Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ነዳድን ደምን”

"ነዳድን  ደምን" ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ዒራቅ ትባሃል ሃገር ምንባራ ርግጸኛ`የ፤ኣላ ድያ የላን ግና ንዓይ ርጉጽ ነገር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህላዌ ናይ ሓንቲ ሃገር  ናይ ዝተላገበ መሬት ህላዌ ቅድሚ ምዃኑ፤ ናይ ዝተላገበ ቀልብን ናይ ሓባር ጠቅምን ሓልዮትን ስለ ዝኾነ። ብደሴታት

“ነዳድን  ደምን”

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

ዒራቅ ትባሃል ሃገር ምንባራ ርግጸኛ`የ፤ኣላ ድያ የላን ግና ንዓይ ርጉጽ ነገር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህላዌ ናይ ሓንቲ ሃገር  ናይ ዝተላገበ መሬት ህላዌ ቅድሚ ምዃኑ፤ ናይ ዝተላገበ ቀልብን ናይ ሓባር ጠቅምን ሓልዮትን ስለ ዝኾነ። ብደሴታት ዝተተኽላ ሃገራት`ውን`ኮ ኣለዋ`የን።ልቢ ኣይርሓቅ!

ቅድሚ 10 ዓመታት ኣብታ ሃገር ንህዝቢ ዓለምን ንህዝቡን ሓደገኛ ዝኾነ ብረት ኣብ ምፍራይ ዝርከብ ድክታቶርያዊ መራሕን ስርዓትን ከም ዘሎ ተገምገመ፤ ኻልእ ይትረፍ ብሸነኽ ምዕራብ። ኣነ`ውን ደሞክራስያዊ ስርዓት ኔሩ፤ ካብቲ ንእስራኤል ዘለዋ ሓደገኛ ብረት ንላዕሊ ወይ ንታሕቲ ፡ነይርዎ ወይ ምነበሮ ኢለ ኣይምሕልን።

ዝኾነ ኾይኑ እቲ ድንሽ ሳሱላ ኮይኑ ስለ ዝተራእዮም፤ ሕብሪ ዓለም ከይቅየር፤ ደም ንደም ከይገበራ፤ ዓለም ክትቀስን ህዝቢ ዒራቅ ኸኣ ኣብ “ምድረ-ገነት” ንኽነብር እቲ ምልካዊ ከልግስ ኣለዎ ተባህለ። ንኸልግስ ናይ ሓውን ጓናን ደገፍ ተደልየ፤ነቲ ውራይ ዘሕልፍ እኽለ-ማይ ከኣ ተዳለወ።

ንቁጽን ጥሉልን ለኻኺምካ ንምንዳድ ግዜ ኣይወሰደን። 10 ዓመት ሓሊፉ ህዝቢ ዒራቅ ይትረፍ`ታ ምድረ-ገነት፤ነቲ ትማሊ ዝፈልጦ ጽቡቅ`ውን እንተኾነ ኣሰሩ ከም ዘይርኢ ኮነ፤በዘይካ`ቲ ምሕላብ ነዳዲ። ያሬት ነዳዲ ምሕላብ ጥራሕ !  ሎሚ ነዳድን ደምን`ያ ትሕለብ ዘላ።

እዚ ኣብ ግዜ ሽግርና ምሳና ደው ዝበለ ህዝቢ ዒራቅ፤ በጀካ ጎይታ ፍጻሜ ጸገሞም ቀረባ ክገብሮ ምልማን ዝገብረሎም ነገር`ኳ እንተዘይብለይ፡ ካብቲ ብዙሕ ዝገበሩልና ገለ ክነግረሎም ስለ ዝግባእ፤……. 1976 እስካንያ ዝበሃላ ናይ ጽዕነት መካይን ሂቦሙና፤ኣብቲ እኹል ስንቂ ዝተረኽበሉ ቅድምን ድሕርን ነጻ ምውጻእ ከተማታት ዝነበረ ሰናይ ዓመታት ንተጋደልትን ተጋደልቲ ዝጓዓዙሉ ክሳዳዊ ዓድታትን እኽሊ ምብጻሕ ተኻኢሉ፤ ንህዝብና ኣብልዑና  ምባል ዝግ ኢሉ ብኣንጻሩ ገለ ካብ ህዝብና ካብ ሽሻይ ሰውራ ክጥቀም ሪኢና፡ ዳርጋ ነጻነት`ዩ ዝበልናሉ መድረኽ ብምስታፈን ክርስዔን ኣይከኣልኩን።

ተጽዕኖ ዘለዎ ደገፍ`ዩ ዝብሉ ኣይተሳእኑን። ክሳብ ነተን መካይን “ባዓስ” (ዓረባዊ ደሳዊ ማሕበር) ኢሎም ጠፍ ዘብልወን`ውን (ዝሃርምወን) ኔሮም!! ግና ዝኾነ ደገፍ ተልእኾ ክህልዎ ግድን ምዃኑ፤ ካብዚ ሓሊፉ ሰውራና ናይቶም ነፈርቶም ጠያይት ዘዝንባልና ዝነበራ ሃገራት ስነ-ሓሳብ ከምልኽ ክጓየ እንከሎ`ኸ ኣይርደኦምን ኔሩ ማለት ድዩ ?! ዝኾነ ኾይኑ ተረዲኦም ኣይተረዲኦም ካብቲ ሓገዝ ከም ዝተጠቀምና እቲ ዝተፈርሔን ዘይተፈርሔን ስነ-ሓሳባት ከኣ ከም ዝወደቀ ሓቂ`ዩ።

ኣብዚ 10 ዓመት ኣብ ዒራቅ ንየማን ንጸጋም ንቅድሚት ንድሕሪት ጠሚትካ ዘይትርእዮ ሓደ ኣገዳሲ ነገር እንተሎ ኣማን`ዩ።ኣብ መስጊድ፡ኣብ ቤተ-ክርስትያን፡ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ኣብ ሆስፒታል፡ኣብ መንገዲ፡ ኣብ መኣዲ፡ኣብ ስራሕ፡………… ተሲእካ`ኹን ደቂስካ እንከለኻ ብበዚ መጺኡ ዘይትብሎ ኖታጊ ወይ ተወንጫፍ ሂወትካ ክቀዝፍ ይኽእል። ዝተላእከ ክምለስ ከይምለስ፤ ዝለኣኸ ክጸንሕ ከይጸንሕ፤ዝግምትን ዝጽበን ሰብ የለን። ካብ ክትነብር ክትመውት ዘሎካ ዕድል ከምዝበዝሕ ርግጸኛ ኮንካ ዝንበር ናብራ !!!!!!!  ግደፍ ክትነብሮ ብዓይኒ ሕልናኻ ክትርእዮ ዘጸግም ናብራ።

– ብምስክር ዩነስኮ ድንቁርና ዘጥፈኤት ዒራቅ ዘጥረየቶም ኣሸሓት ልቃውንቲ ከም ጨው ሓቂቆም`ዮም!

– እቲ ኣብ ውግኣት ማእከላይ ምብራቅ ክሳዳዊ ተራ ዝነበሮ ሰራዊት ዒራቅ፤ሎሚ ዘይመንግስታዊ ዕጡቃት የጓይዎን ብረቱ ይሰልብዎን ኣለዉ!! ።

………….  ናይ ባዕልኻ ዘይትዕጠቀሉ ውራይካ ፍሬ።

AAHafiz (181) 25/11/2014

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Daniel November 29, 2014

    Haqi yu izi Xuhufka. Gin si nimintay n Libya netirka nab Iraq kem zkedka ayberhaleyn?

  • oromay November 29, 2014

    ህዝቢ ኢራቕ ዝረኽቦ ዘሎ መከራ ንሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ፍጡር ዘሕዝን እዩ። እቲ ዝሃብዎ ሓገዝ ዕላማኡ ብዘየገድስ በቲ እዋኑ ከምዝጠቐመ ባዕልካ ግሊጽካዮ’ለኻ። ናይ ኣመለኻኽታ ፍልልይ ክተርኢ ድማ “ባዓስ” ኢሎም ነተን መኻን ጠፍ የብልወን ነይሮም ኢልካ ንቶም ዘይነበሩ እንታይ መልእኽቲ ክተመሓላልፍ ከምዝደለኻ ንስኻ ጥራይ ኢኻ እትፈልጦ። ዝኾነ ኮይኑ ውግእን ናዕብን ደም ምፍሳስን ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ምምዝማዝን ኣሎ። ውግእ ግን ብደገ ጥርስይ ዝመጽ ነጎዳ ኣይኮነን። ሸዓን ሱኒን እናበሉ ነንሕድሕዶም ይራጸሙ ኣለዉ። ብዝኾነ ባዕላትና ኣብ ጸንኩር ኩነታት ስለዘለና መጀመርያ ናትና ንግበር። ጉዳይካ ገዲፍካ ናይ ንኻልኦት ምሕላቕ ምስ ምንታይ ይቑጽር?

  • mahta November 30, 2014

    Oromay ayteredaekayon ember nsus kab kemu yedhnena . Hageztna sle znebeberu kea kdngst bahriawi eu. Kalie Netom . Gegeftn nhzbi dketu zeshanwon zeshnwo zelewu hgdefawyan lbi gberu bdereja alem hagerna ab esurbet eya zela. Haye habirna kab esurbet newstaya eu zbl zelo . Sltan nab hzbi arekbu eu zbl zelo mkyatu wanatat hzbi eyom.

  • ogbai November 30, 2014

    ክቡር ሓው ዓብድል ሓፊዝ፡ ትሕዝቶ መልእኽትኻ ብሩህ ኣይኮነን፡ እንተ ነቲ ህዝቢ ሃገረ ኢርቕ ኣጋጢምዎ ዘሎ ኣየውርድ እዩ ዝባሃል፡፡ ስለ ዝገበሩልና ሓገዝውን ‘ዝገበረልካስ እንተዘይ ገበርካሉስ ንገረሉ’ ከም ዝባሃል፡ ከነምስግኖም ይግባና ምኻኑ እርዳኒ። ኣብዚ ግን ሸፊንካዮ ክሕለፍ ዘይካል ሓደ ሓቂ ኣሎ’ሞ፡ ሕጂስ ጊዜውን ስለዝፈቕዶ ወስ ከብል ፍቐዱለይ። ኣብ ጊዜ ጽንኩር ብረታዊ ቃልሲ ሓገዝ ከም ዘድሊ ዘከራኽር ጉዳይ ኣይመስለንን፡ ምስ ገለ ተጽዕኖታት ብዘይ ግሉጽነት ዝምጽእ ሃገዛት ግን ካብ ጥቕሙ ጉዳቱ ከምዝዓዝዝ ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት፡ ኣነ ካብቶም ሓደ ናይ ኮማንዶ ስልጠን ኣብ ሳሕል ዓራግ ኣብ 1976 ካብዛ ንጠቕሳ ዘለና ዘመጹ ዓሊሞምና እዮም። ስለዚ ንብረት ጥርሕ ዘይኮንስ ሰባኣዊ ጉልብቶምውን ኣወፍዮምልና እዮም ከነምስግኖምውን ይግብእ። እንተኾነ ግን ኣብቲ እዋን እቲ ዝላዓል ዘነበረ ሕቶታት ተ.ሕ.ኤርትራ ዘምድናአ ምስ ኣይኖት ሃገራት እዩ፡ ስለምንታይን ዝብል በዳሂ ሕቶታት ይላዓል ከምዘነበረ እዝከረኒ፡ ንኣብነት እቲ ተባዕ ስውእ ተጋዳላይ ኪዳነ ዓንደመስቀል ኣብ ሰፊሕ ናይቲ ማዓስከር ብምልኡ ብላዕለዋይ መሪሕነት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ስለምንታይ ሓገዛትና ኣብ ከባቢ ሃገራት ዓረብ ጥራሕ ተሓጺሩ ይተርፍ፡ ንምኻኑ ከም ውጹዓት ህዝቢ ኣፍሪቃ ተረዲኦም ድዮም ዋላስ ብስም እስላማዊ ዓይኒ ርእዮም እዮም ዝሕጉዘና ዘለዉ ክብል ንዝቕረቦ ሕቶ እዝከረኒ። ቀጥታዊ መልሲ ተዋሂብዎዶ እንተልካ ኣይመስለንን። ብወገንይ ምስ ገለ ብጾት ኮይና ንገለ ካብቶም ዓለምትና መማህራና ኢራቕውያን ብኸመይ ከምዝሕጉዘና ሓቲትና ዘረኸብናዮ መልሲውን ከምቲ ብጻይ ኪዳነ ዘበሎ ከይኮነ ኣይተረፈን። እቲ ዝረኸብናዮ መልሲውን፡ ነቲ ሕዞሞ ዝመጹ ንድፈ ማፕ ከይተረፈ ብምራኣይ፡ ኤርትራ ሓንቲ መበል 23 ሃገራት ኣዕራብ ምኻና እዩ ተንጊርና ዝብል ሓቤሬታ ኢና ረኺብና። ብምቕጻል ካኣ፡ ኣብቲ መዝገበ ኣስማትኩም ናይዚ ኮርስ ዘለኹም ተመልኪትና ዝተገንዘብናዮ እንተኾንውን ከይገረመና ኣይተረፍን ይብሉ ንሱ ከኣ፡ ካብ 400 ሚኢቲ ሰልጠንቲ ትኮኑስ ኣብ ከባቢ75 ዘኾኑ ጥርሕ ኢና ኣስማት እስልምና ዘለዎም ረኺብና። ንዓናውን ከይገረመና ኣይተረፍን ዘብል ሓቤሬታ ምስ ረኽብና፡ ዋላካ ዓው ዓው ኣይንበልምበር፡ ንዘምልከቶም መሪሕነት ሪፕርት ጌርና ኢና። ብድሕሪኡውን ኣይተመልሱናን። ንሶምውን ንዝምልከቶም ሓለፍቶም ጸብጻብ ክገብሩ ምኻኖም ሓቢሮምና ኢዮም። እዚ ከምዚ ዛኣመሰለ ዘይግሉጽነት ብዙሕ ዘይምትእምማን ከምዘስዓበን ከም ሻዕብያን ፡ካልኦትን፡ ወያኔን ብተዝዋዋሪ መገዲ እዞም ሕጂውን ንኸሶም ዘለና ሓያላት፡ ንሃገረ ኢራቕ ዘደሰቑ፡ ንዓይን፡ንዓኻን ንተ.ሓ.ኤ ሕራይ ጌሮም ደሲቖምናዮም። ስለዘኾነ ከኣ ኢድ ሓያላት ተሓዊስዎ ምስ ውሽጣዊ ስዉር ድኽመታትና ኣብ ኣደዳ ስደት እነሆ ንርከብን ንበልን ኣለና። እንተ ሃገረ ኢራቕ ግን ዋላ ጸጋታት ኣብ ጌዜ ሳዳም ይንበሮም’ምበር፡ ፍትሓዊ ስርዓት ከምዘይነብሮም ትስሕቶ ኢኻ ኣይብልን። ምኩሕ ስርዕት ምኩሕ ባህሊ ገዲፉ ስለ ዝሓልፍ ግን፡ ሳዳምን ካለኦትን ዝገድፍዎ ኣሰራት መን ከማይ ሱኒዶ፡ ሳፊ፡ እንዳተባሃልካ፡ ሃገር ህዝብን ካብ ምጥፋእ፡ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮታት ኣሰራት ካልኣይ ውግእ ዓለም ውድቀታት ሃገረ ጀርመንን፡ ጃፓንን ተማሂሮም ምስቲ ዘለዎም ሃብቲ ነታ ታሪኻዊት ምሶፖታምያ’ኢራቕ’ ዳግመ ንክሃንጽዋ ጊዜ ኣይምወስደሎምን ንይሩ። ብዘኾነ ንሰናዮም ከኣ እምነ። ኣብ መደደምታ ክብሎ ዝደሊ ካብዙያት ኣብነት ተማሂርና፡ ነዚ ሳዳምስ እንትተመከሔ ምስ ክንድይ ሃብቱ፡ እዚ በጥራም ናህና ዲክታተር ግን ኣብ ጥርይ መዓኮሩ ብሓሶት ሰባት ኣስኪሩ ሃገርና ንቕድሚት ከይትስጉም ብናይ ትምክሕቱ ልጋም ዓጊቱ ቸ…ቸ ይብለላ ሰለ ዘሎ፡ ንኩሉ እዚ ምኩሕ ስርዕት ዝዘርኦ፡ዘስዕቦ ጸገማት ካብ ሕጂ ኣለሊና ተረዲእናን፡ካብ መዝገበ ታሪኻት ተማሂርና፡ ብሙሉእ ብቕዓትን፡ ልቦናን፡ ኣጥሪና ዓረባዊዶ ሓበሻዊ ዝንባሌታትና ኣብ እዋኑ ኣወጊድና፡ መጀመርያ ነጻ ዘኾነት ሃገረ ኤርትር፡ብሕግን ፍትሕን እትማሓደር ክንፈጥር ክንክእል ኣለና። እወ ይካኣል እዩ ይካኣል! በትን በዘን ዝመጽእ ማዕብል ክንምክቶ ኢና። ዝኽሪ ንስዋኣት ፍትሒን ሕግን ንህልዋት መጻኢት ሃገርና ኤርትራ! ኣሜን!

  • Mussie December 1, 2014

    Zikeberka Ogbai,

    bitemi xibukn bimertiotat zitedegefe mxihafka kemesgineka yifetu. Netom neashitu weledo ewin gelegel haberieta hibuna alo. Ane bizuh giziye zesekifeni atemamita nay hagerat areb alo….nisu dima….bitikikil kindi neti seb kihigizu zideliyu (bihilifi ab nay hagerina guday): abal mahber hagerat areb nimigibara eyu eti kedamayin abiyin diliyetom:: bizikone…kulu nenatu kedaminetatin rebihan endiyu zelewo….biuu ayni ente raanayo yihayish.

    Kali-e abzia kiwisika zideli dima: wela eka kemti zitegelxe ab giziye kalsi (elamiu bizeyegedis) ente hagozuna: ab giziye hanish zukur….mergexi Iraq mis yemen minbaru dima kezekakir efetu.

POST A COMMENT