Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትማሊ ሰንበት ኣብ ገምገም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ ካብ ዝሞቱ 850 ስደተኛታት እቶም 350 ኤርትራውያን ምዃኖም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ጀኔቫ ብዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ናብ ትማሊ ትማሊ ሰንበት 19 ሚያዝያ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ ካብ ዝሞቱ 850 ስደተኛታት እቶም 350 ኤርትራውያን ምዃኖም ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ጀኔቫ ብዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣረጋጊጹ። ኣፈኛ

ናብ ትማሊ ትማሊ ሰንበት 19 ሚያዝያ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ ካብ ዝሞቱ 850 ስደተኛታት እቶም 350 ኤርትራውያን ምዃኖም ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ጀኔቫ ብዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ኣፈኛ ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣድርያን አድዋርድስ፣ “ ገለ ብህይወቶም ዝተረፉ ስደተኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ምስክርነት እታ ጃልባ ብቐዳም ካብ ትሪፖሊ ክትብገስ ከላ ኣስታት 850 ስደተኛታት ጽዒና እያ ነቒላ። ብዙሓት ቆልዑ ድማ ተሳፊሮማ ነይሮም። ኣብቶም ተሳፈርቲ 350 ኤርትራውያን፣ እቶም ዝተረፉ ድማ ካብ ሶርያ፣ ሶማልያ፣ ሰራልዮን፣ ማሊ፣ ሰኔጋል ጋምብያ ኣይቨሪኮስትን ኢትዮጵያን ዝመጹ እዮም።’ ክብል ዝርዝራዊ ሓበሬታ ሂቡ።

Ansa:UNCHR says 350 Eritreans in boat

aseye.asena@gmail.com

Review overview
50 COMMENTS
  • Haqi tezareb April 22, 2015

    ኣዝዩ ዘሕዝን ህልቂት፣ በብሓደ ሰብ ወሓደ። እቲ ዝዓበየ ህልቂት ገና ይጅምር ኣሎ። ኣብዚ ወርሓት እዚ ቁጽሪ ስደተኛታት ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ኣናወሰኸ ይመጽእ ስለ ዘሎ፤ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መቕረቡን ቤተሰቡን ካብዚ መገዲ ጥፍኣት ዝኾነ እተረግመ ገሃነም መገዲ ዓረብ ክርሕቁ ኣጠንቅቑ፤ ኣተሓሳስቡ።

    መንግስቲ ኤርትራን ቀደም ዝበለየ ጽውጽዋይ ገድልን፣ እቶም ተማሂርና ኢና ዝብሉ ደናቑር ኣኽዳምን ንታሪኾም ውርሻኦም ቋንቋታቶም ኣባሓጎታቶም ዝጸርፉ ኣዝባእ፣ መሪሖም ናብዚ ኣብ ዘንይወጾ ገደል ወቲፎም እነሆ ጉሒፎሙና።

    ሰብኣይ ኣብ ገድል ሓደ እግሩ ምስ ኣተወ ከምዝበሎ፥ ብቐደሙ ሽዓ እንድየ ተዘንጊዔ። እቶም ተማሂርና ኢና ዝብሉ ደናቑር፣ ተዋሪዶም ኣዋሪዶምና። ሕሱር ሰብ ዉርደትን ሕስረትን ጥራይ እዩ። እነሆና ሓሲርናን ተዋሪድና ካብ ዓይኒ ሰብ ተሓቢና ንሃድም ኣሎና።

    ኣባሓጎታትና መንነት ኩርዓት ክብርን ትሕትናን ኔርዎም፤ ንሕና ግና ውርደት ዓቢድነት ሕስረትን ትዕቢትን ኣብ ጥራሕ መዓኮርካ ኴና ተሪፍና።

    ========================

  • rezen April 22, 2015

    Haqi tezareb <<<< indeed, it is a foundation for any society. And you said all The Truth, as you know it. That is your natural Right and Fundamental Freedom of Expression on any subject matter affecting your birthplace Eritrea because you care – and in memory of, and because "ኣባሓጎታትና መንነት ኩርዓት ክብርን ትሕትናን ኔርዎም፤". Alas! It is now squandered. What a TRAGEDY! And one cannot help wondering (call it daring) whether indeed there will be "Eritrea" as we know it.
    By the way, for all it is worth, I also agree with your meaningful commentary.

  • Ogbai Ghebremedhin April 22, 2015

    ኦ ህዝቢ ኤርትራ! ምጾታትና ኣብ ምንታይ ደረጃ ምስ በጽሐ ኢና ከም ህዝቢ ተንሲእና ንጠንቂ ጥፍኣትና ኣሊና ናብ ቤትና ተመሊስና ባህሪያዊ ንቡር ሕይወት ክንነብር ንጅምር?! ኣብ ባህልና ዘይነበረ ስቓይን ውርደትን፡ ሞትን ጥፍኣትን ከም ንቡር ጌርና እንወስዶ ዘለና እንታይ ኢዩ ዓዚሙና? ምስ ምጽልማት ናጽነት እቲ ስደትን ሞትን መፋርቕቲ ካብ ዚኾነናኳ ግዜ ኣይሓጸረን፤ ኮይኑ ኸኣ ሕይወት ኤርትራውያን ዘይጸገበት ማእከላይ ባሕሪ እነሆ ጽዋእ ላምፓዱሳ ደጊማትና፤ ንሱ ኣኺሉ ከም ዘይተረፈና፡ ምስያፍ ISIS ከኣ ተደጊምና። ይኣክልባ ንበሎ ዕርበተ ሕልና! ዕስሪት ናይዚ ኹሉ መንእሰይ ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ዝጠፍአ`ምበር ንምልኪ ጒሒፉ ዝተረፈ ሃገር ኣብ ምህናጽ`ምበር ተዋፊሩ ምሃለወ! ኣበይ ኣለኻ ኣንታ ኤርትራዊ ምሁር ኣካል? ሎሚ ንህዝቢ ኣስሚርካ ክትመርሕ ዘይበቓዕካ ድኣ መዓስ ኢኻ ሞያኻ ከተፍልጥ? ክብርን ሞገስን ህዝቢ ዝርከቦ ትምህርቲ ኣብ መትከል ረጊጹ ኣብ ሽግርን ራህዋን ድንድል ህዝቡ ዝኸውን እምበር ብጥቕሚ ዝግዛእን ኣብ እዋን ሰላምን ራህዋን ጥራይ ርእሱ ዘልዕል ከንቱ ናይ ከንቱነት ኢዩ። ሃየ ሕናና ነባራብር፡ ብዘሎን መጻእን ወለዶ ከይንዅነን። ካብዚ ዝዓቢ ጥፍኣት ህዝብን ዕንወት ሃገርን ብዘይካ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ ካልእ ኵርናዕ ዓለም ይፍጸመሉ ኣብ ዘየሎ እዋን ምጽቃጥ ህየንታ ኣሎዎ!!! ሓውኹም ዑቕባይ ገብረመድህን

  • Simon G. April 22, 2015

    ወየ ክብል: እስከ ሓንሳብ: ወየ ክብል ኣነ
    ጸገመይ በዚሑ: ምጽዋር ስኢነ
    ሓደ ኣብ ልዕሊ ሓደ: ተጸፍጺፉ
    ምስጓም ኣብዩኒ: እግረይ ተዓጺፉ
    ዕድመ ሸዊት መንእሰያት: ተኾሊፉ
    ክሳውዶም ተሰይፉ
    ብገበነኛታት: ሂወቶም ሓሊፉ

    ኣታ: እንታይ ወሪዱና
    ሓዘና በዚሑ: ካብ ሓጎስና
    እንታይ መርገም ድዩ ኔሩና?

    እስከ ግደፉኒ ኡኡኡኡይ ክብል ተጠሊዐ
    ክንደይ ‘ኳ በዒንተይ ነቢዐ
    ክጻወር ኣይከኣልኩን: ሰማይ ዓሪጉ ቁጠዐ

    ንብዓተይ ንውሽጢ ካብዝኸውን
    ሕልናይ ኣውዲቐ ካብዝደንን
    ኣይወሓደንን

    ናይ ሎሚ ግን: ንበይኑ ዩ: ኣመና በዚሑ
    ባልባል ክብል: ደመይ ፈሊሑ

    መትንታት ደመይ: ኣየፍለጡን
    ብሰንኪ ዓቢ ጸቕጢ: ከይብሉ ብትንትን
    ሎምስ: ዋላ ኣይተኣማመንን

    ናይ መን ‘ዩ ትጌጋ
    ናይ ውልቀ ሰብ: ዋላ ናይ ኩሉ ዜጋ
    በጃኹም ሓብሩኒ
    ሓንጎለይ: ዳርጋ ተቐይሩ ናብ እምኒ
    ክሓስብ ኣይከኣልኩን: ጠሪሱ ደንጽዩኒ

    ቀደምስ: ፈልጥ መስለኒ ኔሩ
    ሎምስ ደንዚዘ: ሓንጎለይ ነቒጹ ተገቲሩ
    ሓቂ ድዩ ዋላስ: ሕልሚ ኔሩ

    እሞ: ተጋግየ ዶደኣ ኮይነ
    ብዘይ መቃምምቲ: ጥዑም ጸብሒ ከሺነ
    ብዘይ ፍልጠት: ዲፕሎማ ጽዒነ

    ብዘይ ነፋሪት: በሪረ
    ብዘይ ዕንጨቲ: ኣጉሂረ
    ናይ በይነይ ዓለም ፈጢረ

    እሞ: ንሱ ዶደኣ ሃስዩኒ
    ካብ ሰበይ ፈልዩኒ
    ናብ ጽምዋ ሸሚሙኒ
    ይይይይይይሐው: ቆሪሩኒ

    ብኸምኡ ዶ ኸውን: ኣብ ባሕሪ ጠሊቐ
    ክሳደይ ተቖሪጸ
    ከም ሕሱም: ተጨፍሊቐ

    ዘእዊ ዘይብለይ
    ተረፍኩባ በይነይ
    በጃኹም ሕዘኑለይ
    ሓውኹም ‘የ: ደንግጹለይ
    ደው በሉ: ኣብ ጎድነይ

    በጃኹም: ኣጆኻ በሉኒ
    ኣለናልካ በሉኒ
    ኣጸናኑዑኒ

    • rezen April 22, 2015

      Simon G
      It is simply GREAT!

      ኣታ: እንታይ ወሪዱና
      ሓዘና በዚሑ: ካብ ሓጎስና
      እንታይ መርገም ድዩ ኔሩና?

      I just simply LOVE it! I could go on, and on, and on …. but then I would be accused of plagiarism. So, in short I say to you: THANK YOU.
      ——————
      P.s. By the way, I would have voted for you to occupy the Chairmanship of the Department of Philosophy & Poetry in Tigrigna at University of Eritrea! Ahhhhh….the spectrum of possibility….the sky is the limit ….but then, but… but… እንታይ መርገም ድዩ ኔሩና?

      • Simon G. April 23, 2015

        Thank you, prof. rezen!
        On the academic position that you generously offered me, I lack all the credentials. Unless, you want me to ran it like the HGDF style, which I am perfectly qualified.

  • Temahlel April 22, 2015

    Eritrea has become the most worthless place to live in less two decades. It is a place where jails, torture, National-slavery, Abidism, Arab slavery, burning of ones own languages and identity, self-hate to past millennial history, organ harvest for the Arab market, slavery in the evil Arab Passage unabashedly flourish.

    Eritrea is a land where one violates rights, jails and murders of any innocent citizen as Ali Abdu had done and flees to the West to seek refuge with out any qualms or human conscience. It is a land where liars and hypocrites have been destroying every foundation of the people for the last sixty years.

    Today, Eritrea has become the poster child of shame and humiliation for the entire African continent.

    • yohannes April 23, 2015

      MY brother Temahlel non one will hear you, Eritreans have lost thier ear after the war with WAYNYE, now they have decided mass murder .

  • debesay April 24, 2015

    Kobero geziekudo dey misiesa ekum tufetuwu kabzi hzibizi miftarey hafire edametu resa akemitom ysuesuu
    Do u see how eroupean leaders pray for erirean victims before they start their meeting while u are dancing and while iseyas is destroyed ur houses.

  • ሳረል April 24, 2015

    ብዙሕ ግዜ ሙሁራትናን ፖለቲከኛታትናን ለውጢ ክብሉ ይሰምዕሞ ይድንጽወኒ።
    ከምዝርድኣኒ ሕብረተሰብ ካብ ዊልቀሰብ ይጅምር፡ ካብኡ ናብ ስድራ ይዓቢ፡ ካብኡ ናብ ናኣሽተይ ኮም። ኢንዳበለውን ስጋዕ ሃገርን ኣህጉርን ይበጽሕ።
    እታ ዝነኣሰት cell ወይ ዋህዮ ተኣኻኺባ እያ ሒብረተስብ እትሰርሕ። ስለዚ ብቐዳምነት እታ ዋህዮ ወይ cell እንድሕሪ ዘይተቕይራ ለውጢ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ።
    ከምዝርድኣኒ ስጋዕ ሕጂ ህዝብና ክፈልጦ ዘይከኣለ ነገር እንተሎ፡ ለውጢ ኣበይ ትጅመር ኢዩ፡፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ንነብሱ ክቕይር እንተኽኢሉ፡ እሞ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ድሑር ኣተሓሳባ ገዲፉ ንከባቢኡ ቅድዋ ክኸውን እንተዘይኪኢሉ ለውጢ ኪመጽእ ትኽእል ኣይመስለንን።
    ስለዚ መጻሕፍቲ ብምምባብን ካልኦት ዚብልዎ ጽን ኢልካ ብምስማዕን ክንመሃር ንኽእል። ትምህርቲ ከኣ ኢታ ዓባይ መሳርሒት ናይ ለውጢ እያ።
    ክንመሃር ኢንተ ኮይና ክኣ ምጀመርያ ከምዘይንፈልጥ ክንፈልጥ ይግበኣና፡፡ መንእሰይ ከለኹ ዘንበብኳ ጥቕሲ ናይ በሓቂ መሃሪት
    ” To Know What You Know
    And To Know What You Don’t Know Is
    THE characterstic Of Who Knows” ትብል።
    ኣብ ህዝብና ዘስተውዓልክዎ ነገር እንተልዩ ፈላጥ ኢየ ዝብል ናይ ትዕቢት ባህሪ ኣሎ፡ እዚ ባህሪ ኢዚ ስጋዕ ኣብ ህዝብና ዝቐጸለ ግን ናብራና ኪመሓየሽ ኣይክእልን እዩ፡፡ ተዳጋጋሚ ላምፐዱሳ ኪህሉ ኢዩ፡፡ ኢሳያስን ብጾቱንውን ኣብ ኮረሻ ህዝቦም ተውጢሖም ዝገብርዎ ግፍዒ መዕልቦ ኣይክህልዎን እዩ፡፡ ስለዚ ኣሕዋተይ ንለውጢ ድሉዋት ንኹን፡ ኣይፈልጥን ኢየ ዘሕፍር ኣይኮነን ከምዘይትፈልጥ እንዳፈልጥካ ስቕ ምባል እዩ ቲዘሕፍር።
    ነቶም ዝመቱ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ኣኣህዋትናን ደቅናን መንግስተሰማያት የዋርሶም፡ ንስድርኦም ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሽኡ ከኣ ጽንዓት ይሃቦም።

POST A COMMENT