Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታሪክ ሓቅን ታሪኽ ድንቁርናን ፊት ንፊት

ከተማ ኒው ዮርክ ነቲ ሃሲሱ ዝነበረ ታሪኽ ጅግንነትን ዘይተምበርካኽነትን ኤርትራውያን ዝኾልዔ ሓድሽ ቅያ ወቂራ። እቲ ንዝሓለፈ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ንሃገርና ኣብሪሱ ንህዝብና ዘጽንት ዘሎን ንታሪኽ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ ብኽድዓትን ጥልመትን ዝበረዘ ውልቀ መላኺ ኣብ ህይወቱ

ከተማ ኒው ዮርክ ነቲ ሃሲሱ ዝነበረ ታሪኽ ጅግንነትን ዘይተምበርካኽነትን ኤርትራውያን ዝኾልዔ ሓድሽ ቅያ ወቂራ። እቲ ንዝሓለፈ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ንሃገርና ኣብሪሱ ንህዝብና ዘጽንት ዘሎን ንታሪኽ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራ ብኽድዓትን ጥልመትን ዝበረዘ ውልቀ መላኺ ኣብ ህይወቱ ንመጀመርታ ጊዜ ዓቢ ውርደትን ፍሽለትን ኣጋጢሞዎ። ኢሰያስ በቶም ንዓመታት ኣብ ጎኑ ዝተጋደሉ ገዳይም ተጋደልቲ እውን ከምዚ ዓይነት ጽፊዒት ኣጋጢምዎ ኣይፈልጥን እይ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

እቲ ኣብ ዕጹው መገባእያ ንደቂ መሬት ዝፈረደን ዝቐንጸለን መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ው.ሕ.ሃ ኣብ ዝገበሮ መደረ ዳርጋ እቲ ኩሉ መናብር ጥራዩ ምንባሩን ናብ ዲሲ ክገብሮ ዝሓሰበ ጉዕዞ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ምስራዙን ነቲ ፍሽለት ተወሳኺ ድምቀት ሂብዎ። ዓለም ንኽትሰምዖ ይትረፍ ንኽትርእዮ እውን ኣዝያ ፈንፊናቶ እያ፡ እንትርፎ እቶም እዝኖም ከይሰምዔ ዓይኖም ከይረኣየ ዘጣቕዑ ሓንጎሎም ኣብ ከብዲ ኢዶም ዘሎ ደገፍቱ። ሰማዒ ከምዘይረክብ እንዳፈለጠ ደኣ እንታይ’ዩ ክገብር መጺኡ ንዝብል ሕቶ መልሱ ሓንቲ እያ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ውጹዕ ህዝብና ብፕሮፖጋንዳ ንምትላል እዩ’ዚ ኹሉ ሃልኪ።
ቲቪ ኤረ ነቲ ውልቀ መላኺ ምስቶም ፓፓጋሎ ደገፍቱ ዝገብሮ ሕቶን መልስን ዘይብሉ ጉጅም ዓያሹ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ህዝብና ኣብ ጎኒ ህዝቡን መንግስትን ምኻኑ ዳግማይ ኣመስኪሩ። ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ህዝብና መንግስቲ ኤርትራ ንዝኽተሎ ዘሎ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ብኣወንታ ገምጊምዎ። ኣብ ኣሜሪካ ዝነብር ህዝብና ንተራ ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣድናቖቶም ገሊጾም። ወዘተ ኣዲኡ ትቑጸሮ ኢልካ ዝግደፍ መወዳእታ ዘይብሉ ሓሶት። እዚ ሓሶታት ቲቪ ኤረ ድማ እቲ ሽፍታ መራሒ ካብ ኣስመራ ከይተበገሰ እዩ ተማሂዙ ተሰኒዑ ዝዳለው። እቲ ሓቂ ግና ኩሉኻትኩም ኣብ ኣሜሪካ እትነብሩ ትርእይዎን ትሰምዕዎን እንተሃለኹም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ግዳይ ቲቪ ኤረ ንኸይከውን ከነቃልዖ ይግባእ።

እቶም ንፖሊሲ መንግስቲ ኤርትራን ንተራ ፕረሲደንትን ኣድናቖቶም ገሊጾም ዝበሃሉ ዘለው ሰባት በዓል መን እዮም? በዓል ሓወይ ኮሎኔል ኣለኒ፡ ጀነራል እገለ ወደ’ኮይ እዩ፡ ኣብ ዓዲ ዘስራሕክዋ ገዛይ ከይወስዱለይ፡ ኣብ ቢሻ ወርቂ ረኺቦም ኢሎሞም ገሎዶ እቲ ናይ ቦንዲ ገንዘበይ ይመልሱለይ ይኾኑ ዝብሉ ኣንኳይዶ ፖሊሲ ሓንቲ ሃገር ክግምግሙስ ኣብተን ዝነብሩለን ከተማታት ከማን እንታይ ዝስመን ጋዜጣታት ይሕተማ ክፈልጡ ዘይክእሉ ኣብ ዓዲ ፍልጠት ንድንቁርና ወይ ሞት ዝበሉ ሰባት እዮም ዳርጋ መብዛሕትኦም። ብዘመን ውቤ ዝጸመመስ ውቤ ክብል ይነብር ከምዚበሃል ብግዜ ወዲ ኣፎም ብሪ ንሱ ኣንበሳ ዓሳኽሩ ነብሪ ዝጸመማ ኣንስትውን ኣለውኦም። መራሕቲ ህግደፍ ደጋፊ ከምዘይብሎም ስለዝፈልጡ ነቲ ናይ ኣኼባ ሰዓት ዕለትን ቦታን ብሚስጥር እዮም ሒዞሞ ስጋብ ናይ ዜሮ ሰዓት። ቀንዲ ምኽንያት ድማ ነቲ ንውልቀ መላኺ ኢሰያስ ንምኹናን ብደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን ንዝግበር ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ንኸይሳለጥ ዕንቅፋት ንምፍጣር እዩ።

ኢሰያስ ኣብ 1999 ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ መጺእሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣሽሓት ሰባት ምስታፎም ናይ ቀረባ ጊዜ ተዘክሮ እዩ። ብኢሱሮም(ኢሰያስን ሮሞዳንን) ብዝብል ጎስጓስ ካብ ህዝቢ ብሚልዮናት ዶላራት ንምክልኻል ሃገር ተባሂሉ ተዋጺኡ። ኢሰያስ ድማ ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ፍሽኽ እንዳበለ ናብ ኣስመርኡ ተመሊሱ። ሎሚ ግና ነገረ ተገላቢጦሽ እዩ ኮይኑ። ወያ እንታይነቱ ንኹሉ ኤርትራዊ ስለዝተኸሽሐ ዘለዎ ኣማራጺ ብሕቡእ ምስቶም በብሓደ ሰብ ወሓደ እንዳንቆልቆሉ ዝኸዱ ዘለው ሰዓብቱ ምርኻብ እዩ እቲ መሓዮታቱ ዘዳለውዎ ውጥን። መንግስቲ ኣሜሪካ ደሓን ኣይእተው ካብ ከተማ ኒው ዮርክ እሞ ኸኣ ካብ ውሱን ርሕቀት ንኸይከይድ ስለ ዝኣገድዎ ንባዕሉ ከምቶም ኣብ ኣገልግሎት ዝኽርትቱ ዘለው ኣሕዋትናን ኣሓትናን መንቀሳቐሲ ወረቐት ሓርቢትዎ’ዩ ቀንዩ።

ህግደፍ ማዕረ ክንደይ ነድዩ ምህላው ነቶም ደገፍቱ ኣብ ሰለስተ ጊዜ ዝኽፈል ቲኬት ናይ መጎዓዚ ኣየር ከለቃሓኩም ንዑ ያላ ደገፍኩም ሃቡ እንዳበለ ገዛ ገዛ ክኹሕኩሕ ምውርሑ እዩ። እቲ እኼባ ኣብ ኒው ዮርክ ክንሱ ንበዓል ኣቦይ መሕፈርን ኣደይ መጣቒዒትን ልክዕ ከም ጤለ በጊዕ ኣብ ዋሺንጊቶን ዲስ ክእክቦዎም ኣዮም ቀንዩም። ናበይ ከምዝወስድዎም ከይሓበሩ ድማ ከም ወፋሮ ኣብ ኣውቶቡሳት ኣወጢሖም ናብቲ ቦታ ኣኼባ ወሲዶሞም። ኣብ ማእከል ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ማንሃተን ሰንተር (Manhattan Center) ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ መእከቢ ኣዳራሽ ድማ ኤርትራውያን ፊት ንፊት ተራኸቡ። ገሊኦም ንሃገርና ቅዋም ተጌሩላ ብስርዓተ ሕጊ ንኽትመሓደር ውልቀ መላኺ ካብ ስልጣን የልግስ ዝብሉን፡ ኣይፋልና እንተደልዩ ይቕተለና እንተደልዩ ይእሰረና ብዘየገደስ ካብ ካልእ ዝገዝኣና ኢሰያስ ይሕሸና ዝብሉ ሓሰርንፋይ ታሪኽን።

እቶም ንውልቀ መላኺ ኢሰያስ ዝቃወሙ መብዛሕትኦም ትርጉም ናይ ምንባር ዝፈልጡ ሰብ ሕልና ንእንታይነት ኢሰያስ ዘነጽር ታቤላታትን ጭርሖታትን ሒዞም ተቓውምኦም ከስምዑ እንከለው፡ እቶም ደገፍቲ ኢና በሃልቲ ግና ድምጺ ኣይነበሮምን እንትርፎ ብዝሕን ስእሊ እቲ ዲክታቶርን። ንሓደ መዋእሉ ንህዝቢ ኤርትራ ዝቐንጸለ፡ ባዕሉ ኩናት ወሊዑ ጠንቂ ሞት ኣርብዓ ሽሕ መንእሰያት ንዝኾነ ሰብ ዝድግፍ ፍጡር ናይ ኣእምሮ ሕማም ዘለዎ ጥራይ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብ ዓለም ንውልቀ መላኺ ብረብሓን ጸቢብ ወገናውነትን ብውልቆም ዝድግፉ እኳ እንተሃለው ከምዚ ናይ ህግደፍ ኢና በሃልቲ ዝዓይነቱ ኣዝዩ ድሑር ምስ ምዕባለ ዓለምና ዘይከይድ ደገፍ ግና ኣብ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን እዩ ክበሃል ይከኣል።

ኣብ ሞንጎ እቲ ሰልፊ ሓደ ሰብ ጸዊዑ ምስ ሓደ ጉልቡት መንእሰይ ከላልየኒ ወሰደኒ። ስመይ ምስ ነገርኩዎ ንሱ’ውን ዮናስ ይበሃል በለኒ። እቲ ዘላልየና ዝነበረ ሰብ ድማ ኣብ ሞንጎ ወዲ ጀርማኖ ናቲ ምዃኑ ሓበረኒ። ነዚ ወዲ ሓርበኛ ጅግና ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ ብኣትኩሮ እንዳረኣኹ ኣነ ክሓቶ ንሱ ክምልሰለይ እንዳዕለልና፡ ሓደ ደጋፊ ህግደፍ እየ በሃሊ ብትርኢት መስማር ጎደል ዝመስል ንዓይን ንዮናስን ዓጋመ ወያነ ኢሉና ናብቶም ክዳን ዝተኸድኑ ጠለ በጊዕ ብጾቱ ተሓወሰ። ገሪሙኒ ድማ ወይለይ ኢለ። ኣነን ንሱን ኣቦሓጎታትና ናብ ኤርትራ ዝመጽሉ እንተዝጽብጸብ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን እንተ ናተይ ክቕድሙ ዋላስ እንተ ናቱ። እንተ ነቲ ወዲ ብሄር ኩናማ መበቆል ኤርትራ ዝኾነ ዮናስ ጀርማኖ ናቲ ደፊሩ ከምኡ ምባሉስ ምስ ዕሽነት ዶ ይቑጸር ዋላስ ምስ ድንቁርና።
እምበኣር እቲ ህግደፍ ንኸፍሽልዎ ላዕልን ታሕትን ዝበሉሉ ሰልፊ ብዓወት እዩ ተዛዚሙ። ኣመንቲ ኢሰያስ ንኢሰያስ ንሓላሎም ተሰናቢቶሞ፡ ኢሰያስ ድማ ንከተማ ኒው ዮርክ ንዘንተ እለት ተሰናቢትዋ ከም ቀዛፊ ዓርኩ። እቲ ውልቀ መላኺ ካብቲ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽሃድም ብድሕሪ ማዕጾ እኳ እንተኣተወ ድሒሩ ኣብ ጥቓ ዓሪፉሉ ዝነበረ ቦታ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ክበልዕ ምስ ከደ ብጀጋኑ ኤርትራውያን መንእሰያሰት ኣባላት EYCን EYGMን ኣብ ውሽጢ

እቲ ቤት መግቢ ኣትዮም ኣንታ ቀታሊ ሰብ ዲክታቶር ኢሎም ስለዝተቛወምዎ መግቡ ከይበልዔ ሕሳቡ ከፊሉ ብሓለውቲ ተዓጂቡ ተዓዝረ።
እቲ ጭርጭር ኣብ ጎደናታት ኒው ዮርክ ኣብ ሞንጎ እቶም ጀጋኑ መንእሰያትን ኣብ ቀንዲ መሻርኽቲ ኢሰያስን ድማ ቀጸለ። ብፈለማ እቲ የማናይ ኢድ ኢሰያስ ኮይኑ ንሃገር ዝሕምስ ዘሎ የማነ ማንኪ መሬት ሰላም እዩ ዘሎ ኢሉ ምስ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ሓደ ፒጀ ክላርክስ (PJ- Clarke’s) ዝበሃል ባር ኮፊ’ሉ ንኽእዝዝ እንዳተቓረበ ኣብቲ ዘለወሉ ቦታ ደበኽ በልናዮ። ቢራ ደኣ ካብ መዓስ ትሰትይ ኣይ ደም ሰብ እንዲኻ ትምገብ ምስ በልናዮ ሃዲሙ ካብቲ ባር ክወጽእ ፈተነ። ንኣስታት ሰለስተ ኣንጎሎታት እንዳተኻታተልና ድማ ንምንታይ ንስውኣት ትኽሕድ፡ ንምንታይ ንብጾትካ ትኽሕድ፡ ብህይወት ኤርትራውያን ትሕተተሉ እዋን ቀሪቡ እዩ ኢልና ምስ ኣዘባዘብናዮ ሓንቲ ቃል ከየውጽኤ ካብቲ ከባቢ ሃዲሙ ተዓዝረ። ዘይረኣየ ኣይኣምንን ለካስ ምስ በዓል ኢሰያስን ማንክን ዘላ ሓሞት ናይ ኣንጭዋ እያ።

ሓጎስ ክሻ ድማ ኣብ ጎደና ሰለስተ (3 avenue) ሸናዕ ኢሉ እንዳኸደ ብደም መንእሰያትን ብንብዓት ኣዴታትን ተሓታቲ ኢኻ ኢልና ካብቲ ናይ ኣያታቱ ዘይንእስ ሰፍ ዘይብል ውርደት ኣሰኪምናዮስ ነቲ ቀይሕ ዝነበረ ናይ ትራፊክ መብራህቲ ጥሒሱ ክጎዪ ተገደደ። ዋይ ኣነ ሃገርና’ባ መጻወቱ እዞም ጻሕጻሕቲ እያ ኮይና። እንተ እቶም ኣብኡ ዝነበርና መንእሰያት ምእማን እብዩና ካን ነዚኦም ዝኸውን ሰብ እዩ ኣብ ኤርትራ ጠፊኡ ኢልና። እዚኦም እዮም ንጀጋኑ ዝፈርዱን ዝቕንጽሉን፡ ንኣደ መንእሰይ ሓምሳ ሽሕ ክፈሊ ኢሎም ኣብ ድጓና ዝድርብዩ፡ ኣብ ዶብ ንዝተረኽበ ረሽኑ ኢሎም ትእዛዝ ዘመሓላልፉ። ጊዜኦም ግና እንዳረኣናዮ የብቅዕ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ጎደናታት ኒው ዮርክ ዘፍሸልናዮም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ድማ ፍሽለቶም ቀሪቡ እዩ። እዚ ኩሉ ዘጋጠመ ኩነት ድማ ኣብ ቪድዮ ሰኒድናዮ ስለዘለና ክንዝርግሖ ምኻንና ኣይትጠራጠሩ። መስከረም ታሪኽና ቃልስና ተፈሊሙ፡ ሕቶ ፍትሕን ደሞክራስን ተጨውዩ ከምዘይነበረ ሕጂ ዝፈሽል ስርዓት እምበር ዝሰዓር ህዝቢ ከምዘየለ ደጊም ተበሲሩ።

20 ዓመት ንዓያሹ ሓበን ንለባማት ግና ሓዘን’ዩ!

ሰሎሞን ገብረየሱስ-ኣባል ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

25 መስከረም 2011 ከተማ ኒው ዮርክ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
36 COMMENTS
  • ፍስሓ ናይር September 26, 2011

    ሎሚ ኣብ ንዩዮርክ ጽባሕ ኣብ ኣስመራ ክትስዕርዎ ኢኹም ጀጋኑ ደቅና፣ ኣለዉኹም ጀጋኑ ኣብ ሜዳ በዓል ሃገረይ ዝበሃሉ ሃየ ቀጽሉ ደሞክራስያዊ ቃልስኹም ናይ ጽባሕ ኤርትራ ናትኩም ኢያ!!
    ኢስያሥን ብጾቱን ካብ መኣስ ጀጋኑ ኮይኖም ዘይሰብ እናታለሉ እዮም ዝነብሩ፣ ሎምስ እቲ ሓሶቶም እናፈሸለ ከይዱ ኣብ ውድቀቶም ኢዮም ዘለዉ።

  • Hagos September 26, 2011

    Hahahahahah. It is a complete lost of plan for Kedaat. Protesters in NW city this is what Eritrean Heros do to praise of Wonderful leader ‘s Isaias Afwereki. Go and See the wonderful ceremony in Dehai.org for further information. This article is irrelevant what’s happen in NW city. There is more to come to bring you to justice ‘atum tekawemti ena behalti Resahat’. Eritrean organizers in NW show their intellectual mind to organize this wonderful event to our president Isaias. Where are the stupid people who claim their selves as an intellectual who went to Addis Abeba to discuss ……??? where are they now? where is their power? We are one Nation, who beat the same heart beat to our nation and our people.
    Awet Nihafash

    • haben September 26, 2011

      hahahahahhahahh zeytgebro neger bmeskot computer koinka mhiwtat aykonen nay sebut srah enda tekawemti assenan korakur assenan,abey dea kenikum eti medrek kfut yu qa nieru mesleni,entay koinkum ab kdmi seb foe zeytblwo niseyas,ab computer foe ktbluwo do tweelu yelekumn.elamaka ktharm entekoinka shet meanta,hamot wala kab begie haridkum steyu.ember iseyas si reikumo ikum zferhakum entekoinu teteliu yu zkeyd nieru.any way try to talk what u r going to do,not just writing meaningless words and taking salary.

    • Stefanos Temolso September 26, 2011

      Hagos zeykone hazen wey guwahi kbluka neyruwom. nska keyteweledka terifka ente tnebr mhasheka. Tblo zeytfelt seb sile zkonka gn abu ERI TV, wey eto goytotka zbeluwo kidegm nber. Ember hzbi ertra nfashistawyan sieru iyu nisayas ms korakuru dma kem ziserom flet!!!

      • abdi September 27, 2011

        Yes true,hzbi ERITRA nkhndey fashistawyan sEiru,neskhum aykonkumn, beakhum kseAr kea zebet ‘U,neskhum ba bekha shlet qunka terifka,TERITAS TETHANKELY KE BELE SEBAY!AWET N HADE HZBI HADE LBI.
        ALET NHAFASH-MERIHNNET N ISAYAS.

    • Sam September 26, 2011

      A reply to “Hagos”

      anta kedami higdef! You were trying to conceal the truth by appreciating the organizers in New York city for DIA meeting with his deaf supporters. Why did the organizers forbid the participants not to bring any electronic device to the meeting hall?????? Believe me all dictators and supporters of dictators proclaim “one heart and one beat” and yet they end up in a dust bin. ben Ali, Mubarek, Gadaffi, were doing the same. The demise of Dicatators has been taking place all over the world. Just wait until your tyrant disappear from eritrea.
      Sam
      death to the dictators

      • haile September 27, 2011

        anta resah the manhatten center does not allow audio visual recording devices, check theit wesite. awanat ikum bhaqi…agametat

  • Dawit Tsehaye September 26, 2011

    zeitsteru khe zeiakhlekum kabzi nilali wrdet tegaghina mbal won blhi iyu hshukh ziblekum do sienkum

  • grande nero September 26, 2011

    yes we can ,,,,,,,,,,,,,,,,to flash this big brother deep in to the grave isayas wedi medhin berad wedi shermuta

  • HGDF September 26, 2011

    Hahahhahhahaaaa
    Is this what they call “Kebti emo tewesiden tserfi emo zigedefna yeblnan”? Why do you need to write so much ble ble to compare the public participation in the PFDJ meeting and your demonstration? a picture is worth a thousand words. Watch pictures of the meeting at Alenalki.com
    You insult to PFDJ diplomats just shows how aimless and lawless you are. This is just the act of gangs and it is a crime to threaten a diplomat in the dark. If you were brave enough why shouldn’t you follow him in the open light? You told us a lot you were going to confront PFDJ leaders in the open light you couldn’t. Then you started following the diplomats in their private life and trying to intimidate them. This shows how frustrated you are. No matter how many gangs you gather in the dark and no matter how many trips you make to Addis you cannot win the support of the people as long as you don’t have a genuine aim. You were asking Yemane to respond to your racist insults. Very stupid to expect a diplomat to respond to insults from gangs. If you were such racists towards the Agame, why are you then kissing them at the foot?

  • semere September 26, 2011

    ኣብ ቀረባ ከምትዝክርዎ ናይ ሊብያ ቃዳፊ ኣብ ትሪፖሊ ማእከል ሕምብርቲ ባንዴራ ሒዞም ዝፍክሩ ደገፍቲ ነይሮምዎ ከምኡ እዉን ናይ ኢራቅ ሳዳም ብወገነይ ከም ሓጎስን ካልኦትን ዝኣምሰሉ ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ መጠረሻ ናይ ቃዳፊን ሳዳምን ደገፍቲ ዕጫ ክምዝበፅሖም ክንዲ ፍረ ጣፍ ጥርጥር የለን እቲ ስርዓት ብሚሊዮናት ኣህዛብ ተፈንፊኑ እዩ

  • zecarias September 26, 2011

    i am so hapy that the young eritreans to stand up as the brave vaters mothers sisters and brathers to defend their people
    the dictater and his few flowers are alon we shoud acelerate to save the people and the cauntry

  • Hagos September 26, 2011

    Stifanos Temelso, you are such ‘Agame’. My family purposely says Hagos to me as they know i am going to happy like this day. but your name is done to explain Adi grat, AGAME. I am enjoying with my Leader Isaias and you enjoy with Tihlo agame.hahahahhhahah

  • tes September 26, 2011

    WOOO Hagos may be you are hagos kisha but if you not i want let you to know about isayas afweriki. he is a gang men who is ignor to explain his identity that means where he is from. defnitly he is from tenben tigray the main agam if you have brain pleas aware who you are and your people who are eritrean people. but if you are hagos kisha? we need you ????? anay way may be you are from grand child of Raesi alula solders who they killed Raesi weldemichael SOlomun and then they took away the womans of Asmara. the mothers of identiless Group of isayas i think you are one of them. any one who is from Eritrea couldn’t say Agam to Eritrean but the one who is from them can say agam.

    • abdi September 27, 2011

      So,do you believe a real eritrean to lick Agames shoes?No is my answer,i say to any Agames shoes licker cheap and agame,don’t u agree?

  • ተ.መድኅን September 26, 2011

    ማህጸን ኣደ ጉራጉራ ከምዝበሃል ከምዚ ምስ ኣጋተመ’ዩ።ምስ ኣብ ኣኤሜሪካ ዘሎ ኣኤርትራዊ ስደተና ኣወዳዲርካ፡ውሑድ ቁጽሪ’ዩ ተኣኪቡ።እቲ ቁጽሪውን ኣካብ ኩለን ከተማታት ስለዝኾኑ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽሪዩ።
    –ግን ኣብዚ እዋንዚ ሃገር ሒዙ ዝጠፍእ ዘሎ ዝተጸለለ ሰብ።ኣብ ርእሰ ከተማ ጉዳያት ጋሕሚጡን ኣጋሕቲኑን ከሎ፡ስራሕ ኣመሃዳርን፡ስራሕ ሓደ ሃላፊ ሕርሻ ቃጽዖን።ቃድራን፡ሩባን ክር ኢ ጎላጉል ክኾልል ዝውዕል ኢሳያስ ንሕና ንሱ፡ንሱ ንሕና ምባሎም ማዕረ ክንደይ ድፉናት ኅሊና ምኳኖም የረድእ።
    —-ሎሚ ተቃውሞ፡ፍልልይ ርእዮተ ኣለም ወይ ፍልስፍና ወይ ከኣ ናይ ሰልፍታት ኣይኮነን።ናይ ሎሚ ተቓውሞ፡ብመስዋእቲ ምስ ህዝብታት ዓለም ማዕረ ዝተሰርዐ ህዝቢ ኤርትራ ብምሕሳሮም’ዩ።እዚ ከኣ ሕቧ ኣይኮነን ቅሉዕ ነገር’ዩ።ዜጋታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ምሳቐዮም፡ካብ ኦም ዝለዓለ ሓላፍነት ዝነበሮም ዜጋታትን ጋዜጤኛታትን ዓሰርተ ኦኣመቶም ገይሮም፡ኣብ ፍርዲ ዘይምቅራቦም፥ዜጋታት በብዝከዱዎ ምጥፋኦም፡ስድራቤት ፋህ ብትን ብምባሉ፡ኣብ ወፍሪ ልምዓት ተባሂሉ በረካ ዘስፈረ መንእሰይ ኣብ ውፍሪ ባርነት ጊላነት ምህላው፡ኤርትራ ናይ ቲዮሮሪስቲ ተሃባባሪት ብምዃና ………ዘምጸኦ ትየቓውሞ’ዩ።እዚ ከኣ ካብ ሕቡእ ናብ ቅሉኦ ዝወጸ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ’ዩ።
    —-ግርም ጭርሖ ህዝብና፡ሃገርና፡መንግስትና።መንግስቲ ዝቀያየር’ዩ።ሃገርና ብርግጽ ኣብ ሕማቕ ወዲቓ ኣብ ጋዜታታት ኦኣለም ብሕማቕ ትጽዋኦ ኣላ።ህዝብና ከፊኡዎ ይስደድ፡ይጠሚ፡ብናፍቖት ውላድን ወላድን ተሳቕዩ፡ብፍርሂ ተሳቅዩ፡ካብ ኣገልግሎት ሃጽ ኢሎም ዝኸዱ መናእሰያት ውላድካ ሃዲሙ እናበሉ ንወለድቲ ምስቓይ ምእሳር…….እምበር ናይ ህዝቢ ተገዳስነት ዘለኩም ናይዚ ኩሉ ስቓይ ኢሳያስን ህግደፍን ኢዮም።

    • NIKIYA September 27, 2011

      TE.MEDHIN HAWUNA KEYTSINBID DEA ENBER WEDI AFORKI MIS VOA AB ZIGEBERO KALE METEYEK NI SOMALAWYAN YEHWATNA BEZA AKIMINA NAY EKILI REDI’ET KINIHIB ENA ELU …EZI KEA FRIAT NAYTI FEKEDO KACHERON …GERSETN ….ALIGDIR …HIMBOLN …..ZIKEDO ZELO EYU ….ENBER….RISHANAT HANISKA 70% KAB HIZIBKA B ATSEBO NAY ZIMOTKA AYKONEN INTERNATIONAL NEWS TEKETATEL BZEYKA ASSENA TIRAY KAB MINBAB!!!!

1 2 3

POST A COMMENT