Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትኪ ኣብ ጀነቫ መጋርያ ኣብ ኤርትራ

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ንንብዓትን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ ዕሽሽ ብምባል ቃሕ ዝበሎ ክፍጽም ከምዝጸንሐን፡ ብሰንኩ፡ ኤርትራ መንግስቲ ኣልቦ ኮይና ውሑዳትን ዓመጽትን ዝዕንድሩላ ዝበዝሐ ህዝቢ ድማ ኣፉ ተዓቢሱ ክነብር ወይ ናብ ስደት ከምርሕ ተገዲዱ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ንንብዓትን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ ዕሽሽ ብምባል ቃሕ ዝበሎ ክፍጽም ከምዝጸንሐን፡ ብሰንኩ፡ ኤርትራ መንግስቲ ኣልቦ ኮይና ውሑዳትን ዓመጽትን ዝዕንድሩላ ዝበዝሐ ህዝቢ ድማ ኣፉ ተዓቢሱ ክነብር ወይ ናብ ስደት ከምርሕ ተገዲዱ። ስርዓት ኢሳያስ እታ ዘይትምሕር መሾንቆቛ ገመድ ኣብ ክሳዱ ምስኣተወት፡ ነቲ ብኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊኡን ስዓብቱን ዝቀረበ ክሲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምድካይን መደባት ልምዓቱ ንምትዕንቃፍን ዝፍጸም ዘሎ ተንኮል ከምዝኾነ ብዙሕ ይልፍልፍን ብህዝቢ ኤርትራ ተቆርቋሪ ንምምሳልን ዘመተ የካይድ ኣሎ። ብዘየውላውል፡ እዚ ብኣህጉራዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝቀረበ ጸብጻብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ህዝቢ ኤርትራ ተሰካሚ ኩሉ ሰብኣዊ ምግሃስን፡ ሕሰምን ምዕፋንን ስለዝኾነ ብቀጥታ ይምልከቶ ኢዩ። ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣውያት ህዝቢ ኤርትራ ሰሚዑ ነቶም በደልቲ ኣብ ፍርዲ ክቀርቡ ኣለዎም ኢሉ ምውሳኑ ድማ፡ ስጉምቲ ማሕበረ ሰብ ዓለም ሞራላዊ ግዴታ እምበር በደል ኣይኮነን። ብርግጽ ንሕና ኤርትራውያን ጉዳይና ባዕልና ክንፈትሖን ንገፋዕቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ክንፈርዶም ስለዘይክኣልና፡ ማሕበረሰብ ዓለም ጣልቃ ክእቱ ክኢሉ። ግዳማዊ ምትእትታው ግን ወትሩ ምስ ጸገማቱ ስለዝመጽእን ሕማቅ ኣሰር ገዲፉ ስለዝኸይድን፡ ናይ መወዳእታ ፈታሒ ጉዳይና ኣይኮነን። እታ ሰላምን ማዕርነትን ሓሪምዋ ዘሎ ሃገርና ዋናታታን ተጣበቅታን ንሕና ኤርትራውያን ጥራሕ ኢና።

ኣብ ጀነቫ፡ እምቢ ንዓመጽ ዝብፉ ደለይቲ ፍትሒ በቲ ሓደ፡ ልሳን ህግደፍ ኮይኖም እንተ ብፍላጥ እንተ ብጠቅሚ ዝተገርዙ “ዓለም ይዘርየና ኣሎ ኣብ ኤርትራ ገበን ኣይተፈጸመን” ዝብሉ ድማ በቲ ሓደ ወገን ክልተ ተጻራሪ ዕላማ ዝነበሮ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ውሳነ ኣህጉራዊ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት ፍረ ይሃብ ኣይሃብ ብዘየገድስ፡ እቲ ኣብ ጀነቫ፡ እስራኤል፡ ኢትዮጵያን ካልእ ቦታታትን ዝተራእየ ሰላማዊ ሰልፍታት ዘረጋገጾ ቀንዲ ቁምነገር፡ ህዝቢ ኤርትራ እንተሰሚሩን እንተጸኒዑን ወናኒ ዕድሉ ከምዝኸውንን ወድቀት ስርዓት ህግደፍ ርሑቅ ከምዘይኮነን’ዩ። ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐን ገና ዝቅጽል ዘሎን ገበናት፡ ናይ ዝኾነ ወገን መስካሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ; ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ ድማ ብዘይ ውዓል ሕደር ክሕግሐግን ኣብ ቦታኡ ህዝባዊ ስርዓት ክትከልን እንኮ ምርጫ’ዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ብምህልላን ጸሎትን ክእለ ከምዘይክእል ፍሉጥ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፍጠር ተቃውሞ ንምድቋስ፡ “ብግዳም ተወረርካ ወይ ብኸድዓት ጠፋእካ፡” ኢሉ ንኤርትራዊ ዜጋ ብረት ብምዕጣቅ መዝሓል ጥይት ክገብሮ ድሕር ከምዘይብል ድማ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ ነቲ ህግደፍ ንምፍልላይና ዝጥቀመሉ ዘሎ ኩሉ ሜላታት ክንነቅሓሉን ክንብድሆን ኣሎና። ህግደፍ ኣብ ስልጣን ንኽቅጽል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቱን ጸገማቱን ኣድህቦ ከይገብር ኣብ ባይታ ዘየለ ኩነት ክፈጥር ኣለዎ። ህግደፍ እዚ ንዓመታት ሓንሳብ “ዶብና ኣይትሓንጸጸን፡ ዓለም ትዘርየና ኣላ” እናበለ ቅዋማዊ መንግስቲ ንኸይትከልን ስልጣኑ ንህዝቢ ከየረክብን ዘቅርቦ ምስምስ ድማ ገለ ኣብነት’ዩ።

 ህግደፍ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብእከይ ተግባራቱ ምስተዋጠረን ምስልይነቱ ምስተፈልጠን፡ ናይ ሓሶት ጽገናዊ ለውጥታት ከተኣታቱን ስልጣኑ ከናውሕን ይህቅን ኣሎ። ኩሉ ፈተነታትን መደባትን ህግደፍ ግን ብዘይካ ቃላት ምቅይያር፡ ንህሉው ጸገማትን ሃንቀውታን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈትሕ ኣይኮነን። ዋጋ ዕዳጋ ዘይብሉን መሰረታዊ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራን፡ እቲ ብኢደ-ዋኒኑ ኣብ ስልጣን ደይቡ ህዝብና ዘንብዕ ዘሎ ውልቀመላኺ ሰርዓት ህግደፍ፡ ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዝውክሎ ስርዓት ክመርጽን ኣብ ጉዳዩ ዋና ተዋሳኢ ክኸውንን ኣለዎ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ህግደፍ ደረትን ስልጣንን ዝቅልስ ቅዋም ተሓሲሙ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣሽሓት ዜጋታት ኣሲሩ ኣናኣሳቀየን ኩሉ ዕድላት ሓሪሙን እንከሎ፡ ኣብ ጓል-መንገዲ እንተለፍለፈ ትርጉም ስለዘይብሉ፡ ኤርትራዊ መሰረታዊ መሰላቱን ጠላባቱን ክሳብ ዝፍታሕን ብሽሕጣን ህግደፍ ከይተሃመለን፡ ጽባሕ ዘይኮነ ድማ ሎሚ ቃልሱ ኣወሃሂዱ ሃገሩ ከድሕንን ንመሳላቱ ክጣበቅን ይሕተት ኣሎ። ህግደፍ ስጋና በሊዑ፡ ደምና ሰትዮ፡ መንነትና ክሒዱን ንብረትና ኣዕንዩን ክስውድን ክቅጽልን ዕድል ክንህቦ የብልናን። ኣብ ውራይናን ህይወትናን ጓኖት ክንከውን፡ ካብታ ምስረብሓኣ ትጓዓዝ ዓለም ማና ክንረክብን ክንጽበ የብልናን። እቲ ኣብ ጀነቫ ክተክኽ ጀሚሩ ዘሎ ትኪ ድማ ኣብ ኤርትራ ናብ መጋርያ ሓዊ ተቀይሩ ንስርዓት ህግደፍ ከቃጽል ኣለዎ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (5 ሰነ 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Tekle Haile July 6, 2016

    ጽላል ነታ ጉዳይ ጽቡቕ ጌርካ ኣነጺርካያ ስለዘለኻ ብዙሓት ኤርትራውያን ነቲ ጉዳይ ህግደፍ መንደፍ ተረዲኦሞ ኣለዉ። ፡ ስለዚ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ኣብ ዘዘለናዮ ሃገራት ተጠርኒፍና ዘይተጫማለቑ፡ ገበን ዘይፈጸሙ ኤርትራውያን ብምንዳይ ግዝያዊ መራሕትና ክነናዲ ኣለና ። ዝሓሸ ምስቲ ስርዓት ርክብ ዘይነበሮም፡ እንተኾነ ድማ ሰብ ሕልና ሃገራውያን ኤርትራውያን። ቁሩቁስ ንስልጣን ሕጂ ኣየድልየናን ፡ ሕጂ ዘዋጽኣናህዝብን ሃገርን ካብ መንጋጋ ህግደፍ ከመይ ጌርና ነድሕን እዩ እቲ ሕቶ ።

  • BERIE July 8, 2016

    ትደልዮኦ እሞ ይዝንገዓክን፡
    ጥራይ ውራይ ሕልምኽን ኣይትረስዓ፡

POST A COMMENT