Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታሪኽ ውርደትን ጥልመትን (The Shaming of a People) ኣማኑኤል ሳህለ

ታሪኽ ውርደትን ጥልመትን (The Shaming of a People) ኣማኑኤል ሳህለ   ኤርትራ ካብተን ኣብ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ዚርከባ ሃገራት፡ ንበይና ብብዙሓት ብሄራት ዝቖመት ሃገር ኮይና በቲ ናይ ኢትዮጵያ ወይ ንግስነት ሽዋ ፊውዳላውን ገባትን ምኩሕን ማእከላይ መንግስቲ ክትሳቐ መዋእል ዘሕለፈት

ታሪኽ ውርደትን ጥልመትን

(The Shaming of a People)

ኣማኑኤል ሳህለ

 

ኤርትራ ካብተን ኣብ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ዚርከባ ሃገራት፡ ንበይና ብብዙሓት ብሄራት ዝቖመት ሃገር ኮይና በቲ ናይ ኢትዮጵያ ወይ ንግስነት ሽዋ ፊውዳላውን ገባትን ምኩሕን ማእከላይ መንግስቲ ክትሳቐ መዋእል ዘሕለፈት ሃገር እያ። እቲ ተደኲናትሉ ዘላ ቦታ፡ ስትራተጅያዊ ብምዃኑ፡ ብኹሉ ሸነኻት፡ ወራርን ከበድቲ ብድሆታትን መግዛእትን ብዝበዛን ገጢሙዋ እዩ። ክሳዕ ሕጂ’ውን ይገጥማ ኣሎ።

 

ሃገራውነት ኤርትራ ነዊሕ ዝገበረ ተርእዮ ኣይኮነን። ንርእሳ እዛ ሕጂ ኤርትራ እትብሃል ዘላ ሃገር፡ ከም ጀዮግራፍያውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣካል፡ ብጣልያን እያ ቆይማ፣ ኤርትራዊ ሃገራውነት እውን ቀስ እናበለ እዩ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝጀመረ። እቲ ሰፊሕን ዓሚቝን ንኹሉ ዘሕበረ ናይ ድልዱል ሃገራውነት ስምዒት ግን፡ ኣብቲ እዋን 30 ዓመት ዝወሰደ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ እዩ ኪገሃድን ኣብቲ ህዝቢ ኪሰርጽን ዝኸኣለ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ ልዑላውነቱ ኣረጋጊጹ፡ መንነቱ ኣነጺሩ፡ ሃገራውነቱ ድማ ኣብ ደሙ ኣስሪጹ። ግን …………… ብወገን ህዝቢ ደኣምበር፡ ብወገን እቲ ናጽነት ዘምጸአ መሪሕነትሲ፡ እቲ ሃገራውነት ከም መጠበሪ እዩ ተጻዒሩሉ ነይሩ ኪብሃል ይከኣል። ንኽፈርስ እዩ ተሃኒጹ ነይሩ። ንኽሽየጥ እዩ ተኻዕቢቱ ነይሩ። ንኺዓኑ እዩ ተሰኒዑ ነይሩ። ንኺበርስ እዩ ተኾስኲሱ ነይሩ። መሪሕነት ዝጠለሞ ሓርነታዊ ቃልሲ እዩ ነይሩ! ገድሊ ኪጥለፍ ዝጀመረ ኣብቲ እዋን’ቲ እዩ። ናይ ጥልመት ሰላሕታ ወራር!!

 

”ወደባት ዓደይ ይረኣየኒ’ሎ” ተባሂሉ ተደሪፉስ፡ መንእሰያት ኤርትራ ናብ ገድሊ ውሒዞም። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን እተን ብሃገራዊ ስምዒት ዝረኣያና ዝነበራ ወደባት ናብ ዕዳጋ ዝወርዳ ዘለዋ ይመስላ ኣለዋ’ሞ፡ ኣብቲ ኤርትራዊ ዝነብረሉ እተፈላለየ ኵርንዓት ዓለም፡ ውሽጣውን ደጋውን ንብዓት ይውሕዝ ከም ዘሎ ንኹሉ መስተውዓሊ ሰብ ብሩህ ኪኸውን ይግባእ።

 

”ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ” ብምባል እውን ተደሪሱ፡ ብክራር ተሰኒዩ ተቓሊሑ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ሃገርና ናይ ካድረታትን ናይ ሸየጥቲ ዓድን መሐንበጢ ደንበ ኾይና ንኽትቅጽል ጸገም ኣየጋጠማን።

 

”ሽገይ ሃቡኒ” ኪብል ደሪፉ ተወልደ ረዳ። እታ ሽግ እኳ ብልመና ኣይኮነትን መጺኣ፡ ብመሪር ቃልሲ እያ መጺኣ። ከም ብሓድሽ ተወሊዓ ናብ ጸላኢ ክትምለስ ግን ንምንታይ ኣድለየ? ኣብ ጸልማት ክንነብር ስለ እተደልየ ድዩ? ጸልማት ዘምጽኡ ደኣ ቀደምሲ ነይሮም እንድዮም። በዓል መነሊክን ሃይለስላሴን ደርግንከ ንመን ክንህቦም? ንሃገርካ ኣጸልሚትካስ ንሃገር እንዳማትካ ብርሃን ክትህብ ምድላይስ ምስ ምንታይ ይቝጸር?!!

 

ንናቕፋ ሰጊረን ኪሓልፋ ኣብኣ ከም ዝተረፍተታ ዘስምዕ ደርፊ እውን በቶም ክቡር ህይወቶም ዝሰውኡ ተጋደልቲ ተደሪፉ ነይሩ። ኣብ ኣኽራናትን ስንጭሮታትን ኤርትራ ተቓሊሑ።  እዘን ተረፍቲተን እተባህላ ባእታታት፡ እተን ንኤርትራ ከጽንታ እተበገሳ ናይ ደርጊ ሰራዊት እየን። እንታይ’ሞ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራዊ መንእሰይ ንሳዋ እናተዀብኮበ ኪውሰድ ከሎ፡ ተረፍመረፍ ተረፍተትቲ ግን ብኣውቶቡሳትን ብናይ ውልቂ መኻይንን ገይረን ንባጽዕ ኣትየን ይዛነያ ከም ዝነበራ ኩሉ ሰብ ብጓህን ትካዘን ብሕርቃንን ምስ ሕሩር ልቡን ተዓዚቡወን እዩ። ኣይተሰዓርናን ኪብላ እውን ደፊረን። ሓቀን ከኣየን፡ እቲ መራሒና ”ኣይከሰረናን” ኪብል ካብ ዘየሕፈሮ፡ ተረፍመረፍ ደርጊ ድማ ”ኣይተሰዓርናን” ንኺብሉ ከመይ ኢሉ ኪእግሞም ይኽእል?

 

እንተ እቲ ዶብ እሞ፡ ቅድም በቲ ዶብና! ወሰንና! ጠረፍና! ዚብል ከንቱ ጭርሖታት ጸሚምና ኢና። ናይ ኣምሰሉ ብመሪሕነት እተበገሰ ጭርሖታት ንምህዳእ ደም ብዙሓት ንጹሃት ፈሲሱ። ደሓር ግን እቲ ዶብ ዚርኢ ዝነበረ ኣዒንቲ መራሕቲ ህግደፍ ብሃንደበት ግዲ ዓዊሩ ኾይኑ፡ ወይ ድማ ሕቡእ ኣጀንዳ ነይሩዎ ግዲ ኾይኑ፡ ዶብ ዚብሃል ነገር የልቦን ዘስምዕ ዘረባታት ተቓሊሑ። እሞ ናብቲ ቅድመ-ጣልያን ዝነበረ መዋዕል ዲዮም ኪመልሱና ደልዮም? ኤርትራ ደኣ ኤርትራ ክትከውን ዝኸኣለት ዶብ ምስ ተገብረላዶ ከይኮነ? ቅድሜኡ ደኣ ኣብቲ ዞባ ሰሜን ኢትዮጵያ ኮይና እንድያ መፍቶ ወረርትን ዘመትትን ኮይና መዋእላ ዘሕለፈቶ። ናብኡ ንምምላስ ደኣ፡ 30 ዓመት ብረታዊ ኲናት እንታይ ኣድለየ? ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ እዩ ነገራቱ!!!

 

”ባርነትዶ ናጽነት” ዚብል ጽሑፍ ድማ ነይሩዎ እቲ ናይ ረፈረንደም መምረጺ ካርድ። ”ናጽነት” ኪብል መሪጹ የዋህ ህዝቢ። መሲሉዎ ናጽነት ዚረክብ። ኣብቲ ካርድ ”ባርነት” እተጻሕፈሉ ምኽንያት፡ ምስ ኢትዮጵያ ክትከውን ምስ እትመርጽ፡ ባርነት ኢኻ ትመርጽ ዘሎኻ ማለት እዩ ነይሩ። ግርም፡ ኣብዚ እነሆ ጨለነት!! ድሕሪ ነዊሕ ኪደት ግን፡ ባዕሉ እቲ መራሒ፡ ክልተኡ ህዝቢ ሓደ ኣይኮነን ዚብል ሰብ ጥዑይ ከም ዘይኮነ ዘስምዕ ቃላት ተዛሪቡ። ህዝቢ፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ እናኣምበልበለ ንመራሒ ኢትዮጵያ ከም ዚቕበል ተገይሩ። እቲ ናይ 30 ዓመታት ስምብራት ተረሲዑ። እቲ ናፓልምን ህዝቢ ዘጽነተ ደብዳብን ከም መዘናግዒ ምርኢት ተወሲዱ። እዚ ደኣ ብዘይ ናይ 30 ዓመት ኲናት ኪኸውን ይኽእል ነይሩ እንድዩ። ቅድሚኡ በዓል ኣቦይን ብጾቶምን ብጥዑይ ምኽንያት ይኹን ወይስ ብድኹም ምኽንያት፡ ኣብቲ ”ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ኢትዮጵያ” ዚብል ጭርሖ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ሕጂ ካብ መቓብሮም ተንሲኦም እንተ ዚርእዩስ እንታይ ምበሉ ነይሮም? ምናልባት በዚ ሕጂ ዚረአ ዘሎ ኣብ ”ጥልመት” እተሰረተ ናይ ምድማር ወደኽደኽ ደስ ምበሎም (ውሽጣዊ ባህጎም ኣንድነት ስለ ዝነበረ)፡ በቲ ምብራስ ሃገርን ምጽናት ህዝብን ምብራዝ ባህልን ግን መዓንጥኦም ምሓረረ። ነዚ ናይ ሃገርና ጉዳይ ትርጉም እኮ ስኢንናሉ።

 

መውጻእቲ ሓራ ኤርትራ ብእልልታን ፈንጠዝያን ተሰንዮም ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተዉ፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ገለ ናይቲ ዚመጽእ ኩነታት ከም ዋግዋጎ እተራእዮም ሰባት፡ ገለ’ውን ካብ ኢድ’ቲ ሓድሽ ኤርትራዊ መንግስቲ ንዝወረዶም ግፍዕታት ብምስትንታን፡ እሞ ክልተ ግዜ’ዶ ክንዛረብ ኴንና ብምባል ብውሽጦም እናሓረሩ ስቕ ምባል መሪጾም ነይሮም።

 

ክልተ ግዜ እተዛረቡ ግን ኣይወሓዱን። ሓደ እዋን ኣብ ኣስመራ ብናይ ከተማ ኣውቶቡስ ክጎዓዝ ከለኹ፡ ሓደ ተጎዓዛይ፡ ብምንታይ ከም ዘንጸርጸረ ኣይፈልጥን፡ ዓው ኢሉ ”ደርጊ ምሓሸና ነይሩ” ኢሉ። ዓገብ ዝበሎ ሰብ ኣይነበረን። እቲ ሰማዓይ፡ ደርጊ ከም ዘይሓይሽ ብልቡ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፡ ግን ድማ ብልቡ እቲ ኩነታት እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዝነበረ የስተውዕል ነይሩ እዩ። ተረፍ መረፍ ደርጊ ናብ ባጽዕ ዘእቱ መንግስቲ ካብ ደርጊ ከም ዘይሓይሽ ግን ሕጂ እዩ ብጋህዲ እተረደኦ።

 

ወድሰብ፡ ኣብ ግዜ ሕስራንን ውርደትን ንኣእምሮኡ ኪቋጻጸር ኣይክእልን እዩ። ቃንዛ፡ ዘይዝሩብ እዩ ዘዛርበካ። ኣብ ብርሃን ተስፋ ዝገበረ ሰብ፡ ነቲ ተስፋ ዝገበረሉ ብርሃን ኪስእኖ ከሎ፡ ከምኡውን ነቲ ሓድሽ ተስፋ ዘንበረሉ ኩነታት ካብቲ ኣቐዲሙ ዘሕለፎ መሪር ተመክሮ ብእተዓጻጸፈ መገዲ መሪር ኮይኑ ኪረኽቦ ከሎ፡ ሽዑ ብተዛማዲ መገዲ ኪሓስብ ይጅምር፡ ነቲ ዝሓለፈ ስቓይን መከራን ድማ ይዝክሮ፡ ብሓድሽ ዓይኒ ይርእዮ፡ ምስቲ ዘለዎ ኩነታት የነጻጽሮ፡ ኣብ ሓደ ውሳኔ ድማ ይበጽሕ።

 

ሙሴ ንደቂ እስራኤል ካብ ጭቆና ፈርኦን ኣውጺኡ ኣብቲ በረኻታት ሲና ንኣርባዓ ዓመታት ከም ዚዅብልሉ ምስ ገበረ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብ ግብጺ ባሮት ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ንግብጺ ኪምለሱ ይምነዩ ነይሮም።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሽሕኳ በቲ ዝጓነፎ ዘሎ ውርደትን ስቓይን እንተ ኣንጸርጸረ፡ ናብቲ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ግን ኪምለስ ኣይደልን እዩ። እቶም መራሕቱ ግን ናብታ ፈርኦናዊት ኢትዮጵያ ኪመልሱዎ ዚበላሓቱ ዘለዉ ይመስሉ። ንሳቶም ዚረብሑዎ ነገራት ኣሎ፡ እቲ ህዝቢ ግን እንተ ጸነተ’ውን ፋዕራ የብሎምን።

 

ወድሰብ ንኹሉ ተመክሮታቱ እናኣዛመደ እዩ ኩነታቱ ዚመዝን። እቲ ካብ ቃንዛ ከድሕነካ ኢልካ እትወስዶ ፈውሲ፡ ባዕሉ እተዓጻጸፈ ቃንዛ ዘኸትለልካ ምስ ዚኸውን፡ ብምንታይ መምዘኒ ደኣዩ ፈውሲ ኪብሃል ዚኽእል? መድሃኒት ዚብሃልስ፡ ቀልጢፉ ይኹን ደንጕዩ፡ ካብቲ ዝነበረካ ቃንዛን መከራን ዘድሕነካ ጥራይ እዩ። ብዝተረፈ፡ ነቲ ፈውሲ መሲሉካ እትወስዶ ዘሎኻ ነገር፡  ኣብ ክንዲ ፈውሲ፡ መርዚ ኢልካ እንተ ጸዋዕካዮስ ኣይተጋገኻን።

 

ንዅርዓት ኤርትራውያን ዘህስስ መሪሕነት መጺኡ። ቀደም ወዲ-ኤረ፡ መን ከም ኤረ፡ ከም ዘይተባህለ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሃገሩ ፈሊሱ ኣብ ፈቐዶ ጎረባብቲ ሃገርን፡ መዓስከር ስደተኛታትን፡ ኣብ ኣብያተማእሰርትን ኪነብር ተፈሪዱዎ ኣሎ። ኣብ 1950ታት ብቑጠባን ኢንዱስትሪን ካብ ምሉእ ኣፍሪቃ ብዘይካ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚቕድማ ዘይነበረት ኤርትራ፡ ሕጂ ድሕሪ ኩሉ ተሰሪዓ ኣላ። ከተማታታ ዓንዩ፡ ገጠራታ ባዲሙ፡ ህዝባ ፈሊሱ፡ ክብራ ተደፊሩ፡ ባህላ ተበሪዙን ጸኒቱን፡ መንእሰያታ ፋሕ ኢሎም፡ እቶም ጀጋኑኣ ድማ ተዓንዚዞም ተሪፎም።

 

መን’ዩ ንሃገርና ካብዚ ዘላቶ ኩነታት ከድሕና ዚኽእል? ኤርትራዊ ባዕሉ! ይኹንምበር፡ እቲ መንእሰይ ታሪኹ ግርም ገይሩ ኪፈልጥ ይግባእ። ጃህራን ፈኸራን ናይቲ ጸገማትካ ንጹር ስእሊ ኪህበካ ኣይክእልን። ይከኣሎ፡ መን ከም ኤርትራዊ ወዘተ. ዚብሉ ኣዘራርባታት ንጸገማትካን ንኽትግምግም ንመደባትካ ብልክዕ ንኽትሰርዕ ኣየኽእሉኻን እዮም፡ ኣብ ክንዳኡስ ኣብ ኣእምሮኻ ግጉይ ስእልታት ብምቕማጥ፡ ግጉይ ስጉምታትን ግጉይ መፍትሒታትን ከም እትወስድ እዮም ዚገብሩኻ።

 

ንሕና ኤርትራውያን፡ ብዛዕባ እንታይነትናን ሕሉፍ ታሪኽናን ተመክሮናን ክንምርምር ከሎና፡ ነቲ ሓቂ ኣብ ገጹ ንምጥማት ክንፈርህ የብልናን። ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ ተባሂሉ እዩ። ነቲ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናትን ዓመታትን ዝፈጸምናዮን ዝወዓልናዮን ጌጋታት ምእንቲ ክንእርም እሞ ንቕድሚት ክንግስግስ፡ ንኹሉ ሕሉፍ ታሪኽና፡ ወላ ዘሕፍረና ይኹን፡ ክንፍትሾ ይግባእ። ከምኡ ምስ ዘይንገብር፡ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ተኣሊኽና፡ ቀጻሊ ክንሳቐ ክንነብር ኢና።

 

እዚ ሕጂ እንሓልፎ ዘሎና ውርደትን ብጥልመት እተፋሕሰ ፖለቲካዊ ቅልውልውን፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ መዘና ዘይብሉ ኮይኑ ይስመዓኒ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ሕጂ ገይሩ ተዋሪዱን ሓፊሩን ሓሲሩን ኣይፈልጥን። ግን ከኣ ከምኡ ብምዃኑ፡ ንብዙሓት ካብ ድቃሶም ከም ዚለዓሉ ገይሩዎም ኣሎ።

 

ድሕሪ ስቓይ ዓወት ከም ዘሎ ክንርስዕ ኣይግባእን። ግን ዓወት እንጎናጸፍ፡ ነቲ ጸገማትና ኣለሊና፡ ቁስልና ከይሓባእና፡ ስምዒታትና ገቲእና፡ ዘይረብሕ ጃህራታት ደርቢና፡ ብስምረት ምስ እንጓዓዝ ጥራይ እዩ። ከምዚ ምስ ዘይከውን፡ ድሕሪ ስቓይ፡ ዓወት ዘይኮነስ፡ ተደጋጋሚ ስቓይ ኪመጸና ይኽእል እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • Hidat October 11, 2019

    ዝከበርካ PH ነቲ ትምኒት ሰናይ ዘመንን ሕዉነትን ኣሜን።እታ ዝቅጽል ሕቶ ግን ኣይተረድኣትንን ምስናይ ይቅሬታ።

  • mussie_yohannes October 12, 2019

    To the Editor:
    Sir,
    Your website is supposed to serve a balanced view, and not a platform for the trolls of the nihilistic dictator who are bent on assassinating characters like the distinguished intellectuals like Mr. Amanuel.
    Even social media sites like Facebook, and Twitter have editors who are keen to keep the sanctity of a healthy intellectual discourse.
    It’s glaringly clear that the pfdj poodles are on a desperate orchestrated campaign to discredit the intelligent, an courageous educator-Mr. Amanuel Sahle.
    Assena, you are failing miserably the cause of humanity, intellectual discourse, and journalistic editorial standard.
    Time to rectify your failings!

    • Robiel Gebrehiwet October 19, 2019

      I can not agree more, bro. Memher, keep writing.

  • Hdriswuehalalmariet October 13, 2019

    Amaniel Sahle: About what do Eritreans brag about? 1. Is it about their victory of Ethiopia despite its over sized people, it’s well trained armed army logistics, and as if this is not enough, it’s serial surrogates of capitalist and Communist countries? But this is not bragging. It is our glorious history that we are not only proudly recite every day among ourselves but also tell our future generations to know. If this the one that bothers you, then get used to it; we will not forget our history in order to avoid hurting your hypersensitive state of psychology.

    2. Or could it also be the fact that woyane was our creation, our piggyback of fifteen years that we carried all the way to Addis Ababa, and put in power after we chased out mengistu hailemariam in order to cast a vote at the United Nations for the independence of Eritrea? If this is cause of your psychological anxiety ,then you better get used to it because you cannot rewrite the past. Remember little woyane tried it but in vain.

    3. Or could it be of the treansonous kasa (aka,king yohans), who collaborated with the British Forces in the murder of King Tedros ? If this is so, then welcome to the treachery of tegaru. But it is your disease, deal with that. We have long written their treachery in stone………libi tigrai twiI tway…..

    4. If it is because of our unshakeable position that tegaru are different from us and that we will never allow any intermingling with them and you take this pride in our identity for bragging, it is your problem , deal with it. And if you have a rational mind, you can see the difference: they are treacherous, thieves murderers, barbarians,invaders etc. Just look at horrendous crimes they committed in Ethiopia. We are completely their antithesis: law abiding religious people who happily live within our means. In fact they have a name for us: hasasat…….meaning we do not do the horrible things they do.

    5.. As we speak, they are wholesale adopting our brand of Tigrigna language and , our cultural tradition and ditching their own.. During the Amhara ascendency, they were proudly using the Amhara language. . Why do they readily ditch their own to chase others’? Well, it must be because they do not have a sense of pride in what is theirs. During the Amhara pseudo supermacy era, tegaru had left no stone unturned to amhranize us like themselves. We stood up and not only foiled their conspiracy but also completely shattered the amhara pseudo supermacy for good. To day, hated and isolated by the rest of ethiopians, the flippant tegaru have come up with a brand new con artistry …….agazian…… .to cook false brotherhood with us. Of course in vain. We never had any brotherhood before and we will never have any in the future..As a matter of historical fact, they are our mortal enemies..

    • k.tewolde October 14, 2019

      In did Hdri,..’As a matter of historical fact, they are our mortal enemies’, my mom used to prey,’KAB ISHOK MEDRIBET ,KAB HASSAD GOREBET ADHNENA’, I call them termites,they been gnawing at the fabric of out society for a long time. We Eritreans identify with one ,only one meninet–Eritrean,we don’t go selling ourselves with the rise and fall of the tide,we don’t speak 2 dialects to appease both sides of the isle,we don’t lick two tsahlis at the same time,we don’t cross the border and wear our close inside out and hand over our nation to the one who we fought to free ourselves,dogonit!!!!!!!

Post a Reply to Haben Cancel Reply