Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቻይናዊ ቢልዮነር ጃክ ማ ብመንገዲ ትካሉ ዓሊባባ፡ COVID-19 (ቫይረስ ኮረና) ንምክልኻልን ለበድኡ ንምቊጽጻርን ንኣፍሪቃ ዘወፈዮ፡ ጥዕናዊ መሳለጥያታት፡ እቲ ናይ ኤርትራ ብጽሒት ኤርትራ ከምዘይኣተወ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ ዝተዘርግሐ ዜና ኣገንዚቡ።

ቻይናዊ ቢልዮነር ጃክ ማ ብመንገዲ ትካሉ ዓሊባባ፡ COVID-19 (ቫይረስ ኮረና) ንምክልኻልን ለበድኡ ንምቊጽጻርን ንኣፍሪቃ ዘወፈዮ፡ ብማዕከናት ዜና ብዙሕ ዝተወርየሉ ጥዕናዊ መሳለጥያታት፡ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ከምእተማቓርሐ ኳ እንተሓበረ፡ እቲ ናይ

ቻይናዊ ቢልዮነር ጃክ ማ ብመንገዲ ትካሉ ዓሊባባ፡ COVID-19 (ቫይረስ ኮረና) ንምክልኻልን ለበድኡ ንምቊጽጻርን ንኣፍሪቃ ዘወፈዮ፡ ብማዕከናት ዜና ብዙሕ ዝተወርየሉ ጥዕናዊ መሳለጥያታት፡ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ከምእተማቓርሐ ኳ እንተሓበረ፡ እቲ ናይ ኤርትራ ብጽሒት ኤርትራ ከምዘይኣተወ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ ናይ እንግሊዝኛ ገጽ ሎሚ 3 ሚያዝያ ዝተዘርግሐ ዜና ኣገንዚቡ።

እቲ ጥዕናዊ መሳለጥያታት ናብ ኤርትራ ዘይኣተወሉ ምኽንያት ዘይንጹር ኳ እንተኾነ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ስርዓት ህጹጽ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ ዕሽሽ ብምባሉ ይኸሱዎ ምህላዎም እቲ ኣብ ድምጺ ኣመሪካ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ መመርመሪ ኮሮና ቫይረስ፡ ማስኬራ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝርከቦ መሳለጥያታት ኤርትራ ከምዘይበጽሐ ፡ ነቲ ናውቲ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምብጽጻሕ ዝተዋስኡ ኣብ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ዝሰርሑ ክልተ ሰበስልጣን ከምዘረጋገጹ `ውን እቲ ዜና ኣገንዚቡ።

ሓደ ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ኣግሂዱ ክዛረብ ፍቓድ ዘይተዋህቦ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ፡ ነቲ መሳለጥያታት ጽዒና ዝነበረ ነፋሪት፡ ብ 23 መጋቢት ብካርቱም ኣቢላ ኣስመራ ክትዓልብ ኳ እንተነበራ፡ ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ክትዓልብ ፍቓድ ከምዝኣገዱዋ ምሕባሩ `ውን እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብ ኤርትራ ምዕላብ ዝተኸልከሉ ፓይሎታት፡ ኣብ ጅቡትን ኬንያን ጽዕነቶም ብምርጋፍ ናብ መበገሲኦም ኣዲስ ኣበባ ከምዝተመልሱ `ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣፈኛ Africa CDC ( ማለት ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ) ጀምስ ኣዮዲሊ ` እቲ ጉዳይ ገና ብደረጃ ዲፕሎማሰኛታት ይዝረበሉ` ኣሎ` ኢሉ።

ኣፈኛ 1ይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ቢለን ስዩም ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝርርብ ይካየድ ኣሎ ክትብል ከላ፡ እቲ ነቲ ንብረት ዘበርከተ ትካል ዓሊባባ ግን ቃሉ ካብ ምሃብ ከምእተቖጠበ እቲ ናይ ድምጺ ኣመሪካ ዜና ኣረዲኡ።

ኣብዚ ምዕቡላት ሃገራት በቲ ለበዳ ቫይረስ ተዋሊአን ህዝበን መዓልታዊ ብጅምላ ዝሞተሉ ዘሎ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ጥዕና ምዕቡል ብዘይምዃኑ ህዝብና ከቢድ ጉድኣት ከይወርዶ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝነበር ኤርትራዊ ከብዱ ሓቚፉ ኣምላኽ ጥራይ ይሓልወና ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብዝኾነ ይኹን ዓቐን ኣብ ምሕላው ጥዕና ህዝቢ ኤርትራ ኣበርክቶ ዝነበሮ መሳለጥያታት ሻቡ ዘይምቕባሉ፡ ኣብ ጥዕናን ድሕነትን ህዝቢ ኤርትራ ተገዳስነት ከምዘይብሉ ዳግም ዘርኢ ኢሰብኣዊ ስጉምቲ እዩ።

እዚ ኸኣ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኤርትራውያን `ንመኸተ ወራር ኮሮና ቫይረስ ገንዘብ ኣዋጽኡ ክብል ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ጎስጓስ የካይድ ምህላዉ ብዙሕ ኤርትራዊ ጠርጢሩዎ ከምዘሎ፡ ነዚ ናይ ጥዕና ቅልውላው ተጠቒሙ ስልጣኑ ንምድልዳል ዝሕግዝ ገንዘብ ንምሽምታጥ ደኣምበር ህዝቢ ናይ ምድሓን ተገዳስነት ከምዘይብሉ የረጋግጽ።

ንኤርትራውያን ገንዘብ እምበር ናይ ሕክምና ንዋት ኣይትሃቡ ክብል ሓገዝ የማርጽ ምህላዉ ንገዛእ ርእሱ፡ ነዚ ዘይሓላፍነታዊ ዝምባሊኡ ዘብርህ ተወሳኺ መርኣያ እዩ።

እቲ ስርዓት ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ኣብ ኤርትራ ምስጉን ኣገልግሎት ዝህባ ዝነበራ ብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ዓሰርተታት ትካላት ጥዕና ብሓይሊ ከምዝዓጸወ ይፍለጥ። እዚ ናይ ኮረና ቫይረስ ሻቕሎት ንዓለም ኣጨኒቑ፡ ብዙሓት ሃገራት ነቲ ጉድኣት ንምውሓድ እሱራት ኣብ ዝፈትሓሉ ዘለዋ እዋን፡ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ብውሽጥን ግዳምን ንዝቐረበሉ ዘሎ መጸዋዕታ ዛጊት ጸማም እዝኒ ሂቡዎ ምህላዉ `ውን ብዝኾነ ዓቀን ሰብኣውነት ኮነ ሓልዮት ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይብሉ ዘረጋግጽ እዩ።

ኣብዚ ዓለም ፖለቲካዊ ፍልልያታ ኣወጊዳ ነዚ ህጹጽ ቅልውላው ጥዕና ንምምካት ብምውህሃድ እትንቀሳቐሰሉ ዘላ ከቢድ ግዜ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምስቲ ሰብኣውነት ኣልቦ ምዉት ድርቅናኡ ይቕጽል ምህላዉ፡ ብኣካል እንተዘይኮይኑ ብኣእምሮን ልቦናን ኣብ ካልእ ፕላኔት ይነበር ምህላዉ ዘመልክት እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ነዚ ናይ ጥፍኣት መራሒ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስቲ ኮረናቫይረስ ብሓንሳብ ደሚሩ ክምክቶ ከምዝግባእ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ክበርሃሉ ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT