Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናብ ቻንስሎር ፈደራል ረፑብሊክ ሃገረ-ጀርመን ክብርቲ ኣንገላ መርከል፡

ናብ ቻንስሎር ፈደራል ረፑብሊክ ሃገረ-ጀርመን ክብርቲ ኣንገላ መርከል፡ Angela Merkel; Bundeskanzlerin der Bundesrepublik Deutschland.                                             2ይ ክፋል፡  30.12.2016፡ ክብርቲ ቻንስሎር! ኣብ ዝሓለፈት ሰሙን ብምኽንያት በዓል ልደተ-ክርስቶስ ብኣፍ’ቶም ብሂወቶም ኣብ ቤተ-ማሕቡሳት ተሓይሮም ካብ ም ዉታት ንላዕሊ ካብ ህሉዋት ንታ ሕቲ

ናብ ቻንስሎር ፈደራል ረፑብሊክ ሃገረ-ጀርመን ክብርቲ ኣንገላ መርከል፡

Angela Merkel; Bundeskanzlerin der Bundesrepublik Deutschland.                                             2ይ ክፋል፡  30.12.2016፡

ክብርቲ ቻንስሎር!

ኣብ ዝሓለፈት ሰሙን ብምኽንያት በዓል ልደተ-ክርስቶስ ብኣፍ’ቶም ብሂወቶም ኣብ ቤተ-ማሕቡሳት ተሓይሮም ካብ ም ዉታት ንላዕሊ ካብ ህሉዋት ንታ ሕቲ ኮይኖም ድምጾም ከስምዑ ዘ ይኽእሉ ዜጋታተይ ናይ እንኳዕ ኣ ብጻሓኪ መልእኽቲ ሰዲደልኪ ነ ይረ።

ደጊመ እንኳዕ ናብ ሓድሽ ዓመት ብሰላም ኣብጻሓኪ ክብርቲ ቻንስ ሎር!!

ኣብቲ ናይ ሽዑ መልእኽተይ “ህዝ በይ” እናበልኩ ብምጽሓፈይ ምናልባሽ ከምቲ ገሊኡ ተዓዛቢ ዝሓስቦ ኣነ ከም ሓደ መንግስታዊ ወይ ተቓዋሚ ላዕለዋይ በዓል-ስልጣን መሲሉ እንተኾይነ ኣነ’ሞ ሓደ ተራ ዜጋ ጥራይ ኢየ። “ህዝበይ” ምባለይ ግና ኣብ ዝበዝሐ ክፋል ዓለም፡ ፖለቲካዊ ዕዮታት ናይ ሞያውያን ሰራሕቱ ዕማም ክኸውን እንከሎ ኣብ ሃገርና’ሞ ፖለቲካ ኣብ ገገዛና ስለትስራሕ ማንም ካብ ህዝብና “እንዳባ” እንዳበለ’ዩ ብዛዕባ ህዝቡ ዝዛረብ። ማለተይ ከምቲ ኣፍንጫ ክትህረም ዓይኒ ትነብዕ፡ ፖለቲካና ድ ማ ብውልቂ-ንውልቂ ዘይኮነ ማሕበራዊ ጠባይ ዝሓዘ ኣካል ስድራቤታዊ ዕማምና ብምዃኑ ኣብ ገገዛና ሰሪሕናዮ ኢና ና ብ ባይቶ ዓድና ንሕወስ። ስለኡ ማንም ዜጋና ነቲ ዝኣመነሉ ፖለቲካ ኣዝዩ እሙንን ውፉይን ኢዩ። እቶም ብልቦናኦም ካ ብ ህዝቢ ዝምረጹ መራሕቲ ከኣ ከም ፈጸምቲ ምሕደራ መጠን ክሳብ ኣብ ስልጣን ዘለዉ በቲ ዝተሰርሐ ውጥን ስድራቤ ታት ስለ ዝመርሑ እቲ ስራሕ ንዐዖም ዝቐለለ ኢዩ። ብርኢቶይ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥንታዊ ምሕደራና ኣብ ዓለም ቀዳ ማይ መሰረተ-ዘመናዊ ደሞክራሲ ምዃኑ እኣምን። ስለዚ ኣብ ሃገርና ብሉጽ ፖለቲካዊ ስራሕ ካብቶም “እነና-እነና” ዝብ ሉ ምስሉያት መለኽቲ ዘይኮነ ካብ ህዝቢ በቚሉ ንህዝቢ ከምዘገልግል ክጠቕሰልኪ ኢለ’የ።

ክብርቲ ቻንስሎር!

ከምቲ ዝጠቐስክዎ ኣብ ሃገርና ብሉጽ ደሞክራሲያዊ ምሕደራ መርኣያ መንነትና ክንሱ መሓልፎ ሎሚ ኣብ ድሕሪ ናጽነ ት ሃገርና ብሰሪ ግዝኣተ-ሕጊ ትበታተነሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ትፈልጥዮ እመስለኒ። ብሓጺሩ እቲ ቀጻሊ ውልቃዊ ረብሓኡ’ምበር ድሕነት ህዝብን ሃገርን ከይዓጠጦ ን26 ዓመታት ብስም ግዜያውነት ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ፡ ዊን ዘዝበ ሎ ዝገብር ጽሉል እናመሰለ ኪኖ ሃገራዊ መንነትን ድሕነትን ብስዉር ሜላ መግዛእታዊ ፖለቲካ ክብትነና ክርአ ኩነታትና ንዓለም’ውን ገሪምዋ ኣሎ።

ርግጽ፡ ካብ ጥንቱ ሃገርና ኣብዚ ተኣፋፊ ዞባ ብምህላዋ ብሰንሰለታዊ ግዝኣታት ተጠቒዕና ኢና። ንኣብነት ድሕሪ 2ይ ኲ ናት ዓለም ኩለን ግዙኣት ናይቲ ዝተሳዕረ ሓይሊ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ናጻ ክወጻ ክፍቀደለን እንከሎ፡ ዕዉታት ሃገራት ኣባና ክበጽሑ ብዝሰዓበ ስዉር ናይ ረብሓ ቁርቁስ ዝግባኣና ናጽንት ስለዝተሓረምና ኢና ናብ ቃልሲ ኣምሪሕና ናጽነትና ዘውሓስና። ሎሚ’ውን እቲ ጂኦ-ፖለቲካ ናይዚ ከባቢና ብዝበኣሰ ስለዝተወጠረ ሓያላን ሃገራት ኣብታ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ትርከብ ዝነኣሰት ሃገር (ጂቡቲ) ተጸቓቒጠን እነዋለ። እዚ ሓድሽ ወጥሪ ናይዚ ዞባና ንዓይ ልክዕ ክመቲ ኣ ብ 1884 ዓ.ም ኣብ በርሊን ዝተኻየደ ምሽማዉ ጸላም ኣፍሪቃ ኮይኑ ስለዝረኣየኒ ከምዚ ዝስዕብ ሕቶ ድማ ይመጸኒ፦

“ሽዑስ ዕጫና ኣብ ትሕቲ ሃገረ-ጣልያን ደርጊማትና። ሎሚኸ መራሒና ጠሊሙ ናይ ምግባር ዓቕምና ካብ ቀንጸሎ ወያ ግድይቲዕ ድልና ናብ መነን’ኮን ትነቑተና? ኢሉ ንዝሻቐል ህዝብና ሓገዝ ስለዘድልዮ፡ ንስኹም’ቶም ሙኩራት መከራኸ እንታይ ትሓስቡ? ማለት ነቲ ንድሕነቱ ሃገርን ህዝባን ዘጽንት ዘሎዲኹም ክትሕግዙ ዘለኩም ወይስ ንህዝብን ሃገርን?”

ኣብዚ ዓለምና ኣብ ዘይእዉጅ ሳልሳይ ዙርያ ኲናት ትሕመሰሉ ዘላ እዋን ግዳማዊ ነገር ንዓና’ውን ይጸልወና’ኳ እንተኾነ ብዘለና ልምዲ ምንም ኣይምበኣሰናን። ጭቡጥ ምዝራብ ተመራጺ’ዮ’ሞ እቲ ኣብ ሃገርና ዝርአ ዘሎ ዝኸፍአ ዕንወት እቲ ብገዛእ መንግስትና ዝወርደና ዘሎ ብርሰት ህዝቢ ኢዩ።

ከምቲ ንስኺ ቻንስሎር ሃገረ-ጀርመን‘ውን ትርድእዮ፡ መራሒ ግዜያዊ መንግስትና ንሃገሩ መፈተንታ ኩሉ ዓይነት ዓለማ ዊ ፖለቲካ ቀይርዋ ምህላዉ እናጠቐስኩ፡ ካብዚ ሽግር ንምንጋፍ ምንም ፋዕራ ከየርኣየ፡ ብስም’ውን በቲ ባዕሉ ዝፈጠሮ ዶባውን ከባቢያውን ጎንጺ ‘ዓለማዊ እገዳ’ ከምዝወረዶ እናኣሳበበ ብዘደንጹ ጥበብ ኣብ ፍጹም ማሕንቖ ሕጋዊ ብዝመስ ል ባርነት ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀፊዱ ህዝበይ የጽንት ምህላዉ ካብ ቅድሚ ዓለም ኣይተሰወረን። ኩልና ከምንዕዘቦ’ውን ነ ቲ ዘየለ ማዕቀብ ክለዓለሉ ክምሕጸንን፡ ገለ ንጡፋት ጠበቓታቱ ድማ ኤርትራ ካብ መዓሙቕ ተነጽሎ ክትናገፍ ምእንቲ ገንዘባውን ዲፕሎማውሲያውን ሓገዝ ክግበረላ ክምሕጸኑላን ንሰምዕ። ቀንዲ ምኽንያት ጥብቅና ጠበቓታቱ ህዝብና ዝጠ ፍእ ዘሎስ ብሰንኪ ቁጠባዊ ጸገም ምዃኑን ሰበ-ስልጣናት ሃገርና’ውን ብሰሪ እገዳ ከምተነጸሉን ምዃኑ ከምስሉ ይጽዕሩ።

ንነገሩ ”እገዳ” እንታይ ማለት ኢዩ? እገዳ ብቑጠባውን ፖለቲካውን መዳያቱ ትርጉሙን ዘስዕቦ መዘዝን እንተተረዳዲእና ሉ፡ እዚ ወርቂ ክሓፍስ ዝውዕልን ዝሓድርን ፖታሸ-ኣልማዝ ክግብት መጽናዕቱ ወዲኡ ዘሎን መንግስቲ፡ እቲ ድማ ‘ዝተ ኣገዳ’ ወደባቱ ኣካርዩ እቶቱ ዘኻዕብት ዘሎ መንግስቲ ኤርትራስ ብሓቂ ተኣጊዱ ዲዩ? ብፖለቲካዊ መገዱኸ ከምቲ ዝበሃ ል ካብ ዓለም ክንጸል ጸቕጢ ተገይርዎን ሰበ-ስልጣናቱ ተገሊሎምን ዲዮም? ጉዳይ ዶብከ ንሃገርና ጥራይዲዩ ዘስግእ?

ሓቁ ንምዝራብ እቲ ‘ዘይተጠረረ’ ዶብ ንኤርትራ ጥራይ ዘስግኣሉ ነገር ፈጺሙ ምኽኑይ ኣይኮነን። ሰበ-ስልጣናት’ቲ ስር ዓት’ውን ግደፍ ብሕጋውን ብነፈርትንሲ ብዘይወግዓዊ መልክዑን ብመካይንን ካብ ማእከል ፍራንክፉርት ናብ ሙሉእ ኤ ውሮጳ ክጻፍዑ እናወዓሉ ምንግስቲ ጀርመን ምርኣይዶ ስኢንዎም ወይስ ጀርመን ኣብቲ ዝፍጸምዘሎ ውዲት ጽንተት ህዝ ብና ተሻሪኻ? ብዛዕባ እገዳ ዝመጸ’ውን መንግስቲ ኤርትራ ዲዩ ተኣጊዱ ወይስ እቲ ሃገሩ ገዲፉ ዝጸንት ዘሎ ህዝቢ ኤርት ራ’ዩ ኣብታ መፈጠር ሃገሩ ቀሲኑ ከይነብር ተኣጊዱ?

ናይ ኤርትራ ነገር ኩሉ ዘይንቡር ምዃኑ ንስኹም’ውን ከምትፈልጥዎ እኣምን። ከመይሲ ንበል ስርዓት ህግደፍ በቲ ሓደ ብሰንኪ ጸጥታዊ ስግኣት ከባቢኡ ናይ መዋእል ጊላዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክእውጅ እንከሎ፡ ተርብሖ መስኮት ጃህራ ምስ ረኣየ ድማ ካብ ብዓለሙ ከም ኣብ ኤርትራ ሰላም ዝዓሰሎ ከባቢ ከምዘየለ ከቃልሕ ይስማዕ። ሰላም እንተልዩ ንምንታይ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ዘይምለስ? እዚ ከምኣብነት ድኣ ጠቒሰዮ’ምበር ምንጭን ምስጢርነትን ናይቲ ብኣሳላጥነት ገዛእ- መንግስትና ወሪድና ዘሎ ተጻብኦ ተቐላዒን ብቀሊሉ ተሰጋርን ከምዘይኮነ’ሞ ንማንም ዜጋናን ተዓዛብን ብሩህ ኢዩ።

ዝኾነ ኮይኑ ንሕጂ ነቲ ቀንዲ ፖለቲካዊ መንነት መራሒና ንጎድኒ ኣጽኒሐ፡ ህዝቢ ነቲ ፖለቲካዊ ጥበብ ናይ ኣይሰላም ኣ ይኲናት ንምብዳህ ብዘርእዮ ኣብያ ናብ ዓማሚ ናዕቢ ከይዓርግ ብዝሓድሮ ስግኣት ነዛ ንእሽቶ ሃገርና ብሃገራ ናብ ዓባይ ማሕቡስ ቀይርዋ ምህላዉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ብምህላዉ ምግላጹን ሓገዝ ምጥላብን ዘየላቡ ቀዳምነት’ዩ። ከ መይሲ ሎሚ ኣብ ውሽጢ’ዛ ዓባይ ሃገረ-ማሕቡስ ልዕሊ ሓምሳ ዕሙራት ናይ ጽንተት ንቑጣታት ማለት ብከምተን ኣብ ሃገረ-ፖላንድ ዞባ ቢርከናው (Birkenau) ዝተደኮና “ኣውሽቪትዝ 1, 2. . (Auschwitz 1, 11. . .) ዝተባህላ ሚሊዮናት ዝ ሃለቑለን ናይ ናዚ ናይ ጽንተት ንቑጣታት ማለት Nazi Konzentrationslager (Cocentration camps) ስለዘለዋና ም ስ ንውሓት ዕድመ ናይዚ ስርዓትን ዋሕዲ ህዝብናን ሳዕቤን ናይቲ ኣንጸላልይና ዘሎ ጽንተት ቀሊል ስለዘይከውን። ልዕሊ ኩሉ ድማ ህድማን ማእሰርትን ከም ቀንዲ ምንጪ እቶት ናይቲ ስርዓት ኮይኑ ንብረት ህዝቢ ይዝቆቕ ምህላዉ ኢዩ።

ክብርቲ ቻንስሎር! ኣነ ህዝበይ ይሃልቕ ከምዘሎ ከእዊ እንከለኹ ብመንጽረይ ኣብ ኤርትራ ምጽናት ዓሌት (Genocide,) ከምዘየለ ክዝረብ እሰምዕ። ጭቡጥ ነገር ንምዝራብ እቲ ዝበዝሐ ቑጽሪ ህዝብና እቲ ቢሄረ-ትግርኛ ኢዩ። ኤርትራ ብዘይ ‘ዚ ቢሄር’ዚ ህላወ የብላን። እቲ ካልኣይ ጭቡጥ ንምዝራብ ድማ እቲ ብዝለዓለ ብዝሕን ዓይነትን ዝሃልቕ ዘሎ ህዝቢ’ው ን ንሱ’ቲ ትግርኛ ኢዩ። ነዚ ከተረጋግጺ እንተደሊኺ እቲ ስታትስቲክስ ስደተኛታት’ሞ ተዓዘብዮ እቲ ጽንተት ፍሉይ ህዝ ቢ ተኾሊዑ ክግለጸልኪ ኢዩ። ብዛዕባ ዓሌታዊ ጽንተት ካብ ኣልዓልና ንእግረ-መገደይ ብዛዕባ ክልተ ነገር ክዛረብ እደሊ ። በቲ ቀንዱ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ክጸንቱ ብዓለም ደረጃ ክርአ “ዓሌትነትዶ ኣይበሃልን’ዩ?” ዝብል ሓሳብ፡ በቲ ካልእ ብሙሉኡ ህዝቢ ኤርትራ ክጸንት እናተራእየ ከምጽንተት ንዘይጽብጽብዎኸ እንታይ ዓይነት ፖለቲከኛታትኮን ይኾኑ?” ዝ ብል ሓሳብ ይድረበኒ። ንስኺ ከም ፖለቲከኛኸ ምስቶ ኣብ ሃገርናስ ቁጠባዊ’ምበር ፖለቲካዊ ጸገም ከምዘየለ ካብዝኣምኑ ዲኺ? ከምኡ እንተኾይኑ ፖለቲካ ኣፍ ወይ ባይታ ቁጠባዊ ቃልሲ ከምዝኾነ ምስሓትዶ ኣይከውንን?

ዝኾነ ኮይኑ ብኣጋጣሚ ምጅማር ናይዚ ሓድሽ ዓመት ኩሉ ህዝቢ ጸጽቡቑ ከምዝምነ ንስኺ’ውን ንህዝብኽን ሃገርክን ብ ስምክን ብስም ሰልፍኽን መንግስትኽን ፋል ናይ ሰናይ ዓመት ከምተስምዒ መጠን፡ ኣነ ስደተኛ ድማ ህዝበይ ብዘመናዊ ዓሌታዊ ጽንተት ይጠፍእ ከምዘሎ ብድምጺ ናይቶም ኣብ ኮንሰንትረሽን ካምፕ ተረቕሪቖም ድምጾም ከይተሰምዐ ኣብ ኣ ፈፌት ሞት ዝሰሓጉ ዘለዉ ዜጋታተይ ቃል ጽቡቕ ትምኒት ንሓድሽ ዓመትን ምሕጽንታ ናይቲ ዝሃልቕ ዘሎ ህዝበይን ይ ልእከልኪ ኣለኹ’ሞ ክሳብ ዝተረፈት መልእኽተይ ዘስዕበልኪ ተስፋ እገብር እግዚኣቢሄር ከርእየኪን ክርስቶስ ከመልክተ ኪን!

ደጊመ ንብሙሉኡ ህዝቢ ሃገረ-ጀርመንን ርሑስ ሓድሽ ዓመት እምነየሉ። ንዓኺ ድማ ንዝተማልአ ዕድመን-ጥዕናን፡ ከምኡ ድማ ኣሳልጦ ስራሕን እምነየልኪ!

ኣቶ ተስፋሚካኤል ኣብራሃ                                                                                                       ካብ ፍራንክፉርት፡

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • hidat December 31, 2016

    WEY GUD ENTEZEYEY TINIKNIKENI MEN MEXDEFENI ZIBIHAL MISILA YEZEKIREKA EZA ABET TIBILA ZELEKA MERAHIT HANTI KAB SIDET ZEGADEDU MERAHIT MUKAN TESEWIRKA MALET DEYU??????GERMEN HANTI KABTOM NERITRAWIAN TIRAH TIKIBEL DELLA HAGER EYA TEGEDIDA DEYA FETYA YIZNAHLNA………….ERITRAWI EYE ENDABELE KINDEY AINET ZEGATAT REFUGE IHATO KEM ZELEWU KE AYTIFELTN MALET DEYU??????? :::::EZI BIFILAY NERITRAWIANIN NSORIAWIANIN KISAB 30.000KINKIBEL INA ZIBELETO KE NETI SIDET AYEGADEDON ::::DEYU???????……temeliska nez merahit abet mibal dea entay eyu kunkunuu?????DO kexelwo …….entay dea mikibal dew abilkumo nimizikikar eyu.?????

Post a Reply to hidat Cancel Reply