Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ታሪኽ ውርደትን ጥልመትን (The Shaming of a People) ኣማኑኤል ሳህለ

ታሪኽ ውርደትን ጥልመትን (The Shaming of a People) ኣማኑኤል ሳህለ   ኤርትራ ካብተን ኣብ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ዚርከባ ሃገራት፡ ንበይና ብብዙሓት ብሄራት ዝቖመት ሃገር ኮይና በቲ ናይ ኢትዮጵያ ወይ ንግስነት ሽዋ ፊውዳላውን ገባትን ምኩሕን ማእከላይ መንግስቲ ክትሳቐ መዋእል ዘሕለፈት

ታሪኽ ውርደትን ጥልመትን

(The Shaming of a People)

ኣማኑኤል ሳህለ

 

ኤርትራ ካብተን ኣብ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ዚርከባ ሃገራት፡ ንበይና ብብዙሓት ብሄራት ዝቖመት ሃገር ኮይና በቲ ናይ ኢትዮጵያ ወይ ንግስነት ሽዋ ፊውዳላውን ገባትን ምኩሕን ማእከላይ መንግስቲ ክትሳቐ መዋእል ዘሕለፈት ሃገር እያ። እቲ ተደኲናትሉ ዘላ ቦታ፡ ስትራተጅያዊ ብምዃኑ፡ ብኹሉ ሸነኻት፡ ወራርን ከበድቲ ብድሆታትን መግዛእትን ብዝበዛን ገጢሙዋ እዩ። ክሳዕ ሕጂ’ውን ይገጥማ ኣሎ።

 

ሃገራውነት ኤርትራ ነዊሕ ዝገበረ ተርእዮ ኣይኮነን። ንርእሳ እዛ ሕጂ ኤርትራ እትብሃል ዘላ ሃገር፡ ከም ጀዮግራፍያውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣካል፡ ብጣልያን እያ ቆይማ፣ ኤርትራዊ ሃገራውነት እውን ቀስ እናበለ እዩ ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝጀመረ። እቲ ሰፊሕን ዓሚቝን ንኹሉ ዘሕበረ ናይ ድልዱል ሃገራውነት ስምዒት ግን፡ ኣብቲ እዋን 30 ዓመት ዝወሰደ ሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ እዩ ኪገሃድን ኣብቲ ህዝቢ ኪሰርጽን ዝኸኣለ። ኣብዚ መስርሕ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመጀመርያ ግዜ ልዑላውነቱ ኣረጋጊጹ፡ መንነቱ ኣነጺሩ፡ ሃገራውነቱ ድማ ኣብ ደሙ ኣስሪጹ። ግን …………… ብወገን ህዝቢ ደኣምበር፡ ብወገን እቲ ናጽነት ዘምጸአ መሪሕነትሲ፡ እቲ ሃገራውነት ከም መጠበሪ እዩ ተጻዒሩሉ ነይሩ ኪብሃል ይከኣል። ንኽፈርስ እዩ ተሃኒጹ ነይሩ። ንኽሽየጥ እዩ ተኻዕቢቱ ነይሩ። ንኺዓኑ እዩ ተሰኒዑ ነይሩ። ንኺበርስ እዩ ተኾስኲሱ ነይሩ። መሪሕነት ዝጠለሞ ሓርነታዊ ቃልሲ እዩ ነይሩ! ገድሊ ኪጥለፍ ዝጀመረ ኣብቲ እዋን’ቲ እዩ። ናይ ጥልመት ሰላሕታ ወራር!!

 

”ወደባት ዓደይ ይረኣየኒ’ሎ” ተባሂሉ ተደሪፉስ፡ መንእሰያት ኤርትራ ናብ ገድሊ ውሒዞም። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን እተን ብሃገራዊ ስምዒት ዝረኣያና ዝነበራ ወደባት ናብ ዕዳጋ ዝወርዳ ዘለዋ ይመስላ ኣለዋ’ሞ፡ ኣብቲ ኤርትራዊ ዝነብረሉ እተፈላለየ ኵርንዓት ዓለም፡ ውሽጣውን ደጋውን ንብዓት ይውሕዝ ከም ዘሎ ንኹሉ መስተውዓሊ ሰብ ብሩህ ኪኸውን ይግባእ።

 

”ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ” ብምባል እውን ተደሪሱ፡ ብክራር ተሰኒዩ ተቓሊሑ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ሃገርና ናይ ካድረታትን ናይ ሸየጥቲ ዓድን መሐንበጢ ደንበ ኾይና ንኽትቅጽል ጸገም ኣየጋጠማን።

 

”ሽገይ ሃቡኒ” ኪብል ደሪፉ ተወልደ ረዳ። እታ ሽግ እኳ ብልመና ኣይኮነትን መጺኣ፡ ብመሪር ቃልሲ እያ መጺኣ። ከም ብሓድሽ ተወሊዓ ናብ ጸላኢ ክትምለስ ግን ንምንታይ ኣድለየ? ኣብ ጸልማት ክንነብር ስለ እተደልየ ድዩ? ጸልማት ዘምጽኡ ደኣ ቀደምሲ ነይሮም እንድዮም። በዓል መነሊክን ሃይለስላሴን ደርግንከ ንመን ክንህቦም? ንሃገርካ ኣጸልሚትካስ ንሃገር እንዳማትካ ብርሃን ክትህብ ምድላይስ ምስ ምንታይ ይቝጸር?!!

 

ንናቕፋ ሰጊረን ኪሓልፋ ኣብኣ ከም ዝተረፍተታ ዘስምዕ ደርፊ እውን በቶም ክቡር ህይወቶም ዝሰውኡ ተጋደልቲ ተደሪፉ ነይሩ። ኣብ ኣኽራናትን ስንጭሮታትን ኤርትራ ተቓሊሑ።  እዘን ተረፍቲተን እተባህላ ባእታታት፡ እተን ንኤርትራ ከጽንታ እተበገሳ ናይ ደርጊ ሰራዊት እየን። እንታይ’ሞ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኤርትራዊ መንእሰይ ንሳዋ እናተዀብኮበ ኪውሰድ ከሎ፡ ተረፍመረፍ ተረፍተትቲ ግን ብኣውቶቡሳትን ብናይ ውልቂ መኻይንን ገይረን ንባጽዕ ኣትየን ይዛነያ ከም ዝነበራ ኩሉ ሰብ ብጓህን ትካዘን ብሕርቃንን ምስ ሕሩር ልቡን ተዓዚቡወን እዩ። ኣይተሰዓርናን ኪብላ እውን ደፊረን። ሓቀን ከኣየን፡ እቲ መራሒና ”ኣይከሰረናን” ኪብል ካብ ዘየሕፈሮ፡ ተረፍመረፍ ደርጊ ድማ ”ኣይተሰዓርናን” ንኺብሉ ከመይ ኢሉ ኪእግሞም ይኽእል?

 

እንተ እቲ ዶብ እሞ፡ ቅድም በቲ ዶብና! ወሰንና! ጠረፍና! ዚብል ከንቱ ጭርሖታት ጸሚምና ኢና። ናይ ኣምሰሉ ብመሪሕነት እተበገሰ ጭርሖታት ንምህዳእ ደም ብዙሓት ንጹሃት ፈሲሱ። ደሓር ግን እቲ ዶብ ዚርኢ ዝነበረ ኣዒንቲ መራሕቲ ህግደፍ ብሃንደበት ግዲ ዓዊሩ ኾይኑ፡ ወይ ድማ ሕቡእ ኣጀንዳ ነይሩዎ ግዲ ኾይኑ፡ ዶብ ዚብሃል ነገር የልቦን ዘስምዕ ዘረባታት ተቓሊሑ። እሞ ናብቲ ቅድመ-ጣልያን ዝነበረ መዋዕል ዲዮም ኪመልሱና ደልዮም? ኤርትራ ደኣ ኤርትራ ክትከውን ዝኸኣለት ዶብ ምስ ተገብረላዶ ከይኮነ? ቅድሜኡ ደኣ ኣብቲ ዞባ ሰሜን ኢትዮጵያ ኮይና እንድያ መፍቶ ወረርትን ዘመትትን ኮይና መዋእላ ዘሕለፈቶ። ናብኡ ንምምላስ ደኣ፡ 30 ዓመት ብረታዊ ኲናት እንታይ ኣድለየ? ነዚ ክትግዕታዶ ትርህጻ እዩ ነገራቱ!!!

 

”ባርነትዶ ናጽነት” ዚብል ጽሑፍ ድማ ነይሩዎ እቲ ናይ ረፈረንደም መምረጺ ካርድ። ”ናጽነት” ኪብል መሪጹ የዋህ ህዝቢ። መሲሉዎ ናጽነት ዚረክብ። ኣብቲ ካርድ ”ባርነት” እተጻሕፈሉ ምኽንያት፡ ምስ ኢትዮጵያ ክትከውን ምስ እትመርጽ፡ ባርነት ኢኻ ትመርጽ ዘሎኻ ማለት እዩ ነይሩ። ግርም፡ ኣብዚ እነሆ ጨለነት!! ድሕሪ ነዊሕ ኪደት ግን፡ ባዕሉ እቲ መራሒ፡ ክልተኡ ህዝቢ ሓደ ኣይኮነን ዚብል ሰብ ጥዑይ ከም ዘይኮነ ዘስምዕ ቃላት ተዛሪቡ። ህዝቢ፡ ባንዴራ ኢትዮጵያ እናኣምበልበለ ንመራሒ ኢትዮጵያ ከም ዚቕበል ተገይሩ። እቲ ናይ 30 ዓመታት ስምብራት ተረሲዑ። እቲ ናፓልምን ህዝቢ ዘጽነተ ደብዳብን ከም መዘናግዒ ምርኢት ተወሲዱ። እዚ ደኣ ብዘይ ናይ 30 ዓመት ኲናት ኪኸውን ይኽእል ነይሩ እንድዩ። ቅድሚኡ በዓል ኣቦይን ብጾቶምን ብጥዑይ ምኽንያት ይኹን ወይስ ብድኹም ምኽንያት፡ ኣብቲ ”ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ሓንቲ ኢትዮጵያ” ዚብል ጭርሖ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ሕጂ ካብ መቓብሮም ተንሲኦም እንተ ዚርእዩስ እንታይ ምበሉ ነይሮም? ምናልባት በዚ ሕጂ ዚረአ ዘሎ ኣብ ”ጥልመት” እተሰረተ ናይ ምድማር ወደኽደኽ ደስ ምበሎም (ውሽጣዊ ባህጎም ኣንድነት ስለ ዝነበረ)፡ በቲ ምብራስ ሃገርን ምጽናት ህዝብን ምብራዝ ባህልን ግን መዓንጥኦም ምሓረረ። ነዚ ናይ ሃገርና ጉዳይ ትርጉም እኮ ስኢንናሉ።

 

መውጻእቲ ሓራ ኤርትራ ብእልልታን ፈንጠዝያን ተሰንዮም ኣብ ኣስመራ ምስ ኣተዉ፡ ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ገለ ናይቲ ዚመጽእ ኩነታት ከም ዋግዋጎ እተራእዮም ሰባት፡ ገለ’ውን ካብ ኢድ’ቲ ሓድሽ ኤርትራዊ መንግስቲ ንዝወረዶም ግፍዕታት ብምስትንታን፡ እሞ ክልተ ግዜ’ዶ ክንዛረብ ኴንና ብምባል ብውሽጦም እናሓረሩ ስቕ ምባል መሪጾም ነይሮም።

 

ክልተ ግዜ እተዛረቡ ግን ኣይወሓዱን። ሓደ እዋን ኣብ ኣስመራ ብናይ ከተማ ኣውቶቡስ ክጎዓዝ ከለኹ፡ ሓደ ተጎዓዛይ፡ ብምንታይ ከም ዘንጸርጸረ ኣይፈልጥን፡ ዓው ኢሉ ”ደርጊ ምሓሸና ነይሩ” ኢሉ። ዓገብ ዝበሎ ሰብ ኣይነበረን። እቲ ሰማዓይ፡ ደርጊ ከም ዘይሓይሽ ብልቡ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፡ ግን ድማ ብልቡ እቲ ኩነታት እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዝነበረ የስተውዕል ነይሩ እዩ። ተረፍ መረፍ ደርጊ ናብ ባጽዕ ዘእቱ መንግስቲ ካብ ደርጊ ከም ዘይሓይሽ ግን ሕጂ እዩ ብጋህዲ እተረደኦ።

 

ወድሰብ፡ ኣብ ግዜ ሕስራንን ውርደትን ንኣእምሮኡ ኪቋጻጸር ኣይክእልን እዩ። ቃንዛ፡ ዘይዝሩብ እዩ ዘዛርበካ። ኣብ ብርሃን ተስፋ ዝገበረ ሰብ፡ ነቲ ተስፋ ዝገበረሉ ብርሃን ኪስእኖ ከሎ፡ ከምኡውን ነቲ ሓድሽ ተስፋ ዘንበረሉ ኩነታት ካብቲ ኣቐዲሙ ዘሕለፎ መሪር ተመክሮ ብእተዓጻጸፈ መገዲ መሪር ኮይኑ ኪረኽቦ ከሎ፡ ሽዑ ብተዛማዲ መገዲ ኪሓስብ ይጅምር፡ ነቲ ዝሓለፈ ስቓይን መከራን ድማ ይዝክሮ፡ ብሓድሽ ዓይኒ ይርእዮ፡ ምስቲ ዘለዎ ኩነታት የነጻጽሮ፡ ኣብ ሓደ ውሳኔ ድማ ይበጽሕ።

 

ሙሴ ንደቂ እስራኤል ካብ ጭቆና ፈርኦን ኣውጺኡ ኣብቲ በረኻታት ሲና ንኣርባዓ ዓመታት ከም ዚዅብልሉ ምስ ገበረ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብ ግብጺ ባሮት ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ንግብጺ ኪምለሱ ይምነዩ ነይሮም።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሽሕኳ በቲ ዝጓነፎ ዘሎ ውርደትን ስቓይን እንተ ኣንጸርጸረ፡ ናብቲ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ግን ኪምለስ ኣይደልን እዩ። እቶም መራሕቱ ግን ናብታ ፈርኦናዊት ኢትዮጵያ ኪመልሱዎ ዚበላሓቱ ዘለዉ ይመስሉ። ንሳቶም ዚረብሑዎ ነገራት ኣሎ፡ እቲ ህዝቢ ግን እንተ ጸነተ’ውን ፋዕራ የብሎምን።

 

ወድሰብ ንኹሉ ተመክሮታቱ እናኣዛመደ እዩ ኩነታቱ ዚመዝን። እቲ ካብ ቃንዛ ከድሕነካ ኢልካ እትወስዶ ፈውሲ፡ ባዕሉ እተዓጻጸፈ ቃንዛ ዘኸትለልካ ምስ ዚኸውን፡ ብምንታይ መምዘኒ ደኣዩ ፈውሲ ኪብሃል ዚኽእል? መድሃኒት ዚብሃልስ፡ ቀልጢፉ ይኹን ደንጕዩ፡ ካብቲ ዝነበረካ ቃንዛን መከራን ዘድሕነካ ጥራይ እዩ። ብዝተረፈ፡ ነቲ ፈውሲ መሲሉካ እትወስዶ ዘሎኻ ነገር፡  ኣብ ክንዲ ፈውሲ፡ መርዚ ኢልካ እንተ ጸዋዕካዮስ ኣይተጋገኻን።

 

ንዅርዓት ኤርትራውያን ዘህስስ መሪሕነት መጺኡ። ቀደም ወዲ-ኤረ፡ መን ከም ኤረ፡ ከም ዘይተባህለ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሃገሩ ፈሊሱ ኣብ ፈቐዶ ጎረባብቲ ሃገርን፡ መዓስከር ስደተኛታትን፡ ኣብ ኣብያተማእሰርትን ኪነብር ተፈሪዱዎ ኣሎ። ኣብ 1950ታት ብቑጠባን ኢንዱስትሪን ካብ ምሉእ ኣፍሪቃ ብዘይካ ደቡብ ኣፍሪቃ ዚቕድማ ዘይነበረት ኤርትራ፡ ሕጂ ድሕሪ ኩሉ ተሰሪዓ ኣላ። ከተማታታ ዓንዩ፡ ገጠራታ ባዲሙ፡ ህዝባ ፈሊሱ፡ ክብራ ተደፊሩ፡ ባህላ ተበሪዙን ጸኒቱን፡ መንእሰያታ ፋሕ ኢሎም፡ እቶም ጀጋኑኣ ድማ ተዓንዚዞም ተሪፎም።

 

መን’ዩ ንሃገርና ካብዚ ዘላቶ ኩነታት ከድሕና ዚኽእል? ኤርትራዊ ባዕሉ! ይኹንምበር፡ እቲ መንእሰይ ታሪኹ ግርም ገይሩ ኪፈልጥ ይግባእ። ጃህራን ፈኸራን ናይቲ ጸገማትካ ንጹር ስእሊ ኪህበካ ኣይክእልን። ይከኣሎ፡ መን ከም ኤርትራዊ ወዘተ. ዚብሉ ኣዘራርባታት ንጸገማትካን ንኽትግምግም ንመደባትካ ብልክዕ ንኽትሰርዕ ኣየኽእሉኻን እዮም፡ ኣብ ክንዳኡስ ኣብ ኣእምሮኻ ግጉይ ስእልታት ብምቕማጥ፡ ግጉይ ስጉምታትን ግጉይ መፍትሒታትን ከም እትወስድ እዮም ዚገብሩኻ።

 

ንሕና ኤርትራውያን፡ ብዛዕባ እንታይነትናን ሕሉፍ ታሪኽናን ተመክሮናን ክንምርምር ከሎና፡ ነቲ ሓቂ ኣብ ገጹ ንምጥማት ክንፈርህ የብልናን። ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ ተባሂሉ እዩ። ነቲ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናትን ዓመታትን ዝፈጸምናዮን ዝወዓልናዮን ጌጋታት ምእንቲ ክንእርም እሞ ንቕድሚት ክንግስግስ፡ ንኹሉ ሕሉፍ ታሪኽና፡ ወላ ዘሕፍረና ይኹን፡ ክንፍትሾ ይግባእ። ከምኡ ምስ ዘይንገብር፡ ኣብ ናይ ሕልሚ ዓለም ተኣሊኽና፡ ቀጻሊ ክንሳቐ ክንነብር ኢና።

 

እዚ ሕጂ እንሓልፎ ዘሎና ውርደትን ብጥልመት እተፋሕሰ ፖለቲካዊ ቅልውልውን፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ መዘና ዘይብሉ ኮይኑ ይስመዓኒ። ህዝቢ ኤርትራ ከም ሕጂ ገይሩ ተዋሪዱን ሓፊሩን ሓሲሩን ኣይፈልጥን። ግን ከኣ ከምኡ ብምዃኑ፡ ንብዙሓት ካብ ድቃሶም ከም ዚለዓሉ ገይሩዎም ኣሎ።

 

ድሕሪ ስቓይ ዓወት ከም ዘሎ ክንርስዕ ኣይግባእን። ግን ዓወት እንጎናጸፍ፡ ነቲ ጸገማትና ኣለሊና፡ ቁስልና ከይሓባእና፡ ስምዒታትና ገቲእና፡ ዘይረብሕ ጃህራታት ደርቢና፡ ብስምረት ምስ እንጓዓዝ ጥራይ እዩ። ከምዚ ምስ ዘይከውን፡ ድሕሪ ስቓይ፡ ዓወት ዘይኮነስ፡ ተደጋጋሚ ስቓይ ኪመጸና ይኽእል እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • simon October 7, 2019

    ቅድሚ ሽዋ ኣክሱም ገዲዲኩሙና ኣይተ ኣማኑኤል ምንሊክ ሽዋ ክነሱ ኤርትራ ዶ ባሕረ ኣይበለን ሃጼይ የውሃንስ፣ጻድቃን ማለሊት ገዲድኩምና ብዛዓባ ኤርትራ ገዲፍካ ብዘዓባ መቀለካ ግበር.አሰና ናይዚሰብ ፖስት አይትግበር ፕሊስ ኣሰና ናይ ህዚቢ ኤርትራ ሲለዚኮነት .

  • ገብረዝጊ ሽምሓላል October 7, 2019

    ኣኸለ! መምህረይ ነበር፤ ወዲ ሳህለ
    ካብ ዓይኒ ዝገለለ፤ ካብ ልቢ ዝገለለ።

    ናይ ብሓቂ ዘሕመካ እንተኔሩ ዘለናዮ ህሞት፣ ዓደቦ
    መቐለ ካብ ምኻድ፣ ክትመክር ኔሩካ ምስ ደቀቦ
    ከምዝብኢ ክትሕንክስ ከምዘይሓገኻ፣ ጎብጎቦ
    ደቀባት ተሓሲምካ፤ ክትመክር ምስ ጋና፤ደቂ-ጎደቦ?!
    “ሕጂ ምረጹ”፣ ትብል፤ መሪጽና ክነስና፣ ብዓንተቦ
    “ወረጃ ዓድዋ”፤ ታይ’ ኣድለየ፣ ብዓል ሞራል ኣልቦ።

    ኣኸለ! ሕጅስ ኣኸለ፤ ወጊንካ ለኻ ምስ ደቂ-ውበ
    ንሕናሞ ዕዮ ገዛለና፣ ዘይሓድር፣ ዘየውዕል፣ ዘይጽበ።

  • Haben October 7, 2019

    Aboy Amanuel Sahle has fallen down the hill. He disgraced himself. No apology would reverse the betrayal he committed against Eritreans.
    He has started to disclose himself starting with his grandmother (paternal side) that she comes from Tigray so we will hear more about him being Tigraway.
    Qes b’qes equwaquHo b’egru yKeyd.

  • rezen October 7, 2019

    Subject: Quote: “Hidat OCTOBER 6, 2019 ወለድና መወዳእታና የጸብቀልና ክብሉ ከለዉ ትርጉሙ ብዙሕ
    ኣይርድኣናን ነይሩ። እምበር መወዳእታና የጸብቀልና።” Unquote

    Response, 7 Oct 2019

    1. Apology
    First and foremost I wish to apologize for writing in a foreign English language in the Tigrigna sector of http://www.archive.assenna.com as if the Tigrigna language [derivative of the ancient language Geez] has no written language with grammar and all. In fact, it is the only written language in our entire Continent of Black Africa. And yet, it has a long horrid story about the arresting of the Mind of the African Child by European colonizers.

    2. Discussion on the above quoted Subject
    In my humble and limited opinion, the above one-liner is worth hundred (100) times the usual expression emanating from saying of the past i.e. ‘a picture is worth a thousand (1000) words’. In this case, our “picture” being the Tigrigna immortal expression “መወዳእታና የጸብቀልና።” is truly and the ultimate honest appeal to the eternal mysterious force up in Heaven. Amen! Inshalah ! [in alphabetical order] and other expressions following a desperation for spiritual survival.

    What else is there left for us Eritreans to latch to? Those of us who are fortunate enough to have a sanctuary, with tranquility — far away from our birth-place — can ‘afford’ to be philosophical and occupy our leisure times writing commentaries and insulting each other on the Internet. And the people who are still left behind in our Eritrea are struggling, to the best of their abilities, to leave the earthly burning hell in search for sanctuaries (of any sort) like we did decades ago.

    THE ABOVE SEEMS TO BE THE DESTINY OF ERITREA >>> unless the 80 to 90 liberation groups, mushrooming around the Globe [presumably, all working for the SAME goal!!!] come together as ONE FORCE under ONE Representative Guidance Team and LIBERATE Eritrea. THAT would be the DAY for Eritrea. At present, in my opinion, we do NOT have “LIBERATED” Eritrea in the TRUE meaning of the word.

    But ‘SOMEBODY’, who KNEW the make-up of Eritreans deeply, was 100% sure that Eritreans are INCAPABLE of coming together and save Eritrea for their mutual benefit and happiness. This was an extraordinary level of an insight. The person – the Idol of Eritrea — used that knowledge to cultivate his inner hateful agenda, towards Eritrea, to its climax. Do I need to identify? NO. But permit me to recite what a four-teen year old [yes, 14-year old] ተጋዳላይ who, in his young sharp mind, humbly declared that the person who was being idolized was “አይናህናን”። Alas! who was going to listen to a 14-year old Kid? And consequently, here we are, wherever we are, passing the time until the unavoidable moment of our demise. By the way, for the record, the 14-year old of YESTERTEARS is still active and forceful defender for the ultimate goal of achieving TRUE LIBERATED ERITREA – NOT WISHY-WASHY ARTIFICIAL ERITREA.

    Twenty-eight (28) years have already elapsed since Eritrea was successfully liberated from Ethiopia, after thirty (30) years of World-Renowned Struggle for Liberation, Freedom, Justice, Development and Equality for ALL. Alas! THAT DREAM was shattered and Eritreans are divided with the establishment of 80 to 90 groups, deceivingly for the SAME goal. Imagine the famous Eritrean Liberation Force (1) being divided into 80 to 90 groups to liberate Eritrea from Ethiopia!!!!! Dear Reader: Where do you think we would be by now, with 80 to 90 groups? Anyway, if Eritreans continue to believe in the concept of fragmented liberation groups for the SAME goal, it is tantamount in accepting the status quo of the situation in Eritrea for ever >>> which means:
    a) the exodus of Eritreans will continue with acceleration;
    b) Eritrea will continue to be vacated and cleared, ready for a tenant (occupier);
    c) the 30-year struggle will then be considered as a world-example of self-initiated consequential disaster; and
    d) eventually – NOT a probability — the cycle comes back to its originality i.e. the 30-year war — this time arranged and operated from ABROAD!!! >>>> at the mercy and cooperation of a Member State (or States) of the UN!!!!!! If you believe THAT you are a good candidate in believing anything under the sun.

    3. Conclusion
    The deep question that follows is this: >>> ‘why do we Eritreans behave the way we do against our interest?’ I dare say; we know the answer but will NEVER openly, clearly, admit and acknowledge it. In any case, in a convenient philosophical way, it is called CASSICAL TRAGEDY. We Eritreans are destined to exist [not living] with it — regardless of where we are dispersed. THE END
    ——————————————————————-

    Footnote
    When I use the word “Front” I am collating the two well known Fronts – ELF and EPLF – as ONE, under the umbrella of Eritrean liberation front. In my opinion, the division of Eritrean Front into two was the most tragic and costly development for ERITREANS. And we know the cause. I believe, the Eritrean internal war was more damaging than the sacrifice of Eritreans sustained fighting against Ethiopia. That makes us our own enemy that we cannot deny. It is an historical event with colossal consequences that cannot be forgotten or brushed aside to be shelved somewhere, hoping that it would disappear. THAT History will NEVER be forgotten for the simplest reason that ‘Brothers of the same Mothers’ massacred each other under the Order/Design of self-anointed INDIVIDUALS for their own hidden agenda, from both sides of protagonists. Eritreans with their legendary pure hearts, from both sides, sacrificed their LIVES for a cause, they believed to be beneficial to the Eritrean people at large. If it is any consolation at all, the deception of people by INDIVIDUAL CHARLATANS is not a new phenomenon. Human history around the Globe attested to that unfortunate mysterious characteristic of Man >>> the Tigrigna language said it all succinctly, elegantly and above all glaringly: “ሓመድ ሓፋሽ” ። And so, indeed we are! It is a history that should NEVER be forgotten but placed in annals of Eritrean History for the education of generations to come, with hope and prayers.
    THANK YOU Hidat for triggering my inner mechanism with your twelve (12) words of insight: “ ወለድና መወዳእታና የጸብቀልና ክብሉ ከለዉ ትርጉሙ ብዙሕ ኣይርድኣናን ነይሩ። እምበር መወዳእታና የጸብቀልና። ”

    • k.tewolde October 8, 2019

      (‘ …እምበር መወዳእታና የጸብቀልና። ”)….simply put,the statement reflects resignation to fate as the African journalist put it when he observed the demeanor of the people during his visit to Asmara a couple of years ago.>>>>>>>”If it is any consolation at all, the deception of people by INDIVIDUAL CHARLATANS is not a new phenomenon”….Indeed,he shredded us,broke us down,humiliated us……!!!!!! the sad thing is,he used and continues to use our own brothers /sisters hands to inflict those deep socio-political wounds which will take generations to heal.rezen quips (THAT History will NEVER be forgotten for the simplest reason that ‘Brothers of the same Mothers’ massacred each other…..) >>>>> flashback from the past….a pursuing female fighter yells,’drop your gun and give up!’ during ELF’s final organizational retreat,I turn around crouch and aim,a perfect target,I change my mind head to the nearest ravine with thoughts in my head that could have been my favorite niece I used to play house with in my childhood years,night falls and we break it off for the day. rezen summed it up, ‘…that cannot be forgotten or brushed aside to be shelved somewhere, hoping that it would disappear.’ >>>> nobody played us worse than this vector in our history as people of one integral family,however we can’t blame no one but ourselves.We flung our door open and invited him in.One thing about us Eritreans,we love an outsider better than our own sister or brother and it never gave us a good dividend.

  • Haben October 8, 2019

    Why did ASSENNA post/broadcast this man’s (a traitor) statement on their site. The statement is baseless and damaging.

    It is really confusing I mean not the statement but where ASSENNA stands. I am burning out of anger as I’m writing this. We need not need to hear this rubbish like things please we had enough.

    AGEB ASSENNA!

  • meretse October 8, 2019

    Which idea/statement is rubbish to you?

    • Haben October 8, 2019

      OBVIOUSLY The statement he made in Mekele, Ethiopia which else.

  • ገብረዝጊ ሽምሓላል October 8, 2019

    ነጻ ከይኮንኩ፤ ፍጹም ኣይዳነን
    እንተለኹስ ኣለኹ፤ ተዘይኮነ
    ሕሹኽ በሉኒ! ዓድና ናጻ ምስኮነ።

    እንብቢ፣ ኣንብቦ
    ብሂል፣ ታሪኽ ዓደ’ቦ
    ናይ ጥንቲ፤ ናይ እንዳ’ቦ
    ገዲፎም ክነሶም ብዓንተቦ
    ልቢ ተገበሩ ወለዶ ደቀ’ቦ።

    ተግባር፣ ቅድሚ ምምራር
    ትህኪት፤ ትወልዳ ንእኪት
    ብኣግኡ ዘንጊዕናዮ፣ ከይነዕብዮ
    ኣብ ጽቡቕ መዓላ ከይነውዕሎ፣ ብተሎ
    በትሪ ኣብ ኢድካ፤ ተመን ኣብ እግርኻ’ሎ
    እንተኾነ ከይመሃሩ ወሲኖም፣ ወለዶ ደቀ’ቦ።

    ኢሎምና ከለው፤ ሕኒኡ ዘይፈዲ፣ ወዲ ኣድጊ!
    እንዳርኤና! ትም-ልና ክጸንት፣ ከይገደፍና ሓድጊ!
    እንሄለ! ዓጊብና ብዕጫ፤ ከሎና ምሉእ ምርጫ
    ግብረ-መልሲ ከይንግልጭሞ፣ ዝቕዝር ብባጫ!
    ሕድሕድና ክንከራፈስ፣ ብቑራስ ‘ንጀራ፣ብቕጫ።

    ሕጂ ገሪሙና ንርከብ ብዛዕባ “መወዳእታና”!
    ጊዜ ኣምጺዎ! “የጸብቐልና” ምርዳእ ኣጊሙና
    ኣየ ናይ ኤርትራውያን ነገር! በሉስከ ተቐበሉና
    ‘ቲ ምስጢሩ፣ ሰብ ፈላሚ፤ እዝጊ ኸ ፈጻሚ ።

    ጽቡቕን፣ ክፉእን ናይ እንዳ’ቦ
    ሂወት፣ ዓንደ-ሕቖ፣ መዓር፣ ኣጅቦ
    እንዳ’ቦና’ዪ! ንመን ድኣ ንሃቦ?!
    ሕጂ፣ ኣጊሙና ክነተርጉም ክንዕዘቦ
    ናትና ‘ከሎ ዝተዋህበ፣ ብዓንተቦ
    ሓዝዎስ’ከ ንመን ድኣ ክንህቦ።

    ተላብዮም ኔሮም፤ ሕጂ ከኣ ንላቦ
    ዓቅብዎ! ‘ቲ ታሪኽ ዓደ’ቦ ካብ ደቂ ጎደቦ
    ተላቢዮም ክነሶም ቀዳሞት፣ ንደቀ’ቦ
    ሓደራ ከይትልእኩ፤ ልኡኽ ሓሊቦ!
    ሓደራ፤ “የሕሊፍካ ከይትህቦ፣ ንወደ’ቦ”!
    ተላብዮም ክነሶም ነባሪ ውርሻ
    ተቐቢሩ ተሪፉ ኣብ መሮር ጣሻ።

    ኣንታ ናይ ጥንቲስ፣ ነበረ ናይ ጥንቲ
    ኣምር ገድሊ እካ ተረሲዑ፤ ስቓይና ደም ጎሲዑ
    ነበረያ-ነበረ! ብጻይ፣ ብጻይነት፣ ህዝባዊ፣ ሃገራዊ!
    ኣነ ክስዋእ፤ ንስኻ ጽናሕ፣ ኣርክብ ንቕድሚት መርሽ።

    ሕድሪ ኣለና፤ ዝተጠልመ ሕድሪ
    ህላዌና ዘዉሕስ፣ ዝቕጽል ብኽብሪ
    ሓርበኛ ኣይነብርን’ዩ፤ ታሪኽ ዘውርስ።

    እንታይሞ እዛ ዓለም ‘ዚኣሞ፤ ስኢንና ደቂ ዘሞ!
    ንፉዕ ብውሉድ፤ ከይትካእ፣ ክርዳድ ፈርያ መሬት።
    ሃገራውያን ተኪእና ብነገራውያን፤ ኣየወ ዘለናዮ ህሞት!
    “መወዳእትኡ ድኣ የጸብቐልና ጥራይ!” ሓቂ ዘረባ ቐዳሞት።

  • Woldegabriel October 8, 2019

    Dear Haben,
    I think many people are angry with Rezen’s comments but not on Assenna. Assenna has deservedly earned its popularity inside Eritrea and we should, by all means possible, support its endeavour. We should be aware and alert that Assenna is the primary target of higdef. The deceptive minds of isayas and yemane monkey will not stop at concocting cobweb intrigues and disinformation to discredit it.
    Saying so about Assenna now let me focus on the current propaganda warfare being unleashed by higdef/agaazian.Out of desperation, they are now out of their cocoon and are openly enterprising a psychological, historical and outright insult to the Eritrean self and identity. For posterity, let us recap what Rezen said in his comments.
    1. As always his hallmarks are distinctively un-Eritrran with unduly bountiful thankyous, apologies, pleading for allies and shelters and low self-esteem for being Eritrean. Of course, when we call a spade a spade, he cries wolf that we should refrain from insulting while his incessant debasing the Eritrean self is not insult.
    2.proudly hve calls isayas the idol of Eritrea and insightful who knows the Eritrean make-up deeply and was 100% sure that Eritreans are incapable of coming together. Now he threw away his camouflage of insulting isayas and crowned him as the idol. No surprise at all! He has been all through an “andnet”. For Eritreans and all peace loving human beings isayas is an imposter, a sadistic criminal, a human right abuser, an evil incarnate, a war monger and a blood thirsty vampire and monster.
    3. He unashamedly denigrates the 30 yrs war for independence will be considered as a world example of self initiated consequential disaster and adds that eventually- not a probability- there will be another ,30 yrs war of independence. Is it what the higdef/Amhara chauvinist dreamers teach you at the political study groups? Of course isayas was their spy and they often used to call him our man (yegna sew). Not any more. As a mercenary, he went to the highest bidder- the Arabs.. All the same he played us. But the game is over. The destiny of Eritrea is on Eritreans hands not in his nor the Amhara nor the agaazian. Like his folks, Rezen can dream whatever he wants, but Eritrea’s sovereignty is written by the blood of its people and nothing can change it.
    4. It is quite annoying to shed crocodile tears on what happened between ELF and EPLF. Yes, it was very sad the imposter masterminded the ” nay hidhid wugie” that will haunt us for long. I remember, in the mid 90’s I met an old acquaintance, a colonel in the EPLF, dusgustfully and regretfully repented on the killings of his brothers (Zeywexie Taessaa – his words). This wounds, like so many other wounds inflicted in the Eritrean people, will heal once a Democratic government properly addresses the issue. Let alone to our Keen’s, we Eritrean covet big heart to forgive our enemies.
    5. As I mentioned earlier, higdef/agaazian are at full throttle in the propaganda warfare. They are very watchful to capitalize on any crack or opportunity they could find to undermine the people’s movement.. Rezen, as a new higdefite from the andnet subsidiary conveniently used Hidat’s innocent comment as an excuse for his outrageous and venomous propaganda. In any culture all over the world, there are embedded backward attitudes and knowledges that obstructive to change and development.. Hence, the ” Mewedaetuu Yexebkelna” attitude, which is intrinsically subservient, submissive, hopeless was vainly used to mean the Eritrean nationalism is de,-facto dead. To the contrary, at no time after independence of Eritrea has the Eritrean people been unified and clearly identified their enemies. The imposter and his cabals as well the few sellouts are properly listed and filed. The liberation of Eritrea is imminent and soon.

    • Woldegabriel October 12, 2019

      Correction
      Pls read kin’s not keen’s.

  • Hidat October 9, 2019

    መወዳእታና የጸብቀልና ዝብል ብሂል “” ሰብኣብ እርጋኑ ወይ ዕብየቱ ዘይተጸበካዮ ተግባራት ከርኢ ከሎ ድዝዉተር ብሂል ኢዩ።

    • PH October 9, 2019

      ወይዞሮ ህዲኣት፡ኣበሃህላኺ ነየንይ ብንጹር ኣቀምጥዮ።ኣነ ከም ዝፈልጠኪ ደጋፊት ህግደፍ ነበር፡ሕጂ ግን እንድዒ? ቶግ ቶሮግ ምሕሸ!!!

  • Hidat October 10, 2019

    PH……..መምህር ኣማንኤል መቀለ ከይዱ ምስቶም ዝህዝዎን ዝረግጽዎን ጠፊእዎም ዘዕለብጡ ዘለዉ ካድራት ወያነ ኮይኑዝዛረቦ ዘሎ ሃለዉለዉ ኣይሰማዕካዮን ዲካ????እዚ መወዳእታና የጸብቀልና ዘየብል ድየ??

    • PH October 10, 2019

      ክብርቲ Hidat,ንስለቲ ሓበሬታኺ የመስግን።የግዳስ፡መወዳእታና የጸብቀልና ምባል ድኽመትና እዩ ዘነጽር።እሞ እቲ ድኽመቶም’ከ ‘መወዳእቲኦም የጸብቆ” ምበልና ‘ዶ ? ግን፡ንኹልና ሰናይ ዘመንን ሕውነትን የውርደልና ኣምየን።

POST A COMMENT