Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትማሊ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሕንጻጽ፣ ብዝወረዶ ማህረምቲ ሓደ ኢትዮጵያዊ ድሕሪ ምማቱ፣ ኣብ መንጎ ህዝቢ እቲ ከባብን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ምትፍናን ተኸሲቱ ከምዝነበረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ናብ ትማሊ ቀዳም 6 ሰነ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ኣብ ትግራይ፣ ሕንጻጽ ኣብ ዝተባህለ ኤርትራውያን ተዓቝቦሙሉ ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት፣  ሓደ ኣብ ጥቓ እቲ መዓስከር ካብ እትርከብ ሕንጻጽ ዝተባህለት ዓዲ ምስ ብጾቱ ናብታ መዓስከር ለይቲ ሰዓት ክልተ

ናብ ትማሊ ቀዳም 6 ሰነ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፣ ኣብ ትግራይ፣ ሕንጻጽ ኣብ ዝተባህለ ኤርትራውያን ተዓቝቦሙሉ ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት፣  ሓደ ኣብ ጥቓ እቲ መዓስከር ካብ እትርከብ ሕንጻጽ ዝተባህለት ዓዲ ምስ ብጾቱ ናብታ መዓስከር ለይቲ ሰዓት ክልተ ኣትዩ  ክሰርቕ ረኺብናዮ ብዝብል ምኽንያት እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዘውረዱሉ ማህረምቲ ዝተሃስየ ዕድሚኡ ብልክዕ ዘይፈለጥናዮ መንእሰይ፣ ኣብ ሕክምና ምስ በጽሐ ድሕሪ ምማቱ፣ ኣብ መንጎ ተቐማጦ ህዝቢ ሕንጻጽን መዓስከር ስደተኛታት ሕንጻጽን ምትፍናን ከምዝወዓለ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ብሞት ናይቲ መንእሰይ ዝተጠርጠሩ ካብ 10 ንላዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ።  ኣብቲ ስርቂ ዝተሳተፉ 2 ትግራዎት ብፖሊስ ክተሓዙ ከለዉ፣ ሓደ ካልእ ምስኣቶም ኣብ ስርቂ ዝተዋፈረ ኣብቲ መዓስከር ዝቕመጥ ኤርትራዊ ‘ውን ከቢድ ማህረምቲ ከዝበጽሖ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ መንእሰይ ድሕሪ ምማቱ፣ ህዝቢ ናይቲ ዓዲ ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ኣብቲ መዓስከር ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጥቃዕቲ ክፍጽም ‘ኳ እንተተበገሰ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ፖሊስ ተኣኻኺቦም፣ “ ኢትዮጵያዊ ስለዝኾነ ዘይኮነስ፣ ክሰርቕ መጺኡ ኢሎም እዮም፣ ሃሪሞሞ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ድማ ሞት ኣጋጢሙ” ኢሎም ብምዕጋት፣ ነቶም ስደተኛታት ‘ውን ጀነሬተራቶም ኣጥፊኦም ምንቅስቓድ ደው ብምባል ኣብ ቴንዳታቶም ክውዕሉ ብምሕባር ነቲ ምትፍናን ከምዝተሃዳድኡዎ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ሎሚ ህዝቢ ናይቲ ዓድን ካብ ምዓስከር ስደተኛታት ሕንጻጽ ዝመጹ ወከልቲ ናይቶም ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ስነስርዓት ቀብሪ ናይቲ መዋቲ ከምዝተፈጸመ ‘ውን ተፈሊጡ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቐጻሊ ናብ ሱዳን ገጾም ስለዝኸዱ፣ ክብ ለጠቕ ዝብል ኳ እንተኾነ፣ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሕንጻጽ ብገምጋም ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ይግለጽ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
41 COMMENTS
  • eritrean love June 8, 2015

    may the lord bless us all.

  • eden June 9, 2015

    betami zhzen zena ,may god rest peace for him and deep felt for his family,bjkum yhwat hdga eyu weridu embr kone elom aykonun geromo ertrawi kab adu kab chekani aremene hdimomm msiom kbqu hji kea bjakum netom nzi zgatomm bhdat zmlkto akal tektatlwu ,may god bless ethiopian and eritrian

  • axum June 10, 2015

    ብሃቂ ዘህዝን ዘና እዩ መንግስት ሰማያት የዋርሶ ኢርትራውያን ስደተኛታት ከምዚ ዓይነት ነገር ንከየጋጥም ንውንባዕሎም ከመሃሃሩ ኣለዎም ኣብ መንጎ ህዝቢ እቲ ከባቢን ስደተኛታትን ፅቡቅ ምርድዳእ እንተዘይ ሃልዩ ናብ ዘይኮነ ዘየድሊ ምፍንናን ንከይበፅሕ ጥንቃቀ ክገብሩ ኣለዎም ህዝቢ ትግራይ ተቀባሊ ጋሻ እዩ ሕልፍ ኢሉ ግን ዝሰርቅ ሰብ ዋላ እንተጋጢሙ ሒዞም ናብ ህጊ እዮም ከርክብዎ ዘለዎም ነቶም ቀተልቲ ግን ትፃርዩ ናብ ፍርዲ ክቀርቡ ኣለዎም ብከምዚ ዕይነት ከይዲ ክረጋጋእ ይክእል እዩ ዚብል እምነት ኣለኒ

POST A COMMENT