ ተኾኑ፡ ብዘይዝኾነ ከምዚ ኢዩ ከምዘይብሉ ርግጽ ኢዩ። ይኩን ግን መልሲ ንዝሃበ ሰብ፡ መልሲ ክትህቦን፡ እቲ ዝተራእየ ምንቕስቓሳት ክትገልጸሉን ግዴታኻ ጥራይ ዘይኮነ ሓላፍነትካ ኢዩ።

    ምናልባት እዚ ሰብ ናይ ስለያ ከብሎ ዝኽእል ጠባያት ኣንጸባሪቑ ክኸውን ይኽእል፡ ምናልባት ኣብ ኣኼባታት ሓድነት ንኸይካየድ ውሽጣዊ ስርሒት ገይሩ ይኸውን፡ ምናልባት ስስዐ ብዘስዓቦ ምስ ገለ ውድባትን ሲቪላትን ተጋራጩ ንቓልሲ ኣባኹርዎ ይኸውን፡ ምናልባት ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ተዘራሪቡን ትዓራሪኹን ይኸውን። እዚ ግን ምናልባት ብዘይካ በታ ንሓድነት ክዘርግ ተረኺቡ ትብል ሓረግ፡ ምስ ተደናገጽቲ ህግደፍ ተራኺቡ፡ ሰስዑ ተረኺቡ ዝብል ተሃልይዎ፡ ከም ጭብጢ ኣይኮነን፡ ቕቡል ውን ኣይኮነን።

    ምኽንያቱ፡ ህግደፍ ጠላማት ሕድሪን መፍረስቲ ሕግን ቐንጸልትን ድኣ እምበር፡ ንሶም ካባና ዝወጹ ንሕና`ውን ካብኦም ዝወጻና ሓደ ደም ምኵና ኣይተርፈናን ኢዩ። እቲ ምስ ህግደፍ ተራኺቡ ዝብል፡ ቕቡል ኣይገብሮን ኢዩ፡ ግን ምስ ህግደፍ ተራኺቡ፡ ኣኼባታት ተቃወምቲ ኣፍሪሱን፡ ሰብ ኣንጻር ቃልሲ ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራ ወዲቡ ተኾይኑ፡ ልክዕ ስለላ ኣካይዱ ኣሎ ማለት ኢዩ። ሕጂ`ውን ብበልዎ ዘይኮነ፡ ብቪድዮን፡ ገለ ደኮመንታትን ዝተሰነየ ክዝርጋሕ ይግባእ።

    ካልኣይ ድማ፡ ኣብዚ ኣሰና ናይ ሞትን ህየትን ተካይዶ ዘላ ቓልሲ፡ ዓብይ ኣድናቖት እንዳሃለወኒ፡ እቲ ምእንቲ ህዝቡ፡ ምእንቲ ድሕነት ተቓለስቲ ኣንጻር ህግደፍን ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ብዝተፈላለዩ ዓበይቲ ጽሓፍትን ወከልቲ ህዝብን ንብሎም ይጋዋሕ ኣሎ። እዚ ግን ኩልና ከንቱ ምዅና የርእየካ፡ ክሳብ ሕጂ ዘነሃህሩ እምበር፡ ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ስለዝኾነ፡ ክትዕረቑን ክትገድፍዎን ዝብል ጽሑፍ ኣይርኣኹን።

    ኣማኒኢል ኢያሱ ተቕሚ ደልዩ ዝጽሓፎ ኣይኮነን ኣይመስለንን፡ ግን ካብ ሓልዮት ተበጊሱ ዝዘርግሖ ኢዩ ዝብል እምነት ኢዩ ዘለኒ። ሕጂ`ውን ንሱ ኢዩ፡ ስለዝኾነ፡ እዞም ክልተ የሕዋት ምንእንቲ ህዝን ሃገርን ዝገተገራጨውዎ፡ መልሲ ተወሃሂቦም ልቦና የዕብዮም ክዕረቑ፡ ኣንጻር`ዚ ጨፍላቒ ስርዓት ቓልሶም ከሕይሉን ይምሕጸን።

    ዓወት ንኹሉ ደላይ ሓርነት።

  • Nur April 18, 2016

    mealtka do akila wedi ukbaldet. usub wlqe melaki koynka ztewaferkalu srah da hzbi keyfeleto nzelalem znebr ymesleka neru. asha ika. lomi kulu felitka alo. bal nska gena mealktum texebeyu. kurub keman aythafrn nseb bgenzeb ktsheyt! mushmush zeyertrawi. fsus hamot. akaluwom da nezom hsurat korakur. tekawemti ena nabelu seb kedenagru yeblomn.

POST A COMMENT