Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ናብ ኢድ፡ ‘ከምዚ ዶ ዝኸውን መሲሉና!” እናበሉ ዝሓልፉ ድያ ትምለስ ዘላ’ዛ ሃገር!!

ሰላም ኣሕዋት። እስከ ንተሓታተት። ህዝብና ብኸመይ ኣብ ምድራዊ ገሃነብ ወዲቑ ከም ዘሎ ክንፈልጥ ንጽዓር። ኤርትራውያን  ዝፈትዉዎም ወለዶምን ሃገሮምን ራሕሪሖም፡ ይስደዱን ይሃድሙን ከም ዘለዉ ዘይሰምዐን ዘይረኣየን የለን። ዝገርምን ዝሕዝንን ከኣ፡ ቅድሚኦም ዝተሰዱ፡ ንጠፍእ ኣለና! ዝብል ኣውያቶም

ሰላም ኣሕዋት። እስከ ንተሓታተት። ህዝብና ብኸመይ ኣብ ምድራዊ ገሃነብ ወዲቑ ከም ዘሎ ክንፈልጥ ንጽዓር። ኤርትራውያን  ዝፈትዉዎም ወለዶምን ሃገሮምን ራሕሪሖም፡ ይስደዱን ይሃድሙን ከም ዘለዉ ዘይሰምዐን ዘይረኣየን የለን። ዝገርምን ዝሕዝንን ከኣ፡ ቅድሚኦም ዝተሰዱ፡ ንጠፍእ ኣለና! ዝብል ኣውያቶም እናሰምዑ፡ ከማና ብሓዊ ከይትቓሉ! ከይትሽየጡ! ካብ ዓድኹም ከይትወጹ! ዝብል ስምዕታን የምሓላልፉ ከም ዘለዉ እናፈለጡን ይስደዱ ምህላዎም ኢዩ። ካብ ኮፍ ኢልካ ሞት፡ ኣብ ሳዋ ተዳጉንካ ምጥፋእ፡ ዘይሓይሽ የለን! ዝብል ምኽንያት’ዮም ዝህቡ። ካብቲ፡ ‘ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት! ዝብል ምስላ ቀዳሞት ተማሂሮም ክልብሙን ነብሶም ካብ ምጥፋእ ከድሕኑን ኣይከኣሉን። ሃገርና ምሕረት ድእ የውርደላ’ምበር ብሕማም፣ ፍርሒ፡ ራዕዲ፡ እንታይ ገደሰኒ፡ ጥራይ ንኣይ ይጥዓመኒ፡ ተታሒዛ’ያ ዘላ። ፍርሒ እንተሃዲምካላ’ያ መሊሳ ትሽድን። ኣርኪባ ትጎብጥ። ደፋር ጥራይ’ዩ ከኣ ዝስዕራ። ንሱ ከኣ፣ ኣጆኻ! ምስኻ ኣለና! ዝብሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ክረክብ ከሎ’ዩ ዝደፍር። ኣነ ጓሉ! እቲ ወደይ! እታ ጓለይ! ከለኹ ብህወተይ! ኢለን ምስኡ ዝስለፋ ዋዕሮታት ከም ዘለዋ ምሰረጋገጸ’ዩ ዝልዓል። ተዓጢቑ ንጸላእቱ ዝሕምሽሽ። ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበሩን፡ ትምህርቶምን ስርሖምን ጠንጥኖም፡ ካብ ወጻኢ ተመሊሶም ዝመጹን ብሓባር ኮይኖም’ዮም ቅያ ጀግነንት ፈጺሞም ሃገርና ናጻን ልኡላዊት ዝገበሩ። ሎሚ ሃገር ከድሕን ክዕጠቕ ዝግብኦ ዜጋ ዝስደድ እንተኾይኑ ግን ንመን ሒዙ’ዩ ህዝብና፣ ቅዋም ይተኸል! እሱራት ይፈትሑ! ዶብና ይተሓንጸጸ፡ እንተዘየሎ!! እናበለ ዝሕንሕን ዘሎ!! እቶም ትሕቲ መሬት ሰፊሮም ዝሓቁ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናከ ንመንዮም ብተስፋ ዝጽበዩ ዘለዉ! ዝሓለፉ ጀጋኑ ብጽፈጸሙዎ ጅግንነት ዝምካሕን ዝፍክርን እምበር ኣሰሮም ስዒቡ ጅግንነት ዝፍጽም ወለዶ የብላን ድያ’ዛ ሃገር? ናጽነትና፡ ናይ ኣምሶሉታት ክትከውን ድያ መጺኣ?  ናብ ኢድ፣ ‘ከምዚ ዶ ዝኸውን መሲሉና!” እናበሉ ዝሓልፉ ድያ ትምለስ ዘላ’ዛ ሃገር?!  ዝመተላ ትሕቲ መሬት ሰፊሩ ዝሓቀላ፡ ዝቐትላ ዝዕንድረላ ክትከውን ድያ ተፈሪዳ’ዛ ሃገር፣?!  ጽሓይና በሪቓ!  እናበለ ህዝብና ዝዓለለላ፡ ‘ጽሓይ‘ ስለ ምንታይ ኢያ መሊሳ ትጽልምት ዘላ? ምኣስያኸ መሊኣ ትበርቕ?! መርፍእ ህግደፍ ዝተወግኡ ናብ ልቦም ምስ ተመልሱ? ዝተሰዱ ምስ ተመልሱ? ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ሓቢሮም ምስ ተላዕሉ? ነዚ ብተኮልን ክፉእ ምህዞን ዘይቅደም ኢሳያስ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ከይጠፍአ ካብ ስልጣን ክኣልዩዎዶ ይኽእሉ?! ሎሚ’ኮኢሳያስ፣ ነዛ ብመስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ናጻን ልኡላዊትን ዝኾነት ሃገርና፡ ከም ህያብ ናብቶም ህዝብና ካብ ሃገሩ ዘባረሮም ክመልስ ይደናደን’ዩ ዘሎ። ነዚ ጉድ እናሰምዐን እናረአን ዝድቅስ ወይ ዘጽቅጥ ዜጋ ከኣ፡ ብደዉ ዝመተን ቀብሩ ዝጽበን ጥራይ ኢዩ።

እስክው ነዚኦምን ንስኻትኩም ትዝክሩዎምን ሕቶታት ብምውሳኽ ዘዕግብ መልስን ፍታሕን ንምርካብ ንበላሓት! ካብቶም ንህዝቦም ከፍልጡን ከንቅሑን ዝጽሕፉን ዝገልጹን ዘለዉ ከም ብዓል ተስፋየ ተምነዎን የማነ ተክለገርግስን፡ ናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሓትን (ሶሺያል መድያ) ዝተመሃርናዮን፡ ዝረኣናዮን፡ ዝሰማዕናዮን ወሲኽና፡ ጠንቂ ናይዚ ህዝብና ዘንጸላልዎ ዘሎ ሓደጋ ንምፍላጥን ፍታሕ ንምርካብን ንጽዓር! ህዝብና ወላ’ኳ ዘይጽዓድ ጅግና ከም ዝነበረ፡ ቅልጽሙ ዝጠዓሙ ባእዳውያን ከይተረፉ ዘረጋግጹዎ ሓቂ’ኳ እንተዀነ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ህዝብና ብ ‘ግዝኣት ቱርኪ! ዝፍለጥ ዘስካሕክሕ ባእዳውያን በብተራ ዝቐጸሉዎ ወራራትን፡ ህዝብና ክዳኸምን ንሓደጋ ክጋለጽ ከም ዝጸንሐ ዝዘክር ኢዩ። ከምቲ፡ ኣይትብከ እንድዩ ዘብክየኒ!‘ ዝተባህለ ግን ሎሚ ዘንጸላልዎ ዘሎ ሓድጋ፣ ካብቲ ናይ ባእዳውያን ዝሓለፈን ዝገደደን ዝመረረን ስለ ዝኾነ’ዩ ደም ዘንብዖ ዘሎ ንህዝብና። ከምቲ፡ ‘ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበኸ! ዝብሃል፡ ህዝብና ዕድሉ ከፊኡ፡ ንዘበናት ብዘካየዶ ቃልሲ፡ ወራራትን መግዛእትን፡ ንሓንሳብ ንሓዋሩን፣ ጉሒፈዮ! ናጽነተይ ጨቢጠ! እናበለ፡ ብኢሳይስ ዝምርሑ! ህዝብና ደቀይ! እናበለ ሓብሒቡ ዘዕበዮም ውሑዳት ጠላማት! ናጽነቱ ጨውዮም፡ ናብ ዝኸፍአን ዝመረረን ዓዘቕቲ ኣጥሒሎሞ። ንሃገርና ናብ ምድራዊ ገሃነብ ለዊጦማ። ህዝብና ከኣ፣ ‘ካብ ፈታዊየይ ዝብሎ ድኣ ሓልወኒ እምበሪ ንጸላኢየስ ኣለኒ በትሪ!’ እናበለ ዝምህለል’ኳ እንተነበረ፡ ካብታ ዝፈርሃ ኣይወጸን። ኣንጻር ፈተውተይ ዝብሎም ናይ ምምካት ክእለትን ዓቕምን ስለ ዘይነበሮ ግዳይ ጠላማት ደቂ ውሻጠ ኮይኑ ይጽንት ኣሎ። ሎሚ ነዚ ዘንጸላልዎ ዘሎ ሓደጋ ንምቕንጣጥን፡ ንህዝብን ሃገርን ንምድሓንን ዘይልዓል! ምስ ምዉት ድዩ ምስ ምንታይ ከም ዝቑጸር እንድዒ። ሕልንኡ ዝመርመረ ጥራይ ኢዩ ዝፈልጣ።

ከምዚ ሎሚ ዘይኮነ፡ ህዝብና ባእዳዊ ወራሪ ክመጽእ ከሎ ከም ቆፍኡ ዝተተንከፈ ንህቢ ኮይኑ፡ ብሓባር ተላዒሉ፡ ንጸላእቱ ይስዕርን ይጉሑፍን ከም ዝነበረ’ዩ ታሪኽ ዝምህረና። ቅልጽሙ ዝጠዓሙን ዝጎሓፎምን ባእዳውያን ጸላእቱ ከይተረፉ፣ ‘ኩናት ክገጥም ከሎ ወረድ መርዓ’ዩ ዝመስል!’ ብማለት’ዮም ጅግንነት ህዝብና ዝገለጹዎን ዘረጋግጽዎን። ወራሪ ክመጽእ ከሎ፡ ናይ ርዳእ ተርዳዳእ ነጋሪት ይሃርም፡ ብለይቲ ከኣ ኣብ ዝበረኸ ቦታ ኮይኑ፡ ሓዊ ኣንዲዱ፡ ናይ ሓደጋ ምልክት የመሓላልፍ ኔሩ። ህዝቢ ከኣ፣ ንብረተይ፡ ጥሪተይ፡ ስድራይ፡  ከይበለ ዕርፉን ነዊቱን ደርብዩ፡ ጉራደን ጭማራን ሒዙ ናብ ዝተሓቦሮ ቦታ ይነጉድ ኔሩ። ብባሕሪ ነጋሲታት፡ ደግለላት፡ ደገዝማቲ፡ ፊተውራሪ፡ ጭቃ ሹም፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ እናተመርሐ ንጸላእቱ ሰዳድ ወረ ዘይብሎም ምስ ሓምሸን ምስ ጎሓፈን፡ ንጀጋንኡ እናሞጎሰ፡ ነንዓዱ ይምለስ ከም ዝነበረ’ዩ  ዝዝንቶ። ባእዳውያን ጸላእቲ እናተበራረዩ ብዘካይድዎ ወራራት ህዝብና ንመራሕቱ ስለ ዘጥፍኡዎም፡ ንህዝቢ ስለ ዝበታተንዎ፡ ጠሚሩዎ ዝጸንሐ ልምድን ስርዓትን በብቁሩብ ስለ ዝተዳኸምዎ ግን፡ ሓያል ህዝቢ ኮይኑ ክቕጽል ኣይከኣለን። ንሓደጋ ክጋለጽ ከም ዝጸንሐን’ዩ ታሪኽ ዝምህረና። ብግዜ ብዓላትን ዝስማዕ ቱታ! ቱታ! ነቦኻ ምሰል! ዝብል ፈኸራን፡ ኣብ መርዓታት ዝረአ ናይ ደበላን ማሰን፡ ናይ ቀዳሞት ጅግነት ንምዝኽኻር ዝዓለመ’ዩ ዝመስል። ብፍላያ ክሳብ ሎሚ ሓሊፉ ሓሊፉ ዝስማዕ፣ ‘ኣቱም ሓማሴን ክተቱ ክተቱ!  እንተዘይከቲትኩም ትመቱ!!!  ኣቱም ኣከለጉዛይ ክተቱ! እንተዘይከቲትኩም ትመቱ! ኣቱም ሰራየ ክተቱ! እንተዘይከቲትኩም ትመቱ! ኣቱም ሰንሒት ክተቱ ! እንተዘይከቲትኩም ትመቱ!!! ኣቱም መታሕት ክተቱ እንተዘይከቲትኩም ትመቱ!!!!  ኣቱም ደንካልያ ክተቱ እንተዘይከቲትኩም ትመቱ!! ወዘተ…! ዝብል ማሰ ንህዝቢ ህጹጽ ናይ ኩናት መጸዋዕታ ንምሕላፍን ዝመጽእ ወለዶ ከይርስዖ ንምዝኽኻር ይደጋገም ከም ዝነበረ ምግማት ይከኣል። ’

ቱርኪ ነቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ጎላጉልን ወደባትን ኤርትራ ሒዙ ንሰለስተ ሚእቲ ዓመታት ንህዝብና ስለ ዝኸርደኖ ምስ ዓለማት ክራኸብን ክምዕብልን ኣይከኣለን። ድሕሪ ወራር ቱርኪ፡ ናይ ግብጽን፡ መሳፍንቲ ትግራይን ስዒቡ። ጣልያን፡ ህዝብና ካብ ወራር መሳፍንት ትግራይ ንምክልኻል ዝጠቅም ዕጥቂ ከቕርብ ብዝብል ምኽንያት ሓጋዚ መሲሉ፡ ነቶም መራሕቲ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብምትላል’ዩ ንሃገርና ዝኣተወ። ሓይሉ ምሰደልደለ ግና ንሃገርና ኤርትራ ከም ግዝኣቱ ኣዊጁ። ንህዝብና ንሓምሳ ዓመት ዝኣክል ከም ካልኣይ ደረጃ ዜጋ ኮይኑ ክነብር የገድዶ ስለ ዝነበረን ከም ዝመረሮን ንምግንዛብ፡ ናይ ሓንቲ ኤርትራዊት ኣደ ኣብነት ክጠቅስ። እዛ ኣደ ጣልያን ብእንግሊዝ ተሳዒሩ ካብ ሃገርና ተባሪሩ ክወጽእ ምስ ረኣየት፣ ሃገራ ካብ መግዛእቲ ሓራ ዝወጸት መሲሉዋ፡ ብሓጎስ ተሳዒራ፡ ንብዓታ ጸረረ ክተብል ዝረኣየ  ሓደ እንግሊዛዊ መኮንን፡ ‘ምእንታኺ ኣይተዋጋእኩን!!!’ ከም ዝበላ ኣብቲ፣ I Didn’t Do It For You: How the World Used and Abused a Small African… nation of Eritrea, ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ሚቸላ ሮንግ (Michilla Wrong) ዝደረሰቶ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣሎ። ምናልባት ብዛዕባ ሃገርና ካልእ መጽሓፍ እንተደሪሳ ከኣ፡(If she writes another book about Eritrea, the tittle would probably be; “How Eritrea Came to Betray itself)፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዝካየድ ዘሎ ዕንወትን ኣብ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕን ዝገልጽ ከም ዝኸውንን፣ ኤርትራ ብኸመይ ባዕላ ንባዕላ ከም ዘዕነወት ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማት ይከኣል። ጣልያን ካብ ሃገርና ምስ ወጽአ፡ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እንግሊዝ ክትጽንሕ፡ ድላይ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ተፈልጠ፡ መጻኢ ዕድል ህዝብና ሕቡራት መንግስታት ክውሰን፡ ድምጺ ህዝቢ ዘጽንዑ ወከልቲ ንኤርትራ ተላኢኾም። ናይ ዓደየ ዓደየ ጎስጓስ ተጓሃሂሩ ቀጺሉ። መራሕቲ ህዝቢ በብወገኖም ዝተፈላለየ ሓሳብ ሒዞም ንህዝቢ ከስድዑ ጽዒሮም። ማሕበር ኣንድነት ምስ ኢትዮጵያ፡ ኣል ራቢጣ ኢስላሚያን ኤርትራ ንኤርትራውያንን ግን ኤርትራ ናጻ ሃገር ክትከውን ዝቃለሳን፡ ፕሮ ኢታልያ (ምስ ጣልያን) ይሕሸና ዝብላ ውዱባት መስሪቶም። ህዝቢ ንመራሕቱ ተኸቲሉ ናብተን ኣርባዕተ ውዱባት ስለ ዝተኸፋፊለ፡ ዝበዝሐ ደጋፊ ከም ዘለወን ከምስክራ ዘካይድኦ ጻዕሪ ኣይሰመረለንን። ራእሲ ተሰማ፡ ‘ሎሚ ሓቢርና ሃገርና ናጻ ከትከውን ድምጽና ክነስምዕ ብዘይምኽኣልና ተመሊስና ዘይንፈኽቦ ዕድል ይሓልፈ ኣሎ! ጽባሕ ደቂ 25 ደቅና ደቂ ደቅናን ደሞም ከፍሱሱላ ኢዮም እዛ ሃገር!’ ደሞም ከም ውሕጀ ክዛሪ ኢዩ!’ እናበሉ የሰምዑን ይምሕጸኑን ከም ዝነበሩ ይንገር። ግን ሰማዒ ኣይረኸቡን። ማሕበር ኣንድነት ሕሉፍ ሓሊፎም ‘ኢትዮጵያ ወይ ሞት! ዘይበለ ወይልኡ! እናበሉ የፈራርሁን ንገለ’ውን ይቕንጽሉ ኔሮም። ኣባል ማሕበር ኣል ራቢጣ ኢስላሚያ ዝነበሩ ዓበደልቃድር ከቢረ ሃገርና ናጻ ክትከውን ኣለዋ! ዝብል ጽኑዕ እምነት ሒዞም ምስ ሰለስተ ብጾቶም፡ ናብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ጽሕፈት ንዩዮርክ ኣመሪካ ተረኺቦም ክገልጹን ከረድኡን ምስ ነቐሉ፡ ብድርኡ ምሸት ብዘይተፈልጡ፡ ግን ኣባላት ኣንድነት ምዃኖም ዝጥርጠሩ፡ ሰባት ስለ ዝተቐትሉ ናይ መጀመርያ ስዉእ ኮይኖም። ወከልቲ ሕቡራት መንግስታት ዝበዝሐ ድምጺ ህዝቢ ዝረኸበ ውዱብ ወይ ማሕበር ከም ዘይነበረ ተረጋጊጹ። ሃገርና ከኣ ከምተን ግዝኣት ጣልያን ዝነበራ ሊብያን ሶማሊያን ናጻ ክትከውን ዝነበራ ዕድል በርዒኑ። ኣብ ድርኩኺት በጺሓ ዝነበረት ናጽነት ርቒቓ። ሃገርና ኣብ ትሕቲ ሕሱም መግዛእቲ ንጉስ ሃይለሰላሴ ወዲቓ። ብናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ሽርሕን ናይ ኣመሪካ መንግስቲ ጥቕሙ ብምሕላውን ምስ ንጉስ ሃይለስላሴ ብዘካየዶ ስምምዕን፡ ከም መተዓረቒ ሓሳብ ተወሲዱ ኤርትራ ብስርዓት ፈደረሽ ምስ ኢትዮጵያ ክትቁረን ተወሲኑ። ቅድሚ ምውሳኑ፡ ‘ኤርትራ ንኤርትራውያን!’ ዝብሉ ብራእሲ ተሰማን ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ዝምርሑ ዝነበሩ፡ ንሓውቦ ኢሳያስ ደጊያት ሰለሞን ኣብርሃ፡ ከማኹሩዎምን ክሕግዙዎምን ከም ዝሓተቱዎም፡ ንሶም ግን ኢትዮጵያዊ ስለ ዝኾኑን ኣብ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ክኣትዉ ከም ዘይደልዩን ብምግላጽ ከም ዘይተሓባበሩዎም’ዩ ዝፍለጥ። ድሒሮም ግን ምስቶም ኣብ ኤርትራ ገዛኢ ዝነበሩ ልኡል ራስ ካሳ ሓቢሮም፡ ንኢሳይስ ተ፡ ሓ፡ ኤ፡ (ጀብሃ)  ንከጥፍእ ከም ዝለኣኹዎ’ዩ ዝንገር። ኢትዮጵያ ብስርዓት ፈደረሽን ክትቅየድ ድልየት ስለ ዘይነበራን ንኤርትራ ናብ ፊውዳል ስርዓት ንምምላስ ዝነበራ ድልየት ንምፍጻም ህዝብና ክጻወሮ ዘይኽእል ግፍዕታት የውርድ ስለ ዝነበረ ብረታዊ ቃልሲ ክጅምር ተገዲዱ። ብመጀመርያ ዝተጣዕሱን ከኣ፡ እቶም  ብማሕበር ኣንድነት ዝፍለጡ፡ ንካልኦት ዘፈራሁን ንገለ’ውን ዝቕንጽሉ ዝነበሩን፣ ሞትን ኢትዮጵያን ሓቢሩ ምስ መጾም፡ ዝነበሮም ስልጣን ምስ ተቐንጠጡ፡ ንኣዲስ ኣበባ ክዛወሩ ምስ ተኣዘዙ፡ ‘ከምዚዶ ዝኸውን መሲሉና! እናበሉ ብጣዕሳ ተበሊዖም፡ እግዚኣብሔር ይምሓርኩም! ዝብል’ኳ ከይረኸቡ ዝሓለፉ ንሳቶም ኢዮም።

ካብኦም ሓደ፡ ኣቡነ ማርቆስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ሓላፊ ዝነበሩን፡ ‘ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ሓንቲ ኢትዮጵያ!’ ዘይብለ ውላዱ ከይጥመቕ፡ ዝመተ ከይፍታሕ ዝኽልክሉን ዘውጉዙን ዝነበሩን ኢዮም። ‘መዓርግኩም ብጸላኢ ዝተዋህበ ስለ ዝኾነ ንኽጸድቕ በኢትዮጵያዊ ጳጳስ ክትቅብኡ ኣለኩም!’ ተባሂሎም። ክሳብ ናብ ግብጺ ተዋህዶ ቤተክርስትያን  ሙግት ከም ዝቐጸለ ዝፍለጥ’ኳ እንተዀነ ዘተዓርቕ ሓሳብ ኣይተረኽበን። ኣብ መጨረሻ ከኣ ብጓሂ ተበሊዖም ሓሊፎም። ኣባል ባይቶ ዝነበሩን ኣብ ምፍራስ ፈደረሽን ዓቢ ግደ ዝነበሮምን ቀሺ ድሚጥሮስ ባይቶ  ኤርትራ ምስ ተበተነ፡ ክብሮም ምስ ተቐንጠጠ፡ ንኢትዮጵያ ተዛዊሮም ኣማሓዳሪ ቤተክህነት ኮይኖም ምስ ተመደቡ፡ እዚ ኩሉ ንኢትዮጵያ ሰሪሕና ከም ዘይሰራሕና ኣብዚ ተደርቢና! እናበሉ ይቑዙሙ ከም ዝነበሩን፡ ብመንግስቲ ማኪና ስለ ዘይተመደበሎም ብእግሮምን ብታክስን ኔው ነጀው ይብሉ ከም ዝነበሩ’ዩ ዝፍለጥ። ጀነራል ተድላ ዑቕቢት ንናጽነት ዝቃልሱ ኤርትራውያን ብምህዳንን ምቕጥቃጥን ምጥፋእን፡ ፈደረሽን ንምፍራንስ ብዘካየዶ ተግባር ብንጉስ ሃይለስላሴ ሽጉጥ ዝተሸለመ፡ ምስ ፈረሰ ዝጽበዮ ዝነበረ መዓርግን ክብርን ክረክብ ይትረፍ ንእስዲስ ኣበባ ክዛወር ምስ ተኣዘዘ፡ ነቶም ላዕልዎት ትእዛዙ ዝፍጽሙ ዝነበሩ መኮንናት ፖሊስ ኤርትራ ኣኪቡ፡ ‘ንሕና ኢና ምስ ኢትዮጵያ ከም ትሕወስ ዝገበርና! ካብ ሎሚ ንድሓር ግን ናጻ ሃገር ኢያ! ንሕና ኢና ንዋጋኣላ! ሃየ ዕጠቑ! ብዘይካ ናተይ ናይ ካልእ ትእዛዝ  ከይትቕበሉ!’ ከም ዝበሎም’ዩ ዝንገር። ትእዛዙ ዝሰምዑዎ መኮንናት ግን፣ ‘ሎሚ ባዕሉ ምሰበላሾዎን  ምስ ተወድአን፡ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ  ተኸቢብና ከለና  እንታይ ግበሩ’ዩ ዝብለና! ጥዑይ ድዩ ጽሉል! ካብ ምባል ሓሊፎም ትእዛዙ ተቐቢሎም ኣይተላዕሉን። ጀነራል ዓቢይ ነቲ ጉዳይ ይከታተልዎ ስለ ዝነበሩ፡ ንጀነራል ተድላ ተለፎን ደዊሎም ንቤተ መንግስቲ ክመጽእ፡ ጸገም እንተልዩ ብዘተ ንፍታሓዮ! ከም ዝበልዎን፡ ጀነራል ተድላ ግን፡ ኣነ ጀነራል ንስኹም ጀነራል!’ ዝብል መልሲ ከም ዝሃቦምን’ዩ ዝንገር። ክልተ መኮንናት ናብቲ ናይ ጀነራል ተድላ ቤት ጽሕፈት ኣትዮም። ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ከኣ ጀነራል ዓቢይ ኣበበ፣ ‘ጀነራል ተድላ ባዕሉ ነብስ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ብምግላጽ ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ፖሊስ ኤርትራ፣ ‘ንስኻትኩም ናብ ስራሕኩም ተመለሱ!’  ብማለት ኣፋንዮሞም። ንጉስ ሃይለስላሴ፡‘ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድለየናን!’ ዝበሉዎ ምትግባር ቀጺሎም። ብዙሕ ዓድታት ኣንዲዶም፡ ብዙሕ ህዝቢ ኣጽኒቶም፡ ዋና ባሕራን ወደባታን ኮይኖም። ሰማያዊት ባንዴራ መንግስቲ ኤርትራ ወሪዳ ናይ ኢትዮጵያ ተሰቒላ። ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ናይተን፣ የማነ ባርያ “ ላሎየ ላሎየ! ላሎ! ወደባት ዓደይ ይረኣየኒ’ሎ!” እናበለ ዝዘመረለን ወደባት ሃገርና፡ ዋና ኮይኖም። ብ1956 ኣብ ባጽዕ ሓይሊ ባሕሪ መስሪቶም። ብዘይካ ውሑዳት ኤርትራውያን ኣባላት ባሕሪ ሓይሊ ካብ ካልኦት ክፍለ ሃገራት ክኾኑ ኣዚዞም። ““ህዳር 1943፣ ወደ ማሳዋ የምናልፈበት መንገድ ነጻ ነው!  ወደ ባሕር የምናልፍበት መንገት ክፍት ነው!Dec 1950; THE WAY WHICH LEADS US TO THE SEA IS FREE  ዝብል ዝተፈላለየ ዋጋ ዘለዎ፡ ንኣብነት ዝኣክል ስእሉ ዝርአ ዘሎ ቴምብራት ዘርግሖም። ኣብ ውሽጢ ወደባዊት ባጸዕ ፊት ንፊት ባንክ ኣብ ፈርስ ተወጢሖም ናብ ቀይሕ ባሕርና እናመልከቱ ዘርኢ ሓውልቲ ተሰርሒሎም ከም ዝነበረን ባጽዕ ናጻ ምስ ወጸት ብተጋደልቲ ብቲኤንቲ ከም ዝፈረሰን ዝዝከር ኢዩ። ንጉስ ሃይለስላሴ ብ1974 ብደርግ ካብ ስልጣን ምስ ወረዱ፡ ብናይ ኤርትራ ጉዳይ ምኽንያት ከም ዝወረዱ፡ ደርግ”ውን ጉዳይ ኤርትራ ክፈትሕ እንተዘይክኢሉ ካብ ስልጣኑ ክእለ’ዩ! ዝብል ብናይ ዓዲ እንግሊዝ ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ከም ትምቢት ክቑጸር ዝኽእል ተመሓላሊፉ ኔሩ። ኣብ ኤርትራ ላዕላዋይ ኣምሓዳሪ ዝነበረ ትራቫስኪስ፣   ‘Eritrea: A Colony in Transition 1941-52  ኣብ ዝብል መጽሓፉ፣ ‘ኢትዮጵያ ፈደረሽን ክተፍርስ ከም ትደሊ ምግማት ይከኣል፡ ክተፍርሶ እንተደልያ ከኣ ኣይጽግማን ኢዩ። ግን እንተዘይተፍርሶ ምሓሻ። ምኽንያቱ እንተ ኣፍሪሳቶ፡ ብምፍራሱ ምኽንያት ኣብ ኤርትራ ዝልዓል ሓዊ ክልከማ ኢዩ።’ ብማለት ስግኣቱ ከም ዝገለጸ’ዩ ዝፍለጥ። ብግዜ ደርግ ብወርሒ ለካቲት 1990 ብስርሒት ፈንቅል ንወደባዊት ከተማ ባጽዕ ሓራ ንምውጻእ ብዝተፈጸመ ቅያ ጅግነት ዝተረኸበ ዓወት ንምዝካር ኣብ ዝካየድ ዓመታዊ ጽምብል፡ ብናይተን ኣብ ጫፍ ጥዋለት ኣብ ብርኽ ዝበለ ቦታ ተሰቒለን ዘለዋ፣ ኮማንደር፣ ጃጓር፣ ታይገር፣ ዝተሰምያ ታንክታት ደሚቑ ይርአ። ናብ ውደባዊት ባጽዕ ብናይ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኣየር ዝወረደ ዕንወትን፡ ብናፓልም ቦምብታት ዝተቓጸለ ብዙሕ ህዝብን ኣብ ‘ቅብጸት!‘ ዝብል ቪድዮ ተቐሪጹ ይርከብ። እዚ ዘስካሕክሕ ዕንወትን ህልቂትን ዘርኢ ቪድዮ፣ ገሊኡ እናነብዐ ዝርእዮ፡ ገሊኡ ግን ክርእዮ ዘይክእል’ ሃገርና በዋዛ ዝተረኽበት ዝመስሎም ዓያሹ፡ ንካልኣይ ጊዜ ከይዕሸዉ ዘጠንቕቕ ኢዩ። መጻኢ ወለዶታት”ውን ናብ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከይወድቁ ከም መለበሚን መዘኻኸርን ኮይኑ ዝነብር ኢዩ። ብበዓመቱ ብዝካየድ ጽንበል ስርሒት ፈንቅል ክዝከር ዝነብር  ምዃኑ’ውን ዝስሓት ኣይኮነን።

ሃገርና ኤርትራ! ህዝባ ዲሒሩ ዝርዳእ፡ ብድቅሱ ዝዝመት፡ ካብቲ፣ “ያልጠጠረ ተመነጠረ!’ ዝብል ምስላ ጎራሓት ክምሃርን ክልብምን ስለ ዘይከኣለን ብዘይፍጸሙ መብጽዓታት ዝጥበርን ዝታለልን ኮይኑ እምበር፡ ናይ ኢሳያስን ዶ/ዕቢይን ወደኽደኽ ጣቃ ከም ዘይብሉ ምስ ተጋህደሉ፡ ዝተዓጻጸፍ ዋጋ ዝኸፍል እምበር ብቐሊሉ ዝምበርከኽ ህዝቢ ከም ዘይኮነ ፈታውን ጸላእን ክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ ኢዩ። ሕጂ ኢሳያስን ዶ/ር ዓቢይን ደቂ ድሓን መሲሎም፡ ካብ ህዝቢ ተኸዊሎም፡ ብሽም ሰላም፡ ፍቕሪ፡ ምድማር ዝካይድዎ ዘለዉ መናውራታት ምስ ተቐልዐን ምስ ተጋህደን፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ህዝብን ሃገርን ንምድሕን ከም ዝዕጠቕ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ደላይ ፍትሒ ጥራይ ዘይኮነ ደገፍቲ ህግደፍ ከይተረፉ ብዕድል ህዝቦምን ሃገሮምን ዝጣልዑ ከም ዘይኮኑ፡ “መሰረታዊ ዕላማ  ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ሃገር ንምምሕዳር ዘይኮነ፡ ንሃገረ ኤርትራን ህዝባን፡ ኣብ ዝተናውሐ እዋን በታቲኑ፡ ካብ ካርታ ዓለም ምድምሳስ፡ ኮይኑ ስለዝረኸብናዮ፡ ንሕናውን ነዚ ድጉል ዕላማ ከይስተብሃልና ክሳብ ሎሚ ኣብ ጎድኒ ኢሰያስ ተሰሊፍና ንሃገርናን ህዝብናን ስለ ዝበደልና፡ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ይቕረታ ንሓትት፡” ብማለት ዘውጽኡዎ መግለጺ ምስ ህዝቦም ከም ዝስለፉ ዘረጋግጽን ዝምስገንን ኢዩ። ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ህዝባዊ ማእበል ከም ዝልዓልን ህዝብና ናብ ዓወት ከም ዝበጽሕን ዘመላኽት ኢዩ። ህዝብና ብሽርሕን ጉርሕን ፖለቲካዊ መናውራን ግዳይ ተበለጽቲ ኮይኑ ከይተርፍ ዝሕግዝ ኢዩ። ሎሚ ህዝብና ክሳብ ንቕሓቱ ክብ ኣቢሉ፡ መሰሉን ክብሩን ክሕሉ ዝኽእል ግን፡ ከእክቡዎ፡ ክሕግዙዎ፡ ክሕልዉዎ፡ ዝኽእሉ ውፍያት ክውለዱዎ ብተስፋ ይጽበ ከም ዘሎ ዝስሓት ኣይኮነን። እዚ ከኣ ናብ ለባማትን ምሁራትን ዝወድቐ ሓላፍነት ስለ ዝኾነ ኣብ ዘለኹም ኣሊኹም ‘ኣለናልካ!’ በሉዎ ሓደራ። ጅግንነት ኤርትራውያን ተደጉሉ እምበር ኣይጠፍእን ኢዩ! ኢሳያስ፡ “የኛ ሰው በሳሕል!” ከድምዮን ከቑስሎን ጸኒሑን ኣሎን እምበር ክቐትሎ ኣይእክልን ኢዩ! ዝተኸፍለ መስዋእቲ ይከፈል፡ ኤርትራ ናጻን ልኡላዊትን ክይና ንዘለኣለም ክትንበር ኢያ!  2ይ ክፋል ይቕጽል።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 15 ለካቲት 2019

 

 

 

“DEC. 1950; THE BARRIER TO MASSAWA IS OPEND.” Back to squre One to the reign of Haileselassie and Derg Derg?

 

“DEC. 1950; THE WAY WHICH LEADS US TO THE SEA IS FREE.”  Back to Square One to the reign of Haileselassie and Derg?

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Hagherawi February 18, 2019

    እሰያስ ፥ ብሃይማኖትን ኣውራጃን ተጋደልቲ ዝመቃቅል ፥ ባዓል መርዛም እይዲዮሎጂ ሙዃኑ ፥ መብዛሕቲኦም ኣብ ገድሊ ዝነበሩ ደቂ ሃገር ፥ ካብ መጨረሻ 60ታት ዝፈልጡዎ ሓቂ እዪ።
    ዱሑር ማሕበራዊ ሕማማት ዘሳውር ሰብ ፥ ጡጡሕ ባይታ ከም ዘሎዎ ኣንጊሁ ብምፍላጡ ፥ እሰያስ ፥ ኣብ ዳርጋ 50 ዓመታት ዝቃረባ ናይ ፖሊቲካ ዕድሚኡ ፥ ነዘን ክልተ ሕማማት ሕብረተሰብና ፥ ገለ መሰረታዊ ለውጢ ናይ ሜላ ከይገበረለን ክሳብ ሎሚ ይጥቀመለን ኣሎ። ዳርጋ ጣኦት ኮይኑ ፥ ክብ ካልኦት ደቂ ሰብ ንላዕሊ ክረአ ጸኒዝሑ ። ንዑኡ ምምህላል ዝተረፎም ዉሑዳት ኣይነበሩን።
    ስለዚ ፥ ንሕና ከም ደቂ ሃገር ፥ ጉድለታትና እንተ ኣረምና ፥ ንሕናውን ኣብ ጥፍኣትና ዉሕድ ዘይኮነ እጃም ከምዘለና ምስ እንግንዘብ ጥራሕ እዩ፥ ጸላእና ከነባርር እንኽእል።
    ከይደነንካ ኣብ ሑቆኻ ክስቀል ዝኽእል የልቦን።

  • ዝበረቐ ጽሓየይ February 18, 2019

    ሓደ ካብዞም ጸረ ምድማር ዝኾኑ ተሓተትቲ ዝበሎ ትዝ ኢሉኒ ስምዒት እውን ይህብ “እቲ ናይ ኣቢይ ሕጽኖት ዝተወድኤ ይመስል ;ኣምሓራ እውን ይስልበጥዎ ኣለዉ ምኽንያቱ ልዕልና ኦሮሞ ዘምጽእ ተግባራት ይገብር ስለዘሎ ፠ ስለዚ ኣቢይ ብዘይ ጎኒ ኸይተርፍ መታን ነቲ ,ኣቢይ ጠቕላሊ ሚኒስተር እንተኾይኑ ነብሰይ ባዕለይ ከጥፍእ እየ ንዝበለ ዓይነስዉር ተጋዳላይ ወያነ ነበር መሪጹ ዓቢ ስልጣን ሂብዎ ኣሎ ፠ ደገፍቲ ህግደፍ ነበር በብሓደ ጌግኦም ተራእይዎም ናብ ካምፖ ደለይቲ ፍትሒ ይኣትዉ ኣለዉ,ህዝብና ደቁ ክዕንግልን ሕሱር እኽልን መሳርሒ ህንጻን ብኣቢይ ረኺበ ኢሉ ስለዝኣምን ኣብቲ ምድማር ዘስገለ ይመስል እዚ ግና ቀስ ኢሉ ክቕየር እሞ በዚሓ ህዝብና ምድማር ዝኣምን ዘሎ ብለውጢ ሓሳቡ ከነቐይሮ ንኽእል ኢና” በለ ፠ ስለዚ እዚ ጸረ ምድማርን ሓድነትን ካምፖ ተስፋ ዝረኸበ ይመስል ህዝቢ እንተተኸቲልዎ ድማ ኩላትና ህዝብና ዝደልዮ ክንቅበል እላቦ ፠

  • Hagherawi February 18, 2019

    “ህዝብና ደቁ ክዕንግልን ሕሱር እኽልን መሳርሒ ህንጻን ብኣቢይ ረኺበ ኢሉ ስለዝኣምን ኣብቲ ምድማር ዘስገለ ይመስል እዚ ግና ቀስ ኢሉ ክቕየር እሞ በዚሓ ህዝብና ምድማር ዝኣምን ዘሎ ብለውጢ ሓሳቡ ከነቐይሮ ንኽእል ኢና”

    ዝበረቐ ጽሓየይ aka Cow Face
    ኣንታ Cow Face ቁሩብ እባ ሕልና ያሃሉኻ !
    ባሕሪ ዘለዎ ስለምንታይ ፥ ንቆሎ ዘለዎ ይልምን ?
    እቶም ጸላእቲ ህዝቦም ዝኾኑ ጠላማት ዝፈጠሩዎ ኩነታት ንዖኦም እዩ ዝውክል።
    ህዝቢ ኤሪትራ ጸገሙ ፥ ኣብ ዓዲግራት ዝሽየጥ ፥ ሓሩጭ ማኣስ ኮይኑ ዉሒዱዎ ዘሎ ፥ ሓራ ኮይኑ ክነብር እዩ ዝቃለስ ዘሎ።
    እሰያስን መሰልቱ ከማኻ ከለዉ ፥ ከመይ እሉ ክቀስን ?

    • Deglel February 18, 2019

      But your “BAHIRI” sea ports without Ethiopia would be a playground/swimming of your camels.

      • Deglel February 18, 2019

        sorry my mistake, playgrounds and swiming pools of camels. Eritrea lost so much revenue from the sea ports in the past as Eritrea’s loss was Djibouti’s gain.

  • ዝበረቐ ጽሓየይ February 18, 2019

    Hagherawi
    ኣነ ዝሓበርኩዎ ሓደ ካብቶም ጸረ ምድማርን ሓድነትን ግሩፕ ዝበሎ እዩ; ናተይ መርገጽ ኣይኮነን፠ ድሓር ድማ ባሕሪ ፈታሕ ኩሉ ጸገም ድዩ ? ሶማል ዓቢ ባሕሪ ኣለዎም ካብ ቀደሞም ብምጽወታ እዮም ዝናበሩ ፠ ኤርትራና ድማ ኣንኳይዶ ተጋደልቲ ኣማሓዲሮማስ ጣልያንን እንግሊዝን (ፈረንጂ) ከምሓድርዋ ኸለዉ እውን ካብ ኢትዮጵያ ስርናይ ገዚኦም ክቕልብዋ ተኸኽ ኢሎም ኔሮም ‘ዮም፠ ምናልባሽ economics 101 መጻሕፍቲ ምንባብ ምጠቐመካ ኣብ ክንዲ እቲ ጀብሃ ሰብ ከተጋድል ዝተጠቕመትሉ “ኣምሓራ ወደባትና እንተዘይቋጻጸርዎ ኔሮም ብሃብትን ምዕባለን በሽበሽ ምኾንና ኔርና” ዝብል ፕሮፖጋንዳ ምእማን፠ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ተበኣስና ኤርትራና ካብ እኽሊ በርበረን ቡንን ካልእ ንናብራ ወሳኒ ዝኾነ ተሸጊራ ባይታ ዝዘበጠት ንምንታይ ድዩ? እቲ ማዕቀብ እኮ ኣብ መሳርያ ጥራይ እዩ ኔሩ ፠ ካብ ሃብቲ ምስ ኢትዮጵያ ድኽነትናን ክብረትናን እንተበልካ ኣይሓይሽን ?

    • Wedi Hagher February 19, 2019

      ባሕሪ እንተ ዘይሂብኩና ሰላም የብልኩምን ፤ እልኩም እንዲኹም ዕረፍቲ ከሊእኩምና ዘለኹም ?
      ናይ ኤሪትራ ቁጠባዊ ዓቅሚ፥ከምኡዉን ባህሪያዊ ሃብቲ ፥ ብዘይ ገለ ጸገም ፥ 10 ሚሊዩን ዝኸውን ህዝቢ ጡጡሕ ናብራ ክነብረሉ ዝኽእል እዩ።
      ኤሪትራ ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ፥ ኤትኒካዊ ጎነጽ የብላን። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዝገበርኩሞ ጻዕሪ ኩሉ ፈሺሉ።
      ናይ ሃይልስላሴ ብሃይማኖት ምፍላይ ፈሺሉ ፣ ሕጂ ድማ ናይ እሰያስ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ምፍላይ ፥ ዲሕሪ ሕጂ ብዘይድገመሉ ኣገባብ ፈሺሉ።
      ብዛዕባ እቶም ፥ ንብረቶም ኣብ ዓዲ ኣምሓራን ኦሮሚያን ገዲፎም ዝሃደሙ ተጋሩኸ እንታይ ምበልካ ?
      እታ ንስኻ ትሕበነላ እትዮጵያ ፥ ትግራዋይ ካብ ክልሉ ወጻኢ ሰሪሑ ክነብረላ ዘይክእለላ ሃገር ኮይና ኣላ።

      • Tesfazghi February 19, 2019

        Your evil moslem jihadists still slitting throats, are you still their full evil jihadist member?
        And what were you doing when our innocent Christian youth were being beheaded in your evil Libya? I bet you were bloody celebrating in your evil mosques.
        Rootless aslamay Kurdid – Adu ayifluT Awdu ayifluT, just get lost/rot in your evil Yemen.

        • Tesfazghi February 19, 2019

          “Libi Aslamay Tiwiyiway”, indeed or more like “Crooked like a Muslim evil heart”, is an expression that Iam sure you have all heard! We don’t f**king like you or trust you Kurdid evil Aslamay, you bloody suffer so much from identity crisis {being deported and dumped into Eritrea from originally Yemen and the from Ethiopia – Shire/Sheraro}, jealousy, treachery and most of all inferiority complex. And why are you f**king so ashamed to use your evil moslem names like evil Mohamed, Khalid, Bin laden and Mustaffa shits?

          • Tesfazghi February 19, 2019

            Hagheraw/Arebawy aka Wedi Hagher/Wedi Yemen aka Abdu {the African Center – London former waiter} Wedi Khedija hooker.

      • ዝበረቐ ጽሓየይ February 19, 2019

        Wedi Hagher,
        ናይ ኢትዮጵያውያን ባሕሪ ምድላይ ባዕሎም ይመልስዎ፠ኣነ ኸም ኤርትራዊ ባሕርና ኢትዮጵያ ተጠቒማትሉ ክትከፍለና ወይ ከምቲ ህዝብና ዝደልዮ ዘሎ ተደሚርና ሓደ ኾንና ሓቢርና እንተተጠቐምናሉ ሓቢርና ንምዕብል እብል ፠ ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ክትትኮስ እትኽእል ቦምብ ምኽዋና ልክዕ ኣለኻ በቲ ወያነ ዘጻወዶ ተተኮስቲ ክፍንጃዕ ይኽእልዩ ግን መንግስቶምን ህዝቦምን ክቋጻጸሮ ይኽእልዩ፠ኣብ ኤርትራ ከምኡ ሽግር የብልናን ንኹሉ ገባርን ሓዳግን እቲ ትግርኛ እዩ ተዋዳዳሪ ብዘይብሉ፠ ባሕርና ምስጢረ ካህናት ኮይኑ ተተርኢስናዮ ክንሓድር ዘይኮነ ወይ ኢትዮጵያ ብኽፍሊት ክትጥቀመሉ ወይ ተደሚርና ሓደ ኾንና ሓቢርና ክንምዕብለሉ እዩ፠

        • Hagherawi February 19, 2019

          ፠ ባሕርና ምስጢረ ካህናት ኮይኑ ተተርኢስናዮ ክንሓድር ዘይኮነ ወይ ኢትዮጵያ ብኽፍሊት ክትጥቀመሉ ወይ ተደሚርና ሓደ ኾንና ሓቢርና ክንምዕብለሉ እዩ፠

          ዝበረቐ ጽሓየይ aka Cow Face

          “መን መርዓት እኺን እሉክን ትኳሓላ” ?

          • ዝበረቐ ጽሓየይ February 20, 2019

            Hagherawi
            Are you even able to challenge or convince ? You seem to only clinge to cliches . Make a real sentence that gives sense….it is not rebuke but so that we can learn from eachother.

  • ዝበረቐ ጽሓየይ February 18, 2019

    ጅቡቲ ኸድኣ ምስዚ ኩሉ ባሕራ ሲንጋፖር ዘይኮነት ?

  • Wedi Hagher February 20, 2019

    “Are you even able to challenge or convince ? You seem to only clinge to cliches . Make a real sentence that gives sense….it is not rebuke but so that we can learn from eachother.”

    ዝበረቐ ጽሓየይ

    I am for open and candid discussion, but only if you stop posing as Eritrean.
    You could be born in Eritrea but that doesn’t make you Eritrean.
    What is more important is that you are Ethiopian by choice. Hence, there is no reason for you to pose as Eritrean other than attempt to confuse Assenna bloggers.

  • COW FACE February 20, 2019

    hagherawi/wedi hagher

    you exposed yourself for double identity however unlike you I would evaluate you on your opinion/”merit” as opposed to your actual identity.I am for መደመር for the good of Eritreans.It is called refferendum # 2 or democracy in action.As an Eritrean I could prescribe the solution I find fit for my people.Puerto rico ተደሚራ with USA yet it has certain individual rights as a country.You can not tell a puerto rican to be either puerto rican or american. Please learn history ,geography & above all reality.

    • Hagherawi February 20, 2019

      “you exposed yourself for double identity however unlike you I would evaluate you on your opinion/”merit” as opposed to your actual identity.”

      COW FACE/ዝበረቐ ጽሓየይ/Siye

      You have multiple identities none of which are real.
      You are not Eritrean neither by birth nor by choice.
      You are Ethiopian and that is the reason why you are for መደመር .
      Instead of hiding your real identity as your uncle Iseyas, because you are not fooling anyone, have some courage and speak as a proud Tigreyan, then you will have respect of the Eritreans. I respect only those who respect their own identity.
      I hate those who try to be Eritreans while they hate their own people in Tigray.
      Iseyas’ cousins and close relatives are everywhere in Tigrey and yet he want be close to Amhara. Why, because like you he hates his own identity.
      Because some stupid street boys in Asmara used to call him ‘Agame’, now an old man in his seventies hates Tigray and Tigreyans.
      Tigreyans born or lived in Eritrea should know that we Eritreans do not hate them. We respect the people of Tigray with whom we share a lot of things.
      But this does not mean we can tolerate those who work against Eritrea. We just can’t allow you that. Those who hate Eritrea should not waste their time in Eritrea.