Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትማሊ ድንዕ፡ ሎሚ’ውን ትንዕ፡ ጽባሕ’ሞ ገማዕ!

ትማሊ ድንዕ፡ ሎሚ’ውን ትንዕ፡ ጽባሕ’ሞ ገማዕ! 14. 04. 17፡   እንኳዕ ናብ ድሮ ፋሲካን ድሮ ሙሉእ ሓርነትን ኣብጻሓና ደቂ ኤርትራ ደቂ’ዛ ለዋህን እዝውትን መሬት! “ዓሻስ ክሳብ ገበጣ ዝውዳእ ይጻወት” ኢሎሞ ወለድና ከምዚ ናይ ትማሊ ሓሙስ ምስረኸቡ። ህግደፍ ኣብ

ትማሊ ድንዕ፡ ሎሚ’ውን ትንዕ፡ ጽባሕ ገማዕ! 14. 04. 17፡

 

እንኳዕ ናብ ድሮ ፋሲካን ድሮ ሙሉእ ሓርነትን ኣብጻሓና ደቂ ኤርትራ ደቂ’ዛ ለዋህን እዝውትን መሬት!

“ዓሻስ ክሳብ ገበጣ ዝውዳእ ይጻወት” ኢሎሞ ወለድና ከምዚ ናይ ትማሊ ሓሙስ ምስረኸቡ። ህግደፍ ኣብ ቃሬዛ ተጋዲ ሙ ክንሱ ኣለኹ ማለት ብክንደይ ሸፍኖ ከውሎ ክምስጠር ዝተፈተነ ዋዕላ ዕያውቱ ምስተቓልዐ፡ ተቓለስቲ ደቂ ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ድማ “ዕያውትናስ ኣይንህብን” ካብዝብል ሃገራዊ ኣስሓኮ ኣሕዋቶም ከናግፉ ሎሚውን ከምትማ ሊኦም ኣንጸባራቕን ታሪኻውን ዕዮ ሰሪሖም ኣለዉ። ንሳ ቶም ኣብ ጎደናታት ዘካይድዎ ቃልሲ ዓወት፣ ኣብ ቤት ፍርድታት ዓወት፣ ኣብ ርእሲ ኣሕዋቶም ብ ህግደፍ ንዝ ግበር ቅትለት ኣጽኒዖም ብምስናድ ዓወት ፣ ኮታ ህግደፍ ክሳብ ዘሎ ኩሉ ግዜ ቃልስን ዓወትን!

የማነ ፍሻለ እንባኣር ካብታ ጸላም መኪናኡ ከምዘይወር ድ፡ እንተወሪዱ ድማ ክሳሃልዎ ስለዝሓንሓኑ ንወዮ ጠ ቃር ተግባራቱን ምስጢረ-ቅልውላው ዝመልአት ሳንጣ ኡን ሒዙ በታ ዘምጽአቶ ’ጸላም መኪናኡ’ ክምለስ ተቐ ሲቡ ኣሎ። ግናስ እቲ ትርኢትሲ እንድዕሉ ከምገለ ድማ ገለመለ ኣዘኪርኒ። ሓቀይ ድማ ኢየ፡ ምኽንያቱስ ሬሳው ን’ኮ ብጸላም መኪና’ዩ ናብቲ ናይ ሓዋሩ መንበሪኡ ዝፋ ኖ!! ስለኡ ይኸውን ከምዚ ክበል ዝበልኩ፦

“ትማሊ ድንዕ፣ ሎሚ’ውን ብትሕዞ ትንዕ፣ ጽባሕ’ሞ ብጋህዲ ገማዕ!”

ትንዕ ናብ ገማዕ እንተማዕበለስ ግድን መስርሕ ቃልሲ’ምበር ሓጥያት ወይ ገበን’ኮ ኣይኮነን። ሓደ ሸይጣን ከምዘስሓቶ ዝገ ልጽ’ኳ ንማንም ሰላማዊ/ት ዝቀትልሲ፡ ሰብና ብጅምላ ንዘጥፍእ ቀታሊ ክትቀትልከ ትርፎ ጀግንነት በየናይ መለክዒ ይነኣኣ ስ? ንሳ ከይትቕልቀል’ኮ ኢዮም እቶም ብብርዒ ከምዝቃለሱ ከእምኑ ዝፍትኑ መደርቲ ዘሪኦሙልና ዘለዉ። ከምኡ’ውን መታን ከይንዕንትር ድማ እኒ የማነ ከምድላዮም ኣብ ብዓለሙ እናዘሩን ከምቲ ዝወረዶም ናይ ጎበጨረነት ስምዒት ኣስሪ ጾም ዘርእና ክመልኩን ስዉኣት ሸፋቱ ምዃኖም ዝጉስጉሱ ንርእሶም ታሪኽ ዝበዓዶም ምዉታት ዝፈነዉልና።

ከምትዝክርዎ ፍሻለ ኣብ ኣመሪካ’ውን ሂወቱ ንዋራ’ዩ ኣትሪፉዋ። ናይ ሎሚ’ሞ ድማ ከምቲ ዓሳ ካብ ባሕሪ ዝነጽል ድሓን ዘሎ መሲልዎ ካብ ቆፎ ዓዲ ሃሎ ስለዝወጸ ኣብ ቅድሚ መራኸቢ ብዙሃን’ዩ ተዋሪዱ። ንነገሩ’ምበር ንሱ’ሞ ኩሉሳዕ ምስ ተዋረደ ኢዩ። ካብቲ ጉሉሕን ተዘካርን ጥራይ’ኳ እዚ ካልኣይ-ሳልሳይ እዋኑ ምዃኑ ኢዩ። ዝኾነ ኮይኑ ንሱ ትማሊ ኣብ ኣ መሪካ ብእግሩ’ዩ ሃዲሙ፡ ሎሚ ኣብ ሆላንድ ድማ ብመኪና! ጽባሕከ ኣበይን ብኸመይን?

ጽባሕ’ሞ፣ እንድዒ! ምናልባሽ ብእርቡናለ ከምልጥ ይፍትን ይኸውን። ግን’ኮ ናብ ካልእ ዓለም ተብጽሕ ነፋሪት ስለዘይብሉ ጽባሕሲ ኣይከምልጥን ግዲ! ብከምኡ ኢየ “ክልተሳዕ ትንዕ፡ ሳልሳዩ ገማዕ” ዝብል ዘለኹ።

እቶም ልኡኻቱ የማነ ከይመቶም ኣይኮነን ቀንዲ ስኽፍታኦም። ኩሉ ከምዝፈልጦ ኣብ እንዳ ህግደፍ ኩሉ ሰብ ነንረብሓኡን በቢገበኑን’ዩ ከምሓቢ ተጠናኒጉ ዘሎ። ስርዓት ህግደፍ እንተዓንዩ ኩሎም ከምዝዓንዉ ርዱእ ስለዝኾነ ብድሕሪ የማነ ዘላ ትግራይ ትግርኝ ኩላ ክትቁዝምን ጸሊም ጨርቂ ክትጉምጎምን ምዃና ዘይምዝንጋዕ።

ኣስተውዕሉ ግዳ፡ ትግራዎት 100% ሰብና ብምዃኖም ጽንጽያ ኣዒንቶም ዘንፍረሎም ከምዘይንደሊ ብሩህ ክኸውን ኣለ ዎ። ግናኸ ጉዳይ ውህደት ኣገዳሲ እንተኾይኑ ብቀንዱ ካብ ውሽጦም ክነቅልን ኣብ ሃገርና ድማ ጉዳይ ህዝቢ ከምዝኾነን’ ምበር ብራዲዮ ተስፋጼን ወይ ጥበብ የማነ ፍሻለ ክመጽእ ኢሎምሲ ኣይሕሰቡዎኳ! እሞባኣር ኣነ ድማ ነቶም ኣብ ውሽጥ ና ዘለዉ ንስዉር ረብሓ ጥቕሞም ክብሉ ዝበታትኑና ዘለዉ ኢየ ትግራይ-ትግርኝ ዝብሎም ዘለኹ።

እንተሓሰብኩሞኸ ብዋጋ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ንርእሳ ዘይስምርቲ ዓባይ ክልል መንግስቲ ትግራይ ክንብል ንክልቲ ኡ ኣህዛብ ከም ተኹላን በጊዕን እናመሰልና ግንከ ብዘይድላዩ ክሕወስ ከነስገድዶ፡ ወይ ክፈላለ ዘይግብኦ ከምቲ ጉርሒ ህ ግደፍ ኲናት ከፊቱ ከብቅዕ ከይፍታሕ ምእንቲ ድማ ንወያ መዋዕልቱን መተሓድርቱን ወያነ ከምጸላኢት እናጠቐሰ ንክል ቲኡ ህዝብታት ከተፋንኖ ክነብር ማለት ዘበት! “እቲ ድሮ ዝተገብረን ዝስዕብን’ውን ክሳራ’ምበር ዘምጽኦ መኽሰብ የብሉን” ኢየ ዝብል ዘለኹ።

ሕጂውን ኣስተውዕሉ፡ ካብ ድኽመትና ዝተላዕለ የማነ ንዓሰርተው ሰለስተ ዓመታት መመላእታ ከም ቀንዲ ሓላፊ መንእሰ ያት ህግደፍ ኮይኑ ኣኪቡዎምን እንሆ ድማ ሎሚ ከም ዓቢ ቁምነገረኛ ብንኡሳትና ክኽበብ ተመንዩን። “እንታይ ኢዩ ዓላማ ኡን እንታይከ ኣፍርዩን?” ኢልኩምስከ ነብስኹም ሕተቱ።

እንተ ኣነ ሕቶ ኣለኒ ሕጂ ። “የማነ ነዞም ቆልዑ ኣኪቡ እንታይ ኢዩ ዝምህሮም?” ዝብል ሕቶ። ቅድም ንምንታይ ይእክቦም?

ኣብ እዋን ቃልሲ ብጉልባብ ሃገር ንዝህገር ንብረት ህዝቢ ዝገበተ ህግደፍ፡ ሎሚ’ሞ ስርቂ ጭራሽ ሳዕሪርዎ ካብ ገንዘብ ሓ ሊፉ ሰብ፡ ሰብ ብሰቡስ እኳድኣ መንእሰያት ዝህግር ዘሎ። መአከቢ ህጉራት ደቅና ድማ መዓስከር ሳዋ ባቃ! ሽዑ ዝተሃገረ ወይ ዝተራሰየ ንብረት ኣይምለስን ስለዝኾነ፡ ወራሲ ከምዝጠዓሞ ይገብር። ንከምስል ከምቲ ኣመሉ ንገለ ከም ደረፍቲ ዝኣ መሰሉ ተዋሳእቲ ካብ ቁምነገሮም ንላዕሊ ከም መርኣያ ወይ ሞዴል ነፋፊሑ የቕርቦም። ማለተይ ከምቲ ሓቂ ዘይብሉ ስራሓ ት ቻይና ዘብለጭልጭ፡ ንሱድማ ነቲ ምህርቲ ሳዋ ከመላኽዕ ዘይገብሮ የብሉን። እንተ’ቲ ሓቁ ነቲ 95% ንሳዋ ዝወረደ ወ ሎዶና ይሸጦ-ይልውጦ፡ ወይ’ውን ብሕክምናዊ ጥበብ ንብረቱ ኣመላሊቑ ከም ኣቕሓ ዕዳጋ ይብይዖ ባቃ!

እቲ ቀደም ከም ዛንታ ዝስማዕ ዝነበረ መሸጣ ሰብ ሎሚን ኣብ ገዛእ ዓድናን ስለዝዓመረ እንታይ ከምዝመስል ዘይፈልጥ የለን። ንምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እንተኾይኑ ግና እስከ ነዛ ቀላል፡ ዘመናዊትን ግህድትን ኣብነት ተኸታተሉኒ፦

የማነ መቸም ፍጹም ከም ጲላጦስ ‘ሰላማዊ’ ከምዝኾነ ከምስል ቀትረ-ቀትሪ ከምፈታዊኦም’ዩ ክምህሮም ዝውዕል። ጣቛ ናይቲ ኣብሒቱ ዝምህሮም እንተደሊኹም ሕመረታ ጥበብ ፈላሊኻ ግዛእ ኮይና፡ እቲ ዝኸፍአ ወንጀላዊ ክፋላ ግና ወዮም ተማሃሮኡ ነዞም ዘስግእዎ ሰብ ወጻኢ ተቓወምቲ ከመይ ሓደጋ ከምዝወድቕዎም ዝዓለመ ስልታዊ ገበናዊ ኣስተምህሮ ም ዃኑ ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁ ኣሎ። ለይተ-ለይቲ ድማ ነቶም ቀትሪ ብኣካልን ትውልድን ከጽንዖም ዝወዓለ ብከመይ ናብ መንነታዊ ብወዛ ዘተኮረ ከምዘቕንዖም ክበላሓት’ዩ ዝሓድር። እንተ’ቶም ናይ ውሽጢ ሃገር’ሞ መን ኣበይን ክንደይን ከምዘ ውጽእ ክቕይስ ኢዩ ተካሉ በሊዑን ሰትዩን ዘሎ። ንርእ’ንዶ ገለ ኣብነት፦

“ሶንኮፍ ልቡ እንተኸደልካ ይሓይሽ” ዝበለ መራሒ ብግርህና እንክርአ ብግርህና ድማ ከምዝበሎ ክመስል ይኽእል። ግናኸ ተዂርካ እንክጥመትሲ ግርህና ዝብልዎ የብሉን። እቲ ብላዕሊ-ላዕሉ እንተኸደሎም ከምዝሕሾም ዘባጨዉሉ ውሉድና፡ ብታሕቱስ ለካ ንመሸጣ ዝተሓረየ ኢዩ። ነዚኣ ክትርድኡ እንተደሊኹም ምስጢር ፎሩም ጣዕሳ’ሞ ገንጽሉዋ።

ንበል እቲ ዕሩቕስኳ ትሑዝ እንድዩ፡ ዝኾነ ካብቶም ንኣዒንቲ ኢሳይያስ ደም ዘስረቡሉ ደቂ ርኹባት መንእሰይ ካብ ገዝኦ ም ክወጹ ምእንቲ ንዝጉስጉሱዎም ካድረታት ህግደፍ ከምዝኸፍሉዎም ዝተረጋገጸ ነገር ኢዩ። ቀጺሉ ብመካይን ንዘውጽኡ ዎም ካድረታት ህግደፍ ይኸፍሉዎም፣ ኣብ ሱዳን ከይጭወዩ ምእንቲ ንካድረታት ህግደፍ ይኸፍሉዎም፣ ንሊቢያ ክሓልፉ ንካድረታት ህግደፍ ይኸፍሉዎም፣ ካብ ሊቢያ ብባሕሪ ክሓልፉ ንሰምሰርቲ ካድረታት ህግደፍ ይኸፍሉዎም፣ ኣብ ኤውሮጳ ናብ ዝደለዩዋ ሃገር ክሓልፉ ንዘሕልፉዎምን ንዘማኽሩዎምን ካድረታት ህግደፍ ይኸፍሉዎም፣ ንክቕበሉዎም ምእንቲ ተባሂ ሉ ንዘማኽሩን ዝትርጉሙን ይኸፍሉዎም፣ ምስ ተቐበሉዎም ካብታ ወሃቢት ዑቕባ ሃገር ትህቦም ዘይረሃጹሉ ክፍሊት 2% ከፊሎም ፎሩም ጣዕሳ መሊኦም ንዓዶም ክምለሱ ንካድረታት ህግደፍ ይኸፍሉ። ስለዚ ፎሩም ጣዕሳሲ መዛዘሚት ናይቲ ዑደተ-መሸጣ ሰብና ምዃና ኢያ። እንተ’ቲ ዝሽየጠ ሰብና ክብሪ እናወሰኸ’ዩ ዋጋ መድሕኑ ሰማይ ዝዓርግ። እቲ መሸጣ ድማ ኣብ ጁባ ህግደፍ ከምዝኣቱ ጥሉል መረዳእታ ኣሎ። እቲ ዑደተ-መሸጣ ድማ መሊሱ ክደጋገም ይኽእል።

እዚ ሓቂ’ዚ ዝምህዝ የማነሲ ህበይ’ኳ ውሒዳቶ! ነዛ ሓቂ’ዚኣ ከመሳምሰላ ዝፍትን እንተልዩ ድማ በዂሩ’ዩሞ ብኻ ምተረፈቶ!!

ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ወጻኢኸ የማነ ነቶም ቆልዑ ኣኪቡ ብምብሓት እንታይ ከምዝምህሮም ንምፍላጥ ተ/ይ ክብሮም ዳፍላ ብዛዕባ ዕጹው ስልጠና መንእሰያት ዝሃቦ መግለጺ እንተሰሚዕኩም ዝሓሸ መረዳእታ ከምትረኽቡ ርግጸኛ ኢየ። በዚ ኣጋጣሚ’ውን ክብሮም ወዲ ዳ ፍላ ብዛዕባ’ዚ ዝብሎ ዘለኹ ብዝዓሞቐን ብዝቀለለን መብርሂ ክገብረሉ እላቦ።

እንተ’ቶም ቆልዑ ጽባሕ ደቂ ህዝቢ ስለዝኾኑ ኣይትሓዝሎም። እቲ ዝለብሱዎ ድቢዛ ልክዕ ከምቲ ናይ ሂትለር፣ ከምቲ ድማ ጥልያን ‘ካምቻ-ኔሪ’ ዝብሎ ዝነበረ ዩኒፎሩም ክንሱ፡ ንሳቶም ግና ትርጉሙ ብዘየገድስ ከም ግዜ ዝወለዶ ፋሽን ኢዮም ዝወስዱዎ። ናብዚ ኣኼ ባ ከይሕወሱ ባሌህታ ከስምዑ ዝነበሮም ተወቀስቲ’ውን ወለዶም ምዃኖም ዘይምርሳዕ። ከም ዘለኒ መረዳእታ መብዛሕትኦም ወለዲ ንርእሶም ከምስሉ ናይ ተቓውሞ ቃላት እናደረበዩ፡ “ዝቐደመ ኣይኽፋእ” ካብ ዝብል በለጽ ንደቆም ኣብ ገዝኦም ዓጽዮም ‘ምስ ‘መንግስ ቶም’ ክውግኑ ከምዘለዎም ኢዮም ዝምዕዱዎም። ተሳትፎ ቆልዑ እንተድኣ ካብ ትእዛዝ ወለዲ ወጻኢ ኮይኑ ግና እታ እኪት ናይ ኣገዛዝ ኣ ትምህርቲ ተወሃሂዳቶም ማለት ስለዝኾነ ጸላእትኹም ክትፈልጡ’ምበር ክትነብዑሎም ኣይትሕሰቡ።

ነገር ፍሻለ ንምሕጻሩ፡ ንሱ ትማሊ፣ ሎሚን ጽባሕን ኣይናትኩምን ኢዩ’ሞ መድሃኒት ሽግርና ምብዳህ እምበር ብብርዒ ክትታኾሱ ክ ትብሉ ማይ ዓሚኹኩም ከይትተርፉ ሓደራኹም። እቶም ብብርዒ ከምዝቃለሱ ዝብርጠጡ ባዶ ዝትምክሕቶም ኣማዕድዮም እንተ ጽሓፉ ድማ ይጽሓፉ።

ብተወሳኺ ትማሊ ተዓዊትኩም ማለት ነገር ተዛዚሙ ማለት ኣይኮነን። ንሱ ገና ቦታታት እናቐየረ ከደናግረኩምን ከዳኽመ ኩምን ክጽዕር’ዩ። ክሳብ’ውን ከምቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ብሕጋዊ መገዲ ክሳብ ንሆላንዳውያን ተደናገጽቲ ከሲሱ ብሕጋዊ መገዲ ክከሓስ ዝፈተነ፡ ሎሚ’ውን ከምዝፍትን ኣይትጠራጠሩ።

ካብኩሉ ክትዕሸዉሉ ዘይብልኩም፡ እኒ ይሙን ፍሻለ ብዘለዎም ናይ መፈላለይ ሕሳስያ፡ ነዛ ብሃገራውነትኩምን ስምረትኩ ምን ዝፈጸምኩማ ብድሆ መታን ክብርጅኑዋ፡ ብሕሹኽሹኽ እቶም ደቂ ኮሎጉዛይ ከምዝገበሩዋ ኣምሲሎም ከፈላልዩኹም ክፍትኑ’ዮም’ሞ ከይትዝንግዕሎም።

ዝኾነ ኮይኑ ኣብዚ ቃልሲ ኩሉ ዝከኣል ዘበለ ይገብሩን ንገብርን እነና። “መወዳእታኡኸ?” እንተኢልኩም፡ መወዳእታኡ’ሞ ይሙን ሰኣን ምኽሪ ምስታ ከም ኮሶ ትትዕቲ ሕብእቱ ናብ ደልሃመቱ፣ እንተንስኹም ናብ ሃገርኩም ድርግም!

ለከ’ቲ “ዓሻስ ክሳብ ገበጣ ዝውዳእ ይጻወት” ዝበልዎስ ሓቂ’ዩ!

ዓወት ንስሙር ኤርትራዊ ቅልጽም!!

ጎደፋ፡

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde April 15, 2017

    Reminds me of parents who compete for the affection of their children at any cost,one of the pitfalls of a successful marriage.Children naturally love their parents regardless good or bad and they need to be given a space to discover who they are as individuals without the smothering of their parents,this is exactly what this youngsters are doing.’We need freedom!’ they chant,yes indeed- freedom from their suffocating parents,freedom from their en-slavers,freedom from those who stole their minds and childhood……..freedom! from those who stripped them naked of their generational identity and dressed them with their old uniform.The youngster is coming of age,give them the room,it is their stage,it is their future.

  • Aron Fist April 15, 2017

    ህግድፍ ባዶ ገረወኛ ገረእረው ክብል ኣብ ሆላንድ ተቀሲቡ ጸባ ስተዩ ናይ ሕማመይ ደቂ ሆልንድ ደቂ አረ መንእሰያት ንዓኩም ሊኢኸ እንታይ ከይስእን ዝንኣድ ስራሕ ሰሪሕኩም።

Post a Reply to Aron Fist Cancel Reply