Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናብ ሳልሳይ ዳግመ-ርክብ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. ነበር እናማዕዶና

ሓቀኛ ናፍቖትን ምድፍናቕን ዝደረኾ፡ ድሕሪ ካብ ዕስራ ዓመታት ንላዕሊ፡ ናይ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. ነበር ናይ ቃልሲ ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ኣጋጣሚ ርክብ ዘበገሶ ጉዳይ`ዩ ኔሩ። ኩሎም እቶም ኣብዚ ኣጋጣሚ`ዚ ዝነበሩ ኣባላት ሓደ ንመጻኢ ብቐጻሊ መልክዕ

ሓቀኛ ናፍቖትን ምድፍናቕን ዝደረኾ፡ ድሕሪ ካብ ዕስራ ዓመታት ንላዕሊ፡ ናይ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. ነበር ናይ ቃልሲ ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ኣጋጣሚ ርክብ ዘበገሶ ጉዳይ`ዩ ኔሩ። ኩሎም እቶም ኣብዚ ኣጋጣሚ`ዚ ዝነበሩ ኣባላት ሓደ ንመጻኢ ብቐጻሊ መልክዕ ዘራኽቦም መንገዲ ክህሉ ዘለዎም ሓያል ድልየትን ስምዒትን  ኣንጸባረቑ። ናበይን ከመይን ንምንታይን ዝብሉ ሕቶታት`ውን ብዙሕ ዋጋ ኣይተዋህቦምን። ከመይሲ ተራኺብና፡ ኣብ ጉዕዞ ሃገራዊ ቃልስና ዝተጠርየ ዕርክነትን ሕውነትን ነሐድሶ እዩ ዝነበረ እቲ ሃረርታን ድፍኢትን። ከም ናይ`ዚ መቐጸልታ`ዩ ድማ፡ ፈላሚ ርክብ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. ነበር፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ 2012፡ ካብ ዕለት 27-29 ኣብ ደንቨር፡ ኮሎራዶ ዝተኻየደ።

ኣብ`ቲ ፈላሚ ርክብ ናይ ደንቨር፡ ኣባላት ተ.ሓ.ኤ. ነበር፡ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዘተን ክትዓትን መደባት፡ ልቦና ዝመልኦ፡ ኣብ ሕድሕድ ምክብባርን ምርድዳእን ዝተሰረተ፡ ነብሰ-ነቓፊ፡ ናይ ልዝብን ናፍቖት ምውጻእን መንፈስ`ዮም ኣንጸባሪቖም። እቲ ዝተራእየ ኣወንታዊ ሃዋሁው፡ ነቲ ምብትታን ናይ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ኣባላቱ ኣሕዲርዎ ዝጸንሐ ናይ ሓድሕድ ምንጽጻግን ዘይምርድዳእን ተመክሮ ብብስለት ዝሰዓረን፡ ተመኩሮኣዊ ብቕዓት ብስለትን ናይ ተሳተፍቲ ዘመስከረን`ዩ ነይሩ። ብተወሳኺ ብርክት ዝበሉ ኣብ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ኣብ ካልኦት ናይ ተ.ሓ.ኤ. ክፍልታትን ህዝባዊ ማሕበራትን ኣባላት ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ቃልሲ ህዝብና ንዝነበረ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ተወፋይነትን ድልውነት ንመስዋእትን ዘመስክር ዘቕረብዎ ግላዊ ተዘክሮታት፡ ንዕኡ ዘሰነዮ ስእላዊ ምርኢትን ኣዚዩ መሳጢ ነበረ። ኩሉ`ዚ ናይ ደንቨር ተመክሮ`ዩ ከኣ ንተሳተፍቲ ብጉዳይ ምስናድን ምዕቃብን ዕጥቃውን ህዝባውን ታሪኻዊ ግደ ናይ ተ.ሓ.ኤ. ብዝምልከት ናብ ምዝታይ ዘምረሔ። ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ፈላማይ ርክብ፡ ኩነታት ጥዕናን መነባብሮን ናይ ኣብ ሃገረ ሱዳን ዝርከቡ ውጉኣት ሓርነት ኣልዒሉ ተዛረበሉ። ሃለዋት ውጉኣት ሓርነት ሓደ ካብ`ቲ ብዓብዪ ሓላፍነት ክንጥምቶ ዘለና ጉዳይ ምዃኑ ኣመዝጊቡ። ኩነታት መነባንረኦም  ንምምሕያሽ ብዝተወደበ መንገዲ ንምስራሕ ብዛዕባ ክውሰዱ ዘለዎም ኣገባባት ኣመልኪቱ። እዚ ክልተ ኣርእስታት`ዚ፡ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝተረኽበ፡ ከም ቀንዲ ዕማም ናይ ቀጻሊ ርኽክባት ኮይኑ ክስራሓሉ ኣብ ምርድዳእ ተበጽሐ። ፈላማይ ርክብ ናይ  ኣባላት ተሓኤ ነበር ንቐጸልቲ ተማሳሰልቲ ርክባት እምነ ኩርናዕ ዘንበረ ኣተባባዒ መድረኽ ነበረ። ተመሳሳሊ ርክብ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ 2013፡ ኣብ ኣትላንታ-ጆርጅያ ንኽካየድ ብምስምማዕ ተዛዘመ።  እዚ ቀዳማይ ኣኸባ`ዚ ንዳግማይ ርኽክባት ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ነበር ኣቕጣጫ ዘትሓዘ ኢዩ ኔሩ።

ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈለመትን፡ ንስለ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነትን ሓርነትን ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተጋድሎ ናይ ገዛእ ርእሳ ታሪኻዊ ቦታ ዘለዋን ውድብ ምዃና ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። እዚ ታሪኻዊ ኣስተዋጽኦ`ዚ፡ ኣካል ናይ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ዘካትዕ የብሉን። ይኹን ዳኣምበር፡ ብድሕሪ ምብትታን ናይታ ውድብ፡ ታሪኻዊ ግደን ኣስተዋጽኦን ናይ ተሓኤ ብምስናድ፡ ናብ ቀጻሊ ወለዶ ናይ ምምሕልላፉ ጉዳይ ብኣባላት ናይቲ ውድብ ነበር ተበግሶ ተወሲዱ ብዝተማእከለ መልክዕ ክስነድ ኣይጸንሐን። ናይ ሓደ ተጋዳላይ ወይ ተጋዳሊት መዓልታዊት ተመኩሮ እንታይ ትመስል ነይራ፡ ተዘክሮታት ናይ ብኣካል ዝነበሩ ብግብሪ ዚተሳተፉ ዜጋታት ብግቡእ እንተዘይተመዝጊቡን ተዓቂቡን፡ መጻኢ ወለዶታት ሓቀኛን ዘይሻራዊን ታሪኽን ምስኡ ዝተኣሳሰረ ትንተናታትን ናይ ምርካብ ዕድሎም ዕጹው ክኽውን ከምዝኽእል ንምግማቱ ኣየጸግምን። ብዙሓት ዝተሰውኡሉን ዝሰንከሉሉን ንዓመታት ናይ ሂወት ጊዜኦምን ጉልበቶምን ናብርኦምን ዝወፈይሉን ተዘክሮታትን ታሪኽን ክስነድ ርትዓዊ እዩ። ይኹንምበር፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ንተመኩሮታትን ቅያታትን ተ.ሓ.ኤ. ንገለ ብመጭወይቲ ከም ናቱ ጌሩ ብምቕራብ፡ ንገሊኡ ድማ ብዕሽሽታ ክብድሎን ከም ዘይነበረ ክኽሕዶን ብዙሕ ፈተነታት ከካይድ ምጽንሑ ግሁድ ሓቂ እዩ። ናይ ተ.ሓ.ኤ. ወፈያ ንሃገራዊ ሓርነታዊ ቃልስና፡ ንሓድነት ህዝብና፡ ንምምስራት ፍትሓዊትን ብልጽግትን ኤርትራ ምንእኣሱ ይኹን ምኽሓዱ ገበን`ዩ፣ ኣብ ታሪኽ ህዝብና ግቡእ ቦታኡ ዘይምትሓዙ ድማ ገዚፍ ስንፍና`ዩ።

ተመኩሮ ብዝወዓለ ክዝንተው ወይ`ውን ክጻሓፍ እቲ ዝበለጸ`ዩ፡፡ ተጋደልቲ ተሓኤ ነበር፡ ድሕሪ ምብትታን ናይ`ቲ ውድብ፡ ጥርኑፍ ብዝኾነ መልክዕ ንናይ ሓባር ተመኩሮና ንስንደሉ ዕድል ኣይተፈጥረን፡፡ ብዝተጠርነፈ መንገዲ ተመኩሮና ዝስነደሉን ዝዕቀበሉን ኩነት ኣይጸንሐን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት`ዩ እምባኣር ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብተጋደልቲ ተሓኤ ነበር፡ “ኣንቱም ሰባት ክሳብ ማዓስ ኢና ከምዚ ኢልና ክንቅጽል፡ እንተውሓደ ናፍቖት ነውጽኣሉ፡ ዝሓለፍናዮ ሓባራዊ ናይ ቃልሲ ተመክሮ እናዘከርና ነዕልለሉ ናይ ርክብ መደብ ዘይነዳሉ! ብዝብል ሓሳብ ዝተበገሰን ህያው ኮይኑ ዝቐጸለን።

 

ብድሕሪ ደንቨር፡ ኣብ ኣትላንታ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ርክብ፡ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ነበር ተግባራዊ ተመክሮኦም ዘንጸባረቕሉን፡ ኣገባብ ምእካብን ምዕቃብን ናይ ዝተጀመሩ ሰነዳትን ኣሳእልን ብዝምልከት ዝተዘርበሉን፡ ብዝያዳ ባህርያት ዳግመ-ርኽክብ ዝተዘተየሉን መደባት ዕዮ ዝተሰርዓሉን`ዩ ኔሩ። ዳግማይ ርክብ ኣብ ኣትላንታ 2013፡ ኣብ ተ.ሓ.ኤ ብዝነበሩ ጥራይ ኣይተሓጽረን፡፡ ኣባላት ናይቲ ውድብ ዘይነበሩን፡ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ኣጋ ፋሕ ምባላ ዝተወለዱ መንእሰያትን ዝተሳተፍሉ ስፍሕ ዝበለ ርክብ እዩ ኔሩ። ብርግጽ ናይ ኣትላንታ ርክብ ካብ ናይ ደንቨር ርክብ ፍልይ ካብ ዘብሎ ሓደ ነጥቢ፡ ኣባላት ናይ ተሓኤ ዘይነበሩ ዜጋታት ብዛዕባ ተሓኤ ብሓፈሻ  ተገዳስነቶምን ትዕዝብቶኦምን ዘመዝገብሉ፡ ኣብ ምስናድ ታሪኽ ተሓኤ ዘለዎም ሓያል ድለየት ዘንጸባረቕሉ፡ ንምርግጋጹ ንኽሕግዙ ድልውነቶም ዝገለጽሉ ምንባሩ`ዩ።

መጻኢ ዳግማይ ርክብ ናይ ኣባላት ተሓኤ ነበር እንደገና ኣብ ኣትላንታ-ጆርጅያ፡ ካብ ስነ 27 – 29, 2014  ንመስርሕ ምስናድ ታሪኻዊ ኣበርክቶ ናይ ተሓኤ ብዝተጨበጠ መልክዕ መደባት ክስራዓሉን፡ ዝዳለው ሰነዳት ርጡብ ብዝኾነ ኣገባብ ተዓቂቦም ዘይሻራዊ ሓበሬታ ክውከስ ንዝደሊ ቅሩባት ብዛዕባ ዝኾኑሉን ክዛረብ ኢዩ። ከምኡ`ውን ድሮ ተጀሚሩ ንዘሎ ናይ ውጉኣት ሓርነት ናይ ምሕጋዝ ሓሳብ ጥርኑፍ መደባት ክወጽእ ኢዩ። ንሓዋሩ፡ ዕውት ውጽኢት ናይ`ዘን ክልተ ዕዙዛት መደባት እዚኤን ንኽሉ ብተመክሮ፡ ተዘክሮታት፡ ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ. ንዝግደስ ናይ ሕልና ቅሳነት ክህብ ምዃኑ ዘየጠራጥር`ዩ። ብዓቢኡ ድማ፡ ንዝሓለፈ ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ. ብግቡእ ምርዳእ፡ ንጊዚያዊ ሽግራት ሃገርና፡ ንመጻኢ ጉዕዞ ህዝብና ቅኑዕ መንገዲ ኣብ ምትሓዝ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝህልዎ እምነትና እዩ፡፡ ንኸም`ዚ ዓይነት ዕላማን መደባትን ዝህልዎ ኣኼባ ብሃንቀውታ ክንጽበዮ ዘለና`ዶ ኣይኮነን?

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ታሪኽ ተ.ሓ.ኤ. ኣካል ታሪኽ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ከም ምዃኑ መጠን፡  ብዝተሰነደ መልክዕ ናይ ምድላው ሓላፍነት ብቐንዱ ናይ ኣብቲ ጉዳይ ዝዋዓሉ ሰባት`ኳ እንተኾነ፡ ተሓኤ ተካይዶ ዝነበረት ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኮይና ስለዝነበረ፡ ካብ ዝተፈላልዩ ኣካላት ናይ ሕብረተሰብ ክመጹ ዝኽእሉ ሓሳባትን ርእይቶታትን ሓገዝቲ ምዃኖም እምነትና እዩ። ህዝባዊ ማሕበራት ከም ዘይፍለያ ኣካላት ተሞክሮ ተ.ሓ.ኤ. ኣባላተን ኣብ`ዚ ጉዳይ`ዚ ዚህልዎም ተራ ዕዙዝ ኢዮ። ብተወሳኺ፡ እዚ ታሪኽን ተዘክሮታትን ናይ ምስናድ መደብ`ዚ ውርሻ ናይ ምምሕልላፍ ዓቢ ዕማም ስለዝኾነ፡ መንእሰያት ክፋል ታሪኽ ናይ ንስለ ነጻነት ኤርትራ ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ዓበይቲ የሕዋቶምን ወለዶምን ንምድህሳስ ሓጋዚ ተራ ከምዝህልዎ እምነትና`ዩ። በዚ ኣጋጣሚ`ዚ እምብኣር ኣብ ኣትላንታ ይኹን ኣብ ካልእ ከተማታት ዝቕመጡ መንእሰያት ኣብዚ ዝመጽእ ናይ ዳግመ ርክብ መደብ ብዝስፍሐ ክሳተፉ ንዕድም። ምሳና ኣኼባታት ክከታተሉ ዝቐነዩ ኩሎም ዓበይትን ንኣሽቱን ኤርትራውያን እናኣመስገና፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ኣኼባ`ውን ክሳተፉ ንዕድም።  ብሓጺሩ ኩልኹም ኤርትራውያን ዕዱማት ኢኹም።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • ahmed saleh March 25, 2014

    I bet assenna that the poster Paradiso , Gideon , Mehret , Denden is the same wasted individual .

    • Gideon March 25, 2014

      ahmed salih,
      Mind your own shit business rather betting on others you aregit skunis like the rest losers.

      • Gideon March 26, 2014

        ahmed salih, You must be a loser gambler to bet on who is who! Old habits die hard with shame!!!!

        • ahmed saleh March 26, 2014

          Your language speaks the volume irritated from truth.

  • ahmed saleh March 25, 2014

    Truth to be told , Eritreans cruelty showed in 1979-1980 to see people in dance mood (guayla) regardless
    the fallen brothers/sisters on both side . It doesn’t surprise me to observe its continuation on this
    present poor young generation from the same sources .

POST A COMMENT