Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትፈልጦ ዶ? – 3ይ ከፋል ቅዋም

ብመጀመርታ ንሃገርናን ንኩልና ሃገራውያንን ጽቡቕ ምጅማር ጥሉል ዓመት ክገብረልና እምነ! ዓመተ ለውጢ፡ ዓመተጽንዓትን ዓወትን፡ ብሓፈሻ ድማ መሓውርናን መንፈስናን ዝዕቀበሉን ዝረግኣሉን ዓመት ይግበረልና፡ ኣሜን!! ከም ርዱእ ሃገራዊ ቅዋምና መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቃልሲ እንከለና ከም ከብዲ ኢድና ዘጽናዕናዮ

ብመጀመርታ ንሃገርናን ንኩልና ሃገራውያንን ጽቡቕ ምጅማር ጥሉል ዓመት ክገብረልና እምነ! ዓመተ ለውጢ፡ ዓመተጽንዓትን ዓወትን፡ ብሓፈሻ ድማ መሓውርናን መንፈስናን ዝዕቀበሉን ዝረግኣሉን ዓመት ይግበረልና፡ ኣሜን!!

ከም ርዱእ ሃገራዊ ቅዋምና መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቃልሲ እንከለና ከም ከብዲ ኢድና ዘጽናዕናዮ ብ“ፕሮገራም“ ዝተ  ሰመየ ጥርኑፉ ዕላማ ቃልስና ዝገለጸ ሰነድ ሰውራ ኢዩ። ብዛዕባ ቅዋም/   /፡ ብዙሕ ክበሃል ምተኻእለ። ብመንጽር ድሩትነት ዓቕምን ኩሉነገራትን ግን ዝከኣል ኣይኮነን’ሞ፡ ብመሰረት ቆጸራና ንዝጀመርናዮ ንምቕጻል ግን ንሎሚ ብዛዕባ ሓንቲ ከፋል ካብቲ ሸውዓተ ምዕራፋት ጥራይ ማለት ብዛዕባ ምዕራፍ ሰለስተ፡ መሰረታዊ መሰላትን ሓርነትን ግቡኣትን፡ ጥራይ ኢየ ክዛረብ። ትሕዝቶኡን መልክዑን ምእንቲ ከይጅላሕ ድማ መጀመርታ እታምዕራፍ ከምዘላታ ኢያ ቀሪባ ዘላ። ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝበልኩዎ፡ ተቓውሞታትና ናይ ሃውሪ መታን ከይኸውን፡ ነፍሲ ወከፍና ከኣ ግቡእና ፈጺምና እንተኾይንና እንታይ ዝኣመሰለ መሰልከ ነይርናን ተነፊግናን ተነፊግዎ ንኤርትራዊ ፡ ስለምንታይከ? ምስተመኩሮታትናን ኣብ ከባቢና ዝወረደን ከነገናዝቦ መሪጸ። ንምክትታሉ ክጥዕም ምእንቲ ድማ ብግቡኣት ክጅምር፡-

ዓንቀጽ 25፡ ግቡኣት ዜጋታት፡-

  1. ንኤርትራ እሙን ምዃን፡ ንምዕባለኣን ንራህዋኣን ከኣ ምስራሕ፤
  2. ንምክልኻል ሃገር ድሉዊ ምዃን፤
  3. ሃገራዊ ኣገልግሎት ምፍጻም፤
  4. ሃገራዊ ሓድነት ምድንፋዕ፤
  5. ንቕዋም ምኽባርን ምክልኻልን፤
  6. ናይ ካልኦት መሰል ምኽባር፤
  7. ብሕጊ ዚእዘዙ ግቡኣት ምፍጻም። ትብል እዛ ምዕራፍ።

ብወገነይ ብዛዕባ ሓደ ነገር ርግጸኛ እየ። ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብዓድን ብባሕርን፡ ብውሸጥን ብወጻእን ፡ ብማልን ብሂ

ወትን፡ ኪኖ’ዘን ዝተጠቕሳን ኪኖ’ቲ ክኾኖ ዝኽእልን ከምዝኾነላ ንሃገርና ክልተ ምኢቲ ካብ ምኢቲ ርግጸኛ እየ። ብዛዕባ ብሕጊ ንዘይተወሰነ ገደብ ኣገልግሎት፡ ከምቲ ኣብ ዓንቀጽ 16፤3 ተጠቒሱ ዘሎን፡ ኣብ ዓንቀጽ 17፤ 2 እውን   ዘሎ፡ መንእሰይ ክሕተተሉ እንተኣልይዎ ግቡእ መብርሂ ይግቦኦ። ብዝተረፈ ከማይ እንተኮንኩም ድሕሪ ጉቡእካ ምፍጻም፡ መሰልካ ድማ ምሕታት ኣሎ እንድዩ፡ ቅዋምከ ብዛዕባ መሰል እንታይ ይብል?

ዓንቀጽ 14 – ማዕርነት ኣብ ቅድሚ ሕጊ፡

  1. ኩሉ ሰብ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ኢዩ።
  2. ኣንጻር ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ኣብ ዓሌት፡ ኣብ ኤትኒካዊ መበቆል፡ ኣብ ሕብሪ፡ ኣብ ጾታ፡ ኣብ ቋንቋ፡ ኣብ ሃይማኖት፡ ኣብ ስንክልና፡ ኣብ ዕድመ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ወይ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ደረጃን ካልእ ዘይግቡእ ረቛሒታትን እተመስረተ ኣድልዎ ኣይግበርን።
  3. ሃገራዊ ባይቶ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ንዘሎ ዘይማዕርነት ንምውጋድ ዚሕግዝ ሕግታት የውፕእ።

ዓንቀጽ 15 –  መሰል ህይወትን ናጽነትን

  1. ዝኾነ ሰብ፡ ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ህይወቱ ኣይስእንን።
  2. ዝኾነ ሰብ፡ ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ናጽነቱ ኣይግፈፍን።

ዓንቀጽ 16 – መሰል ሰብኣዊ ክብረት፡

  1. ናይ ዝኾነ ሰብ ሰብኣዊ ክብረት ኣይግፈፍን።
  2. ንዝኾነ ሰብ ምስቓይ፡ ብጭካነን ውርደትን ዘይሰብኣዊ መገድን ምሓዝን ምቕጻቕን ክልኩል እዩ።
  3. ዝኾነ ሰብ፡ ብጊልያነት ወይ ብግዲ ብምዕሳብ ኪቑረን፡ ወይ’ውን ሕጊ ብዘይፈቕዶ ብሓይሊ ኪዓዪ

ኣይፍቀድን።

ዓንቀጽ 17 – ማእሰርትን ቀይድን ፍትሓዊ ፍርድን፡

  1. ንዝኾነ ሰብ፡ ብዘይ ግቡእ ሕጋዊ መስርሕ ምእሳር ወይ ምቕያድ ኣጥፍቀድን።
  2. ዝኮነ ሰብ ገበን ፈጺሙ ኣብ እተባህለሉ እዋን ኣብ ግብሪ ብዘይወዓለ ሓድሽ ሕጊ ኣይክሰስን፡ ኣይቅጻዕን።
  3. ዝኾነ ሰብ ምኽንያት መእሰሪኡን ምስ ተኣሰረ ዘለዎ መሰልን ብዝርድኦ ቋንቋ ክግለጸሉ ይግባእ።
  4. እተኣሰረ ሰብ ኣብ ውሸጢ 48 ሰያት፡ ወይ ከምኡ ንምግባር ዘይከኣለሉ ቅቡል ምኽንያት ምስዚህሉ ድማ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ኪቐርብ ኣለዎ። ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኸኣ ካብኡ ንላዕሊ ኪትሓዝ ኣይከኣልን።
  5. ኩሉ ሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ብኣካል ንምቕራብ መሰል ጥርዓን ኣለዎ። እቲ ዝኣሰረ በዓል ስልጣን፡ ንእሱር ናብበ ቤት ፍርዲ ምስ ዘየቕርቦን ምኽንያት መእሰሪኡ ምስዘየቕርብን፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ጥርዓን ተቀቢሉ እሱር ክልቀቕ ይእዝዝ።
  6. ዝኮነ ሰብ ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ብፍትሓውን ብቕልጡፍን ግሉጽ መገድን ኺስማዕ መሰል ኣለዎ። ቤት ፍርዲ፡ ሓደ ጉዳይ ኣብ ሓደ ፍትሓውን ደሞክራሲያውን ሕብረተሰብ፡ ብምኽንያት ስነምግባር ወይ ብምኽንያት ሃገራዊ ጸጥታ ብግህዶ ክስማእ ዘይብሉ ምስ ዝኸውን፡ ንማዕከናት ዜናን ንህዝብን ካብ ሙሉእ ወይ ክፋል ናኢቲ ጉዳይ ኪእግዶም ይኽእል።
  7. ክሱስ ብቤትፍርዲ ገበነኛ ምዃኑ ክሳዕ ዚረጋገጽ ከም ንጹህ ይውሰድ፡ ክዕጻዕ ከኣ ኣይከኣልን።
  8. ክሱስ ብዝተፈርደ መሰል ይግባይ ይህልዎ። በቲ እተፈርደሉ ጉዳኢ ከኣ ከምብሓድሽ ኣይክሰስን።

ዓብቀጽ 18 – መሰል ብሕትና፡

  1. ኩሉ ሰብ መሰል ብሕትና ኣለዎ።
  2. ሀ፡ እኾነ ሰብ፡ ብዘይ ግቡእ ምኽንያት ኣካላቱ ክፍተሽ፡ ቤቱ ወይ ንብረቱ ክጉርጐር ወይ  ኪእቶ፡ ከምኡ’ውን ርክባቱን ምጽሕሓፉን ካልእ ንብረቱን ኪድፈር ኣይፍቀድን።

ለ፡ ምፍታሽ ዘፍቅድ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ነቲ ዚፍተሽ ቦታን ዚተሓዝ ሰብን ንብረትን ዝገልጽ ብማህላ እተደገፈ ምኽኑይ ጥርጠራ ምስ ዝህሉ ጥራይ ይወሃብ።

ዓንቀጽ 19 –  ሓርነት ሕልና፡ እምነት፡ ምግላጽ ርእይቶ፡ ምንቅስቓስ፡ ምእካብን ምውዳብን፡

  1. ኩሉ ሰብ፡ ናይ ሓሳብ፡ ናይ ሕልናን እምነትን ሓርነት ኣለዎ።
  2. ኩሉ ሰብ ናይ ምዝራብን ሓሳብ ምግላጽን፡ ናይ ፕረስን ካልኦት ማዕከናትን ሓርነት ኣለዎ።
  3. ኩሉ ዜጋ ሓበርታ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ።
  4. ኩሉ ሰብ፡ ዝኾነ ሃይማኖት ናይ ምኽታልን ምዝውታርን መሰል ኣለዎ።
  5. ኩሉ ሰብ፡ ብሰላማዊ መገዲ ናይ ምእካብን ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምግባርን መሰል ኣለዎ።
  6. ኩሉ ዜጋ፡ ንፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቑጠባውን ባህላውን እላማታት ውድባት ኬቕውም መሰል ኣለዎ
  7. ኩሉ ዜጋ፡ ዝኾነ ሕጋዊ ሞያን ጥበብን ከካይድን ከዘውትርን መሰል ኣለዎ።
  8. ኩሉ ዜጋ፡ ኣብ መላእ ኤርትራ ብሓርነት ናይ ምንቅስቓስን ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ኤርትራ ናይ ምንባርን መሰል ኣለዎ።
  9. ኩሉ ዜጋ፡ ካብ ኤርትራ ናይ ምውጻእን ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስን፡ ፓስፖርት ወይ ካልእ ሰነዳት መገሻ ናይ ምርካብን መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 20 – መሰል ምድማጽን ኣብ ምርጫ ምውድዳርን

ኩሉ ዜጋ፡ ሕጊ ምርጫ ብዘፍቅዶ መሰረት ኪመርጽን፡ ኣብ ምርጫ ክወዳደርን መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጽ 21 – ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ መሰላትን ሓላፍነታትን

  1. ኩሉ ዜጋ፡ ብመንግስቲ ብዝወሃብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ናይ ምጥቃም ማእረ መሰል ኣለዎ። መንግስቲ ከኣ ናይ ጥዕና፡ ናይ ትምህርቲ፡ ናይ ባህልን ካልእ ኣገልግሎትን ናብ ኩሉ ምእንቲ ኺባጻህ ብዘለዎ ዓቕሚ ይጽዕር።
  2. መንግስቲ ዓቕሙ ክሳብ ዘፍቀደሉ፡ ናይ ዜጋታት ብፍላይ ከኣ ጽጉማት ዜጋታት ማሕበራዊ ድሕነት የረጋግጽ።
  3. ኩሉ ዜጋ፡ ኣብ ቁጠባዊ ንጥፈታት ብሓርነት ኪሳተፍን ዝመረጾ ሕጋዊ ስራሕ ወይ ዋኒን ኬካይድን መሰል ኣለዎ።
  4. መንግስትን ሕብረተሰብን፡ ታሪኻውን ባህላውን ውርሻታትን ቅርስታትን ንምልላይን ምዕቃብን፡ ከከም ኣድላይነቱ ድማ ንምምዕባሉን፡ ከምኡ’ውን ንምትሕልላፍ ሓላፍነት ኣለዎ። ንምዕባለ ስነጥበብ፡ ስነ ፍልጠት፡ ስነ ኪነትን ስፖርትን፡ ምቹእ ኩነታት ብምፍጣር ከኣ ተሳታፍነት ዜጋታት የተባብዕ።
  5. ሃገራዊ ባይቶ፡ ማሕበራዊ ድሕነት ዜጋታት፡ መሰላትን ኩነታትን ዕዮን ካልእ ኣብዚ ዓንቀጽ እዚ እተጠቕሰ መሰላትን ንምርግጋጽን ንምትግባርን ሕግታት የውጽእ።

ዓንቀጽ 22 – ስድራ ቤት

  1. ስድራቤት ናይ ሕብረተሰብ ባህርያዊትን መሰረታዊትን ኣሃዱ ኢያ። ብሕብረተሰብን ብመንግስትን ከኣ ክትህሎን ክትሕብሓብን ይግባእ።
  2. ብሕጊ ዝኣኸሉ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብናጻን ብሙሉእ ፍቓዶምን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎን ኪምርዓዉን ስድራቤት ኪምስርቱን መሰል ኣለዎም። ኣብ ኩሉ ጉዳይ ስድራ ቤት ከኣ ማዕረ መሰልን ግቡእን ኣለዎም።
  3. ወለዲ ንደቆም ብጉብእ እናኰስኰሱን እናተኸናኸኑን ኬዕብይዎም መሰልን ግዴታን ኣለዎም። ውሉዳት ከኣ ብግዲኦም ንወለዶም ኬኽብሩን ምስ ሸምገሉ ኪሕግዝዎምን መሰሎምን ግዴታኦምን እዩ።

ዓናቀጽ 23 – መሰል ንብረት

  1. ኣብ ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ ንኡስ-ዓንቀጽ/2/ እተደንገገ ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ዝኾነ ዜጋ ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ኤርት ራ ብውልቂ ወይ ብሓባር ምስ ካልኦት፡ ንብረት ንምጥራይን ንወረስቱ ንምትሕልላፍን መሰል ኣለዎ።
  2. መሬትን ኩሉ ባህሪያዊ ሃብትን ንብረት መንግስቲ ኮይኑ፡ ዜጋታት ኣብ መሬት ዚህልዎም ናይ ተጠቃምነት መሰል ብሕጊ ይውሰን።
  3. መንግስቲ፡ ምእንቲ ሃገራዊ ረብሓን ጥቕሚ ህዝብን፡ ብግቡእ ሕጋዊ መስርሕ፡ ዚግባእ ካሕሳ ብምኽፋል ንብረት ኪወስድ ይኽእል።

ዓንቀጽ 24 – ምምሕዳራዊ ፍትሒ

  1. ዝኾነ ምምሕዳራዊ ጉዳይ ዘለዎ ሰብ፡ በቲ ዘምልከቶ ምምሕዳራዊ በዓል ስልጣን ብኣኽብሮት ኪስማዕን ቅልጡፍን ርትዓውን መልሲ ኪረክብን መሰል ኣለዎ።
  2. 2.   እኾነ ምምሕዳራዊ ጉዳይ ዘለዎ ሰብ፡ መሰላቱ ወይ ረብሓታቱ ምስዝትንከፍ ወይ ምስዝህደድ ግቡእ ምምሕዳራዊ መአረምታ ኪግበረሉ መሰል ኣለዎ።

ዓንቀጻት ቅዋም ከምዘለዎ እዩ ቀሪቡ ዘሎ። እዚ ማለት ሃገራዊ ግቡኡ ዝፈጸመ ኩሉ መሰሉኸ ረኺቡዶ ንክግምግም

ክሕግዝ ብማለት ኢዩ። ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣን፡ ብሓፈሻኡ ድማ ብዛዕባ ከምድክመት’ዛ ቅዋማ ንዝጥቀስ ከም ዛዕባ ዜግነትን ጉዳይ መሬትን ከምቲ ኩሉ ዜጋ ከኣ ኣነ ንዘለኒ ርኢቶ ዘተኮረ ናይ መወዳእታ ትንተና ድማ ክስዕብ ኢዩ።

ድሓን ቀንዩ!

ጎደፋ።    

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Dawit December 28, 2011

    Article 19, does not talk anything about the separation of church and state, neither does it talk about the role of government in religious affairs, if there is any. One can assume that a government can interfere with the duties of a church by passing laws, and by sponsoring , promoting, and endorsing a particular religion. “kota b’HafeshUu”, a government can show preference for one religion over the other.

    I could also assume that a government cat establishing its own religion.

    Any answer?

    • Weldit December 28, 2011

      I assume there are articles that define the function and the mandate of the government.
      The fact that article 19 doesn’t forbid the government from interfering in religious affairs doesn’t automatically mean interference is permitted – because to interfere, the constitution has to clearly state that you have the authority to interfere.

  • abraham December 28, 2011

    eritrea’s constitution in article 17 nu 6 it resembel to the stuation of hgdef .that mean contrary to open judgement.

  • Ahmed saleh December 29, 2011

    We Eritreans in general need to have the book of our constitution to be acquainted with
    and learn in detail what it mean section by section. After we become knowledgeable
    of the subject then we can discuss and debate on the matter. I do not mean to offend
    no one just simply reacting to my ability on understanding to the contents of it. Because
    I know well that is not easy to follow the rule of law, that is why we run to legal experts to
    for consultation.

  • simeriiiiiiiiiiiiiiiiiiiiiiiiiii December 29, 2011

    I think this is going to be a dream to happen in Eritrea by HGDF especially by ISSAYAS JIGNA.

  • Daniel Teclegiogis December 29, 2011

    ክቡር ኣቶ ጎደፋ! 1.”…….ከም ርዱእ ሃገራዊ ቅዋምና መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቃልሲ እንከለና ከም ከብዲ ኢድና ዘጽናዕናዮ ብ“ፕሮገራም“ ዝተሰመየ ጥርኑፉ ዕላማ ቃልስና ዝገለጸ ሰነድ ሰውራ ኢዩ…..” ካብ በልካ’ሲ ክሓተካ።
    ኣቐዲመ ግን ሰላምታይ ይብጻሕካ። ንኹልና ድማ ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ድማ ይግብረልና። ንሰናይ ተበግሶኻ ድማ ኣድንቖተይ እገልጸልካ።
    ኣብ’ዚ ትብሎ ዘለኻ “ፕሮግራም” ንቕዲ ኣመራርሓ ዝምልከት ክፋሉ እንታይ ይብል? መራሕን ንሱ ዝመርሖ መስርሕን ብኸመይ ይዕቅንን የዛምድን ኔሩ? …….ቃልሲ መስርሕ’ዩ። ማለት’ሲ ይጋገ ይእረም! ጉዕዞ ይቕጽል። እዚ “ከም ከብዲ ኢድና ዘጽናዕናዮ” ብዝብል ቃላት ዝጠቐስካዮ “ፕሮግራም” ተሃኒጹ ዝጎዓዝ ዝነበረ መስርሕ ስለምንታይ’ዩ ኣብ’ዚ ሕጂ ዘለዎ ባይታ ዓሊቡ?

  • Daniel Teclegiogis December 29, 2011

    2.ማለት’ሲ ምስ መራሕቱ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ኣርእዩ። ናተይ ርኢቶ’ዩ። እዚ “ፕሮግራም” ብኣባላት ናይ’ቲ መስርሕ ኣቢሉ ንመራሕቱ ዕዮ-ምስክር ዝህበሉን ብሓላፍነት ዝሓተሉን ክፋል ኔሩዎዶ? መራሕን ንሱ ዝመርሖ መስርሕን ክሳብ ክንደይ ይፈላሊ ወይ ድማ የቀራርብ ኔሩ? ሃየ በል ርኢቶኻ ወስ ኣብል። ምስ ምስጋና!

Post a Reply to Ahmed saleh Cancel Reply