Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታሪኽ ውርደትን ጥልመትን (The Shaming of a People) ኣማኑኤል ሳህለ

ታሪኽ ውርደትን ጥልመትን (The Shaming of a People) ኣማኑኤል ሳህለ   ኤርትራ ካብተን ኣብ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ዚርከባ ሃገራት፡ ንበይና ብብዙሓት ብሄራት ዝቖመት ሃገር ኮይና በቲ ናይ ኢትዮጵያ ወይ ንግስነት ሽዋ ፊውዳላውን ገባትን ምኩሕን ማእከላይ መንግስቲ ክትሳቐ መዋእል ዘሕለፈት

ታሪኽ ውርደትን ጥልመትን

(The Shaming of a People)

ኣማኑኤል ሳህለ

 

ኤርትራ ካብተን ኣብ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ዚርከባ ሃገራት፡ ንበይና ብብዙሓት ብሄራት ዝቖመት ሃገር ኮይና በቲ ናይ ኢትዮጵያ ወይ ንግስነት ሽዋ ፊውዳላውን ገባትን ምኩሕን ማእከላይ መንግስቲ ክትሳቐ መዋእል ዘሕለፈት ሃገር እያ። እቲ ተደኲናትሉ ዘላ ቦታ፡ ስትራተጅያዊ ብምዃኑ፡ ብኹሉ ሸነኻት፡ ወራርን ከበድቲ ብድሆታትን መግዛእትን ብዝበዛን ገጢሙዋ እዩ። ክሳዕ ሕጂ’ውን ይገጥማ ኣሎ።

 

ሃገራውነት ኤርትራ ነዊሕ ዝገበረ ተርእዮ ኣይኮነን። ንርእሳ እዛ ሕጂ ኤርትራ እትብሃል ዘላ ሃገር፡ ከም ጀዮግራፍያውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣካል፡ ብጣልያን እያ ቆይማ፣ ኤርትራዊ ሃገራውነት እውን ቀስ እናበለ እዩ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝጀመረ። እቲ ሰፊሕን ዓሚቝን ንኹሉ ዘሕበረ ናይ ድልዱል ሃገራውነት ስምዒት ግን፡ ኣብቲ እዋን 30 ዓመት ዝወሰደ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ እዩ ኪገሃድን ኣብቲ ህዝቢ ኪሰርጽን ዝኸኣለ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ ልዑላውነቱ ኣረጋጊጹ፡ መንነቱ ኣነጺሩ፡ ሃገራውነቱ ድማ ኣብ ደሙ ኣስሪጹ። ግን …………… ብወገን ህዝቢ ደኣምበር፡ ብወገን እቲ ናጽነት ዘምጸአ መሪሕነትሲ፡ እቲ ሃገራውነት ከም መጠበሪ እዩ ተጻዒሩሉ ነይሩ ኪብሃል ይከኣል። ንኽፈርስ እዩ ተሃኒጹ ነይሩ። ንኽሽየጥ እዩ ተኻዕቢቱ ነይሩ። ንኺዓኑ እዩ ተሰኒዑ ነይሩ። ንኺበርስ እዩ ተኾስኲሱ ነይሩ። መሪሕነት ዝጠለሞ ሓርነታዊ ቃልሲ እዩ ነይሩ! ገድሊ ኪጥለፍ ዝጀመረ ኣብቲ እዋን’ቲ እዩ። ናይ ጥልመት ሰላሕታ ወራር!!

 

”ወደባት ዓደይ ይረኣየኒ’ሎ” ተባሂሉ ተደሪፉስ፡ መንእሰያት ኤርትራ ናብ ገድሊ ውሒዞም። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን እተን ብሃገራዊ ስምዒት ዝረኣያና ዝነበራ ወደባት ናብ ዕዳጋ ዝወርዳ ዘለዋ ይመስላ ኣለዋ’ሞ፡ ኣብቲ ኤርትራዊ ዝነብረሉ እተፈላለየ ኵርንዓት ዓለም፡ ውሽጣውን ደጋውን ንብዓት ይውሕዝ ከም ዘሎ ንኹሉ መስተውዓሊ ሰብ ብሩህ ኪኸውን ይግባእ።

 

”ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ” ብምባል እውን ተደሪሱ፡ ብክራር ተሰኒዩ ተቓሊሑ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ሃገርና ናይ ካድረታትን ናይ ሸየጥቲ ዓድን መሐንበጢ ደንበ ኾይና ንኽትቅጽል ጸገም ኣየጋጠማን።

 

”ሽገይ ሃቡኒ” ኪብል ደሪፉ ተወልደ ረዳ። እታ ሽግ እኳ ብልመና ኣይኮነትን መጺኣ፡ ብመሪር ቃልሲ እያ መጺኣ። ከም ብሓድሽ ተወሊዓ ናብ ጸላኢ ክትምለስ ግን ንምንታይ ኣድለየ? ኣብ ጸልማት ክንነብር ስለ እተደልየ ድዩ? ጸልማት ዘምጽኡ ደኣ ቀደምሲ ነይሮም እንድዮም። በዓል መነሊክን ሃይለስላሴን ደርግንከ ንመን ክንህቦም? ንሃገርካ ኣጸልሚትካስ ንሃገር እንዳማትካ ብርሃን ክትህብ ምድላይስ ምስ ምንታይ ይቝጸር?!!

 

ንናቕፋ ሰጊረን ኪሓልፋ ኣብኣ ከም ዝተረፍተታ ዘስምዕ ደርፊ እውን በቶም ክቡር ህይወቶም ዝሰውኡ ተጋደልቲ ተደሪፉ ነይሩ። ኣብ ኣኽራናትን ስንጭሮታትን ኤርትራ ተቓሊሑ።  እዘን ተረፍቲተን እተባህላ ባእታታት፡ እተን ንኤርትራ ከጽንታ እተበገሳ ናይ ደርጊ ሰራዊት እየን። እንታይ’ሞ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራዊ መንእሰይ ንሳዋ እናተዀብኮበ ኪውሰድ ከሎ፡ ተረፍመረፍ ተረፍተትቲ ግን ብኣውቶቡሳትን ብናይ ውልቂ መኻይንን ገይረን ንባጽዕ ኣትየን ይዛነያ ከም ዝነበራ ኩሉ ሰብ ብጓህን ትካዘን ብሕርቃንን ምስ ሕሩር ልቡን ተዓዚቡወን እዩ። ኣይተሰዓርናን ኪብላ እውን ደፊረን። ሓቀን ከኣየን፡ እቲ መራሒና ”ኣይከሰረናን” ኪብል ካብ ዘየሕፈሮ፡ ተረፍመረፍ ደርጊ ድማ ”ኣይተሰዓርናን” ንኺብሉ ከመይ ኢሉ ኪእግሞም ይኽእል?

 

እንተ እቲ ዶብ እሞ፡ ቅድም በቲ ዶብና! ወሰንና! ጠረፍና! ዚብል ከንቱ ጭርሖታት ጸሚምና ኢና። ናይ ኣምሰሉ ብመሪሕነት እተበገሰ ጭርሖታት ንምህዳእ ደም ብዙሓት ንጹሃት ፈሲሱ። ደሓር ግን እቲ ዶብ ዚርኢ ዝነበረ ኣዒንቲ መራሕቲ ህግደፍ ብሃንደበት ግዲ ዓዊሩ ኾይኑ፡ ወይ ድማ ሕቡእ ኣጀንዳ ነይሩዎ ግዲ ኾይኑ፡ ዶብ ዚብሃል ነገር የልቦን ዘስምዕ ዘረባታት ተቓሊሑ። እሞ ናብቲ ቅድመ-ጣልያን ዝነበረ መዋዕል ዲዮም ኪመልሱና ደልዮም? ኤርትራ ደኣ ኤርትራ ክትከውን ዝኸኣለት ዶብ ምስ ተገብረላዶ ከይኮነ? ቅድሜኡ ደኣ ኣብቲ ዞባ ሰሜን ኢትዮጵያ ኮይና እንድያ መፍቶ ወረርትን ዘመትትን ኮይና መዋእላ ዘሕለፈቶ። ናብኡ ንምምላስ ደኣ፡ 30 ዓመት ብረታዊ ኲናት እንታይ ኣድለየ? ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ እዩ ነገራቱ!!!

 

”ባርነትዶ ናጽነት” ዚብል ጽሑፍ ድማ ነይሩዎ እቲ ናይ ረፈረንደም መምረጺ ካርድ። ”ናጽነት” ኪብል መሪጹ የዋህ ህዝቢ። መሲሉዎ ናጽነት ዚረክብ። ኣብቲ ካርድ ”ባርነት” እተጻሕፈሉ ምኽንያት፡ ምስ ኢትዮጵያ ክትከውን ምስ እትመርጽ፡ ባርነት ኢኻ ትመርጽ ዘሎኻ ማለት እዩ ነይሩ። ግርም፡ ኣብዚ እነሆ ጨለነት!! ድሕሪ ነዊሕ ኪደት ግን፡ ባዕሉ እቲ መራሒ፡ ክልተኡ ህዝቢ ሓደ ኣይኮነን ዚብል ሰብ ጥዑይ ከም ዘይኮነ ዘስምዕ ቃላት ተዛሪቡ። ህዝቢ፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ እናኣምበልበለ ንመራሒ ኢትዮጵያ ከም ዚቕበል ተገይሩ። እቲ ናይ 30 ዓመታት ስምብራት ተረሲዑ። እቲ ናፓልምን ህዝቢ ዘጽነተ ደብዳብን ከም መዘናግዒ ምርኢት ተወሲዱ። እዚ ደኣ ብዘይ ናይ 30 ዓመት ኲናት ኪኸውን ይኽእል ነይሩ እንድዩ። ቅድሚኡ በዓል ኣቦይን ብጾቶምን ብጥዑይ ምኽንያት ይኹን ወይስ ብድኹም ምኽንያት፡ ኣብቲ ”ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ኢትዮጵያ” ዚብል ጭርሖ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ሕጂ ካብ መቓብሮም ተንሲኦም እንተ ዚርእዩስ እንታይ ምበሉ ነይሮም? ምናልባት በዚ ሕጂ ዚረአ ዘሎ ኣብ ”ጥልመት” እተሰረተ ናይ ምድማር ወደኽደኽ ደስ ምበሎም (ውሽጣዊ ባህጎም ኣንድነት ስለ ዝነበረ)፡ በቲ ምብራስ ሃገርን ምጽናት ህዝብን ምብራዝ ባህልን ግን መዓንጥኦም ምሓረረ። ነዚ ናይ ሃገርና ጉዳይ ትርጉም እኮ ስኢንናሉ።

 

መውጻእቲ ሓራ ኤርትራ ብእልልታን ፈንጠዝያን ተሰንዮም ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተዉ፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ገለ ናይቲ ዚመጽእ ኩነታት ከም ዋግዋጎ እተራእዮም ሰባት፡ ገለ’ውን ካብ ኢድ’ቲ ሓድሽ ኤርትራዊ መንግስቲ ንዝወረዶም ግፍዕታት ብምስትንታን፡ እሞ ክልተ ግዜ’ዶ ክንዛረብ ኴንና ብምባል ብውሽጦም እናሓረሩ ስቕ ምባል መሪጾም ነይሮም።

 

ክልተ ግዜ እተዛረቡ ግን ኣይወሓዱን። ሓደ እዋን ኣብ ኣስመራ ብናይ ከተማ ኣውቶቡስ ክጎዓዝ ከለኹ፡ ሓደ ተጎዓዛይ፡ ብምንታይ ከም ዘንጸርጸረ ኣይፈልጥን፡ ዓው ኢሉ ”ደርጊ ምሓሸና ነይሩ” ኢሉ። ዓገብ ዝበሎ ሰብ ኣይነበረን። እቲ ሰማዓይ፡ ደርጊ ከም ዘይሓይሽ ብልቡ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፡ ግን ድማ ብልቡ እቲ ኩነታት እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዝነበረ የስተውዕል ነይሩ እዩ። ተረፍ መረፍ ደርጊ ናብ ባጽዕ ዘእቱ መንግስቲ ካብ ደርጊ ከም ዘይሓይሽ ግን ሕጂ እዩ ብጋህዲ እተረደኦ።

 

ወድሰብ፡ ኣብ ግዜ ሕስራንን ውርደትን ንኣእምሮኡ ኪቋጻጸር ኣይክእልን እዩ። ቃንዛ፡ ዘይዝሩብ እዩ ዘዛርበካ። ኣብ ብርሃን ተስፋ ዝገበረ ሰብ፡ ነቲ ተስፋ ዝገበረሉ ብርሃን ኪስእኖ ከሎ፡ ከምኡውን ነቲ ሓድሽ ተስፋ ዘንበረሉ ኩነታት ካብቲ ኣቐዲሙ ዘሕለፎ መሪር ተመክሮ ብእተዓጻጸፈ መገዲ መሪር ኮይኑ ኪረኽቦ ከሎ፡ ሽዑ ብተዛማዲ መገዲ ኪሓስብ ይጅምር፡ ነቲ ዝሓለፈ ስቓይን መከራን ድማ ይዝክሮ፡ ብሓድሽ ዓይኒ ይርእዮ፡ ምስቲ ዘለዎ ኩነታት የነጻጽሮ፡ ኣብ ሓደ ውሳኔ ድማ ይበጽሕ።

 

ሙሴ ንደቂ እስራኤል ካብ ጭቆና ፈርኦን ኣውጺኡ ኣብቲ በረኻታት ሲና ንኣርባዓ ዓመታት ከም ዚዅብልሉ ምስ ገበረ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብ ግብጺ ባሮት ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ንግብጺ ኪምለሱ ይምነዩ ነይሮም።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሽሕኳ በቲ ዝጓነፎ ዘሎ ውርደትን ስቓይን እንተ ኣንጸርጸረ፡ ናብቲ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ግን ኪምለስ ኣይደልን እዩ። እቶም መራሕቱ ግን ናብታ ፈርኦናዊት ኢትዮጵያ ኪመልሱዎ ዚበላሓቱ ዘለዉ ይመስሉ። ንሳቶም ዚረብሑዎ ነገራት ኣሎ፡ እቲ ህዝቢ ግን እንተ ጸነተ’ውን ፋዕራ የብሎምን።

 

ወድሰብ ንኹሉ ተመክሮታቱ እናኣዛመደ እዩ ኩነታቱ ዚመዝን። እቲ ካብ ቃንዛ ከድሕነካ ኢልካ እትወስዶ ፈውሲ፡ ባዕሉ እተዓጻጸፈ ቃንዛ ዘኸትለልካ ምስ ዚኸውን፡ ብምንታይ መምዘኒ ደኣዩ ፈውሲ ኪብሃል ዚኽእል? መድሃኒት ዚብሃልስ፡ ቀልጢፉ ይኹን ደንጕዩ፡ ካብቲ ዝነበረካ ቃንዛን መከራን ዘድሕነካ ጥራይ እዩ። ብዝተረፈ፡ ነቲ ፈውሲ መሲሉካ እትወስዶ ዘሎኻ ነገር፡  ኣብ ክንዲ ፈውሲ፡ መርዚ ኢልካ እንተ ጸዋዕካዮስ ኣይተጋገኻን።

 

ንዅርዓት ኤርትራውያን ዘህስስ መሪሕነት መጺኡ። ቀደም ወዲ-ኤረ፡ መን ከም ኤረ፡ ከም ዘይተባህለ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሃገሩ ፈሊሱ ኣብ ፈቐዶ ጎረባብቲ ሃገርን፡ መዓስከር ስደተኛታትን፡ ኣብ ኣብያተማእሰርትን ኪነብር ተፈሪዱዎ ኣሎ። ኣብ 1950ታት ብቑጠባን ኢንዱስትሪን ካብ ምሉእ ኣፍሪቃ ብዘይካ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚቕድማ ዘይነበረት ኤርትራ፡ ሕጂ ድሕሪ ኩሉ ተሰሪዓ ኣላ። ከተማታታ ዓንዩ፡ ገጠራታ ባዲሙ፡ ህዝባ ፈሊሱ፡ ክብራ ተደፊሩ፡ ባህላ ተበሪዙን ጸኒቱን፡ መንእሰያታ ፋሕ ኢሎም፡ እቶም ጀጋኑኣ ድማ ተዓንዚዞም ተሪፎም።

 

መን’ዩ ንሃገርና ካብዚ ዘላቶ ኩነታት ከድሕና ዚኽእል? ኤርትራዊ ባዕሉ! ይኹንምበር፡ እቲ መንእሰይ ታሪኹ ግርም ገይሩ ኪፈልጥ ይግባእ። ጃህራን ፈኸራን ናይቲ ጸገማትካ ንጹር ስእሊ ኪህበካ ኣይክእልን። ይከኣሎ፡ መን ከም ኤርትራዊ ወዘተ. ዚብሉ ኣዘራርባታት ንጸገማትካን ንኽትግምግም ንመደባትካ ብልክዕ ንኽትሰርዕ ኣየኽእሉኻን እዮም፡ ኣብ ክንዳኡስ ኣብ ኣእምሮኻ ግጉይ ስእልታት ብምቕማጥ፡ ግጉይ ስጉምታትን ግጉይ መፍትሒታትን ከም እትወስድ እዮም ዚገብሩኻ።

 

ንሕና ኤርትራውያን፡ ብዛዕባ እንታይነትናን ሕሉፍ ታሪኽናን ተመክሮናን ክንምርምር ከሎና፡ ነቲ ሓቂ ኣብ ገጹ ንምጥማት ክንፈርህ የብልናን። ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ ተባሂሉ እዩ። ነቲ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናትን ዓመታትን ዝፈጸምናዮን ዝወዓልናዮን ጌጋታት ምእንቲ ክንእርም እሞ ንቕድሚት ክንግስግስ፡ ንኹሉ ሕሉፍ ታሪኽና፡ ወላ ዘሕፍረና ይኹን፡ ክንፍትሾ ይግባእ። ከምኡ ምስ ዘይንገብር፡ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ተኣሊኽና፡ ቀጻሊ ክንሳቐ ክንነብር ኢና።

 

እዚ ሕጂ እንሓልፎ ዘሎና ውርደትን ብጥልመት እተፋሕሰ ፖለቲካዊ ቅልውልውን፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ መዘና ዘይብሉ ኮይኑ ይስመዓኒ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ሕጂ ገይሩ ተዋሪዱን ሓፊሩን ሓሲሩን ኣይፈልጥን። ግን ከኣ ከምኡ ብምዃኑ፡ ንብዙሓት ካብ ድቃሶም ከም ዚለዓሉ ገይሩዎም ኣሎ።

 

ድሕሪ ስቓይ ዓወት ከም ዘሎ ክንርስዕ ኣይግባእን። ግን ዓወት እንጎናጸፍ፡ ነቲ ጸገማትና ኣለሊና፡ ቁስልና ከይሓባእና፡ ስምዒታትና ገቲእና፡ ዘይረብሕ ጃህራታት ደርቢና፡ ብስምረት ምስ እንጓዓዝ ጥራይ እዩ። ከምዚ ምስ ዘይከውን፡ ድሕሪ ስቓይ፡ ዓወት ዘይኮነስ፡ ተደጋጋሚ ስቓይ ኪመጸና ይኽእል እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • Hagherawi October 4, 2019

    “እሞ ናብቲ ቅድመ-ጣልያን ዝነበረ መዋዕል ዲዮም ኪመልሱና ደልዮም? ኤርትራ ደኣ ኤርትራ ክትከውን ዝኸኣለት ዶብ ምስ ተገብረላዶ ከይኮነ? ቅድሜኡ ደኣ ኣብቲ ዞባ ሰሜን ኢትዮጵያ ኮይና እንድያ መፍቶ ወረርትን ዘመትትን ኮይና መዋእላ ዘሕለፈቶ። ናብኡ ንምምላስ ደኣ፡ 30 ዓመት ብረታዊ ኲናት እንታይ ኣድለየ? ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ እዩ ነገራቱ!!!”

    ኣማኑኤል ሳህለ

    እዚ ኣባሃህላ እዚ ፥ ቅድሚ ጣልያን ምምጽኡ ፥ እትዮጵያ ልኡላዊት ሃገር ከም ዝነበረት ፥ ኤሪትራ ድማ ኣካል ናታ ከምዝነበረት እዩ ዘስምዕ።
    እቲ ሓቂ ግን፥ እዛ ሎሚ እንፈልጣ እትዮጵያ ፥ ቅድሚ ንጉስ ሃይለስላሴ ፥ ብዘይካ እቲ ከም ወራሪ ብዝፍልጥ ምንልክ ዝተገብረ ፥ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ግዛት ኣምሓራ ንምእታው ዝገበሮ ፈተነ ፥ ይትረፍ ሉኡላውነት ፥ ማእከላይ መንግስቲውን ኣይነበራን።
    መግዛእቲ እንግሊዝ ፥ ተወዳደርቱ ንዝነበሩ ፈረንሳይን ፥ ከምኡውን ድሒሩ ግዝኣታት ክደሊ ዝጀመረ ጣልያን ፥ ብተዘዋዋሪ ንኽቋጻጸሮም ክብል ፥ ንራእስታት እትዮጵያ ኣብ መደባቱ የዋፍሮም ነበረ። ንዝተዋህቦም ዕማማት ንምስላጥ ድማ ፥ ናይ ብረት ሓገዝ ይገብረሎም ነበረ።
    እትዮጵያ ፥ ስርዓተ መንግስትን ሕግን ፥ ከምኡውን ዶብን ልኡላውነትን ዘለዋ ሃገር ዝኾነት ሃይለስላሴ ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ እዪ።
    እቲ 3 ሽሕ ታሪክ ዝባሃል ፥ ናይ እትዮጵያ ኣይኮነን ። ምናልባሽ ናይተን ሎሚ ኣብ ውሽጣ ዝርከባ ከባቢታት ፥ ከም ኣክሱም፥ ላሊበላ ክኸውን ይኽእል ። ጥንታዊ ታሪክ ምስዘን ሎሚ ኣብቲ ቦታ ዝርከባ ሃገራት ፥ ከም ናተን ጥራይ ገርካ ምውሳዱ ፥ ንፖለቲካ ይጠቅም ተባሂሉ ዝግበር ምህዞ እዩ ፥ ሓዊ ግን ኣይኮነን ። ናይቶም ሎሚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኣህዛብ ናይ ሓባር ታሪክ እዪ።

  • Hagherawi October 4, 2019

    Ato Amanuel Salhe

    It was shocking to hear you speaking like the Habesha Nazi (Agazian) from Mekele.
    Because you want Tigreyans to buy your book, you fall in Weyane’s trap.
    What a shame !!!

  • Hdriswuehalalmariet October 5, 2019

    Do we see similarities between what the impostor isaias afewerk said…….. let us go back to our past identity….. and what Sahe is saying…… Eritrea is a product of Italian colonialism….? Since we had known the impostor’s hidden agenda long before exposed himself his ehiopianet, there is no need for analyzing what he meant. The case of Sable however is startling because there was no need for him to remind us our tragic past unless of course he was artfully confirming what people on the YouTube have been alleging, that he joined the so called ” agazian”, which is the brainchild of the impostor. Remember, woyane and isaias afewerk are two faces of a coin.

  • k.tewolde October 5, 2019

    Folks,this nation called Eritrea is a real thing so is Eritrean nationalism solid,palpable,infectious like the rhino virus,kids born in diaspora after independence are sneezing and spreading it to others,thanks to their parents,down but not out ,those who desperately are waging a war against this identity are running out of ammo because it is an abstract you can’t kill.Like I said before ,as soon as they open their mouth we can tell who is talking and why,thanks to smart people like Hagherawi and Hidriswuehalamariet……

    • Hagherawi October 5, 2019

      Brother Dr. K. Tewelde and dear nationalists,
      This forum is inspired everyday by people like you. Your love for Eritrea and it’s proud people is the energy that keeps me going.
      Eritrean nationalism is growing like never before. The Tsunami will remove the tyranny and its fascist clique.

      Thank you

    • Tsehaye October 5, 2019

      Dear k.tewolde,

      If we all had equal liberty and privileges to comment on this site without our comments being deleted, I am sure you would have learned tremendously or you would have changed your nicks now and then to avoid hardcore challenges. Do you go by the name “ጣውሎስ” in another familiar website? Some people call him “Dr. Paul” too. Your knowledge of Eritrea and its revolutionary history does not seem to stretch a little over an inch. Please respect the views of other Eritreans and keep your brain cool.

      • Hagherawi October 7, 2019

        Ayte Tsehaye

        K. Tewelde ሃገረይ ስለ ዝበለ ፥ ፍግዕ እሉካ።
        እዚ መን ሙዃንካ እዩ ዘርኢ።
        ኣብ ዉሽጡ ሰፊርኩም ፥ ንህዝቢ ዓለቅቲ ኮይንኩም ጸኑሕኩም ።
        ሎሚ ኣብ ሃገርና ፥ መን ሙዃንካ ዝኸሽህ ጊዜ መጺኡ።

      • Woldegabriel October 7, 2019

        Does he frequently knock on your door and miraculously disappears? Or does he often comes to your dreams and vanishes before you discern his face? What a tortured paranoid!!

  • Zekarias October 5, 2019

    Before 150 no one can say that there was a country called Ethiopia or Eritrea. You people why do not tolk about the present problem in Eritrea. It is a naked fact that the leadetship in Eritrea is betraying of ertrean asprition. Amnuel is 100% right.

  • Aba thimmer October 5, 2019

    Wawwww! Sahle’s post, carrot & stick of politics to defense himself in which seeking rapid correction after his participation in mekele conference following criticism by true eritreans. This intellect memhr is no longer credible. First of all, why stress full thoughts Ethiopia/Eritrea or tigray? All is fishy. Iseyas too uses good words but act otherwise. Typical eritrean enemy tigreyan. So, we need good deeds.

  • Hidat October 6, 2019

    ወለድና መወዳእታና የጸብቀልና ክብሉ ከለዉ ትርጉሙ ብዙሕ ኣይርድኣናን ነይሩ።እምበር መወዳእታና የጸብቀልና።

  • ጋብረዝጊ ሽምሓላል October 6, 2019

    ኣማንኤል ሳህለ፤ ወዮ ናታ፤ ንሓማታ!

    ኣየ ኸየ! መንዮም ከ እቶም ዝጠለሙ?
    ኤርትራዊ ሕላገቶም ዝኸሓዱ፣ዘቕሃሙ
    ኣየ ብዓል ኣካሒዳ፤ መንዮም ልግዔና ስገሰሙ
    ሓድሽ መንነት ኣብ መቐለ ሓጊዮም ክኣልሙ
    ኣብ ጽንኩር ግዜ ንመንነቶም ዝተሓስሙ
    ናብ ፈሓርቲ መቓብር ትውልድኦም ዝሰለሙ።

  • ገብረዝጊ ሽምሓላል October 6, 2019

    “ታይ ብልኻ፣?” ኣብ ዋዕላ መቐለ ዝወዓለ ክንሱ
    ሕማም ናይ መንነት ሒዝዎ እንከሎ “ልዓርሱ”
    ” ሕዚ”፣ ኢዱ የወጣውጥ፣ ነጻ ኣውጺኡ ነብሱ
    ወሲኑዩ ንሱ! ምስ ዓፍራ ዝረገጹ፣ ተንኮል ዝህንድሱ።

  • Woldegabriel October 6, 2019

    Dear Hidat,
    Right is what you earn (get) not you wish. It’s you who should fight for your rights and identity. After so many treacheries, lies, deceits, and pretentions, we now know our enemies very well but they still think we don’t. No matter how how they change like a chameleon and embark on a full fledged propaganda warfare to dare our resolve, you should unequivocally and unflinchingly articulate your conviction that history will repeat itself and we will liberate Eritrea.

1 2 3