Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተወሳኺ ሓበሬታ ህልው ኩነታት ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ርእሲ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝሰርሖ ዘሎ ድራማታት ጭርጭር ዓበደ ናይ ቆልዑ ይቕጽሎ እዩ ዘሎ። ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብሞራል ኮነ ኢሉ ንምጉዳእን፥ ህዝቢ ተዋህዶ ከኣ ዝገብሮ የብሉን ዝብል ስንኩፍ ንዕቀትን ምድንጋርን ብመደብ ሓንጺጹ ዝሰርሓሉ

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ርእሲ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ዝሰርሖ ዘሎ ድራማታት ጭርጭር ዓበደ ናይ ቆልዑ ይቕጽሎ እዩ ዘሎ።

ንፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብሞራል ኮነ ኢሉ ንምጉዳእን፥ ህዝቢ ተዋህዶ ከኣ ዝገብሮ የብሉን ዝብል ስንኩፍ ንዕቀትን ምድንጋርን ብመደብ ሓንጺጹ ዝሰርሓሉ ዘሎ ጸይቂ እዩ።

ኣቐዲምና ከም ዝሓበርናዮ 9 መስከረም ብለይቲ ጨውዮም ክወስድዎም ዝረኣዩ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ኣረጋጊጾም እዮም። መዓልቲ ቅዱስ ዮውሃንስውን ኣብ ገዛ ከም ዘይነበሩ ሓበሬታ ኣሎ። ድሕሪ እዚ ብመራኸቢ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ግን፥ መኣስ ናብ እታ ዝተሓየሩላ ቤት ከም እተመልሱ ኣብታ ቤት ማእሰርቶም ከም ዝተራእዩ  ሓበሬታ በጺሑና ኣሎ። እንተ ኾነ ክሳብ ሕጂ ብኣካል ኣትዩ፥ ክርእዮም ዝኸኣለ የለን። ኣብ ዘይነበሩሉ ግዜውን ፖሊስ ኩሉ ጊዜ ኣብ ኣፍ እቲ ገዛ ንምድንጋር ይሕልዉ ነይሮም እዮም። እታ መግቢ እተቕርበሎም ሰራሕተኛውን ምስኦም ተዓጽያ ኣብ ማሕዩር እያ ዘላ።

እዚ ሕጂ ድሒሩ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፥ ብንጹር ዘይተረጋገጸ ስለ ዝኾነ ኣብ ቀጻሊ ብሩህ ሓበሬታ ከነቕርብ ምዃንናን፥ ህዝቢ ተዋህዶ ሕጂውን እዚ ስርዓት ኣብታ ሃይማኖት ዝፍጽሞ ዘሎ ኣሽካዕላል ኣብ ርእሲ ሽማግለ ኣቦና ምዕገቲ ክገብረሉን ይኣክል ክበሃልን ይግባእ እዩ።

 

ሓበሬታና ቀጻሊ እዩ ብዓይኒ መርፍእ ኣሕሊፍና እዚ ሓበሬታ ንልእከልኩም ኣሎና።

ደቂ ተዋህዶ ካብ ኣስመራ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Nakfa erey September 22, 2016

    Ata zeyakileka hasot akilika kithisu kitnebirr

    • ኤስሮም ወዲ May 22, 2017

      ዓርከይ ሓቂ ኢዩ። ፈቲኻ ተቀበሎ። ጸሊእካ ግደፎ።

  • PH September 22, 2016

    ዘይተነግረ ኢምበር ዘይተገብረ ነገር የለን ኢንተደሊኻ ኢመን ኢንተ ዘይኮይኑ ተጸበ።

    • AHMED SALEH !!! September 22, 2016

      Dekna Tefiom HASOT
      Teasirom HASOT
      Teketilom HASOT
      NEHNA NISU HADE LIBI ANXAR KEHADTI -WEYANE – CIA kinikales ina . wey gud .
      Amlakh dea baelu mihret yewrdelna imber natna ishnet si nibeynu iyu . .

  • Yonas September 22, 2016

    Heyyyyyyyyyyyyyy

  • Dcman Washington September 22, 2016

    ሮሜ8:35-36፤ ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧
    37-39፤ ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።
    ኣሜን!!!!!!!!!!

  • ኣርዓዶም September 24, 2016

    ዕጥቓዊ ቓልሲ ጥራይ ኢዩ ነዚ ጉዳይ ዝፈትሖ፡ ገለ ሰባት ንመን ክትቐትል ናብ መን ክትኩስ ዝብሉ ጎልባባት ይጥቐሙ ኢዮም። እዚ ግን ምኽኒት ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ፡ ምኽኒት ብምዅኑ ድማ፡ እንሆ ልዕሊ 20 ዓመታት ተበታቲና።
    ኩናት ከም ኣብ ናህና ጸገም መፍትሒ ሽግር ኢዩ፡ እምበር ተፈቲኻ ኣይኮነን። እዚ ክብሃል ከሎ፡ ንሶም ድማ ተኩሶም ሰብ ክቐትሉን ብዘይዝኾነ ገባር ከበሳብሱን ናጻ ዝበሎም ፍጹም የለን። ሽግርና ብዅናት ገጢምካ ንጸላ ኢ ህዝብካ ብምስዓር ጥራይ ኢዩ ዝውዳእ።

    ነዚ ድልዋት ክንከውን ተዘይበቒዕና፡ ከምዘለናያ እንዳ ኣስቖርቖርካ ምንባር ያ።

POST A COMMENT