Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትዕዝብተይ፥

ትዕዝብተይ፥ ዝኸበርኩም ኣሰናውያን ከመይ ቀኒኹም? ሰላም። ትዕዝብትኹም ከም ትዕዝብተይ እንተኾይኑ ዕብየትን ተባሃጊነትን ኣሰና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ። እዚ ኸኣ ብሃንደበት ወይ ድማ ብዕድል ዝመጸ ምዕባለ ከምዘይኮነ ንኹሉ ብሩህ ይመስለኒ። ምህርቲ ናይቲ ብቅንዕና ንሃገርን

ትዕዝብተይ፥
ዝኸበርኩም ኣሰናውያን ከመይ ቀኒኹም? ሰላም። ትዕዝብትኹም ከም ትዕዝብተይ እንተኾይኑ ዕብየትን ተባሃጊነትን ኣሰና ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ። እዚ ኸኣ ብሃንደበት ወይ ድማ ብዕድል ዝመጸ ምዕባለ ከምዘይኮነ ንኹሉ ብሩህ ይመስለኒ። ምህርቲ ናይቲ ብቅንዕና ንሃገርን ንህዝብን ምግልጋል ጥራይ ዝዕላማኡ፡ ብልሳን ዘይኮነስ ብተግባር ዝዛረብ ኣካይዳን ሓያል ጻዕርን ተወፋይነትን ኣካየድቲ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ እቲ እንኮ ክብሃል ዝከኣል፡ ጸሊምን ቀይሕን፣ ወድን ጓልን፣ መሃይምን ምሁርን፣ ኣውራጃን ወገንን፣ ዓሌትን ኣስልን (ትውልድን)፣ ሃይማኖትን ቀቢላን ከይፈለየ፡ ንኹሉ ንፍትሒን መሰልን ኤርትራውያን ዝቃለስ ዜጋ፡ ብሓባር ዘአንግድ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ ሓያል ጻዕሪ’ዩ ተረኺቡ ዚብል እምነት ኣሎኒ። ዝኸበረን ዝለዓለን ልባውን ኤርትራውን ምስጋና ድማ ነዚ ቅኑዕ ደላይ ፍትሕን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ዘሐብን ዜጋ’ዚ ይኹን እብል።
ኣብዚ ሎሚ እዋን እታ እንኮ መንቀናኣ (ዓብዪ ናይ ቀጽሪ ማዕጾኣ) ምስ ከፈትካ ጥራይ ኢድካ ዘይትምለሰላ ሌማት (መቐረብ መኣዲ) ኣሰና ጥራይ እያ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ መዓልታዊ ሓደስቲ መሃሪ ጽሑፋትን ውዑይ ዜናን ዘይትስእነላ ደምበ ንሳ ስለ ዝኾነት። መብዛሕትአን መርበብ ሓበሬታት ኤርትራውያን ኣብ ሰሙን ወይ ድማ ኣብ ሳልስቲ ሓድሽ ጽሑፋት ከኣንግዳ ከለዋ፡ ኣሰና ግን መዓልታዊ ብርክት ዝበሉ ሓደሽቲ ጽሑፋት’ያ ተአንግድ ዘላ። እዚ ኸኣ በሪ ኣሰና ብበጻሕቲ ከም ዝጻበብ ጌሩዎ ኣሎ። በዚ መሰረትውን መርበብ ሓበሬታ ኣሰና እታ ዝዓበየት ዩኒቨርስቲ ኤርትራውያን ኮይና ኣላ። ኩሉ ሕቡእን ግሁድን ውልቃዊ ኣጀንዳ ዘይብሉ፡ ንጹህ፡ ንህዝብን ሃገርን ዝሓሊ ኤርትራዊ ንምዃን፡ ህያው ኣብነት ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ኣማኑኤል እያሱ ስለ ዘሎና፡ ኩሉ ንሃገራውነት ዝምልከት ነገር ካብኡ ክንማሃር ንኽእል ኢና።
ኣብ ባህልና ሓደ ካብቲ ውሑድ ክቕየር ዘለዎ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ’ውን ንረብሓኡ ጽቡቕ ጌሩ ዝተጠቐመሉ ልምዲ ኣሎ። ንሱ ኸኣ፥ ሓደ ሰብ ብህይወቱ ከሎ ንዘበርከቶ ጽቡቕ ስራሕን ግብርን ዘይምግላጽን ዘይምምስጋንን’ዩ። ምስ ሓለፈ ግን ዝገበሮን ዘይገበሮን ደማሚርካ ምምጓስ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ዝኾነ ረብሓ ዘይብሉ ውጽኢቱ ሃልኪ ጥራይ እዩ። እዚ ልምዲ’ዚ ብፍጹም ክቕየር ዘለዎ ልምዲ ኮይኑ ይስማዓኒ። ምኽንያቱ፡ እቲ ብህይወት ዘሎን ዓቕሙ ዝፈቕዶ ዝገብርን ዜጋ ንዝያዳ ረብሓን ፍርያትን ብህይወቱ ከሎ ክምጐስን ክተባባዕን ዘለዎ ኮይኑ ይስማዓኒ። በዚ መሰረት ድማ’የ ሕጂ ነዚ ንኹልና ደለይቲ ፍትሒ፡ ልሳን ኮይኑና ዘሎ ሕቡን ዜጋ ሓው ኣማኑኤል እያሱ ንምትብብዑን ኣበርክቶኡ ዝያዳ ንምዕዛዝን ከመስግኖ ዝደለኹ። እዚ ግን ንሓው ኣማኑኤል እያሱ ጥራይ ዘይኮነ ንኹሉ ከምኡ ዝኣመሰለ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን እጃሙ ዘበርክት ዜጋ ዝምልከት ናይ ወትሩ ልምደይ እዩ። ምስ ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ግዜውን ንከም ኣማኑኤል ዝኣመሰሉ ሃገራውያን አተባብዕ ኔረ’የ።
ካልእ በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ኣብ ኣሰና ዓለቖም (ርእይቶኦም) ዝህቡ ኤርትራውያን ሓንቲ ነገር ደጊመ ከተሓሳስቦም እደሊ። ሎሚ ኣብ ሃገርና ኩሉ’ዩ ሓርነትን ዕብየትን ዘድልዮ ዘሎ። ብፍላይ ከኣ እቲ ብስዉር ዝድሃኽን ዝበርስን ዘሎ መበቆላዊ ቋንቋና ቋንቋ ትግርኛ! ንምንታይ ኢና ኣቓልቦ ዘይንህቦ። እዚ ህዝቢ ‘ቋንቋ ደኣ መንግስቲ ኣሎዎ’ንዶ’ ብምባል፡ ከምቲ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ካብ ምክትታሉን ምምዕባሉን ስለ ዝበኾረ፡ ቋንቋና ብድሕሪ ናጽነት ኣዝዩ ተሃስዩ እዩ። እዞም ሕጂ ዘለዉ ሰፊሕ ፍልጠት ቋንቋ ዘሎዎም ኣቦታትናን ኣደታትናንውን ከየውረሱናን ከይሰነዱልናን ይሓልፉ ስለ ዘለዉ፡ ጽባሕ ንግሆ ሃገራዊ መወከሲ ቋንቋ ንምድላው ከቢድ ብድሆ ከጋጥመና ምዃኑ ግዝንጋዕ የብሉን።
ስለዚ፡ ንሓደ ብትግርኛ መልእኽቱ ወይ ሓበሬታኡ ዝጸሓፈ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ከም ባዕዳዊ ብእንግሊዝኛ ርእይቶኹም እትህብሉ ምኽንያትሲ እንታይ እዩ!? ካብ ቋንቋኹም ቋንቋ እንግሊዝ ከተማዕብሉ ስለ ዝደለኹም ኣይመስለንን። ከምዚ ገለ ውሑዳት ሰባት እንግሊሽ እንተተዛረቡ ዝማዕበሉ ዝመስሎም ርእሰ ምትሓት ዘሎዎም ሰባት ከምዘይኮንኩምውን ብርግጸኝነት ክዛርብ እክእል’የ። ጥራይ ስለምንታይ ከምኡ ትገብሩ ከም ዘለኹም’የ ክፈልጦ ዘይከኣልኩ። ዝኾነ ቋንቋ’ኮ ብምጽሓፍን ብምዝራብን’ዩ ዝምዕብል። ቋንቋኡ ብግቡእ ዘይፈልጥ ዜጋ ከኣ ባህሉን ልምዱን ይፈልጥ’ዩ ክትብሎ ኣጸጋሚ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ባህልን ልምድን በቲ እቲ ባህልን ልምድን እቲ ሕብረተስብ ዝፈጠሮ ቋንቋ ስለ ዝግለጽ። ስለዚ፡ ኣገዳስነት ምዕባለን ዕብየትን ቋንቋ ካብ ምዕባለ ባህልን ሃገርን ዘይንጸል ካብ ኮነ፡ ኣብ ሓርነትን ምዕባለን ቋንቋናውን ከነስተብል ከም ዘለና በዚ ኣጋጣሚ ሓደራ ክብል እደሊ።
ኣብ መወዳእታ ነዘን ዝስዕባ ኣብ ገሌና ጸሓፍትን ወሃብቲ ርእይቶን ክንሓዋውሰን ወይ ድማ ኣብዘይቦታአን ከነእትወን ዝርእየን ቃላት እርማተን ብምጥቃስ ንሎሚ ክሰናበተኩም።
ነጻነት ኣብ ክንዲ ምባል ናጽነት ክንብል እግበኣና፤
ጨሪሱ ኣብ ክንዲ ምባል ጠሪሹ/ጠሪሱ ክንብል እግበኣና፤
ብጣዕሚ ኣብ ክንዲ ምባል ኣዝዩ፡ ኣመና፡ እምብዛ ክንብል እግበኣና። ምክንያቱ፡ ብጣዕሚ ንመቐረት ጥራይ ስለ ንጥቀመሉ፤
እንዳ ሰተየ ኣብ ክንዲ ምባል እናሰተየ ክንብል እግበኣና። ምኽንያቱ፡ እንዳ ንዋንነት ጥራይ ስለ ንጥቀመሉ፤
ክሳዕ ንግዜ ስለ ዘመልክት መዐቀኒ ርሕቀት ክንጥቀመሉ ኣይግባእን፤
ክሳብ ንቦታ ስለ ዘመልክት፡ መዐቀኒ ግዜ ክንጥቀመሉ ኣይግባእን፤
ጥራሕ ማለት ክዳን ዘይብሉ ጥርሑ ንምባል ክንጥቀመሉ ከለና፣
ጥራይ ማለት ድማ ንዉልቂ ማለት ንስኻ ጥራይ/ንበይንኻ ንምባል ንጥቀመሉ፤
የሎን ማለት ንዚቑጸር ነገር ክንጥቀመሉ ከለና፣
የልቦን ማለት ድማ ንዘይቊጸር ነገር ኢና ንጥቀመሉ፤
ኣብ መንጎ ኣለኹን ኣሎኹንውን ፍልልይ ኣሎ።
ኣለው ክትብል ከለኻ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ከም ዘለው ትሕብር ኣለኻ ማለት’ዩ፣ ኣሎዎም ክትብል ከለኻ ኸኣ ሓደ ነገር ከም ዘሎዎም ትሕብር ኣለኻ ማለት’ዩ። ንኣብነት፥ ኣበይ ኣለኹም?፣ እንታይ ኣሎኩም? ኣበይ ኣሎኹም? ግን ኣይብሃልን’ዩ።
እዞም ዝስዕቡ ቃላትውን ትርጉሞም ከምዚ ዝስዕብ’ዩ፥
በሃም= ዚሰምዕ ክነሱ ኪዛረብ ግን ዘይክእል፤
ሃዚል= ዓሻ፡ ምስትውዓል ዘይብሉ፤
ፋህም= ለባም፡ መስተውዓሊ፤
ተጋወሐ= ሓዊ ተናኸሰ ጋሃጽሃጽ በለ፤
ተዋዘዐ= ወረ ተወርየ፡ ኩሉ ከም ዝሰምዖ ኮነ፤
ባጊር= ኣዝዩ ድሑር፡ ዘይስልጡን ሰብ፤
ፍሕሹው= ፋሕሻው፡ ሓሞኽሽታይ ዝመስል ገጹ፤
ፍሽሑው= ፍሱህ፡ ብሩህ ገጽ፤
ብዓል= ብዓል እከለ፤
በዓል= ውራይ፡ ድግስ ወዘተ. ብምባል፡ ቃላትና በቲ ቅኑዕ ትርጉሞም ክንጥቀመሎም ከም ዘሎና ብትሕትና አተሓሳስብ።
የቐንየለይ።
ካብ ሓውኹም መሲናስ 08/01/2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • wedi embagalyano January 10, 2014

    ክቡር ሓው መሲናስ ከምኡውን ክቡራት ወሃብቲ ርእይቶ፦
    ነቲ ኹላትኩም ዝሃብኩምዎ ርእይቶ ኣንቢበዮ እየ። ብሱልን ጥረን ኣለዎ። ግናኸ ሰብ ነቲ ዚደልዮ መሪጹ እዩ ዚወስድ። ኣነ ኸኣ ነቲ ብሱል ወሲደ ኣለኹ። ነቲ መሲናስ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ብምሉእ ልበይ እየ ዝድግፎ። ቋንቋ ሃብቲ እዩ። ሃብቲ ኸኣ ከም ኣተሓሕዛኻ እዩ። ሃብቱ ዝወረወ ድማ ኣብኣ ይረኽባ። ስለዚ፡ ነቲ ቛንቋና ዝዀነ ትግርኛ ኽንሕብሕቦን ከነዕብዮን ክንዕቅቦን ኣሎና። ትግርኛ ናቱ ዝዀነ ሰዋስውን ኣገባብ ኣጸሓሕፋን ኣለዎ። ኵላትና ነቲ ስርዓት ሓሊና እንተ ጽሒፍና ድማ ጽቡቕ መልክዕ ኪህልዎ ይኽእል። ስለዚ፡ ብናተይ ኣረኣእያ፡ ዝዀነ ይኹን ጽሑፍ ክንጽሕፍ ከለና፡ ነቲ ዝጸሓፍናዮ ምልስ ኢልና ኸነንብቦን ክንእርሞን ኣሎና። ሓቂ እዩ፡ ከምኡ ንኽንገብር ዜኽእለና ግዜን ዓቕልን ከይህልወና ይኽእል እዩ። ግናኸ ቛንቋና ኺዓብን ኪጸፍፍን ዚኽእል፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስክዎ፡ ንጽሑፍና ምልስ ኢልና ምስ እንምርምር እዩ። ምናልባት ገሊኡ ሰብ፡ “ምንባብሲ ኣንቢበዮ፡ ዝረኸብክዎ ጌጋ ግና የልቦን” ኪብል ይኽእል እዩ። ምናልባት ጌጋ ኸይህሉ ይኽእል እዩ። ጌጋ ኺህልዎ እውን ይኽእል እዩ። እቲ ውልቀ ሰብ ነየናይ መገዲ ተጠቒሙ ደኣሉ እሞ ኼረጋግጽ ዚኽእል፧ መጻሕፍቲ ሰዋስው ምንባብ፡ ኣዝዩ ጠቓምን ኣገዳስን እዩ። ነዚ ዚሕግዝ ብዙሕ መጻሕፍቲ ድማ ኣሎ። ከም እኒ “ሰዋስው ትግርኛ ብሰፊሑ” ዘርእስታ ብኣማኑኤል ሳህለ እተዳለወት መጽሓፍ፡ ኣዝያ ጠቓሚት እያ። ነዚ ዚስዕብ ጠውቕ፦ http://good-amharic-books.com/onebook.php?bookID=703

    ወደሓንኩም፡
    ካብ ሓውኩም፡
    ወዲ ማይተመናይ

  • biniam January 13, 2014

    ንዕቱብን ዓሙቅን ስሩዕን ሰዋሱው ትግርኛ ንክርዳእ ዝብህግን ዝደልን ሰብ እንተሎ ብፕሮፋሰር ስብሃቱ ግብረ ሚኻኣል ዝተጸሓፈት ግሩም ዝኾነት መጽሓፍ ” ኦ ! ትግርኛ ተጠሊዕኺ ኡይ ! በሊ ” እትብሃል ከሎም ግዱሳት ልሳን እኖ ትግርኛ ሓደራ ገዚእኹም ኣምብብዋ ! ብዘረባ ዘይኾነ ብጽሕፉ ብፍልጠት ፍልጠቱ ዘመስኸረ እንተ ሃለዉ ፕሮ ፈሰር ስባህቱ ገብረሚኻኣል እዩ ፥ ሳላ ፕሮፈሰር ስብሃቱ ገብረሚኻኣል ልሳን እኖ ትግርኛ ተዋሒሱን ብግቡእ ተሰኒዱን ተሓቲሙን ኣሎ ፥ ንኹሉኹም ተገደስቲ ቋንቋ ትግርኛ ጽቡቅ ንባብ ይትምነየልኹም !!!!!!11

  • Mesinas January 15, 2014

    ሓው ቢንያም ሰላም። እዛ ዝበልካያ መጽሓፍ ሰዋስው ኣበይ ክረኽባ ይኽእል? የቐንየለይ።

POST A COMMENT