Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትንሳኤ ምውታን። 2ይ ክፋል፡

10 መስከረመ 2015፡ እንኳዕ ንሓድሽ ዓመት ኣሰጋገረና!!! “ኦይ፡ ኣነስ ብኻ ኣብቲ በረኻ ተሪፈ። እዛ ኣደይ’ኳ ከመይ ዝበልዎ ብርኪ ሊሎ ወዲ ከምዘጥፍአት ምተሓበነት። ብመስዋእቲ በኹሪ ወዳ እምብዛ ምኾርዐት ብኣይ ብሓደ ከንቱ”። ዝብል ሓሳብ ሰዓረኒ። ጉድ ኢዩ! እንተዝደልዮስ “ስንኩላት

10 መስከረመ 2015፡

እንኳዕ ንሓድሽ ዓመት ኣሰጋገረና!!!

“ኦይ፡ ኣነስ ብኻ ኣብቲ በረኻ ተሪፈ። እዛ ኣደይ’ኳ ከመይ ዝበልዎ ብርኪ ሊሎ ወዲ ከምዘጥፍአት ምተሓበነት። ብመስዋእቲ በኹሪ ወዳ እምብዛ ምኾርዐት ብኣይ ብሓደ ከንቱ”። ዝብል ሓሳብ ሰዓረኒ። ጉድ ኢዩ! እንተዝደልዮስ “ስንኩላት ብጽጋብ ተ ፈንጪሖም፡ ክቱር ድማ ሓንቂቖም” ተባሂሉ ከምንጉሰጥ ፈሊጠ ክሃድመሉ እንተዝሓስብስ በየናይ ኣእጋር ኣሰጋጋር? ኣማስ ያኡ ግና እቲ ዘይከኣል ተኻኢሉ”።

ኢለ’የ ተሰናቢተካ ቀንየ። ሓቂ’ዩ ወላዲትካን ሃገርካን ፈጠርትኻ ብምዃነን ካብአን ከምዘይረሓቕ። እንኮላይ ካብ ሰበይትኻን መኣ ድኻን ክትምሕድግ ኣይከኣልን። ግናኸ ኣባናስ ኩሉ ተኻኢሉ። ዋላ’ቲ መገዲ ዕርብርቡ ዝተበገሰ ከይተረፈ ክኢልዎ። እሞከኣ ክ ሳብ ብጅምላን ብእግሪ ኣያዑቕባይን። መቸም ኣኻእሎ ይሃብካ’ ምበር ኣብቲ ዘዝኸድካዮ ስግር ስንኩል ምስ ስንኩል ብድንኩል ክዛበጥ ክትርኢ ኢኻ። …..”ሃገራዊ ስንክልና” ይብሉኻ ንሱ!!

ኣብቲ ንስኻ ዝወፈርካሉ’ዩ መስለኒ፡ መንግስቲ ነቶም ንኣሽቱ’ው ን ሓፊሱ ንሓላሉ ስለዝወሰዶም ወላዲተይ ኣነ ጨና ዝኾና’ዩ መ ሲልዋ ነይሩ። “ዘየተሓድር ኣየማሲ” ከምዝባሃል ናይቲ ተራኢኻ ዳግማይ ምስዋር ምስተወሰኾ ምጾታት ዝተኣወጀ ኴይኑ ተሰሚዕ ዋ ንሓዋሩ ንኼር ክገብሮ እናተማህለለት ኣዒንታ ክሳብ ዝነጡቃ ንወየን ዝተረፋአ ንብዓት ከተቃርረን ኮነ ዕድሎታ። ቅድሚ ትማ ሊ በኽያ፡ ትማሊ በኽያ፡ ሎሚ’ውን ትበኪ እንሀት። ጽባሕከ? ወረ ንሓዋሩ እንታይ ኢዩ ዝኽወኖ?

ዝተኾኖን ዝኾነቶን’ዶ ክነግረካ። ብደቃን ደቂ ደቃን ክትማሙቕ ዝነበራ ወላዲት ናብራ ኣሰኒፍዋ ብጽምዋ ምስተዋሕጠት ተ ደኒሳ ዓራት ሓዘት። እዝና’ውን ኣድጊሙ’ኳ እንተኾነ ቀንዲ ዝተሰነፈ ኣካላ ኣዒንታ ብምንባሩ ጐረባብቲ ንሕክምና ክወስዱዋ ፈቲኖም ኣብያቶም ደወሉለይን ኣነ’ውን ነቲ መኻልፍ ናይ ቴሌኮም ዕፍና ተጻዊረ ምስ ረኸብኩዋ፡ ንምንታይ ሕክምና ከምዘ ይትኸይድ ሓተትኩዋ’ሞ ከምዚ ዝስዕብ ክትብል ኣነ ፈጺመ ዘይሓሰብኩሉ መልሲ መለሰትለይ።

“ዋይ! ኣንታ ተስፉ ወደይ፡ (ተስፉ ናይ ሓለፋ መጸውዒየይ ኢዩ) እንታይ ክርእየሉ ኢለየ’ሞ ክሕከሞ? ኣብቲ ዓዲ ኩላህና ም ስተራኸብና ድማ ኩሉ ክነግረካ ኢየ” ኢላ ጥርቅም! እንኮላይ “እንታይ ክሰምዓሉ” እንተትውስኸሉኸ ‘ኣጸሊማትና’ዶ ምበሉዋ?

በቲ ተሌፎን ዝኾነቶ ክትነግረኒ ክትብል እንተነጊራቶም ኣደራዕ ከየብጹሑለይ ዝተሰከፈት ክትመስል ቆጢባቶ’ምበር ዝወረዳ ኣደራዕ መዓስ መወዳእታ ኣልይዎ። ኣደይ “ኣደ ከዳዕ፡ ኣደ መሳርሒ ወያነን ኣመሪካን” ትበሃል ከምዝነበረት መዓስ ጠፊእኒ! ‘ኣደ ከዳዕ’ ብምዃና ድማ ብመሰረት ሓያል ትእዛዝ የማነ ህበይ ካብ ኩሉ ማሕበራዊ መሰላት ክትእገድ ኢያ። ብመሰረት ው ቅዒት ቁጠባዊ እገዳ ቀዳመይቲ ወስታ “ማዕቐብ” ብምዃና፡ ኣደይ ኣደ ናይቲ ብወያነ ርዒዱ ዝተንበርከኸ ተሳዓሪ ካብ ኮነት ኩቦን ክትእገድ ኣለዋ። ኩቦን ጨወ- በርበረ፡ ኩቦን ዘይትን ላምባን። ስለኡ ወያ ኣደ ከዳዕ ክትነብዕ እምበር ክትበልዕ የብላን ። ኣብ ሓዳስ ዓመተ ወርሒ መስከረም ገዛና ክትጽልምት ክትድፈን፡ መጻኢና ውጡር ዘየቕስን ክኸውን ተፈሪዱ ኣሎ ። በዚ ዝቐበጸት ወላዲተይ ንብዓታ በቲ ናይ ተሌፎን ስልኪ ከምዝለሓዀ እናተራእየኒ ድማ ንርእሰይ ጨቀኹ። መቸም ወናም ነባ ዒ ኢየ ተቐይረላ። ምእንቲ ርእሱ ድሕሪ ናጽነት ዘብኪ’ምበር ዘስሕቕ ኣይተራእየን። ተኾርሚኻ ሞትየ ኣሳፊሕካ ሞትየ………

“ኣዴኻን ዓድኻን ዘይነጻጸላ ኢየን” ክትብል ብዛዕባ ዝሃብካዮ ሓቂ እንድየ፡ ንስኻ’ውን ከምቶም ቀዳሞት ድሮ ክልቲአን ስለ ዝሰኣንካየን “ናብ ቃልሲ ንንቀል ግን ኣቐዲምና ክንሰማማዕ ኣለና” ክትብል ዘቕረብካዮ ሓሳብ ንርእሱ ድሮ ዝመለስካዮ ይመ ስለኒ። ምኽንያቱ ከምቲ ንፍትሒ ክንድኡ ውድባት ከምዘየድልያ ዝገለጽካዮ፡ ከምቲ ንስኻ ብረት ሒዝካ እንተኣቲኻ ዝትኩ ሰልካ ከምዘየለ ዝገለጽካዮ፡ ንቃልሲ ድማ ክንድኡ ዕድመ ሓባራዊ ስምምዕ ዘድልዮ ኣይኮነን። ስምምዕ ኣብታ መኣዲ ቃልሲ ኢያ ትጸድቕ። ቃልስና’ኮ ብሓንቲ ጠበንጃን ውሑዳት ሰባትን ኢያ ተጀሚራ። ጥራይ በትሪ ንሓይለ-መንግስቲ ከምዘጽንዕ ዘ ይምርሳዕ። ሎሚ መንእሰይ ዓቕሉ ጸቢብዎ እናሃለወ ንምድረ-በዳ ዝስንጥቕ’ምበር ኣብ ምድረ-ገነቱ ‘ዝሽፍት’ ተሳኢኑ?

ዝኾነ ከኣ ይኹን፡ ከም ናይዚ እዋን ‘ተመራጺ’ ንዝበሃል ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ከነካይድ፡ ስምምዕ ከም መጥመሪ ማእዶ እን ተወሲድናዮ መዓስ ምተጸልአ። ግናኸ ከይንጥመር ዝገብሩና ዘሎ ዘይስምምዕና ምዃኑ እንተፈሊጥና ንፍትሒ ዘይንሰማማዓ ሉ ምኽንያት ትርፎ ናይ ባዕልና ስንፈት እቶም “ሰይጣውንቲ” ዝበልካዮም ኣርባዕተ-ሓሙሽተ ሰባት መዓስ ኮይኖም። ቅድም ቀዳድም ንሳቶም ሰይጣን ናይ ምዃን ብቕዓት የብሎምን። ምኽንያቱ ሰይጣን ድኣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰይጣናዊት ዓለም ዝ ነብር’ምበር መዓስ ጽጋዕተኛ። “ወዲ ኣይተ!” ኢሉ’ዩ’ኮ ዝፍክር። ኣይተ መን? ኢልካ ምስትሓቶ ንሱ መልሲ ኣለዎ። ናይ ንሳቶ ም ግና፡ ናይ ናታቶምሲ ግደፈኒ ጥራይ!

ኣብ ሞንጎ ሃገርናን ኢቲዮጲያን ዘሎ ፍልልይ ብርግጽ መርኣያ ኢሳይያስን መለስን ከምዝኾነ ድሮ ተራእይካ ኣሎ። ክቑንጭሎ ፡ ገዛእትና ናይቲ ዝኣመኑሉ ፖለቲካ መጋበርያ ብምዃኖም ብቕልውላዉ ዝተበልዑ ዘይሩጉኣትን፡ ብተፈጥሮኦም’ውን ክፉኣት ትን ብምዃኖም ክንዲ’ቲ ብዓልራኢ መለስ ክንሓስቦም የብልናን። ጥራይ እቲ ከም ጸገም ንብሎ ዘይስምምዕ ንርእሱ ምኽንያ ት ከም ዘይኮነ ንፍለጥ። ከመይሲ ንፍትሒ ብዝጠዓመካ ናይ መጠርነፊ መልክዕ ተኣኻኺብካ ኢኻ ትጓየየላ። ኣብ ሃገራዊ ጽ ላል ድማ ተጽልል። ንበል ቀዳሞት መራሕቲ ከምዚ ሎሚ ፖለቲካና ክምስራሕ ከይተጀመረ ሽዑ’ሞ እቶም ኣመንቲ እስልም ና መራሕትና ዝነበሩ “ኣልራቢጣ ኣልእስላሚያ” ብዝብል ውዳበ ህዝቦም ጠርኒፎም ኢዮም ሃገራዊ ሓድነት ከምዝሰርጽ ዝገበ ሩ። ሎሚ ገለ ‘ለባማት’ ፖለቶከኛታት ደቂ ክርስትያን ይብሉ፡ “እዞም ደቆ መታሕት ካብ ሃገረ- ኤርትራ ተነጺሎም ምስ ሱዳ ን እንተዘይተጸንቢሮም ከምዘይድቁሱ” ክጉስጉሱና እስምዑ። ኩሉ ንግደፎ፡ ንርኢቶይ ብርኢቶኻ ንምድባሳ ግዳ ጥራይ ንቃለ ስ’ምበር ኩሉ ንግዜ ንግደፎ። ግዜ መቸም ዓቢ ዳኛ ኢዩ። ግዜ እንተደልዩ ይሸመካ እንተደልዩ ይቕንጥጠካ፡ እንተደልዩ ንኢ ሳይያስ ከም ወዲ ማህጸን ማርያም፡ ከምኣምላኽ ሰማይ ይሰቕሎ እንተደልዩ ከም ፍጥረት ሰይጣን ይቕንጽሎ፡ ወይ’ውን ከም ዕሱብን ከዳዕን እናኣናሸወ ከምዘሰራጥዮ ንርእዮ ዘለና’ዩ’ሞ ሃገርና ጽባሕ ከምዝወግሓላ ግዳ ምሳኻ ረጊጸ ኣለኹ።

“መዓት ወረ”  ምስ ዘየምካ “ሓሚሙዶ ገለዶ”… ብዙሕ ከምተዘርበ ገሊጽካ። ካብታ ሃገር ብምውጻእካ ድማ ብ”ስግረ-ዶብ” ከምትኽሰስ ጠቒስካ። ንስኻ ግና ክፉእ ርኢኻስ ልብኻ ብምንዳዱ፡ ብምቑሳሉ’ምበር ጸገም ከምዘይነበረካ ኢኻ ትፈልጥ።

ወይ ኣጋጣሚ! ቀዳማይ ተጋዳላይሲ ዘይ ከምኣ ኢያ ኣጓኒፋቶ። መንካዕ የሚን ካልእን እናተባህለ ዝተረፍተተ ሰብኮ ምንም ኣ በሳ ከምዘይነበሮ ካብቲ ሃብታም ተመኩሮይ እፈልጦ ኢየ። እንተነበሮኸ መፍትሒኡ ከመይ ክኸውን ነይርዎ? ሽዑ ዝተራእየ ግና “ዝንቡል!” ተባሂሉ ናብቲ ከምዘስካሕክሕ ዝገለጽካዮ ቤት-ማእሰርቲ ምስተሰንደወ ባቃ! ከምገለ እንተወጸ ድማ ከም እን ስሳ መሸጣ ፍሉይ ሕላገት ተገይርሉ ተረሚሱ ይጠፍእ። እንተዘይሞተ’ውን ‘ውሕሉል’ መወገኒ ብልሓት ነይሩ። ንዝረኸቦ ኣ ጋጣሚ ዝተጠቕመሉ ግና እንኮላይ ስግረ-ዶቡ ይሽሕሻሕ ብምንባሩ ንስኻ’ውን ከምሰብካ’ምበር ነብስኻ ገበነኛ ኣይትግበራ።

ዝብሎ ዘለኹዶ ትርዳኣኒ ኣለኻ ሓቀይ። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ባጽዕ ብዝኽሪ ፈንቅል ዝነበረ ‘ጽላለ’ ዝበልካዮ ፋም ጣጥ ድማ ገለ ክ ብል። ተግባራት ናይ እኒ ኢሳይያስን የማነ ህበይን እንዲኻ ኣዘኻኺርካኒ፡ ሽዑ እሳይያስ ከምሓደ መንእሰይ ጥራይ ዘይኮነስ እ ንኮላይ ከም ጀግና ክፈናጣሕ ርኢኻዮ። ንሱ ጥብቆኡ ኣውጺኡ ክብርጠጥ እንከሎ ድማ ንስኻ ንዒቕካዮ። ምናዳ’ቲ ዘሰራስሮ ዝነበረ እንተትፈልጥ ምሒር ምዓጀበካ ነይሩ። ኢሳይያስ ብፍላይ ቁሩብ ምስ መዓጐ ከምቶም “እንስሳታት” ዝሰመኻዮም ናብ እንስሳ ኢዩ ዝቕየር። በታ እዋን ኣሸበሸብ ንዝጥርጥሮ ሰብ እንተርእይዎ ሞት ክብይነሉ ይኽእል። ኢዱ ጣውላ እናዘበጠ “ክን ርአአ ኢና” ክብል እንከሎ ጉጅለ መጸባበቒት ንወያነ ዝፍክረላ ዘሎ ከተምስሎ ትህርደግ። ንሱ ግን ምናዳ ተኣኪቡ ንዝራአዮ ኤርትራዊ “ኣጽንቶ” ኢዩ ዝመጾ። ንሱ ዘዝፈለጡ ኣሳለጥቲ ኣባላት ሕብእቲ ሰልፊ ከምቲ ዝራአኻዮ እንተረሲኑ ጥራይ ስቕ ይ በለሎምን ይተሓጎሰሎምን’ምበር ዋላ ኣንስቲ ሓዳር ይኹና ንኩለን ክቕርቡሉስ እንታይ የጸግሞም። ከምቲ ዝበልካዮ ድማ መ ንእሰያት ናይቶም ዘሸገሩኹም ንኣሽቱ ህግደፍ ስለዘለዉኦም፡ ኣብ ቦታ መንእሰያት ንዝወረደ ኣቦሓጎ ክንዲዝድላዩ ቆናጁ ህጻና ት ከምዝፍድሉዎ ተፈሊጥዎ ይፈናጣሕ ከምዝነበረ ብግልጺ እብሎ ኣለኹ። “ካብ ዓሰርተው ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ምውላዱ’ኳ ክውሕዶ! ወያ ጉጅለ መመላኽዒት ናይታ ሕብእቲ ሰልፊ ድማ “ፕረሲደንትስ ሰብ እንድዩ፡ ንሱ’ውን’ኮ ምዝንጋ ዕ ይግብኦ ኢዩ” እናበለት ነቲ ግስርጥና ከተመላኽዕ እንከላ፡ ጉጅለ ሓለዋ’ውን ሱር ደማ ክሳብ ዝግተር ብስራሕ ተወጢራ ከ ምዘላ ዝተኣማመነ ኢሳይያስ ከም ነብሱ ዘየተዓባቢ ወጆሃላይ (ማሺ’) ከም ካብ ዝኾነ ጸላኢ ድምብርጽ ዘይብሎ፡ ከም ጅግ ና፡ ክፈናጣሕ ኢኻ ርኢኻዮ። ጉጅለ 03’ውን ኢሳይያስ ብዘይመስተን ሓለዋን ደፊሩ ከምዝንቀሳቐስ ከተምስል ኢያ ተዳሩን።

በቲ እዋን’ቲ ወዮ መከረኛ ህዝቢ ባጽዕ ኣብ ከመይ ጸቢብ ኩነት ከምዝነበረ እንተትፈልጥ ማለት እቲ ወዲ መሬት ካብቲ ገዛ እ ባሕሩ ዓሳ ሕፍስ ኣቢሉ ከይበልዕ ከልኪልዎስ፡ ዓሳ ተሓሪሙ ከምዝነበረ እንተትሰምዕ ጨራሽ ኣዒንትካ’ውን ኣይምኣበድ ካየንን። ህዝቢ ባጽዕ ስለምንታይ ዓሳ ከይገፍፍ ከምተኸልከለዶ ክነግረካ ኪሮስ። ዝተኸልከለሉ ምኽንያት ልክዕ ከምቲ ካልእ ሃብቱ ከይጥቀም ዝተኸልከለ ጥራይ ኮይኑ ከይስመዓካ እንድየ፡ ሓቁ ንምፍላጥ ዝኣክልሲ ኢሳይያስ ቤተ-መንግስቱ ንባጽዕ ቀ ይርዎ ከምዝነበረ መቸም ትፈልጥ ኢኻ። እሞ እቶም ደቂ ባጽዕ ከምዝኣምኖም’ኳ እንተገለጸ ኣሽበሸብ ገለ ‘ቀንጠባጥቦታትን ናይ ባዕዲ ዕሱባትን ከይርከቡ’ሞ ገፈፍቲ ተመሲሎም ብውሽጢ ባሕሪ ኣትዮም ከይጎምድዎ ፈሪሁ ኢዩ ምግፋፍ ዓሳ ዝኸልኦ ም። ኣሸበሸብ ድማ ከምቶም ኣብ ደሴታት ከምተረኽቡ ዝውረየሎም ወጻእተኛታት ዓለማውያን ሓለዋ ባሕሪ ዝተባህሉ ሰን ጢቖም ከይድርገምዎ፡ ኣሸበሸብ ንሂወቱ ዝጻባእ እንተተረኽበ ከምቲ ኣብ ሳሕል እሳት ዝኾነ ውግእ ክእጐድ ኣዚዙ ንወጻኢ ዝጭለጥ ዝነበረ፡ ኣብ ባጽዕ’ውን ኣሸበሸብ ሓደጋ እንተኣንጸላልይዎስ ቅልጥፍ ኢሉ ምእንቲ ክብቆጽ መዓርፎ ዓበይቲ ነፈርቲ ከይተረፈ ከምዘስርሐ ትዝክሮ ትኸውን። ውሕስነት ምስ ሰኣነላ ከኣ ብምስራሕ ሓጽቢ ኣመኽንዩ ንከበሳኡ፡ (ዓዲ ሃሎኡ) ከ ምተደርገመ ንርኢ እነና።

“ኣብኣኸ እንታይ ሒዝላ” ዶ ኢልካኒ ሓቀይ። ነታ ነብሱ የዐሽዋ’ምበር ምንም ዝሓዘላ የብሉን። ገና ከምቲ ናይ ቃዛፊ ናይ ት ሕቲ መሬት ህንጻታት፡ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ዝመላለሳ ናይ ታሕቲ ተሽከርከርትን ወዘተን’ውን ከስርሕ ኢዩ። እንተኾነስ ንሱ ድ ማ ብከበድቲ ጠበናጁ ስለዝድርዓም፡ ናብ ዘይጥርጠር ዝመስሎ መሓብኦ ከምርሕ ኢዩ ኣቶ ኢሳይያስ። አእ መወዳእታኡ ከ ም ናይ ካስትሮ ወይ ናይ ማኦ ኮነ ስታሊን ክብረት ካብዘይሃለወ፡ ከም ናይ ሂትለር፡ ከም ናይ ሮመል ነብስኻ ዘቕዝፍ ድፍረ ት ካብዘይሃለወ፡ ናብ ዘብሎ የብሉን ኮይኑስ ከምታ ናይ ሳዳምዶ ወይ ናይ ቃዛፊ ኢያ ትራኣዮ። ብከምኡ እንድዩ ድኣ ክሳብ ህዝቢ ኣኪቡ ክምድር እንከሎ ብዝኾነ ሓሸሽታ ንፋስ ክብርግግ ዝርአ።

ኢሳይያስን ፍርህን መዋዕልቲ መተሓድርቲ፡ መፋጥርቲ መቃብርቲ!‘ ፈራህ ኣይሓዝካ። ተባዕ ሃዳኒ ብጎረሮ ዓትዒቱ ጎብለላዊ ኣቃትላ ይቐትል። ፈራህ ግና ብድሕሪት፡ እሞድማ ከብዲ ቀዲዱ። ንየው በልዎ ንቦጅባጅ ሃዳኒ !! “ዓሽ ድዩ ወዲ ብሪ ከም መለስ መስጣ ህዝቡ ዝብጆ”!!!….. ዝብሉ ድማ ኣለዉ። ጠላም ብጻዩ ረቢ ሻባዩ! ዶ መሊስኩም። ኣማስያኡ ኸድኣ እንታ’ዩ ዝ ኽወኖ? ዝኽወኖዶ፡ “እዋይ ነበር ምዃን ክሓስም፡ ሓፍ ኮፍ ትብል ኔርካስ ድሓር ክርትም” ስዉእ ድምጻዊ ዑቕባጋብር………..

ብዛዕባ የማነ ህበይ ብምጥቃስካ “ዘይምፍላጥ ሕሱም፡ እንኮላይ ጥዑም” ኢለካ ነይረ። ሕጂ’ውን ብዛዕባኡ ብዙሕ ዘይምባል ይበልጽ። ቁሩብ ክበሃል ግርም እንተኾይኑ ግዳ፡ ስልኳ ናይ 03 እንተዘይኮይኑ የማነ ፍሻለ መኪና ሙሉእ መጻሕፍቲ ሒዙ ከምተጋደለን ክገላብጦ ይሓድር ከምዝነበረን ተወርዩ ነበረ። እታ ጭብጥቲ ዕዮኡ ጋዜጠኛነት ነበረት። ድሕሪ ምዝላቕ ሶቬት ኣብ ጉዳይና ብዝገበረቶ ምትእትታው ተጋዳላይ ክኹንና እናደለየ ክቡር መራሒና ያኢ ብዝነበሮ ማሕበርነታዊ እምነት፡ ናይ ፖሊሲ’ምበር መትከላዊ ጌጋ ከምዘይኮነ ኣምሲሉ (ንኣመሪካ ባህ ከይብላ) ንሶቬት ምኹናን ስለዝኣበየ፡ ይሙን ድማ ምስ ኢ ሳይያስ ብዝነበሮ ሓባራዊ ኣናብባ ክኹንና እናደለየ ግንድማ መርገጺ ውድቡ ከምዝድግፍ ብምግላጹ ነቲ ስዉር መገዲ ስልጣ ኑ ከምዝጸረገ እትንተን። ከመይ’ሉ ናብቲ 2ይ ጉባኤ ከምተጸንበረን ኣብኡ ዝተዋህቦ እምነትን ክርአ ቅድሚ ምስላፉ ገለ ምስ ጡር ነገር ከምዝነበሮ’ምበር ናይ ኣጋጣሚ ዘይመሰሎም ተጋደልቲ ዝተዛረብዎ ዘረባ ከምዝነበረ’ውን እዝከረኒ። ኣብ 1994፡ 3ይ ጉባኤኦም ክገብሩ እንከለዉ ድማ የማነ ፍሻለ ከም ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳይት ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረሲደንትን ኮይኑ ተሸ መ። እንተኾነስ ካብኡ ዝዓቢ ዘይተኣወጀ ስልጣን ድማ ነይርዎ። ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት፡ እንኮላይ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ቅነ ኣብ መርበብ ኣሰና ዝተኻየደ ቃለ-መሕትት ናይ ኣብ ሓለዋ ላዕለዎት ሓለፍቲ ነበር እሱራት ዝነበረ ተጋ ዳላይ ምኪኤል ኣርኣያ ክገልጽ እንከሎ፡ ንሱ “ክንላዘብ ንዑናይ” እናበለ ኣዘንጊዑ ከምዘእሰሮም ሰሚዕካ ትኸውን። መቸም ኣብ ሓደ እዋንሲ እቲ ድራማ ኣሰርቲ፡ ተኣሰርትን ሓለዋን ዓጃይብ ኢዩ ዝነበረ። ከመይሲ ሃንደበት ይመስለና’ምበር ’ዞም ግዳ ያት ከምዝእሰሩ እናፈለጡ’ዮም ዘይሃደሙን ዘይተነዓዓቡን። ዋላ’ዃ የማነን መንግስቱን ‘ረቂቕ’ ናይ ክድዓት ምቅርራብ እንተ ገበሩሉ ክምስጠር’ሞ ኣይተኻእለን። ዝኾነ ኮይኑ ተሓተትቲ ብኾፎም ሓለዋ ነበር ነብሱ ገበነኛ ክገብራ ከምኡ ምእማኑ ኪኖ ግቡእ ነብሰ-እርማት፡ ብገበን ዘሕትት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ወዮ ምስ ኣባጊዕ ዝተጸንበረ ኣቶ የማነ ተኹላ “ብጾትና ኢዮም ል ዕሌና ዝሓልየሎም የለን” ኢሉ ከምዘይመደረ ንዐዖም ኣጥፊኡ ንርእሱ ንጉሆ ንጉሆ ክሰብሕ ይርአ ኣሎ። ነቶም ብ’ሰፋር ሓር ጭ’ ዝመሰልዎ ናይ ውሽጢ ከተማን በረኻን ጀነራላት ተጋደልቲ’ውን ኣብ ዕርድታት ማህሚመት ንዝገደፍዎም ስዉኣት ብጾ ቶም ክበጽሑን ዝኽሮም ከሐድሱን እናኸዱ ብውዲት ድብያ ስርዓት የማነ ህበይ ኣብ ሓንቲ ንጉሆን ኣብ ሓንቲ መኪናን ከ ምዝተቛሕሙ ስለዝተራእየ እንታይ ፍሉይ ዝተጻሕፈ መርትዖ ኣድልይዎ?

ንነገሩ ኢየ ዝብለካ ተጋዳላይ ኪሮስ ኣስፋሃ፡ እምበር የማነ ፍሻለድኣ ነቶም ኣርካናት መራሕቲ ኪኖ ሞራላውን ፖለቲካውን ሕልና ኣብ እግሪ ደብረ-ቢዘን ክሕይሮም ዘይተሰከፈስ ከመይቢሉ ኣብ እምባታትን ስንጭሮታትን ንዝግበር ዝነበረ ክስከፈሉ ን ሓላፍነት ክስምዖን? ስርሒት የማነ በዚ ኣይውዳእን። ትማሊ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ’ዩ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት እቲ ሕሉፍ ጥልመት፡ ቅትለትን ሓሶትን ውሒድዎስ፡ ዘይድሩት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዘየለ ኣምሲሉ ክሒዱን፡ ቅዋም ከም ዘለና ኣምሲሉ ሓስዩን ከይኣኽሎ ስደትናን እቶም ኣብ ባሕሪ ዝጥሕሉ ዘለዉ መንእሰያትናን ውሒዶሞ “ካብ ባሕሪ ብማንካ” ክብል ንጥፍኣትና ኣቃሊሉን። ….. እዛ ጉዋ ጉዋ’ያ፡ ‘ዛ ምድሪ ድማ መስያ’ያ! መንእሰያ ዝበርስ ዘሎ ሃገርከ ናበይ ገጻ?

ሓቅኻ ኪሮስ “እዚኦም ድኣ እዚኦም እንድዮም ብህዝቢ እንታይ ክግደሱ” ንዝበልካዮ “እዚኦም ጉጅለ’ዚኦም ሰብ ኣይኮኑን። ሕሱራት ኢዮም፡ ሰባት ኣይኮኑን፡ ሰይጣውንቲ ኢዮም፡ ዘይድንግጹ ሰባት ኢዮም፡ ንህዝቦም ከምኡ ገይሮም ዝራስዩ፡ ንህዝቦ ም ከምኡ ገይሮም ዘህልቑ፡ ንሃገሮም ከምኡ ገይሮም ዘዕንዉ ብምዃኖም ሰባት ኣይኮኑን። ንጥፍኣት’ዮም ተዓጢቖም”። “ብዘይካ ዕሱባትሲ ሃገራውያን ሰብስረ’ውን ኣይኮኑን” እንተትብል ድማ ኣይተጋገኻን! መፍትሒኡኸ? ……….ንብዓት?…………

ዓወት ነቲ ነባዕን ተባዕን ህዝቢ ኤርትራ!                                                                                          ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትናን ነታ ብድርብ ትበዓል ባሕቲ መስከረምን!

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT