Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትርጉም ዘይብሉ ጉዕዞ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ንጀነቭ – ኣብ ዓዲ-ዲሞክራሲ ኰይንካ ንዲሞክራሲ ምቀዋም?

ትርጉም ዘይብሉ ጉዕዞ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ንጀነቭ ኣብ ዓዲ-ዲሞክራሲ ኰይንካ ንዲሞክራሲ ምቀዋም? ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ፡ጨቋንን ተጨቋንን ዘለዎ ስርዓት፡ ተቓዋምን ደጋፍን ክህሉ ባህርያዊ ኢዩ። አብቲ ናይ መጀመርታ መድረኽ እቶም ተቓወምቲ ውሑዳት ኢዮም። እቲ ቅኑዕ ዓላማ ስለ

ትርጉም ዘይብሉ ጉዕዞ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ንጀነቭ

ኣብ ዓዲ-ዲሞክራሲ ኰይንካ ንዲሞክራሲ ምቀዋም?

ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ፡ጨቋንን ተጨቋንን ዘለዎ ስርዓት፡ ተቓዋምን ደጋፍን ክህሉ ባህርያዊ ኢዩ። አብቲ ናይ መጀመርታ መድረኽ እቶም ተቓወምቲ ውሑዳት ኢዮም። እቲ ቅኑዕ ዓላማ ስለ ዝተዓጥቁ ግን እና በዝሑን እናሓየሉን ይኸዱ። ኣብ መወዳእታ ድማ ዓወቶም ናይ ግድን ይኸውን። ኣብዚ እነካይዶ ዘሎና ህዝባዊ ቃልሲ’ውን ተቓወምቲ ኣብቲ ናይ ፈለማ መድረኽ ውሑዳት ነርና። ስርዓት ኢሳያሰ’ውን ገቢሉ “ዝትንክፎ ሓይሊ የለን” እናተባህለ ተጓዒዝና።ቀስ-ብቐስ ግን ንሕና በዚሕናን ሓይልናን። እወ! ሎሚ ንሕና ንበዝሕን ንሕይልን። ውሑዳት ደገፍቲ ዓቕሎም ጸቢብዎም የዕገርግሩ ኣለው።

ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ግዜ’ዚ ክፍጠር ዘይግብኦ ድሑር ስርዓት ኢዩ። ጨካን ድማ ኢዩ። ኣብ ቅድሚኡ ዝጸንሖ ምቕንጻልን ምእሳርን ኢዩ።ካሊእ ቋንቋ የብሉን። 367 ዝኣኽሉ ዘጋታት ኣብ ባሕሪ ተቐዚፎም፡ ዓለም ብሙሉኡ እናሓዘነ ንሱን ደገፍቱን ጓይላ ዝገብር፡ ብምንታይ ንገልጾ? ሃገር ካብ ኣብያተ-ትምህርትን ሕክምናን፡ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝበዝሓሉ ብኸመይ ንመዝኖ? ን 24 ዓመት ዝኣክል ብዘይካ ሽግርን ስደትን ምዕባሌ ዘይፈልጥ ስርዓት ናይ ሕልና ፍርዲ ንሃቦ።ንሽሙ እኳ ቅዋም የብሉን።

በሉ ነዚ ስርዓተ’ዚ ዝድግፉ መን’ዮም? ዝብል ሕቶ ነልዕል። ቅድሚ ነዚ ሕቶ’ዚ መልሲ መሃበይ ግን ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ክጠቅስ እደሊ። ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ይገብር ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ብዛዕባ ሽግር  ህዝቢ ኤርትራ ዶኩመንታሪይ (documentary) መግለጺ ተራኢዩ ነይሩ። ነዚ መግለጺ’ዚ ዝተኸታተለ ምክትል ፕረሲደንት ናይ’ዚ ዝሰርሓሉ ዘለኹ ዩኒቨርስቲ፡ ከምዚ ክብል ሓተተኒ፡”ኣብ ኤርትራ ሎሚ ነዚ ስርዓት’ዚ ዝድግፍ ፍጡር ኣሎ’ዶ?” በለኒ። እዚ ሰብዚ ነዚ ሕቶ’ዚ ክሓትት እንከሎ፤ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ጸገማት ብምርኣይን በቲ ካሊእ ወገን ከኣ ናይ ኣቶ ኢሳያስ ብድዐ ኣዘራርባ ኣብ ግምት ብምእታውን ኢዩ።

እሞ መን’ዮም ነዚ ስርዓት’ዚ ዝድግፉ? ከምቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝገለጽኩዎ፡ ሽሕኳ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ዓለም ዝስካሓሉ እንተዀነ፡ኣብ ሓደ ህዝባዊ ቃልሲ ደጋፍን ተቓዋምን ክህሉ ንቡር ኢዩ። ኣነ ከም ዝመስለኒ ገለ ብጥቕሚ ዝተታለሉ ገለ ድማ ብስሚዒት በሽም ሃገራውነት ዝድግፉ ኢዮም እብል።እቲ ጥቕሚ ዝበሃል ዘይጠቅም ትካላት ኣብ ኤርትራ ዘለዎም ኰይኑ “እንድሕሪ ተቓዊምና እቲ ንብረት ኣይንረኽቦን” ዝብል ሓሳብ ይመስለኒ። ገለ ውን ዋላ ትካላት ዘይብሎም ቤተ-ሰቦም ክሪኡ ዝደልዩ “ክንቃወም እንተ ተራኢና፡ ናብ ኤርትራ ክንኣቱ ኣይንኽእልን” ዝብሉ ኣለው። ንኣብነት ሓንቲ ሓፍትና ሓደ ግዜ ከምዚ በለትኒ፤ “ኣንታ ኣድሓኖም ኣነኮ ነዚ ስርዓት ብልበይ ዝድግፎ ከይመስለካ። ነታ ኣረጊት ኣደይ ብሂወት ስጋብ ዘላ ንኽሪኣ፡ ምስ ሞተት ድማ ንኽቐብራ ኢለ ኢየ።” በለትኒ። ኣነ ድማ “ ኣደኺ ብሂት እንከላ ኣይርሃዋን። ንስኺ’ውን ኣይጠዓመክን። እቲ ዝሓሸ ግን  ምስ ህዝብኺ ኮይንኪ ተቓሊስኪ እቲ ስርዓት ምስ ዝቕየር ኢዩ።” በልኩዋ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ ኣብ ሃገርካ ኮይንካ፡ ፈቲኻ ካይፈተኻ ስርዓት ምድጋፍ ንቡር ኢዩ። ኣብ ዓዲ-ዲሞክራሲ ተሰዲድካ ኣንጻር መሰል ህዝቢ ጠጠወ  ምባልከ እንታይ ይበሃል? ኣንታ ኣብ ዓለም ተራኢዩ ዘይፈልጥ ተግባር ኢዮም ዝገብሩ ዘለው። ይረድኦም ድዩ?

እወ! ንዲክታተርነት! እምቢ ንዲሞክራሲ ይብሉ ከም ዘለው? እወ!ንጭቆና ኣይፋል ንመሰልና ይብሉ ከም ዘለው’ኸ ይርድኦም’ደሎ? ኣንታ በጃኹም ኣነ ኣይተረድኣንን ኣረድኡኒ። ንመን ክቃወሙ ኢዮም ንጀነቭ ዝኸዱ ዘለው? ንሕቡራት ሃገራት ክቃወሙ? ነቶም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ድዮም ንህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ኣይትታሓለቑ ክብልዎም? ትርጉም ዘይብሉ ዓቕሊ ጽበት። ደናቑር ኮይኖም’ምበር ኣንጻር መሰሎም ኢዮም ዝቃለሱ ዘለው።”ስርዓት ህግደፍ ገበነኛ እንተዘይኮይኑ ድኣ ንዓድኹም ዘይትኸዱ” እንተ በልዎምስ እንታይ ምበሉ? ብዓይኒ ሓቂ’ኸ ዑመር ኣልበሽር ናይ ሱዳን ብሰብኣዊ ገበናት ክኽሰስ እንከሎ፡ ኢሳያስ ነጻ ክኸውን ይኽእል? ኣብ ሱዳን ዘለው ኣብያተ-ማእሰርቲ ካብ ኣብ ኤርትራ ዘለው ይበዝሑ? ገበን ኢሳያስ ካብ ናይ ኣልበሽር ይውሕድ? ሕቡራት ሃገራት ደንጉዮም ከማን። ሎምስ ንጹህ ደም ኤርትራውያን ሕጊ ክሪኦ ኣለዎ።

ካሊእ ነዞም ደናቑር ደገፍቲ ስርዓት ክሓቶም ዝደሊ፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ መን’ዩ? ዝብል ኢዩ። ርግጸኛ ኢየ “ወያኔ ወይ ድማ ኣሜሪካ” ከምዝብሉ። እቲ ሓቂ ግን ክነግረኩም፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ህዝቢ ዝቐትልን ዝኣስርን ንስደት ዘሳጥሕን ስርዓት ወዲ ሃገር ይኹን  ባዕዲ ጸላኢ ኢዩ። ናይ ፖለቲካ ሀሁ ክንምህረኩም። ኢሳያስ ካብ ሳሕል ጀሚሩ ስጋብ ግዜ ናጽነት ሰብ እናበልዐ፡ ካብ መሪሕነት ከይተላቐቐ ይጐዓዝ ኣሎ። እዚ ግን ሃገራዊ ከብሎ  ኣይኽእልን። ሓቂ ክንዛረብ እንተኮይኑ ሃገራውነቱ ብተግባሩ ይኹን ብትውልዱ ደምሲስዎ ኢዩ።ኣነ’ኳ ስጋብ ሎሚ ብትውልዱ ከሲሰዮ  ኣይፈልጥን። ንሕና ምስ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ   ከኣ ምስ ተጋሩ ተዋሊድና ኢና።ናይ ሓደ መራሒ ተግባር ግን ንሃገራውነት ወሳኒ ኢዩ።ዲክታተርነት ምስ ሃገርነት ዝሳማማዕ ኣይኮነን። ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ በንጻሩ ዲክታተርነት ንሃገራውነት ዘፍርስ ኢዩ እብል።ስርዓት ህግደፍ ሃገራውያን ዝቐትልን ዝኣስርን ሃገራውነት ክህልዎ ኣይኽእልን።ብሓፈሽኡ ዲክታተራት ኣብ ዓለም ሃገራውነት ተጎልቢቦም ኢዮም ዝገዝኡ። “ንሕና ኢና ነጻነት ዘምጻእና ። ንሕና ኢና ላዕላውነት ሃገር እንሕሉ።” ይብሉ።

ጀነቭ! መስክሪ! ኣብ ዓለም ተገይሩ ዘይፈልጥ ኣንጻር ውጹዕ ህዝቢ ዝስለፉ፡ ደገፍቲ ሓደ ዲክታተራዊ ስርዓት ይመጹኺ ኣለው። ጀነቭ! ኣንጻር ኩሎም ጨቆንቲ መራሕቲ ህዝቢ ዓለም ዝዝተየላ ከተማ፡ ኣነስ ዝብሎ የብለየን ባዕልኺ ፍረዲ።

ክቡራት ብጾት ደለይቲ ፍትሒ፡ ጭቁን ህዝብኹም ኣብ ጐድንኹም ኣሎ። በጋጣሚ ናብቲ ኣብ መዓልቲ  ብኣማኢት፡ ኣብ ወርሒ ድማ ብኣሽሓት፡ ካብታ ዝፈትውዋ ገሃነም ዝኾነት ሃገሮም እናተስዱ ዝመጽሉ ናብቲ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መዓስከራት ከይደ ነይረ። ካብቶም ዘዛረብክዎም ከምዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ይሰድልኩም፡

“ግዜን ቦታን እንተ ዝፈቅድ ነይሩ  ምሳኻትኩም ኮይና ምተሰለፍና። ጀነቭ’ውን ኣይምኣኸለትናን። ኾይኑ ግን ብመንፈስ ምሳኹም ኣሎና ኣጆኹም በለልና” ኢሎሙኒ።

ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ

 

ኣድሓኖም  ፍትዊ

19-06-2015

Comment: a.fitiwi1993@kpnmail.nl

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • ኣርዓዶም June 20, 2015

    ህግደፍ መን ኢዮም ደገፍቱ !
    ጉጅለ ሓደ ) ህግደፍ ደገፍቱ፡ ብግቡእ ክጽሕፉን ከንብቡን ዘይክእሉ፡
    እዞም ጎጅለ እዚ ኦም ንነገራት ብተባህለ እምበር ብክውንነት ክምርምሩ የጽግሞም። ዋላ ጸገም ኣብ ርእሶም እንዳሃለወ፡ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ስለዘየለ፡ ንዕ ኡ ዘጣቕዑ ማሃይም ኢዮም።

    ጉጅለ ክልተ] እዚኦም ተበለጽቲ ኮይኖም ሕማቕ ጉርሒ ዝሓደሮም ካብ እንስሳታት ፈሊኻ ክትሪኦም ዘይትኽእል ጠባይ ክሕደት ዘለዎም፡ ብስስዐ ዝዓወሩ፡ ብዕሉጋት ኢዮም። እዚኦም ሕልና ዘይብሎም፡ ብወገን ዝተቖማጥዑ ብዘይካ በትሪ ካልእ ዲፕሎማሲ ኣገባብ ዘይርድኦም፡ ኣብ ህዝቢ ኢርትራ ሕሱም ጽልኢ ዘለዎም መቃብር ኢዮም።

    ሳልሳይ ጉጅለ] ወረርቲ ኢዮም፡ እዚኦም ተጻይ ድብልቓላቕ ወለዶ ዘለዎም ኮይኖም፡ ብወገንን ስስዐን ወን ዝተጠቕዑ ተበለጽቲ ባኣታታት ኢዮም፡ ተወልጀ ድዮም ዝብሉ፡ ተወልጀ ኢዮም። ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ክኣ ቕጭጭ ዘይብሎም ብሃማት ዓይነት ፍጥረት ኢዮም።

    ራብዓይ ጉጅለ] እቶም ሓናኻት ኢዮም። ሕማቕ ርእዮም ሕማቕ እንዳተሰምዖምን ነቲ ጉፉእ ተግባራት ህግደፍ ብልቦም ዘይደልይዎ ክነሶም፡ እንተተቓውሙ ሞት ኮይኑ ዝስምዖም ከይብሉኒ ብሃልቲ ዓይነት ሰባት ኢዮም።

    ተዘይኮይኑ፡ እቶም ትካል ኣለና ስድራና ክንር ኢ ዝብሉ ምኽንያታት ክትብሎም ኣይትኽእልን ኢኻ፡ እቶም ምእንቲ ሰላምን ሕገ መንግስትን ንቓወም ዘለና`ኸ ሰብ ዶ ኣይኮናን ኢና፡ ንፈትዎም ስድራናን መሬትናን ዶ ኣየለናን። ግን ሰላምን ፍትሕን ተዘይሃልዩ፡ ንሱ`ውን የለን ብምባል ኢናኮ ገጥ ኢልና ኣንጻር ዓመጽቲ ደው ኢልና ቓልና ነስምዕ ዘለና። ስለዚ እቶም ንብረትዶ ስድራዶ ዝብሉ ተበለጽቲ እምበር፡ዋጋ ዘለውም ኣይኮኑን።

  • Ketema June 20, 2015

    Higdefites are made of three major groups:

    1. The illiterates, stupids and navies.
    These are mostly people with little education or life experience. They rely on Higdef media to know what is happening around the world. What they see mostly is highly manipulated poisonous content centered around scary ethnic and religious conflicts. The message they get from Higdef is “if he is not there, you will be ruled by a Muslim”.

    2. The educated and experienced opportunists:
    They care about nothing. They are not worried about deteriorating situation in Eritrea because, they have done their home work well. They serve the regime for own personal benefit. You find them in Embassies or Hidgef affiliated organizations. They neither hate nor love the tyrant, they don’t have emotions for anyone. If tomorrow the regime falls, they are ready to claim to have suffered like everyone else and look for new opportunities with a new rulers. They are sort of animal type.
    This groups includes also some who feel deep inside they are not Eritreans, even if they have to carry its papers because of some historical circumstances.

    3. The criminals
    The most dangerous group that is killing Eritrea. They are mostly ex-Tegadelti, people from the military and security agencies. People who were involved in extra-judicial killings in prisons and army, politically motivated assassinations in neighboring Sudan, arms and narcotics smugglers, ex-members of killing squads operating under President’s Office, members of ex-Halewa Sewra and the current Hagherawi-Dihnet interrogators, ladies involved in special secret operations at home and abroad ..etc.
    There are a lot of people who claim to have left the regime, but joined the regime supporting Diaspora because of their past. They are ready to do anything to avoid accountability.

  • hamasanay June 20, 2015

    Hgdef degetu Eritrean eyom Eritrean by Eritrean ziamnu kemzikemakan kem bial Amanial eyasun bigenzeb adom zeyshetu husur yehsereka meten nebsu kemzibhal nibalika donkoros seb denkoro kitbl

  • ARON KIDANE June 21, 2015

    Hamasanay entay zerebu tezareb aleka gega zereba ele eye kehalefo zedelie asteweilka entetezarebka zehashe koynu deemeani thanka
    ARON KIDANE

  • Harmaz June 22, 2015

    Hamasanay;
    Abey eika tnebir
    Neza hager hamasenay, seraye, Akeleguzay, barkatay metahit,denkelay-Afar, ansebetay, kunama, nara, bilen jeberti kulom tesewieom eyom nexa awtsieoma. gin entay ygeber eti Hamasenay(?????) zbhal zeykone gin adina kemzeynkmeta geruwa. Silezi Degafi nay Hgdef msti akedimu zrekebo tikmtat keygodlo elu zetakalu ab godenatat dehar gin ab medekesieu suwat yehwatu ab hlmu mexiom “Ata nezi dye tesewielka neshto hawey barya kikewn neshto hawey mexaweti bedewin kikewn, kbret neshto haftey keyhlo, aboy ab erganu bret hizu bereka bereka kikeyd;…… kemzi kitkonu dye tesewie …kemzi silezegatemekas.. ynber kemeu elu ynber dlayom ygberuwa za adi kitbil kitkeyd eyu zblom Swue wedom haweom haftom ……kisanet ayrekbun eyom.
    Silezi hamasenay wala hade zdgfo yelen n Eseyas.

POST A COMMENT