Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ነተሓሳስባ`ውን ቁልዒ ኣለዎ” ?(ከም ሓዊ)

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ንንጣር ሓዊ ብእግርኻ ረጊጽካ ናይ ምጥፍኡ ተኽእሎ`ሎ። ሸለል እንተልካዮ ኸኣ  ንቁጽን ጥሉልን ከም ዘንድድ ዓሻን ለባምን ዝርድእዎ`ዩ።ብማዕረ`ዚ ኸኣ ናይ ዝኾነ  ሾቨንያዊ፡ ኣድሓርሓሪ፡  ኣዕናዊ ቂልዒ ሓሳብ ብኣጋ ብእግርኻ ዘይምርጋጽን ኣበይ ከይበጽሕ ኢልካ ብ ሓንጎል`ታ

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

ንንጣር ሓዊ ብእግርኻ ረጊጽካ ናይ ምጥፍኡ ተኽእሎ`ሎ። ሸለል እንተልካዮ ኸኣ  ንቁጽን ጥሉልን ከም ዘንድድ ዓሻን ለባምን ዝርድእዎ`ዩ።ብማዕረ`ዚ ኸኣ ናይ ዝኾነ  ሾቨንያዊ፡ ኣድሓርሓሪ፡  ኣዕናዊ ቂልዒ ሓሳብ ብኣጋ ብእግርኻ ዘይምርጋጽን ኣበይ ከይበጽሕ ኢልካ ብ ሓንጎል`ታ ብ ኣባጎብየ  ዝተቀደመት ማንቲሌ ምሕሳብ ጌጋ`ዩ።

ንኤርትራዊ  ጂኦ ፖለቲካዊ ሓድነት ዘቋስል ሸቮንያዊ ኣተሓሳስባ ዝጾሩ ኣድሓርሓርቲ ዓው ኢሎም ክዛረቡን ክጉስጉሱን ምስ ጀመሩ፤ ብተጻይ ሓሳብን ተረድኦን ንምግጣሞም ኣብ ዝፈተንኩሉ ግዜ፤ ገለ ኣብ ትሕቲ`ቲ ሓተታ ብምጽሓፍ፤ ገለ ኸኣ ብግሊ መልእኽቲ  ከምኡ`ውን ብቀጥታ ብምዝራብ ነዚ ዝስዕ ዝዓይነቱ ምዕዶ ሃቡኒ፡-

  • “በዚኦም ኣይትገደስ፤ ግዜኻ ንኻልእ ቁምነገር ተጠቀመሉ፤ኣብ ዝበጽሑዎ የብሎምን።”
  • “ብዛዕባ`ዚኦም ክትጽሕፍ እንኮለኻ ተፈፈላጥነት ከጥርዩን ገንዘብ ከጠራቅሙን ዝሕግዝ`ዩ  ……….” ዝብል`ዩ።

እዚ ተረድኦ`ዚ ሓቂ የብሉን ክበሃል ኣይከኣልን`ዩ፡ ግና ኩሉ ነገር ብሸለልትነት ይሰዓር`ዩ ኢልካ ምእማን ከኣ ተግባራዊ ኣይኮነን፤ ሸለልትነትን ስቅታን ኣብ ገለ ጉዳያት ነቲ ዝንዛሕ ስሚ ግዜ ረኺቡ ንኽቀትል ይሕግዙ`ዮም።

ንተፈላጥነቶምን ምምላእ ጅቦኦምን ብዝምልከት ግና፤ተፈላጥነቶም በዚ ረሳሕ ገጽ ሰማይ ይዕረግ፤ ከብዶም ሓደ ሜትሮ ንቅድሚት ይወጥወጥ ብዘየገድስ፤  ነቲ ረሳሕ ዝምባሌ ብምምካት እቲ ብደምን ረሃጽን ሕርማንን ዝተሃንጸ ጆኦ ፖለትካዊ ሓድነት  ክሕሎ ኣለዎ።

ስለዚ ንምሕጻር ዝኣክል ኣብ ዓለምና  ካብ ዝተራእዩ  ንቁጽን ርሑስን ዘንደዱ ኣዕነውቲ ሾቨንያዊ ምንቅስቃሳት ዝፈጠሩ ሰባት ኣብ ሕብረተ ሰቦም ዝረኤ ክብርን ዋጋን ዘይነበሮም፤ ሰብ ጸገም`ዮም ነይሮም።

በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ከብረሆ ዝደሊ ናይ ስቅታን ሸለልትነትን ጉዳይ ከምቲ ዝተገልጸ ኮይኑ፤ እቲ ኣዚዩ ክንጥንቀቀሉ ዘሎና ግና  ንሾቨንያ ብሾቨንያ ምግጣም`ዩ። ምኽንያቱ ጸሬ ሾቨንያ ምዃንካ ዘየርኢ ስጉምቲ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፤ ንሃሳስ ስእሊ ሸቮንያ ተድምቅ ስለ ዝገብረካ።  ናይ`ቲ ግናይ 2ይ ገጽ!

AAHafiz  (217) 06/05/2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Hagos May 9, 2017

    መን ከምዝበሎ ዘይዝክሮ፥

    ” ንነብሱ ዘየኽብር ሰብ ፡ ክብረት ይልቃሕ። ”

    ” መትልኡ እተሰልበ ጊላ ፡ ብመትሎ ጎይታኡ ይፍክር።”

    ” A person devoid of self-respect,
    borrows his dignity. “

  • tesfalem tsbah May 9, 2017

    hasewti kulukum

  • Tesfa May 10, 2017

    እዚኦም ዓይነት ሰባት ዝዘርእዎ ቫይረስ ክትሕክሞዉን አሸጋሪ እዮ: ከምቲ ዝበልካዮ
    ጸሓፊ ልክዕ አለኻ።

  • Nahon May 10, 2017

    Those who spread seeds of hatred are usually confident that, as long as they are in a safe place, they have nothing to worry. But history has shown ample instances, where the instigators ended up being swallowed by fire they had started.
    Young Eritreans stay away from those who want you to kill each other.
    Join hands to bring peace to your beloved Eritrea.
    Be aware of divisive voices you hear around you. Keep in mind, such people cannot be your friends.

Post a Reply to Tesfa Cancel Reply