Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትብጻሕ ናብ፡- ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ኣብ ዘዘሎኹሞ ድሮ ግንቦት 24 2016

ትብጻሕ ናብ፡-  ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ኣብ ዘዘሎኹሞ ድሮ ግንቦት 24 2016 ንኣምላኽና ነመስግኖ: ንመበል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ኢዮበልዩ፡ ካብ ተኸታታሊ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ጭቆናን ባርነትን፡ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ

ትብጻሕ ናብ፡-  ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ኣብ ዘዘሎኹሞ

ድሮ ግንቦት 24 2016

ንኣምላኽና ነመስግኖ: ንመበል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ኢዮበልዩ፡ ካብ ተኸታታሊ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ጭቆናን ባርነትን፡ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ሰራዊትን ናጻ ኣውጺኡ ናብዚ ዘብጽሓና። ኣብቲ መጠረሽታ  ህዝባዊ ሰራዊት ነስመራ ምእታው ኣብ ዝተቓረበሉ ኣዋን፡  ብዙሓት ኤርትራውያን ኣመንቲ ኩሉ ሃይማኖታት ተኣኪቦም ብሓባር ናብ ኣምላኾም ተማህለሉ፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ሽሾ ሰራዊት ድማ ምስ ምሉእ ዕጥቁ ፍርቂ ለይቲ ካብ ከተማ ብዘይ ገለ ተዅሲ ይኹን ኣዕናዊ ተግባራት ጣሕመሽመሽ ኣናበለ ንምዕራብ ብዓዲ ኣበይቶ ኣቢሉ ወጸ። ህዝባዊ ሰራዊት ኣስመራ ምስ ኣተወ ግና ወዮ ዝተማህለለ ህዝቢ ተኣኪቡ ምስጋንኡ ንልዑል ኣምላኽ ከየቕረበ፡ እምነቱ ኣርሒቑ፡ ኣብ ስስዐን ምስ ሓዉን ሓፍቱን ወለዱን ደቁን ምክሳስን በብሕቱ ናይ ውልቁ ምሕሳብን ተሸሚሙ፡ ድሮ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ኮይኑ ኣብ ንጸላኢኻ ዘይትምነዮ ኩነታት ወዲቑ ይርከብ።

ሓርነታዊ ቃልሲ ኣንጻር ግዝኣት ባዕዲ፡ ንናጽነት መሬት ንህዝቢ ድማ ሓርነት፡ ካብ ምሕደራዊ ጸቕጢ፡ ካብ እገዳ መሰላት፡ ካብ ፍትሒ ኣልቦ ህላወ፡ ዘውሕስን፡ ህዝቢ ብዝመረጾም ኣካየድቲ ክግልገል ከሎን ኢዩ ሓርነታዊ ቃልሲ ቀዳማይ ዕማሙ ኣብቂዑ ናብ ትግባረ ናይዞም ብውሑዱ ዝተጠቕሱ ዕማማት ስርሑ ዝቕጽል። ናጽነት መሬት ምስ ተወድአ ከም መስተንክር ዝውሰድ መሰል ርእሰ ውሳኔ ምርጫ ተኻይዱ ግዝኣት ባዕዲ ኣብቀዑ፡ ኣነሆ እኳ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት፡ ማለት ርብዒ ክፍለ ዘመን ኮይኑ ሓርነት ከይተረኽበት።

ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ብዉሑዱ ህጻን ተወሊዱ/ዳ ብንቡር ኣተዓባብያ ተማሂሩ/ራ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቑ/ቓ፡ ስራሕ ጀሚሩ/ራ፡ ተመርዕዩ/ያ፡ ምስ ውላዶምን ወለዶምን ብሰላም ዝነብሩሉ ሃዋህው ዝፈጥር ጊዜ ኢዩ።

ንምዃኑ ከምቲ ብመራሕቲ ህግደፍ ብዝተደጋገሙ እዋናት ዝንገሩና ካብ ባዶ ዝጀመርት ሓዳሽ ሃገር ዘይኮነትስ፡ ዝጸንሑዋ መንእሰያት ምስ ዝተወልደ ህጻን ደሚርካ፡ ብሃንቀውታ ክጽበ ዝጸንሐ ሽማግለ ይኹን ጎበዝ፡ ሰበይቲ ትኹን ሰብኣይ፡  ምሁር ይኹን ምኩር፡ ሓረስታይ ይኹን ነጋዳይ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ዝነበረ፡ ምስ ዝኣተወ ተጋዳልይ ደሚርካ፡ እሞ ኸኣ ደላይ ናጽነትን ፍትሕን በዘይካ መሰል ርእሰውሳኔ ተነፊጉዋ ዝጸንሐ እምበር፡ ንሃገሩ ብዝቐልጠፈ ናብ ምዕብልቲን ብልጽግቲን ከብጽሓ ለይቲ ብሕልሚ ምዓልቲ ብምውጣን ምስራሕን ዝቓለስ ዝነበር ህዝቢ ሒዝካ ካብ ባዶ ኣይትጅምርን ኢኻ። ካብ ባዶ ክኣ ኣይጀመረትን ኤርትራ። ናብ ትሕቲ ባዶ ግን ኣንቄልቂላ ትርከብ።

ኣብዚ ኤርትራ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ኩነት፡ ንምእማኑ ዘጸግም ነእምሮኻን ኣተሓሳስባኽን ዘጠራጥር፡ ትርጉም ክትረኽበሉ ዘይትኽእል ኩነት፡

በቲ ሓደ ናብ ዕንወትን ጥፋኣትን ሕብረተሰብ ዘምርሕ መንእሰያት ኣብ ዝነውሐ ባርነት ምጽማድ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ጣልቃ ምእታውን፡ ኣመንቲ ምእሳርን፡ ናይ ስራሕ ኣልቦነት ዝፈጥር እገዳ ህንጻዊ ስራሓት፡ወዘተ፡ ዝኣመሰሉ ውሳኒታት፡

በቲ ሓደ ድማ ናይ ኣመሓደርቲ ጊዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝነዝሑዎ ናይ ሓልዮትን ንምዕባለ ዝውጥን ፕሮፓጋንዳታትን፡

በቲ ሓደ መእሰይ፡ ማለት ተረካብ ሃገሩ፡ ኣብ ዓዱ፡ እሞ ልዑላውነት ሃገሩ ንምውሓስ ንኻልኣይ ጊዜ መስዋእቲን ኣካል ምጉዳልን ዝኸፈለላ ሃገሩ፡ እቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ እዋን ቃልሲ፡  ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ሓርነትን ማዕርነትን ዝሰፈና ብልጽግቲ ሃገርካ ክትነብር ኢኻ፡ ኢሉ ብተደጋጋሚ ብጽሑፋቱ ንህዝቢ ዝኣቶዎ መብጽዓታት  ክትግበር እናትጸበየ ብኣንጻሩ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ኣገልግሎትን፡ ጃምላዊ ባርነትን ተሸሚሙ ድሕሪ ነዊሕ ምጽናሕ፡  ካብ ዘይወግሕ ለይቲን ጸልማትን ንኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጓንፎ ሞት መሪጹ፡

በቲ ሓደ ወገን ድማ መራሕቲ ህግደፍ ኣብ ሰደት ዝዓበዩን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ መንእሰያት ብምውዳብ ኤርትራ ከም ናይ ክረምታዊ ዕረፍቲ ዝግየሻን ዝዕንደረላን ሰላምን ርጋኣትን ዘሎዋ ንምምሳል፡ ብኣኡ ኣምሲልካ ድማ ነቶም ዘፍርሁኻ ብውሽጣዊ ተንኮል ካብ ሃገር ምብራር ንዘይመጹኻ ድማ ምሕቋፍ ይትግበርን ፕሮፓጋንዳ ይንዘሓሉን ኣሎ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጸሓፍኩዎ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦን ዝተሳቕየሉን፡ ብውላዱ ይኹን ብወለዱ። ብሰብኣያ ትኹን ብሰበይቱ፡ በሕዋቱ ይኹን ብኣሓቱ ዝወረዶን ዝወርዶ ዘሎን፡ መሪር ግፍዒን፡ ማእሰርትን፡ ዝተደጋገመ ሓዘንን፡ ናይ ናብራ ጸገማትን፡ እሞ ብኢድ እቲ መብጻዓኡ ጠሊሙ ዘሎ መሪሕነትን ውሑዳት ተኸተልቶምን ክኸውን ኣንከሎ፡  ገለ ሰባት ድማ ንዘሎ ምምሕዳር ብሓላፍነቱ ተሓታቲ ካብ ምዃን ነጻ ንምውጻእ ዝምህዙዎ ምስምስ፡ ብሰንኪ ኣይ ውግእ ኣይ ሰላም ኩነታት ናይ ዶብ ሕቶ፡ ብሓያላት መንግስታት ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዝተፈጥረ ተጻብኦ እምበር ጉድለት መራሕቲ ጊዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘይኮነ ንምርዳእ ዘይነዝሑዎ ዘይመስል ፈጠራታት የልቦን።

እዚ ውፅኢት ናይ ነዊሕ እዋን ውጥን ማለት ኣብ ውሽጢ ሕዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ፍሉይ ኣጀንዳ ዝመሃዘ ፍሉይ ጉጅለ፡ ናጽነት ክቀራረብ ከሎ: ናይ ህዝባዊ ባይቶን ሕገመንግስቲን ክቐውም፡ ብስርዓተ ሕጊ ትመሓደር ሃገር ኢያ ክትከውን ዝበሃል ዝነበር ተሪፉ፡  ድሕሪ 1991 ግዚያዊ መንግስቲ ምቛም ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳኔኡ ብ1993 ድምጺ ምርጫ ምክያዱ ብ99% እወ ንናጽነት ብምድማጽ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ኣብ ድሮ ናይ መጀመርያ በዓል ናጽነት ግንቦት 24, 1993 ኣብ ኣስመራ ናይ ዕልዋ መንግስቲ ፈተነ ተኻይዱ። እዚ ፈተነ እዚ ለውጢ ንምምሕዳር ጊዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ (ህግሓኤ) ዘይኮነስ ንገለ ካብ ዝነበሩዎ ስልጣን ንምእላይን ንብጻይ እሰያስ ድማ ንዘልኣለም ኣማሓድረና ኢሎም ዘውዲ ዘንበሩሉን ኢዩ ኔሩ።

ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ድማ ኣብቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝተሳተፉ ግጉያት ተባሂሎም ምሕረት ተገብረሎም። ኣበየናይ ሃገር ዕልዋ መንግስቲ ዝሃቀኑ ምሕረት ተጌሩሎም ይፈልጥ?

ብመንጽሩ ድማ ማዕረኻ ቃልሲ ዝተሳተፉ መራሕቲን ተጋደልቲን ከምኡውን ጋዜጠኛታትን ምኽንያቱ ብዘየገድሽ ቀድካ፡ ምሕረትስ ይትረፍ ዝተቓለሱሉ መስል ፍትሒ ረጊጽካ፡ ብጉልባብ መስከረም 11, 2001 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝተባርዐ ግብረሽበራ፡ ዓለም ኣቶኩሮኣ ኣብዘይተድህበልካ ኣሲርካ ክሳዕ ሎሚ ዳጒንካዮም ትርከብ።

መቐጸልታ ናይቲ ዝተኣልመ ለውጢ ድማ፡   ብየካቲት 1994 ሳልሳይ ናይ ህግሓኤ ዋዕላ ተኻይዱ፡  ዋና ጽሓፊ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ተመሪጹ፡ ህግሓኤ ናብ ህግድፍ ተለዊጣ፡ ህዝባዊ ዝተባህለ ንህዝቢ ዘይውክል፡ ግንባር ዝተባህለ ንውሑዳት ዘገልግል፡ ደሞክራሲ ዝተባለ ህዝቢ ዘየድምጽሉ፡ ፍትሒ ዝተባህለ ብፍትሒ ኣልቦ ዝነግሰሉ፡ ንምሉእ ህዝቢ ዘየገልግል ናይ ውሑዳት መጋበሪ ኮይኑ ተዛዚሙ፡

ከምእውን ኣብ 1994 ኣካለ ስንኩላን ሓርነትዊ ውግእ ዝኮኑ ተጋደልቲ መረረኦም ዝሰምዖም ምስ ሰኣኑ ናብ ኣስመራ ብምርኩሶምን ብመንበር ዓረብያኦምን ጉዕዞ ካብ ማይ ሓባር ምስ ጀመሩ፡ ሓደ ኣዛዚ ሰራዊት ብጥይት ምለሶም ዝብል ትእዛዝ ምስ ተዋህቦ ቁጽሮም ዘይተገልጸ ሞይቶምን ንካልእይ ጊዜ ቆሲሎምን መረረኦም ከይተሰሞዐ ተረፈ።

ድሕሪዚን ከምኡ ዝኣመሰሎ ኣረሜናዊ ተግባራትን፡ ከምኒ ኣሲርካ ድሃዩ ምጥፋእ ዝኣመሰለ ጭቆና፡ ካልእ በብጊዜኡ ክሳዕ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ውልቀ ምልኪ ኣገዛዛኣን ዘስዓቦ ዕንወትን ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝቕመጥ፡ ብባህሉ ባዕሉ ክመሓደር ዝኽእል ክነሱ፡ ብገዛእ ሃገሩ ከም ካልኣይ ደርጃ ወዲ ሃገር ተቖጺሩ ብኢሰባኣዊ ኣገዛዝኣ ዝሳቐ ንዘሎ እሞ ናይ ቀደም ምስላ ዝበረቐ ጽሓይና ዝነገሰ ንጉስና  ባህላዊ ረሓነት ዘሎዎ ሕብረተሰብ  ንዝመጾ ብትዕስቲን ተጻዋርነትን ከሕልፎ እኒሆ ርብዒ ክፈል ዘመን ኮይኑ።

ብዙሕ ጊዜ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዝተፈላለዩ መድርኻትን፡ ብዙሓት  ደለይቲ ሰላምን ፍትሒን መሰኻኽርን ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ደቂ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ዘይሕጋዊን ዘይፍትሓዊን ጭቆና፡ ብጽሑፍን ብረድዮን ክግለጽን ክዝረብን ካብ ዝጅመር ነዊሕ እዋን ኰይኑ።

ኣብ ኤርትራ ዝተመሳሰለ ድምጺ ዘስምዑ ግና ተዳጒኖምን ሓቒቖምን ኢዮም።

ናይዚኣ ጽሕፍቲ እዚኣ ፡ ኣካየድቲ ዝገበሩዎን ዘይተግበሩዎን ተሓተቲ ዝኾኑሉም ሕሉፍን ህሉውን ገበናት ንምድህሳስ ወይ ምጥቃስ ትህቅን ኣይኮነትን፡ እንታይ ድኣ እዚ ኩሉ ክካየድ ከሎ፡-

 

ህዝቢ ኣበይ ኣሎኻ

ኣንታይ ከ ጊደኻ

 

ኣብቲ መጀመርያ እዋናት፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ብኸፊል ጠቒሰዮ ዘሎኹ ተግባራት ክፍጸም ከሎ፡ ናይ ህዝቢ (ገባርን ተጋዳላይን) ብሃንቀውታ ዝጽበያ ናጽነቱ እንቛዕ ተረኽበት እምበር ደቅና እንታይ ከይብድሉና ብምባል ሎሚ ክሓይሽ ጽባሕ ክሓልፍ እናተባህለ ድሕሪ ሒድት ዓመታት ዳግመ ውግእ ተኸፊቱ ክሳዕ ሎሚ ኣይ ውግእ ኣይ ሰላም ኮይኑ ኣሎ። ሓላፍነት ህዝቢኸ ኣበይ ኔሩ። ነቲ ዝተዋህበ ውሳኔ ብሰላማዊ መገዲ እዚ ድኣ እንታይ ማለት ኢዩ ንሃገርናኸ ይጠቅምዶ ኢልካ ምሕታት ከም ተቓውሞ ዘይኮነስ ነቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ መሪሒነት ዝወሰዶ ስጉምቲ ጠቓሚ እንተኮይኑ ምንጻርን ምርግጋጽን፡ ብኣንጻሩ ኣንተኮይኖ ድማ ክመክር ዘብቅዖ ስለክኸውን ዝኽእል ብእዋኑ ምተዓረየ። በብጊዚኡ ዝወጽእ ዘይቅኑዕ ምሕደራ ውሳኔ ፡ ንኣብነት ብውሑዱ  ክጥቀስ ዝከኣል፡ ገፊፍካ ዘዓስከርካዮም መንእሰያት ካብ ኢድካ ዝሃደሙ ንስድራ ቤት፡ ውላድካ ኣምጽእ ወይ ብገንዘብ ወይ ማእሰርቲ ተቐጻዕ፡ ናይ ጤሳ መሬት ዝተዋህበካ ገዛ ዘስርሓልካ ንፍርቂ ሂብካ ንዝተሰርሐ ገዛ ምፍራስ፡ ወዘተ ተቃውሞ ዘድልዮም ኣዋናውያን ጉዳያት ኢዮም ኔሮም።

ኣብዛ ሎሚ ኤርትራ ትበሃል ነጻ መሬት ዝቕመጡ ህዝቢ፡ ዝተፈላለየ ብሄር፡ ቋንቋ፡ እምነት፡ ኣውራጃዊ ስምዒታት ዘሎዎም፡ ኣብ ዝተፈላልየ እዋናት ዝተፈላዩ ፖለቲካዊ ጽልዋታት እኳ እንትነበሮም፡ ኣብ ጊዜ ቃልሲ ንናጽነት ተዋጊኦምላን ተሰዊኦምላን ኢዮም።

ስለዚ”

ኣብ ሃገርካ ዘሎኻ፡ ህዝቢ፡ ብፍላይ ኣካል ናይቲ ህዝቢ ዝኾንካ ተጋዳላይ፡ ዕላማኻ ዘንጊዕካ ነቶም ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ንበር ምእቲ ሕድርና ከተተግብር ዝበሉኻ ሰማእታት ፡ብስጋ ስዉኣት ክትምሕል ንህዝብኻ ዝጠለምካ፡ እኒሆ ሕጂዩ ዕድልካ፡ ፍረ ቃልሲ ህዝብካ ብውሑዳት ክርገጽ ዝጸንሐ፡ ንህዝቢ ኣርኣያ ብሙዃን ለውጢ ብሰላማዊ መንገዲ ንምምጻእ ምስ ኣብ  ኣገልግሎት ዘሎዉን  ሰራሕተኛታት ኣብያተ ጽሕፈታትን፡ ፋብሪካታትን፡ መንግስታዊ ትካላትን፡ ተማሃሮን፡ ነጋዳይን፡ ሓረስታይን፡ ካብዚ ዝኸፍእ ስለዘይመጸካ ብናይ ሓባር ድምጺ ኣይፋልን ብምባል ተለዓል፡ ከምኡውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት እትቕመጥ ምስ ኣብ ኤርትራ ዝሳቐ ዘሎ ወገንካ ብሓደ ድምጺ ፡ ንመሓዳደሮ ዘሎና ምስ ባህልናን ኣንታውነትና ዝጻረር፡ ንሕና ቅድሚ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሰብ ሕጊን ስርዓትን ዝነበርና ስለ ምዃንና፡ መመሓደሪና ስሮዓትን ሕጊን ብዝቐልጠፈ ክንሕንጽጽ፡ ህዝቢ ኣውሊዕ ዘንበረሉ ክመርሓና፡ ብድልየትን ጠለብን ህዝቢ ዘየማሓድር መንግስቲን ኣካላቱን ተሓተትቲ ዝኾነሉ ሕንጻጻት ብቕልጡፍ ክንሰርዕ ኢዩ ድልየትና ክብል ድምጹ የልዕል። ዘላቒ ለውጢ ዝመጽእ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ህዝቢ ብደገፍ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝቕመጥ ደላይ ሓርነት ወገኑ ብምንቅስቓስ፡  ንስልጣኑ ብሰላማዊ መገዲ ምስዘረጋግጽ ኢዩ።

 ነዚ ኤርትራ በጺሓቶ ዘላ ህላዌ ኣብ ክንዲ ብሰላማዊ ፍታሕ፡ ንድሕሪት መሊስና ብረታዊ ቃልሲ ኣካይድና ካብ ግዝኣት ህግደፍ ነጻ ከነውጻኣ ኢና በሃልቲ ወይ ኣብ ካልኦት ሃገራትን መንግስታትን ኣናተመላለስካ ድልየት መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ትውክል ኣምሲልካ ብሽም ተቓውሞ ዝንቀሳቐሱ ድልየትን ራህዋን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ ዕላማ ነዚ ዘሎ መንግስቲ ገልቢጦም ገዛእቲ ንምዃን ዝውጥኑ እንተድኣ ሃልዮም ክኹነኑ ይግባእ።  ድሕሪ ሎሚ ናይ ነንሕድሕድ ደም ምፍሳስ ብምሉእ ዓቕምና ንቃወሞ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና

ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ

 

ደላይ ሓርነት

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT