Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቻንሰለር ጀርመን ኣንጀላ መርኸል፣ ብፍላይ ብደገፍቲ ሕሉፋት የማናውያን ዝኾኑ ጀርመናውያን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ንዝርአ ጽልእን ምጽያንን ትዅንን። – ብፍላይ ንሶርያውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ብዝወሰደቶ ተደናጋጺ ስጉምቲ ድማ ናይ ፍቕርን ሞጎሰን ደብዳበታት ትቕበል።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝተዋህቦም 250 ስደተኛታት ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሑሉ ኣጋጣሚ፣ ሕሉፋት የማናውያን ድሕሪ ዘልዓሉዎ ናዕቢ ምስ ፖሊስ ምትፍናን ከምዝተኸስተን 30 ኣቢሎም ዝኾኑ ፖሊስ ከምዝተጎድኡን ይፍለጥ። ቻንሰለር ጀርመን ኣንጀላ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝተዋህቦም 250 ስደተኛታት ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሑሉ ኣጋጣሚ፣ ሕሉፋት የማናውያን ድሕሪ ዘልዓሉዎ ናዕቢ ምስ ፖሊስ ምትፍናን ከምዝተኸስተን 30 ኣቢሎም ዝኾኑ ፖሊስ ከምዝተጎድኡን ይፍለጥ።

ቻንሰለር ጀርመን ኣንጀላ መርኸል ግን፣ ብደገፍቲ ናይቶም ሕሉፋት የማናውያን ዘጋጠማ ምሽባብን ምድሃልን ግዲ ከይገበረት ናብቲ ስደተኛታት ዝተዓቖቡሉ ቦታ ብምብጻሕ፣ ነቶም ጽጉማት ስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ተዋፊሮም ዘለዉ ወለንተኛታት ኣመስጊና። ንሳ ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ‘ እዚ እንርእዮ ዘለና ኣንጻር ስደተኛታት ዝቐንዐ ጽልኢ ዘሕፍር እዩ፣ ተጸጊሙ ንዝመጽኣና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኽብረት ምቕባል መግለጺ ሰብኣዊ ክብርናን ሃገርናን እዩ’ ድማ ኢላ።

ብዘይካ ‘ዚ ቻንስለር ኣንጀላ መርኸል፣ ብፍላይ ነቶም ብውግእ ሕድሕድ ተዘናቢሎም ናብ ጀርመን ዝመጽኡ ዘለዉ ሶርያውያን ስደተኛታት እቲ ናይ ዳብሊን ውዕል፣ ማለት ስደተኛታት ናብታ ፈለማ ዝረገጹዋ ኤሮጳዊት ሃገር ክምለሱ ዝቐስብ ስምምዕ ከምዘይምልከቶም ገሊጻ።

እዚ ተበግሶ እዚ፣ ሶርያውያን ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ኣብ ጀርመን ብቐሊሉ ቅቡል ዝገብር እዩ። ነዚ ትስፉው ዜና ዝሰምዑ፣ ብሰብኣውነት መራሒት ጀርመን ዝተሓጎሱ ሶርያውያን ከኣ፣ ንሰብኣውዊ ርሕራሀኣን ሞራላዊ መትከላን ብምንኣድ፣ ኣብ ፈይስ ቡክን ካልኦት ማሕበራዊ መራኸቢታትን ናይ ፍቕሪ ደብደበ ይልእኩላ ኣለው።

ከም ብዓል ደቪድ ካምረን ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣመሰሉ መራሕቲ በቲ ኣብ ህዝቦም ዝቀላቐል ዝተወሰነ ስደተኛታት ናይ ምጽያን ሃዋህው ተሰናቢዶም፣ ኣብ ቴለቭዥናት ንስደተኛታት ከም ‘ዕስለ ሓሳኹ’ ኣነኣኢሶም ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ ኣብ ዝህቡሉን ከም ብዓል ኢሳይያስ ምስ ዝኣመሰሉ ጠንቂ ናይቲ ሽግር ምስ ዝኾኑ ዕሉላት ውልቀመለኽቲ ሕሹኽሹኽ ኣብ ዝብሉሉን ዘለዉ እዋን ኣንጀላ መርኸል ከምዚ ዝኣመሰለ ርህራሀን ሰብኣውነትን ምርኣያ ካብ መዛኑኣ ክብ ዝበለት ኣብነታዊት መራሒት ምዃና ዝገልጽ እዩ።

ኣብዚ ዓመት ‘ዚ ጥራይ ፣ ጀርመን ብኣስታት 800 ሽሕ ሓደስቲ ስደተኛታት ተጎቢኣ፣ ዝያዳ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ በዚ ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝበኣሰ ሰብኣዊ ቅልውላው ምዃኑ ዝንገረሉ ዋሕዚ ስደተኛታት ተገዲዓ ክንሳ እያ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ተጻውሮን ዓቕልን እተርኢ ዘላ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • berhan August 27, 2015

    It is great news. The immigration issue is the biggest agenda now in Europe. I hope the war and dictatorial regime s stop their atrocities.

  • Ambasoira August 27, 2015

    May God bless Angela Merkel and Germany!

  • tsegay August 27, 2015

    Ich bin tsegay ich komme aus eritrean vielen Dank Deutschland angela markel

    • SAM August 28, 2015

      Ich bin auch deiner Meinung. Deutschland beherbergt mittler weile mehr als 70tausend Eritreer, die ihrer Heimat den Ruecken gekehrt haben. Gott segne Deutschland und ihrer Menschen.
      Shalom

  • Ghebru August 27, 2015

    Germany is a blessed country.It’s people and Leaders are also blessed.They are helping thousands of people.every body muss believe Humanity in Germany is in the highest level.

  • smerr495 August 28, 2015

    Kanzler Merkel, you are as always the beloved leader in Europe and in the world as well, your humanity is always in the mind of the people of the world.Germany is a blessed country. your leadership is an example of democratic in our global.

  • aman August 28, 2015

    We love you we receive very nice news chancellor Angela markel God bless you. God will give you your rewards! !!!!

  • yohannes August 28, 2015

    The Europans does’t seem to undrstand the influx of refugees to their territories. America and europe has destroyed their countries, they have no where to go.
    Many of you christian zionists are praising Angela Markel’s corocodile tears. It is a shame our people does not understand the “Double Speak” of the brotherhood of snakes.

  • k.tewolde August 28, 2015

    That is the difference between a sound, capable, educated, rational..leadership, and stubborn, arrogant,idiotic,moronic,illiterate,shefatu.

  • Mehari August 30, 2015

    God bless you angela markel

  • Ti August 31, 2015

    Sie sind die großte Vorbild die eher nicht gegeben hat.
    Gott segene und beschützt dich.

Post a Reply to Ti Cancel Reply