Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ ነቓዕ ዕትሮ ምስ ነቐዝ እኽሊ”

እቲ ናይ ኤርትራውያን ፖለቲካ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመት ብዘይ ንፁር ዕላማን፤ ብዘይ ቅኑዓት መራሕቲ ውድባትን ሰልፍታትን፤ ከም ዝነቐዘ እኽሊ ክሕመስን፣ ብኽፍኣት ክጥንሰስን፣ ዘሕለፎ ኣውንታዊ ህደት ዝወለዶ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሊዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዓይቢ በሰላ ገዲፉ ንህዝቢ

እቲ ናይ ኤርትራውያን ፖለቲካ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመት ብዘይ ንፁር ዕላማን፤ ብዘይ ቅኑዓት መራሕቲ ውድባትን ሰልፍታትን፤ ከም ዝነቐዘ እኽሊ ክሕመስን፣ ብኽፍኣት ክጥንሰስን፣ ዘሕለፎ ኣውንታዊ ህደት ዝወለዶ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሊዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዓይቢ በሰላ ገዲፉ ንህዝቢ ክበታትን ይውዕል አሎ። ሕጂ ከአ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ጥፍኣት መንገዲ ተዋፊሩ ይርከብ። ንመንእስያት ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከም ጅሆ ምሓዝ ተቐባልነትን ከም ቀደሙ ክሰርሓሉ ስለ ዘይከአለ ናብ ጉሁድ ጅምላውን ኣረመናዊ ጭፍጨፋ ተሳጊሩ። ብሰንኩ ህግደፍ ከአ እቲ ብጸልማትን ብጉልባብ ምኹብላል እንዳጨወ ብሕቡእ ዝኣስረሉን ዘሳቕየሉን ግፍዒ ብሕቡእ ዝቐትለሉ ኣብ ሰናጩር በረኻታት ኤርትራ ስለ ዘይዕገቦ፤ እቲ ኣረመናዊ ግብሩ ብቐጥታ ናብ ማእኸል ዋና ከተማ ሃገር ኣስመራ ብቀትሪን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንደቁ ክርሽን መሪጹ። ንሱ ከአ እንታይ ዓይነት ስርዓት ከም ዝኾነን ከመይ ንሃገር የመሓድር ከምዘሎ ንዓለም ኣጊሂድሉ።

እቲ ዓይቢ ሕቶ ግና ስለምንታይ ህዝቢ ነዚ ጨካን ስርዓት ይኣክል ግፍዒ ዘይብሎ? እንታይ ኮን ንህዝቢ ብዛዕባ ፍትሕን ሕግን ከይዛረብ ዕቢስዎ? ክሳብ መዓስ ከ ይኾውን ክጽመሞን ኣብ ቅድሚኡ ደቁ ክርሸኑ ክሪኢ ከሎ ከይለዓል ከጽቅጥ ዝመረጸ? ንዝኣምሳሰሉ ብዙሕ ሕቶታት ጠንቆም ንምፍላጥ ህዝቢ ዘሸግሮ ዘሎ ኢልካ ንነብስኻ ክተዋጥር ትኽእል። ግና እቲ መልሲ ቀሊል ኣይኮነን። እስኪ ንነብስኻ በቲ ናቶም ቦታ ኮይንካ ርኣያ። ንሳቶም ኣብ ቲሕቲ ሐደ ናይ ፖሊስ ምሕደራ (Police State) ተቓሪኖም መፈናፈኒ ዘይብሉ ህዝቢ፤ ናይ ርእይቶ ፍልልይ ኮነ ናይ ምዝራብ፤ ምእካብ፤ ምድርጃው መሰሉ ፈጺሙ ኣብ ዘይፍቀደሉ መጻወድያ ከምዘሎ ትዝክር። ነዚ መጻወድያ ከአ እቲ ኣብ ውሽጢ መጻወድያ ተታሒዙ ዘሎ ውጹሕ ክብጥሶን ክብትኖን ብተስፋ ክትጽበ ምናልባት ጽቡቕ ትምኒት ይኸውን። እንተኾነ ግና እቲ ተታሒዙ ዘሎን ሒዙ ዘሎ በዳልን ኣብ ሐደ ንእዲ ዝድቕሱ ኣካል ካብ ኮኑ፤ እቲ ሐደ ነቲ ሐደ ቀሪቡ ክኣምን ፈጺሙ ስለ ዘይክእል ኩሉ ተተሓሒዙ ክጠፍእ ይመርጽ አሎ። እምበር ደአ ደቅኻ ኣብ ቅድመኻ እንዳተረሸኑ ከለዉ ከላሽን ሓቑፍካ ምድቃስ ሽልማት ምኣስ ኮይኑ። እቲ ብውሽጢ ለውጢ ክመጽእ አለዎ ወላ ጹኑዕ እምነት ይሃልወኒ እምበር፤ ነቲ ክሳብ መኣስ ምጽማም ንዝብል ሕቶ ህዝቢ ክምልሶ ግዚኡ ነዊሑ።

እቲ ዘሕዝን ግና እቲ ኣብ ወጻእን ኣብ ነጻ ናይ ምንቅስቃስ ኮነ ኩሉ ደሞክራሳዊ መሰሉ ኣብ ዝኽበረሉ ሃገራት ዝቕመጥ ኣካል እቲ ውጹዕ ህዝቢ ነቲ ግፈዐኛ ስርዓት ክድግፉን ምስኡ ኮይኖም ብስቓይ ህዝቦም ከጣቕዑ ክትርኢ ከለኻ ከም ኤርትራዊነትካም ትጠራጠር። ካብዚኣቶም ውሑዳት ከአ ብሽም እቲ ውጹዕ ህዝቦም ክሽቅጡን፣ ናይ ባዕላቶም ናይ ስልጣን ኮነ ናይ ሃብቲ ህርፋኖም ከርውዩ ክጋየዩ ከለው ዘስደምም ናይ ሰብ ተፈጥሮ ምኻኑ ትዕዘብ ጥራይ ከይኮነስ ብውሽጥኻ ትሓርር። እንተኾነ ግና ነዞም ከምዚኣቶም ብግሁድ ንዝመስሎምን ዝአምኑሉን ዝሰርሑ ዜጋታት ወላ ከም ሰብ ርህራሔ ዝጎደሎም ዝቃወሞም ይኹን እምበር ናይ መሰሎም ምኽባር ወይ ምርጫ ናቶም ክውስነሎም መሰል የብለይን። ከም’ውን ንሳቶም ኣብቲ ናተይ መሰልን ምርጫን ምውሳን ጊደ ከምዘይብሎም።

እቶም ዝገደዱ ሕሙማትን መንድዓት ህዝቢ ዝብሎም ግና እቶም ብጸቢብ ኣተሓሳስባን፤ ብቅርሕንታን ተላዕጢጦም ዘለዉ ኣብ ሃይማኖታውን ኮነ ኣብ ጸቢብ ጉጅላው ኣተሓሳስባ  ጢሕሎም ንህዝቢ ከጥሕሉ ኣብ ኩሉ ብዘይ ሕፍረት ዝንቀሳቀሱ ዕሱባት መንነቶም ዝሸጡ ውልቀሰባት፤ ቃንቆኦምን ባህሎምን ዝጽየፉ ናይ ባዕዳውያን ኣካል ኮይኖም ንነብሶም ዝቖጽሩ ግለሰባት እቲ ጸይቂ ግብሮም ንህዝቢ ክመቓቕል ይርከብ። ካብ ምዕባለ ናብ ድኽነትን ድሕረትን ዘምርሕ ኣጀዳኦም ብሕቡእ ብሽም ተገዳስነት ናይ ህዝቢ ክሸጡ ይውዑሉ አለው።

ፍርቆም ቀጥታ ምስ ስርዓት ህግደፍ ዝተኣሳሰሩ ክኾኑ ከለዉ፤ ፍርቆም ከአ ብተዘዋውሪ ብሕቡእ ምስቶም ወከልቲ ናይ ጥፍኣት ህዝቢ ዝኾኑ እንዳሰርሑ፣ በቲ ካልእ ከአ ናይ ውጹዕ ህዝቢ ተጣበቕቲ ኢና ዝብሉ ስሱዓት ደቂ ሃገር ከምዘለው ናይ ጸሓይ ቀትሪ ምስጢር ኮይኑ አሎ። እዞም ኣብ ክልተ መኣዲ ክበልዑ ዝጋየዩ ስሱዓትን ዕሱባት ከአ ብግሮም ከይሓነኹ ኣብ ምብትታን ህዝቢ ዝተዋፈሩ ውሑዳት ኣይኮኑን። እቲ ዘሕዝን ግና ኤርትራውያን ነቶም ዘባላሽዉ ዘለው ግለሰባት ብግሁድ እንዳራኣኖዮም ክንዲ ይኣክል ንብል፤ መሊስና ምስ ኣቶም ንዘይድምዕ ስራሕ ክንሰርሕ ጊዜና ክነባኽን ንርከብ። ቀንዲ ናቶም ዕዮ ንሳቶም ዘይቆጻጸርዎ ምትእኽኻብ ምብታንን ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ዘቕንዐ ካብ ኮነ፣ ምስቲ ናይ ህዝቢ ምትኽኻብን ምሕባርን ዝጽዕር ኣካል ኩልሳዕ ክገራጨውን ክራጸምን ናይ ግድን ይኸውን።

ኣብዚ ክንርስዖ ዘይብልና ሓቂ አሎ። ንሱ ከአ ናይ ደቂ ሰባት መንነቶም መግለጺ ግብሮም ምኻኑ ኢዩ። ግብሮም ከአ ደጋጊሙ ካብ በርሃልናን፣ ኣብ ሸንኮለል ካብ ዘእተወናን ነዊሑ፣ ስለምንታይ ኣግሂድና ዘይንዛረቦምን ይኣክል ዘይንብሎም?። ወይስ ኩላህና ኣብ ሐደ ዕንኪላል ንፃወት ናይ ቀጠፍቲ እኩባት ኢና?። እወ እንተበልና ካብ ሓቂ ኣይረሓቕናን። ምትእምማን ስለዘየሎ ነቲ ሓቂ ክንዛረቦ ኣይንደልን። ብሰንኩ ምንጻል ኣይንደልን። ምምስሳል ንመርጽ። ስለምንታይ አነ ጥራይ ብሰንኪ ካልኦት ይጽላእ ዝብል ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ኣብ ውሽጥና ካብ ዝሰፍር ሓምሳ ዓመታት ኣሕሊፉ። ዘየሎ ሕውነትን ምትእምማንን አሎ ክንብል ነብስና ኣእሚናያ ወይ ኣፈራሪሆም ኣእሚኖምና ብዘይገድስ ኩላህና ናይ ፍርሂ ተገዛእቲ ክንከውን መሪጽና። ብሰንኩ ከአ ኩላህና ንሳቐ። እዚ ዓይነት ሕማምዚ ተመሓላልፋይ ከም (Genetic Disease) ዝብልዎ፤ ንዓና ንኤርትራውያን እዚ ሕማም ፖለቲካዊ ድሕረት ካብ ዘሳቕየና ውሑድ ኣይገበረን።

እንተኾነ ነዚ ሕማም ብኣግኡ ዝተረድኡን ዝነጹጉን ውሑዳት ኤርትራውያን ሕጂ የለውን ወይ ኣይነበሩን ኣይኮነን ዝብል ዘለኹ። ንሱ ከአ ብዙሓት ከም ኣብነት ክግለጹ ዝኽእሉ ተባዓት ኤርትራውያን ካብ ኣመንቲ ክርስትናን እስልምናን ስለዝነበሩን ዘለዉን፤ እቲ ሕማም ክፍወስ ካብ ምጽዓር ክንቁጠብ የብልናን። ነቲ ሕማም ኣነጺርካ ምፍላጥን፤ ነቶም ጸየቕቲ ኣመሓላለፍቱ ኮነ ኣባዛሕቱ ዝኾኑ ወኪላት (Distractive Agents) ሚሒኻ ንምውጻእ ብሓቂ ሕብረትን ተወፋይነትን ከድሊ ኢዩ። እዚ ሕማምዚ ፈጺሙ ክጥፍእ አለዎ ዝብል ወይ ከአ ይከኣል ኢዩ ዝብል ውልቃዊ እምነት’ውን የብለይን። እቲ ምኽንያት ከአ ምስ ኩሉ ወዲሰብ ብተፈጥሮ ሕማቕን ጽቡቕን ባህሪ ስለ ዝመጽእ፣ ዝነበረን ዝቕጽልን ኣውንታዊ ሓቂ (Reality Truth) ብድሌት ካልኦት ጠጠው ክብል ወይ ክቕየር ኣይክእልን። እንተኾነ እቲ ጸይቅን ክፉኡን ናይ ስሱዓት ጉጅለ ብሐደ ወገን ጥራይ ከይዕብልልን ጥፍኣት ብዙሓት ከይቅጽልን ንምግባር ይከአል ኢዩ። እዚይ ግና ናይቲ ቅኑዕ ድሌትን ሓሳባት ዘለዎ ወገን ብናቱ እምነትን ልዑል ተወፋይነት ክጠራነፍ እንተኺኢሉ፣ እቲ ሕማቕ ገባሪ ኩልሳዕ ክምዝሰዓር ፍሉጥ’ዩ። ብሓጺሩ ካብ ታሪኽ ናይ ብዙሓት ዲክተታርን ሰዓብቶምን ውድቀት ክንመሃር ይግባእ።

“ነቓዕ’ዶ ነቐዝ”

ነቒዑ’ዶ ተሰቢሩ ዕትሮ

ዕለታዊ ዝገድድ ካብቲ ዝነበሮ

ናብ ገልዒ ተቐይሩ ስለዘይተጻወሮ

ብደገ ገዲዱ ጸቕጢ እንዳግሃሮ

ብውሽጡ ነቒዙ ናብራ ዝመረሮ

ብፖለቲካ ድሕረት ቀደም ዝተማህሮ

ይጋዓዝ ይመስሎ ብማርሻ እንዴትሮ

ንቕድሚት ዘይጥምቱ ኣኻኺቡ ደንቆሮ

ፖለቲካ ኤርትራ እንታይ ዘይገብሮ

ንሓንሳ ዓመታት ቅርሕንታ ዝደመሮ

ህዝብና ክሳቐ ጽልኢ ብዝፈጠሮ

መንእስያት ይበልዕ ቆሊዩ ምስ ሕረሮ

ሕማሙ ዘይፈልጥ ስልጣን ዘዕወሮ

ነቒዙ በስቢሱ መንከ ክነግሮ

ተባዕ ዝሰኣነ ናብ ታሪኽ ዝቀብሮ።

 

ናይ ውሽጢ ሓሚሙ ክንብል

ናይ ወጻኢ ገደደ ዘየስተውዕል

ኩሉ ፈላጥ ኮይኑ ክምህር

ንስምረት ኣጥፊኡ ብሓሶት ይግዕር

ይእከብ ከም ከብቲ ምንም ዘይገብር

ንባዕሉ ረሲዑ ከም ሰብ ፍጡር

ኣነ ይፈልጥ በሃላይ በዚሑ ዘዕገርግር

ናይ ፕለቲካ ሻራ ከጠንጥን ዝውዕል

ብዝዓባ ደሞክራሲ ክዛረብ ዘይሓፍር

ብዛዕባ ግልፅነት ክዛረብ ዘይሓፍር

ብዛዕባ ተሓታትነት ክዛረብ ዘይሓፍር

ብዛዕባ ሃገራውነት ክዛረብ ዘይሓፍር

ብዛዕባ ተወፋይነት ክዛረብ ዘይሓፍር

ሓሶቱ ኮሚሩ ሓጥያቱ ከሰጋግር

ንህግደፍ ንኢሳያስ መሲልዎ ዝቐብር

ተቓወምቲ እንዳበለ ብግብሪ ዝወዳደር

ኣብ ውሽጡ ሓቑፉ ዝገደደ ዓንደር

ብኣውራጃ ሃይማኖት ክመቓቕል ዝዕንድር

ኣብ ኣመሪካ አለዉ – ዲሲ’ውን ትመስክር

ኣብ ኤሮፓ’ውን አለዉ – ብዘይ ጥርጥር

ኣብ ኣውስትራሊያ’ውን አለዉ ርሑቕ ሃገር

ኣብ ኣፍሪቃ’ውን አለዉ ጥቓታ ሃገር

ኣብ ኤጃ’ውን አለዉ ሰብ ዶላር

ኩላሊት ኤርትራውያን ዝጽበዩ ብሓባር

ህዝብና ተጎዛዝዩ ብናይ ባዕሉ ሽግር

ንሰራቒ ስለዘፍቀደሉ ብሓሶት ክምድር።

 

ይኣክል ምባል እኮ ንግፍዐኛ ገዛኢ

ቦታ ኣይውስኖ ኣብ ሃገር ኣብ ወጻኢ

ሕልና ተባዓት ጥራይ’ዩ ዝጎደሎ

ህዝበይ ኣየጽንትን እንዳረኣኹ ዝብሎ

ባህለይ ክድምሰስ እንዳረኣኹ ዝብሎ

ሃይማኖተይ ክድምሰስ እንዳረኣኹ ዝብሎ

ኤርትራዊነተይ ሓቑፉ ንሐደ ዝገብሮ

ሕልናና ንቀስቅስ ብህይወት እንተሎ

ንመንእስያት ፍትሒ ኣይነውዕሎ ኣይነሕድሮ

በደልናውን ንረኣይ ይኣክል ክንክውሎ

ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን ዝጋገ’ውን ዘሎ።

 

ዝገደዱ አለዉ ኣብ ክልተ ዝበልዑ

ዕሱባት ሓሰውቲ ኣብ ውሽጥና ዝተሰኩዑ

ብሽም ተቓውሞ ዝጠልሙ ዘጋፍዑ

ገዛና ነጽሪ ጉሑፍና ገልዒ ገልዑ

ሕብረትና ዝብትኑ ቀልጢፎም ይጥፍኡ

ዝነቐዘ እኽሊ እንዳፈለጥኩም ኣይትብልዑ

ሕማም’ዩ ትርፉ ዘይቅትል ሽዑ ንሽዑ።

 

ሕማሞም ሐደ ዘይፈላለ

ብስልጣን ህርፋን ዝሓበለ

ነቐዝ እኽሊ መራሕቲ ተቓውሞ

ነቓዕ ዕትሮ ህግደፍ ኣይትስንዖ

ግብሮም ተመሳሳላይ ክፍኣት ዝኣለሞ

ኣይዕበስ ኣይክደን ኣይትሓትሞ

ነቐዝ እኽሊ’ውን ንስዋ ኣይትጸምቆ

ክልቲኡ ዘየድሊ ንምንታይ ንዓቖሮ

ቦታ ካብ ዘጻብብ ቀልጢፍና ንስበሮ

ሰባሩን ነቐዙን ብሐደ ንግሓፎ።

 

ራህዋን ቅሳነትን ንውጹዕ ህዝብና

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣት ጀጋኑና

 

ሰለማን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 04/14/2016”

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT