Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነዚ ውርደት ዝለመደ ስርዓት፡ ነውርዶ ዶ መዋርድቲ ንኹኖ?

ይዝከረኩም ዶ፡ ከምዚ ሎሚ ነታ ባንዴራ እንተደለኹም ከም መንዲል ርስሓትኩም መጽረጊ፡ እንተደለኹም መባዕለጊ፡ ነዛ ናይ ደም ሃገር፡ መርወዪ ዊንታኹም ሕዛእቲ በይንኹም ጌርኩማ ከይነደኹም ከለኹም! እወ፡ ዘክሩዎ ‘ሞ እቲ ገና መዳልይቲ ባንዴራን ሃገርን ከለና፡ ዝነበረና ሓበንን

ይዝከረኩም ዶ፡ ከምዚ ሎሚ ነታ ባንዴራ እንተደለኹም ከም መንዲል ርስሓትኩም መጽረጊ፡ እንተደለኹም መባዕለጊ፡ ነዛ ናይ ደም ሃገር፡ መርወዪ ዊንታኹም ሕዛእቲ በይንኹም ጌርኩማ ከይነደኹም ከለኹም! እወ፡ ዘክሩዎ ‘ሞ እቲ ገና መዳልይቲ ባንዴራን ሃገርን ከለና፡ ዝነበረና ሓበንን ፍናንን!?

እቲ ዝኽሪ እንተተመሰለልኩም፡ እቶም ጀነራላት፡ ኮሌኔላት፡ ጽሩራኹም ቀንጢብኩም ‘ሞ ሓንሳብ ኣብ ጁባኹም ሸኩዑዎ። ተመለሱ፡ ናብቲ ናይ ገድሊ መንፈስ፡ ዘክሩዎ ነቲ ካብ ሰብ ዝተፈልየ ሰብ፡ ቃልስን መስዋእትን ዘሐበኖ ኤርትራዊ ተጋዳላይ። እወ፡ መሳርዕ ኣሃዱኹም ብተደጋጋሚ መስዋእቲ ተጸንቂቑ፡ ንኦርኒክ ተጋዳላይ፡ ክንደይ ሻዕ ቀዲድኩም ክንደይ ሻዕ ከምዝጸሓፍኩሞ ‘ሞ ዘክሩ!!

ሽዑ፡ ገና መዳልይቲ ባንዴራን ሃገርን ከለና፡ “ዓወት ኣብ ርእሲ ዓወት ዝጽምብል ሓይሊ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር” ኢሉ ዝጅምር ደርፊ ነይሩና። እዚ ደርፊ’ዚ፡ ተኸታታሊ ዓወታት ኣብ ዝሕፈሰሉ ዝነበረ እዋን፡ ቅያ ሕቡናት ኤርትራውያን ተጋደልቲ ንምግላጽ ብስምዒት ዝተማህዘ ‘ኳ እንተነበረ፡ ናይ ዓወት ጽመዋ ኣብ ዝነበረሉ ጽንኩር መድረኽ ከይተረፈ ይዝየም ነይሩ። ሽዑ፡ ዋላ ኣብ ስዕረት መንፈስ ተሰዓርነት ኣብ ደም ኤርትራውያን ተጸምቢሩ ስለዘይፈልጥ፡ እናዝለቕካ ክትደርፎ ከለኻ ‘ውን ዝግረመሉ ኣይነበረን። ውዒሉ ሓዲሩ ዓወት ግድን ምዃኑ ጥራይ ኢና ንፈልጥ ዝነበርና። ሕጂ ብሰሪ ጎይቶትኩም ጠለምቲ ዕላማታት ሓርነታዊ ቓልሲ፡ እቲ “ናጽነት” ዝብል ናይ ብርዒ ስም ለቢሱ፡ ብደም ንጹሃት ጀጋኑ ዝተረኽበ ዓወት ምስ ተሓምሸሸ፡ እቲ ብቐረባ ስለ ናጽነት ዝተወፈየ ኤርትራዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ እቲ ኤርትራዊ ብምዃኑ ብማዕዶ ዝተሓበነ፡ እቲ ከም ሞሳ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት መስዋእቲ ዝተጓናጸፍናዮ ክብረት፡ ብውርደት ኣብ ርእሲ ውርደት፡ ኣብ ርእሲ ውርደት…ተበኪሉ፡ ኤርትራዊ ሕልናኡ ኣግነብኒቡዎ፡ ሞራሉ ሰልክዩ፡ ‘ደም-ረሃንጽና ነዚ ድዩ’ታ እናበለ ምስ ሕልንኡ ክብኣስ፡ ክትርእዩዎምን ክትሰምዑዎን ከለኹም ‘ሲ እንታይ ኮን ይስምዓኩም ይህሉ? ብሓቂ ናብቲ ዝኽሪ ተመሊስኩም እንተሊኹም፡ ሕጉሳት ከምዘይንኩም ፍሉጥ እዩ። ግን እዚ ኹሉ ኣብ ምንቲ ምንታይ፡ ምእንቲ መን!?

እቲ ቀደም፡ “ኣሽንባይ ዶ ጸላኢ መሬትና ክዘምት፡ ሓመድና ብደሮና ዶብ ክሰግር ‘ኳ ኣይንፈቅድን ኢና” ኢሉ ብወለንታ ዝደገፈኩም፡ መታን ሞራልኩም ከይትንከፍ፡ ኣብ ወድቀትኩምን ዓወትኩምን ከም ዕዉታት ጥራይ ዘጣቕዓልኩም፡ ኣብ መስዋእቲ ደቁ ዝዕልለልኩም ዝነበረ ህዝቢ፡ ሎሚ፡ መንእሰይ ብቓፍላይ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ብሰለይ ዶብ ክሰግር፡ ካብ ጸላእቱ ንላዕሊ ጸሊኡኩም ካባኹም ክሃድም ክትዕዘቡዎ፡ ካብኡ ሓሊፍኩም እንተኽኢልኩም ብኣድራጋ ጠያይቲ ክትቀትሉዎ ከለኹም ከ፡ እንታይ ኮን ይስምዓኩም ኣሎ? ነዚ ወዱ ዝቐተልኩሙሉ ኣቦ፡ ወዱ ዝቐዘፍኩሙሉ ኣቦ፡ ሕጂ ‘ወያነ ወሪራትና ‘ሞ ስተረና’ ኢልኩም ክትጽውዑዎ፡ እንተዘይሰመዓኩም ከኣ ክትገፉዎ ኸ ይወሓጠልኩም ‘ዶ? “ቅድሚ ወያነ ንመሬትና ምውራሩ፡ ገዛና ወረርኩም ካብ ገዛና ዘባረርኩምና፡ ደቅና ኣብ ምድረበዳ ሰሃራን ሊብያን ዝዘረኹሞም ንስኻትኩም ኢኹም” እንተበለኩም ከ መልስኹም እንታይ እዩ? ኣስተውዕሉ!  ስድራቤት፡ ገዝኣ ከይፈርስ፡ ስድራቤታ ከይብተን ኢላ እያ፡ ሃገር እትሕሉ። ክብረት ቤት ከይተሓለወ፡ ዶብ ሃገር ክሕጸር ኣይክእልን እዩ። ትማሊ ሓሙስ ብኹሉ መኣዝን ኣጋጢሙኩም ዘሎ ውርደት ከኣ ውህሉል ውጽኢት ክፋእኩም እዩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ 18 ኪሎሜተር ዝኣክል ናብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ኣትዩ ድላዩ ገይሩ ከወጽእ ከሎ፡ ዝብሃልን ዝግበርን ጠፊኡኩም ዕንይንይ ዝበልኩሙሉ ምኽንያት ‘ውን ስለዚ እዩ።

ኢትዮጵያ፡ ነዚ ናይ ሕንሕነ ስጉምቲ’ዚ ዚወሰደት ጥራይ መዓኮርኩም ከምዘለኹም፡ ዋጋ ከምዘይብልኩም፡ ክትገብሩ ከምዘይትኽእሉ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ንምውራድኩም እምበር፡ መሬት ኤርትራ ንምውራር ከምዘይትነቅል ንዓኻትኩም ‘ውን ዝጠፍኣኩም ኣይኮነን። ውርደትኩም ግን ርኢናዮ፡ ምስ ጸግሩን ጭርኡን።

ንህዝቢ ኤርትራ ድሮ ባዕልኹም ስለዘዋረድኩሞ፡ እዚ ውርደቱ ኣይኮነን። ነቲ ባዕልኹም ዝመሃዝኩሞ ውርደት፡ ባዕልኹም ኣብ ክንዲ ትኽእሉዎ፡ ከምቲ ናይ 1998 ብሓሶት፡ “ተወሪርና” ክትብሉ ዘደናገርኩሞ፡ ዳግማይ ከተታልሉዎ ከቶ ኣይትኽእሉን ኢኹም።

ብኣግኡ ተጋደልቱ ኣሕሲርኩም፡ ኣሲርኩም፡ ኣሕቂቕኩም፡ ስንኩላን ኵናቱ ቀቲልኩም፡ ቀጺልኩም ምልምላት ደቁ ብምትላል ኣብ ኵናት ቀዚፍኩም፡ ብሕልሚ ዝሰርሰረኩም ሓይሊ ኣብ ባይታ መልሓጥሓጥ ኢሉኩም መሬቱ ብጎረባብቲ ከይድፈር ደቁ ንዘወፈየ ህዝቢ ብስም ዓቀብቲ ሰላም ካብ ርሑቕ ብዝመጽኡ ባዕዳውያን መሊእኩሞ፡ ባዕልኹም ናብ ስደት ዝዘረኹሞም መንእሰያት ደቁ፡ ምድረበዳ እንተወሓጦም፡ “እንቋዓነይ” ኣብ ባሕሪ እንተጠሓሉ “ኣሰየ ኣሰይ” ኢልኩም፡ ንሓዘንተኛታት ወለዲ 50 ሽሕ ኣኽፊልኩም፡ ውርደት ከተላምዱዎ ዝፈተንኩም ህዝቢ፡ ብስምቡር ልቡ ክልብም እምበር ክዕሾ ኣይክእልን እዩ። ከምቲ ሎሚ ቕነ ትምልኡዎ ዘለኹም፡ ሳላ ድኻምኩም ብጸጋማይ ዝተወሃብኩሞ ጽፍዒት፡ ብየማናይ ደኣ ተቐበሉዎ እምበር፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ክንዳኹም ጽፍዒት ክቕበል ዝሓልፈልኩም ህዝቢ የለን። ካብ ማንም ጸላኢ ዝበኣስኩም ጸላእቱ ንስኻትኩም ምዃንኩም ተገንዚቡዎ እዩ።

ሳላ ጃህራ መራኸቢ ብዙሃን ህግደፍ ኣብ ውሽጢ መሬት ኤርትራ ቁጽሪ ዘይብሎም ተቓወምቲ ምንቅስቓሳት ኢትዮጵያ ይዕለሙን ይዓጥቁን፡ ናብ ኢትዮጵያ ወፊሮም ሽርሕታት ብምግባር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ዝርከብ መዓስከራቶም ከምዝዕቆቡ ቆልዑ ዝፈልጡዎ ምስጢር እዩ። ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖሞ ናብ ኢትዮጵያ ንዘምልጡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምዕጋት፡ ናይ መወዳእታ ዛሬባ ከምዝጥቀመሎም፡ ኣብ ዶባት ንመንእሰያት ኤርትራ ክርሽኑ ናይ ፍቓድ ወረቐት ከምዝሃቦም ‘ውን ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ባዕሉ ኣኻኺቡ ዘቖሞምን ዘተባብዖምን ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፡ ብኢትዮጵያ ስለዝተጠቕዑ ተወሪረ ኢሉ ዘቕርቦ ኣቤቱታ እምብኣር ሰማዒ የብሉን።

ኣብ ገዛኻ ሰራቒ ክኣቱ ምፍቃድ ብሕጊ ዘሕትት እዩ፡ ከየስተብሃልካሉ እንተኣትዩ ክትሰጎ፡ እንተነፊዕካ ደፊእካ ናብ ሕጊ ከተቕርቦ’ዩ ዝግባእ። ከምዚ ክትገብር እንተዘይክኢልካ፡ ማዕጾኻ ክስበረካ ከምዝኽእል ክትጽበዮ ኣለካ።  ማዕጾኻ ምስ ተሰብረ፡ መዋፈሪ በጋሚዶታት ኴንካ ሰረቕቲ ዘዋፈርካሉ ገዛ ‘ተዘሚቱ’ ኢልካ እንተኸሰስካ ‘ውን፡ ፈራዲ “ብቐደሙ መን ሰረቕቲ ኣዕቁብ ወይ ኣዋፍር ኢሉካ፡ ማዕጾኻ ባዕልኻ የዐርዮ” ኢዩ ዝብለካ ‘ምበር ኣይድንግጸልካን እዩ። እዚ ቐሊል ኣምር እዩ፡ ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ኣጸቢቕና እናፈለጥና፡ ከም ቲፎዞ ኩዕሶ ንዝተጀመረልና ሆይሆይታ ስዒብና ብስምዒት ኣብ ክንዲ ምጭዳር፡ መጎታዊ ገምጋም ጌርና ትርጉም ዘለዎ ሚዛንን ፍርድን ክንህብ ይግባእ። ልብና ዝፈልጦ ካልእ፡ ኣፍና ዝብሎ ካልእ እንተኾይኑ ግን ህዝብና ከምዛ ዘለዋ ክንዋረድ ክነብር እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ነዚ መመሊሱ ውርደት ጥራይ ዘሰክሞ ናይ ድኹማት ውዲተኛ ስራሕ ገዲፉ፡ ከም መኻን ነብሰጾር “ባድመ ሓሙሽተ ዓመታ ሓሊፉ፡ ዓሰርተ ዓመታ ‘ባ ኣኺሉ” ክብል ክቁዝም ካብ ዝነብር፡ ነታ ብኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ናይ ኤርትራ ምዃና ዝተወሰነላ ባድመ ብስሪኡ ኣምሊሱ ከጽንዓ እንተዝኽእል ክንደይ ቁምነገር ነይሩ። ኢሳይያስ ግን፡ ወንበሩ ናይ ምክልኻል ስስዕቲ እምበር፡ ልዑላውነት ኤርትራ ናይ ምኽባር ዓቕሚ ይኹን ተገዳስነት የብሉን። ብባድመ ኣመኽንዩ ትግባረ ቅዋም ብምድንጓይ ስልጣኑ ንምንዋሕ ድሕሪ ዝገበሮ ጠንቀምቀም፡ በቲ ይመልኮ እየ ዝብሎ ቋንቋ ኵናት ተምበርኪኹ፡ ወደብ ዓሰብ ኣብ ኢድ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክትወድቕ ኣዚዙ፡ ጉዕዞ ካብ ኣስመራ ናብ ናቕፋ ክጅምር ከምዝተማተአ ‘ሞ መን ይርስዖ። ኣብ መወዳእታ፡ ሳላ ሽምግልና ትንፋስ ዝረኸበ ‘ውን ካብ ኦምሓጀር ክሳብ ራስ ዱሜራ፡ 25 ኪሎሜተር ናብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ዳርጋ ርብዒ ጠቕላላ ስፍሓት ኤርትራ ብኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ክሕሎ ምስተሰማምዐ፡ ንክብረ-ንጽህና ኤርትራ ኣድፊሩ፡ ሓበን ኤርትራውያን ምስ ሰበረ ጥራይ እዩ። እዚ ናይ ሕጂ ‘ብደርሶ መልስ’ ዝተገብረ መጥቃዕቲ መዓስከራት ተቓወምቲ ኢትዮጵያ፡ ኢሳይያስ ኣብ ውርደት ይነብር ከምዘሎ፡ ንሕና ኤርትራውያን ድማ ውርደተኛ ስርዓት ጼርና ንኸይድ ከምዘለና ካብ ምዝኽኻር ሓሊፉ፡ ብዓይኒ ምድፋር ልኡላውነት ኤርትራ ሚዛን ዘለዎ ኩነታት ኣይኮነን።

ልክዕ እዩ፡ ዝኾነ ሓይሊ ወጻኢ ዶብ ሃገርካ ጥሒሱ ድላዪ ገይሩ ክወጽእ ከሎ፡ ውርደት ይስምዓካ እዩ። እንተኾነ፡ ብሰሪ ሕሱር ስርዓት ህግደፍ፡ ከምዚ ዝጠቐስናዮ፡ ውርደት ኤርትራውያን ትማሊ ሓሙስ ኣይጀመረን። እዚ መሰረታዊ ጠንቂ ውርደት ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሎ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ክሳብ ዘይተኣለዩ ድማ ኣብኡ ከብቅዕ ኣይኮነን። ኒሕን ሓቦን ዘለዎ ሰብ ንውርደት ከምዘለዎ ተቐቢሉ ምስ ውርደት ክነብር ክፈቅድ የብሉን። ናብ ክብረት ክምለስ ክቝጣዕ ኣለዎ። ንኤርትራውያን ቅድሚ ዝኣገረ ከቖጥዓና ዘለዎ ድማ፡ እዚ ክብረትና ቀንጢጡ፡ ምንጪ ኩሉ መዓትን ውርደትን ኮይኑና ዘሎ ኢሳይያስን ስርዓቱን እዩ።

ንልኡላውነት ኤርትራ ብዝምልከት ኤርትራውያን ብኢትዮጵያ ክንቍጣዕ ዘለና ብሓይሊ መሬት ኤርትራ መንዚዓ ክትዕምጽ፡ ኣካላ ክትገብሮ ምስ እትደሊ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ትርጉም ዘለዎ ስርዓት ብዘይምህላዉ፡ ድላያ ክትገብር ትኽእል ‘ኳ እንተኾነት፡ ስጉምታ ነባርነት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ከባቢ ኣኽራን ገስጊሳ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ኤርትራ ዝነበረ ከባቢታት ሒዛ ተመሓድሮ ከምዘላ ይስማዕ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ድኻሙ ከይቃላዕ ‘ሞ ብህዝቢ ኤርትራ ዝያዳ ከይነዓቕ ብጩቕ ኢሉ ኣይተዛረበን። ነዚ ናይ ሎሚ መጥቃዕቲ ‘ውን ‘ይብሉ ኣለዉ’ ካብ ምባል ሓሊፉ ኣፉ መሊኡ ኣይተኣመነሉን። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ሰነፍ ወይ ሓያል ስርዓት ይሃሉ ብዘየገድስ፡ መሬት ኤርትራ ናይ ኤርትራ እዩ፡ ናብ ዝኸዶ የብሉን። እዚ ስርዓት’ዚ ዘይሕጋዊ ስለዝኾነ፡ ንጠባዩ ጥራይ እዩ ዝውንን። ኢትዮጵያውያን ‘ውን ብኢደወነኖም ዝወስዱዎ መሬት ከምዘየቕስኖም ኣጸቢቖም ይግንዘቡዎ እዮም።

ኣብዚ ሰዓት’ዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ውግእ ክለዓል ከሎ፡ መሬት ከይዝመተና ካብ ዘሎና ሻቕሎት ንላዕሊ ዝዓበየ፡ ህይወት ናይቶም ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሓይሊ ተገፊፎም ኣብ ዘይውዳእ ጊላነት ተጸሚዶም ዘለዉ መሳኪን ኤርትራውያን መንእሰያት እዩ። እንተኾነስ፡ እቶም ከም እሱራት ኣብ ዓይኒ ሓለዋ ህግደፍ ከለዉ ነብሶም ምድሓን ተራቒቖምሉ ዘለዉ መንእሰያት፡ ቶኽሲ ኣብ ዝጅመረሉ ግዜ ነብሶም ምእላይ ክንደየናይ ከየጸግሞም።

ብኹሉ መለክዒታት ክርአ ኸሎ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ብቐንዱ ኣብ ኤርትራ ልኡላውነት ሓሪሙዎ ዘሎ እምብኣር ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እቲ ከም ሰብ መሰላቱ ተነፊጉ፡ ብማእሰርትን ግፍዕን ተሸቝሪሩ ዝነብር ዘሎ፡ ደቁ ከም እንቋቝሖ ደርሆ መምስተወልዱ እናተለቕሙ ኣብ መዓላ ህግደፍ ዝውዕሉዎ ዘለዉ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ህግደፍ ተገላጊሉ ልዑላውነቱ ከየረጋገጸ ድማ ልኡላውነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ክብሃል ኣይክእልን እዩ።

ኣብዚ ብዘይነግፈረግ ክረጋገጽ ዘለዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ልኡላውነቱ ባዕሉ ከረጋግጾ ከምዝኽእል እዩ። ምናልባት፡ ናይ ህዝቢ ምልክታት ተስፋ ምቕራጽ ሓሲቦሞ ዘይፈልጡ ተስፋ ዝሃቦም፡ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ቶኽሲ ብሃንደበት ኣስመራ ዘእትዎም ዝመስሎም፡ ከምቲ ናይ ህግደፍ ካብ ራህዋን ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ ስልጣን ዘብልጹ፡ ጽክታት ዝበዝሖም ወገናት እንተልዮም ‘ውን ነዚ ሓቂ’ዚ ኣጸቢቖም ክግንዘቡዎ ይግባእ። ብዘይ ቃልስን መስዋእትን ካብ ሰረገላ ዘሊልካ ናብ ወንበር ምዅያጥ ከምዘይከኣል ክርድኦም ኣለዎ።  ስለዝኾነ ኣውራ ለዋጥን ተጠቃሚ ለውጥን ንስኻ ህዝቢ ኤርትራ ምዃንካ ተገንዚብካ፡ ነዞም ኣብ ዘዝሕሸና ኴንና ብማዕዶ ደሃይ ጽቡቕ ድሌት እንገብረልካ ዘለና ከም መወሰኽታ ባህግኻ ጥራይ ብምርኣይ፡ ኣብ ክንዲ መዋርድቲ ኢሳይያስ ኴንካ ኣብ ሰንፈላል እትነብር፡ ነቲ ለኪሙካ ዘሎ ውልቀመላኺ ካብ ስልጣን ከተውርዶ ርእሰ ምትእምማን ዘለዎ ምንቅስቃስ ክትገብር ይግባእ። ኤርትራ፡ ንዓና ነዞም ኣብ ስደት እንነብር ዘለና፡ እንተረሃወ እንቕልቀላ ባሕሪ፡ ንዓኻ ነቲ ኣብ ውሽጢ ንእትነብር ዘለኻ ግን፡ ቅያር ዘይብላ ዓዲ እያ ‘ሞ፡ ሕሉብካን ንጹፍካን ከም ምዃና መጠን ናይ ሞትሕን ሕየትን ወፈያ ካባኻ እያ እትጽበ። መብጽዓናን ትምኒትናን ሽሕ ግዜ እንተጸበቐ፡ ቃልና ሽሕ ግዜ እንተጠዓመ፡ ሓገዝ ትንፋስ ካብ ምዃን ሓሊፍና፡ ብወንጭፍ ለውጢ ክንውርውረልካ ከምዘይንኽል ኣጸቢቕካ ብምግንዛብ ክትዕጠቕ ይግብኣካ። ንዓና ድማ፡ ራህዋ ዝወለዶ ፍሽኽታኻ ሕልናዊ ዕግበት ክህበና፡ ሩፍ ክንብል እምበር ዝኾነ ጥሙሕ ክህልወና ኣይንሓስቦን።

ኣንቱም ኮለኔላትን ጀነራላትን ሚኒስተራትን፡ ክሳብ ሕጂ ጸሩራኹም ኣብ ጁባኹም ተሸኵዐን ኣብ ዝኽሪ መበቆላዊ ዕላማኹም እንተሊኹም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይሓልፍ ድሂኽኩሞ ኳ እንተኼንኩም፡ ይቕሬ ኢሉ፡ ንጥፍኣትኩም ምስ ንጽህና ከመሳስሎ፡ ከምቲ መሻርኽቲ ቐዛፊ ዝነበሩ ሰበስልጣን ሊብያ ዝገበሩዎ ምስ ህዝብኹም ወጊንኩም፡ ህዝቢ ኤርትራ በቋራጭ ናብቲ መዛኑኹም ዝተሰውኡሉ፡ ሕድሪ ዝበሉኹም ዕላማታት ፍትሕን ሰላምን ክትጽንብሩዎ ኒሕ ክትገብሩ፡ ተራኹም ክትጻወቱ ዕድል ከምዘለኩም ተገንዘቡ።

እቶም ኣብ ቃልሲ ንሓርነት ዝተሰውኡ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት መዛኑኹም፡ እቶም ንምክልኻል ልዑላውነት ኤርትራ ኢልኩም ዘስዓብኩሞም ዓሰርተታት ኣሽሓት መሳቱ ደቅኹም፡ ምእንቲ ሃገራዊ ዕላማ ይብጀዉ ከምዘለዉ ተገንዚቦም ምስ ቅሳነት ስለዝሓለፉ ዕዳ የብሎምን። ንስኻትኩም፡ እዞም መዓልቲ መዓልቲ እትርእዩዎ ዝነጦቐ ዓይኒ፡ ዝጸመመ እዝኒ፡ ዝተዘናበለ ኣእምሮ፡ ዝተሰብረ መሓውር ስንኩላን ሓርነት ብጾትኩም፡ ናፍቖት ሕድሪ ዘየሕድረልኩም ዘሎ ጠላማት ግን፡ ኣብ ቅድሚ ‘ቶም ክሕበኑ ዝግብኦም ስድራቤት ስዉኣትን ደቆምን ንታሪኾም ትብርዙዎ ከምዘለኹም ተመልኪትኩም፡ ምእንቲ ህጹጽ ድሕነት ሃገርኩምን ሕልናኹምን፡ ቆራጽ ስጉምቲ ክትወስዱ፡ ተሪፉኩም ዘሎ ናይ መወዳእታ ወርቃዊ ዕድል ክትጥቀሙሉ ይግባኣኩም።

ኣብ ጊላዊ ኣገልግሎት ኢሳይያስ ከለኹም መዓልትኹም ኢንተኣኺላ፡ ዕጫኹም ናይ ናይዝጊ እዩ። ኢሳይያስ፡ ከምቲ ናይ ቀዛፊ ካብ ቢንቶ ተዘቑቑ ክሳብ ዝወጽኣሉ መወዳእታ ሰዓት እንተተጣሊዕኩም ከኣ፡ ህዝባዊ ምሕረት ክትረኽቡ ከሸግረኩም እዩ። ካብ መንጎ እዚ ክልተ ክፉእ ዕድላት ወጺእኩም ብውሕዱ ሕልናዊ ቅሳነት ክትረኽቡ እምብኣር፡ ካብታ ብሓጥያታት ኢሳይያስ ዘጢጣ ዘላ መርከብ ህሉዋትን ስዉኣትን ኤርትራ፡ ንኢሳይያስ ናብቲ ባሕሪ ደርብዩዎ። ንኢሳይያስ ካብ ኤርትራ ኣዕቢኹም፡ ካብ ሞት ኢሳይያስ ጥፍኣት ኤርትራ ንምስልሳል እትገብሩዎ ጻዕሪ እንተቐጺልኩም ግን፡ ህዝባዊ ማዕበል ለኻኺሙ ክኽዕወኩም ምዃኑ ዝተረጋገጸ እዩ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ቀዳማይ ኵናት ኣብ ነብስኻ ዝዘርኣልካ በሰላታት ከይሓወየ፡ ኣብ ዝኸፋአ መጋርያ ዕቡዳን ተጠቢስካ ዘሕለፍካዮ ስቓይን ቃንዛን ካብ ማንም ንላዕሊ ንስኻ ስለትፈልጦ፡ ሳልሳይ መዓት ሓዊ ክከዓወካ ኣይጻማኻን እዩ። ስለዚ፡ ግርህናኻ ናብ ትኩርነት ለዊጥካ፡ ካብዚ ኣብ ዘይውዳእ ቅልውላው ሸሚሙካ ዘሎ ድሑርን ዓማጽን ስርዓት ብገዛእ ቃልስኻ ተገላገል። ቀዳማይ ጸላኢኻ እቲ ኣብ ከብዲ ዓዲ ዘሎ፡ ሓበንካን መንፈስካን ዝሰበረ መራሕ ጥፍኣት ውልቀመላኺ ኢሳይያስን ስርዓቱን እዩ። ኣብ ቅርዓትካ ሰላምን ፍትሕን እንተተኺልካ ዝደፍረካ የልቦን። ወትሩ እትምነዮ ሰናይ ጉርብትና ሰሚሩልካ፡ ብዘይምዩቕታ፡ ብምሉእ ኣድህቦ ናብ ምዕባለ ክትስጉም እምብኣር፡ እቲ ተመን ኣብ ኣግርኻ እቲ በትሪ ኣብ ኢድካ እዩ ዘሎ። ኣብ ውርደት ካብ ምንባር፡ ነቲ ዘዋረደካ ስርዓት ኣውሪድካ፡ መሳልል ሕግን ስርዓትን ወኒንካ ኣብ በሪኽ ሓበን ተሰቐል።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

18 መጋቢት 2012

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
57 COMMENTS
  • FACT-is-FACT March 20, 2012

    Yes – ፅቡቕ ኢልካዬ – ኣማንኤል ኢያሱ መትከሉ ብግብሪ !

    ኩሉ ኤርትራዊ ሕርቃኑ ቃንዝኡ ፍርቂ ናይ ኣማንኤል ተግባራት ክፍጽም ዉልቃዊ ቃልኪዳን እንተዝውንን እቲ ሥርዓት ብዝባዕገገ ኣእምሮ ንሀገርን ህዝብን ዓትዒቱ ኣይምሓዘን! (to write in TiGRINA – use this: http://www.pit-r.de/fidel/ )

    The difference between Amanuel and the rest of us is that he is the angriest of all that has acted with a defined conviction – i.e. Fight PFDJ tooth-N-nail in the best possible way and he is doing it beautifully with the information flow. Informatyion is a powerful tool that EPLF/PFDJ has successfully used in saturating our people’s mind that eventually led them to be drowned by it.

    a) This attractive piece in itself is etched beautifully in Forms & Contents (ብትሕዝቶን ቅርጺን ዝተቖናጄወ)! b) Assena.com shouldn’t let this piece from sliding onto the Archive bin as other articles trickle in and pushing further down. we appeal Amanuel to keep it at the top for the forseeable future as it is the icing-on-the-cake. Those of with logic & truth agree for sure!

POST A COMMENT