Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነጻነትን ሓርነትን

  ንነጻነትን ሓርነትን ተቓሊስካስ ንባርነት ኣሻሓት ኣሰዊእኻስ ዳግመ መስዋእትነት ደቅኻ ከፊልካስ ደቂ-ደቕኻ ንስደት ድሕሪ ሳላሳ ቃልሲ ንነጻነት ንርብዒ ዘመን መሰልካ ክዝመት ሃየ ድኣ ተላዓል ዓይንኻ ከይዕመት።   ቀዳሞትስ ብፖለቲካ ንነጻነት ሞጊቶም ዳሕሮዎት ካኣ ተቓሊሶም ነጻነት ኣምጺኦም ዝተርፉ እውን ፈልሲ ሓርነት መስሪቶም መንእሰይ ግደኻ ብዓወት ሓርነት ክትድብሶም መክቶም

 

ንነጻነትን ሓርነትን ተቓሊስካስ ንባርነት

ኣሻሓት ኣሰዊእኻስ ዳግመ መስዋእትነት

ደቅኻ ከፊልካስ ደቂ-ደቕኻ ንስደት

ድሕሪ ሳላሳ ቃልሲ ንነጻነት

ንርብዒ ዘመን መሰልካ ክዝመት

ሃየ ድኣ ተላዓል ዓይንኻ ከይዕመት።

 

ቀዳሞትስ ብፖለቲካ ንነጻነት ሞጊቶም

ዳሕሮዎት ካኣ ተቓሊሶም ነጻነት ኣምጺኦም

ዝተርፉ እውን ፈልሲ ሓርነት መስሪቶም

መንእሰይ ግደኻ ብዓወት ሓርነት ክትድብሶም

መክቶም ንዓመጽቲ ክጠፍኡ ብሱሮም

ሻምላኻ ኣልዕሎ ንህዝብኻ ኣድሕኖም።

 

ቃልሲ ኣይቦኩርን’ዩ ጭቆና ስጋብ ዘሎ

ንመሰልካን ክብርኻን ሃየ ተስእ ተሎ

ህዝብኻ ጠፊኡ ብጓና ይትካእ ኣሎ

ኣብ ዘበንካ ሃገር ከይትኸውን ጎዶሎ

ስመር ዕጠቕ ጸላኢኻ ክትድህሎ

ፍትሕን ሓርነትን ኣስፍኖ መላኺ ክዕሎ።

 

ኣስላማይን ክርስትያንን ኩሉኻ ደቂ ሃገር

ብሄርን ሕብረ-ብሄርን ብሓደ ክጥመር

ድሌታት ጀብሃን ሻዕብያን ብሓደ ክሰምር

ከበሳን ቆላን ዝብሉ ፍልልያት ክባረር

ኣውራጃነትን ዘረግቲ ድሕረታትን ክሳዓር

ንኣፈ ኣርክቡ ሃገራዊ ዕማም ንጽዓር።

 

ገባቲ ስርዓት ጸረ-ስብኣዊ መንነቱ

ህግደፍ ናይ ራዕድን ሽበራን ባህርያቱ

ጸረ-ስላምን ፍትሕን ዝመሰረቱ

ካብ በረኻ ሒዙዎ ዝመጸ ምልክታቱ

ናይ ሓሳረ መከራ ክውገድ ስርዓቱ

መሳርዕና ነስምር ጸላእቲ ክምከቱ።

 

ቁሩብ ቁራቦስ ንሚልዮናት ክስዕሩና

ንባዕድታት መኪትናስ ክፉእና ከፍራሕና

ጅግንነትና ተመስኪሩስ ዋህዮታት ክብቱኑና

ቆራጽነትን ትብዓትን ነሐድሰን ንኽብርና

እታ ዕላማ ሓንቲ’ያ መሰል ሓርነትና

ዝፈላልየና የለን ብጉዳይ ሃገርና።

 

ፍርሕን ራዕድን ኣንጊሱ ዝገስገሰ

ብመቕተልትን መጭወይትን ተቓለስቲ ዘልመሰ

ሕድ ሕድ ምትእምማን ህዝብና ዝረመሰ

ንባህልና ካብ ንቡር ቦቱኡ ዘልገስ

ንደቅና ዘሚቱ ሃብቲ ሃገር ዝወረሰ

ህዉኽ ኩነታት ነድሕኖ ሃገር ከይበረሰ።

 

እንታይ እዩ ሽግርና ብትብዓት ዘይመለስና

ግፍዒ እንዳ ወረደስ ስቕ ኢልና ምርኣይና

ማእሰርቲ መቕዘፍቲ እንዳረአናስ ዓዚሙና

መሬትናን ንብረትናንን መንዚዑዎ ብጠጠውና

ደቅና እንዳተረሸኑስ ክንብርከኽ ኣሚን ኢልና

ኣበደን ሎሚስ ሃየ ሃገርና ነድሕና።

 

ብርግጽ ሕመቕና ዝፈጠሮ ሽግር እዩ

ውልቀ መላኺ ኣብ ውሽጢ ሰውራ ተጸፍዩ

ሙሁራትናን ጀጋኑናን በብሓደ ምሕዩ

ድሕረትን ጽበትን ንጥቕሙ መምዮ

መላግቦ ማሕበራዊ ክብርታትና አዕንዮ

ግድን ሓድነትን ተውፋይነትን ከድልየና’ዩ።

 

ባህግታት ለውጥን ፍትሕን ዘሪፉ

ንመንእሰያትና መጻኢ ዕድሎም ኮሊፉ

ንጀጋኑና ብጥይትን ጎዞሞን ዘልዒፉ

መሬትን ንብረትን ኣብ ኢዱ ጠርኒፉ

ሃገራዊ ዕብየትና ንድሕሪት ዓጺፉ

ህግደፍ ይፈረድ ክበርስ ጽያፉ።

 

ካብ ስሳታት ጀሚርካስ ጌና ኣብቃልሲ

ብዘይ እፎይታን ሰላምን ፈውሲ

መስዋእቲ ከፊልካስ ነጻነትካ ዝራሲ

ብዘይ ህዝቢ ልዕላውነት ከመይ’ሉ ይመሲ

መላኺ’ዶ ብሰላም ይህብ’ዩ ደሞክራሲ

መፍትሒ ሓይሊ የድሊ’ሎ ግብረ-መልሲ።

 

ቀዳምነትና ንእከይ ስርዓት ምእላይ

ካላኣይና ንሰላማዊ መሰጋገሪ ምሕላይ

ሳልሳይና ንሰፊሕ ግንባር ምዝታይ

ራባዓይና ንደሞክራስያዊ መሪሕ ምልላይ

ሓሙሻይና ፍልልያትና ብምርድዳእ ምስላይ

ሻዱሻይና ንስሙር ዕጥቃዊ ሓይሊ ምንባይ።

 

ብቓልሲ ክንዕወት ኢና

መብጻዓ መዓልቲ ነጻነት 05/24/2016

 

የቐንየልይ!!!

 

 

ክብርኣብ ተክለጊዮርጊስሳንድያጎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT