Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነቐፌታዊ ደገፍ

ነቐፌታዊ ደገፍ  FOCUS ERITREA መስከረም 05/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ቅድሚ ኣብቲ ብዛዕባ ኣርእስተይ ዘሎ ርእይቶ ምሃበይ ብዛዕባ እዚ ለንቅነ ብብርሃነ ኣብርሀ ዝተወስደ ጅግንነታዊ ስርሒት ድልውነት ንመስዋእቲ ክጠቅስ እፈቱ። ብዕዉት ብርሃነ ብቖራጽነት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኰይኑ ነዚ መላኺ ፍጥረት ስልጣኑ ንህዝቢ

ነቐፌታዊ ደገፍ

 FOCUS ERITREA

መስከረም 05/2018

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ቅድሚ ኣብቲ ብዛዕባ ኣርእስተይ ዘሎ ርእይቶ ምሃበይ ብዛዕባ እዚ ለንቅነ ብብርሃነ ኣብርሀ ዝተወስደ ጅግንነታዊ ስርሒት ድልውነት ንመስዋእቲ ክጠቅስ እፈቱ። ብዕዉት ብርሃነ ብቖራጽነት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኰይኑ ነዚ መላኺ ፍጥረት ስልጣኑ ንህዝቢ ከረክብ ህዝቢ ኤርትራ ክኣ ስልጣኑ ክርከብ ከምዘለዎ ንመስዋእቲ ቅሩብ ዝዀነ መደሎ ንሕና እንታዎት ኢና ንስኻኸ መን ኢኻ ዝብል ጻውዒት ዓወትና ኣብ ቅድሜና ከምዘሎ ዘበስር ኢዩ። እዚ ነቲ ናይ ጀጋኑ ብዓል ወዲ ዓልን ኣቦና ሓጂ ሙሳን ህያው መቐጸልታ ኢዩ። ብድሕሪ’ዚ ግብኣተ-መሬት ምልካዊ ርሑቕ ኣይክኸውንን ኢዩ። እንተዀነ ግን ምስቲ ትሕት ኢለ ምስ ኣርእስተይ ዝገልጾ ምስ እንሰማማዕ ጥራይ ምዃኑ ምፍላጥ ከድሊ ኢዩ።

ኣብ ወጻኢ ኣብ ስደት ንኢደ ወነናዊ ብዓል ስልጣን ፕረዚደንት ኢሳያስ እንዳበሉ ነዚ መሕፈሪ ብኽብረት ክጽውዕዎን ብንሕስያ ክቃወምዎ ከለዉ፡ ጅግና ብርሃነ ግን ዝግባእን ዘይግባእን ስለ ዝፈልጥ ትብዓት ክኣ ስለ ዘወነነን፡ እስከ እቲ ትገብሮ ክርእየካ ኢየ ኢሉ ከምታ ትግብኦ ኣቶ፡ ዋላ’ውን ንሳ ዘይብላ ኢሳያስ ንዓስከ ኣብ ቅድመይ ደው በል ብማለት ክምክት ከሎ ኣምበሳ ድኣ’ሞ ካብዚ ንላዕሊዶ ይሕምሕም ኢዩ። ጅግና ብርሃነ ኢሳያስ ብኹሉ መዐቀኒታት መዘናኻ ስለዘይኰነ ኒዮው በሎ፡ ኢሳየስ ነቲ ተባዕ ሕቶኻ ዝኸውን ትብዓት የብሉን፡ ናቱ ትብዓት እቲ ዝገብሮ ዘሎ ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ጅግና ብርሃነ ኣነ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ኰይነ የመስግነካ ኣለኹ’ሞ ምስጋናይ ተቐበል። ቀጺለ ግን ናብ ኣርእስተይ ክኣቱ፦

ሓደ ካብቲ ናውትታት ወይ መሳርሒታት ደሞክራስያዊ ቃልሲ ነቐፌታን ነብሰ ነቐፌታን ምዝውታር ኢዩ። እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተዳለወ ታሪኻዊ ዝዀነ ኤሪትራዊ ስእላውን ጽሑፋውን ምርኢት (exhibition)ንኤሪትራውያንን ንወጻእተኛታትን ዝማረኸ ብጣዕሚ ዘዂርዕ ሓደ ካብቲ ኤርትራ ነጻን ሰላማዊትን ንኽትህሉ መሰላ ምዃኑን ቃልስና ድማ ካብ ጥንትን ክሳብ ሕጅን ንዘልኣለምን ፍትሓዊ ወይ ርትዓዊ እንዳሃለወ ከሎ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝኸፈለናሉን ንመዘከርታ’ውን ተለለይቲ ብሉጻት ጀጋኑ ከም ዝነበሩናን ዘለዉናን፡ ግን ክኣ ብምኽንያት ምልካዊ ስርዓት ዘይኢድና ዝረኸብና ህዝቢ ምዃንናን ዝሕብርን ዘረጋግጽን ብዙሕ ጻዕሪ ዝተኸፍሎ ከምቲ ዝተሰምዐ ክሳዕ 8 ወርሒ ዝወሰደ ኢዩ። ብግምተይ ካብኡ ንላዕሊ’ውን ወሲዱ ይኸውን በሃላይ ኢየ። ነቶም ዘዳለውዎ ጋንታ ተቓለስቲ ክኣ ኣብዚ ጒዳይዚ ልባዊ ምስጋናይ የብጽሓሎም።

ብዙሕ ተዘክሮታት ናይ ጀጋኑ መብዛሕትኦም ምእንቲ ህሉዋትን ብዓቢኡ ምእንቲ ህዝቢ ኤርትራን ዝሰንከሉ፡ ዝተሰውኡ፡ ዝተመቕሑ ብስእሊ ክትርእዮም ከለኻ በቲ ሓደ ወገን ጅግንነቶም ከዂርዓካ ከሎ፡ በቲ ካልኣይ ወገን ክኣ ብሕንቕንቕ ንብዓት ከም ዝስዕረካ ዝደፋፍእ ኢዩ። ስለ’ዚ ንኣስተዋጽኦ ምዳለውቲ ኣዚየ ክንእድ እደሊ። ምስጋናይ ካብ ልበይ ዝነቐለ ስለዝዀነ ክኣ ብኽብረት ክትቅበሉኒ ኣቐዲመ እወከሰኩም ኣለኹ። ዝተረስዐ ነገር ስለዘሎ ግን ክዝከር ስለዝግባእ ናብኡ ገጸይ ከድህብ ኢየ።

ማእረ ዘይርከቦ እኽልን ጌጋ ዘይብሉ ተቓላሳይን ማለት ብሓፈሽኡ ወድ-ሰብን የለን ። ክቡር ኣቶ ዳዊት ክብሎ ካልእ መጸውዒኡ ማለት (title) ስለ ዘይፈለጥኩ ይቕሬታ፡ ከምኡ ድማ ፕሮፌሰር ጋይም ክብርኣብ ሓደ ፍትሓዊ ዝዀነ ለበዋ ብለባምን ትሑትን ዝዀነ ኣቀራርባ፡ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቅያታት ዝኽርታት (ተ.ሐ.ኤ.) እንተትህልዎስ ዝተማልአ ምዀነ፡ ግን ድሓን ዋላ ኣብ ዝመጽእ ትምልእዎ ብማለት ለበውኦም ክልግሱ ከለዉ ሰሚዐዮም። እዚ ዘረባ’ዚ ምስ ሰማዕኩ ኣነ ተጋዳላይ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ስለዝነበርኩ ብዙሕ ንምጽብጻቡ’ውን ቀሊል ዘይኰነ ክዝከር ዘለዎ ፍጻሜታትን ዝፈጸሙዎ ጀጋኑን ኣይተዘከረን ዲዩ ኢለ ንብዓተይ ከይተረፈ ቍጽርጽር ኢሉኒ። ዋላ ሎሚ’ውን ክሳዕ ክንድ’ዚ ዲና ንረሳሳዕን ንጨኻኸን ኢለ ብዙሕ ሓዚነ። እቲ ምኽንያት እንታይ ኮን ይኸውን ኢለ’ውን የማን ጸጋም ኢለ። ናይ ተ.ሐ.ኤ. ጥራይ ዘይኰነስ ታሪኽ ካብ ተላዕለስ ምዕቡላትን ጽፉፋትን ብዓል ኣነ እኳ እንተዘየርከብናሉስ ብታሪኽ ስለዝተማሃርክዎ ናይ ማሕበር ሸውዓተ (ELM) ታሪኽ ከይተረፈ ትዝ ኢሉኒ። ሓደ ካብኣቶም’ውን ኣሕመድ ሶይራ ዝበሃል ኣብ ተ.ሓ.ኤ ብሽማግሊኡ ፖሊቲካል ኮርስ ክወስድ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ብሓንሳእ ኔርና ካብኡ ብዙሕ ናይ ቀዳሞት ብፍላይ ናይ ማሕበር ሸውዓተ ዝቐሰምኩዎ ዘኪረ፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ከምቶም ዝሓለፉ ሓሊፉ። ከምኡ’ውን መሓመድ ብርሃን ብላታ ብሂወቱ ዘሎ ብዙሕ ሰነዳት ስእልታት ከይተረፈ ዝዐቍር ኣብ  ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተዘክሮታቱ ዝህብ ክዝክር ክኢለ።

ከምቲ ክቡር ኣቶ ዳዊት ዝበሎ ኣብቲ ምርኢት፡ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ቅያታት ቃል ንቓሉ ከምታ ዝበላ ሓቁ ኤዩ። ኣዚዩ ብዙሕ ካብኡ ካብ ናይ ተመሃራይ ዕደሜና ማለት ዕድመ ሰላማዊ ሰልፍታት (ሸቦሮታት) ኢና ንብሎ ኔርና ኣነን መዛኖይን ኣርኪብናሉን ተሳቲፍናዮን ኢና። ውሑድን ብዙሕን ድኣ ይኸውን እምበር ተመቝሕናሉ’ውን ኢና። ብዓል ጀነራል ተድላ ዑቝቢትን ብዀረነሉ ከሎ፡ ካልኦት መዛንኡን እንተዝህልዉስ፡ ክህልዉ’ውን ይኽእሉ እንታይ ከም እተገብረ ኣብ ልዕሌና ካብ ከናፍሮም ብዝከኣለሉ መንገዲ ከም እንሰምዕ ምተገብረ ኔሩ። እሞ ናብ ምዕራፋት ተ.ሓ.ኤ. ክንሰግርሲ ቀረባን ርሑቕን ታሪኽ ዘለዋ ውድብ እስከ ካብቲ ብዙሕ ምዕራፋት ቍሩብ ገናጺልና ከነንብብ።

እታ ንመጀመርያ ናይ ድሎ ከይትዕሎ ግጥሚያ ኣንጻር ዕሱባት ወተሃደራት ሃይለስላሴ ኣብ ተጎርባ ራዕራዕ ዘበለት ምን ኮን ትኸውን? እቶም ጀጋኑኣኽ ስም ነይሩዎምዶ?

ወርሒ መጋቢት ስሳን ኣርባዕትን

ተጎርባ ዓባይ ሓበን

    ውሑዳት ነይሮም ኣንጻር ብዙሓት

    ግን ተዓዊቶም ኣብ ቦዀሪ ኲናት ወዘተ… ኢለ ዝደረስኩዎ ትዝ ይሉኒ። እቶም ዝመሃረክዎም ጽባሕ ይመልእዎ፡ ተጎርባ ዝብል ሳጓ ዘለዎም ከይተረፈ ኣብዚ ምዕራባዊ ዓለም ካብ ህጻናት ናብ ሽማግለታት ተቐራሪቦም ወይ ክኣ ሸምጊሎም ብሂወቶም ኣለዉ።

ሰውራና ብ 1961 ተጀሚሩስ ንብል ኢና፡ እሞ እቶም ናይ መጀመርያ ጥይት ዘዕረጉ ከም ሰብ መነመን ከም ቦታ ኣበይ፡ ከም ውድብከ እንታዎት እዮም? እታ ነዚ እከይ ኢሳያስ ንቻይና ልኢኻ ዘምሃረት ውድብ ኮን መን ትዀውን? እታ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ሜዳ ኤርትራ ዝተቖጻጸረት ፊተ ግንባር ኣብዚ ሕጂ ምሕንጻጽ ኣብዮሙና ዘለዉ ዶባትና ኰይና ኩሉ ዝኽፈል ትኸፍል ዝነበረት ውድብከ መን ነይራ ንበላ? እታ ንጀነራላት ገዛእቲ ዝዛሕዝሐት ከም ብዓል ተሾም እርገቱ ብዓልቲ ኣወል ተዂሲ ብዓል መን ነይሮም ጀጋኑኣ መንከ’ያ ትብሃል? እታ ነዞም ኩሎም ምእንቲ ክብሪ ህዝቦም ዝተመቝሑ ካብ ሰምበልን ካብ ዓዲ ዃላን ብትኣምራታዊ ስርሒት ሓራ ጌራ ናብ ዝጀመሩዎ ብዝመረጽዎ ኣገባብ ቃልሶም ክምዝቕጽሉ ዝገበረት ውድብከ መን ኢዩ ስማ? እቶም ነዚ ጅግንነት’ዚ ዝፈጸሙ ገለ ስም ወይ ሳጓ የብሎምን?

ገሊኦም እንተሓለፉ ሓያለይ ካብኣቶም ተዳጒኖም ዝነበሩን ሓራ ከውጽኡ ሰንሰለት ወይ መቝሕ ካዘርማታት ዝበተኹን ሕጂ’ውን ኣብ ቃልሲ ተጸሚዶም ዝርከቡን ኣበይ ዝነበሩ ኮን ይዀኑ? መሳኪን ብጾት ክንዲ ዝተጋደሉን ዘተበጀዉን ከም ብዓል ድሩዕን ብጾቱን ዝኣመሰሉ ካብ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ሓራ ወጺኦም ከብቅዑ ናብ ዘይፍለጥ ማሕዩር ዝተሓየሩ፡ እታ ሓራ ዘውጽአት ውድብ  ሓርነት ድኣ ከይከ’ውን ስማ! እቶም ጀጋኑ ዝተሓየሩን ጠላማት ዝሓየሩንከ ውድባዊ ዓዶም ኣበይ ኮን ይኸውን?

እታ ወተሃደራዊ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ስንጭሮታት ሜዳ ኤርትራ ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርታት፡ ህዝባዊ ሕክምናታት ክንክን ስድራቤታት ወዘተ… ክንደይ ክበሃል ዝተኸለትን ህጻውንቲ ዝዀስኰሰትን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ገዳማዊ ዓለም መጺኦም ክሳብ ዶካትር ኰይኖም ዘለዉ፡ ደሞክረሲያዊ ምንጻፍ ናይታ መጻኢት ሃገር ትምድምድ ዝነበረት ውድብ መን ኮን ትብሃል?

ኣብዛ ድርብ ዕማም እተካይድ ዝነበረት ዝተረስዐት ውድብ ዝነበርና’ኮ ምስታ እትዝከር ዘላ ውድብ ኰንና ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ገና መድረኻዊ ዕዳ ንኸፍል ኣለና። ኣብቲ ወትሃደራዊ ጥራይ ዝይኮነስ ኣብቲ ደሞክራሲያዊ ተካላት ተ.ሓ.ኤ. ከይተረፈ እኮ ኢዩ ነይሩ መደብና፡ ንምስክር ዝዀኑስ ክሳብ ሕጂ’ኮ ኣይተሳእኑን።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ካልእ ሓደጋታትን

መኻልፋትን ምጥልላማትን እንዳኣጋጠመ እምበር ንኣመራርሓ ውድቦሞ እኮ ኣብ ማእከል ሜዳን ኣብ ስደትን ብዘይ ንሕስያ ኢዮም ዝምክትዎ ነይሮምን ዘለዉን። እሺ ጎይታይ ዘይቅበሉ ጀጋኑ‘ኮ ኣብ ከተማን ኣብ በረኻን ሓሊፎም ኢዮም።  እዚ’ኮ ክርሳዕ ዘይብሉ ደሞክራሲያዊ ባህሊ እዩ። ብዙሓት ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. እኮ ምእንቲ ሃገሮም ዋላ’’ውን ዕግበቶም እንተዘይነበረ ኣብ ማእከል ህዝባዊ ግንባር ጅግንነቶም ኣርእዮሞ ዳርጋ ኩሎም ንምስክር ዝኣኽሉ ዘይተረፉዎም ተፋኒዮም ኢዮም። ስውራና እኮ ተጓዕጺጹ’ምበር ውድበይ ውድብካ ዘይበሃሎ ሃገራዊ ዕማም ኢዩ ነይሩ። ኣብ ክልቲኡ ውድባት’ኮ ደቂ ሓንቲ ማህጸን ብድሕሬና ይስለጥኩም ኢሎም ተበጂዮም ብኽያት ዘይኮነስ ትብዓት ኣስኒቖምና ከይዶም ኢዮም። ስለምንታይ ድኣ’ሞ ንረሳሳዕ?

ሃገርካ እንድሕሪ ትፈቱ ኰንካ’ኮ ኣብ ታሪኽን ቃልስን ቅድሚ ውድብካ ክትሰርዓ እዩ ዝግባእ፡ ከመይሲ ቅድሚ ጀብሃን ሻዕብያን ወይ ቅድሚ እተን ኩለን ካልኦት ውድባት ኤርትራ ዘፍረየተን’ኮ ኤርትራውያን ኢና ኔርና፡ ሕጂ’ውን ቅድሚ ውልቀ ህላወናን ውድባዊ ስርርዕናን ኤርትራውያን ምዃንና  እንተ ተረድኣና ይሓይሽ። እዚ ቃልስና ዘተረመሰ ቀደምን ኣብዚ እዋን’ዚን’ኮ ንውልቀ ውድባትናን ንብሕትናን ካብ ሃገርና ኣዛይድና ስለ እነፍቅር ኢዩ።

ፍርቂ ምሉእ (a bottle half full ) ኣብ ዝብልዎ ኣበሃህላ ስለምንታይ ከንኣቱ ንመርጽ? ስለምንታይ (a bottle half empty) ከም ዘሎኸ ዘይነስተብህለሉ?  ስለምንታይ ንሓቂ ንሰግራ? ታሪኽ ሰውራና ዝኣክልሲ ብነጸላ መንደቕ ከነቕርብ ከመይ ጌሩ ሕልናና ሕራይ ይብለና? ድኻም ዘይተረፈ ስለምንታይ ናብ ናይ ሓባር ዕግበት ገጽና ዘይንጥምት?

ከምቲ ብኣሽሓት ለይትን መዓልትን ክምህሩ ህርድግ ዝብሉ ዘለዉ ሓደ ካብኣቶም ክቡር ሓው መምህር ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ገለ ዓንቀጻቱ፡ ሓቂ ካብ ዝመጸት ትምጻእ ክንቅበላ ኣለና ዝበሎ ክንጥቀመሉ ዘይንፍትን!

መብዛሕትኡ ተቓላሳይ ንስለ ምጽሓፍ ኢሉ ዝጽሕፍ ኣይመስለንን። “ኣነን ሓጽሩኒ እብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ” ብዘይ ብኡ ምዃን ኣብዩና ኣበይ ኔርኩም ምባል ንግደፎ በጃኹም ጥራይ ይምጽኡና፡ ጥራይ ንተሓዋወስ ምእንቲ ክሰልጠና ክንብል ጎሮሮና ላሕቲቱ ብርዕና ነጺፉሰ ስለምንታይ ንድኽመትና ድኽመት ንውስኸሉ? ብዛዕባ ሓደ መስከረም ክደርስ ከለኹስ፡

መስከረም ንሱ’ያ ኣንጊሃ ሓቲታ፡

ደቃ ተሰሊፎም ሽዑ ንምሸታ

ትነበብ ታሪኽና ከም ዘላታ፦ ዝብል ኣብ ገለ ሸነኻት ዝጠቐስኩዎ ኣሎ፡ እሞ እታ ሃገርና ናይ ኩላትና ካብ ኮነትስ እታ ታሪኽና ክኣ ከምታ ንሳ ማለት ከም ዘላታ እንተተነበትዶ ኣይሓይሽን? ምእንቲ ናብ ሓድነት ገጽና ክንጥምት’ውን ለንቅነ ዝደረስኩዋ፦ ብዙሕ ተጸቢና መጺእኩምዶ – ክንደይሳዕ ድኣሞ ማዕዶ-ማዕዶ፡ እትብል ምናልባት በዚ ዘሎ ጻዕቂ ናይ ምግዳል ኣብ ኣሰና ኣይወጸትን እምበር ኣብ ተጎርባ ዘላኮ ዝሃሰዩናን ዝሃሰናዮምን ጠፊኡኒ ዘይኮነስ፡ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይውሰዶ ሩባ ዘሎ ክኣ ውሕጅ ይውሰዶ ኢለ ምስላ ቀዳሞት ክጥቀም ስለ ዝደለኹ ኢየ።

ገለ ጀጋኑ ክስኣሉን ክዝከሩን ከለዉ እቶም ኣሕዋቶም ድኣ ከይተሳእሉን ከይተዘከሩን ዝተርፉ እንታይ ተረኽበ? እታ ካመራ ድያ ተሳኢናስ ወይ ስኣላይ ኣይነበረን ኮይኑ? ሓተትቲ ድዮም ተሳኢኖም ወይ መለስቲ? ኣብዚ ቀረባ ምዓልታት እሞ ክኣ ካብ ኢድሪስ ዓወተ ጀሚርካ ዋላ’ውን ቅድሚኡ ዝነበሩ ጀጋኑ መስረትቲ ማሕበር ሸውዓተ ከም በዓል መሓመድ ስዒድ ናውድ ካልኦት ሃገራውያን ጀጋኑ ብፍላይ ኣብ ሱዳን ምስ ኣሳእሎም ብዓልመን ከም ዘብረስዎምን ከንርእን ከነንብብን ቀኒና። እሞ ጸገምና ስኣን ሃሰስ ምባል ድዩ? ወይ ብሸለልትነትን ብናተይ ጥራይን ዝብል ኣንነታዊ ሰንሰለት ተቐይድና ብምህላውና አዩ?

ስምረት እኮ ዘልኣለማዊ ክለሳ-ሓሳባዊ መዝሙር ኰይኑ ክተርፍ ይብሉን፡ ብርግጽ ክለሳ-ሓሳብ መምርሒ ናይ ተግባር ኢዩ፡ ግን እንድሕሪ ናብ ተግባር ክትሰጋገር ዘይክኣልካ ትርጉም ይብሉን። እቲ ክንፈልጦ ዝግብኣና ግን ስምረት ብጎደሎ ንቕሓት ወይ ብብዙሕነትካ ምዝንጋዕን ብብሕቱውነትካ ክኣ ምፍካርን ዝምዝገብ ዘይምዃኑ ኢዩ። እቲ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝበሃል ኣዘራርባ’ኮ መሰረቱ ንቕሓት ኢዩ። ስምረት ሰብ ምእካብ ዘይኮነስ ሰብ ምንቃሕ ኢዩ። ስለ’ዚ ኢዩ ብዙሕ ግዜ ዋላ ብኣሽሓት እንተተኣከብና ክንሰምር ዝጽግመና። ኣብ ቀልሲ ኣባላት እንተድኣ ነቒሖም ፍርቂ ጎድኖም ዘይኮነስ ምሉእ ጎዶኖም ኢዮም ዝሰኣሉ። ብዝተረፈ ከምዚ ኣነ-ኣነ እንዳበልና ንጎዓዞ ዘለና እንተቐጺልና “ካብ ብጾታ ዝነውሐት መሸላስ ወይ ንዑፍ ወይ ንወንጭፍ” ኰንና ኢና ንተርፍ፡ ክምኡ ክኣ ኰንና ኣለና።

ኣተሃላልዋና ፈጺሙ ኣሳልጦ ዝህብ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኰነስ ክሳብ ሕጂ ናይ በርሊን መንደቕ አብ መንጎ ውድባት ዘሎ ምፍልላይ ሻዕብያን ጀብሃን ከነፍርሶ ኣይክኣልናን። ዋላ ነቲ ሓደገኛ ዝዀነ ውጺኢት እንዳርኣና ክስቆረና ኣይክኣለን። እዚ ትርጉሙ ኣይነቓሕናን ማልትዶ ኣይኮነን? ካብዚ ዘለናዮ ናብ ደምበ ፍልልይ ናብ ደምበ መሰረታዊ ለውጢ ክንግዕዝ ኣለና (we must shift to fundamental change).

ሃገራዊ ምርኢት (exhibition) ቀሊል ስርሒት ኣይኰነን፡ ንምሉእ ዓለም ዝዝርጋሕ ፈነወ ኢዩ፡ ብዙሓት ክኣ ታሪኽና ንሱ ጥራይ መሲሉዎም ካብ ምልኣት ዘይብሉ ሓበሬታ ተበጊሶም ክዛረቡን ክስንዱን ይኽእሉ ኢዮም። ናትና ማለት ናይ ሰውራና ታሪኽ መልክዕን ትሕዝቶን ቍልቍል ዝኣፋ ኣነ ጥራይ ክትከውን የብላን፡ ንሳ’ሞ ምኽኣል ስኢንናያ ድኣ’ምበር ኣንጻራ ንቃለስ ኣለና። ታሪኽ ኣዚዩ ተነካኢ ዓውዲ ትምህርቲ ኢዩ። ደቂ ሰባት ጥራይ እምበር እንስሳታት ዝሰርሕዎ’ውን ኣይኰነን። ስለ’ዚ ሰብ ምዃንና ከነረጋግጽ ምልኣት ዘለዎ ታሪኽ ከነቕርብ ከለና ሓደ ጨንፈር ናይ ሃገራዊ ዕርቂ ስለዝዀነ ዓቢ ትርጉም ኣለዎ። ኣነ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ይንኣስ ይዕበ ይውሓድ ይብዛሕ ይሓናጥጥ ኢየ፡ ግን ከም ታሪኽ ዘፍርሃኒ ነገር የለን። ምኽንያቱ ምስ ሓድነት ህዝቢ ዝተሓሓዝ ተነካኢ ብምዃኑ ካብ ሓቅታት ከይትወጽእ መታን ብዙሕ ተሞኩራውን ትምህርታውን ቅርቡነትን ብሓጺሩ መኻዚኖ ናይ ፍልጠት ዝሓትት ኢዩ። እዚ ስለ ዝዀነ ንነብሰይ ክከላኸል ብሓፈሻውን ብልብ-ወለዳውን ኣገባብ ኢየ ዘፈታትን።

ብዝዀነ ኣብቲ ዋና ነገረይ ክኣቱ፡ ስርዓት ኣስመራ ብመሰረቱ ክምንቆስ እንተዀይኑ ንሕና ካብ ዘለናዮ ሃለዋት ናብ መሰረታዊ ለውጢ ተሰጋጊርና ናብ ኤርትራን ርእሲ ከተምኣን ክንኣቱ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ መርሓ-መንገዲ (road map) ነብሰ ምእራም ማለት ነቐፈታን ነብሰ-ነቐፌታን ምዝውታር ኢዩ። ንምኻኑ ርእሲ ከተማ ማለት ንዓይ እቲ ኣብኣ ዝህሉ ማዕከን ናይ መዛግብትን ፓርላማን ቅዋምን ህዝባዊ ምሕደራን ኢዩ፡ እቲ ቦታ ግን ጂኦገራፊያዊ ኣበይነት (geographical location) ጥራይ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ርእሲ ማለት ላዕሊ ወይ ክኣ ምስትውዓል እንታድኣ ኰይኑ ርእሲ ኩሉ ናይ ህዝቢ ወይ ናይ ሓንቲ ሃገር ንብረት ሕጊ ኢዩ፡ ንዕኡ ክኣ ኢና ንቃለስ ዘለና። ፓርላማን ቅዋምን ዘይብላ ሃገርን ርእሲ ከተማን፡ ኣብዛ ዘበናዊት ዓለም ኣይሃግር ኣይ ከተማ፡ ባዶ ከምዛ ናትና ማለት ኢያ። ስለ’ዚ ንቃለስ ኣለና’ሞ ምልኣት ክህልዎስ ንእመት ስደሪ ኣላታ ስለዝዀነስ እስከ ሓንቲ ስድሪ ትኸውን ንቕሓት ንመልኣላ፡ ማለት ዘይተኸድነ ሃፈፈ-ዘየስተውዓለ ክኣ ጸደፈ ስለዝዀነ፡ ምእንቲ ከይነሃፍፍን ከይንጸድፍንሲ ነቐፌታን ነብሰ-ነቐፌታን ተጠቒምና ብኩለንታናዊ ኣረኣእያ ናብ ስምረት ንገስግስ። ብ1969 ዓ.ምህረት ፈረንጂ’ሲ ኣብ ሲነማ ኦደዮን ተዋሲኦ ጌርና፡ ተመሃሮ ከለና ማለት’ዩ፡ እታ መእተዊት መዝሙርና ብኸፊል ከምዚ ዝስዕብ ትብል ነይራ፡ ባዕለይውን ደሪሰያን ዘሚረያን፦

ንሕና ኩላትና እንተ ንሓብር- ዓንዲ ገዛና ንኸይንሰብር

 

ዕላማ ተዋስኦና እዚ ሎሚ ዝግበር

ንምዕባለ ሃገርና ኢዩ ዳሕራይ ምእንቲ ክዝከር

 

ተዓዘብቲ ኩሉኹም ሕጂ ተዋስኦና ስምዕዎ

ንስሓቕ ንጸውቲ ኣይኮነን ቍምነገሩ ፍለጥዎ

 

ንሃር ንወገን ንሕሰብ ኢና ነዞም ጥራዮም ዝሓድሩ

ቍራስ እንጌራ ስኢኖማ ፍረ ኦም ከም ኣዕዋፍ ዝምእርሩ

ሕጂ’ውን ዝተረፈ ስለዝረሳዕኩዎ እቶም ናይ ሜዳ ደቀይ ስለ ዝመሃርክዎም ኣብዚ ግዳማዊ ዓለም ዘለዉ ክምልእዎ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ዘምጽኦ ዘለኹ ካብ ቀደም ሒዝና ንኤርትራ ሃገርና ኣፍቂርናያን ተቓሊስናላን ኢና እሞ ናይ ኩላትና ትኹን ክብል ስለዝደለኹ ኢየ። እምበኣር FOCUSS ERITREA “ጠመተ ኤርትራ” ዶ ክብለኩም ብናተይ ኣተረጓጒማ፡ ንኹላትና ኤርትራውያን ክትጥምቱና ብትሕትና እውከሰኩም ኣለኹ።፡ ንሱ ድማ በመንገዲ ነቐፌታን ነብሰ-ነቐፌታን ኢዩ። ኣበሃህላይ ተረዲእኩምኒ ክትኰኑ ተስፋ እገብር፡ ሕጂ’ውን ኩልና ናይዚ ተሪፉ ዘሎ ቃልሲ ኢደ-እግሪ ምዃንና ስለዝኣምን ኢድናን እግርናን ብሓባር ክቃለስ ኣለዎ። ናብ ልብኹም ተመለሱ ተመለሳ ንመለስ።

እቲ ፍታሕ ነቐፌታኹም ኣልዒልኩም ወይ ንስኹም ባዕልኹም ነቲ መጽናዕቲ ትቕጽልዎ፡ ወይ ክኣ ነቲ ጌርኩሞ ዘለኹም ድኻም ዘጠቓለለ ብወገን እተን ኣብ ማዕዶ ዘለዋ ውድባትን ኣፍልጦ ዘለዎም ናይ መጽናዕቲ ክኢላታትን ተገባዲዱ ወይ ተሰናድዩ ኩላትና ብሓባር ታሪኽና ከም ንዝክርን ንጽምብልን ክምዝግበር ይኸውን። እዚ ናተይ ርእይቶ እዩ፡ ዝሓሸ ርእይቶ ዘለዎም ክኣ መርሓባ።

ብዝተረፈ ናብ ተወሳኺ ለበዋ ክሰግር፦

ለበዋይ ናብ ክቡር ጋዜጠኛን ተጋዳላይን ኣማንኤል ኢያሱ ኣሰና ኰይኑ ብቐረባ ነዞም ጠመተ ኤርትራ ብግምተይ ስለ እትፈልጦም፡ ኣብኡ’ውን ስለ ዝነበርካ ብግቡእ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኩላትና ካብኡ ክንመሃር ምእንቲ ናብ ኣራሚ ዝዀነ ቃለ-መሓትት (INTERVIEW) ከተቕርበልና፡ ከይነውሐ ብሓጺሩ ብኽብረት እውከሰካ።

1) ስለምንታይ ምልኣት ዘይብሉ ኣቀራርባ መሪጾም

2) ፈቲኖም ምንጭታት ስለ ዝሰኣኑ ዲዩ

3) ዳሕራይ ነርክበሉ እዚ ቅድም ንግበር ብማለት ድዩ

4) ብዘይምግዳስ ዲዩ

5) ንሕና ናትና ንግበር ተደልዮም ናቶም ይግበሩ ብማለት ዲዩ

6) ንፈልጦ ነገር የብልናን ኣብ ዘይንፈልጦ ኣይንኣቱን ዲዩ

7) እዚ ኰይኑ እቲ ይቕሬታ ክሓቱ ማለት ነብሶም ክነቕፉ ድሉዋት ክዀኑን ሕውነታዊ ውከሳ ክምልሱን ክትተሓባበር ኣነ ከም ኣቦ ሕራይ ክትብል እጽበየካ።

እንታይ ከም ዝዀነ ብልሓቱ ንትምህርቲ ዝኣክል ክፍለጥ ስለ ዘለዎ፡ ክቡር ኣማኑኤል ኣነ ኣዚየ ኢየ ዘኽብረካን ንዓይ ድማ ሓለፋ እዩ ዝስምዓኒ፡ ማለት በቲ ዘይርብርብ ሓቦኛ ጋዜጠኛዊ ሞያኻን ናይ ተጋዳላይ ሓልዮትካን ሓደ ካብቶም ተስፋ ናይዚ ተሪፉና ዘሎ ዕማም ብምዃንካ ጥራይ ዘይኰነስ ወዲ ዓርከይ መማህርተይ ብምዃንካ’ውን ንእመት ስድሪ አላታ ንዓይ ዝያዳ ኢኻ። ማዕረ ማዕሪኡ ነቶም ምሳኻ ዝቃለሱ ጋንታ ተብዓት ተቓለስቲ ከም ኣንበሳ ዝንቅዉ ክኣ ከየመስገንኩዎም ክሓልፍ ኣይደልን። እዚ እንተዘይ ተገይሩን ብነቐፈታን ነብሰ-ነቐፌታን እንተዘይተዓዊትናሉን፡ ናብ ዘየድሊ ጥርጠራን ትርጉምን ናይ ብረታዊ ሰውራና ምጅማር ዓመተ-ምህረት ናብ ምዝንባዕ ገጹ ከዛዝወና ኢዩ። ምናልባትውን እዚ ሳላሳ ዓመት ወሲዱልና ዝበሃል ተሪፉ ካብኡ ዝወሓደ ዝብሉ ከይህልዉ ቀባሕ-ባሕ ዘብል ክኸውን ኢዩ። ሓደ መስከረም’ውን ከም ሃገራዊ ብዓል ንምቕባል ዘይቀድዎም ባእታታት ፍሕትሕት ዝብሉ ክህልዉ ይኽእሉ ኢዮም። ብዝዀነ ክሳዕ አቲ ተቓሊስና ንበጽሖ ባይቶና ንኹሉ ዝውስኖ ተኸባቢርና ምእንቲ ክንቃለስ ነታ ቅድም ኣብ ላዕሊ ዝበልኩዋ ናይ ሓድነት መቓልሕ ክደግማ፦

ነዊሕ ተጸቢና መጽእኩምዶ – ከንደይሳዕ ድኣሞ ማዕዶ-ማዕዶ፦

 ትርጉም ዘለዋ ክትኮነልና እንዳተመኔኹን፡ ነቲ ኹሉ ኣበርክቶኹም እንዳንኣድኩን ሕውነታውን ብጻያውን መልእኽተይ እዛዝም ኣለኹ።

የቐንየለይ አብ ቃልሲ ከም ቀደምና

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Wedi Hagher September 9, 2018

    Kubur Tegadalay Redie

    After 1991 many Eritreans thought the Eritrean revolution finally acheaved it’s goal. They wanted to rebuild the country and live in peace.
    National reconciliation was need to bring to a proper end years of internal conflicts that left thousands dead.
    But the leaders of EPLF, in particular Iseyas and his clique, wanted to have a complete monopoly of Eritrea. That is why they have worked very hard to remove ELF from Eritrean history, as if it never existed.
    They succeeded for a while, but like every injustice in this world in the end will fail to hit it’s target.
    Iseyas removed from history also his own comrades. Now it’s his turn to be at the receiving end.
    Most probably he will be buried in unmarked grave, like his victims who died crying for justice.
    Those who live by a sword die by it.

  • Petros Tesfagherghis September 12, 2018

    ዝኸበርካ ረድኢ ክፍለ
    እቲ ንፎካስ ኤሪትራ ዘቅረብካሉ ነቀፍታ ናይ ደገፍ ኮይኑ ሚዛናዊ ክኸውን ኣለዎ ምባልካ ምስጋናይ ይብጻሕካ። ኣብዚ ሐደ ከብርሆ ዝደሊ ግን ኣሎ።
    እወ ኣብቲ ሸነኽ ምዕባለታት – ከም ሕክምና – ማሕተም – ማሕበር ረዲኤት ወዘተ ናይ ህግ እዩ። ይኹን እምበር ኣስማት ፍሉጣት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ስሞምን ዝንኦም ዝነግር የለን። ምኽንያቱ እቲ ስእልታት ታሪኽ ናይ ህዝቢ ኤሪትራን ኣመሰራርታ ሀገር ኤሪትራን – ህዝቢ ዝተጋኖፎ ሽግራትን ከመይ ገይሩ ከም ዝበድሆን – ስለ ዝኾነ። ብዙሕ ጊዜ ነዚ ታሪኽ እዚ ኣዘንቢዖም ንታሪኽ ኤሪትራ ዘይስሙ ሂቦም ንሕዝቢ ዓለም ከረዱኡ ዝደለዮ ብሕልፊ ጸሐፍቲ ኤትዮጵያውን ኣለው። ጸሐፍቲ ኤትዮጵያውያን ኤሪትራ ኣካል ኢትዮጵያ እምበር ከም ከምተን ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ወረርቲ ኤሮጳውያን ዝተመስረታ ገይሮም ኣይወስድዎንን እዮም። እዚ ኣተሐሳስባ እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ንወራር ኤትዮጵያ ኣቃሊዕዎ እዩ። ህዝቢ ኤሪትራ ግን ብረት ኣልዕሊ መኪትዎ ተዓዊትሉ ከኣ።
    ኣጀማምራ ገድሊ ተሐኤ ከም ዝተጀመረ ተነጺሩ ኣሎ። ኣብዚ ግን ሃናጺ ነቀፈታ በጺሑና እዩ። ተቀቢልናይ ከ ኣ፡ እሱ ከኣ ስእሊ ናይ ጅግና ኢድሪስ ዓወተ፡ ብዘይ ምህላዉ እዩ። እዚ ኮነ ኣኢልካ ዝተገብረ ኣይኮነን። እዚ ኤግዘብሽን ዝዘውር ስለ ዝኾነ – ክንገብረሉ ኢና።
    ብዛዕባ ተሐኤ ግን ኣብ ዕለት 15/09/2018 – ሐደ ካብቲ ናይ ስእላዊ ምራኤት መደብ – ክዝረበሉ እዩ። ከምዚ ዝስዕብ ክቀርብ እዩ፥ 18.30 – Abdu Suleiman- Experience of the ELF struggle & It’s Relevance today. ዓብዱ ኣብ መሪሕነት ተሐኤ ዝነበረ እዩ።
    ምስ ብጻያዊ ሰላምታ
    ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ
    ኣባል ኤሪትራ ፎካስ

POST A COMMENT