Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትውልዲ ሃገረይ ከም’ዛ ናይ ዑቕባ ሃገረይ እንተትኾነለይ!

ዓባይ ብሪጣንያ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ምዃና ትቐጽል ዶ ወይስ ኣባልነታ ትስሓብ ዝብል ዓቢ ሕቶ ንምምላስ ብ23 ሰነ 2016 ረፈረንደም ተኻይዱ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ሃገሩ ኣባልነታ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክትስሕብ፣ ንገዛእ ነብሱን ንዓለምን ብዘሰንበደ ሃንደበትነት ካብ

ዓባይ ብሪጣንያ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ምዃና ትቐጽል ዶ ወይስ ኣባልነታ ትስሓብ ዝብል ዓቢ ሕቶ ንምምላስ ብ23 ሰነ 2016 ረፈረንደም ተኻይዱ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ ሃገሩ ኣባልነታ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክትስሕብ፣ ንገዛእ ነብሱን ንዓለምን ብዘሰንበደ ሃንደበትነት ካብ ዝውስን ገና ወርሒ ኣይኣኸለን። ከም ሳዕቤን ናይዚ ህዝባዊ ውሳኔ ኸኣ፣ ኣብዚ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ፣ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብዙሓት ዓበይቲ ፍጻሜታት ተኸታቲሎም ይኽሰቱ ኣለው።

እቶም ኣብታ ሃገር እንነብር ወይ ህዝቢ ዓዲ እንግሊዝ ብሓፈሻ ከም ዘቤታዊ ጉዳያት ብተገዳስነት ዝከታተሎም ዘሎ መዓልታዊ ፍጻሜታት ንጎኒ ገዲፍና፣ ናይ ማዕዶ ተዓዘብቲ ’     ውን ብቐሊሉ ክርእዩዎ ዝኽእሉ ከም ሳዕቤን ናይቲ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ንምውጻእ ህዝቢ ብድምጹ ዝወሰዶ ውሳኔ ዝተራእየ ሓደ ፍጻሜ፣ እቲ ብህዝባዊ ምርጫ ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘበን ስልጣኑ ዝጸንሐ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ ደቪድ ካምረን፣ እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ምጽናሕ ሓሳብ ብህዝባዊ ድምጺ ስለዝተሳዕረ ኣብ ጽባሕ ናይቲ ረፈረንደም፣ ብኡ ንብኡ ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣን ምውራዱ እዩ።

ንሱ ካብ ስልጣን ክወርድ ምዃኑ ኣብ ዝኣወጀሉ እዋን፣ እቲ ክመርሖ ዝጸንሐ ዓቃባዊ ሰልፊ መተካእትኡ ንምምራጽ ሕጹያት ከወዳደር ግዜ ከምዘድልዮ ኣብ ግምት ኣእትዩ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ስልጣን ከረክብ ምዃኑ ናይ ግዜ ሰሌዳ ኣውጺኡ ’ኳ እንተነበረ፣ እቲ ሕጹያት ናይ ምጽራይ ውድድር ድራማዊ ቅልጣፈ ስለዘርኣየ፣ ነገሩ  “ዕዳጋ ከምዝጸንሓካ እምበር ኣዴኻ ከምዝለኣኸትካ ኣይኮነን” ኮይኑዎ፣ ካብቲ ንሱ ስልጣኑ ከረከብ ዘውጽኦ ናይ ግዜ ሰሌዳ ብዝሓጸረ ግዜ ትማሊ 13 ሓምለ፣ ነታ ኣብ ታሪኽ ዓዲ እንግሊዝ ካልኣይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ዝተሓረየት ሓዳስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ትረዛ መይ ቤትመንግስቲ ኣረኪቡዋ።

ነዚ ብዓቢኡ ጥቕስ ዘበልኩዎ ኣብነት፣ ምስቶም ንኤርትርውያን ሰማዕቲ ኣየገድሱን ኢለ ዝሓለፍኩዎም መዓልታዊ ክጽፍጸፉ ዝቐነንዩ ፖለቲካዊ ፍጻሜታት ዓዲ እንግሊዝ ደሚረ ምስ ኣስተንተንኩ፣ ’ለካ እንግሊዛውያን “ሓደ ሰሙን ኣብ ፖለቲካ ነዊሕ እዩ” ክብሉ ሓቆም ’ዮም’ ኢለ ስቕ ኣይበልኩን። እቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ጥራይ ን25 ዓመታት ብዘይምርጫ ኣብ ስልጣን ተረይዑ ዝጸንሐ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ጽምብል መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ “ኣብ ወርቃዊ እዮቨልዩ (ማለት ድሕሪ 25 ዓመት) የራኸበና” ኢሉ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዝደርጕሖ ኣቃጫጭ ኣብ ዝኽረይ ህሩግ በለ ’ሞ፣ ንውቀመላኽነቱ መሊሰ ጸየንኩዎ።

ዓዲ እንግሊዝ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትወጽእ ምውሳና፣ ነቶም ሃገሮም ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትጸንሕ ዝደልዩ እግሊዛውያን ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቶም ክትወጽእ ኣለዋ ኢሎም ብስምዒት ዝጎስጎሱን ዘድመጹን ’ውን ክብደቱ ክሳብ ሕጂ ኣጨኒቑዎም ኣሎ። በዛ ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፣ Chancellor of the exchequer ማለት ናይ ቁጠባን ገንዘብን ሚኒስተር ኮይኑ ዝለዓለ ቤትጽሕፈት ክሕዝ ተመዚዙ ዘሎ ብዓል ስልጣን፣ ኣቐድም ኣቢሉ፣ “ምስ ሕብረት ኤውሮጳ እንገብሮ ናይ ንግዲ ስምምዓት ማዕረ ዕድመ ካልኣይ ኵናት ዓለም ክወስደልና እዩ” ክብል ምዝራቡ ንኣብነት፣ ንኽብደት ናይቲ ኩነታት ዘንዘባርቕ እዩ።

ይኹን’ምበር፣ ብዓቢኡ እቲ ህዝባዊ ውሳኔ ኣብቶም ዓንዲ ሕቖ ቁጠባ እንግሊዝ ዝኾኑ ኣውፈርቲ ፈጢሩዎ ዘሎ ሰንፈላል፣ ኣብ መጠን ሸርፊ ባጤራ ዓዲ እንግሊዝ ኣኸቲሉዎ ዘሎ ምንቍልቋል፣ በቲ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝሰዓበ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝርአ ዘሎ ኣልማማ ምቅይያር ሰበስልጣን ግን ንንቡር ህይወት ናይቲ ዓዲ ኣየዘናበሎን። ባቡር ትሕቲ መሬት ከተማ ለንደን ‘ውን ሓንቲ ደቒቕ ’ኳ ከየጕደለት፣ ኣብ ስዓታ ትመጽእ ትኸይድ ኣላ።

እዚ ርግኣት ’ዚ፣ እታ ሃገር ኣብ ግዝኣተ ሕጊ ኣጽሊላ፣ ኣብ ድልዱላት ዲሞክርስያዊ ትካላት ረጊጻ ትነብር ከምዘላ ዝምስክር እዩ። ዋላ ክንዲ’ዚ ዝኣክል፣ ልዕሊ 40 ዓመታት ዝጸንሐ ክዉንነት እንተተቐየረ፣ ስልጣን ካብ ሓደ ውልቀሰብ ናብ ካልእ እንተተሰጋገረ፣ መንኮርኮር ሃገር ብዘይዕንቅፋት ከሽከርክር ምርኣይ ብሓቂ ዘቕንእ ተርእዮ እዩ።

እቲ ዘቕንእ ግን ህላወ ናይቶም ትካላትን ልዕልና ሕግን ጥራይ ኣይኮነን። ማዕሪኡ፣ እቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕብረተሰብ ዝፍጠር ኣተሓሳስባ ናይቶም ውልቀሰባት ንባዕሉ ተመሊሱ ነዚ ጸጋ ’ዚ ዘሀብትም እዩ።

እዛ ሕጂ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኮይና ዘላ ትረዛ መይ፣ ልክዕ ከም ደቪድ ካምረን ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ክንጸንሕ ኣለና ካብ ዝበሉ ’ሞ ብድምጺ ህዝቢ ዝተሳዕሩ እያ። ይኹን ’ምበር ኣንጻርና ዘድመጸት ስለምንታይ ትመርሓና ዝብል ተቓውሞ ካብ ስልጣን ኣይዓንቀጻን። ንሳ ’ውን ድምጺ ህዝቢ ከተኽብር ምዃና መብጽዓ ብምእታው፣ ካብቶም ንሕብረት ኤውሮጳ ዝነጸጉ ይኹን ዝተቐበሉ ሰበስልጣን ኣዛኒቓ ካቢነ ሚኒስተራት ኣብ ምቛም ትርከብ። ንሓደ ካብቶም ኣብ ውድድር መሪሕነት፣ ኣነኣኢሳ ገሊጻቶ ዝነበረት ከንቲባ ለንደን ዝነበረ ቦሪስ ጀንሰን ንኣብነት፣ ከም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ መዚዛቶ ’ላ።

ሕጂ “ትውልዲ ሃገረይ ከም’ዛ ናይ ዑቕባ ሃገረይ እንተትኾነለይ” ኢለ በዚ ሰናይ ቅንኢ ዝሕመስ ዘለኹ፣ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ምስ ዓዲ እንግሊዝ ክትዳረግ ነይሩዋ ዝብል ዘይክዉንነታዊ ትጽቢት ስለዘለኒ ኣይኮነን። ኣብ ታሪኻዊ ምዕባለታት ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዓቢ ጋግ ኣጸቢቑ ይርድኣኒ እዩ። እዛ ጽሕፈት ንኽጥዕመለይ እቲኣ ዝብላ ዘለኹ፣ ልበይ ግን እዚኣ ዝብላ ዘሎ ትውልዲ ሃገረይ፣ ሕጂ ኣብ ኣድራሻኣ ዘይበጽሐት ዘይኮነ፣ ናብቲ ቅኑዕ ኣድራሻ ዝወስድ ቅኑዕ ኣንፈት ዘይምሓዛ እዩ ቀንዲ ሻቕሎተይ።

ንመራሕቲ ኤርትራ ከምቲ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ሕግታትን ዲሞክራስያዊ ትካላትን ’ኳ እንተዘይጸንሖም፣ ከምቲ ብኣብነት ዝጠቐስናዮ ከም ሰባት ጽቡቕ ባህግን ኣተሓሳስባን ንኸይህልዎም ባዕላቶም ደኣ ሓሲዶም እምበር ዝኸልከሎም የለን። ቅኑዓት ሰባት እንተዝነበሩ፣ ሰናይ ባህጊ እንተዝህልዎም፣ ይቕረብ ይርሓቕ ኣብ እዋኑ ንኽብጻሕ ንመኣዝን መጻኢ ሃገርና ኤርትራ ኣንፈት ከትሕዙዎ ምኸኣሉ ነይሮም። ውቀልመላኺ ኢሳይያስን ከም ማንኪን ክሻን ዝኣመሰሉ ስሞም ኳ ዘይጥዑም ሰዓብቱን ግን ብኣንጻሩ፣ ከምቲ ኣብ ሳሕል ብለይቲ ክጓዓዛ ዝሓደራ መኻይና ኣሰረን መታን ብነፈርቲ ኢትዮጵያ ከይርአ ዝሰላዕናዮ ጨንፈር ገረብ ጎሲስና እንድምስሶ ዝነበርና፣ ንሕልሚ ህዝቢ ኤርትራ ድምጽማጹ ክሳብ ዝጠፍእ ክድምሱሱዎ ድቃስ ስኢኖም ይሓድሩ ኣለዉ። ሕሰም ናይቲ ቅንአይ እምብኣር ካብ ዕምቆት ክፍኣት ናይዞም ሓሳዳት ዝተበገሰ ድኣምበር፣ ኣብ መንጎ ክዉንነታት ኤርትራን ዓባይ ብሪጣንያን ዘሎ ገፊሕ ጋግ ካብ ዘይምንግንዛብ ዝተበገሰ ኣይኮነን። እቲ ማርሻ እንዴትሮ ጥራይ እትኸይድ መኪና “መንግስቲ” ዝዝውር ዘሎ፣ ንኤርትራ 25 ዓመታት ድሕሪት ዝመለሳ፣ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰበረ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፣ ካብቲ ዕድሚኡ ዘፍቅደሉ እዋን ንላዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ዘለዎ ድሌት ምእማቱ ድማ፣ ካብ ፍቕሪ ህዝቢ ኤርትራ ዝነቐለ ዘይኮነ፣ ኣብ ዓንቀር ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ጽልኢ ተገንዚቡ ንእንኪሒራ በጨቕ ዘበሎ ባጫ እዩ።

ንኢሳይያስን መሓዮታቱን ዘይተሰቆሮም ሓደ ነጥቢ ግን ኣሎ። ንሱ ኸኣ፣ 25 ዓመታት ኣብ ጭርሖ ብሩራዊ ኢልካ ስለዝጸሓፍካዮ ብሩራዊ ይኸውን ማለት ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢሳይያስን ሰዓብቱን ዘሕለፉዎ ዓመታት፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ጸብጻብን ትርጉምን ኣለዎ። ስለዝኾነ ኸኣ ’ዩ፣ ኢሳይያስ፣ ሓደ ካብቶም ለይትን ቀትርን ብህዝቦም ክርገሙ ዝውዕሉን ዝሓድሩን ዘለዉ ካይናት መራሕቲ ኮይኑ ዘሎ።

እንተኾነ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኪኖ መርገም ገበነኛታትን፣ ምህለላ ንራህዋን፣ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዋላዊ ባህርያት ዘቋማጠዖ ውልቀመላኽነት ካብ መጠን ንላዕሊ ምጽዋሩ ግዳይ ከምዝገበሮ ተገንዚቡ፣ ነብሰ-ድሕነቱ ንምርግጋጽ፣ መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ ብሓባር ክለዓል ኣለዎ። ሓጺናዊ ጽንዓትን ተባዕ ተወፋይነትን እንተርእዩ፣ ናብዚ ብቕንኢ እንምልከቶ ዘለና ሕጋውን ትካላውን ምሕደራን ምርግጋእን ዓዲ እንግሊዝ ገጹ ካብ ምግስጋስ፣ ድሕሪ 25 ዓመታት ሴንሳ ኢሳይያስ ወርቃዊ ኢዮቨልዮ ካብ ምጽንባል ዝዓግቶ ከቶ የልቦን። ነቲ ደም ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ወርቂ ይንእሶ ደኣምበር ኣይዓብዮን እዩ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

14 ሓምለ 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • k.tewolde July 14, 2016

    ZEYKENI’E AYWELED TIBL ADEY, It is a good jealousy Amanuel. What a contrast, back home a tyrant not only refuses to give up his throne but kills and maims his people to stay there.On the contrary,the Brexit triggers a seismic tremor through the British parliament and we have a new female leader peacefully in a matter of weeks.There is no comparison between WERIRA and the pioneers of universal suffrage and parliamentary procedure…

  • ተወልደመድኅን July 15, 2016

    ኣብ ወርቃዊ ኢዮቤል የራኽበና እንተበለ ለሚኑ ይኹን ኣእሚኑ ዘይበጽሖ’ዩ።እቲ ምስቲ ሓደ ሰሙን ኣብ ፖለቲካ ነዊሕ’ዩ ዝበልካዮ ኣነጻጺርካ ዘገርም፡” ትሸዓት ዓመት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ሓንቲ ሃገር ነዊሕ ኣይኮነን ምባሉ’ዩ ” እዚ ኣብ ሓደ ቃለ መጠይቕ ዘድመጾ ቃል’ዩ።ትሸዓተ ዓመት ቆልዓ ተወሊዱ፡ዓብዩ ብፍላይ ኣብቲ ናይ ሰበኽ ሳግምን ሓረስታይ ህዝብና ከብቲ ኣውፊሩ ዘእቱን፡ኣብዑር ጸሚዱ ዕርፊ ከጽነዓሉ ዝኽእል ግዜ’ዩ።ወዳጄ ኢሳያስ ግን ትሸዓተ መዓልቲ እንደኣላን በለ።ስለዚ እወ ኣብ ፖለቲካ ሃገር ሰሙን ናታ ሳዕቤን ስለዘለዋ ተቀላጢፍካ ክቅይረ ዘለዎ ምቕያር’ዩ።ኣብ ባህሊ ኤርትራውያን ግን ንዕና ዝኸውን እግዜሔር ሒዙዎ’ሎ ኢዩ።

  • Asefaw G. July 15, 2016

    Haw Amanuel,
    As usual, very well said well written article indeed.
    Just like what we had in the UK the referendum to remain in EU or to leave the EU, we should also plan from now for democratic Eritrea to have a referendum of the Muslims in Eritrea whether they should stay in Eritrea or rejoin their people in the Sudan. The result that is the voice of the people what ever the choice should then be upheld and respected.

    • k.tewolde July 15, 2016

      This is what we got,dubious characters like A.G.You sound like a broken record,how about the pagans,the atheists where would they go?Are you a crusader or something?

      • zeray July 16, 2016

        Should we call you Sheikh Khalid or Haleka khushet k.tewelde of Mars?
        Who appointed you to be the prosecutor and the judge at the same time zombie?
        Simply, just mind your own business and don’t weTemTem aytebziH for cheap fame and name unless you are desperate to change to Mohammed as you are clearly a lost/confused and badly damaged zombie. By the way do you know your father or you were just told it was Tewelde after all????

        • zeray July 16, 2016

          ‘weTemTem aytebziH ab zeymiliketeka guday handefdef aytibel’ hoping your tiny insect brain gets it this short and simple message.

        • wedi Toronto July 16, 2016

          Zeray, don’t forget about k.tewolde that his mummy told him so. The main reason that he went “Volunteer” was in search looking for his Italian or Arabic father in ghedli Eritrea but came back with no known dad or identity. This is what is called a lost cause and hopeless Himak fitret.
          What we sadly see in the Eritrean cyber politics is that it’s mere usage in venting emotions,indulgence in laziness, useless commotion, shadow discussions and empty rhetoric. Lets go united after the common enemy DIA and his blind supporters instead of engaging in a fruitless discourses.

          • k.tewolde July 17, 2016

            (..let’s go united after the common enemy DIA and his blind supporters. ..) are you sure ?do you mean it? Or it’s an empty rhetoric?

    • zeray July 16, 2016

      Excellent point and observation brother Asefaw G.
      I agree wholeheartedly with you as “wiHig keymetse mengedi wiHig tsireg” indeed.
      Not only referendum but the alien weird Arabic language would be scrapped from using in Eritrea and would be replaced by our own language of Tigre or any Kunamaor Afar languages to be used with Tigrigna. HGDEFs have been using the garbage Arabic language in order to continue getting their beggars money from the savage beasts Arabs.
      Anyone objecting to these changes should be thrown to their Arab slave masters as damaged goods returnees.

      • k.tewolde July 16, 2016

        This argument sounds familiar,it is not new to me Zeray. HGDEF has been using it for decades.Have you ever asked a Tigre,Kunama,or Afar how they view Tigrigna as a national language or tigrigna speaking people?do you know the faith of these ethnic group and how they relate to you and the way you think? Do a little homework and come back to me.And yes,I am Eritrean to the core,inclusive not exclusive with solid roots from Hamasien and Seraye and that’s my father’s real name with long ancestry of AQSHISHTI.

    • wedi Toronto July 16, 2016

      Haw Asefaw G., indeed, in a new and democratic Eritrea there would be no stones unturned or issues untouched as everything will be brought to our people for open discussion and revision. However, lets get there first and once we are free and really “liberated” from the so called tegadeltis slavery then we will definitely have proper and clean referendums on many vital issues. In the meantime, lets work hard and as united as possible to get to the crossing bridge.

      • k.tewolde July 18, 2016

        Wedi Toronto,forget Tegadelti,they did what they had to do and gave you a platform called Eritrea that you are bickering about. first free yourself from from yourself,do a little self inventory,then you might start turning some stones you talking about.Otherwise,you sound very ill equipped to attempt that task.If you are an Eritrean,this is a sincere advice from a caring fellow Eritrean who gave a piece of him and got nothing in return like so many grieved Eritreans who are looking to bring about justice,fairness and rule of law to our homeland.

  • Realistic Eritrean July 18, 2016

    Zeray & Wedi Toronto ,

    Remmember K.Tewolde is one of the tegadelti that brought us the present “blessing” and he is not trying to pump up his own “succersful” tewefaynet, he just cares about the youth..never mind I am talking about another person….my bad

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply