Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናብ ኢድ፡ ‘ከምዚ ዶ ዝኸውን መሲሉና!” እናበሉ ዝሓልፉ ድያ ትምለስ ዘላ’ዛ ሃገር!! ካልኣይ ክፋል

ናብ ኢድ፡  ‘ከምዚ ዶ ዝኸውን መሲሉና!” እናበሉ ዝሓልፉ ድያ ትምለስ ዘላ’ዛ ሃገር!! ካልኣይ ክፋል ሰላም ኣሕዋት። እስከ ንተሓታተት። እዛ ናጻን ልኡላዊትን እናበልና ንምክሓላ ሃገርና፡ ኣብ ኢድ፣ ሓሉ ዝበሉዎ ዘጥፍእ! ሓደራ ዝበሉዎ ዝጠልም! ሃገሩ ክዝመት ዝዕመት! ትውልዲ

ናብ ኢድ፡  ‘ከምዚ ዶ ዝኸውን መሲሉና!” እናበሉ ዝሓልፉ ድያ ትምለስ ዘላ’ዛ ሃገር!! ካልኣይ ክፋል

ሰላም ኣሕዋት። እስከ ንተሓታተት። እዛ ናጻን ልኡላዊትን እናበልና ንምክሓላ ሃገርና፡ ኣብ ኢድ፣ ሓሉ ዝበሉዎ ዘጥፍእ! ሓደራ ዝበሉዎ ዝጠልም! ሃገሩ ክዝመት ዝዕመት! ትውልዲ ድያ ወዲቓ ዘላ? ክሳብ መኣስ ኢዩኸ ህዝብና ግዳይ ተበለጽትን ኣታለልትን ኮይኑ ዝነብር? ብኸመይ ኢዩኸ ካብዚ ሓደጋ ክድሕን ዝኻል? ክሳብ መኣስ’ዩ ከምቶም ቀዳሞት፡ ብሽርሕን ጉርሕን ሃይለስላሴን ናይ ኣመሪካ መንግስቲ ፖሊቲካዊ መናውራን፡ ናጻን ልኡላዊትን ዝኾነት ሃገር ናይ ምውናን ዕድሎም ምስ ጠፍአ፣ ‘ከምዚዶ ዝኸውን መሲሉና! እናበሉ ብጣዕሳ ተበሊዖም ዝሓለፉ ዝኸውን? ህዝብና መውሰቦ ክፍጽም ክሎ ጥራይ ድዩ መንነት/ትውልዲ ዘጻሪ? ከምቲ፣ ‘ጅንጅብል መን እንተበሉኻስ መን ትብል!’ ዝብሃል፡ ብሃገር ደረጃ መንነት ምጽራይ ዝለምድ መኣስ ኢዩ? ኣውራጃኸ ህዝቢ ንምእካብን ንምምሕዳር ዝጠቅም እምበር ካብ መኣስ ኢዩ መፈላልዪ ዝኾነ? መንነት መራሒ ሃገር ዝኣክል ዝዓበየ ጉዳይከ፡ ካብ ትሽዓተ ኣውራጃታት፡ ‘ወዲ ላምና! ዝብሎ ንዘይብሉ መራሒ ምግዳፍ ምስ ምንታይ ይቑጸር? ህዝብና ንዘይፈልጦን ዘጽንቶ ዘሎን ኢሳያስ፣ ወዲ ኣፎም ብሪየ! –? ኣታ ንበረልና —! እናበልካ ምድራፍከ? ጽላለ ድዩ ናይ ጥዕና ክብሃል ዝክኣል?! ሎሚ ግን ህዝብና ኢሳያስ ጸላኢ ምዃኑ ስለ ዝተጋህደሉን ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ኣብጹሑ ከም ዘሎ ስለ ዝፈለጠን፣ ክሳብ ሎሚ ዘጥፋእካዮን ዝጸየካዮን፡ ‘ይኣክል! ኣልግስ! እንተዘየሎ!!! እንተዘየሎ!!! መዓልትኻ ኣይንዓሎ! ኢዩ ዝብሎ ዘሎ። ሎሚ፣ “ህዝብን ሃገርን ኣድሕን!’ ዝብል፡ ህጹጽ ጻውዒት ዝመሓላለፈሉ ዘሎ እዋን ስለ ከኣ፡ ህዝብና ዝሓዘ ሒዙ ዝረድእ ዜጋ ይጽበ ከም ዘሎ ዝስሓት ኣይኮነን። ስለዚ ሎሚ ህዝቡን ሃገሩን ንምድሓን እጃሙ ከበርክት ዘይልዓል፡ ብደዉ ዝመተ’ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ሎሚ ብኢሳያስ ተታሊሎም ዝነበሩ ህግደፋውያን ከይተረፉ፡ ንህዝቦም ይቕረታ ሓቲቶም፡ ምስ ደለይቲ ፍትሒ ተሰሊፎም፡ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ይለዓሉ ከም ዘለዉ’ዩ ዝስማዕ ዘሎ። እዚ ከኣ ህዝብና ዝድበሰላ መዓልቲ ትቐርብ ከም ዘላ ዘበስር ኢዩ።

ከምቲ ብቋንቋ እንግሊዝ፣ “Those who fail to learn from history are doomed to repeat it” ዝብሃል፡ ህዝብና ካብ ዝሓለፈ ታሪኹ ዘይምሃርን ውድቀቱ ዝዕድምን፡ ዕድሉ’ውን ናይ ስውኣት መርድእ ምስማዕን ኣብ ዕንክሊል ምንባርን ኮይኑ ከይተርፍ ምርግጋጽ ንኩሉ ዜጋ ዝምልከት ከቢድ ሓላፍነት ኢዩ። እዚ ከኣ ብቐዳምነት፣ ናይ ኢሳያስ ጭካነን ተጋላባጢ ባህርን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ሕዱር ጽልእን፡ ዕላምኡን፡ ብኸመይ ከም ዘተግብርን፡ ስለ ምንታይ መንነቱ ሓብኡ ካልኦት’ውን መንነቶም ክሓብኡ ከም ዝቕስብን ምፍላጥን ምዝካርን ማለት ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ብዙሓት ዝጽሕፉዎን ዘመሓላልፉዎን መሰረት ብምግባር ዝስዕብ ሓበረታታት ክጠቅስ።

1ይኢሳያስ “ንሜዳ ክሰለፍ  ምስ ተበገሰ ሓደ ካብቶም ዝፈልጡዎ፣ ባህርኡ በቐረባ ዝፈልጥ፡  ‘እዚ ዝመጻኩም ዘሎ ተመሃራይ ምምቕቓል ናይ ምፍጣርን ፈላሊኻ ናይ ምግጫውን ባህያት ኣለዎሞ ሰውራና ከይገማማዕ ሓደራ፡ ቀናእ፡ ህልኸኛ፡ ተንኮለኛ፡ መቓቓሊ ኢዩ!’ ዝብል መልእኽቲ ንሜዳ ከም ዝሰደደ’ዩ ዝንገር። ትምኒት ኮይኑ ከም ዘይተረፈ ከኣ ታሪኽ ገድሊ ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ።

2ይ፣ ጅግና ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ኣብ ‘ሃገረይ ኤርትራ’  ዝብል ካልእይ መጽሓፉ ገጽ 54፣ “ህልኸኛ፡ ተኮለኛ፡ ዘይእመን፡ ቀናኢ፡ ቂመኛ፡ ጨካን፡ ብቃንዛ ናይ ተጻረርቱ ዝሕጎስ ሳዲስት፡ ብሕማም ስኪዞፍረንያ(schizophrenia) ዝሳቐ፡ ወዘተ … ! ” ብማለትን ንፋስ ዘረጊቶ፡ ብዝብል’ዩ ዝገልጾ።  ኣብ  ገጽ 56 ከኣ፡ “ብ1993 ናጽነት ምስ ተኣወጀ ኣቶ ኢሳያስ ንኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱ ብቋንቋ እንግሊዝ፡ ኮንፈደረሽን ወይ ፈደረሽን ኣይኮነን ዝብል ዘለኹ። ምሉእ ውህደት (full intigration) ኢየ ዝብል ዘለኹ፡” ምባሉ ገሊጹ። ኣብ ገጽ 59 ከኣ መለስ ዜናዊ፡ ‘ህዝቢ ኤርትራ ንኢሳይስ ይፈትዎ ኢዩ፡ ኢሳያስ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ኣይፈትዎን ኢዩ፡’ ዝብል ጽሒፉ ኣሎ።

3ይ፣ የማናይ ኢድ ኢሳያስ ኮይኑ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኢስያስ ሓቢሩ ግፍዒ ዝፍጽም ዝነበረ ናዝጊ ክፍሉ፣ “ኣነን ኢሳያስን ዝፈጸምናዮ ግፍዕታት ህዝቢ ኤርትራ እንተዝፈልጥ ምተጸለለ!”  ከም ዝበለ’ዩ ዝግለጽ። ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይፈለጠ ይኸውን ዘይተጸለለ። ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብሕማም ምስ ዓረፈ ከኣ፡ ሬስኡ ኣብ ዓዱ ሓመድ ኣዳም ከይለብስ ከልኪሉ። ብምንታይ ከም ዝተቐየሞ ግን ኢሳያስ ባዕሉ’ዩ ዝፈልጣ። ኢሳያስ ንካልእይ ግዜ ንሬሳ ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ ንኤርትራ ኣትዩ ሓመድ ዓዱ ከይለብስ ምኽልካሉ፡ ምስ ሬሳ ከይተረፈ ዝብኣስ ሰይጣን ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ። 

4ይ፣ ንጉጅለ 15፣ ዘስካሕሕ ኩናት ብስምምዕ ኣልጀርስ ምስ ተቋረጸ፡ ‘ኣንጻር ወያኔ ዝተኻየደ ኩናት ንገምግም፡ ኣካይዳና ነመሓይሽ፡ ተወንዚፊ ዘሎ ቁዋም ነተግበር፡ ከምቲ ብ1988 ዝተሰማማዕናዩ ስልጣን ንህዝብና ነረክብ፡’  ስለ ዝበሉ፡ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ሃሩራማ ዒራዒሮ ዳጉኑ ሸሪቡዎም። ካብዚ ግዜ ጀሚሩ ንኤርትራውያን ምጭዋይን ብዝተዓጻጸረ ይቕጽሎ ከም ዘሎ’ዩ ዝፍለጥ።

5ይ፣ ተጋዳላይ የማነ ጃማይካ፣ ኣባል  ህዝባዊ ግንባር ዝነበረሞ ድሕሩ ምስ ካልኣዩ ሙሴ ንሕወሓት ክሕግዝ ብኢሳያስ ዝተመደበ፡ ‘ምስ ኢሳያስ ቤተሰብ ኢና። ትግብራዋይ ኢዩ፡’ ዝበሎን፡ ዶ/ር ሰለሞን ዑንቋይ (ትግራዋይ)፡ “ኢሳያስ ወዲ ሓትነይ ኢዩ፡  ኣዴታትና ይሃ ኢዩ ዓደን፡” ብማለት  ዝገለጾን ኣብ ዩቱብ ዝርከብን፡ ኢሳያስ ብዘይ ጥርጥር ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ምዃኑ ዝገልጽ ኢዩ።

6ይ፣ ኢሳያስ፣ ምስ ሰኸረ፣ብድሕረይ ዓጋመ ከም ትብሉኒ እፈልጥየ፡ ነዛ ሃገር እዚኣ ከም ዘምጻእክዋ፡ ከጥፍኣ ኢየ! ኩንትራት ዝሃበኒ የለን፡” ምባሉ ብሕሱም ጽልኢ ህዝብና ዝተመረዘ ምዃኑ’ዩ ዘረጋግጽ።   

7ይ፣ ንኢሳያስ ሓውብኡ ደጃች ሰለሞን ኣብርሃ፡ ናይ ወሎ ጥቅላይ ግዛት ገዛኢ ዝነበሩ፡ ሕቡራት መንግስታት ጉዳይ ኤርትራ ንምውሳን ዝዛተየሉ  ዝነበረሉ እዋን፡ ኤርትራ ናጻ ሃገር ክትከውን ክሕግዙ ምስ ተሓቱ፣ ‘ኢትዮጵያዊ ስለ ዝኾኑን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ክኣትዉ ከም ዘይደልዩን፡’  ከም ዝገለሱ’ዩ ዝንገር። ኢሳያስ ከኣ ባዕሉ፡ ጎንደርን ኣዋሳን ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ምስ ዶ/ር ዓቢይ ዘካየዱ ጠገለ ዝሰኣነ ሸብዳዕዳእን፡ ብታሕጓስ  ተሳዒሩ ብክልተ ኢዱ ኣፍ ልቡ እናሃረመ፣ ‘ንጠቕላይ ሚኒስቴር ‘ሓላፍነት ሂበካ ኣለኹ!’ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና! ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኢዩ፡ ክልተ ኢዩ ዝብል ሓቂ ዘይፈልጥ ኢዩ! እንቋዕ ካባኹም ተፈጠርኩ፡ ንዓኹም ምስረኸብኩ ከም ሎሚ ተደሲተ ኣይፈልጥን!!’  ምባሉ ኢሳያስ ኢትዮጵያዊ ምዃኑን፡ ህይወቱ ንኢትዮጵያ ክስውእ ድሉው ምዃኑን ኣረጋግጹ። ስለዚ ድሕሪ ሕጂ፡ ኢሳያስ ኤርትራዊ ኢሉ ዝኣምንን ዝገልጽን ዝኽተልን ይቕበጽ። ሕርሙ የውጽእ።

ነዚ ልዕል ኢሉ ብዝበለጸ ዘጥቓልልን ዝገልጽን ከኣ፣ ሓደ ኢትዮጵያዊ ወተሃደር ናብ ኢሳያስ ዝለኣኾ ዝስዕብ ደብዳቤ ኢዩ።

“ክፍት ደብዳቤ ለፕረዚዳንት ኢሳያስ  ኣፈወርቂ! ኢትዮጵያውነት የኤርትራን ሕዝብ በማቆርቆዝ ኣይረጋገጥም ! እንኳንስ የኤርትራ ሕዝብ ቅማልም ቢሆን ሱሪ ያስፈታል! “ኣንድ ነገር ትዝ ኣለኝ። ጭንቅላቴን መታው። የኣልኣሚን ኣብደለጢፍ ዘፈን፡ “ደሓን ኩኒ ኣባሻውል!! ዓባይ ኣባሻውል ከይፈረሰት ከላ ..!! የሚለው። ባጭሩ ባሁኑ ጊዜ ያቺ የዱሮ ኣስመራ፡ “ከኣስመራ ጻዕዳ ወደ ኣስመራ ገሃነም” ተቀይራለች። ኢትዮጵያዊነት የኤርትራን ህዝብ እንደጠላት ወስደህ በማሰቃየትና፡ ድህነት ውስጥ በመክተት ኣይረጋገጥም። ኡነቱን ላውጣው ይፈቀድልኝ። ብፈረንጅ 1970 ገደማ፡ እንደሚያስታውሱት እርስዎ ከኣሜሪካው ኮነሬል ሮላንድ ካፕላንና፡ እንዲሁም ከእስራላዊው በደቀምሓሬ የኮማንዶ ኣሰልጣኝ ከነበረው ለቪ የተባለው፡ ለእርስዎ የተሰጠ ምሽን ወይም ተልኮ፡ “የኣረቦች በቀይ ባህር የመስፋፋት ኣደጋ ለመግታትና በዝያን ጊዜ የነበረው የኮምኒስት የመስፋፋት ዕቅድ በረጅሙ ለምቅጨት ኣንጂ የኤርትራን ሕዝብ ኣንደ ጠላት ኣይተህ በድህነት በስደት እና በድንቁርናና ለማማቀቅ ኣልነበረም። እርስዎ የተሰጠዎትን ማንዴት ጥሰውታል። የርስዎ ምሕረተ ቢስ ኣሰራር፡ ሌላው ቀርቶ በሰው ልጅ ውለታ ቢታይ እንኳን ይዘገንናል። ክቡር ፕዚዳንት: የዘነጉት ኣንድ ጉዳይ ኣለ፡ የኤርትራ ሕዝብ ትዕግስተኛ እንጂ ፈሪ ኣይደለም። የተነገርው ሁሉ ኡነት ወስዶ የሚያምን፡ ኣማኝ፡ መንፈሳዊ፡  ህዝብ ነው እንጂ ደንቆሮ ኣይደለም። እርግጥ የፖሊካ ኣሻጥርና ትሪክ የሚጎድለው፡ “የኔ መብት ምንድንው”, የሚል ጥያቄ  የማያነሳ የዋህ  እንጂ፡  ቦምብና ታንክ የሚፈራ ህዝብ ኣይደለም። እስከ ዛሬ ድረስ እርስዎ ላይ ያሳየው ትዕግስት እርስዎ፡  የኛ ሰው በሳህል መኖርዎን ስላላወቀ ብቻ ነው። የዱባለ  ታላቅ ወንድም እንደሆኑ፡ ኣሁን ነው ቀስ በቀስ የበራለት። ሕዝቡ እስከ ዛሬ ያሳየው ትዕግስት ልጆቻችን ነጻነት ኣመጡልን!! ጊዜ እንስጣቸው!! ኣሳልፈን ኣንስጥ!! ከሚል ኣስተዋይ ልቦና የተነሳ ኣስተሳሰብ ነው። ኣሁን ግን ሁሉም ነገር ግልጽ ሆኖ በርተዋል። እርስዎ በኣሜሪካዊው ሮናልድ ካፕላንና በኢሳራኤላዊው ሊቪ በኤርትራዊ ትግል ውስጥ የተወሸቁ  ኤጀንት ኣንደነበሩ ምስጢሩ ፈነዳ።  ግልጽ ሆነዋል። ኣቶ ብርሃነ ኣብርሃ፡ ኣቶ መስፍን ሓጎስ፡ ኣቶ ተስፋሚካኤል ጆርጆ፡ ኣቶ የማነ ተክለጊዮርጊስ፡ የሰጡት ማብራርያ ራሱ በቂ መረጃ ነው። የኤርትራ ሕዝብ ደሙ ፈልተዋል። ኣንዴ ከቆረጠ ኣይመለስም። እንደሚያውቁት ይሀ ሕዝብ ባለፈው 500 ዓመት የወታደርነትና የቆራጥነት ታሪክ ያሳለፈ ሕዝብ ነው። ያለ ምንም ማጋነን፡ ባለፉት ኣምስት መቶ (500) ዓመታት ሙሉ በገባበት ጦርነት፡ ተሸንፎ ኣያውቅም። ከቱርኮች ጎን ተሰልፎ ኣሸነፈ። ከጣልያኖች ጎን ተሰልፎ ኣሸነፈ።  ከእንግሊዞች ጎን ተሰልፎ እሸነፈ።  ለነጻነት ተሰልፎ በኣፍሪካ ተወዳዳሪ ያልነበረውን የደርግን ሰራዊት ገረሰሰ። ሌላው ቀርቶ በፈረንጅ ኣቆጣጠር 1976 እስከ  100,000 የሚያክልውን፡ የደርግ የዘማች ወታደር፡ ራዛ (ራዛ ዘመቻ) ፕሮጀክት ተብሎ አርትራን ለምውረር ብትግራይ ድንበር፡ የተሰባሰበ፡ የሽመጃና ሕዝብ ብቻውን ያለ ምንም የታጋይ እርዳታ፡ በኣራት ቀን ውስጥ ብትንትኑን ኣወጣው። ሌላው ቀርቶ በኣሁኑ በኢትዮ ኤርትራ ጦርነት፡ ዓሰብን ለመያዝ በተደረገው ትንንቅ፡ እርስዎ  ከሀርማን ኮሀን ጋር ተስማምተው፡ የኤርትራን ሰራዊት ዓሰብን ለቆ፡ ወደ ምጽዋ እንዲያሸገሽግ፡ የሰጡትን ትእዛዝ  ኣልቀበልም! ብሎ፡ በጀግንነት ተዋድቆ፡ ኣገሩን  ያዳነ፡ ወደር የሌለው ቆራጥ ሕዝብ ነው። ከላይ እንደገለጽኩት፡ እስከ ዛሬ ድረስ ሕዝቡ፡ እርስዎ ላይ ያሳየው ትዕግስት እርስዎ፡  የኛ ሰው በሳህል መኖርዎን ስላላወቀ ብቻ ነው። ክቡር ፕረዚዳንት በመጨረሻ፡ ኣንደ ኢትዮጵያዊ ወንድምዎ መጠን የምሰጥዎት ምክር ካለ፡ የያዙትን ስትራተጂ ጠቅላላ በመቀየር፡ የኤርትራን ሕዝብ በሰላም ካልመሩ፡ እስረኞችን ካልፈቱ፡ ሕገ መንግስቱን በተግባር ካላቅዋቃሙ፡  የእርስዎና የልጆችዎ ዕድሜ ባጭሩ እንደሚቀጭ ይወቁ። እንኳንስ የኤርትራ ሕዝብ ቅማልም ቢሆን ሱሪ ያስፈታል። ከኢትዮጵያዊ ወታደር። *በታጋዩ  ኢሳያስ ኣፈወርቅና በ ሲ ኣይ አ መካከል የተደረገው የዚያን ግዜ ምስጢራዊ ግንኙነት፡ የችግኝ ተክል seed planting በሚል ኮድ የሚጠራ፡ በፕሮቶኮል ቁ. 21/9/62 1038/ 1039/18/31 ሀ1/19/ሰ/2 ተመዝግበዋል።  ሲድ ፕላንቲንግ የተባለበት ምክንያት፡ በዚያን ግዜ ኮሎነል ካፕላንድ፡ ለከቨር ኣፕ እንዲመቸው በማለት፡ ማይ ሓባር ውስጥ፡ የልማት  ችግኝ ስለጀመረ ነው።

ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ኢሳያስ ኤርትራዊ ከም ዘይኮነ ዘይጠራጥር’ኳ እንተኾነ እኹል’ዩ ማለት ግን ዝከኣል ኣይኮነን። ምናልባት’ውን ኣብ ልዕሊ ህዝብና እዚ ኩሉ ግፍዕታት ምውራዱ፡ ኣቦሓቶታቱ ኣጼ ዮሃንስን ራእሲ ኣሉላን ንህዝቢ ኤርትራ ብኩናት ኣምበርኪኾም፡ ገዛእቲ ዓባይ ኢትዮጵያ ክኾኑ ዝነበሮም ሕልሚ ጅግና ህዝብና ከም ዘፍሸሎ ብምእማን፡ ሕነ ንምፍዳይን፡ ንሳቶም ዘይከኣልዎ ክፍጽም ዝኽእል ስለ ዝመሰሎ ይኸውን። ብቀዳምነት ግን ብኸመይ መራሒ ሃገረ ኤርትራ ክኸውን ከም ዝኸኣለ ምፍላጥ ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ከኣ ክሳብ ሎሚ ዝግለጽን ዝጽሓፍን ዘሎ፡ ዘደንጹን ዘሕዝንን ኩሉ ዜጋ ክፈልጦ ዝጽዕር ዘሎ ክፉእ ዛንታ ኢዩ። ኢሳያስ፡ ተቐላጢፉ ናይ ስለያን ጸጥታን መርበብን ፖሊቲካዊ መናውራታትን ስለ ዝተቖጻጸረ፡ ሕብእቲ ሰልፍን ናይ ሓሶት ፋብሪካ ዝኾነት 03ተን ስለ ዝመስረተ፡ ክቃወሙ ይኽእሉ’ዮም ንዝበሎም ጀጋኑ እናተኸታተለ ዘጥፍእ ጨካን ስለ ዝኾነ ኢዩ። ከምቲ፣ ‘ካብ ጳጳስ ንላዕሊ ካቶሊኽ!’ ዝብሃል፡ ካብ ደቀባት ኤርትራውያን ንላዕሊ ኤርትራዊ ክመስል ብዙሕ ይግዕር ስለ ዝነበረ እምበር፡ ካብ ትሽዓት ኣውራጃታት፡‘ሓውና ወዲ ላምና! ዝብል የብሉን። ዝሕበልነሉ ኣውራጃ ስለ ዘይብሉ ኢዩ ከኣ፡ ካልእ’ውን ብኣውራጅኦም ከይሕበኑ ዝኸልከለ። መጸውዒ ኣውራጃታት ናብ ሹዱሽት ዞባታት ዝለወጠ። ብሕሱምን ሕዱርን ጽልኢ ህዝቢ ኤርትራ ተታሒዙ፡ ንዘይበደሎ ህዝቢ ኤርትራ ከጽንት ዝተዋፈረ። ምናልባት በቶም፡ ‘ዓጋመ!’ እናበሉ ናይ ምጽራፍን ምንሻውን ኣመል ዝነበሮም መተዓብይቱ ልቡ ስለ ዝቆሰለ ይኸውን።ዘይምፍላጥ ሕሱም ኮይኑ እምበር፡ ‘ዓጋመ! ጸርፊ ዘይኮነስ ናይ ሓደ ኣውራጃ ትግራይ ስም ኢዩ። ድቃስ ዝኸልእ ግን  ኢሳያስ፣ ‘ንህዝብና ንፈልጦ ኢና! እናበለ ደጋጊሙ ዝፍክር ንህዝቢ ኤርትራ ብቀሊሉ ክታለል ስለ ዝኸኣለ ኢዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ክጥዕሞ ከኣ፡ መንነቱ ሓቢኡ ኤርትራ እውን ከምኡ መንነቶም ሓቢኦም፡ ትእዛዙ ጥራይ እናተቐበሉ ክቃለሱ ስለ ዝቐሰቦም፣ ተፋሊጦም፡ ሕብረት ፈጢሮም፡ ተኣማሚኖም ኣንጻሩ ከልዓሉ ኣይከኣሉን። ካብቲ ብዙሕ ኢሳያስ ዝፈጸሞ ግፍዕታትን ብኸመይ ከም ዝፍጽሞምን ዘቃልዕ፡ ተጨሊፉ ዝቐረበ ምዃኑ ነቲ ብመራኸቢ ዝግለጽ ዝተኸታተለ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ኢሳያስ፡ ንህዝብና ደሙ ሰትዩ ስለ ዘይጸገቦ፡ ከምቲ፡ ስብሓት ዝመጻካ ኣይትስሓት!’ ዝብሃል፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ብቀጻሊ ምቅላዕን ካብ ስልጣን ምስጓግን፡ ህዝቢ ካብ ጥፍኣት ምድሓንን ሕድሪ ስውኣት ምኽባርን ኢዩ። ንጽባሕ ዘይብሃል ዕማም’ዩ ከኣ። ኢሳያስ፣ ‘ህዝብና ንፈልጦ ኢና! ድላይና ክንገብር ዝዓግተና የለን! እናበለ ብንዕቀትን ብድዐን ሰኺሩ ደጋጊሙ ክፍክር ዝስማዕ’ኳ እንተኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይፈልጦ ኢዩ። ብቀሊሉ ከታልሎን ከም ድላዩ ክጻወተሉ ስለ ዝኸኣለ ጥራይ ኢዩ፡ ብምሒር ንዕቀት ተታሒዙ ዝፍክርን ዘጥፍኦን ዘሎ። ህዝብና፤ ወዲሰብ ክቡር ምዃኑ ዝፈልጥ፡ ንኹሉ ጽቡቕ ዝምነ፡ ንሰብ ዝኣምን ለዋህ ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ። ንባእዳውያን ሓምሺሹ ዝጉሕፍ ጅግና ህዝቢ ምዃኑ  ታሪኹ ዘረጋግጽ። ንኢሳያስ ከኣ፣ ዘይተማህሩን ካብ ማሕረስን መጓሰን ዝመጹ ይትረፍ፡ ዝተማህሩን ሓቢሮም ንዓመታት ምሳኡ ዝተቓለሱን ንኢሳያስ ስለ ዘይፈልጥዎ ዝተጋገዩ ብዙሓት ኢዮም። እንተዝፈልጥዎ ንብሶምን ህዝቦምን ካብ ህልቂት መድሓኑ። ተቐዳዲሙ ንኹሉ ናይ ጸጥታን ስለያን ገንዘባውን ሓይሊ ገድሊ ስለ ዝተቆጻጸሮ፡ ከምተን ምስ ሓራዲአን ዝውዕላ ከብቲ ኮይኖም፡ ንህዝቦም ለኪሞም ይጠፍኡ ከም ዝነበሩን ዘለዉን በብግዚኡ ዝርአን ዝስማዕን ክፉእ ዛንታ። ህዝብና’ውን ክሳብ’ዚ እዋንዚ ዳርጋ፡ ‘ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥ ሃዳናይ!’ ኮይኑ፡ ምህዞ ኢሳያስ ምፍላጥን ምምካትን ዝጠፍኦ’ዩ ዝመስል። ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዓደርእሱ ንህዝብና ንምጥፋእ፡ ዝተላእከ ምዃኑ ክፈልጡ ዝኸኣሉ ውሑዳት’ኳ እንተነበሩ፡ ‘ናጽነትና ምስ ጨበጥና ነርክበሉ፡ ‘ምእንቲ ሞጎጎ ትሕልፍ ኣንጭዋ!’ ብማለት ህዝብና ናጽነቱ ክሳብ ዝጭብጥ ስለ ዝደንጎዩ፡ ቀዲሙ ከም ዝቕንጽሎም’ዩ ዝፍለጥ። ተጋደልቲ ብ1993 ዘልዓሉዎ ናዕቢ ከም ዝፈሸለ ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ፡ ንካልኣይ ግዜ ናዕቢ ከየልዕሉ፡ ኣንጻር ጎረባብቲ ኩናት እናጻሕተረ ከጥፍኦም ከም ዝጸንሐን ዘሎን ምዝንጋዕ፡ ሞት ምጽባይ ኢዩ። ኢሳያስ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ከጥፍእ ዝመጸ፡ ሰብ ዝመስል ሰይጣን ምዃኑ ተግባሩ ዘረጋግጾ ሓቂ ኢዩ። ከምቲ ሓደ እንግሊዛዊ  መኮነን ንሓንቲ ኤርትራዊት ኣደ፡ “ምእንታኺ ኣይተቓለስኩን!” (I did not do it for you)  ዝበላ፡ ኢሳያስ፣ ንህዝቢ ኤርትራ፣ ስልጣን ንምብሓትን፡ ሃገረ ኤርትራ ንኢትዮጵያ ንምርካብን እምብር፡ ‘ምእንታኻ ኣይተቓልስኩን!’  ኢዩ ዝብሎ ዘሎ። ካብ ሕጂ ንድሓር  ግን ኢሳያስ ኣይተፈለጥኩን ብዝብል ፈሊጥ ካብ ኤርትራዊ ዝለዓለ ኤርትራዊ መሲሉ ክፉእ ግብሩ ከይቅጽል ምቅላዕ ኣድላዪ ኢዩ። ዝጸደቐ ቅዋም ከይትግበር፡ ‘ውያኔ ወሪሮምና!’ ብማለት ንህዝቢ ኤርትራ ኣደናጊሩ ኩናት ወሊዑ። ናይ ኣመሪካን ሩዋንዳን መንግስታት፡ ዝተወልዐ ኩናት ብሰላም ንምህዳእን ንምፍታሕን ዘካየዱዎ ጻዕሪ ምቕባል ተሓሲሙ፡ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ መንእሰያት ኣጽኒቱ። ንባዕሉ ተዋሪዱ ንሃገር ኣዋሪዱ። ብዝፈጸሞ ገበን ክንዲ ዝሕተተን ዝፍረድን ከኣ፡ ገበኑ ብፍላይ ናብ ጉጅለ 15 ኣላጊቡ፡ ንሕልፈት ፈሪዱ ከም ጨው የሕቅቖም ኣሎ። ንህዝቢ ከንቅሓ ጀሚረን ዝነበራ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዓሸጉ። ነዳላውተን ጨውዩ: ኣጥፊኡ።   ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዘለዉ ካብ ምጥፋእ ሓሊፉ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ’ውን ንብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዘረኻኸበሎምን ግዳይ ክፉእ ተግባሩ ከም ዝገበሮምን’ዩ ዝግሃድ ዘሎ። ሓደ ኣብ ፓልቶክ ዝሰማዕኩዎ ከም ኣብነት ክጠቅስ። ሓደ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ፣ ‘እንተፈጸምካዮ (እንተቀተልካዮ/ካያ) ጽቡቕ፡ እንተዘይፈጸምካዮ ጽባሕ ንኣኻ!’ ዝብል ዘሰምብድ ደብዳቤ ካብ ኢሳያስ ከም ዝበጽሖን፡ ንሱ ግን ከም ዘይተዳህለን ብድፍረት ዘቃልሖ ኣብ ፓልቶክ ተሰኒዱ ዘሎ ምውካስ ይከኣል።

‘እዝጊ ክጸልእ ምኽሪ ይኸልእ!’ ከም ዝብሃል፡ ሕወሓት ከኣ ንሚእቲ ሚልዮን ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ጸዊዖም ዝፈነዉዎ ግብረ መልሲ ከኣ፡ ጽላለ ዝዓብለሎ ኔሩ አንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ናይ ሓባር መሪሕነት ዝነበሮም ዝመስሉ ዝነበሩ ሕወሓት፡ ኢሳያስ ገባሪ ሓዳጊ ምዃኑን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደናጊሩ ኩናት ከም ዝወልዐን እናፈለጡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምቕጻእን ንምጥፋእን ዝሓለነ፡ ትግራይ ለባም ከም ዘይነበራን ዘይብላን ዘምስል፡  ኣዕናዊ ኩናት ብምክያድ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ፡ ክልቲኡ ጎረቤት ህዝብታት ብሓዘን ክዝክሮ ዝነብር፡ በደል ፈጺሞም እንተተባህለ፡ ካብ ሓቂ ምርሓቕ ኣይኮነን። ኣብቲ ንዓለም ከይተረፈ ዘሰምበደ፡ ‘ናይ ክልተ መላጣት ብመዘርገፍ ዝበኣሱ ኩናት! ተባሂሉ ዝተሰየመ፡ ኩናት ብኣሽሓት ዝቑጸር ዝሓልየሉ መንግስቲ ዝሰኣነ መንእሰይ ህይወት ተቐዚፉ ተሪፉ። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ቤተሰብን ተበታቲኖም፡ ቁጽሮም ዘይፍለጥ ቆልዑ ዘኽቲሞም ተሪፎም። ዝገብሮ ዝጠፍኦ ህዝቢ ከኣ፣ ካብ ኩናት ምውላዕን ምጥፋእን ጥራይ ዝፈልጡ መራሕቲ የድሕነና! እናበለ ምጽላይን ምምህላልን እምበር ካልእ ኣማራጺ የብሉን።

ወያኔ፣ ኢሳያስ ብዶብ ብምስባብ ዝወልዖ ኩናት ምኽንያት ብምግባር፡ ነቲ ሓውን ጎረቤትን ዝኾነ፡ ሓቢሩ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓቢሩ ዝተዋደቐን ናይ ሓባር ጸላኢ ዝነበረ ደርግ ዝጎሓፈን፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ዝዓለመ ምግባሮም  ዘሕዝንን ዘጉህን፡ ንዓመታት ክቕጽልን ዝኽእልን ሳዕቤኑ ዘሎዎን ኩናት ምስ ተጀመረ፡  መራሕቲ ወያኔ፡ ‘ናይ ሓባር መሪሕነት ከም ዝነበሮም ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ፡ ዝሓበጠ ቅልጽሞም ነባሪ መሲሉ ስለ ዝተራእዮም፡ ካብ ካብ ውልቀ- መላኺ ኢሳያስ ዝገደዱን ዝኸፍኡን ከም ዝነበሩ’ዩ ተግባሮም ዘረጋግጽ። ኣይተ ገብሩ ኣስራት፣ “ዝተኸፍለ ይከፈል ኩናት ክቕጽል ኢዩ!” ብማለትን ዝድርጉሖ ዝነበረን ካልእ ምድጋሙ ዘጽልእ ጎስጓሳት ብምክያድን ንህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ኩናት ኣይካይዶም።  ነቲ ኢሳያስ ወሪሩ ዝሓዞ ባድመ ካብ ምምላስ ሓሊፎም፡ ንኤርትራ ክጎብጡን ዝነበረ ሃብትን ጥሪትን ክዘምቱ ፈቲኖም። ሓደ ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ ኤርትራ ንበረኻ ከም ዝስደድ ጌሮም። ዝገደደ ከኣ ነቲ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ‘ኣሕዋትና ከለዉ እንታይ ከይንኸውን!’ እናበለ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብርን፡ ንወይኒው ንዓመታት ዝድግፍን ብገንዘብ ዝሕግዝን ዝነበረ፡ ንብረቱን ገንዘቡን ዘሚቶም፡ ኣብ ዝባኑ ዝነበረ ክዳን ጥራይ ለቢሱ፡ ብተኣፋፊን ኩናት ዝካየደሉ ዝነበረን ቦታታት ኣባርሪሮም። ብሕሱር ዋጋ ንብረቱን ገዝኡን ሸይጦም። ገሊኦም ብዘይደኸሙሉ ገንዘብ ሃብታማት ኮይኖም። ናይ ገሊኦም ኤርትራውያን ገንዘብ፡ ኣብ፡ ‘ብወጋገን ባንክ!’ ዝፍለጥ ናይ ወያኔ ባንክ፡ ኣታዊ ጌሮም፡ ‘ብሽሞም ተቐሚጡ ኣሎ!’ ኢሎሞም። ብውሑዳት ኤርትራውያን ብሕብረት ኣብ ዝተኸፍተ፡ ብ ‘ሆርን ኣፍርቃ ባንክ! ዝፍለጥ ባንክ ዝነበረ ገንዘብ’ውን፡ ናብ ወጋገን ባንክ ኣታዊ ኮይኑ። እታ ባንክ ኣብ ኢትዮጵያ ዳርጋ ዝሃብተመት ባንክ ኮይና። ኣብ መንጎ ክልቲኡ ዝተካየደ ኩናት ብስምምዕ ደው ምስ በለን ኩነታት ምስ ሃድአን፡ ወያኔ፣ ‘ኤርትራውያንን፡  ተመሊሶም ኣብ ባንክ ዝተቐመጠ ገንዘቦም ክወስዱ ይኽእሉ’ዮም፡ ዝብል ብወያኔ ዝተመሓላለፈ መግለጺ ብምስማዕ  ገንዘቡ ክወሰድ ንኣዲስ ኣበባ ንዝኸደ ኤርትራዊ ላዕልን ታሕትን ክብል ጥራይ ገንዘቡን ህይወቱን ዝሰኣነ ውሑድ ኣይኮነን።

ኢሳያስን ሕወሓትን ዝፈጸሙዎ ግፍዕታት ከኣ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፣ መዲድን መጥሓንን ኮይኖም፡ ቃቒሮም፡ ከጥፍኡዎ ከም ዝተላዕሉ ዘምስል’ዩ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ምርሓቕ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን፡ ከም ጎረበት ተኸባቢሩ፡ ብሰላምን ፍቕርን ምትሕግጋዝን፡ ክነብር ዝደልን ዝምነን ህዝቢ ምዃኑ ዘየጠራጥር’ኳ እንተኾነ፡ ለባማት መራሕቲ ብምስኣኑ ሰናይ ትምኒቱን ተስፍኡን ሕልሚ ኮይኑ’ዩ ዝተርፍ ዘሎ። ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ሓበሬታት ዝሓለፈ ጌጋታት ካብ ምድጋም ንምድሓን ዝሕግዝን፡ ዝስዕብ ወለዶታት ኣብ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከይወድቕ ዘጠንቅቕን ምዃኑ ዝስሓት ኣይኮነን። ብሰላምን ፍቕርን ሰናይ ጉርብትናን ክነብር ዘለዎ ትምኒት ክሰምረሉ ዝኽእል ከኣ፡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ በቲ ብናይ ዓለም ቤት ዝተፈርደ ዶቡ ተሓንጺጹ፡ ነናቱ ፈሊጡ ክነብርን እንተኻኢሉን ለባማት መራሕቲ ክረክብ እንተኽኢሉን ምዃኑ ዝስሓት ኣይኮነን። ኣብዚ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ፡ ዝሓለፈ ብምግምጋምን፡ ንቕድሚት ንምስጓም ከኣ፡ ‘እንታይ ንግበር? ንዝብል ሕቶ ዘዕግብ መልሲ ብምርካብን መጻኢ ዕድሉ ብሩህ ንምግባር ዝዓበየን ፈታንን ዕማም ይጽበዮ ከም ዘሎ ዘተሓሳስብ’ዩ ብዝብል ተስፋ ዝቐረበ ኢዩ።  እንተዀነ ግን ሕጂ’ውን፡ ናይ ኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስቴር ዶ/ር ዓቢይ፣ ዝብሎን ዝገብሮን፣ ካብቲ ዝሓለፈ ናይ ሃይለስላሴን ደርግን፡ መሰልን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝጠሓሱን ከምበርክኹዎ ስለ ዝተላዕሉ፡ ክልቲኡ ህዝብታት ንዓመታት ከም ዝዳመ ምግባሮምን ውድቀቶም ከም ዘቀላጠፉን ክምሃር ስለ ዘይከኣለ፡ ንህዝብታት’ዚ ናብቲ ዝሓለፎ ናይ ኩናትን ህልቂትን ሓደጋ ክመልሶ ዝህንጠ ዘሎ’ዩ ዝመስል። ከምቲ፣ ‘ኣብ ዘይመንጠቢትክን ኣይተእዋ ኢድክን!’ ዝብል ንዘይለበሙ ዘጠንቅቕ ምስላ ህዝብና ክምሃር ለበዋ’ዚ ህዝቢ ኢዩ። ኣብ ዓለም ከኣ፡ ንዋና ብዓል ጉዳይ፡ ‘ኣነየ ዝፈልጠልካ! ዝበልኩኻ ግበር ፈጽም! ምባል  ንህልኽ ዝዕድም፡ ድቃስ ዝኸልእ፡ መርዛም ተንኮል ወይ ገበን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።  ይቕጽል

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 11 መጋቢት 2019

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Hagherawi March 21, 2019

    እሰያስ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ገበነኛታት ናይዚ መዋእል ሙዃኑ ዳርጋ ኩሉ ኤሪትራዊ እንዳ ተረዶኦ ይመጽእ ኣሎ።
    ሕጂ እቲ ናይ ምእላዩ ዕማም ፥ ናዓና ጥረይ ስለ ዝምልከት ፥ ቀልጢፍና ኣብ ተግባር ንስገር።
    ሓድነትና ነደልድል ፥ ስርርዕና ነጸብቅ ፥ ቀድምነት ንመንእሰያትና ንሃብ። ንሶም ይምሩሑና።
    ኤሪትራዊ መንነት ኣብ ምሕያል ንንጠፍ።
    ኤሪትራና ንዘልኣለም ከቢራ ትንበር።

  • Weldetensea Bogos March 21, 2019

    Ane zigermeni gin Isaias ethiopiawi nibel iski, imo beynu intay kigebir yikil nimintay ina sebat nedenagir nimintay haki zeynigelix.
    General Sibhat Efrem
    M. general Filipos W/Yohannes
    M. general Tekle Manjus
    M. general Teklay Habtesilasie
    B. general Hadish Efrem
    B. general Wedimoke
    B. general Wedimemhir
    B. general Wedihanis
    B. general Wedifirzun
    B. general Gaim (Halafi nay dege sileya)
    B. general Wedibaria (Halafi mengistawi gerajat), izomin kaliot dekekti halefti nihizbi Eritrea zexnetu meniyom silemintay lokbetbet, deki kaliot aworaja yelewon maletey aykonen kemnibeal M. general Samuel China B. Risimirak iwon bizuh geben feximom iyom kendi gin nihager liili Isaias zebresu izom ablili zitekeskuwom iyom, Isaias bizykaom hanti kigebir aykilin iyu.

    • Fisahaye March 22, 2019

      Weldetensea, spot on and great observation brother. Without the rotten enablers DIA is nothing.

  • Hagherawi March 21, 2019

    “Ane zigermeni gin Isaias ethiopiawi nibel iski, imo beynu intay kigebir yikil nimintay ina sebat nedenagir nimintay haki zeynigelix.”

    Weldetensea Bogos

    The list of Iseyas’ yes men is much longer than the one you posted above.
    People are not saying Iseyas alone takes responsibility for crimes being committed against Eritreans. Higdef, the so-called Generals, Politicians, security officers and many others who work for him are criminals too.
    His is not being targeted for being a Tigreyan, not at all. He is hated for being a criminal.
    WelWel, one of the founding fathers was a Tigreyan too, but people have a lot of respect for him.

    • Fisahaye March 22, 2019

      If you are not Tigrean originally yourself then where would you have come from to Eritrea?

  • k.tewolde March 21, 2019

    Bogos,it is called ‘perks’,’enticement’,…humans are weak,they get compromised easily,they become hired foreign agents and treasonous for few dollars and a nice four wheeler not to mention access to a den of good looking chicks,forget this list of old ‘soldati di fortuna’ who hate to work and can’t function as productive citizens in a free and democratic society and earn an honest and decent living,a full fledged brass generals graduated from world’s elite military academy with impeccable service to their country with great salary and a handsome retirement package are falling prey to the bait I mentioned above. Can you imagine in a lawless authoritarian third world country with unemployment rate of __% an GDP of __%,I leave it to the readers contemplation.It is a collusion,a pact of a few posse that says ‘we live or die together’. Something got to give.

  • Weldetensea Bogos March 21, 2019

    I AM NOT CONVINCED BY YOUR ADMONITION AT ALL, THESE GENERALS WHICH I MENTIONED ABOVE CONTROL ALL RESOURCES OF THE COUNTRY AND THEY DON”T NEED ANY APPROVAL TO USE THE RESOURCES AND TO PERPETRATE CRIME AGAINST INNOCENT CITIZENS OF THE COUNTRY. I WONDER WHY THESE CRIMINALS COME FROM ONE AREA?

    • k.tewolde March 21, 2019

      I am not here to convince you Bogos,just stating my opinion.I don’t even know or came across these shady characters like you seem to identify them one by one or which area of the country they came from.One thing obvious is, they all have tigringa name like mine and yours,did that make us criminals like them? It is irrelevant to me whether they come from one area or different corners of the country,that wouldn’t make it an attractive authoritarian regime ,would it? They are blood sucking generalissimos who graduated from the school of the tyrant hand picked and decorated by him,period.

      • Weldetensea Bogos March 21, 2019

        Himamna kifiwes intekoynu kinhabeo yebilnan, izom zitekeskuwom kulom deki Asmeran kebabian iyom. Hizbi Eritrea kea biom iyu zisake zelo, neti inbaba nesnisu zitekebelom hizbi natom iwon aynehafiwon.

        • Sol March 21, 2019

          Bogos, these guys are just robots created by the dictator to use them as tools of control to prolong his brutal rule. The day they stop to operate as robots their fate will be elimination. When we chose not to fall in the traps of the dictator’s systematic policy of divide and rule we are not concealing our wounds but we are reserving our national unity to gain our freedom.

  • Danilo March 21, 2019

    ብርግጽ እዛ ሃገር ከም ምሳር ዝበዝሓ ኦም ወይ’ውን ከም ኣብ እሾኽ ዝተጸግዔት ቆልቋል ክንምስላ ዝከኣል ይመስለኒ።

    ቀዳማይ፡ብእስትራተጂካዊ ኣቀማምጥኣ ከም “ንጓልሲ ዝግፍሓላ’ምበር ዘጽብበላ ኣይትረክብን ” ከም ዝብሃል እቶም ሓያላት ዝነበሩን ዘለዉን ኩሎም ምእንቲ ረብሕኦም ከም ሓንቲ ጎርዞ ወላ ንዝብኢ እሞኺኣ ብዘይ ገለ ገዝሚ ንመስፍናዊ ስርዓት ኢቲዮጲያ ኣረኪቦማ።

    ካልኣይ፡ሹማምንቲ ኢትዮጲያ እንትርፊ ከንብዑዋን ከብርሱዋን ዝተዓዘበት ኤርትራ ካብቲ መርዚ ዘለዎ እሾኽ ፈንቲታ ግን ሩፍታ ኣይረኽበትን ምኽኒያቱ ምዓል እሾኽ መርገም ክሳዕ ዘለዉ።

    ሳልሳይ፡እቲ እሾኽ መርገም ከይ ሪኣናዮ ዝወግእ፡ከይሰማዕናዮ ዝሰርቅ፡ዕሉል ሽፍታ ስርዓት ሎሚ ዕዳጋ ተመን ብለይቲ ተመንይዎ ቀትሪ ምድሪ ሃገረ-ኤርትራ ዝሸይጥ ምሪኣይና ለካ ! ” እቲ ብድሕሪት ዝተርፍ ኩፉእ ክርኢ እዩ ” ዝበሎ ስዉእ እስከ ተስካር ንግበረሉ ክንቀስን ወይ ከነቅስን?።

  • Mussie March 22, 2019

    @Wedi Bogos:
    That is the kind of critical thinking that is missing in many Eritreans. I thank you for your balanced view.
    Why do this so called “Tekie” want to focus on the origins of Isaias? Clearly, he wants to give the message that “We Eritreans” are special people who could not do wrong, or bad things! Clear stupidity, and hypocrisy. Amselu (in Tigrigna?)
    Wedi Bogos have listed some of the tens of thousands criminals of “pure” Eritean origin. Worse, the writer wants to blame the tragic “war of annihilation” on TPLF. Is that a vogue? Fashion to blame a war everybody knows, and PFDJ has accepted it is the aggressor, while you want to blame the EPRDF (TPLF you called it) as aggressor? It’s shameful on Assenna to entertain such emotional, immature,and criminal articles that lack any semblance of journalistic standards and ethics!
    If the editor of Assenna doesn’t care of the contents that appear on his website, there are citizens that care, and there could be ethical and legal consequences down the line!
    Assenna don’t make me feel any more ashamed of my identity, as I’m already cringing with shame and pain for all the tragedy unfolding about we Eritreans!

    • Fisahaye March 22, 2019

      Mussie and Weldetensea, I love your both level headed comments and couldn’t agree more.

  • Sol March 22, 2019

    Mr. Many names, after a short and quick update is back using some new fresh names.

Post a Reply to Fisahaye Cancel Reply