Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተዛረቢ መስከረም

ተዛረቢ መስከረም መስከረም እስከ ተዛረቢ ኣበይ ኣለዉ እቶም ደቂ ህዝቢ ሓንቲ ሕልሞም ኤርትራ ክትዓቢ በጃኺባ ንዒ መልሲ ሃቢ ተወንጂልኩም ኣፍኩም ብዑቡሱ ኩሉ ተገዲዱ ኣንጻርኩም ክሕሱ ሕልንኡ ዝሸጣ ብፍትወት ናይ ነብሱ ንሱ ወንጀለና ተከሳሲ ክነሱ እቲ ከሳሲኩም እቲ ወንጀለኛ ብማዕከናት ዜና ዝመሰለ ሓቀኛ ብጅግንነትኩም ዝመሰለ ሓርበኛ ዕርቃኑ ወጺኡ

ተዛረቢ መስከረም

መስከረም እስከ ተዛረቢ

ኣበይ ኣለዉ እቶም ደቂ ህዝቢ

ሓንቲ ሕልሞም ኤርትራ ክትዓቢ

በጃኺባ ንዒ መልሲ ሃቢ

ተወንጂልኩም ኣፍኩም ብዑቡሱ

ኩሉ ተገዲዱ ኣንጻርኩም ክሕሱ

ሕልንኡ ዝሸጣ ብፍትወት ናይ ነብሱ

ንሱ ወንጀለና ተከሳሲ ክነሱ

እቲ ከሳሲኩም እቲ ወንጀለኛ

ብማዕከናት ዜና ዝመሰለ ሓቀኛ

ብጅግንነትኩም ዝመሰለ ሓርበኛ

ዕርቃኑ ወጺኡ ምዃኑ ናይ ህዝቢ ደመኛ

ወይ ታሪኽ ዘይተናሕሲ በትሪ

ኣቃሊዕካዮ ሰራቂ ብቀትሪ

ኣጋሊጽካዮ እቲ ሽፍታ ከታሪ

ዝስተር ዝነበረ ብናይ ጀጋኑ ግብሪ

ኣቃሊዕካዮ እቲ ኣምሰሉ መራሒ

ኣብ ዕዳጋ ወጺኡ ኩሉ ናቱ ሽርሒ

ኤርትራ ክትባድም ህዝባ ንክጸንቱ

ዝኸሓነ ጸላኢ ከተግብር ተንኮላቱ

ኦ ህዝቢ እንታዩ ጊደና

ኦ ሰራዊት ሓርነት ንዓባ ስምዓና

ህዝብና ክሳቀ ኣብ ቅድሚ ዓይንና

ከመይ ኢልና ነጽቅጥ ነሙዉት ሕልና

ኦ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዓዲ ዘሎኹም

ንምንታይ ትልእሙ እንዳ ተገፋዕኩም

ንዑባ ተስኡ እምቢታ ኣስምዑ

ክንደይ ሳዕ ከተጽቅጡ ህዝቢ ተገፊዑ

ኦ መራሕቲ ሃይማኖት ኣተግብሩ ሞያኹም

ሓቂ ተዛረቡ ብትእዛዝ ጎይታኹም

ንህዝቢ እለይዎ ግበሩ ግቡእኩም

ህዝቢ ከሲርኩምዎ ነብስኹም ፈቲኹም

ለካ ታሪኽ ብሓቂ መስትያት ኢኻ

ሓቂ ኣቃሊዕካዮ ንህዝቢ ገሊጽካ

እቶም ብዘይ ፍርዲ ዝተኣስሩ ጅጋኑ

ንኤርትራ ሓልዮቶም ዝዓበየ ኮይኑ

እቲ ናይ ኣፍ ጅግና ኣምሰሉ መራሒ

ዝገዝእ ዘሎ ብቅንጸላ ብሽርሒ

ተፈንፊኑ ቱፍ ኢልዎ ህዝቢ

ዕምሩ ንከሕጽሮ ይልምን ኣሎ ንረቢ

ተዛረቢ መስከረም ስለቶም ጀጋኑ

ንቁዋም ሓቲቶም በጃና ዝኾኑ

ሓንሳብ ተኣሲሮም ሃለዋቶም ዘይብልና

ስቅ ኢልና ነጽቅጥ ኣበሎ ሕልናና

ተስኡ ተስኣ ንተስእ ሓቢርና

ፍትሒ ንክረኽቡ ጀጋኑ ኣሕዋትና

መፍትሒ ኣይኮነን ናይ ሓባር ስቕታና

ብሓባር ንበራበር ነሕድስ ማሕላና

ኦ ጎይታይ ስምዓዮ ህዝብና

ወድኣልና ብኽያትና ስቃይና

ሓይልኻ ሃበና ክንዘርእ ልቦና

መፍትሒ ክንረክብ ኣብ ውሽጢ ዓድና

ኦ ጎይታ ትዱንጊ እምበር ኣይትርስዕን ኢኻ

ብሴፍ ዝገዝኤ ብሴፍ ዝኣለኻ

ሓይሊ ሃብ ንዉጹዕ ህዝብና

ብሰላም ክንከብር ንህግደፍ ኣሊና።

ሃብተ ክፍለ

ሆላንድ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Mohammed September 18, 2014

    Selam kemei wielkumuley dmxi rediona Asenna bmejemerta selamtay bmqhdam qhexile dma ab srahkumn asalton nkhtrekhbu ymneyelkum
    qhexile ane Mohammed Abdulkader Ahmidu ybehal xbuqh liela ymney bmqhxal hawey Said Abdelkader Ahmidu Adalawi gazieta hadas Admas ab temesasali Date 18/09/2014 kem kulatom ahwatna gazietegnatat teasiru dehaiu yeblein bmegedkhum ente deani selamta zbexh koynu kunetatu nkhnfelt
    wn sle zedliyeni mechbeti sienelu hansab alo hansab moitu enda tebahle ezom ab maekenat zienatat z zarebuwo emo yfelto eye mkhniyatu n nebsom kemey gierom aeminom teqhebalnet yrekhbu sle zkhone zeykone diyu zkhone tezaribka hangolseb m m qhqhal eyu slezi eti haqhi eyu gerimuna emo haderakhum nezom sdrabietat esuratsi eti haqhi ngeruwom belulwom ekhum wedehankum .

    kab hawkhum Mohammed

  • Semhar September 19, 2014

    Petros Selomon, Haile Duru, Sherifo, Oqube Abreha,

    ክብሪ ህዝቢ ኔሩዎም ኣይፈልጥን ። ፍቕሪ ሃገርውን ኔሩዎም ኣይፈልጥን! ቀደም ንስልጣኖም ክብሉ ብስም ሓለዋ ሰውራ ሰብ የጥፍኡ ኔሮም!

  • Semhar September 19, 2014

    ተዛረቢ መስከረም
    Petros Selomon, Haile Duru, Sherifo, Oqube Abreha,

    ክብሪ ህዝቢ ኔሩዎም ኣይፈልጥን ። ፍቕሪ ሃገርውን ኔሩዎም ኣይፈልጥን! ቀደም ንስልጣኖም ክብሉ ብስም ሓለዋ ሰውራ ሰብ የጥፍኡ ኔሮም!

POST A COMMENT