Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትቃለሱ ዘለኹም!

ነቶም ትማሊ ኣብ እስራኤል ኮነ ኣብ መላእ ዓለም፡ "ከምዚ እዚ ኣጽናቲ ምስሉይ ስርዓት ዝገበሮ ናይ ሓዘን ዳስ ኣፍሪስና ዳስ ጓይላ ኣይንተክልን! ህዝብና እናሃለቐ ዝመጸልና ወኒ ሳዕስዒት የለን!" ብምባል፡ መዓልቲ ናጽነቶም ብዝኽሪ እቶም ንኣኣ ዘግዘሙዎም ጀጋኑ

ነቶም ትማሊ ኣብ እስራኤል ኮነ ኣብ መላእ ዓለም፡ “ከምዚ እዚ ኣጽናቲ ምስሉይ ስርዓት ዝገበሮ ናይ ሓዘን ዳስ ኣፍሪስና ዳስ ጓይላ ኣይንተክልን! ህዝብና እናሃለቐ ዝመጸልና ወኒ ሳዕስዒት የለን!” ብምባል፡ መዓልቲ ናጽነቶም ብዝኽሪ እቶም ንኣኣ ዘግዘሙዎም ጀጋኑ ስውኣትን ብድሕሪኦም ብሰንኪ ጠላሚ ስርዓት ዝሃለቑ ኣሕዋቶምን ብምዝካር ዘሕለፉዋ ጀጋኑ ደለይቲ ፍትሕን ተቓላስቲ ሓርነትን እትምጉስ ናዕታ!
ጀጋኑ ስብ ሕድሪ መድሕን ናይ ውጹዓት
ብደምኩም ክትደርዙ ናይ ኣደታት ንብዓት
ግብግብ ገጢምኩም ምስዚ ጨካን ስርዓት
ትቃለሱ ዘለኹም ብወኒ ብትብዓት
ዓወት ክትጭብጡ ይሃበኩም ጽንዓት!
ዕኰት ዓሲሉዋ ጸምሊያ ገረብና
ኣቚጽልታ ረጊፉ መጽለሊ ስኢንና
ከምቶም ዝሓለፉ’ኳ ንህቢ ከይኮነልና
ዋላ እንተነኸሰስ መዓር ዚህበና
እዚ ሰራም ዕኰት ግን ትንፋስ ከሊኡና
ሕድሪ መንእሰያት ጀጋኑ ኣሕዋትና
ብሓደ ሰሚርኩም ኣድሕኑ ህይወትና!
ህጻውንቲ ቈልዑ ብርኮም ዘየትረሩ
ብምሕደራ ምልኪ ስለ እተማረሩ
ይቕዘፉ ኣለዉ ዶባት ክሳገሩ
ኣራዊት እናበልዖም ሞይቶም ከይተቐብሩ
መስዋእቲ ጀጋኑ መዓስ ነዚ ነይሩ
ኣባጽሕ እዛ ሃገር ሓዲኡ ግበሩ!
ብዘይካ ስምረትኩም ናይ ሓድነት ወፍሪ
መድሓኒ የብልናን ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ
ስለዚ፡ ጀጋኑ ደቂ ሓራስ ነብሪ
ንብዓት ናይ ወላዲት ቀጻሊ ከይዛሪ
ህዝብና ኣብ ሃገሩ ክነብር ብኽብሪ
ሓደ ልቢ ኴንኩም ብስኒት ብፍቕሪ
ሃየ ፈጽሙዎ ናይ ሰማእታት ሕድሪ!
መምስ ወጋኣኩም ኣብ ክንዲ ትነቕሱ
ካብ ሱሩ ምሒኹም ጫዓ ክትምንቁሱ
እንካብ ተላዓልኩም ወላድ ክትድብሱ
ዓወት ተሓንጊጥኩም መታን ክትምለሱ
ልዑል ፈጣሪና ይሃብኩም መንፈሱ!
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 27-05-2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • ERITRAWIT May 28, 2015

    Thank you Mesinas Brother, They are the people with dignity God bless them.
    Not like some Eritreans they pass all the hard roads I am not lying if I say Gahaneb journey buying them self again for $30.000 dollar to HGDEF in Asmara, selling what ever they have and to go and dance with them gud rena.

Post a Reply to ERITRAWIT Cancel Reply