Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትንሣኤ ካብ ምርኮ ባቢሎናውያን! ብዋጋ ተዓዲኩም ኢኹም እሞ፡ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ (1 ቆሮ 7፡ 23)

ትንሣኤ ዝብል ቃል ኣብ ንሰምዓሉ ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ዝብለና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሥልሳይ ማዓልቲ ካብ ማእከል ምውታን ብኽብሪ ዝተንሰእ ኢየሱስ ናዝራዊ ምኻኑ'ዩ። ነዚ ዓቢ ክብሪ ንምዝካር ድማ ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ፡ ዘመነ ትንሳኤ ብምባል ንሓምሳ ማዓልቲ ዝኣክል

ትንሣኤ ዝብል ቃል ኣብ ንሰምዓሉ ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ዝብለና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሥልሳይ ማዓልቲ ካብ ማእከል ምውታን ብኽብሪ ዝተንሰእ ኢየሱስ ናዝራዊ ምኻኑ’ዩ። ነዚ ዓቢ ክብሪ ንምዝካር ድማ ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ፡ ዘመነ ትንሳኤ ብምባል ንሓምሳ ማዓልቲ ዝኣክል ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ሓምሳ ማለት በዓለ መንፈስ ቅዱስ፥ ኣብ መቅደሳ “ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን በዓብይ ኃይል ወስልጣን” እንዳበለት ከም ዝተንሰእን ምድሓንን ሠላምን ኣብ ማእከል ሕዝቡ ከም ዝገበረን ትእወጀሉ ወርሓት ድማ እዩ።

 

ትንሣኤ ክንብል ከሎና፡ ምልባስ ሓዱሽ ሕይወት፡ ናይ ለውጥን ተስፋን ማለትና ኢና። ምኽንያቱ ብትንሣኤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ነገራት ተቀይሩን ተሓዲሱን’ዩ፥ ሓጢኣት፡ ሞት፡ ሓይሊ መቃብር፡ ብዓወት ተዋሓጡ’። ሃዋርያ ጳውሎስ ብኸምዚ ይገልጾ “ክርስቶስ ዘይተንሥአ እንተ ኾይኑ፡ ስብከትና ኸንቱ እዩ። እምነትኩም’ውን ከንቱ እያ” ይብሎ (1 ቆሮ 15፡ 14)።

 

መሰረት ጥንታውነት ናይዚ በዓል ክንሪኦ እንተደለና ድማ ካብ ኦሪት እዩ ዝጅምር። ትንሣኤ እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ፋሲካ እንዳተባሃለ በኣይሁዳውያን ዝበዓል ዝነበረ፡ መለኮታዊ ትእዛዝ’ዩ። ኣብቲ መንፈሳዊ ትሕዝትኡ ድማ ክልቲኡ ተማሳሳሊ ሓሳብ ኣለዎ። ክልቲኡ በዓላት  ምስግጋር ሕዝቢ ኣምላኽ Transformation ካብ ባርነት ናብ ሓርነት እዩ ዘመልክት። ፋሲካ ዝብል ቃል ንመጀመርያ ደቂ እስራኤል ካብ መግዛእቲ ምርኮ ግብጻውያን ክወጹ ከለው፤ ገንሸል ሓሪዶም በዓሎም ድሕሪ ምብዓሎም ካብ ምርኮ ፎርኦን ከምዘምለጡ ካብቲ ቅዱስ ጽሑፍ ንማሃሮ ሓቂ እዩ። (ዘጻ 12)  ትንሣኤ ድማ መተካእታ ናይ ፋሲካ ስለ ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ገንሸል ፋሲካ ብምኻን ካብቲ ዝነበረ ድነ ሞትን ጸልማት ሕይወትን፡ መስዋእቲ ብምኻን ፍጹም ዝኾነ ሓርነት ክንረክብ ኣኽኣለና። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ከምዚ ይብሎ፡ “ገንሸል ፋሲካና ማለት ክርስቶስ ተሰዊኡ እዩ። ስለዚ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይመጸጸ እንጌራ በዓልና ነብዕል እምበር፡ በቲ ኣረጊት ኣታሓሳስባ እከይን ሕሰምን ኣይኹን” (1 ቆሮ 5፡ 7- 8 )።

 

እምበኣር በዓልና ክነብዕል ከሎና እዞም ኩሎም መገዲ ውድቀትን ዕንወትን ዝኾኑና ገዲፍና ብቅንዕና ትንሣኤ ናይ ሃገርና ንምድላይ ካብቲ ክርስቶስ ዝማሃረና ኣርባዕተ ዓበይቲ ነጥብታት ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጾም ክፍትን እየ።

 

እቲ ቀዳማይ ነጥቢ፡ ቅድሚ ምስቃሉ ዝነበረ ሕይወት እዩ። ንኹሉ ሰብ ብዘይ ኣፋላለይ ክምህሮም ከሎ ንርኢ። ኣይሁዳዊ፡ ግሪኻዊ ከይበለ፡ ጸሊም ጻዕዳ ከይፈላለየ ንኹሎም ብማዕረ ከም ዝጓሰዮም ነንብብ። ምኽንያቱ ብኹሉ ሩዱኣትን ቡሱላትን ክኾኑ፡ ካብቲ ዝነበሮም ናይ ኃጢኣት ውድቀትን ምርኮ ሮማውያንን ዘምልጥሉ ተስፋን መገድን ድማ የርእዮም ነበረ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝእትዎም ቅኑዕ መገዲ ጽድቂ የቅናዓሎምን፡ ከምኡ ድማ ክኢላ ናይ ሞራል መምህር ብምኻን ይዕጥቆምን የስንቆምን ነበረ።

 

እቲ ካላኣይ ንርእዮ ኣብ እዋን መስቀል’ዩ፤ ዋላካ ናይ መከራ እዋን እንተ ነበረ፡ ናይ ዕርቂ ጊዜ ድማ እዩ ነይሩ።  ኣብ ሞንጎ ሕዝብን ኣሕዛብን ከምኡ’ውን ኣብ ሞንጎ ኣይሁዳውያንን ሳምራውያንን ዝነበረ ምፍልላይ በዚ ማዓልቲ ብመስቀሉ ሓደ ገበሮም። ሎሚ’ውን ምዕርይቲ ሃገር ንምርኣይ፡ ካብቲ መራሒናን መምህርናን ዝኾነ ጎይታና ኢየሱስ ተኸቲልና፡ ዕርቂ ኣብ ሞንጎ ደገፍትን ተቛወምትን፡ ከምኡ’ውን ዕርቂ ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታትን ክንገብር፡ ናይ ኩላትና ደቂ ሃገር ሓላፍነት ክኸውን በዚ ኣጋጣሚ ምሕጽንታይ የቅርብ።

 

ኣብዚ ሥልሳይ መድረኽ ብትንሣኤ ዝተረኸበ ዓወት ኢና ነስተንትን፤ ኩሉ እቲ ፋሕ ፋሕ ኢሉ ዝነበረ ሞጓሰ ከም ዝኣከቦ ንርኢ። እቶም ፈሪሖም ዝተሓብኡ ደቀ መዛምርቱን ካሎኦት ሰዓብቱን ክርስቶስ ብኽብሪ ከም ዝተንሰእ ምስ ሰምዑ ተኣኪቦም እዮም። እቲ ምኽንያት ርዱእ እዩ፡ ኣብ ግዜ መከራ እቲ ሞጓሰ ፋሕ ፋሕ ከምዝብል ኣየማትእን እዩ። ንሕና’ውን ኣብ ግዜ መከራ፡ ንሽግርና ንምፍታሕ ኣብ ጣውላ ማኣዲ ዘተ ኮፍ ኢልና ናይ ምፍታሕ ጸጋ ስለ ዘይረኽብና፡ ናይ ምጥርናፍ ትንሣኤ ክንርኢ ተሓሪምና ኣሎ። ከምቲ ጻሓፊ ታሪኽ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ዝበሎ፡ ደቂ እስራኤል ካብ ምርኮ ሮማውያን ክናገፉ፡ ኩሎም ይደልዮ እካ እንተ ነበሩ፡ በቲ ዝነበሮም ምብትታን ኣብ ሞንጎኦም፡ ማለት ብዓልየት ብወገን ብሃይማኖት፡ ብኸመይ ተጠርኒፎም ከም ዝቃለሱ ይፈልጡ ኣይነበሩን ይብሎም። እምበኣር ሎሚ ነቲ ብሃረርታ ንጽበዮ ዘሎና ትንሣኤ ካብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ምርኮ ባቢሎናውያን ንምግልጋል እምበር፡ ትንሣኤ ክርስቶስ ንምርኣይ ኣይኮነን። ክርስቶስ ካብ ዝትንስእ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመታት ኣቁጺሩ ኣሎ። ካብ ኃጢኣትን ናይ ሃገርና ትንሣኤ ንምርኣይን ግን ናይ ኩላትና ትጽቢትን ናፍቆትን ኮይኑ ክርከብ ይግብኦ ይብል። ከምቲ ንደቂ እስራኤል መገዲ ዝጠፈኦም፡ እታ ናብ ሓድነትን ዓወትን እትወስድና መገዲ ስለ ዝጠፋኣትና። እዛ ብዙሕ ዕድል ናይ ትንሣኤ ዘለዋ ሃገርና፥ ካብ ምርኮ ባቢሎናውያን ክነጋላግላ ኣይከኣልናን። ናይዚ ውጽኢት ድማ፥ ሕዝብና ክሳብ ሎሚ ካብ ማእሰርትን ድኽነትን ስደትን ምፍልላይን ከምኡ’ውን ካብ ሕሱም መግዛእቲ ክናገፍ ኣይከኣለን።

 

ራባዓይን ናይ መወዳእታን፡ ብግዜ ትንሳኤ እቶም ክልተ ጸላእትና ሞትን ፍርሕን ብክርስቶስ ጎይታና ኣቢሎም ተሳዒሮም እዮም። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ “እቲ ጸላኢና ሞት ብዓወት ክርስቶስ ተዋሓጠ ይብሎ” (1 ቆሮ 15፡ 54)። ናይ ሃገርና ትንሣኤ ንምርኣይ፡ ኩላትና ዓቅምና ነበርክተሉ መድረኽ ክሳብ ዝኾነ ፍርሕን ኣንነትን ሻራን ስዒርና፡ ማኣዲ ዘተን መገዲ ዕቤትን ክነናዲ ናይ ኩላትና ደቂ ሃገር ዘየዋላውል ሓላፍነትና እዩ።

 

ምኽንያቱ ኣቲናዮ ዘሎና ምርኮ ናይ ባቢሎናውያንን ከቢድን ብዙሑን ምኻኑ ኣብ ልቢ ኩላትና ከም ተባላዓይ ሓዊ ዝነድድ ዘሎ እዩ። ሃገር ብምልእታ፡ ሕዝባን ባህርያዊ ጸጋታታን ኣብ ትሕቲ ምርኮ ባቢሎናውያን ተኣሲሩን ተቀይዱን ይርከብ ኣሎ። እታ ክልተ ወደባት ዝተዓደለት ሃገርና፡ ኣብ ከቢድ ምርኮ ስለ ትርከብ፡ ናይ ባሕሪ ንግዲ ተኣሲርዋ ወትሩ ካብ ሱዳን ብኮትርባንድ ዝብላዕ ይኹን ዝስተ፡ ነዳዲ፡ መድኃኔትን ካልእን ተፈሪዳ ትርከብ ኣላ። እምበኣር ካብዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ከቢድ ውድቀት ትንሣኤ ናይ ሃገርና ክንርኢ ልዑል ኣምላኽ ይደግፈና።

 

እዚ ጥራይውን ኣይኮነን እታ ጥንታዊትን ሃዋርያዊትን ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ’ውን እንተ ኾነት ኣብ ከቢድ ባርነታዊ ኣርዑት ናይ ባቢሎናውያን እያ ትርከብ ዘላ። መርኣያ ናይዚ ድማ ቤተ-ክርስትያና ተበቲና፡ ኣቦ ቤተ-ክርስቲያን ቅዱስ እንጠንዮስን ኣገልገልታ ካህናትን ንዓሰርተ ዓመታት ኣብ ሞቈሕ ይሕልፍዎ ኣለው። ቤተ-ክርስቲያና እምበኣር ሓቀኝ ትንሣኤ ክትርኢ ኣብ ከቢድ ናፍቆት እያ ትርከብ ዘላ ተበልናያ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ነቶም ዓመጽቲ መራሕቲ ከምዚ ይብሎም፡ “ኣቱም ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ እትግምሰሱ፡ ኣብ መንጸፍኩም ድማ እትጋደሙ፡ ካብ ሞጓሰ ኣባጊዕ ዕያውቲ፡ ካብ ደምበ ኣሓ’ውን ኣባትይ እትበልዑ ወይሎኹም፡ ኣቱም ከም ዳዊት መዝሙር እናደረስኩም ብናውቲ ሙዚቃ እትዝምሩ፡ ብደሃይ መሰንቆ ኸኣ እትደርፉ፡ ብገፊሕ ዋንጫ ነቢት እትሰትዩ፡ ብምዕናው ሃገር ግና ዘይትጉህዩ ወይሎኹም” ይብል (ኣሞጽ 6፡ 4- 6)።

 

ናይዚ ውጽኢት ድማ ሃገር ብምልእታ ኣብ ከቢድ ምርኮ ትርከብ ኣላ። እቲ ናብ ጎደና ምዕባለን መሰል ደቂ ሰባት ንምውሓስ ክመርሓ ተስፋ ተጌይርሉ ዝነበረ ሕጋዊ ሰነድ ማለት ቅዋም፡ ብወግዒ ከም ዝመተ ዝተኣወጀላ ሃገር እያ። እዚ ሎሚ ኩላትና ንቋዶሶ ዘሎና ማዓት ድማ ውጽኢት ናይዚ ዓቢ ውድቀትና ምኻኑ መብዝሕትና ንሳማማዓሉ ይመስለኒ። እምበኣር ናይ ሃገርና መሰረታዊ ትንሳኤ ክንርኢ እንተ ኾይና፡ ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ብኽብሪ ምስ ተንሰእ ኩሉ እቲ ፋሕ ፋሕ ኢሉ ዝነበረ ሞጓሰ ዝተጠርነፈ፡ ናይዚ ሕጋዊ ሰነድና (ቅዋም) ትንሣኤ ምእዋጅ ድማ፡ ኣብ ትሕቲ ጸጋ ኣምላኽ ክእክበናን ክጥርንፈናን ነታ ወትሩ ንብህጋ ሃገርና ትንሣኤ ክንርኢ ከኽእለና ምሉእ ዓቅሚ አለዎ።

 

ምኽንያቱ እታ ቀዳመይቲ ናብ ዕንወት ዝወሰደትና፡ ምቅባር ናይቲ ሕጋዊ ሰነድ ከም ዝኾነ፡ እታ ቀዳመይቲ ናብ ዓወት ተሳጋግረና ድማ ምእዋጅ ትንሣኤ ናይቲ ሕጋዊ ሰነድ ቅዋምና እዩ። ነታ መጻኢት ኤርትራ ብዘይ ቅዋም ንዝጥምትዋ ሰባት ንብዙሓት ሕቶ ክትፈጥረሎም ልሙድ ትዕዝብቲ’ዩ፡ ክትምዕብል ትኽእል ዶ? መን ክመርሓና? ሃይማኖቱ? ዓልየቱ? ጾታን ካሎኦትን ወዘተ,,,, እዮም። ናይዞም ኩሎም ፍርሓት መልሶም ድማ፡ ሃገርና ብሕግን ስርዓትን ክትማሓደር ምስ ጀመረት ምንጪ ናይ ኩሉ ዕረፍትናን ምዕባለናን ክትከውን ትስፍውቲ ሃገር እያ።

 

ኣምላኽ ካብ ኩሉ ግዝኣትን ጭኮናን ገዛእቲ ባቢሎናውያን ንላቀቀሉን ከምኡ’ውን ካብቶም ነዚ እዋን ብኸመይ ንሓልፎ ገዲፎም ብሕሉፍ ታሪኽ ክነብሩ ዝደልዩ ቂምን በቐልን ዝተመልኡ ምስተ-ጋላገልና። እዛ ሎሚ ኣብ ከቢድ ወጥርን ሽግርን ትርከብ ዘላ ሃገርና። ናይ ጽባሕ ብሩህ መጻእን ምዕባለን ክንርኤላ ርሑቅ ኣይክኸውንን እዩ። ሃገርና ራኢ ዘለዋ ሃገርን ቅድስቲ መሬት ድማ እያ። ነዚ ክውን ንምግባር ኩላትና ሕሉፍ ጌጋታትና ኣሪምና፡ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዘይስገር ኮይኑ ዝርኣየና ማለት ዘይምዑሩይ ምሕደራ፡ ምፍልላይ፡ ማእሰርቲ፡ ነውጺ ናይ ቁጦባ፡ ኮታ ንኹሉ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ብዘይ ምፍልላይ ክንሓልፎ ኣምላኽ ሞጎስ ይሃበና ይብል።

 

እዚ ሎሚ ንሓልፎ ዘሎና መከራ ጽባሕ ንግሆ፡ ብቐሊሉ ዜይንታለል ሕዝብን ኣብ ጉዳይ ሃገር ሸለልትነት ክነርኢ ከምዘይ-ግባኣና ጽቡቅ ጌይሩ ክምህረና ብዙሕ ተስፋ ኣሎኒ። እዛ ሎሚ ኃያልን ጥንቅቕትን ኮይና ዘላ ሃገረ-እስራኤል፡ እቲ ትማሊ ዝሓለፍዎ መሪር ባርነትን ስደትን ምብትታን ሎሚ ከይድገም ከቢድ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዘለዎም ምኽርን ማዕዳን ዘየድልዮም መምህራን ኮይኖም ኣለው። ንሕና’ውን ነዛ መድረኽ ምስ በጻሕናያ ጥንቁቓትን ሕፉራትን ክንከውን ዓቢ ትምህርቲ ኮይንና ኣሎ። ኣብቲ ኩላትና ንሕጎሰሉን ብሃገርና ንኾርዓሉን እዋን ክንበጽሕ ልዑል ኣምላኽ ይደግፈና ይብል።

 

ኣብ ስደትን ኣብ ውሽቲ ሃገርናን ንዘሎ መላእ ሕዝብና፡ እንካዕ ናብ ብርሃነ ትንሳኤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብጻሓና እንዳበልኩ። ኣብ ፈቀዶ ማእሰርትን ማሓዩርን ንዘለው ከምኡ’ውን ብሽፋን ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ፍጹም ባርነት ንዝርከቡ መንእሰያትና ብርሃን ትንሳኤ ናይ ሓዱሽ ሕይወት ክርእዮ ጸሎተይን ምንዮተይን እዩ።

ነቲ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። ኣሜን።

 

Minister of Religion Revd Yohannes Ghebrehiwet

Medhani-Alem Eritrean orthodox church

Manchester.

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde April 7, 2018

    ” እዛ ሎሚ ኃያልን ጥንቅቕትን ኮይና ዘላ ሃገረ-እስራኤል፡ እቲ ትማሊ ዝሓለፍዎ መሪር ባርነትን ስደትን ምብትታን ሎሚ ከይድገም ከቢድ ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዘለዎም ምኽርን ማዕዳን ዘየድልዮም መምህራን ኮይኖም ኣለው።” One wise man puts it this way, “In order a tea bag to give off its flavorful and soothing taste for the consumer to enjoy,it has to be scalded with hot water first..” sometimes that is what it takes for people to learn,to flourish,to come closer,and taste the succulent flavor of freedom and hold on to it tight.Haven’t we got burned enough,it is time!!

  • meretse April 8, 2018

    “እዚ ሎሚ ንሓልፎ ዘሎና መከራ ጽባሕ ንግሆ፡ ብቐሊሉ ዜይንታለል ሕዝብን ኣብ ጉዳይ ሃገር ሸለልትነት ክነርኢ ከምዘይ-ግባኣና ጽቡቅ ጌይሩ ክምህረና ብዙሕ ተስፋ ኣሎኒ።” ኣፍኩም ይስዓር። ስለ ተስፋ ካብ ኣልዓልኩም …………………. >

    “እንደገና ተስፋ”

    ኣብ በዓል ፋሲካ – ኣብ በዓል ዓረፋ
    እንደገና ንበል – እንደገና ተስፋ
    ጠፊኣ ኢለ ኔረ – ኣርሒቃ ለዊሃ
    ውሽጠይ ምስ መርመርኩ – ኣብ ነብሰይ ጸኒሓ
    መንፈሳዊት ተክሊ – ናይ ኣእምሮ እንጀራ
    ዘመን ተሰጋግር – ሓዚላ ሓንጊራ
    ዘይውዳእ እቶታ – ወትሩ እትፈሪ
    ተስፋ ኣላትና – ተክሊ ናይ ፈጣሪ
    ሓጋይ ምስ ክረምቲ – ኩሉ ግዜ ለምለም
    ሕርይቲ ብቝሊ’ያ – ካብ ፈልሲታት ዓለም
    ዘፈራ ንታሕቲ – ሰራውራን ላዕሊ
    ፍቅሪ እትምገብ – ናይ ዘመናት ብቍሊ
    ንኩሉ ‘ትኣክል – መንፈሳዊት ተክሊ”
    መኣዳ ክንቀምስ – ኣይንወድእ ዓቕሊ
    ድቁስ ተበራበር – ኣሎኩ ኢልካ ኣነ
    ርእስካ ኣይተድንን – ብዝሓልፍ ድነ
    ኣብ በዓል ፋሲካ – ኣብ በዓል ዓረፋ
    እንደገና ንበል – እንደገና ተስፋ
    ርሑስ ፋሲካ !

    • k.tewolde April 8, 2018

      meretse,on that beautiful note,I let you slaughter the lamb saying by the name of the Father,the Son and the Holy Ghost and lets feast.Amen!!

  • Wediselam April 13, 2018

    Very nice biblical teaching. I would like to comment on Last interview with three Eritrean intellectuals. They did very essential interview. But I have a little discomfort on Dr Gebre’s massage to Christians regarding Easter. He said happy Easter to all Christians specially to Orthodox followers. Very devastating remarks. In the first place I don’t expect this message from one educated person. Happy Easter to all Christians is enough since all of them celebrate it. Both Catholics and Orthodox remember it since the 40 days fasting to good Friday and Easter in the same way. He should apologize to the public.

    Regards Wediselam

Post a Reply to meretse Cancel Reply