Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ                   ታደሰ ኪዳነ     በርሚንግሃም               ሕዳር 24 2015   ብዙሓት ሰባት “እዚ ሕቶ`ዚ ክለዓል`ውን ኣይነበሮን” ከም ዝብሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እንተኾነ ብገለ ሰባት ንክብርን ተራን ተጋደልቲ ዘቛሽሽ ዘረባታት ይስማዕ ስለ ዘሎ፡ ብዛዕብኡ ቁሩብ

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ

ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ

                  ታደሰ ኪዳነ     በርሚንግሃም               ሕዳር 24 2015

 

ብዙሓት ሰባት “እዚ ሕቶ`ዚ ክለዓል`ውን ኣይነበሮን” ከም ዝብሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እንተኾነ ብገለ ሰባት ንክብርን ተራን ተጋደልቲ ዘቛሽሽ ዘረባታት ይስማዕ ስለ ዘሎ፡ ብዛዕብኡ ቁሩብ ምዝራብ ጽቡቕ እመስለኒ። እዚ ዘረባታት`ዚ ካብ ነጻ ርእይቶ ናይ ውልቀ ሰባት ዝሓልፍ፡ ሓቦን ጽንዓትን ተጋዳላይ በዚ ሓድሽ ወለዶ ንኸይውረስ፡ ኮነ ኢሎም ነቲ ጉዳይ ብውሽጢ ውሽጢ ዘካውሱ ናይ ውሽጥን ወጻእን ሓይልታት ክህልዉ`ውን ስለ ዝኽእሉ፡ ከም እዋናዊ ዛዕባ ኣልዒልካ እንተ ተዘርበሉ ሓጋዚ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። እቲ ጽሑፍ ከይነውሕን፡ ንኣንባቢ መታን ክጥዕምን ድማ ኣብ ሰለስተ ክፋላት መቓቂለ ከቕርቦ ኢየ። ከም መጀምሪ ናይ ጽሑፈይ ድማ ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ብመንነት ተጋዳላይ ክጅምር ኢየ።

ተጋዳላይ መን`ዩ?

ተጋዳላይ፡ ገድሊ ወይ ምግዳል ዝብሉ ሓረጋት፡ ካብቲ ገደል ዝብል ናይ ትግርኛ ሱርወ ቃል ዝመጽአ እመስለኒ። እቲ ገደል ዝብል ቃል ድማ ንሓደ መውረድን መደየብን ዘይረኣየሉ ጸድፊ ዝወሃብ ቃል ኢዩ። ኣብ ንቡር  እዋን ብገደል ወይ ብጸድፊ ክሰግር ዝደሊ ሰብ የለን። ምናልባት እንተልዩ`ውን ሳዕቤኑ ዘይርዳእ ዝተጸለለ ወይ ዝሰኸረ ሰብ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ። ናብ ጸድፊ ወይ ገደል ዝኣቱ ሰብ ድማ ብህይወት ክወጽእ ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ውሱን ኢዩ። በቲ ገደል ሸለው ኢሉ ሸክና ርእሱ፡ መሰናግልኡን መሓውሩን ተሰባቢሩ ይመውት። ዝተሰብረ ኣካላቱ ኣብ ሞት ዘየብጽሕ እንተኾይኑ ድማ ንምሉእ ህይወቱ ምስኡ ዝኸይድ ስንክልና ይህልዎ። ብገደል ሸለው ድሕሪ ምባሎም፡ ጫፍ ናይ ገረብ ሒዞም ዝድሕኑ፡ ኣብ ሑጻ ወይ ድኹም ሓመድ ዱብ ኢሎም ብህይወት ዝተርፉ ሰባት`ውን ሳሕቲ ኣይሰኣኑን ኢዮም።

ተጋዳላይ እምበኣር፡ ብሕማም ኣእምሮ ዘይኮነስ፡ ገና ኣብቲ ንኡስ ዕድሚኡ፡ ብጓኖት ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ክወርድ ብዝረኣዮ ግፍዒ፡ ዓመጽን ማእሰርትን ቅትለትን ህዝቡ ስለ ዘየቅሰኖ፡ ንኩሉ ናይ ህይወት ምርጫታት ንድሕሪት ገዲፉ፡ ሃጽ ኢሉ ናብ ገድሊ (ናብቲ ገደል) ዝወፈረ ሰብ ኢዩ። እዚ ክገብር ከሎ ድማ ሞትን ስንክልናን ከም ዘጋጥሞ ይፈልጥ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንገፋዕትን ቀተልትን ቀቲሉ፡ ሕነ ህዝቡ ክፈዲ፡ ኣብ መቓብር ጸላእቱ ንሱ`ውን ተቐቲሉ፡ ናእሽት ኣሕዋቱ ብሰላም ክነብሩ ስለ ዝደለየ ጥራይ ኢዩ። ተጋዳላይ ብመስዋእቱ ራህዋ ከምጽእ ናብቲ ገድሊ (ገደል) ዝኣተወ እምበር፡ ከምቲ ገሊኦም “ምቅንጃው ገድሊ . . “ እናበሉ ዘባጭውሉ ካብ ሞትን ስንክልናን ጉንዖ ክረክብ ስለ ደልዩ ናብ ገድሊ ዝወፈረ ኣይኮነን።

ኣገባብ ኣሰላልፋ ተጋደልቲ ዝፈላለ`ኳ እንተኾነ፡ ሓንሳብ ኣብቲ ገድሊ ምስ ኣተዉ፡ ኩሎም ነቲ መትከል ኣጽኒኦም ስለ ዝሓዝዎ ጥራይ ከኣ ኢዩ፡ እቲ ሕሱም ጸላኒና ካብ ሃገርና ክባረር ዝኸኣለ። ነዚ ዘምጻእኩዎ፡ ገለ ምስሉያት ስም ተጋዳላይ እናኣልዓሉ ቦጨቕ ዘብልዎ ዘይውርዙይ ዘረባታት ስለ ዘሎ ኢዩ።

ተጋዳላይ ዝብል ቃል እምበኣር፡ ነቲ ካብ ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም ክሳብ ምሕራር ከተማ ዓሰብ (ግምቦት 1991 ዓ.ም) ኣንጻር መግዛእቲ ዝቐንዕ ብረት ዝተሓንገጠ ኤርትራዊ ዝወሃብ ስም ኢዩ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዝተፈላለየ ኣስማት ዝሓዙ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ነይሮም`ኳ እንተኾኑ፡ መብዛሕትኦም ተጋደልቲ ግን ኣብ ህዝባዊ ግምባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ምንባሮም ዘካትዕ ኣይመስለንን። ሎሚ እቶም ቀንዲ ግዳያት ኮይኖም ዘለዉ ግን፡ ኣቶም ንኹሉ ሽግራት ተጻዊሮም፡ ስኖም ነኺሶም፡ ክሳብ መዓልቲ ናጽነት ዝመከቱ ሎሚ ኣብ ምሽምጋል ዘለዉ ኣባላት ህዝባዊ ግምባር ዝነበሩ ተጋደልቲ ኢዮም።

ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ካብ 1981 ዓ.ም ክሳብ ዕለተ ናጽነትን ድሕሪኡን ኣብ ተመሳሳሊ ጸገም ከም ዝንበሩ ክዝከር ይግባእ። እንተኾነ ኣብተን ዝሓለፋ ዓሰርተ ናይ ቅድሚ ናጽነት ዓመታት (1981 – 1991) ንብዙሕ ሽግራትን ስደትን ሰጊሮም፡ መብዛሕትኦም ንቡር ሲቪላዊ ህይወት ሰሪዖም ዝነበሩ እመስለኒ። ብኸምኡ ከኣ ኢየ ኣብቶም ናይ ድሕሪ ናጽነት ግዳያት (ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር) ከተኩር ዝመረጽሉ። እዚ ክጽሕፍ ከለኹ ግን፡ ብዙሓት ተጋደልቲ ተ. ሓ. ኤርትራ፡ ንስለ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ንእስነቶም ኣብሊዮም ክንሶም፡ ሓመድ ዓዶም ከይረገጹ ኣብ ስደት ከርተት ይብሉ ምህላዎም እናዘከርኩ ኢየ። እዚ ስዒበ ዝዛረበሉ ነጥብታት ግን መብዛሕትኡ፡ ንተመኩሮይን ተመክሮ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባርን (ኣነ`ውን ከም ኣባል) ዝምልከት ኢዩ። ኣብዚ`ውን ንኹሉ ዝበሃል በብሓደ ምዝርዛር ዘድሊ ኣይመስንን፡ ንሎሚ ግን ብዉሑዱ ኣብ ገለ ካብተን ቀንዲ ነጥብታት ከም ኣብነት ወሲደ ክዛረብ ኢየ።

ገለ ካብቲ ዝበሃል ፡ –

ሀ. ንኢሰያስ እምበር ንህዝቢ (ንዓና) ኣይተጋደልኩምን

ለ.  ጎዶሎ ናጽነት ሒዝኩም ኣቲኹም

ሐ. ብረት ነይሩኩም እንድዩ

መ.  ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ካብ ህግደፍ ኣይበተኹን

ረ. ተጋደልቲ ንሶምን ኣተሓሳስባኦምን ክጎሓፉ ኣለዎም

ሰ.  መንእሰይ ንበይንኻ (ብዘይ ተጋደልቲ) ተቓለስ

ሀ. “ንኢሰያስ እምበር ንህዝቢ ኣይተቃለስኩምን”

እዚ ዘረባ`ዚ ኣብ ገለ ካብ ኣንጸርጽሮት፡ ኣብ ገለ ድማ ካብ ዘይብስለት ብኣዝዮም ውሑዳት ግን ከኣ ዕሽው ዝበሉ ሰባት ዝድርበ ቃላት ኢዩ። ሎሚ ንሰምዖ ዘለና ብሱልን ዘይብሱልን መግለጺታት ገዲፍካ፡ ሓያሎ ዓመታት ንድሕሪት  (ናብ ዘመነ ገድሊ) ተመሊስና፡ ንተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር “ኢሰያስ መን`ዩ?” ዝብል ሕቶ እንተ ዝቐርቦም “ኢሰያስ ከማና ተጋዳላይ ኢዩ፡ ሓደ ካብ ኣባላት መሪሕነት ድማ ኢዩ” ዝብል መልሲ እምበር፡ ኣልፋን ኦመጋን ናይቲ እንስዋኣሉ ዝነበርና ዕላማ ምንባሩ፡ ወይ ምእንትኡ ኢየ ዝጋደል ዘለኹ” ዝብል ተጋዳላይ ዋላ ሓደ`ኳ ኣይምተረኽበን።

እቲ “ኢሰያስ መን`ዩ?” ዝብል ሕቶ፡ ነቶም ብህይወት ዝኣተዉ ተጋደልቲ፡ ድሕሪ ናጽነት እንተ ዝሕተቱ`ውን፡ ሓደ ክልተ ብረብሓ ዝተታሕዙ ገዲፍካ፡ እቲ መልሲ “ንሱ ሕድሪ ብጾቱ ዝጠለመ፡ ህዝቢ ዝበተነን ሃገር ዘባደመን ስሱዕን ገበነኛን ኢዩ” ዝብል መልሲ ምሃቡ።

እዚ ዘረባ`ዚ እምበኣር፡ ዘይሓላፍነታዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኤርትራዊ ሓርበኝነት ዘዋርድ፡ ነቶም ንኹሉ ናይ ህይወት ኣማራጺታት ንድሕሪት ገዲፎም፡ ንስለ ህዝቦምን ሃገራዊ መንነቱን በረኻ ዝወፈሩ ተጋደልቲ ድማ ዓቢ ሕልናዊ ማህሰይቲ ኢዩ። ስለዚ ዝኾነ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ኣለንኒ ዝብል ዜጋ ጠጠው ኢሉ ክዳፋዓሉ ዘለዎ ግዕዙይ ዘረባ ኢዩ።

ለ. “ጎደሎ ናጽነት ሒዝኩምልና ኣቲኹም”

እዚ`ውን ዝኾነ ፖለቲካዊ ብስለት ዘይብሉ፡ ናይ ዘረባ ክእለት ኣለንኒ ዝብል ኤርትራዊ `ሰው` ዘብሎ ዘረባ ኢዩ። ገለ ሰባት ኣብ መንጎ ሃገራዊ ናጽነትን ህዝባዊ ሓርነትን ዘሎ ፍልልይ ኣይርዳኡን ኢዮም። ሃገራዊ ናጽነት (ልኡላውነት ሃገር) እቲ ናይ ሓርነት ሰራዊት ኣብ ልዕሊ መግዛእታዊ ሰራዊት ብዘመዝግቦ ዓወታት ኢዩ ዝረጋገጽ። ተጋደልቲ ድማ ነዚ ሕቶ`ዚ፡ ንእስነቶምን ክቡር ህይወቶም ከፊሎም፡ ብልክዕ ኣረጋጊጾሞ ኢዮም።

ህዝባዊ ሓርነት ግን ብረት ብዝዓጠቁ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ባዕሉ ምእንቲ መሰሉ ብዝገብሮ ልዑል ውዳበን ንስለ ፍትሒ ብዝኸፍሎ መስዋእትን ኢዩ ዝረጋገጽ። እቶም ሃገራዊ ናጽነት ዘረጋገጹ ተጋደልቲ ድማ፡ ኣብታ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር፡ ከም ኩሉ ደርባዊ ሕ/ሰብ፡ ዝበዝሑ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም፡ ገሊኦም ድማ ምእንቲ ውልቃዊ ረብሓኦም ኣንጻሩ ክስለፉ ባህርያዊ ኢዩ። ንተጣበቕቲ “ጎደሎ ናጽነት” እምበኣር፡ ተጋደልቲ ንሕሱም መግዛእታዊ ሓይሊ ካብ ምሉእ ሃገር ኣባሪሮሞ ኢዮም። እንተ`ቲ ንእኩያት ደቂ ሃገር ካብ ስልጣን ኣሊኻ ልዕልና ሕጊ ምርግጋጽ ግን ንነብሲ ወከፍ ዜጋ ዝምልከት እምበር፡ ንተጋደልቲ ጥራሕ ዝግደፍ ስራሕ ኣይኮነን። ስለዚ ካብ ከምዚ ዝበለ ናይ ሃበስ ቀደስ ዘረባ ወጺእኩም ኣብ ጎድኒ`ቶም ምእንቲ ፍትሒ ዝቃለሱ ዘለዉ ተጋደልትን ካልኦት ኣሕዋትኩምን ደው ኢልኩም እጃምኩም ኣበርክቱ እብሎም።

ሐ. “ተጋደልቲ ሰብ ብረት እንድዮም ነይሮም” . . . ዝበል ዘረባ

መበገሲ ናይ`ቶም ነዚ ዘረባ`ዚ ዝደጋግሙ ሰባት፡ “ኢሰያስ ካብ ቀደሙ ቀታሊ ምዃኑ ይፈልጡ ነይሮም እንድዮም፡ ንሱ ከይቀደምም በቲ ዝሓዝዎ ብረት ዘይቀትልዎ ነበሩ” ዝብል ኢዩ። እዚ ኣበሃህላ`ዚ ንባዕሉ ነቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ ዝምልከት ዘይኮነስ፡ ናብቶም ኣብ ጥቓ ኢሰያስ ዝነበሩ ሓለፍቲ ጥራይ ዘነጻጸረ ኢዩ ዝመስል። ስለዚ እቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝነበሩ፡ ሕጂ ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ባይታ ዘለዎም ሰባት ክምልስሉ ዘለዎም`ኳ እንተኾነ፡ ግዝኣተ ሕጊ ዝረጋገጽ ግን (ነብስኻ ንምክልኻል ዝውሰድ ስጉምቲ ኣብ ቦትኡ ሃልዩ) ንቀታሊ ኣብ ሕጊ እንተ ኣቕሪብካዮ እምበር፡ ንባዕልኻ ናብ ሕጊ ተቐይርካ ስለ ዝቐተልካዮ ኣይኮኦነን። ኢሰያስን ጉጅልኡን ቀተልቲ እንተነይሮም፡ ነቲ ምቅትታል ብጸልማትን ብሰላሕ መላሕን ዝገበሩዎ ድኣ`ምበር፡ ሰብ ኣኪቦም ብእዉጅ ዝተገብር ኣይነበረን። እዚ ኣበሃህላ`ዚ እምበኣር፡ ናይቶም ንነብሶም ክውፈዩ ዘይደልዩ፡ ካልኦት ኣብ ዘረጋገጽዎ መሰልን ትኳቦን ዝነብሩ፡ ናይ በለጸኛታትን ሰነፋትን ዘረባ ምኻኑ ክበርህ ኣለዎ።

ንዝርግሐ ብረት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ግን፡ ካብቲ ስርዓት ሃይለ-ስላሴ ብስም `ነጨ – ለባሽ` ኣብ ብዙሓት ገጠራትን ከተማታትን ሃገርና ጠመናጁ ካብ ዝዝርግሕ ጀሚሩ (1967 ዓ.ም) ኣብ ኤርትራ ብረትን ዕርፍን መኻይዲ ምንባሮም ክበርህ ይግባእ። ስለዚ ክገብር ንዝደሊ ሰብ፡ ሰኣን ብረት ጠጠው ዝብል ኣይመስለንን። ንስኻ ክትገብሮ ንዘይደለኻን ዘይከኣልካን፡ ብናይ ካልኦት ስንፍና ክትገልጾ ምፍታን ግን ቅኑዕ ኣይኮነን። ምስሉይነት ከኣ ኢዩ።

መ. “ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር ካብ ህግደፍ ኣይበተኹን”

ውልቀ-መለኽቲ ነቲ ኣንጻሮም ዝለዓል ህዝባዊ ተቓውሞ ንምጭፍላቕ ኩሉ ዓይነት ስጉምቲ ከም ዝወስዱ ዘካትዕ ኣይኮነን። ህግደፍ`ውን ንገለ ተጋደልቲ በረብሓ ደሊሉ ወይ ቅድም ብዝፈጸምዎ ገበናት እናኣፈራርሐ፡ ደምበ ተቓውሞ ንምዝራግ ዘይፍትን ኣይኮነን። ህግደፍ ተኣልዩ ቅድም ዝፈጸምዎ ገበናት ኣብ ህዝቢ ከይቅላዕ ዝፈርሑ፡ ምእንትኡ ድማ ህግደፍ ክጸንሓሎም ዝደልዩ ገለ ሓለፍቲ`ውን `ምስቲ ስርዓት ኣይተሓባበሩን ኢዮም` ንምባል ዝከኣል ኣይኮነን። እንተ`ቲ ብረብሓ ምድላልን ምስዳዕን ግን፡ ካብቶም ምእንቲ ረብሓ ህዝቦም ጥዑም ገዲፎም ህይወቶም ክብጅዉ በረኻ ዝወጹ ተጋደልቲ ንላዕሊ፡ ነቲ ካልእ ክፋል ሕብረተ ሰብ ምድላል ዝቐለለ ምዃኑ ክስሓት የብሉን። እዚ ማለት ግን ተጋደልቲ ዝነበሩ ፍጹም ኣይድለሉን ኢዮም` ናብ ዝብል መደምደምታ ዘብጽሕ ኣይኮአነን።

“ተጋደልቲ ህዝባዊ ግምባር፡ ካብ  ህግደፍ ኣይበተኹን” ዝብል ኣበሃህላ ግን ውሽጣውን ግዳማውን መበገሲታት ከም ዘለዎ፡ ብዙሓት ኣፍልጦ ዘለዎም ሰባት ይዛረቡ ኢዮም።

እቲ ውሽጥእዊ ዝበሃል፡ እቶም ዝሓሸ ፖለቲካዊ ብስለትን ተመክሮን ዘለዎም ተጋደልቲ፡ ነቲ ኣንጻሩ ዝቐንዐ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ ከይውድቡዎን ከይጥርንፍዎን ስለ ዝሰግአ፡ ህግደፍ ባዕሉ ኮነ ኢሉ ውሽጢ ውሽጢ ብመርበባት ሓበሬታ ባዶ ሰለስተ ዝዝርግሖ መናውራ ኢዩ። ንብዙሓት ድማ ኣደናጊሩ ኢዩ። ከም ሳዕቤኑ ብዙሓት ናይ ምውዳብን ምምራሕን ተመክሮ ዘለዎም ተጋደልቲ ነብሶም ስለ ዘግለሉ፡ ዝመርሖን ዝጥርንፎን ዝሰኣነ ደምበ ተቓውሞ ነንሕድሕዱ ክናኸስ ይረአ ኣሎ። ውሑዳት “ካብ ትም ምባል፡ ገለ ምግባር ይሓይሽ” ዝበሉ ተጋደልቲ ድማ፡ በቶም ዝተደናገሩ ግን ከኣ ኣብ ጎድኖም ደው ክብሉ ዝግበኦም ሰባት ወይ ተዘሊፎም ወይ ሰማዒ ስኢኖም፡ ተሳታፍነቶምን ተበግሶኦምን ከድምዕ ኣይከኣለን።

እቲ ግዳማዊ ሸነኹ ድማ፡ እቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ተራን ሓለፍትን ተጋደልቲ ኤርትራ ዝተጠርየ ጽንዓት፡ ተወፋይነት፡ ሕራነ ኣብ ዕላማን ሓቦን ዝመለለይኡ ፍሉይ ሕላገት ተጋዳላይ በቲ ሓድሽ ወለዶ ክውረስ፡ ብናይ ከባቢና ናይ ግዳም ሓይልታት ዝድለ ኣይኮነን። ንሳቶም እንተሰሊጡዎም፡ ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም፡ ሓለይትን ተደናገጽትን እናመሰሉ፡ ንኡስ ኤርትራዊ ወለዶ ንክብርን ጽንዓትን ኣቦታቱ ክጽየንን፡ መጋበርያ ስዉር ዕላማታቶም ክገብርዎን ዘይደልዩ ኣይኮኑን። እቲ ሓሓሊፉ ዝስማዕ፡ ንክብሪ ናጽነት ሃገርና ዘነኣእስ፡ ነቲ ምእንትኡ ዝተኸፍለ መስዋእትን ነቲ ናጽነት ሃገር ዘዕተረ ተጋዳላይን ዘቛሽሽ መደረታት ድማ ካብዚ ኣተሓሳስባታት’ዚ ነጻ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ኢዩ።

እቶም ናይ ግዳም ሓይልታት ምእንቲ ክብሪ ህዝቦምን ግዝኣታዊ ሓድነት ሃገሮምን ልዑል መስዋእቲ ዝኸፍሉ ክንሶም፡ ነቲ ምእንቲ ክብሪ ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ልኡላውነታን ዝተኸፍለ ዋጋ ግን የነኣእስዎ ኢዮም። ብወገነይ ኤርትራዊ ወለዶ ነቲ ጽቡቕ ካብቲ ክርዳድ ናይ ምፍላይ ዓቕሚ ከጥሪ ይግባእ በሃላይ ኢየ። ከጥሪ ጥራይ ዘይኮነ`ውን ምእንቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ክብርን፡ ክብሪ ኣቦሓጎታቱን ክዳፋዓሉን ክከላኸለሉን ይግባእ። ስለዚ እቲ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ፓል-ቶክ፡ እንተ ብዕሽነቶም ወይ ተላኢኾም ብገለ ዘይሓላፍነታውያን ሰባት ዝዝረብ፡ ንሓርበኛነት ኣያታቶምን ኣቦታቶምን ዘቖናጽብ ዘረባ፡ ሰማዒ ክረክብ ዘይኮነስ፡ ከም ዘረባ ክመጽእ`ውን ክፍቀደሉ የብሉን።

እዚ ንመንነት ንኡስ ኤርትራዊ ወለዶ ዘጽርፍ ዘይውርዙይ ዘረባታት`ዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ሱዳን ወይ ኣብ ዝኾነት ናይ ዓለምና ሃገር ፡ብተመሳሳሊ ኣገባብ ንክብሪ ኣቦታቶም ዝዝልፍ ዘረባታት ኣንተ ዝዝረብ፡ መንእሰያት ናይተን ሃገራት እንታይ ግብረ-መልሲ ምሃቡሉ ኢልና ክንሓስብ ይግባእ። ስለዚ ንኡስ ኤትራዊ ወለዶ፡ ግዳይ ናይቶም ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ዝመጽኡዎ ኣትማን ክኸውን የብሉን።

ረ. “ተጋደልቲ፡ ንሶምን ኣተሓሳስባኦምን ክጎሓፉ ኣለዎም”

ኣብዚ ነቲ `ምጉሓፍ` ዝብል ዘይውርዙይ ዘረባ ንጎኒ ገዲፈ ኢየ ክዛረብ። ምኽንያቱ ኤርትራዊ ባህሊ ኣቦታቱ ዘኽብርን ንዝኣረጉ ዝጥውርን እምበር፡ ንዝሸምገለ ዝጉሕፍ ወይ ዘናሽው ኣይኮነን። ገለ የዋሃት ዝመስሉ፡ ነዚ ኣበሃህላ`ዚ ዝደግሙ ሰባት ዝህብዎ ምኽንያት “ተጋደልቲ ኣብ ጀብሃን ሻዕብያን ዝተኸፋፈሉ፡ ኣውራጃውን ወገናውን ስምዒታትን ምክፍፋልን ዘዘውትሩ፡ ብዓቢኡ ድማ ካብ ቅርንትን ህልኽን ስለ ዘይተገላገሉ፡ ኣብዚ ናይ እዋንና ፖለቲካዊ ስራሕ ክሳተፉ የብሎምን” ዝብል ምኽንያት ይህቡ ኢዮም። እዚ ኣበሃህላ`ዚ ዘደናግሮም ኣሕዋት እንተልዮም “ተጋደልቲ ብኸምዚ ዝበሃል ዝተመቓቐሉ እንተ ነይሮም፡ ነቲ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ ዝበርትዐን ዝሓየለን ወታደራዊ ዓቕሚ ዝነበሮ መግዛእታዊ ስርዓት ክስዕርዎ ምኸላኡ`ዶ?” ኢሎም ንነብሶም ተመሊሶም ክሓትዋ ጥራይ እላበዎም።

እዚ ቀሊል ዝመስል ኣበሃህላ`ዚ ግን ሓደገኛ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘለዎ ኮይኑ፡ ብድሕሪት ዝዝውርዎ ሓይልታት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ክስሓት የብሉን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ክብ ኢሉ ኣብ `መ` ተዘርዚሩ ዘሎ ኮይኑ፡ ንኡስ ኤርታዊ ወለዶ ኣብ ናይ ክትዕ መድረኻት ዘተኣናግዶ ዘይኮነንስ፡ ተሪሩ ክዳፋዓሉ ኢዩ ዝግባእ። ሕጂ`ውን እቲ ጽንዓት፡ ተወፋይነት፡ ሕራነ ኣብ ዕላማን ሓቦን ተጋደልቲ፡ ኣብ ደም ነብሲ ወከፍ ኤርትራዊ ሰሪጹ፡ ምስቲ ንግዝኣተ ሕጊ ዝገብሮ ቃልሲ ከወሃህዶን ከም ክቡር ኤርትራዊ ባህሊ ክወርሶን እምበር፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትዎ የብሉን። ናይ ውሽጥን ናይ ግዳምን ተጻባእቲ ሓይልታት፡ ነቲ ገበነኛታት መራሕቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝፍጽምዎ ገበን ተጠቒሞም ንመሰረታዊ ክብርታትናን ጽንዓትናን ክብውዝዎ ክፍቀዶም የብሉን።

ሰ. “መንእሰይ ንበይንኻ (ብዘይ ተጋደልቲ) ተቓለስ”

እዚ ኣበሃህላ`ዚ እውን፡ ገለ ሳስቤኑ ካብ ዘይምርዳእ ክደጋግምዎ ዝጸንሑ፡ ህግደፍን መሰልቶምን ግን ብመደብ ብናይ ስለያን ጸጥታን መሓውራቶም ዝሰርሕሉን ብዙሕ ገንዘብ ዘፍሰስሉን ኣተሓሳስባ ምዃኑ፡ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰባት ይመኽሩ ኢዮም። ኣብ ምድኻም ደምበ ተቓውም ድማ ኣብ ታሪኽና መወዳድቲ ዘይብሉ ሃስያ ፈጺሙ ኢዩ። ብዙሕ እዋን “መንእሰይ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኢዩ” ክበሃል ይስማዕ ኢዩ። እዚ ማለት ግን፡ እቲ ምሉእ ኣካላዊ ብቕዓት ዝውንን፡ ከም ድላዩ ዝጎይን ዝነጥርን ውዑይ ዕድመ፡ ኣብቲ ንለውጢ ዝግበር ቃልሲ ዝለዓለ መስዋእቲ ዝኸፍል ንሱ ኢዩ” ንምባል እምበር፡ “እቲ ዝግ ኢሉ” ክሓስብ ዘይተዓደለ ንኡስ ዕድመ፡ ልዕሊ`ቶም ብተመሳሳሊ መስርሕ ሓሊፎም ልዑል ተመኩሮ ዝደለቡ ኣቦታቱን ኣያታቱን ናይ ምውዳብን ምምራሕን ዓቕሚ ኣለዎ” ማለት ኣይኮነን። ከምቲ ወዲ ሓረስታይ፡ ናውቲ ማሕረስ ኣዋዲድካ ምሕራስ ካብ ኣቡኡ ዝመሃር፡ ወዲ ነዳቓይ እምኒ ጸሪቡ – ኩረት ደጊፍካ ምንዳቕ ካብ ኣቡኡ ዝመሃር፡ ኣብ ፖለቲካን ምሕደራን ዝነጥፍ መንእሰይ እውን፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሞያ ተመክሮ ምስ ዘለዎም ዓበይቲ ከይተጸግዐን ከይተማህረን፡ ኣብቲ ሞያ ብቕዓት ዘለዎ ስራሕ ክሰርሕ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ ኢዩ። ምናልባት እንተ ሰሊጡዎ ድማ ሓይልን ቅንጸላን ኣሰንዩ ጥራይ ኢዩ ክበጽሖ ዝኽእል።

ኣብዚ መዳይ`ዚ እውን ንኡስ ኤርትራዊ ወለዶ፡ ንክብርታት ኣቦታቱ ወሪሱ ከማዕብሎን ክውስኸሉን እምበር፡ ካብኦም ክንጸልን ንክብርታቶም ከቋሽሽን እንተ ፈቲኑ ከይተፈለጦ መሳርሒ ናይ ተጻባእቲ ሓይልታት ይኸውን ከም ዘሎ ክበርሃሉ ይግባእ።

ኣብዚ መዳይ`ዚ ጸቒጠ ክዛረበል ዝደሊ፡ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝነብሩ ሰባት ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ክፈላለዩ ባህርያውን ቅቡልን ኢዩ። እቲ ምፍልላይ ካብዚ ሰጊሩ፡ ኣብ መንጎ ተጋደልትን ዘይተጋደልትን፡ ዓበይትን ናእሽቱን ከምኡ`ውን ሃይማኖትን ከባብን እንተ ተሓሲሱዎ ግን መንገዲ ዕንወትን ስዕረትን ምዃኑ መንእሰያትና ክፈልጡ ይግባእ።

ተጋዳላይን ናጽነት ኤርትራን፡ ሓደ ኣካልን ኣምሳልን ኢዮም

ከም መጠቓለሊ ናይዚ ክብ ኢለ ዝገለጽኩዎ ነጥብታት፡ ሓሳባተይ ኣብዚ ዝስዕብ ክጾምቆ ጽቡቕ ይመስለኒ። ናጽነት ሃገር ይኹን ኤርትራዊ መንነት፡ ፍረ ቃልስን መስዋእትን ተጋዳላይ ኢዮም። “ብኤርትራውነተይ እኾርዕ ኢየ” እናበልካ፡ ነቲ ኤርትራዊ መንነት ክዉን ዝገበረ ተጋዳላይ ምንሻው ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ክኸውን ዘለዎ ወይ ንኽልቲኡ ተቐቢልካ፡ ብኤርትራውነትካ ኮሪዕካ ነቲ ናብኡ ዘብጽሓካ ተጋዳላይን ጻምኡን ክብሪ ምሃብ ኢዩ፡ ወይ ድማ ንኽልቲኡ ነጺግካ፡ ካልእ ኣማራጺታት ኣብ ምድላይ፡ ኣብ ሓሸውየ ኮለል ምባል ኢዩ። ተጋዳላይን ናጽነት ኤርትራን ዘይነጻጸሉ ሓደ ኣካልን ኣምሳልን ኢዮም። ዋላ እቶም ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ስልጣን ሒዞም ዘለው ተጋደልቲ ነበር ሓለፍቲ እውን፡ በቲ ኣብ ገድሊ ዘሕለፍዎ ህይወት ዘጽልእ የብሎምን። እንተ`ቲ ኣብ እዋን ገድሊ ኣብ ልዕሊ ብጾቶም ተጋደልቲ ዝፈጸምዎ ግፍዒ ይኹን ሕጂ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝፍጽምዎ ዘለው ገበናት ግን ብሕጊ ክንፋረዶም ይግባእ። ነዚ ንምግባር ከኣ ኢዮም፡ እቶም ናጽነት ሃገር ዘረጋገጹ ተጋደልቲ፡ ኣብ ዳግማይ ቃልሲ ተጸሚዶም ዘለዉ። ስለዚ እዚ ስም ተጋዳላይ እናኣልዓልካ ብኣልማማ ምንሻው፡ ህግደፍ በመደብ ዝጉስጉሰሉ፡ ናይ ከባቢና ሓይልታት ድማ ብርኡይ ዝሰርሕሉ ዘለዉ ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ “ፍቕሪ ሃገር ኣለንኒ” ዝብል ዜጋ ፖለቲካዊ ሳዕቤኑ ተረዲኡ ብጥንቃቐ ክሓስበሉን፡ ነቶም ብግርህና ዝደጋግሙዎ ድማ ዓገብ ክብሎምን ይግባእ።

ኣብ ዝቕጽል ካልኣይ ክፋል ድማ፡ እቶም ግዳያት ናይ ዘይውርዙይ ዘለፋታት ኮይኖም ዘለዉ፡ ሃገራዊ መንነት ዘዕተሩ ጀጋኑ ተጋድልቲ፡ ኣብታ ብደሞም ዝተረጋገጸት፡ ብግህደፍ `ቁማር` ዝተባህለት ሃገሮም፡ ነቲ ብዕጽፍጻፍ ዝዓብዮም ጸላኢ ድሕሪ ስዒሮም ናጽነት ድሕሪ ምርግጋጾም፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይነብሩ ከም ዝነበሩን ከም ዝለዉን ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ ኢየ።

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

ይቕጽል . . . . .

aseye.asena@gmail.com

Review overview
48 COMMENTS
  • Keren November 26, 2015

    selam Tadese, you made a good input into the discussion. The ordinary tegadaly is not the problem. He or she has done his best under the circumstances whether forced or volunteered but we can not deny they were part of it. One of the main obstacles in current Eritrea is the generational gap between the veterans and the warsay generation: the “Guerrilla mindset v. the civic mindset”. The elites in Eritrean opposition mindset is too outdated to accommodate the young generation that one Eritrean observer called them a “fossilized dinosaurs”. The mindset in the elite of the opposition and in the regime has to change or there will be no Eritrea. We even have a completely slavish mindset in some quarters that has no respect to who they are.

  • ሃይለ ስምኦን November 26, 2015

    ሎሚ ቅነ ድማ ተጋደልቲ ሽፍታ ኢዮም ክበሃል ሰሚዕና። ቀደም ኣብ እዋን ቃልሲ፡ ስርዓታት ደርግ ይኹኑ ስርዓት ሃይለ-ስላሴ፡ ነቶም ኣብ በረኻ ንናጽነት ኤርትራ ዝቃለሱ ዝነበሩ ተጋደልቲ “ወንበዴዎች፡ የኣረብ ቡችሎች፡ የፐትሮ ዶላር ቅጥረኞች. .” ይብሎም ነይሩ። ቃል ንቃሉ “ሰፋቱ፡ ኮራኹር ናይ ኣዕራብ፡ ናይ ሽያጥ ነዳዲ ዕሱባት” ማለት ኢዩ። እዚ ሕጂ “ሸፋቱ፡ ናይ ኢሰያስ ኣገልገልቲ . .” ዝብሉ ሓረጋት፡ ካብቲ ናይ ዘመነ ደርግን ሃይለ ስላሴን እንታይ ይፈልዮ።
    እሞ ከይተፈለጠና ታሪኽ ገዛእቲ ንደግም ከይንህሉ ደጊምና ንሕሰብ። እዞም ንብጾቶም ተጋደልቲ ከይተረፈ ኣብ ጎዳጉዲ ሓይሮም ውሑዳት ነቲ ስርዓት ዘቆሙ ሰባት፡ ካብቶም ምእንቲ ናጽነት ዝወደቑ ኣሕዋትና ፈሊና ምርኣይ ከድልየና ኢዩ። ነቲ ንናጽነት ዝተገብረ ቃልስን ውጽኢቱን ካብ ምንእኣስ፡ ነቲ ደምና ዝመጺ ዘሎ ስርዓት ሓቢርና ምቅላስ`ዶ ኣይምሓሸን።
    ምናልባት ትማሊ ደርግ ንተጋደልቲ ሸፋቱ ካብ በሎም፡ ሎሚ ድማ ገሌና ሸፋቱ እንተልናዮም፡ ንታለል ከይንህሉ ምሕሳብ ከድልየና ኢዩ።
    ሃይለ

  • ኤፍሬም November 27, 2015

    ገለ ቅሩብ ሕቶታት ቅድሚ ምቕራበይ ንጸሓፋይ ክብሎ ዝደሊ ነገር፡ ብሓፈሻ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብቲ ዝሓለፈ ገድሊ ዝተኻፈለ፡ ኣሰላልፍኡ ብዘየገድስ ንስለ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ክብል ነታ ብረት ከምዝትሓንገጣ ይርዳእ። ኣብ ጉዕዞ እቲ ቃልሲ ግና ርዱእ(conscientious) ኮይኑ ይቃለስ ነይሩ እንተ ኢልካኒ ዝተጋነነ ኣበሃህላ እዩ ይብል። ስለምንታይ እንተ ኢልካ መሪሕነት ህግሓኤ ምቅንጻል ህብን ተጋደልትን ዝጀመረ ሕጂ ኣይኮነን። ንኹሎም ኣስማት እናኣጠመቑ ክኣስርዎምን ክርሽንዎምን ከለዉ ንዝሓቱ ደጊሞም ክጨውይዎም ከለው ተጋዳላይ እዚ ኹሉ ኣካል ቃልሱ ገይሩ ኣይሓዞን ይብል፡ ቀዳማይ ግዳይ ድማ ኮይኑ። ኣብ ህዝቢ መጺና እንተ ሪኢናዮ ከኣ መን ድዩ ነቲ ህዝቢ ትምበል ገባር ድማ እንታይ ኣፍሊጥዎ እዩ እናበለ ብዱላ ዝስልቆ ዝነበረ። ከምኡ ክግበር ከሎ ንምንታይ ኢና ንቃለስ ዘለና ቢሉ ብወግዒ ኣብየት ስለዘይበለ እቲ ኩርማጅ ሃገር ለኸ ኮይኑ ነሕልፎ ዘለና መግለጺ ክህበካ ኣይኮንኩን። ብሓፈሻ እዚ እንርእዮን ዝወርደና ዘሎ ኣደራዕ ብህግደፍ ዱብ ኢሉ ዝወረደና ኣይኮነን ብበረኻታት ሳሕል ስልጠና ወሲዱ ዝመጸ እዩ ሓወይ ናተይ። ኣብታ ኣርእስትኻ ግና ዝሰማማዓላ ሓሳብ ኣላትኒ ተጋደልቲ ግዳይ ዘይሓሰብዎን ዘይወፈርሉን ዕላማ እዮም።
    1- ንኢሰያስ’በር ንዓና ኣይተጋደልኩም። ልክዕ ሓደ ገድሊ ወይ ዕዮ እኮ ብፍሪኡ እዩ ዝልካዕ። በልስኪ ኣየናይ ኤርትራዊ እፎይ ኢሉ ዝሓድረላ ኤርትራዶ ኣላትና እያ? ጽሑፈይ ከይተሽርፎ መታይ እዚ ከም ድላዩ ዝገብር ኢሰያስ እዚ ኩሉ ምልካዊ ኣሰራርሕኡ ድሕሪ ምሕራር (liberation) መላእ ኤርትራ እዩ ኣጥሪዎ ኢልካ ትኣምን? ኣይኣምንን እንተ ኢልካ፡ እቲ ተጋዳላይ ንኹሉ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ማዕረ ማዕሪኡ እናሞጎተሉን እናተኸላኸለለን ክመጽእ ኣይግብኦን ነይሩ? ኮታስ ብዙሕ ሕቶታት ይመጸካ እዩ። ኢሰያስ መሎኮታዊ ሽም ሕዙ ዝመጸ ብበረኻ እዩ ህዝቢ ከኣ ደቅና ዝበልዎስ ኣሜን ክብል ይቐሎ። እዚ ክብል ከለኹ ግና ካብ ምርሻን ዝተረፋ ውሑዳት እቲ ሓደጋ ዘይርኣይዎ ሰባት ኣይነበሩን ማለተይ ኣይኮንኩን።

  • ኤፍሬም November 27, 2015

    ኣይትሓዘለይ እምበር ታደሰ ኪዳነ እዛ ናይ ሎሚ ጽሑፍካ ብዙሕ ሓሳብካ ዘግፍሕ እስኪ ንርኣዮ ዘብል የብላን። ኣብተን መዛረቢ ኢልካ ዘርዚርካየን ዘለኻ ነጥብታት እዚ ሓው እንታይ ወሪድዎ እየን ዘብላ። ድሓር ክኣ ነዚ ወሎዶ ከምቲ ንስኻትኩም ናይ ኢሰያስን መሰልቱን ባምቡላ ዝነበርኩም ኣይምሰልካ። ዝሕሾ ዝፈልጥ ምኻኑ ኣይትዘንግዕ። ርስሓት ፓለቲካ ዓድና ኣዝዩ ስለዘጽልኦ፡ ቅጭ ዝመጾ እምበር ብድሕሪት ተዘዊሩ ዝግዕር ኣይኮነን። እቲ ኣብዚ ወለዶ ዝወረደ ኣደራዕ ንኹሉ ዓይንኻ ገሊሁ ክትጥምት ዝገብረካ እዩ። እዞም ክትመጻደቐሎም ደሊኻ ዘለኻ ተጋደልቲ ብግቡእ መዚንካ እንተ ኣቐመጥካዮ ጥራይ እዩ ክብሪ ዝህልዎም።

    • Lilay November 30, 2015

      ኤፍረም እቲ ዝገርመኒ ዘሎ ሓደ ነገር ዩ። እቲ ታጋዳላይ እምነት ኣብ ሰውራ እንተ ዘይነብሮ እዚ ኹሉ መስገደል ሓሊፉ፥ ነዚ ሓያል ዝብሃል ዝነበረ ሓይሊ ኢትዮጵያ ኣይምሰዓሮን። እዚ ወለዶ ግና ተጋዳላይ ኩሉ ዘይገበረሉ ይመዓቶ ኣሎ። እዋእ ተጋላይ አኮ ብዘይ ደሞዝ ን ዓመታት ኪትጸንሕ ኢኻ ምስ ተባህለ ን ኢሰያስ ብ ካለቶኡ ወጢጡ ን ቺቸሮ ምስ ወሰዶ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ን ኢሰያስ ድፊሮሞ ኢሉ አህ ኢልዎም። ሓቆም ከንሶም ከም ገበንኛታት ቆጺርዎም ህዝቢ። ሓደ ካብ ኦም ንስኻ ኢኻ። ታጋዳላይ አምበኣር ንመሰልካ ክትቃለስ ብግብሪ ኣርእዩካ ዩ። ጉጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ ተዛሪቦም ንስኻ ግና ሓሲኹም አልካ። ወዲ ዓሊ ትማሊ ኣብ ፎርቶ ዉዒሉ ከማኻ ዛመሰለኡ ልዕሊ ክልተ ምኢቲ ሰራዊት ዕጥቆም ኣብሚሮም። በዓል ንስኻ ግና ኩሉ ወልዊሉ ተጋዳላይ ከረክበካ ዲልኻ። ስማዕ ተዓሊምካ ምስ ብረትካ። ዘይትገብሮ ደኣ። እሰያስ እሰሩ ይብለኩም ትጎዩ፣ ቅተሉ ይብለኩም ትጎዩ፣ ባሮት እኹም ይብለኩም እወ ትብሉ። ንተጋዳይ ተስፋ ዘቁረጽኩም ንስኹም ሓዲሽ ወለዶ ኢኹም። ናይ ጸጥታ ሓለፍቲ መርመርቲ፣ ገፈፍቲ፣ ኣሰርቲ፣ ረሸንቲ፣ ሓለቲ ንስኹም እኹም። ንዓኹም ሒዙ ን ተጋዳላይ ረጊጽዎ። ኪትገዝእ እንተ ኾንካ እቲ ዘድሊ ውዳበ አምበር ብዝሒ ኣይኮነን። አሰያስ ሒድት ተጋደልቲ ዘገልግልዎ፣ነሮሞ ግን ውደብ ስለ ዝነበሮም ነቲ ብዙሕ ቅኑዕ ተጋዳላይ ክስዕርዎ ክኢሎም። ስለዚ ንዝተወደበ ውሑድ ሓይሊ ዘተወደበ ብዙሕ ሃይሊ ሕዝካ ኪጽዕሮ ሕልሚዩ። እቲ ምስጢር ናይ ኢሰያስ ዓወት ኣብ ልዕሊ ሓፋሽ ተጋዳላይ ውዳበ ዩ። ሕጂ ድማ እዚ ፈራ ወለዶ ኪንዲ ዝውደብ ክብተንን ክሓልምን ይውዕል ኣሎ።

      • dana November 30, 2015

        wey halewlew. suq tuum.

POST A COMMENT