Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትዕዝብቲ ኣብ ፖለቲካን ባህርያቱን – ኣማኑኤል ሳህለ (1ይ ክፋል)

ትዕዝብቲ ኣብ ፖለቲካን ባህርያቱን ኣማኑኤል ሳህለ   ፖለቲካ ናይ ህዝቢ ስጋዊ ምምሕዳር ስልቲ ኪኸውን ከሎ፡ ሃይማኖት ከኣ ናይቲ ህዝቢ መንፈሳዊ ምምሕዳር ሜላ ማለት እዩ። እቲ ቀዳማይ ነቲ ስጋዊ ገጽታ ሰብን ንምድራዊ ድሌታቱን ከስተናግድ ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ነቲ

ትዕዝብቲ ኣብ ፖለቲካን ባህርያቱን

ኣማኑኤል ሳህለ

 

ፖለቲካ ናይ ህዝቢ ስጋዊ ምምሕዳር ስልቲ ኪኸውን ከሎ፡ ሃይማኖት ከኣ ናይቲ ህዝቢ መንፈሳዊ ምምሕዳር ሜላ ማለት እዩ። እቲ ቀዳማይ ነቲ ስጋዊ ገጽታ ሰብን ንምድራዊ ድሌታቱን ከስተናግድ ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ግን ነቲ መንፈሳዊ ገጽታ ሰብን ንሰማያዊ ድሌታቱን እዩ ዘስተናግድ።

እቲ ቀዳማይ፡ ነቲ መሰረታዊ ባህርያት ሰብ ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ስጋዊ ድሌታት ሰብ ብምድቋስ ይኹን ብምጽቃጥ ስልጣኑ የንውሕ። እቲ ካልኣይ ግን ነታ ነፍሲ ወድሰብ ከም ዘልኣለማዊ ኣካል ገይሩ ብምውሳድ ንስልጣኑ ዶባውን ግዜኣውን ገደብ ኪገብረሉ ኣይደልን። ነፍሲ-ሰብ ዘይትረአን ዘይትተሓዝን ብምዃና፡ እቶም ብስም ኣምላኽ ዘመሓድሩ ሰባት ነቲ ኣብ ትሕተኦም ዚግዛእ ህዝቢ ባዕላቶም ብዝፈጠሩዎን ብዝመሃዙዎን መለኮታዊ ሜላታት ገይሮም እዮም  ኪኣስሩዎ ዝደልዩ።

ወድሰብ ኣብቶም ብስጋ ዘመሓድሩዎ ሓይልታት ኪዕምጽ ወይ ኪእድም ይኽእል ይኸውን፡ ኣብቶም ብመንፈስ ዘመሓድሩዎ ግን፡ ዘልኣለማውን ገደብ ዘይብሉን መንፈሳዊ መቕጻዕቲ ይጽበዮ ከም ዘሎ ስለ ዚንገሮን ቀጻሊ ስለ ዚስበኸሉን ተሸቝሪሩን ተዳሂሉን እዩ ዚነብር: ኪእድምውን ኣይደልን።

ብዙሕ ፖለቲካዊ ስርዓታት ተገልቢጡን ተሳዒሩን እዩ። ሃይማኖታዊ ስርዓታት ግን ንኺሰዓር ዘለዎ ተኽእሎ ኣዚዩ ውሑድ እዩ። ወድሰብ ካብዚ ዓለም ምስ ኣልገሰ ናበይ ከም ዝኸይድ ስለ ዘይፈልጥ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ነዚ ስግኣትዚ ጽቡቕ ገይሮም እዮም ዚጥቀሙሉ: በዝን ክንድዝን ድማ ስልጣኖም ከይተተንከፈ ንነዊሕ ይጸንሕ።

ወድሰብ ብዘመናዊ መገዲ ኪመሓደር ዝጀመረ ከተማታት ኪሃንጽን ኣብኡ ኪቕመጥን ምስ ጀመረ እዩ። ከመይ ጌርካ እዩ ዚመሓደር ዘይኮነስ፡ ከመይ ገይረ እየ ስልጣነይ ዘደልድሎን ዘንውሖን ዚብል ሕቶ ሓደ ካብቲ ናይ ፖለቲካዊ ምምሕዳር ዓብይ ሕቶ እዩ ነይሩ።

ንሰብ ምምሕዳሩ ዘይኮነስ፡ ጨቊንካ ምሓዙ ዝያዳ ስልጣን ዘንውሕ ብምዃኑ ድማ፡ እቶም ዘመሓድሩ ነቲ ኣሚኑ ዚግዛኦም ዝነበረ ህዝቢ ከታልሉዎም ኪጻወቱሉን ግዜ ኣይወሰዱን። ብጥንቲውን እኮ እቲ መንግስቲ ዘቖመ ሰብ ነቲ ህዝቢ መብዛሕትኡ ግዜ ብዓመጽ እዩ ሒዙዎ ነይሩ። ብዓመጽ ዝሓዝካዮ ህዝቢ ድማ ኣይእንታይካን ስለ ዝኾነ፡ ከይለዓለካ ብምፍራህ ጸቒጥካ ኢኻ እትሕዞ።

ገለ ሰባት ግን ነዚ ዓይነት ምምሕዳርዚ ግዲ ጸሊኦም ኮይኖም በቲ ዘምልኹዎን ኩሉ ዚከኣሎን ኣምላኽ ወይ ጣኦት ኪመሓደሩ ይደልዩ ነይሮም (ተዮክራሲ)። ዝሓሸ ኮይኑ ስለ  እተራእዮም። ካብ እትፈልጦ ሸይጣንስ ዘይትፈልጦ ኣምላኽ።

እቲ ኣምላኽ ኢሎም ዚእዘዙዎ ንግዜኡስ የመሓድሮም እዩ ነይሩ። ብባንን ብበትርን። ምስ ዘይእዘዙ ይረግሞምን ኣብ ጭንቀት የእትዎምን፡ ምስ ዚእዘዙ ድማ ይምርቖምን ተስፋ ይህቦምን። ሓድሓደ ግዜ ተኣዚዞም ከለዉ  በዚ መጸ ዘይብሃል መከራ ይወርዶም እሞ፡ እቶም ካህናቶም ከጸናንዑዎም ይፍትኑ። ካብ ዘይምእዛዝ መቸም ምእዛዝ ይሓይሽ። ኣይትጠዓስንውን። ንኣምላኽ እሞ እንታይ ኢኻ ክትብሎ። እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኪጋገ ኢልካ ኣይትሓስብን።

ዝኾነኾይኑ እዚ ሓውሲ-ኣምላኻዊ ምምሕዳር ወይ ሰሚተዮክራሲ ካብቲ ናይ ዓለማዊ ምምሕዳር ብዙሕ ፍልልይ ኣይነበሮን። እቲ ምምሕዳር ኪጋገን እቶም ካህናት ኪምዕዱን ተራባሪቦም። ተራእዩኒ እናበልካ ድልየትካ ምፍጻም ከኣ ልሙድ እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ከምዚ ግበር ኢሉኒ፡ ኣምላኽ ከምዚ ፍጠር ኢሉኒ እናበልካ ንህዝቢ ምትላል ብካህናትን ብኣታቶም ዚድገፉ መራሕትን ከም ፖለቲካዊ ስልቲ ተታሒዙ ነይሩ። ወድሰብ ድማ ተገፊዑን ተቐቲሉን። እቶም ምድራውያን መራሕቲ ነቲ ምድራዊ ናብራኡ፡ እቶም ካህናትን ኣኽረርቲ ሰዓብቶምን ድማ ነቲ መንፈሳዊ ወይ ስነኣእምሮኣዊ ህይወቱ ተጻዊቶምሉ።

ፖለቲካ ብስምዒት ወይ ብዘይ ስልቲ ወይ ብዘይ ሳየንሳዊ ኣተሓሳስባ ኪምራሕ ከሎ ከምዚ እዩ ትርፉ።

ግን ከኣ እቲ ኣምባገነንውን ብወገኑ ብሳየንሳዊ መገዲ እናተመርሐ ሰብ ኣሳቕዩን ኣህሊቑን እዩ።  ስታሊን ዶግማዊ ኮምዩኒዝም ተጠቒሙ ሰብ ወዲኡ። ማኪያቨሊ ከመይ ጌርካ ንሰብ ብሓይለ-በትሪ ሰጥ ለጥ ከም እተብሎ መጽሓፍ ጽሒፉ። ሂትለር ብናይ ዓሌት ሱዶ-ሳይነስ (ኣምሰሉ ሳየንስ) 5 ሚልዮን ኣይሁድ ኣህሊቑ።

ኩሉ ነገር ካብ መስርዑ ኪወጽእ ከሎ ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣሎ። ኣብ ሳየንስ ስምዒት ኪኣቱ የብሉን። ሳየንስ ስምዒት ምስ ዚኣትዎ ናብ መለኮታውነት ገጹ እዩ ዚቐንን። መለኮታውነት ድማ ናይቶም ንዓለም ንድሕሪት ኪጎቱ ዚህቅኑ ሰባት መሳርሒ ንምዃን ግዜ ኣይወስድን።

ወድሰብ ብመሰረቱ ከይተለወጠ፡ ጥዑይ ፖለቲካ ኪህሉ ኣይክእልን። ፖለቲካ ነቲ ናይ ሰብ ስሱዕ ባህሪ መሊሱ እዩ ዘግንኖ። እንስሳታት ናይ ጫካ ሕጊ ዚብሃል ፍሉይ ናይ ስሰዐን ህርፋንን መምርሒ ኣለዎም፣ ምዝራፍ፡ ምምንጣል፡ ምዕማጽ ወዘተ። ብተመሳሳሊ መገዲ እቲ ፖለቲካዊ እንስሳ ዝኾነ ወድሰብ፡ ስልጣን ንኺሕዝን ንምጽናዕን ልዕሊ ሕጊ ንምዃንን ብዙሕ ሜላታት እዩ ዚጥቀም። ዘይሕጋዊ ቅዋም ይተክል፡ ናይ ስለያን ድሕነትን ኣውታሩ ድማ ይዝርግሕ።

ወላውን ኣብቲ ደሞክራሲ ይረኣየሉ ኣሎ ዚብሃል ዓለምና፡ ወድሰብ ኣብ ሜዳ ፖለቲካ ኣትዩ ብናይ ምርጫ ሜላታን ተንኮላትን ንህዝቢ ምትላል ክሳዕ ዘይገደፎ ተለዊጡ ኪብሃል ኣይከኣልን። ቀዳሞት ፕረዚደንትታት ኣመሪካ ከምዚ ሎሚ ዘይኮነ ኣብ ናይ ምርጫ ተንኮላት ኣይተቖማጥዑን። ምረጹኒ እናበልካ ናብዝን ናብትን ጸፋዕፋዕ ምባል ኣይነበረን። ሕጂ ግን ቃልሲ እዩ ኾይኑ። አረ ናብ ኲናት እዩ ተለዊጡ። ስለምንታይ እዩ ግን ፓርትታት ንኺምረጻ ዘዕገርግራ? ብሓቂ ንህዝቢ ሓይልየን ዲየን?

ቀደም ኣቦታትና ነቲ ኪመርሖም ዚደልዩዎ ሰብ፡ ቆጽሊ እዮም ዘንብሩሉ ነይሮም። እቲ ቖጽሊ እተነበረሉኸ እንታይ ይብል ነይሩ መስለኩም? ኣይደልን! ይትረፈኒ! ሓላፍነት ኪኸብደኒ እዩ!! ንኻልእ ሃቡዎ!!

ሎሚኸ? ንኣይ እንተ ዘይመረጽኩም ሃገር ክትዓኑ እያ! ንሰልፈይ እንተ ዘይኣድመጽኩም ሃገር ክትበርስ እያ! ንኣይ እንተ ዘይኣመንኩም ኣብ ከቢድ ጣዕሳ ክትኣትዉ ኢኹም!! ንሰልፈይ ወይ ፓርተይ ዘይኣመነ ማይ ከም ዝሓቖነ ወዘተ…

ምስ መረጽካዮም ድማ ሃገር ከዕንዉን ከብርሱን ነቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ከቢድ ጣዕሳ ከእትዉዎ ከለዉን ንርእዮም ኣሎና።

ግን ከኣ ካልእ ኣማራጺ ኣሎዶ? ካብ ሕምስምስን ፋሉልነትን ዕግርግርን፡ ካብ ምጥፋእ ጸጥታን ሰላምን፡ ምስቶም ሓረድትኻ ምውዓልዶ ይሓይሽ ይኸውን? ከብትስ ምስ ሓራዲአን ይውዕላኮ ተባሂሉ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ከም ከብቲ ማይና እናሰተና፡ ሳዕርና እናገሃጽና ብሰላምዶ ንነብር ወላስ ነገር ነምጽእ ዚብል ዘሎ እዩ ዚመስል።

ወድሰብ ባህርያቱ ከይለወጠ፡ ጥዑይ ፖለቲካ ኪህሉ ኣይክእልን። ባህርያቱ ንኺልውጥ ግን ብዙሕ ኪሳቐን ኪዋረድን ኪሓፍርን ዘድሊ ይመስል። ኣብቲ ካብ ምሒር ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ስሰዐ ዚመጽእ ናይ ኲናትን ህልቂትን ሓዊ ምስ ተጠብሰ እዩ ኪርዳኦ ዚጅምር። ከምቲ ኣፍራስ ከይተገርሑ ሰብ ኣወጢሖም ብሰላም ኪጎዓዙ ዘይክእሉ፡ ወድሰብ ድማ ብዓቢ ናይ ስቓይ ነበልባል ከይሓለፈ ዚልወጥ ኣይመስልን። ብፍላይ ኣብ ማሪትን ከንቱ ሃይማኖትን ዘተኵር ወድሰብ።

ተዮክራሲ (ማለት መንፈሳዊ ምምሕዳር) ቅድሚ ሕጂ ተፈቲኑ እዩ። ኣይሰርሐን። ብግቡዛትን ኣምሰሉን ካህናትን ኣቕሽሽትን ዚካየድ ምምሕዳር ካብቲ ዓለማውያን ዘካይዱዎ ምምሕዳር ምንም ፍልልይ የብሉን። አረ እቲ ናይ ዓለማውያን ይምረጽ፡ ከመይሲ እቶም ካብ ኣምላኽ ኢና እቲ መምርሒ እንረኽቦ፡ ይረኣየና ኣሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ይነግረና ኣሎ እናበሉ ዘመሓድሩ ሰባት መላኺ የብሎምን፡ ድላዮም ኪገብሩኻ ድማ ይኽእሉ፡ እኹል ስልጣንን ሓይልን ስለ ዚውንኑ። እቶም ዓለማውያን ግን ክትማጐቶም እኳ ትኽእል።

ኣብ ማእከላይ ዘመን (ሚድል ኤጅስ) ኣብ ኤውሮጳ ዚነብሩ ዝነበሩ ህዝቢ ዳርጋ ብቤተክህነት እዮም ዚመሓደሩ ዝነበሩ። እቲ ዘመንቲ ነገስታት ኣብ ቅድሚ ጳጳስን ካህናትን ዚርዕድሉን ዘንቀጥቅጥሉን ጸልማት እዋን እዩ ነይሩ። ተራእዩና እናበልካ ንህዝቢ ቃሕ ዝበለካ ምግባር። ተገሊጹልና እናበልካ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ሸይሸይ ምባል በዚሑ ነይሩ።

ብቤትክህነት ዚካየድ ፖለቲካዊ ምምሕዳርስ እንተ ተረፈ ይሓይሽ፡ ከመይሲ ናይ ሰብ ባህርይ ብመሰረቱ ብሃይማኖት ዚዕረ ኣይኮነን። ይኹንምበር፡ ካብቶም ኣብ ዘይጭበጥ ነገር ኣሚኖም ዘይጭበጥ ነገር ክትገብር  ዚእዝዙኻ ካህናት፡ ኣብ ጭቡጥ ነገራት ዚኣምኑን እንተ ተኸራኸርካዮም ድማ ብስነሞጎት ኪምልሹልካ ዚፍትኑን ፈላስፋታት ኪገዝኡኻ ይምረጽ። ለባም ይቕተለኒኳ ዚብሃል።

ናይ ዘይማዕበላ ሃገራት ፖለቲካ

መብዛሕትአን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ካብቲ ቅድሚ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረን ቀቢላውን ኣውራጃውን ማሕበራዊ ደረጃ ዚወጻ ኣይመስላን። ሓምሳ ዓመት ድሕሪ ናጽነት ክሳዕ ሎሚ ህዝበን ብሃይማኖታውን ቀቢላውን ኣውራጃውን ጕጅለታት ተኻፋፊሉ መጻወቲ ባዕዳውያንን ዳግመ-ገዛእትን፡ መጻወቲ ናይ ገዛእ ርእሱ መራሕትን ብምዃን ይሳቐ ኣሎ።

ሽሕኳ ኣብ ኩሉ ዓለም ፖለቲካ ኪብሃል ከሎ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ምርኢት እንተ ኾነ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግን እቲ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ኣብቶም ፖለቲከኛታት ተሓጺሩ ክንዲ ዚተርፍ፡ እቲ እተፈላለየ ቀቢላታትውን ኣብቲ ቍርቍስ ወሳኒ ተራ ኣለዎ።

ብማሕበራዊ ደረጃ ዘይማዕበለ ህዝቢ ካብ ቀቢላነትን ኣውራጃነትን ሓሊፉ ኪሓስብ  ኣይክእልን። እታ ዝኽእላ ንሳ እያ። እታ ዓቕሙ ንሳ እያ። ካብዚ ጸቢብ ኣተሓሳባዚ ንኺወጽእ ግዜ የድልዮ።

እቲ ስልጡን ቍርቍስ ኣብ ሰደቓ ኮፍ ኢልካ ዚግበር ቍርቍስ እዩ። ኣብዚ ደረጃዚ ንምብጻሕ ብብዙሕ ጸገማትን መከራን ክትሓልፍ ንቡር እዩ። ኣብ በዓል ኣመሪካ ዚካየድ ናይ ፖለቲካ ቍርቍስ ካብቲ ናይ ኣፍሪቃ ዚፈልዮ ነገር እንተሎ፡ እቲ ሓደ ኣብ ጫካን ኣብ ሜዳን ብጠያይትን ብቦምቢን፡ እቲ ካልእ ድማ ኣብ ሰደቓ ብዘረባን ክስን ሓሶትን ጉቦን ምጭብርባርን ብምክያዱ እዩ። እቲ ካልኣይ ኣብ ሞትን ስቓይን ዘይሽምም ብምዃኑ፡ ካብቲ ቀዳማይ ይምረጽ። ኣብቲ ቀዳማይ እተማዕብሎ ነገር የልቦን፡ ኣብቲ ካልኣይ ግን ክትመሃርን ክትመዓዓድን ሓሳባትካ ከተማዕብሎን ትኽእል። ኲናት ትርፊ የብሉን ብዘይካ ሞትን ዕንወትን። ክትዕን መጎተን ግን የብልሓካን የማዕብለካን ስለ ዝኾነ፡ ኣማራጺ የብሉን።

ፖለቲካን ናይ ምትላል ሜላኡን

ፖለቲካ ናይ ምትላል ባህርያት ኣለዎ። ስልጣን ንምሓዝን ንምጽናዕን እሞ ኸኣ ምስ ደመኛታት ተዋዳደርትን ምስቲ ብስምዒት ዚምራሕ መብዛሕትኡ ዘይተማህረ ህዝብን ትዋሳእ ብምህላውካ፡ ዘዋጽኣካ ምግባር ዓይንኻ ዘይትሓስየሉ ጉዳይ ይኸውን። ኣበላላዕ እዩ እቲ ጸወታ። ከይቀደመኒ ክቕድሞ እዩ እቲ ኣገባብ።

እዚ ባህርይዚ ኣብ እንስሳታ ጎሊሑ ይረአ። ሽደናት ኣናብስ ኣብቲ ኣንበሳዊ ሕብረተሰብ ደረጃኦም ከጣናኽርሩን ጥጡሕ ማሕበራዊ ቦታ ንኺሕዙን ሑሕ ሑሕ ይበሃሃሉ። ኣብ መንጎኦም ድማ ገለ ስልጣኖም ከይግፈፎም ዝርዕዱ መራሕቲ ኣናብስ ኣራእሶም ብምልዓል öዘራፍö ይብሉ። ባእስን ዕግርግርን፡ ምንኽኻስን ምጕያይን፡ ምፍሕጣርን ይስዕብ። ደሓር ጽንሕ ኢሉ እቲ ሑሕታን ጉዝማን ደው ይብል። ንጉስ ተፈጢሩ ወይ ዳግማይ ተመሪጹ ማለት እዩ። ሰላም ሰፊኑ።

ወድሰብ ካብ እንስሳ ዚፍለ ኣይኮነን። ሽሕኳ ኣእምሮ እንተ ተዓደሎ፡ እቲ ውሽጣዊ ደመባህርይ ግን ገና ኣይተጋደፎን። ሓደ ሳየንሳዊ (ሳየንቲስት) ከም ዝበሎ፡ ዘመናዊ ወድሰብ ኣብ ስልጡን ከተማታት ይነብር እኳ እንተ ሃለወ፡ እቲ ውሽጣዊ ድራኸኡ ግን ከምቲ ናይቶም ኣብ ዘመን እምኒ ኣብ በዓቲ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣቦታቱ እዩ።

ኣናብስ ወይ ካልኦት ኣራዊት ብባእስን ብምምንጫትን እዮም ኣብቲ ሕብረተሰቦም ማሕበራዊ ደረጀኦም ዘስተኻኽሉ፡ ወድሰብ ግን ኣእምሮ ስለ ዘለዎ በእዳዉ ዘይኮነስ ብኣእምሮኡ እዩ ዚናኸስ። ብኣእምሮኻ ንኽትናኸስን ንኽትፋሓጣጠርን ብኣኡ ኣቢልካ ንምዕዋት ግን: ተንኮል ኣማራጺ ዘይብሉ መሳርያ እዩ። ተንኮልን ምትላልን ምጥላምን እምበኣር ናይ ወድሰብ ፖለቲካዊ ኣሰራርሓ እዩ። ብተንኮልን ምትላልን ገይሩ ነቶም ዚወዳደሩዎ የጥፍኦም፡ ነቲ ህዝቢ የታልሎ፡ ንታሪኽ ይጠዋውዮ፡ ውጽኢቱ ድማ ብርሰትን ዕንወትን እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
62 COMMENTS
  • yonas January 26, 2015

    hej Zkeberka haw Amanial eti blutsn hayaln atenatnaka mahberawi kunete aemro dekisebat bzedenkn yeagabn mglatska nay behaki kem wedi zegana des zebln nkhat deki sebat dma haf ab mbal abi gde zelewo hayal tmhrti eyu bzuh gzie ab eritrean hede kabtom adnaki tshufatka nere bzey mgnan dma hanti alem tbl tshufka kulu gzie ab hiwetey merho tkoneni nera bzkone dagmay bzhashe mmtsaeka abti kem lbka ttshfelu nay netsa adi dma nay behaki hayal kaletka kemterayena yeamn eye bzuh dma kabaka ntsbe ena knmehar,eti tshufka dma mesferi nezom hji bejekana seb yeblkn endabelu neritrea nab azekti yeatyoma zelewu sebat ykonena alo kab adnakika yonas

  • said January 26, 2015

    ዝኸበርካ ኣቶ ኣማኒኤል ጽሑፍካ ከንብቦ ፈቲነ ግን ከም ቃለ መሕትት ናይ ኢሰያስ ኮይኑ አሰልችዩኒ ምኽንያቱ ብዛዕባ ሃይማኖት ጥራይ ኮይኑ ኣተኩሮኻ

  • Liban January 26, 2015

    Ashas blbu Amlak yelen ybl.

  • Medin Tesfahiwet January 26, 2015

    ዝኸበርካ ኣማኑኤል ጽሑፋትካ ካብ 1995 ኣብ ሓዳስ ኤረትራ መደብ ካብዝን ካብትን ዳሕራይ ሓንቲ ዓለም ኣብ ፕሮፋይል ድማ ትራድሽን ኣንድ ካልቸር ካብቶም ኣዝየ ዘንብቦም ዝነበርኩ ጽሑፋትካ ኢዮም። በቶም ፍልስፍናዊ ሓሳባትካ ኣዝየ እየ ዝምሰጥን ዝግደስን ሕጂ በዛ ጀሚርካያ ዘሎኻ ቀጽላ።

1 4 5 6

POST A COMMENT