Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተዛረብ ምስሊ

ተዛረብ ምስሊ፡  ንስካ ኣይትሕሱ ተንትኖ ገበናት ፡ ናይ ንሕና’ዶ ንሱ ምስለይ ኣይኣክልን፡  ወስኪ እንካብ  በልኩም ቁርብ ዓፍራ በሉ፡  በጨቅ ከብለልኩም ኣይብላዕ ኣይስላዕ ፡  ጮው ተጻዒነ ብንቁጽ ጎሮሮ፡  ከመይ ኢለ ክንነ ካብ ዓቅመይ ንላዕሊ፡  እንዳ ጸዓኑኒ ዓይኒ ማይ ተንጽፍ፡  ኢሎም ይሓምዩኒ ቃላያት ዘንጽፉ፡  ባዕሎም

ተዛረብ ምስሊ፡  ንስካ ኣይትሕሱ

ተንትኖ ገበናት ፡ ናይ ንሕና’ዶ ንሱ

ምስለይ ኣይኣክልን፡  ወስኪ እንካብ  በልኩም

ቁርብ ዓፍራ በሉ፡  በጨቅ ከብለልኩም

ኣይብላዕ ኣይስላዕ ፡  ጮው ተጻዒነ

ብንቁጽ ጎሮሮ፡  ከመይ ኢለ ክንነ

ካብ ዓቅመይ ንላዕሊ፡  እንዳ ጸዓኑኒ

ዓይኒ ማይ ተንጽፍ፡  ኢሎም ይሓምዩኒ

ቃላያት ዘንጽፉ፡  ባዕሎም እንከሎዉ

ብኣይ ብእንስሳ፡  የጕረምሩሙ ኣሎዉ

ካባይ ዘይሕሹ፡  እቶም ዝኹብኹቡ

ሓንቂቓ ኣላ እዚኣ፡  ኢሎም ይዛረቡ

ኩሎም ሓደ ንሶም፡  እቶም ዝውጥጡ

ኣፈይ ዓቢሶምስ፡  ምስለይ ይሕንጥጡ

ህይወተይ ኣሕሲሮም፡  ካብ ኩሉ ፍጡረ

ብምስሊ ዓረምስ፡  ወካሊት ሃገረ

 

ንሶም እንታይ ጌሮም፡  ዝበደለት ናቅፋ

ሓቂ መሲልዋስ፡  ሂባትኒ ኣሕሊፋ

ቅያር ዘይብሉ ጮው፡  እንዳ ኣሰከሙ

ምድሪ ሒዘ ኣነ፡  ከማይ ይረምረሙ

ህይወተይ ኣሕሲሮም፡  ካብ ኩሉ ፍጡረ

ብምስሊ ዓረምስ፡  ወካሊት ሃገረ

እንተ ኣርክብኩምኒ ፡ ምስ ሕሙም ከብደይ

ከውርሶም  እየ፡  ኣነ ሒሮ ናይ ክሳደይ

መብጽዓ ኣሎኒ፡  ኣነ ካብ ዓንተቦ

ገመድ ናይ ክሳደይ ፡ ንዔኦም ክህቦ

ካብዚ ንላዕሊ ግን፡  እንታይ ክብል ኣነ

ቅንዕ ምባል ኣብዩ፡  ርእሲ ምስ ደነነ

ማንታ ውለዲ ኢልኩም፡  ብኣይ ትሕጎሱ

ሓቂ እንተ ኣልይኩም ፡  ሎሚ ተመለሱ

ካብዚ ንላዕሊ፡ እንታይ ኢልኩሞ ዘረባ

ምስለይ ይኣክለኩም፡  እንዳ’ኖ እንዳ’ባ

 

መረጸ ኣስመላሽ……………  መስከረም 25/ 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Cali September 26, 2013

    ቡሩኽ መስቀል ይግበረላትኩም:

    እምበይተዋ ሃመዓላ!! እወምበይ:: ኽረምቲ ዓድና ዳሕናኒሆ:: ንሰንከ ሃመይ እኒሀዋ? ጥዕኘአን ሃመይ እዩ? ፋቂዕናየን ደኾናይ::
    እም ልአንይ ልፈተውተኒ ቡሩኽ መስቀል ይግበረላትኩም ደኣም::
    ዓኾ ዓኾኾይ ሓምሊ ቁራዕ ውፃእ::

    Courtesy of Gebez

    The Tenbien-Mekele tigrinya dialect is great

    Happy Meskel and happy new year to all. Lets all sing: hoye hoye, hoye!

    • Meretse Asmelash September 26, 2013

      Are you sure you wouldn’t have any trouble for celebrating religious holidays based on Geez Calander?

  • Cali September 26, 2013

    Is there anyone who will bet with me on which direction the Asmara bone fire Damera may fall to? According to tradition, as you may know, if it falls to the East – sun rise – it is going to be a year of peace and a year of plenty; if it falls to the East – it is sunset – it is going to be a year famine, drought and political instability; if it is north or south, a mixed bag of both.
    Knowing this the Asmara regime, under the guidance of Yoftahe Dimetros, will build and rig the damera bone fire, in such a way that falls in the direction of Debre Bizen which is east of Asmara. It will be declared – sun rise!

    Happy Meskel!

  • belay nega September 26, 2013

    “ተዛረብ ምስሊ”

    ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይጨባ

    Leave the camel alone,it is being over used enough.

  • Cali September 27, 2013

    the ugliest and the most stubborn animal – the camel – is chosen as a national “symbol” for Eritrea.
    The Americans, Egyptians have a brave bird, while the British, Ethiopians have a lion, and Eritrea has an ugly scrawny Camel!

  • Meretse Asmelash September 27, 2013

    ክቡር ሓው/ሓፍቲ ቃሊ
    the ugliest and the most stubborn animal – the camel – is chosen as a national “symbol” for Eritrea.
    መጀመርያ ኩሉ ሓደ ፍጡር “ብዓይነ ኣደ” እዩ ዝምዘን። ግመል ብዓይኒ ኣደ ግመል፣ ሰብ ብዓይኒ ወላዲቱ፣ ከምኡ ጋውና ብዓይኒ ኣዲኡ…..ኢሉ ዝቅጽል ይመስለኒ። ቆርበት ግመል ከም ናይ ጂራፍ ቆርበት ሓሊፉ ሓሊፉ ዛዕጎል ዝጎደሎ እዩ ትብል እንተኮንካ ንዓካ’ውን ከማና ጻዕዳ፣ ብጫ ወይ ኣዚዩ ጸሊም ኣይኮነን ኢሎም ብዓይኖም ዝመዝኑዃ ይበዝሑ። ህግደፍ ንግመል ከም ዕላዊት መለለዪት ሃገረ ኤረትራ ምምራጹ ሓትያት የብሉን፤ ሓጥያቱ ኣብ ምርጋጹ፣ ዘክር ውክልና ግመል ውክልና ህዝቢ ኤረታራ እዩ።
    ከምዝመስለኒ ንግመል ብርሑቕ ኢካ ትፈልጦ ። ደፍረት ኮይኑ ኣይሰማዕካ ምናልበት ምስ ግመል ሌላካ ኣብ ደምበ እንስሳ (Zoo)ይመስል። ግመል ሒንጊድ (stubborn) ኣይኮነን
    ግመል ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ፣ ዝለወሃ፡ በዓልቲ ሕድሪ ..ዝኮነት እንስሳ እያ። ግደ ግመል ኣብቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ክሳብ ሕጂ’ውን ገመል ጸገማ ኣብ ባሕሪ ከርሳ ሓቢኣ ከተገልግል እንትነብር ዘላ እንስሳ ዘቤት እያ።
    ህግደፍ እውን ኣብ ሕርይኡ ጌጋ የብሉን። ንሱ ንህዝቢ ኤረትራ፡ ጻዕራም ሰራሕተኛ፡ ጸውር ጽምኢ፡ ምስ ጽምእ ጎሮሮን ጥሙይ ከብዱን ዘይስገር ሰጊሩ ዓዲ ዝኣቱ ማለቱ እንተኮይኑ ሕርይኡ ቅኑዕ እዩ። እንተኮነ ግን ኣፍን ግብርን እንተዘይ ተሳንየን ረብሓ የብሉን።
    ኣሚሪካን ግብጽን ምስሊ ነስሪ (eagles) ኢትይጵያ ኣንበሳ ምምራጸን ንዒኤን ዝግደፍ እዃ እንተኾነ ኣብኤን ተሓጺሩ ዝተርፍ ጥራሕ ግን ኣይኮነን። ጥንታዊ ምስሊ ኣርባዕተ እንስሳ’ውን ምድህሳስ ከድልየካ እዩ።
    ርሑስ በዓል መስቀል

POST A COMMENT